Connect with us

Opinion

ኣብ ጕዳይ ትግራይ ናብ ምዕራውያን እንታይ ሒዝና ንቕረብ?

ገለ ውልቀ ሰብ መዚ እዘን ሃገራትን ገለ ኣብ እዘን ሃገራት ዘለው ፈጠርቲ ፅዕንቶ ሰባትን ብውልቀኦም በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ንምግላፁን ንምሕሳቡን ዝኸብድ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከም ሰብ ሓዘኔታ ክስምዖም ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ፖሊሲ ወፃኢ ኣመሪካ ኰነ ሃገራት ኣውሮፓ ግን ብቐንዱ ብረብሓ እምበር ብ ሓዘኔታ ኣይይምራሕን።

Published

on

ውሕሰት ህላወና፣ ዓወትናን ውድቀትናን ዝድረኽ ኣብ ስምረትና እዩ። ስለ ዝዀነ እውን ካብ ቲ ገጢሙና ዘሎ ናይ ህላወ ሓደጋ ናይ ምውፃእ ሙሉእ ሓላፍነት፣ ሙሉእ ዕዮ ገዛ ኣብ ባዕልናን ባዕልናን ጥራሕ ይወድቕ። 

ኰይኑ እውን ግን ካብ ዝዀነ ይዅን ኣካል ክርከብ ዝኽእል ሓገዝ እንተሃሊዉ እውን ብዕቱብ ምትእልላሽ፤ እንተ መፂኡ ድማ ብግቡእ ኣብ ረብሓኻ ምውዓል ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንምዕዛዝ ግን ፈተውቲ ዘብዝሕ ኣካይዳን ኣንፈትን ምሕንፃፅ፤ ዝነበሩኻ ምሕዝነታት ምጥንኻር፣ ዘኢነበሩኻ ሓደሽቲ ምሕዝነታት ምፍጣር፣ ፈተውቲ ምስሳን የድልይ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ከም ዝርአናዮ፡ ዋላ እኳ ሓንሳብ ምውቕ፣ ካልእ ጊዜ ዝሕል ናይ ምባል ኵነታት እንተ ሃለዎ፡ ኣብ ብዓል ኣሜሪካን ገለ ሃገራት ኣውሮፓን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጨፍጫፍ፣ ፅንተት ዘርኢ፣ ኵናት ደው ክብል ሓያል ድሌት ኣሎ እዩ። እዘን ሃገራት ብተግባር እውን ዋላ ክንዲ ትምኒትና ኣይይዅን እምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ወፍሪ ምጥፋእ ዘርኢ ደው ክብል ዝተወሰነ ፀቕጢ እናገበራ እየን፤ ነዚ ኣሐዪለን ከም ዝቕፅላሉ ተስፋና ልዑል እኳ እንተ ዀነ፡ ፖሊሲ ሃገራት ብቐንዱ ሰባውነት ዘኢኰነስ ረብሓ ዘቐድም ብምዃኑ፡ እዚ ዘገማመተ ፃዕሪ፣ ብልሒን እመታን ወሳኒ እዩ። 

ብዛዕባ እዚ እንትንሓስብ ንዓርስና ክልተ ሕቶታት ክንሓትት እውን ንግደድ።

1. እዘን ሃገራት እንትመፅኣ፡ ንሕናኸ እንታይ ሒዝና እይና ክንቀርብ? ዝሓዝናዮ ፅፉፍ፣ ኣማቲ፣ ተሸያጢ ካርታ ፍኖት ኣለና ዶ? 

2. ብተደጋጋሚ “ብሓይሊ ዝፈረሰ መንግስትነት ትግራይ ይመለስ” ክብሃል ይስማዕ እዩ፤ እዚ እንትብሃል ግን እንታይ ማለትና እዩ ክዀን ዘለዎ? 

ኵለና ከም ዝንግንዘቦ መንግስቲ አሜሪካን ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓን ገበን ፅንተት ዘርኢ ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለው ገበናት ኵናት፣ ገበናት ኣንፃር ወድ ሰብ ደው ንኽብሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ተፃርዮም ተሓታትነት ንኽህልውን ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ፀቕጢ እናገበሩ እዮም። ብፍላይ ኣሜሪካ እዚ እንትትገብር፡ ብሓደ ወገን ብፍላይ ካብ እዋን ኦባማ ጀሚሩ እናተሸርሸረ ዝመፅአን ኣብ እዋን ትራምፕ ባይታ ዝዘበጠን ምዃን “ፖሊስ ዓለም” ናብ ቦትኡ ንምምላስ፣ ዓለማዊ ቅቡልነታ ሓፍ ንምባል እዩ፤ ብኻልእ ወገን ድማ በዚኣ ኣቢላ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ብምፍጣር ከተሐልዎ ዝትደልዮ ረብሓ ምህላው ኣይይተርፍን። ኣብ እዚ ብፍላይ ምስ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ተታሓሒዙ፡ ናብ መንበረ ስልጣን ኣመሪካ ሪፓብሊካን ውድብ መፅአ ዲሞክራስያዊ ውድብ፡ ዘኢይልወጥ ፖሊሲ ኣመሪካ: ረብሓ ቀንዲ ፈተውታ ግብፅን እስራኤልን ቀዳምነት ዝትውህቦ ጕዳይ ምዃኑ እዩ። 

ካልእ፡ መንግስትታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናሃለወ፡እሞ ድማ ብፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ፎርማጆን ናይ እቲ ከባቢ ገባሪ ሓዳጊ ኰይኑ ኣብ ዝርከበሉ ኵነታት፡ እዚ ከባቢ ሰላምን ህድኣትን ከም ዘኢይረክብ ዝተገንዘቡ ይመስሉ። ስለ ዝዀነ እውን እዚ ዕቡድ ከልቢ ክዕገሰሎም ወይ ክቑረነሎም ድሌት ክህልዎም ይኽእል እዩ። 

ገለ ውልቀ ሰብ መዚ እዘን ሃገራትን ገለ ኣብ እዘን ሃገራት ዘለው ፈጠርቲ ፅዕንቶ ሰባትን ብውልቀኦም በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ንምግላፁን ንምሕሳቡን ዝኸብድ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከም ሰብ ሓዘኔታ ክስምዖም ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ፖሊሲ ወፃኢ ኣመሪካ ኰነ ሃገራት ኣውሮፓ ግን ብቐንዱ ብረብሓ እምበር ብ ሓዘኔታ ኣይይምራሕን።

ኣብዝሓ ልሂቃን ኣምሓራ፤ ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብዪን ድላዮም ዋጋ ከፊሎም፡ ብፍላይ ኣሜሪካ ዝሓተተቶም ኵሉ ውሂቦም፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሩዎ ወፍሪ ምብራስ ዘርኢ ክቕፅሉዎ ከም ዝደልዩ ግልፂ እዩ። ስለ ዝዀነ እውን ነዚ ወፍሮም ንምቕፃል ኵሉ ዓይነት ዋጋ ክኸፍሉ፣ ክዋገዩሉ ብዝኽእሉ ኵሉ ክዋገዩ ክፍትኑ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብዪን ልሂቃን ኣምሓራን ነቲ ዓብዪ ግድብ ሓዊሱ እዛ ሃገር (ኢትዮጵያ) ዘለውኣ ኵለን ሃፍትታት (ቴሌ፣ መንገዲ ኣየር፣ ፋብሪካታት ሽኮር፣ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ወ.ዘ.ተ) መዋገዪ ገይሮም ኣረኪቦም፣ ኣፍ ሓይልታት ምዕራብ ኣዕፅዮም እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሩዎ ትግራይ ንሓንብን ንሓዋሩን ናይ ምብራስ ወፍሪ ክቕፅሉሉ እዩ ድሌቶም።

ኣብ እዚ ብርግፅ ኢሳያስ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከቕርቦ ዝኽእል ብዙሕ የብሉን፤ ብተወሳኺ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ባህሩን መንነቱን ኣዕርዩ ፈሊጡዎ ስለ ዘሎ፡ ንኡ ኣሚኑ ምስኡ ክዋገይ ዝደልይ እውን የለን፡ ብዘይካ ከም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ልሂቃን ኣምሓራን ዝበሉ ንትግራይ ንምብራስ ይጥቀሞም እምበር ምስ ሰይጣን ክዓርኩ ዘይፀልኡ። ኰይኑ ግን ኣይተ ኢሳያስ ንትግራይ ናይ ምብራስ ሕልሙ ግሁድ ገይሩ እንተ ሞይቱ እውን ዘናስሖ ኣይይመስልን።  

ሓደ ርግፀኛ ኰይንና ክንፅበዮ ዘለና ጕዳይ ብፍላይ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን ኣምሓራን ዝኽኣሉዎ ኵሉ መዋገዪ ነጥቢ ሒዞም ብምቕራብ ትኹረት ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ንምልዋጥ፣ ብፍላይ ንኣመሪካ ንምልዛብ ብዙሕ ጫማ ክልሕሱ፣ ክሳብ መወዳእታ ክኽየዱ ምዃኖም እዩ።

ብወገን እቶም ከም ህዝቢ ከፅንቱና ተበጊሶም ዘለው ፀላእትና፣ ብወገን ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ኵነታት እዚ ኰይኑ ሐዚ እቲ ቐንዲ ጉዳይ ግን፡ ‘ንሕናኸ ናብ እዞም ሓገዝትና ክዀኑ ዝኽእሉ ሓይልታት እንታይ ሒዝና ኢና ንቐረቦም?’ ዝብል እዩ። ሐዚ ብዕምቆት ክንዘራረበሉ ዘለና እዚ እዩ ኢለ እኣምን። ናይዚ ፅሑፍ ቀንዲ ትሕዝቶ እውን ነዚ ዝምልከት እዩ።

ከም እቲ ብተደጋጋሚ እውን ዝርአናዮ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካ ኰኑ ሰብ መዚታትን ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ሃገራት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ንሰብ መዚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ንዘለው ሰብ መዚ እቲ “ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ዝብሃል ኣካል፣ ምናልባሽ እውን ንኣመራርሓ ተቓወምቲ ውድባትን ገለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍለጡ ሲቪል ማሕበራትን ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን እዮም ረኺቦም ክምለሱ ዝኽእሉ። እዚ እንትይብሃል ግን እቲ ዝዓበየ ፍልፍል ሓበሬታ እዞም ሃገራት ኣብ መሬት ዘሎ ናይ ባዕሎም ዝፍለጥን ሕቡእን መሓውር ምዃኑ እንተኢረሳዕና እዩ። 

እቲ ሐዚ ክንዘራረበሉ ዘለና ጕዳይ ‘እንታይ ሒዝና ንቕረብ?’ ዝብል እዩ። እዚ ንዅሉ ነቶም ሰብ መዚ ናይ ምርካብ ዝሕየሸ ዕድል ዘለዎ ትግራዋይ፥ ብፍላይ ክዓ ንተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ እዩ። ብተወሳኺ ዋላ ብቐጥታ ምስ እዞም ሰብ መዚታት ናይ ምርኻብ ዕድል እንተዘኢረኸቡ መልእኽታቶም ግን ብኻልኦት መንገዲታት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከብፅሑ ዝኽእሉ ካልኦት ማሕበረሰባዊ ውዳበታት፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ፈጠርቲ ፅልዋ፥ ወ.ዘ.ተ እውን እዩ።

 ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪል ማሕበራትን ካልኦት ውዳበታትን ሒዞምዎ ክቐርቡ ዘለዎ ሓሳብ እንታይ ይምሰል?

 ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ፦ ኵናት ደው ክብልን ሰራዊታት ኤርትራን ኣምሓራን ብቕልጡፍ ክወፅኡን ምሕታት፤ ናይ ዚኣቶም ተፍፃሞት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ኢሻራዊ ተቘፃፃሪ ኣካል ኣብ መሬት ክህልው ምሕታት ቅድምና ዝውሃቦ ጉዳይ እዩ። ኰይኑ እውን ግን ብዘይ ምውፃእ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ምውፃእ ክልቲኦም ሰራዊታት ተፈፃሚ ክዀን ከም ዘኢይኽእል ብምግላፅ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወፅእን ዓለም ለኻዊ ዝዀነ ሓላዊ ሰላም ክኣትውን ምሕታት ቀፂሉ ዝመፅእ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። 

ኢወጋኒ ምፅርራ ገበናት፦ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናት ኵናትን ገበናት ኣንፃር ወድ ሰብን፡ ብመሪሕነት ሕቡራት ሃገራት ብዘኢሻራዊ ኣካል ክካየድ ፀኒዕኻ ምቅላስ ካልእ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። ኣብ እዚ ምፅራይ ገበናት ኣምሓራ፣ ኣብይን ኢሳያስን ንምሽፋን ዝጐይዩ ዘለው ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቦታ ከኢይህልዎም ምምጓትን ምጕስጓስን የድልይ። እቲ ምፅራይ ገበን ካብ 2008 ዓ/ም (ኢሳት “95 ን 5” ዝበለሎ ጊዜ) ክጅምር እውን ምሕባር የድልይ።

 ካሕሳን እግሪ ምትካልን፦ ዝዓነወ ንብረትን ሃፍቲን ትግራይ ብግቡእ ተፀብፂቡ ህዝብና ግቡእ ካሕሳ ክረክብን እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ ክስራሕን ምቅላስ እውን ካልእ ኣገዳሲ ትዅረት ዝጠልብ ጉዳይ እዩ። 

“ሕጋዊ መንግስትነት ትግራይ ይመለስ”- እዚ እንትብሃል ግን እንታይ ማለት እዩ? ብኸመይ ንረደአዮ?

ሓቂ እዩ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ጥራሕ ዝምራሕ ሕጋዊ መንግስቲ ብዘኢሕጋዊ ኣግባብ ፈሪሱ እዩ። እቲ ነቱ መንግስቲ ብብሕታውነት ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓት እውን ብወሳኒ መልክዑ መሓውሩ ዳርጋ ኣብ ፈላሞት ሰሙናት እቲ ኲናት ዳርጋ ፈሪሱ እዩ ምባል ይክኣል። 

እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን ቃልሲ ኵሉ እዩ። ፍሉይ እጃም ዘለዎ፣ ብፍሉይ ክፅራሕ ዘለዎ ሓደ ውዳበ የለን። ህወሓት እውን እንተ ዀነ ኣብ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ፍሉይ እጃም የብሉን። ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተውፃፅኡ፥ ንህወሓት ዝድግፉን ዝቃወሙን፥ ኣባል ዝዀኑን ዘኢኰኑን ኵሎም ኣብ ሜዳ ምእንተ ትግራይ ኢሎም ይዋደቑ ኣለው። እቲ ወታደራዊ መሪሕነት እውን ብህወሓት ጥራሕ ኣይኰነን ይምራሕ ዘሎ። እቲ ሰራዊት እውን “ሰራዊት ትግራይ” እምበር “ሰራዊት ህወሓት” ኣይኰነን። ቅድሚ ሰሙናት፡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ህወሓት ዝዀነ ጌታቸው ረዳ ምስ ቲኤምኤች ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እውን ዘረጋገፆ ንሱ እዩ። ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ይቃለስ ኣሎ እምበር ከም ውድብ ዝቃለስ፣ ዝተፈለየ ወይ ዝዓዘዘ ኣበርክቶ ዘለዎ፣ ብፍሉይ ክፅራሕ ዝግብኦ ዝዀነ ውድብ ኣሎ ምባል ኣፀጋሚ እዩ። ግቡእ እውን ኣይኰነን። ነዚ እውን እዩ እቲ ቓልሲ “ህዝባዊ ቃልሲ እዩ” ንብሎ ዘለና። 

ብተወሳኺ ድማ ከም እቲ ኵሉ ሰብ እውን ዝርድኦ፡ መብዛሕቲኡ ኣባል ካቢኔ እቲ ህወሓት ዘጣየሾ መንግስቲ ትግራይ ዝነበረ ሰባዊ ሓይሊ እውን እንተ ዀነ ሐዚ ብተግባር የለን። ስለ ዝዀነ “መንግስትነት ትግራይ ይመለስ” እንትይብሃል “እቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ህወሓት በይኑ ዝመስረቶ መንግስቲ ምስ መሓውሩ ይመለስ” ማለት ከም ዘኢኰነ ግልፂ ምግባር የድልይ። እዚ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ እዛ ቍርፂ እዋን ደገፍትና ኰይኖም መፂኦም ዘለው ሓይልታት ምዕራብ ግልፂ ምግባር የድልይ። ናያቶም ድሌት እውን ከምኡ ስለ ዝዀነ። ነዚ ንምርዳእ ሓላፊ ጕዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ቅድሚ ኰንግረስ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ምብራስ ዘርኢ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን ብዛዕባ ህወሓት ዝበሎ ደጊምካ ምርኣይ ይክኣል እዩ።

ኣብ እዚ ሓደ ነገር እውን ኣብ ግምት ምእታው የድልይ። ሓቂ እዩ፣ ሕድሕድ ትግራዋይ ምስ “ህወሓት/TPLF” ዝብል ብራንድ ጥቡቕ ታሪኻዊን መንፈሳዊን ምትእስሳር እዩ ዘለዎ። ብፍላይ ምስቲ ናይ 17 ዓመት ሕሉፍ ብረታዊ ቓልሲ ተተሓሒዙ እቲ ስም፣ እቲ ብራንድ ምስ ኵሉ ትግራዋይ ብመንፈስ ዝተኣሳሰረ እዩ። ኰይኑ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ብሓፂሩ እቲ ብራንድ ብፍላይ ብዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ተበላሽዩ እዩ ምባል ይክኣል። እቲ ብራንድ ንዓና ንተጋሩ ዋላ ኽቡር ብራንድ፣ ውሽጥና ዝደልዮ ብራንድ እንተ ዀነ ኣብ እዚ ስዓት እዚ ግን ረብሓና ዘኽብር፣ ፈተውቲ ዘሰስን ብራንድ ኣይኰነን። ካብ ከስቡ ክሳርኡ ዝዛይድ ብራንድ እዩ። ከምቲ ብተግባር ዝንሪኦ ዘለና እዚ ብራንድ ብዘይ ሓደ “ናተይ” ዝብሎ እሙን ረዳኢ ታሪኻዊ ናይ ውሽጢ ዓዲን ናይ ወፃኢን ፀላእቲን ሓለፍቲ መንገዲን፣ ዝፈልጡናን ዘኢይፈልጡናን፣ ዝዓበዩን ዝነኣሱን ሓይልታት ኵሎም ተዛርዮም እዚ ኵሉ ብርሰት ክበፅሐና ምኽንያት ኰይኑ እዩ። 

ከም ዝፍለጥ ድሕሪ ኣብ ማናቱ ህንፃታት ማእኸል ንግዲ ዓለም ኒውዮርክ ዝተፈፀመ ግብረ ራዕዲ ፖሊሲ ወፃኢ ኣሜሪካ ብቐንዱ ኣብ ኣንፃር ግብረ ራዕዲ ዘትኰረ እዩ ነይሩ። ብ ምኽንያት እዚ ብ ህወሓትኢህወዴግ ዝትምራሕ ኢትዮጵያ፡ በቲ እዋን ስግኣት ፀጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣልሻባብ ሶማልያ ብዝፈፀሙዎ ጥቕዓት ብመዳይ ፀጥታ ናይ ኣሜሪካን መላእ ሃገራት ምዕራባዊ ዓለምን “መሓዙት” ንምዃን ክኢላ ነይራ እያ። ብ ካልእ ወገን ድማ፡ ብመዳይ ቍጠባዊ ፖሊሲ ልምዓታዊ መንግስቲን ስነ ሓሳብ ወያናይ ዲሞክራሲ ድማ ምስ ቻይና ኣዐርዮም ተመሓዝዮም ቻይና ናብ ኣፍሪካ ደፊኣ ክትኣቱ እውን መእተዊ በሪ ኰይኖም እዮም። ስለዚ ብኽልቲኡ ሸነኽ ዘለው ምሕዝነታትን ድሌታትን ኣሳኒኻ ምኽያድ ተኺኢሉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን ብዓል ኣልሸባብ፣ ኣልቃዒዳን ኣይሲስን እናተዳኸሙ ድሕሪ ምምፅኦም፤ ቍጠባዊ ግስጋሰ ቻይና እውን ንኣመሪካ ዓብዪ ፈተና እናዀነ ድሕሪ ምምፅኡ፡ ኣድላይነት ምሕዝነት ኣንፃር ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ እናቐነሰ፤ ኣብ ሞንጎ ሓያላት ሃገራት ዝግበር ንሕንሕ ድማ ቀንዲ ነጥቢ ትዅረት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኣመሪካ ክዀን ክኢሉ እዩ። በዚ ድማ ኣመሪካ፡ ምዕጋት ምስፍሕፋሕ ቻይና ቀዳሚ ገይራ ብ ምስርዓ፡ በቲ እዋን ከም ቀንዲ ገመድ ርክብ ቻይናን ኢትዮጵያን ኰይኑ ዝርአይ ዝነበረ ህወሓት ከም ዘኢይልዓል ኰይኑ ንኽውቃዕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ምስ እዚ ብተዛማዲ፡ ኣብ ሞንጎ ኮሚኒስታዊ ፓርቲ ቻይናን ህ.ወ.ሓ.ትን ዝነበረ ነንሕድሕዶም ኣብ ጉባኤታትን ዓበይቲ ፅምብላትን ክሳብ ምትዕድዳም ዝበፅሕ፡ ዘልኣለም ዘኢይብተኽ ዝመስል ዝነበረ ክልታኣዊ ምሕዝነታዊ ረኽቢ ምዝካር እውን ኣድላዪ እዩ። እዚ እውን እንተ ዀነ ንህወሓት ተወሳኺ “ኣንፃር ረብሓ ሓይልታት ምዕራብ” መሲሉ ክርአ ገይሩዎ እዩ። “ምሕዝነት” ቻይና ድማ ከምቲ ኵልና ዝንርእዮ ዘለና እዩ። 

ህወሓት ብሓፂሩ ከም ብራንድ ብፍላይ ብዓይኒ ምዕራባዊ ሓይልታት ፅሉእ እዩ ኰይኑ። ፍወተውና ፀላእና ህወሓት ንነዊሕ ዘበን ብዝነበሮ ናብ ቻይና ዝዛዘወ ኢኮኖሚያዊ ፖሊሲ፥ ውድባዊ ስነ ሓሳብን ባህሪን ‘ኣንፃር ረብሓ ምዕራባውያን’ ተብሂሉ ተበይኑ ክውቃዕ ተደዩ እዩ ይውቃዕ ዘሎ። ካብ 2010 ጀሚሩ ብወግዒ ጀኔቫ ዝማእኸሉ “Anti-TPLF Unit” ዝብሃል ናይ ሲኣይኤ ክንፊ ተጣይሹ ኣብ ስራሕ ከም ዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛን ብዓል መዚን ውድብ ጥዕና ዓለም ብቐረባ ከም ዝፈልጥ ቅድሚ ኣስታት ዓመትን መንፈቕን ሓበሬታ ውሂቡኒ ነይሩ። እዚ ሰብ ቅድሚ ብዙሓት ዓመታት ንሰበ ስልጣን ህወሓት ሓቢሩሎም ምንባሩ፡ንሱ ከም ዝዝክሮ ግን፡ በቲ እዋን ዝነበረ መልሲ ሰብ መዚ ህወሓት “ኣበይ እሞ ከኢይበፅሑ እዮም” ዝብል ትዕቢት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን ውፅኢቱ ንሶም ከም ዝበሉዎ ዘኢኰነስ እቲ ብሓንጋርነት እኒ ያማማቶ ዝተኻየ፥ ኣብዪ ናብ ስልጣን ዘምፅእአ ‘ልስሉስ ዕልዋ መንግስቲ’ (Soft Coup) ኰይኑ እዩ መፂኡ። 

ብሓፈሻ “ፀረ ሊበራሊዝም፣ ፀረ ረብሓ ምዕራባውያን ኣተሓሳስባን፣ መፍቀሪ ወያናይ ዲሞክራሲ፣ ኣፍ-ደገ ቻይና ኰይኑ ዘገልገለ” ተባሂሉ ብሓይልታት ምዕራብ ብፅቡቕ ዘኢይርአይ ህወሓት “በይኑ ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ይመለስ” ኢልካ ናብ ሓይልታት ምዕራብ ዝቐርብ ሓሳብ ዳርጋ ናብ ክሳድካ ገመድ ከም ምእታው ዝውሰድ እዩ። ብውልቀይ እውን ምስ ዝተወሰኑ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበረኒ ውሱን ዘኢወግዓዊ ምይይጥ ዘረጋገፀለይ እዚ ነይሩ። ብዝበለፀ ድማ ካልኦት ኣሓትን ኣሕዋትን ካባይ ብዝሓሸ ብውልቀን ብውዳበን ምስ ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራባውያን ሃገራት ዝገበሩዎ ዝርርብ እውን ዘረጋገፀሎም እዚ ምዃኑ እዮም ገሊፆምለይ።

እንታይ ድኣ ክዀን፣ ክብሃል ኣለዎ? እንታይ እንተበልና እዩ ዘርብሐና?

ናብ ሓይልታት ምዕራባውያን ከነቕርቦም ዝይግብኡ መማረፅቲ ሓሳባት ዝስዕቡ እዮም እብል። 

  • ፈለማ ኵሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ውዳበታት ማሕበረሰብ፣ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት ዝሓቘፈ ልዝብ ክካየድ ኣብ ትግራይ ክሳለጥ። 
  •  በዚ ልዝብ ኣቢሉ እውን፡ ንኽልተ ዓመታት፡ ኵሎም (ኣስተውዕሉ- ኵሎም!) ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብማዕረ ዝሓቘፈ፤ ዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ውዳበታት እውን ዝሳተፉሉ፤ ብሓደ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘኢይዕብለል፤ ብቐንዱ ናብ ፀጋም ዘዘምብል፣ ሊበራል ፖለቲካዊን ቍጠባውን ስነ ሓሳብ ዘሰጕም መሸጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ።
  • ድሕሪ ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት፡ ሰራዊት ትግራይ ምስ እቲ ዝኣትው ዓቃቢ ሰላምን ፖሊስን ኰይኑ ኣብ ምውሓስ ሰላም ክሰርሕ። 
  • እቲ መሸጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ መረፃ ብምክያድ ስሩዕ መንግስቲ ከጣይሽ። 
  • በቲ ዝካየድ መረፃ ዝተጣየሸ መንግስቲ ድማ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሪፈረንደም ብ ምክያድ ዕጫ ትግራይ ብህዝቢ ትግራይ ክውስን ክገብር
  • ክልቲኦም መንግስታት (መሸጋገሪን ስሩዕን) ኣብ እቶም ኣብ ማእኸል ዘለው 3 ዓመታት ኵሎም ገበናት ኵናትን ገበናት ሰብኣዊነትን ብዘኢወገናዊ ኣካል ተፃርዮም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ፤ በቲ ወራር ዝዓነዉ ትካላት ትግራይ፣ ዝጠፍአ ሃፍቲ ትግራይ ኵሉ ተፀብፃቡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግቡእ ካሕሳ ክውህባ እኹል እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ ክስራሕ ይገብሩ። ስምምዕ ደው ምባል ኵናት እንትካየድ ዘኢይሕለፍ ጕዳይ፡ ክልቲአን ሃገራት ዘዕነወኦ ሃፍቲ ትግራይ ተፀብፂቡ፡ ካሕሳ ክውህባ ውዕል ምእሳር እዩ።

ናብ እቶም ምዕራባውያን ሓይልታት እዚኦምን ካልኦትን ብፍላይ ኵሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብሓደ ኰይኖም ዘማዕብሉዎን ዝውሰኹን ብሱላት ነጥብታት ዝሓዘ ዝርዝር ትልሚ (ካርታ ፍኖት) ሒዝካ ምቕራብ የድልይ። ብድፍኑን ብሽፍኑን ዝውሃብን ዘኢፀረየን፣ እሞ ድማ ምስ ናያቶም ድሌት ዝጓነፅ ሓሳብ ኵሉ ጊዜ የውቅዐካን ፈተውቲ የስእነካን እዩ። ስለ ዝዀነ ንፁር፣ ፅፉፍ፣ ኣማቲን ተሸዋጢ፣ ረብሓን ድሌትን ምዕራባውያን እውን ኣብ ግምት ዘእትው ካርታ ፍኖት ሒዝካ ምቕራብ የድልይ።

ብፍላይ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ ንዘለኹም ኣመራርሓ ተናሓናሕቲ ውድባት “ዝበዝሕ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ሜዳ እናተቓለሰ እሞ ንሕና ከመይ ገይርና እይና ኣብ ከተማ ኮፍ ኢልና ከም እዚ ዝበለ ፕሮፖዛል ከነቕርብ” ብዝብል ፈፂሙ ኢግቡእ፣ ኢርትዓዊ ሰኸፈት ተቐይድኩም ህላወ ህዝብኹምን ትግራይን ናብ ሓደጋ ከተእትው ኣይይግባእን እዩ እብል። የግዳስ ኣማቲ፣ ፈተውቲ ዘሰስን፣ ድሌትን ርድኢትን ፈተውትና እውን ኣብ ግምት ዘእትው ፤ ከምኡ እውን ናይ ምዃን ተኽእሉኡ ዝዓዘዘ፣ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ፣ ህላወ ዓዲ ዘውሕስ፣ ፅፉፍን ዘየማትእን ሓሳብ ብምቕራብን ካብ እቲ ወታደራዊ ኵናት ብዘኢይንኣኣስ መጠን ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ኣብ ዝዀነ ምውሓስ ህላወ ህዝብን ዓዲን ኣበርክቶኹም ክትገብሩ ይግባእ። 

ኒሕ፣ ትብዓት፣ ብልሒ፣ ኣመታ፣ ፅንዓት- ንዘኢይተርፍ ዓወት!

ዓወት ንትግራይ!

Continue Reading
13 Comments

13 Comments

  1. Jo

    November 10, 2021 at 3:54 pm

    ፅቡቕ ሓሳብ እዩ። ሐዚውን ብዙሓት ሓሳባትይ ምይይጥይ ለድልየሉ ግዜ እዩ። ስሩዕን ዘይስሩዕን፤ online ይኹን ብኣካል… ብፍላይ ብወገን ዲያስፖራ

  2. MICHEALE

    April 28, 2021 at 8:11 am

    ጽቡቅ ሓሳብ እዩ ዶር

  3. Birhane

    April 28, 2021 at 1:56 am

    Good starting point, I think this is a big opportunity to have democratic great Tirgai. Right now we don’t need socialism-related ideology which is against our history, values, and even the westerns. The current situation can be a turning point like 1983 E.C especially for the Tigrai people. We should have a big goal such as
    1. return our Adulis port by any means cooperating with Akule-Guzay brothers
    2. return our territory from Amhara(from Limalimo to Alwuha-milash)
    3. create Democratic government: initial transition government establishment.

  4. ብርሃኑ

    April 27, 2021 at 2:58 pm

    ዋላ ህውሓት ካብቲ ዘውፂኢዎ መግለፂታት ናብ ምዕራዋዊታን ፖልዚ ዘዘምበለ ይመስል ፡ እንተኾነ ከምቲ ዝተገለፀ ኩሉም ብወግዒ ከፍልጡ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ድንቂ ሓሳብ

  5. Berihu Dagnhoy

    April 15, 2021 at 9:43 pm

    ንትግራይን ንትግራዋይን ዘርብሕ ብሱል ሓሳብ ምቕራብ ዝግባእ እዩ : ዘፅኣት ዘቕረቦም ንዓለምን ተቐባልነት ክረኽቡ ዝኽእሉ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር ብሰዓርነት ክንወፃሎም ዘኽኡሉና መማረፂ ሓሳባት ፈሊጥና ምቅላስ ግቡእ እዩ:: ትግራይና ካብ ጥፍኣት ኣድሒና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብጻሕ ኩሉመዳይ መማረፂ ምርኣይ ግቡእ እዩ የቐንዬልና ዘፅኣት:: ትግራይ ትዕወት::

  6. being flexible for tigray

    April 15, 2021 at 8:21 pm

    very interesting point.

  7. ካየ

    April 15, 2021 at 1:04 am

    ብርዕኻ ይሰስን ዘፅኣት። የቐንየልና።
    ብሓሳባትኻ ሙሉእ ብሙሉእ ይስማዕማዕ እየ።

  8. ሰሎሞን

    April 14, 2021 at 4:42 pm

    “ዝበዝሕ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ሜዳ እናተቓለሰ እሞ ንሕና ከመይ ገይርና እይና ኣብ ከተማ ኮፍ ኢልና ከም እዚ ዝበለ ፕሮፖዛል ከነቕርብ” ብዝብል ፈፂሙ ኢግቡእ፣ ኢርትዓዊ ሰኸፈት ተቐይድኩም ህላወ ህዝብኹምን ትግራይን ናብ ሓደጋ ከተእትው ኣይይግባእን እዩ እብል። የግዳስ ኣማቲ፣ ፈተውቲ ዘሰስን፣ ድሌትን ርድኢትን ፈተውትና እውን ኣብ ግምት ዘእትው ፤ ከምኡ እውን ናይ ምዃን ተኽእሉኡ ዝዓዘዘ፣ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ፣ ህላወ ዓዲ ዘውሕስ፣ ፅፉፍን ዘየማትእን ሓሳብ ብምቕራብን ካብ እቲ ወታደራዊ ኵናት ብዘኢይንኣኣስ መጠን ታሪኻዊ ሓላፍነትኩም ኣብ ዝዀነ ምውሓስ ህላወ ህዝብን ዓዲን ኣበርክቶኹም ክትገብሩ ይግባእ”

  9. Tsgabu kahsay

    April 14, 2021 at 12:57 pm

    ፅቡቅ መበገሲ ሓሳብ እዩ። ኹላትና ድማ ዝውሰኽ ወሲኽና ዝቅነስ ቀኒስማ ።ውሁስ ዓድናን ህዝብናን ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብፃህ ። ኢሂን ምሂን ምብሃሃል አገዳሲ እዩ ።

  10. Mohammedadem

    April 14, 2021 at 12:29 pm

    ጹቡቅ ሃሳብ እዩ ብውልቀይ ዝሃስቦ ዝነበርኩን ካብዚ ዘለናዮ ኩነታት ከውጻአና ይኸእል እዩ ኢለ ይአምን።

  11. Welde

    April 14, 2021 at 12:27 pm

    “ኣብዝሓ ልሂቃን ኣምሓራ፤ ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብዪን ድላዮም ዋጋ ከፊሎም፡ ብፍላይ ኣሜሪካ ዝሓተተቶም ኵሉ ውሂቦም፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሩዎ ወፍሪ ምብራስ ዘርኢ ክቕፅሉዎ ከም ዝደልዩ ግልፂ እዩ። ስለ ዝዀነ እውን ነዚ ወፍሮም ንምቕፃል ኵሉ ዓይነት ዋጋ ክኸፍሉ፣ ክዋገዩሉ ብዝኽእሉ ኵሉ ክዋገዩ ክፍትኑ እዮም። ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብዪን ልሂቃን ኣምሓራን ነቲ ዓብዪ ግድብ ሓዊሱ እዛ ሃገር (ኢትዮጵያ) ዘለውኣ ኵለን ሃፍትታት (ቴሌ፣ መንገዲ ኣየር፣ ፋብሪካታት ሽኮር፣ ፓርክታት ኢንዳስትሪ ወ.ዘ.ተ) መዋገዪ ገይሮም ኣረኪቦም፣ ኣፍ ሓይልታት ምዕራብ ኣዕፅዮም እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጀመሩዎ ትግራይ ንሓንብን ንሓዋሩን ናይ ምብራስ ወፍሪ ክቕፅሉሉ እዩ ድሌቶም።”

    ኩሉ ግዘ ተተሓሳስበኒ ሓቒ እያ:: እዚ ፅሑፍ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኩለን ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድባትና (ህወሓት: ባይቶና: ነፃነት : ሳልሳይ ወያነን ዓሲምባን) ተዝዘራረብሉ:: (መብዛሕተኦም መራሕቲ ኣብ ግምባር ከም ዘለዉ ኣይረሳዕኩን:: እቶም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ማለተይ እየ::) እተን ዘየሰማማዓ ነጥብታት (እንተሃልየን) ንግዘ ገዲፍካ ኣብተን ኩሎም ዝኣመኑለን ነጥቢታት መሰረት ዝገበረ: መማረጺ ሓሳብ ወይ ፕሮፖዛል ምቕራብ ዝከኣል ይመስለኒ:: ሚድያታት ትግራይ (TMH, dedebit, Axumite, Axumawian,…, ) ንዝምልከቶም ኣምባሳደራትን ሓለፍቲን እተን ውድባትን ኣብዚ ፅሑፍ ሓሳብ ክህቡ ብምግባር ተዝጅምረኦ:: ካልኦት ተንተንትን ምሁራትናን እውን ሓሳቦም ክህቡሉን ከማዕብልዎን ዕድላት ተዝፍጠሩ:: ንቃልሲ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ዝሕግዝ: ኩሉ ዓይነት ዕድላት ክንጥቀመሉ ይግባእ::
    ምስ ኣኽብሮት!!
    ትግራይ ትዕወት!!!

  12. Kinfe

    April 14, 2021 at 11:06 am

    ዝመስልን ዘኽይድን ኣንፈት ወሃቢ ፅሑፍ። ብፍላይ ነቲ ዝኽየድ ዘሎ ናይ ዓርሰ ምድሓን ህዝባዊ ኵናት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ህዝባዊ ኵናት ምኳኑ: ህወሓት እውን እንተኾነት ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዉድባት ኣብቲ ህዝባዊ ኵናት ትሳተፍ ከምዘላን ንማሕበረሰብ ዓለም ብዕሊ ግልፂ ኪገብሩ አለዎም።

  13. Weldegebriel

    April 14, 2021 at 10:37 am

    ፅቡቅ ሓሳብ።

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT