ትግርኛ
ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ
ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ’ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም።
Published
4 years agoon
By
ቀለመ ወርቅብዕለት 24/04/2013 ዓ.ም: ኣስታት ሰዓት 2:00 ናይ ንጕሆ ካብ ኣንፈት ከተማ እንዳባጉና ዝተበገሰ ተዅሲ ከቢድ መሳርሒ(ቁምብላ) ብልዕሊ ከተማ ማይ ሓርማዝ እናሓለፈ ናብ ቍሸት ደብረ ኣባይ፡ ፍሉይ ሽሙ ድማ ዓዲ ዓቘብ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምዕላብ ጀመረ። ንእሽተይ መብርሂ ንምውሳኽ “ቍሸት ደብረ ኣባይ” ዝብሃል እቲ ገዳም እንዳ ኣቡነ ሳሙኤል ዘለዎ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ዘለው ቦታታት ዝፅውዕሉ ስም እዩ። እዚ ድማ ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ብውሑዳት ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። ብሓፈሻ እቲ ንዅለን ቍሸታት ዝጠርነፈ ጣብያ እውን ብ’ዚ ስም እዚ ከባቢ፡ “ጣብያ ደብረ ኣባይ” እዩ ዝብሃል።
ቀፂሉ እቲ በዝሒ ቁምቡላታት እናወሰኸን ዝወድቐሉ ከባብታት እናስፈሐን ከይዱ ዳርጋ ኵሎም ቦታታት እታ ጣብያ ብቁምቡላታት (ከቢድ መሳርሒ)፡ ከም ዝናብ ሓምለ፡ ተሓረሱ። ናብ ቀፅሪ እቲ ዓብዪን ክቡርን ገዳም ኣቡነ ሳሙኤል እንተ ኢተረፈ ብርክት ዝበሉ ቁምቡላታት ዓሊቦም እዮም። ድሓር ቀስ ብቐስ እቶም ዝወድቁ ቁምቡላት ርሕቐቶም እናሕፀሩ መጀመርያ ሓሊፎማ ይዝኸዱ ንዝነበሩ ከተማ ማይ ሓርማዝ ብፃዕቒ ዘነብዋ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ እታ ከተማን ዙርያኣን እግረይ ኣዉፅእኒ ኢሉ ናብ ኵሉ ኣንፈት ምህዳም ጀመረ። እቶም ቍምቡላታት ብዘኢምቍራፅ ክሳብ ኣስታት 6:00 ሰዓት ናይ ቀትሪ ቀፀለ።
ኣብ ከባቢ ሰዓት 6:00 ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ይዓልቡ ዝነበሩ ቍምቡላታት ካብ’ቲ ዝትኰሱሉ ዝነብሩ ኣንፈት ስሜን (ኣንፈት እንዳባጉና) እናተበገሱ ን’ታ ከተማ ንኢድ ፀጋም ገዲፎም ርሕቐቶም ብምዉሳኽ ብበዝሒ 5 ዝዀኑ ደንቆ ናብ ዝበሃል በረኻ ዓለቡ። ኩሎም ግና ኣብ ባዶ መሬት ኣይወዓሉን። 1 ቍምቡላ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንስሳትን ወዒሉ ሂወት ቀዚፉ እዩ። ብ እዚ ድማ 1 “ብሩሀይ ጐይትኦም ሃዲስ” ዝበሃል ወዲ 10 ዓመት ህፃን ሂወቱ እንትሓልፍ ካልኦት ልዕሊ 3 ሰባት ድማ ጕድኣት በፂሕዎም እዩ ። ብተወሳኺ ድማ 4 ኣብዑር ሞይቶምን 1 ላሕሚ ተጐዲኣን እያ ብ’ዚ መጥቃዕቲ እዚ።
ድሕሪ እዚ፡ ከባቢ ሰዓት 6:15 ናይ ቀትሪ 200 ዝዀኑ ወታደራት ኢትዮጵያ ናይ እንዳባጉና-ማይ ሓርማዝ (ደብረ ኣባይ) ፅርግያ ሒዞም ብእግሮም ተሰሪዖም ናብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ኣተዉ። ናይ መጀመርታ መዕረፊኦም ዝገበርዎ ድማ ናይቲ ጣብያ፡ ጣብያ ጥዕና እዩ ነይሩ። ኵሎም ተሓባቢሮም ድማ ማዕፆታትን መሳዅትን እቲ ጣብያ ጥዕና ምስባር ጀመሩ። ኣብ’ቲ ትካል ዝነበረ ንብረታት ድማ ኵሉ በቢ ሓደ ኣውፂኦም ወድኡዎ። ካብ’ቶም ኣቝሑ፡ ንምጥቃስ ዝኣክል፡
ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ፣ ፍርናሻት ፣ ቴሌቭዝን እቲ ትካል ፣ ኮምፒዩተር፣ማይክሮስኮፕ ፣ ኣብቲ ትካል ተፀጊዓ ዝነበረት መኪና ወርልድ ቪዝን ካልኦት ንብረታትን ኣውፂኦም ንኣንፈት እንዳባጉና ኣጕዒዘሙዎም። ብ ዕለት 25/04/2013 ዓ/ም ድማ ተወሰኽቲ ሰራዊትን ኣፅዋርን ናብቲ ጣብያ እናእተዉ ውዓሉ። ዕለት 26/04/2013 ኣስታት ስዓት 9:00 ናይ ቀትሪ ኣብ ጣብያ ኣሎጐን ናብ ዝነበረ ዉግእ ካብ ጣብያ ደብረ ኣባይ 120 ዝብሃል መድፍዕ እናተኰሱ ሽፋን ክውህብዎም ኣምሸዩ። እዚ ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ናብ እምባ ኣሎጐንን ከባቢኡን ክትኰስ ዝውዓለ መድፍዕ ኣብ ጣብያ ኣሎጐን ዘብፅሖ ጕድኣት ብንፁር እኳ እንተ ዘኢተፈልጠ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ገዛዉትን ጕድኣት ከም ዘብፅሐ ግን ነበርቲ እቲ ጣብያ ይዛረቡ። ድሕሪ እዚ ድማ ብ ዕለት 27/04/2013 ዓ.ም ሰዓት 6:00 ናይ ለይቲ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ስርሒት ንምክያድ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ዝሰፈረ ወታደር መጥቃዕቲ ይኸፍቱ። እቲ ውግእ ድማ ሙሉእ ለይቲ ይሓድር። ካብ 300-500 ዝዀኑ ወታደራት ፀላእቲ ድማ ምዉታትን ቍሱላትን ኰይኖም እዮም።
ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ’ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም። እዚ ማለት ኣብ መንገዶም ዘዝሓለፍወን ናይ ገጠር ገዛውታት ግዳይ እዚ ጥቕዓትን ነበርትን ድማ ኣደዳ ግፍዓዊ መርሸንትን ቅትለትን ኰይኖም እዮም፡ ኣብ በረኻ ዝነበሩ ጓሶትን ሓለውቲ ከፍትን እንተ ኢተረፈ። ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ከተማ እናዘወሩ ዝርሽኑ ዝነበሩ ወታደራት ብርክት ንዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብዉልቀን ብጕጅለን ይዕምፁ ከም ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ። ኣብ’ቲ ዕለት ካብ 100-200 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ እንትርሸኑ ብዉሕዱ ልዕሊ 20 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተዓሚፀን እየን።
ኣብ ከይዲ እቲ ምቕታል ንፁሃን፡ ክሳብ 50,000 ብር ተቐቢሎም ዝመሓርዎም ሰባት ኣለዉ። ዝቐተልዎም እዉን ከምኡ ኣለዉ። ነዚ ተግባር ዝተዓዘበ ነባሪ እቲ ከተማን ከባቢኣን ገዝኡን ንብረቱን ገዲፉ ኵሉ እዩ ሃዲሙ። ድሕሪ እዚ እቶም ወታደራት ንሕድሕድ ገዛ እናሰበሩ ንብረትን ገንዘብን ናብ ምዝራፍን ምስባርን ኣትዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቝሑ ከም ቴሌቭዝንን ሞባይልን ዝዉሰድ ወሲዶም ንዝተረፋ ንብረታት ድማ ሰባቢሮም ሕሩጭ ጌሮመን እዮም ከይዶም። ከምኡ እዉን ናብ ናይ ንግዲ ትካላት እናኣተዉ ብርክት ዝበለ ጥረ ገንዘብ እንትሰርቁ ንካልኦት ሸቀጣት ድማ እናዉፅኡ ደርብዮም።
እቶም ን እዚ መስካሕኽሒ ጭፈጨፋ ንፁሃን ዝፈፀሙ ወታደራት ዋላ እኳ ብ ክዳኖም ምፍላይ እንተ ዘኢተኽኣለ ብቋንቍኦም ግን ወታደራት ኤርትራ እውን ሓቢሮሞሞ ከም ዝነበሩ መሳኻኽር ዓይኒ እቲ ከባቢ ብግልፂፂይዛረቡ። ብ ዕለት 01/05/2013 ዓ.ም ድማ ካብቲ ጣብያ ወፂኦም ከይዶም። ድሕሪ እዚ ዕለት ድማ እዮም እቶም ዝተቐተሉ ንፁሃን ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ዝኽኣሉ።
ኣስማቶምን ዝተወስነ ሓበሬታ ዝተረኸበሎምን 59 ግዳያት ኣብ ታሕታይ ተዘርዚሮም ኣለው። ጠቕላላ በዝሒ ግዳያት ግን ልዕሊ 100 ምዃኑ ይፍለጥ።
ስም | ፆታ | ዕድመ | ስራሕ | ስድራ | ኣመዋውታ | |
1 | ኣድሓኖም ጕዕሽ ብርሃነ | ተባ | 16 | ጓሳ | ኣይወለደን | ማይ ኵሕሊ ኣብ ዝብሃል ቦታ(ካብ ከተማ ማይሓርማዝ ኣስታት 5 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ) ከፍቲ እናሓለወ ብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከባቢ ሰዓት 5:00 ናይ ንጕሆ ተቐቲሉ |
2 | ታደለ ምዕሾ ኪዳነ | ተባ | 35 | ገባር/ሓረስታይ/ | ኣቦ 3 ቁልዑ (2 ተባ 1 ኣን) | ብተመሳሳሊ ኣብ ማይ ኵሕሊ ከባቢ ሰዓት 5:00 ተቐቲሉ |
3 | እሸቴ መብራህቶም | ተባ | 28 | ገባር | ኣቦ ሓደ ቈልዓ | መጀመርታ ዝረኽብዎ ወታደራት ግምባሩ ኣቕሲሎምዎ፣ ድሒሮም ዝረኽብዎ ድማ ኣብ ውግእ ኢኻ ቈሲልካ ኢሎም ቀቲሎሞ። ዝሞተሉ ድማ ከባቢ ሰዓት 3:00 ናይ ንጕሆ ኰይኑ ካብ እታ ከተማ ውፅእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ገጠር እዩ |
4 | ምላው ብርሃነ ገብረማርያም | ተባ | 48 | ገባር | ኣቦ 3 ቁልዑ (2 ተባ 1 ኣን) | ንጕሆ ሰዓት 1:00 ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ |
5 | ለገሰ ፍቓዱ ኣበራ | ተባ | 42 | ሃናጺ | ኣቦ 4 ቈልዑ(1 ተባ፣ 3 ኣንስትዮ) | ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ ሰዓት 1:00 ተቐቲሉ |
6 | መብራህቶም ትካቦ ተኽለሃይማኖት | ተባ | 52 | ገባር | ኣቦ 5 ቈልዑ(3 ተባ) | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ 1:00 ተቐቲሉ |
7 | መብራህቶም | ተባ | 26 | ገባር | ኣይወለደን | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ 1:00 ተቐቲሉ |
8 | በርሀ መሓመድ ንጉስ | ተባ | 26 | ነጋዳይ | ኣይወለደን | ስርሑን ናብርኡን ኣብ ከተማ ሽረ እንትዀን ናይ ሓዉ ድኳን ክሕሉ ናብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ጣብያ ደብረ ኣባይ ምስ መፅአ ከባቢ 1:00 ተቐቲሉ |
9 | ዳንኤል ፀጋይ ግደይ | ተባ | 30 | ሓኪም | ኣይወለደን | ኣብ ጣብያ ጥዕና ደብረ ኣባይ ብሕታዊ ብዓል ሞያ ላብራቶሪ እዩ ነይሩ። ትውልዱ ዕዳጋ ሕሙስ እንትዀን ኣቡኡ ኣብ ምግዳል ዝተሰውኦ፣ ኣዲኡ ኽኣ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝሞተቶ እዩ። ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ክኣ ካብ’ቶም ብዕለት 28/05/2013 ዓም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ዝተቐተሉ ሓደ እዩ። |
10 | ምዕሾ ኣለማዮህ | ተባ | 41 | ገባር | ኣቦ 2 ቈልዑ(1 ተባ ፣ 1 ኣንስታይ) | ኣቦ መንበር ልምዓት ጕጅለ ኰይኑ ንህዝቡ ዘገልግል ዝነበረ እንትዀን ካብ’ቶም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ዝተቐተሉ እዩ። |
11 | ኣረግሀ ግደይ ምህረይ | ተባ | 45 | ገባር | ኣቦ 5 ቈልዑ(2 ተባዕትዮ | ብ ተመሳሳሊ እዚ እውን ካብ’ቶም ኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ብግፍዒ ዝተቐተሉ እዩ |
12 | ኣታኽልቲ በለጠ ወልዳይ | ተባ | 32 | ወራቒ(ወርቀኛ) | ኣቦ ሓንቲ ቈልዓ | ኣብ ዕደና ወርቂ ተዋፊሩ ናብርኡ ዝመርሕ ዝነበረ፣ ኣብ’ቲ ከተማ ንግሆ ሰዓት 1፡00 ካብ ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ግዳያት እዩ |
13 | ገብረ በለጠ ወልዳይ | ተባ | 35 | ገባር | ኣይወለደን | ሓው ናይ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣታኽልቲ በለጠ ኰይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን እዋንን ኣብ’ታ ከተማ ተቐቲሉ |
14 | በሪሁ ከበደ ኣማረ | ተባ | 25 | ገባር | ኣይወለደን | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ |
15 | በሪሁ ኣበራ | ተባ | 25 | ገባር | ኣቦ ክልተ ቈልዑ 1 ተባ፣ 1 ኣንስተይቲ | ኣብታ ከተማ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ተቐቲሉ |
16 | ተኽላይ ሃይሉ ገብረፃድቅ | ተባ | 38 | ገባር | ኣቦ 3 ቁልዑ (1ተባ 2 ኣን) | ኣብ ተምሳሳሊ ቦታን እዋንን ተቐቲሉ |
17 | ኣብርሃለይ መለሰ ኪዳነ | ተባ | 35 | ገባር | ኣቦ 4 ቁልዑ 1 ተባ 3 ኣንስትዮን | ዕጣን ዘረ ኣብ ዝብህል ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ 3 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተቐለ። ኣብ መጀመርታ ደቁን ሰበይቱን ሒዙ ናብ በረኻ ዝሃደመ እንትዀን ደቁ ጥሜት በርቲዕወን ምግቢ ክወስድ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ኣብ ገዝኡ ሰዓት 5:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ። ኣዲኡ በይና ምሉእ መዓልቲ ሬሳ ወዳ ሓቒፋ ክተልቅስ ውዒላ |
18 | መ/ር ኣሮን ትኩእ | ተባ | 40 | መምህር | ኣቦ ክልተ ቁልዑ(2 ኣንስትዮ) | ምኽትል ርእሰ መምህር ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደብር ኣባይ ዝነበረ እንትዀን ኣብ’ዚ ዓመት ተመራቒ ማስተርስ እዩ ነይሩ። ሰበይቱ መምህር ከም ዝዀነ ከይቐትልዎ ሓቢራቶም፣ ከምኡ እውን 8000 ብርን ሓንቲ ላፕቶፕን ተቐቢሎማ እንተዀነ ግን ኣይምሓርዎን። ካብ’ቶም ሰዓት 1:00 ኣብ’ታ ከተማ ዝተቐተሉ ሓደ ኰይኑ። |
19 | ኣያልነህ ምላው ንጉሰ | ተባ | 51 | ሹፌር | ኣቦ 4 ቁልዑ 1 ተባ 3 ኣንስትዮን | ምስ ወዲ 16 ዝዀን ወላዱ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ክቐትልዎም ምስ ወሰድዎም እቲ ወዱ እግሩ ተወቒዑ እንተምልጥ እቲ ኣቡኡ ግን ኣብ ግምባሩ ብጥይት ወቒዖም ከም ዝቐተልዎ እቲ ውፃእ መዓት ውላዱ ይምስክር። እዚ እውን ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ሰዓት 1:00 ንጉሆ እዩ ዝዀን ዘሎ። |
20 | ሙናየ ታደሰ ገብረመስቀል | ተባ | 32 | ገባር | ኣቦ ክልተ ቈልዑ (1 ጓል 1 ወዲ) | ንጕሆ 1:00 ኣብ’ታ ከተማ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ |
21 | ኣወጠሀይ ጕዕሽ (ወዲ ጕዔ) | ተባ | 29 | ወራቒ(ወርቀኛ) | ኣይወለደን | ብተመሳሳሊ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ብግፍዒ ዝተቐተሉ |
22 | ኣወጥሀይ ምዕሾ | ተባ | 30 | ጓሳ | ኣይወለደን | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ |
23 | ተስፋዓይነይ ግዛቸው ውነህ | ተባ | 38 | ሹፌር | ኣብ ክ ቈልዑ (ጓልን ወድን) | ወናኒ ናይ ፅዕነት ባጃጅ ዝነበረ እንትዀን በቲ ዕለት ንጕሆ ሰዓት 1:00 ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ኣብ’ታ ከተማ ቀቲሎሞ |
24 | ሙላደ ገብረሃዋርያ ከበደ | ተባ | 29 | ወራቒ(ወርቀኛ) | ኣይወለደን | ኣብ’ታ ከተማ ብተመሳሳሊ መገድን ኣብ ተመሳሳሊ እዋንን ካብ ገዝኡ ኣውፅኦም ቀቲሎሞ |
25 | ማርይሁን ልጃለም | ተባ | ||||
26 | ሕሉፍ ብርሃነ ስዩም | ተባ | 41 | ገባር | ኣቦ 5 ቁልዑ( 2 ኣወዳት) | ካብ ገዝኡ ተጐቲቱ ወጺኡ ዝተቐተለ፣ ተመሳሳሊ እዋንን ቦታን። |
27 | ብርሃኑ ኣየልኝ | ተባ | 45 | ወራቒ | ኣቦ 3 ቁልዑ(2 ኣጓላትን 1 ወድን) | ትውልዱ ካብ ክልል ኣምሓራ ኰይኑ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ረሺኖሞ። |
28 | ደስታ ታጀበ | |||||
29 | ኣማረ መኰነን በርሀ | ተባ | 37 | ነጋዳይ | ኣቦ 4 ቈልዑ (2 ኣወዳትን ክልተ ኣጓልትን) | ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ርሕቕ ዝበለ ገጠር ኣብ እንዳ ሓሞኡ እዩ ተቐቲሉ። ኣብ’ታ ከተማ ድማ እንዳ መስተ ከፊቱ ብ ንግዲ ዝምሓደር ዝነበረ እዩ። ከባቢ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ተቐቲሉ። |
30 | ግርማይ ኣለምሰገድ ሃይለ | ተባ | 38 | ገባር | ኣቦ ክልተ ቈልዑ(1 ወዲን ሓንቲ ጓልን | መተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ጣብያ ደብረኣባይ ዝነበረ ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ዕቋርን ልቓሕን ኰይን ዝሰርሐ እዩ ነይሩ። ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ናይ ገጠር ቦታ ኣብ ዓዲ ሓሞኡ ኣዩ ተቐቲሉ። ኣማረ ዝብሃል ኣብ’ቲ ገዛ ዝነበረ ሰብ ምስ ቀተልዎ ደንጊፁ “እዋይ ሓወይ” ኢሉ ካብ ገዛ ምስ ወፅአ ንዕኡ እውን ሓዊሶም ረሺኖሞ። |
31 | ፀጋይ ደስታ ታከለ | ተባ | 36 | ገባር | ኣቦ 5 ቈልዑ( 2 ኣወዳትን 3 ኣጓላትን) | እዚኦም ክልቲኦም ኣሕዋት እንትዀኑ ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ቦታ (ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ 2 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ማለት እዩ) ሰዓት 2:00 ጕሆ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ቡን እናሰተዩ ኣብ ቅድሚ ስድርኦም ብግፍዒ ዝተቐተሉ እዮም። |
32 | ኣለነ ደስታ ታከለ | ተብ | 45 | ገባር | ኣቦ 6 ቈልዑ ( 3 ኣወዳትን 3 ኣጓላትን | |
33 | ምሩፀይ መብራህቶም ተሰማ | ተባ | 28 | ገባር | ኣይወለደን | እዞም ሸውዓተ ሰባት ካብ ከተማ ማይሓርማዝ ኣስታት 4 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገዛ ድራር ኣብ ዝብሃል ኣብ ናይ ሓደ በሪሁ መድሃነ ዝብሃል ሰብ ህድሞ ገዛ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታት መጺኦም ተዓቚቦም ዝነበሩ እንትዀኑ ከባቢ ሰዓት 4:00 ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ህድሞ ኣውጺኦም ከም ዝቐተልዎም ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበረት ብዓልቲ ገዛ ሰበይቲ ትምስክር |
34 | ደጀን ሃዲስ ገብረኪዳን | ተባ | 28 | ተምሃራይ | ኣይወለደን | |
35 | ገ/የሱስ ገብረ ኪዳን እንግዳ | ተባ | 67 | ጡረተኛ | ኣቦ 4 ቈልዑ (2 ኣወዳትን ክልተ ኣጓልትን) | |
36 | ተኽላይ ብርሃነ | ተባ | ||||
37 | መለስ የማነ | ተባ | ||||
38 | መብራህቶም ምላው | ተባ | ||||
39 | መረሳ ልኡል | ተባ | ||||
40 | ምላለም ገበረመድህን ኪዳነ | ተባ | 43 | ገባር | ኣቦ 4 ቈልዑ | ኣብ ሰጋሉ ዝብሃል ቦታ(ከተማ ማይ ሓርማዝ ከባቢ 1.5 ኪ.ሜ ዝርሕቕ) ካብ መንበሪ ገዝኦም ብዕለት 28/04/2013 ዓ.ም ኣሲሮም ናብ ካልእ ጣብያ ማለት እውን ጣብያ ሚዛን(ከተማ ዓዲ ገብሩ) ዝወሰድዎም እንትዀን መዓዝ ከም ዝተቐተሉ ግን ኣይፍለጥን |
41 | ሓዱሽ ኣቡሀይ ውነህ | ተባ | 30 | ገባር | ኣቦ ሓደ ቈልዓ | |
42 | ኣስማማው ኣባቴ | ተባ | 52 | ገባር | ኣቦ 7 ቈልዑ ( 3 ኣወዳት) | ሰጋሉ ኣብ ዝብሃል ቦታ ካብ መንበሪ ገዝኡ ሰዓት 2:30 ንጕሆ ቀቲሎሞ |
43 | የሺነህ ኣዲሱ | ተባ | 70 | ገባር | ኣቦ 7 ቈልዑ ( 3 ኣወዳት) | ኣብ ሰጋሉ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ዝቐተልዎ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ማለት እውን ንጕሆ 2:30 |
44 | ሓዱሽ ምርጫ ገብረኺዳን | ተባ | 45 | ነጋዳይ | ኣይወለደን | ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዘቋረፀ እንትዀን ብ ስራሕ ንግዲ ድማ ይመሓደር ነይሩ። ከብ መንበሪ ገዝኦም ምስ ንእሽተይ ሓዉ ዘልኣለም ምርጫ ዝብሃል ኣውጺኦም እንትወስድዎም ክቐትልዎም ምዃኖም ምስ ፈለጡ ከምልጡ ኣብ ዝፍትኑሉ ግዜ እቲ ሓዉ እንተምልጥ ንሱ ግን ከምልጥ ኣይክኣለን። ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ሰዓት 1:00 ንጉሆ ተቐቲሉ |
45 | ዘነበ ለገሰ መሰለ | ተባ | 41 | ገባር | ኣቦ 3 ቈልዑ(2 ኣወዳት) | ኣብ ከተማ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ 4 መዓልቲ ተቐቲሉ ተረኺቡ |
46 | ቀሺ ንጉሰ መሰለ ገዙ | ተባ | 65 | ገባር | ኣቦ 7 ቈልዑ ( 4 ኣወዳት) | ብ ዕለት 28/04/2014 (ድሮ ብዓል ልደት) ናይ ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም ዲጋ ገበዝ ስለ ዝነበረ ሰዓት 8:00 ናይ ለይቲ (ናብ ልደት ዘውግሕ) ናብ’ቲ ቤተ ክርስትያን እናኸደ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተ ክርስትያን ብወታደራት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ። |
47 | ለማ ፅሃየ | ተባ | 36 | ገባር | ኣቦ 5 ቈልዑ(2 ኣወዳት) | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውፅኦም ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ |
48 | ገብረ ልኡል ሃይለ | ተባ | 32 | ገባር | ኣይወለደን | ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ክቐትልዎ ምስ በሉ ጐይዩ ከምልጥ እኳ እንተፈተነ ካብ’ታ ከተማ ኣስታት 700 ሜትሮ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና እታ ከተማ ትሕት ኢሉ ሞይቱ ተረኺቡ። እዚ እውን ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ እዩ |
49 | ሙለይ ዘምችአል | ተባ | 40 | ገባር | ኣቦ 2 ኣወዳት | ኣብ ከተማ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውጺኦም ዝቐትለዎ። ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ። |
50 | ተኽለ ወሉ | ተባ | 36 | ገባር | ኣቦ 2 ኣወዳት | ሕዛእቲ ኣብ ዝብሃል ገጠር (ካብታ ከተማ ውፅእ ኢልካ ትርከብ) ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ |
51 | ኣለምነህ ወሉ | ተባ | 33 | ገባር | ኣቦ ሓደ ቈልዓ | ኣብ ሕዛእቲ ካብ ግዙኡ ኣውጺኦም ቀቲሎም። |
52 | ኣብርሃ ነጋሲ ባህታ | ተባ | 28 | ገባር | ኣቦ ሓደ ቈልዓ | ኣብ ከተማ ማይ ሓርማ ከባቢ ሰዓት 1:00 ካብ ዝተቐተሉ |
53 | ብሩሀይ ጐይትኦም ሃዲስ | ተባ | 10 | ተምሃራይ | – | ብዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ናብ’ቲ ጣብያ ካብ ኣንፈት እንዳባጕና ብርክት ዝበለ ከቢድ እንትትኮስ ኣብ ጣብያ ደብረ ኣባይ ፍሉይ ስሙ ደንቆ ኣብ ዝተባህለ ቦታ በቲ ዝተተኰሰ ከቢድ ከባቢ ሰዓት 6:00 ናይ ቀተሪ ተቐቲሉ። ምስኡ ድማ 4 ኣብዑር ተቐቲሎም እዮም። |
54 | ክፍለ ሃይለየሱስ | ተባ | 24 | ገባር | ኣይወለደን | ንጕሆ ሰዓት 1:00 ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውፅኦም ቀቲሎሞ |
55 | ፃዕደይ | ተባ | 27 | ገባር | ኣይወለደን | ኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ተቐቲሉ |
56 | ማርይሁን | ተባ | 22 | ገባር | ኣይወለደን | 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዝኡ ወጺኦም ዝቐተልዎ ሰዓት |
57 | ጎበዛይ | ተባ | 30 | ገባር | ኣይወለደን | ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ |
58 | ግርማይ | ተባ | 29 | ገባር | ኣይወለደን | ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ |
59 | መብራህቶም | ተባ | 25 | ገባር | ኣይወለደን | ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ |
ያጉቴ ልጅ
April 7, 2021 at 8:13 am
ልበይ ተሰቢረ ሓዚነ
Hiwat Gebremariam
April 4, 2021 at 5:21 am
It’s very sad, the world is watching and doing nothing while genocides happening In Tigray. No One Cares Very SAD 😢😢😢
Mebratu
April 3, 2021 at 6:43 pm
Thank u for sharing as by Tigragna and keep it up.
Robel Gtinsae
April 3, 2021 at 3:58 pm
We proud of you our brothers and sisters who are fighting day and night for tigray keep it up for future bright Tigray
Mezgebe
April 3, 2021 at 3:29 pm
THIS NEED TO BE A SOURT OF STRENGTH NOT TO GIVEUP OUR BITTER STRUGGLE HOPPING TO SEE A BRIGHT TIGRAY.
Mikiale
April 3, 2021 at 1:44 pm
It is good initiation.I think it is good to prepare on line orientation on how to document all atrocities committed in Tigray ( contents). People think that it is difficult.
መለስ ሓየሎም
April 3, 2021 at 1:33 pm
“ትግሃት” ክብርን ሞሳን ይግበአኩም፣ ብጅምላ ኣስማቶም ክፅዋዕ ከሎ ተራ ቁፅሪ ዝመስል ዝነበረ ታሪኾም ህይወት ዘሪእኹምሉ።
ንኹሎም ግዳያት ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ ዝኾኑ ወገናትና ዕረፍቲ ይኹነሎም፣ ኣይክንርስዖምን ኢና።
The indubitable victory of Tigray over invaders
April 4, 2021 at 3:06 pm
ብሽም ተጋሩ በሽም ትግራይ እዮም ተሰዊኦም፥፥ፀላዕትና ተጋሩ ከፅንቱ እዮም ዘሚቶም፥ገለ ወድ ገለ ክንርሽን ኢና አበይ አለዉ ተባሂሉ አይኮነንን፥ንሕና አብ ደገ ዘለና ኩላትና አብ ዉሽጢ ትግራይ እንተ ንነብር ኔርና እጫ ስዉኣት አህዋትና ይበፅሃና ኔይሩ(ኢዩ )፥፥ማለተይ ኩሎም ስዉኣት በሰንክና በሽምና ብትግራዉነቶም እዮም ተቀቲሎም ካልዕ በደል አይፈፀሙን፥፥ትግራዋይነት ከም ሀገራዊ ክህደት(ገበን) ተቆፂሩ ማለት እዩ ተሰዊኦም፥፥ኣዝዩ ገዚፍ ገበን ዝገበረ ሰብ እንተተረኺቡ ብሕጊዩ ዝህተት ሕጂ ግና እታ አዲ ብገበነኛታት ብጅምላ ህልቂት ተሓተቲ ስለ ትማሀዳደር ብስነሥርዓት ቤት ፍርዲ ዝቀርብ የለን አብ ማይዳ ብኢዋላታት ይዕመፅ ይርሸን ዩ ዘሎ፥፥ካብዘመነ ገበነኛታትን ዘመነ ኢዋሉን ጥዑይ ነገር ርቱዕ ፍርዲ አይንፅበንኢና፥፥እወ ኣይክንርስዖምን ኢና !
ብዘይ ገበን ብመንነቱ(ቶም)፥ብመንነትካ(ቶም) ዝተሰዉ(ኧ) አዴኻ፥አቦኻ፥ደቕኻ ሀዉካ፥ሀፍትኻ፥ እዮም፥፥!
ኣይክንርስዖምን ኢና!!!
ንነዊህ ዘመናት አዝማናትን ትግራይ ንኢትዮጵያ ከጥቅዕ ክወርር ንዝመፀ ናይ ደገ ወራሪ እናመከተት ናብ ዝመፀሉ ብዝ መፀሉ ንክምለስ እናገበረት በሀይሊ ደፊኡ ከአቱ ክወርር ንዝሀሰበ እና ሀምሸሸት ነይራ ኢያ፥፥ነዚ ኩሉ ናይ ደገ ፀላዒ ተፃዊራ ክተብቅዕ ፥ ልዕሊ አሰርተ ሸዉአተ አመት ተጋሩ ንኢትዮጵያዉያን (ከዳኣት) ካብ ደርግ ሥርዓት ናፃ(ሓራ)ከዉፅዑ ዝፈትውዎም ደቆም፥አቦታቶም፥አዴታቶም፥አህዋቶም፥ኣሓቶም፥ ሰዊኦም እዮም፥፥ከምት መራሂና ክቡር ዶክተር ደብረ ፅዮን ሀደ ጊዜ ዝተዛረቦ ትግራይ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያዉያንን ደቕና ጥራ (ሰብ ሀፍትና)ጥራይ ከይኮነስ ገቦታት ትግራይ ከይተረፉ ብሰንክ ኵዊናት አንዮም ተቃፂሎም ተሰዊኦም እዮም፥እዚ ኩሉ ታሪክ ትግራይ ከመይ ጌራ ንኽንደይ ዘመናትን አዝማናትን ንኢትዮጵያ ከም በጊዕ ደቃን ክትስ ዉእ ፀኒሃ ሕጂ ብዘመነ ግርንቢጥ ደቃ ተጋሩ ከም ገበነኛታት ተቆፂሮም ይህረዱ አለዉ፥ንኢትዮጵያ አንደልያን ብሽማ ኢትዮጵያዉያን ተባሂልና ክንፅዋእ አይንደልን በላዒት ደቅና አቦታትና፥አዴታትና፥አህዋትና፥አኀትና እያ፥፥ ንሰማዕታትና ኣይክንርስዖምን ኢና!!!
Note: If there is any error above, you are welcome to impart your constructive comment. Indubitably, Tigray will be victorious !
The indubitable victory of Tigray over invaders is coming, Stay tuned!