Connect with us

ትግርኛ

መግለጺ ዓለምለኸ ማሕበረ ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ

ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝትነብሩ ተጋሩ ኦርቶዶክሳውያን ኵልኹም ናይ እቲ ማሕበርና ዕላማን ከይድን ተገንዚብኩም ኣድላዪ ዝዀነ ሞያዊ ሓገዝ ክትገብሩ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ካብ ማሕበርና ሓገዝን ኣገልግሎትን ኣብ ዝትደልዩሉ ጊዜ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ንኽንሕግዘኩም ንኽነገልግለኩም ድሉዋት ምዃንና ክነረጋግጸልኩም ንፎትው።

Published

on

ካብ ዓለምለኸ ማሕበረ-ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተውሃበ ኣገዳስን እዋናዊን መግለጺ

ኣብ ኵሉ ኣህጉራተ ዓለም ዝንነብር ካህናት ውሉደ ተጋሩ፡ ሃይማኖትና፥ ስርዓተ ቤተ ክርስትያንናን ባህልናን ዓቂብና ንውልቀን ሓበራውን ረብሓ ብሓድነት ተወዲብና፡ ህዝብና ብ ሃይማኖቱ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ፀኒዑ ባህሉን ታሪኹን ዓቂቡ ናብ ውሉድ ወለዶ ንከመሓላለፍ ኣስተምህሮ ብምሃብን ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ንዝገጥመና ፀገም ብሓይሊ እግዚኣብሔር ብሓባር መኪትና ባህልናን ህዝብናን ናብ ዝለዓለ ዕብየትን ምዕባልን ንምስግጋርን ንምስረታ ጠቕላይ ቤተ-ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን መፃኢት ሃገረ-ትግራይ ኣድላዪ ዝዀነ ምድላው ንምግባርን ንውልቃዊ እንተኢኰነስ ንሓበራውን ሕውነታውን ረብሓ ዝነጥፍ ካብ ዝዀነ ይዅን ፖለቲካዊ ተፅዕኖ ነፃ ዝዀነ፡ ንትርፊ ዘኢቈመ “ዓለምለኸ ማሕበረ-ካህናት ትግራይ ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ” ብዝብል መፀውዒ ስም ሕጋዊ ማሕበር ሕዳር 12/2013 ዓ/ም መስሪትና፤ እቲ ማሕበር ዝምርሐሉ ሕገ-ደንቢ ኣፅዲቕና፤ ንቲ ማሕበር ዝመርሑ ፈፀምቲ ስራሕ መዚዝና ስራሕና ብዕሊ ካብ ዝንጅምር ሓደ ወርሒ ኰይኑና ኣሎ።

ዕላማን ተግባር ማሕበርና

  1. ሓድግታትን ታሪኽን ትግራይ፡ ተዓቂቡ ንውሉድ ወለዶ ንክመሓላለፍ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኵለ መዳያዊ ስራሕ ምስራሕን፣ ጥበባዊ ብዝዀነ መንገዲ ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ምልላይ
  2. ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብነት ንከኢይዳኸሙ፥ ኣድላዪ ዝዀነ ሓለዋ ተገይሩሎም ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንኽቕፅሉ፣ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን ብመምህራንን ደቀ-መዛሙርቶምን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝየድልይ ሓገዝ ምግባር
  3. ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ጥንታውያን መጽሓፍቲ ሃይማኖት፣ታሪኽን ስርዓትን ናብ ትግርኛ እናተተርጐሙ ናብ ሕብረተሰብና በጺሖም ተነበብቲ ንክዀኑ፡ ሓገዛት ትርጕምን ሕትመት ምግባር።
  4. ሕዚ ኣንጻር ኣብ ሀገርና ትግራይ ብወረርትን ትምክሕተኛታትን ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን ጨፍጫፍን ብዘለና ሃይማኖታውን ሰብኣውን ግዴታ ብሓድነት ተወዲብና ድምጽና ንምስማዕ
  5. ኣብ ሙሉእ ዓለም ንዝነብር ሕብረተስብና፡እምነትን ስርዓትን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ተሓልዩ ናብ ውሉድ ወለዶ ምእንቲ ንኽቕጽል፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ኵለለመዳያዊ ኣስተምህሮ ምሃብ
  6. ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝርከቡ ካህናት ወዲብካ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮን ኣገልግሎት፣ ኣብ ሃገራዊ ልምዓትን ማሕበራዊ ናብራን አእጃሞም ክበርክቱ ምግባር
  7. ኣብ ሃገርና ሀገረ – ትግራይ ዝተፈጸመን ሕዚ ዝፍጸም ዘሎን ሰፍ ዘኢይብል መከራን ስቓይን፡ ክሳብ ሕዚ ከም ዓድናን ሃገርናን ነገልገላ ብዝነበርና ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሕዚ ንንየው ምስ እዛ ዓዲ እዚኣ ብሓባር ናይ ምንባር ተስፋና ስለ ዝጸልመተ ናይታ ውሃቢት ኵሉ ዝዀነት ግን ድማ ትግፋዕ ዘላ ትግራይ ናይ ርእሳ ጠቕላይ ቤተ ክህነት ንምቛምን ንምድርጃውን።

ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝትነብሩ ተጋሩ ኦርቶዶክሳውያን ኵልኹም ናይ እቲ ማሕበርና ዕላማን ከይድን ተገንዚብኩም ኣድላዪ ዝዀነ ሞያዊ ሓገዝ ክትገብሩ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ካብ ማሕበርና ሓገዝን ኣገልግሎትን ኣብ ዝትደልዩሉ ጊዜ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን እዋን ንኽንሕግዘኩም ንኽነገልግለኩም ድሉዋት ምዃንና ክነረጋግጸልኩም ንፈትው።

ኣምላከ ጽዮን፡ ንትግራይ ይባርኽ

ዓለምለኸ ማሕበረ ካህናት ትግራይ ዘኦርተዶክስ ተዋህዶ

ዋሺንግተን ዲሲ ኣሜሪካ


ካብ ምስሊ ናብ ፅሑፍ ዝቐየረትልና Abrehet Ggiorgis እያ። ዝተወሰነ እርማት ቋንቋ እውን ተገይሩሉ እዩ።


ምስረታ እቱ ማሕበር ኣብ ቲኤምኤች ከም ዝቐረበ

ኦንላይን ኣስተምህሮን ኣገልግሎትን እቱ ማሕበረ

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Yada, yada, yada x ∞

    April 1, 2021 at 12:18 pm

    I really doubt if all these people could manage to be transparent , free from favoritism (bias) , nepotism, superstious beliefs and yada yada …

    one of my neighbor told the guy from the top left of the screen was the right hand of Hi Holiness Abune PaulosAnd he demontrated a dictatorial charachter and nepotic traits as well favoring only to peopel from his blood ties among Tegarus.

    I doubt Tegarus could manage to throw all the above amentioned bad traits in the new Tigray Church. They were in favor of amhara priests than Tegaru . We are not speaking about seeking favoritism in terms of town or ethnicity.

    donot politicize everything be fair and transparent and devoted to the church and put aside those securaly egoistic nature in the church./ WE know many work in the church because most are born in villages where there is no school and chose to join church for free food , and collect alms not out of religious conviction to serve God. I saw a fox in sheeps clothing there You may delete this message but you cannot erase the reality .!Thank you

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT