Opinion

ብዋዛ ህይወትና ተቐዪሩ

እታ ተዅሲ ዝተጀመረትላ መዓልቲ ሰሉስ ምንባራ እዝክር። ምስ መሓዙተይ ቢራ እናሰይተና ነዉግዕ፣ ንስሕቕ፣ ንቀላለድ ነይርና። ኣብ ወግዕና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተሓፀየት መሓዛና፡ መርዓኣ መኣዝ ከም ዝዀን፣ ሓዱሽ ድኳን ዝኸፈተት መሓዛና ጐናጐኒ ክትሰርሖ ብዛዕባ ዝሓሰበቶ ስራሕ፣ ናተይ ካብ ናይሮቢ ናብ መቐለ እናተመላለስኩ ናይ ምንጋድ ሓሳብ እይና እነውግዕ ነይርና።

Published

on

ካብ’ቲ ዝነብረሉ ዓዲ (ናይሮቢ) ስድራይ ክርእይ ናብ መቐለ ምስ ክየድኩ እዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዝጀመረ።

እታ ተዅሲ ዝተጀመረትላ መዓልቲ ሰሉስ ምንባራ እዝክር። ምስ መሓዙተይ ቢራ እናሰይተና ነዉግዕ፣ ንስሕቕ፣ ንቀላለድ ነይርና። ኣብ ወግዕና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተሓፀየት መሓዛና፡ መርዓኣ መኣዝ ከም ዝዀን፣ ሓዱሽ ድኳን ዝኸፈተት መሓዛና ጐናጐኒ ክትሰርሖ ብዛዕባ ዝሓሰበቶ ስራሕ፣ ናየይ ካብ ናይሮቢ ናብ መቐለ እናተመላለስኩ ናይ ምንጋድ ሓሳብ እይና እነውግዕ ነይርና። 

ብዛዕባ ጕዕዞ፣ መርዓ፣ ንግዲ፣ ትምህርቲ እንትነውግዕ ድሕሪ ደቓይቕ ህይወትና ክቕየር ምዃኑ ኣይፈለጥናን ነይርና። ድሕሪ ደቓይቕ ሞት፣ ስደት፣ ደብዳብ፣ ጥምየት፣ ጥቕዓት ዝየስዕብ ፀልማት ይመፅእ ምህላዉ ኣይጠርጠርናን ነይርና። ኣብ ምዉቕ ስሓቕን ፀወታን እናሃለውና እዩ ሓያል ተዂሲ ክስማዕ ዝጀመረ።

ሰብ ኵሉ ብድንጋፀ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ክፈልጥ ናብ ደገ ወፂኡ። ስልክታት ካብ ኵሉ ገፅ ክድወል ጀሚሩ። ኵሉ ሰብ “እንታይ እዩ? በበይ ገፅ እዩ?” እናበለ ድንግርግር ኢሉ። ኣብ ፈይስቡክ “ብከባቢ ኲሓ ተዂሲ ኣሎ።” ዝብሉ ፅሑፋት እንተርአይና እኳ ብመንን ንምንታይን ዝብል ግን ዝፈልጥ ኣይነበረን።

ኵልና ብድንጋፀ ነናብ ገዛና ኽየድና። ድሕሪ ደቓይቕ መብራህቲ፣ ስልክን ኢንተርኔትን ተቛረፁ።

ንጕሆ ኵሉ ሰብ ኣብ ድንጋፀን ምድንጋርን እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሰሙናት ወታደራት ኢትዬጵያ መቐለ ምስ ኣተዉ፡ ናየይን ናይ መሓዙተይን ህይወት እውን ከመይ ብፃት ከም ዝተቐየረ ዝዘከርኩ፡  ኣብ እግሪ ጋራድ ዝበሃል ህንፃ ጫማ ሓደ ወታደር ዝውልውል ሊስትሮ ምስ ርአይኩ እዩ። ብጣዕሚ ሓዚነ፤ ሓደ ዘይፈልጦ ስምዒት ውሽጠይ ወሪርዎ።

“ጫማ ረጋፂኻ ምውልዋል እባ እንታይ ይመስል ይዀን? እዚ ቘልዓ ቅድሚ እዚ ኲናት ምጅማሩ ክንደይ ነገር ሓሲቡ ይዀን? “ሓንቲ ዓመት ሽቅል ሽቅል ኣቢለ ንእስ ዝበለት ድኳን ክኸፍት እየ። ብድሕሪኡ ባጃጅ ክዕድግ እየ። ቐፂለ..” እናበለ ክንደይ ተመንዩ? ክንደይ ወጢኑ?

ሓደ ንጉሆ ግን ሳንዱቕ ሊስትሮኡ ሒዙ እንትወፅእ ኵሉ ነገር ተቐይሩ ፀኒሕዎ። ንዓመታት ብርኩን ኣፍልቡን ኣላጊቡ፣ ጫማ ክንደይ ሰብ ወልዊሉ፣ ፀቐቕ ኢሉ ዝኣከበን ገንዘብ ዘቐመጠሉ ባንኪ ተዓፅዩ፣ ናብ ወለዱ ደዊሉ ዝራኸበሉ ስልኪ ተቛሪፁ፣ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ኢሉ ዝወጠኖ ኵሉ በኒኑ ፀኒሕዎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ኵሉ ድማ ሓንቲ ባኒ በሊዑ ንክውዕል፡ ጫማ ረጋፂኡ ክውልውል ግድን ኰይኑ። ብልበይ “ኣጆኻ ሓወይ፤ ኣጆኺ ዓደይ” ኢለ ዓይነይ ቍፅርፅር እናበለ ድንን ኢለ ሓሊፈ። ፅባሕ ኣብ ሃገረይ ቅንዕ ክብል እየ። ንሱ ድማ ፅባሕ ሕልሙ ዝተግህድ ትግራይ ክውንን እዩ።

ትግራይ ትዕወት! 

1 Comment

  1. Zekre Lebona

    February 25, 2021 at 3:24 pm

    ካልእ አጋጣሚ። 1998 (ብፈረንጂ) አስመራ። ድሕሪ ቀትሪ አቢሉ፣ ካብ አውቶቡስ ወሪደ ናብ ስርሐይ ጎዘም በልኹ። እቲ ዝፈልጦ ሉስትሮ እንዳ ሰርሐ ሀንደበት፣ ነፈርቲ ውግእ ብምቅልቃል አሰመራ አየርፖርት ደብደባ። ክልቴና ተጠማመትና፥ ሰንበንዳ እውን። ንዋዛ ከም ዘይኮነ ንፈልጥ ኔርና። ህይወት እቲ ሸቃላይ ትግራዉይ ናበይ አበለት።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version