Connect with us

Report

ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

Published

on

ማሕበረ ዴጎ ወይ እውን ማሕበረ ሰላም እናተብሃለት ዝትጽዋዕ ንእሽተን ከተማ፡ ርእሰ ከተማ ሓዱሽ ወረዳ ናዕዴር ኰይና ካብ ዝትሕረይ ዓመት ኣይመልአትን። ካብ ከተማ ኣዅሱም፡ ንኣንፈት ደቡብ፡ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ድማ ትርከብ። ዓለም ዘሰንበደ መስካሕኽሒ ግፍዒ ካብ ዝተፈጸመለን ቦታታት ትግራይ ሓንቲ ኰይና ድማ ተመዝጊባ ኣላ።

 ውግኣት ማይ ነጋድን (ከባቢ ጎልጎል ጮሞ)  ዳዕሮ ሓፋሽን ስዒቡ እዩ ምግፋፍ መናእሰይ ተኻይዱ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ እዞም ዓውደ ውግኣት እዚኦም መሪር ስዕረት ምስ ተጐልበበ ነይሩ፡ ‘ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ’ ከም ዝብሃል፡ ሰላማውያን ነበርቲ እቲ ከባቢ ምልቃም ዝጀመረ። 

ግፍዐኛታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ቍሸት ንቝሸት እናዘወሩ ዝረኸቡዎ ተባዕታይ ኣከቡ። ካብ ወዲ 16 ዓመት ንኡስ ጀሚሩ እስካብ ደቂ 65 ሰብ ጸጋ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ከካብ ዝረኸብዎም ኸባቢታት ኣኪቦም ወሰድዎም። ካብ ከተማ ማሕበረ ዴጎ ሓዊሱ፡ ካብ ቍሸታት  ዓዲ-ታህሱስን ዓዲ-ሓርዎን እዮም ተወሲዶም። ቍጽሮም ልዕሊ 76 ከም ዝዀኑ ይግመት። ወለዲ፣ኣዝማድን ጐረቤትን፡ እዞም ሰባት ናበይ ከም ዝተወሰዱ እውን ኣይይፈልጡን ነይሮም። ካብ እቲ  ዝተወሰዱሉ ዕለት ጥሪ 15፣ 2021 ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ፡  ስድራ ግዳያት ንብዙሓት መዓልታታት ድሃይ ኣሕዋቶምን መቕርቦምን እንተኢሰምዑ ምድረ ሰማይ ጸቢብዎም ብጭንቕን ሓሳብን ኣሕሊፎምዎ። እንተዀነ ዋላ እኳ ወግሐ ጸብሐ ድምጺ እቶም ዝተወሰዱ መቕርቦም ክሰምዑ እንተ ተሃንጠዉ ተስፋ ዘለዎ ነገር ግን ኣይነበረን። ከም እዚ እናበሉ መዓልትታትን ሰሙናትን ኣሕሊፎም፤ ኣዋርሕ እውን ተቍጸሩ።

እቶም ወገናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናሃለዉ እዮም ተለቒሞም። ገሊኦም ካብ ገዝኦም፣ ገሊኦም ካብ መጓሰ፣ ካልኦት ድማ ጥሪቶም ሒዞም ክሃድሙ እንትብሉ እዮም ብዝውዓልዎ ተኣርዮም ኣብ ኢድ እዞም ርህራሄ ዝብሃል ዘኢፈጠረሎም ጨካናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝወደቑ። ሃይለ ገብረመድህን ሓዉ ተኽላይን ካብ እቶም ተገፊፎም ዝተወሰዱን ብግፍዒ ዝተቐተሉን እዮም። ሃይለ ገብረመድሂን ዋላ እኳ ነባራይ ኣዅሱም እንተነበረ፡ ከም እቲ ዝንፈልጦ ኣብ ኣዅሱም ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕን ዝኸፍአን ስለ ዝነበረ፡ ይሕየሽ ይዀን እዩ ኢሉ እዩ ናብ ማሕበረ-ዴጎ ወሪዱ ምስ ወለዱ ክጸንሕ ወሲኑ ከይዱ። ይዅን ደኣ እምበር እታ ዝፈርሓ ኣይቀረየትን፦ ግፍዐኛታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መንበሪ ወለዱ መንዚዖም ወሲዶም ምስ ንኡሽተን ሓዉ ረሺኖምዎም። ምሕረቱ ኣብርሃን ገብረእግዚኣብሄር ኣብርሃን ዝተብሃሉ ኣሕዋት ሓዊሱ ሰለሞን ኣሰፋን ያይንሸት ገብረዋህድን እውን ካብ እቶም ብግፍዐኛታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ድርኵዂት ገዝኦም ብሓይሊ “ንደልየኩም ኢና” ኢሎም ወሲዶም ከም ዝረሸኑዎም ምፍላጥ ተኽኢሉ ኣሎ። 

ስነ ምግባርን ሕሊናን ዝብሃል ዘኢፈጠረሎም ዝመስሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ፍጹም ኣረሜናዊ ብዝዀነ መልክዑ፡ ብሓደ ዝረኸቡዎም ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣኪቦም ካብ ምርሻን እውን ንድሕሪት  ኣይበሉን። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ስድራ ከም ስድራ ዘብረስሉ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዲያቆን ኤፍሬም ምዓሾ ተወላዲ ከተማ ማሕበረ ዴጎ እዩ ነይሩ። ኣብ እታ ከተማ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ  ስለ ዘስገኦ፡ እቲ ኵነታት እስካብ ዝሓልፍ ኢሉ፡ ዓዲ ታህሱስ ናብ ዝትብሃል ካብ ከተማ ማሕበረ ዴጎ ርሕቕ ኢላ ናብ ዝትርከብ ገጸር፥ ናብ ዓዲ ሕሙኡ ኸይዱ ነይሩ። ከም ዝሓሰቦ ግን ኣይኰነሉን። ጨካናት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ እታ ዝዓበየላን ዘዕቘበላን ቍሸት፡ መንገሻ መውጫን ሓድጉ መውጫን ምስ ዝብሃሉ ዘማታቱ ወሲዶም ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ኣብሪሶሞም። ስድራ ብዘይ ውሉድ፣ መርዓት ብዘይ መርዓዊ ኣቕርዮምዎም። ካብ እዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ እቲ ዕለት፡ መለስ አለም ዝብሃል ፡ ኣብ ኳዕቲ ማይ፡ ሓጋዚ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እቲ ኵነታት ምስ ተፈጠረ ስድርኡ ናብ ዝርከብሉ ዓዲ ሓርዎ ወሪዱ ነይሩ። ሕዚ እውን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ከባቢ ዝረኸብዎ ይወስዱ ስለ ዝነበሩ ናብ ገዛ ወለዱ መጺኦም ብሓይሊ ኣገዲዶም ብምውሳድ ግፍዒ ብዝተመልኦ መንገዲ ኣብ ቀላቕል ዓዱ ረሺኖምዎ።

 ኣለምብርሃን ሓለፎም፡ ካብ ኮለጅ ዓብይ ዓዲ: ብሞያ መምህርነት ተመሪቑ ኣብ ስራሕ መምህርነት ተዋፊሩ እናሰርሐ ነይሩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዅሱም ክዓ ትምህርቲ ቀዳማይ ዲግሪ እናተኸታተለ ነይሩ። እንተዀነ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ምስ ኣወጀ፡ እስካብ ዝረጋጋዕ ብዝብል ወለዱ ናብ ዝነብሩሉ ቍሸት ዓዲ ሓርዎ ኸይዱ። ዝዓበየላ ጎጆ መድሕን ክትኰኖ፣ ወለዱ ዋሕስ ክዀኑዎ ኢሉ ኣተስፍዩ እዩ ከይዱ ነይሩ።  ይዅን ደኣምበር ሕጊ ዓለም ዘይይፈልጡን ሰብኣዊነት ዝብሃል ዘኢፈጠረሎምን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብ ወለዱ ወሲዶም ብዘይ ዳኛን ፍርዲን ኣብ ቀላቕል ዓዱ ቀቲሎምዎ። 

ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ  ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ  ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ። መልዓጣ ማለት ሕዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሩሉ ዝርከብ፡ ካብ ከተማ ማሕበረ ዴጎ ንኣንፈት ደቡብ ኣስታት ሸውዓተ ኪሎ ሜትር ርሒቓ ዝትርከብ ቦታ እያ። ለምለም ገጸ ምድሪን ቐላቕልን ዝበዝሓ ስፍራ እያ። ንከተማ ማሕበረ ዴጎ ሓዊሱ ዓዲ ታህሱስን ዓዲ-ሓርዎን ኣማእኺሉ ዝርከብ ከባቢ እዩ። 

ኣብ ላዕላይ ከም ዝገለጽኩዎ፡ ግዳያት እቲ ጨፍጫፍ  ንነብሶም ዝሓደሩ ሃለቃታት ሓዊሱ ኣናእሽትን ዓበይትን ዝሓወሰ ኰይኑ፡ ኵሎም ድማ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዀኑ መሰኻኽር ዓይኒ ይሕብሩ። እቲ ጨፍጫፍ ጥሪ 16 ከም ዝተኻየደ ዝግመት እንትዀን ጨፍጫፍ እዞም ወገናት ኣብ ወርሒ መጋቢት ብዝተለቐቐ ቪድዮ እዩ ክፍለጥ ክኢሉ። ጫፍ ጭካነ ብዘርእን ብዘስካሕኽሕን መልክዑ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናመደሩን እናስሓቑን ነብሲ ንጹሃት ወገናት ከም ኣቝጽልቲ ኣብ ቀላቕል ዓዶም ኣርጊፎምዎም። ጨካናት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡  ምርሻን ከኢይኣኽሎም፣ ሬሳ እዞም ወገናት ናብ ጸድፊ እናደርበዩዎም እውን ተዓዚብና።

ኣዝማድን ወለዲን እዞም ግዳያት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ እቲ መራሕቲ እቲ ኣብ እቲ ከባቢ ዘሎ ሰራዊት ዝርከቡሉ ቦታ እናኸዱ ደቅና ኣበይ ኣለዉ፥ ኣሕዋትና ኣበይ ኣለዉ እናበሉ ንኣዋርሕ ዝኣክል እንትመላለሱ፣ ሓደ ጊዜ ነስረሖም ኣለና ክንመልሶም እይና፣ ካሊእ ግዜ ድማ ሽረ ኣለዉ፣ ደስ እንትብሎም ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዓፊኖም ወሲዶሞም እናበሉ  ከንገላትዕዎም እዮም ቀዊዖም። ወለዲን ስድራን እዞም ወገናት ድሃይ ደቆምን ኣዝማዶምን ንኽሓቱ ብተደጋጋሚ እኳ እንተተመላለሱ ብሂወት ከም ዘለዉ እናተነገሮም እዮም ይምለሱ ነይሮም።አበዚ መሰረት ድማ ጭካነን ክፍኣትን ናይቶም ሰራዊት እንተኢተረድኡ ደቅና ብሂወት ዶ ይህልዉ እናበሉ ብተስፋ ጸኒሖም። 

እንተዀነ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝወፅአ ኣዝዩ ዓለም ዘደንጸወ ተንቀሳቐሲ ምስሊ ከም ዝተዓዘብናዮ እቶም ሰላማውያን ሰባት ብኣዝዩ ዘስካሕኽሕን ዘሕዝንን መልክዑ ኣብ ጸድፍታት ዓዶም ብጨካናት ሰራዊት ኢትዮጵያ እናተረሸኑ ብዓይንና ርኢናዮም። ጽባሕ ዶ ሎሚ ይመጽእ ይኸውን እናበለት ብተስፋ ትጽበይ ዝነበረት ኣዶ ወዳ ኣብ ቀላቕል ዓዱ ብግፍዐኛታት ከም ዝተቐተለ መርድእ በጺሑዋ። ሓወይ እማ ብሂወት ኣሎ እዩ እናበለ ጠጥዕሙ እምበር ከክፍኡ ክምነይ ዘኢፈቐደ ሓው፣ መገዛ ሓዉ ኣብ ጸድፊ ዓደ ኣቡኡ ብግፍዐኛታት ተቐቲሉ ክድርበ ኸሎ ርእዩ። ጐይዩ ዘኢጸገበ ወዱ፡ ክምለስ እዩ እናበለ ኣፍ ደገ ገዝኡ ከቛምት ዝጸንሐ ወላዲ መርድእ ውላዱ ሰሚዑ።

እተን ጨፍጫፋት ዝተኻየዱለን ቦታታት ክልተ እየን። እታ ሓንቲ ካብ ከተማ ማሕበረ ዴጎ (ማሕበረ ሰላም) ንኣንፈት ደቡብ ምብራቕ ኣስታት 4 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ዝትርከብ፡ ፍሉይ ስማ ማይ ድሙ ዝትብሃል ከባቢ እያ፤ እታ ካልአይቲ ድማ ካብ ማሕበረ ዴጎ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣስታት 7 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ዝትርከብ ፍሉይ ስማ ጊላ ዒላ ዝትብሃል ቦታ እያ። እታ ቀዳመይቲ፡ ናብ ቍሸት ዓዲ ሓርዎ እንትትኽየድ ዝትርከብ ቀላቕል እያ።  እታ ካልአይቲ ድማ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ማልቃ  ዝትብሃል ቍሸት ዝትርከብ ቀላቕል እያ። እዛ ቦታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሮምሉ ካብ ዘለዉ መልዓጣ ቀረባ እያ። ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ናብ እዘን መስካሕኽሕቲ ጨፍጫፋት ዝተኻየዱለን ቦታታት ክንቀሳቀሱ ኣይይፈቅድን ነይሩ። ነዚ እዩ ድማ እቲ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ንነዊሕ ጊዜ እንተ ኢተፈለጠን እንተ ኢተጋለጸን ክጸንሕ ዝኽኣለ፤ ስድራ ግዳያት እውን እቲ ዝተገበረ ነገር ክፈልጡ ዘኢክኣሉ። እስካብ ሎሚ ስድራ ግዳያት ሬሳታት ደቆም ተቐቢሎም ብስርዓት ሓመድ ድበ ከልብሱ እኳ ኣይተፈቐደሎምን። ሓዘን መርሸንቲ ደቆም በኽዮም እንተ ኢወጸአሎም፣ ሬሳ ኣሕዋቶምን ኣዝማዶምን ብስርዓት ቤተ ክርስትያን እንተኢኣፋነዉ ዕድል ተኸሊኦም ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓዘንን ስብራት ልብን ይርከቡ። 


ክሳብ ሕዚ እዞም ዝስዕቡ 52 ሰባት ብ ስምን ዕድመን ተለልዮም ኣለዉ። ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ኰይኖም፡ ዳርጋ ኵሎም ክዓ መናእሰይ እዮም።

ተ. ቍጽሪስምዕድመ
1ምህረቱ ኣብርሃ ኣበራ56
2ገብርእግዚኣብሄር ኣብርሃ ኣበራ53
3ክብሮም ተኹሉ ገ/ጻድቓን 30
4ፍጹም ተኹሉ ገ/ጻድቓን 18
5መንገሻ መውጫ ገ/ኪዳን25
6ሓድጉ መውጫ ገ/ኪዳን22
7መብራህቱ ገ/መድሂን ከበደው26
8ኪሮስ ገ/መድሂን ከበደው19
9ተኽላይ ገ/መድሂን ገብሩ32
10ሃይለ ገ/መድሂን ገብሩ38
11በሪሁ ሓጎስ ኣስፍሃ34
12ጸጋይ ተስፋይ ወ/ገብሪኤል25
13ጉዕሽ ገ/ማርያም ገብሩ 26
14ሞጎስ ጻሃየ ገብሩ 20
15ገ/ሃንስ ኪዳነማርያም ተኹሉ42
16ገብረመድህን ብርሃነ ስቋር21
17የማነ ተስፋሁነይ26
18መለስ ኣለም ዋሲሁን26
19ሙቁር መኰነን30
20የማነ ኣለማዮ ሃይሉ20
21ሓለፎም ወልደጊዎርግስ ዝወሎ16
22ክብሮም ገብረመድህን30
23ሓዱሽ መኰነን24
24ዘኣማኑኤል መኰነን46
25ገብረየውሃንስ ገብረማርያም40
26ገብረመስቀል ኣለማዮህ ጽገ40
27ሰሎሞን ኣሰፋ ገብሩ47
28ይኩኖም ገብረማርያም ስብሓት22
29ነጋሲ ብርሃነ ገብረማርያም22
30በሪሁ ገብረየውሃንስ ገብረመድህን26
31ገብረመድህን ገብረጻድቃን35
32ያይንሸት ገብረዋህድ ደሱ27
33ክብሮም ምዓሾ30
34መለስ ገብረኪዳን ገብሩ28
35ምሓሪ መረሳ25
36ጉዑሽ ካሕሳይ በርሀ35
37መብራህቱ ፍስሃ በርሀ32
38ገብረሚካኤል ኣማረ35
39ገብረእዝጊ መስፍን60
40ተወልደ በየነ30
41ሃይለ ትኩዎት45
42ሃይለ መኰነን40
43ማሙ መኰነን25
44ኣሰፋ ረዳ60
45ወልደሚካኤል ኪዳነማርያም65
46ገብሪኤል ኣማረ ገብረማርያም32
47ክብሮም ገብረኪዳን ጽገ30
48ምዑዝ መብራህቱ ኣብርሃ24
49ሓጐስ ታረቀ ኣበራ38
50ዲያቆን ኤፍሬም ምዓሾ ኣበራ35
51ገብረዋህድ ገብረጻድቃን ወልደዮውሃንስ33
52ገብረጅወግስ መኰነን ተስፋይ30
ዝርዝር ክሳብ ሕዚ ብ ስም ዝተለለዩ ግዳያት

ቪድዮታት እቱ ርፍረፋ

ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ ብካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽ

  1. ሲኤንኤን
  2. ቢቢሲ
  3. በሊንግካት

Continue Reading
5 Comments

5 Comments

  1. Kingo

    June 21, 2021 at 8:29 pm

    Well done, compilation of the document. Please go ahead to be voice of the voiceless innocents.

  2. Eritrea-a surrogate giving birth to killers, robbers and rapists

    April 24, 2021 at 1:13 pm

    ቅዱሳን ሐዋርያት ከረሀብ ጦር ይሻለናል አሉ ይባላል፥፥ የሀገር ውሥጥና የውጭ ሀይሎች ለፖለቲካ፥ ሥልጣን ና ቁሳዊ ትርፍ ጥቅም ሲባል ሕዝባችን ከጦርነት እጅጉን በከፋ ረሀብ እየተሰቃየ እንዲሞት ፈረዱበት፥፥በቸልተኝነት ወገናችን የረሀብና የጥይት ሰለባ እንዲሆን አድርገውት የሕዝባችንን ሲቃና ሰቆቃ እየተመለከትን ፮ ድፍን የጨለማ ወራት አለፉ፥፥የወገኖቻችንን ሞት ሲያስቦርቃቸው የነበሩ ኤርትራዉያን የሻቢያ ዉድቀት ከወዲሁ ፍንትው ብሎ ቢታያው በቅርቡ በሲውድን ባደረጉት ስብሰባ ከወንድሞቻችን ተጋሩ ጋር ተደራጅተን ወይም ከጎናቸው ሆነን ሻቢያን እንታገዋለን ሲሉ ያለፍላጎታቸው ቢቸፈንናቸውም እንኳ ሊናገሩት በቅተዋል፥፥የወደዱትን (የተጋሩና የመሪዎቻቸው ዕልቂት እንዳሰቡት እልሆን ቢላቸዉ)ቢያጡ የጠሉትን (ከትግራይ ጎን መሰለፍ ና ትግሉን መደገፍ)እንዲቀላውጡ ከሚገደዱበት ጊዜ ላይ ደርሰናል፥፥ይህ ሁሉ የታጋዮቻችን የአላማ ፅናት፥ ቆራጥነት ያለ ስስት ለወገናቸው እየከፈሉት ያለ ክቡር ሕይወት ከምክናቶቹ ሁሉ በላይ የሆነ ገናና ና ታላቅ ምክንያት ነው፥፥ይህም በፍፁም ልንረሳው የማንችለው በውሥጣችን ተስሎ የሚናር የወደፊቷ ታላቅ ትግራይ የሀገራዊነት ትዕምርት ነው፥፥
    የአማራ ልሂቃኑም የወደዱት የአማራ ብሔር ልኣላዊነትና የሕዝባቸው ደህንነት አደጋ ላይ መሆኑ ቢታወቃቸው ሲደግፉትና የነበረ የብልፅግና አስተዳደር እና ሲያንቆለጳጵሱት የነበረ ኮረኔል አቢይን ያጡ ለታ(i.eአጡት የሚል ቃልን በትርጉም የልባቸውን አላደርስ ቢላቸው ብላቹህ ተረዱልን) የጠሉትን የምዕራባውያኑ ጣልቃ ገብነት ሲቀላውጡ ተስተውለዋል፥፥ሌት ተቀን ሲጮሁ የምንሰማው ና እያየነው ያለ ዕውነታ በመሆኑ በሾርት ሜሞሪ የምንቸገር እንኳ ለማስታወስ አያዳግተንም፥፥
    When we read what these mass murderers , Eritreans, they are constantly justifyng their atrocities with their expulsion from ethiopia . They described it : We were expelled from ethiopia where were were living for years , more than 20 years and we were left bare-handed , left our houses and belongings , and yada yada ……
    However,the Isayas regime do expell ethiopians from eritrea. Personally, I believe eritreas have much more motives for their warcrime and invasion other than the those claims they are raising now .

    I wish Oromos and other tribes expell these people(ERITREANS) once again from any province or region in the socalled Ethiopia; They and their regime is not only the enemy of Tegaru but for all nations and nationalities who were living in harmony during TPLF administration. Eritreans died in many countries and could be expelled in the near future from wealthy countries. We will see if they can afford to fight with their colonial masters!

    Eritrea is an perfect exapmle of a surrogate mother bearing and giving birth to too many offsprings who belong to Satan and his army- because they are doing and accomplishing the most despecable and disdained evil tasks and atrocities against the most innocent children and mothers and nuns favored by Satan! Words fail us to describe them. Even before this war broke out , I never saw morally healthy people . Far more worse than amhara elites , and unbiased view!
    ከበጣም መጥፎ እጅግ እጅግ መጥፎ ከተባለ ኤርትራውያን ናቸው!!! We call a spade a spade !!!
    I do support TPLF than any other time now, Since I have come to understand , saddly speaking, the fact that An african leader hated and defamed by a foreign country (be it US or any other country ) is a government doing best for its people-by setting up an extraordinary public infrastructure , schools, hospitals and public transport etc . A simple examples would be the story of Thomas Sankhara, And Ghadaffi Himself. Donot let yourself taken by foreign propaganda.

  3. "Sympathy is no substitute for action." — Dr. David Livingstone,

    April 23, 2021 at 12:39 pm

    ራሱን የፖለቲካ ተንታኝ ብሎ የሚያንቆለጳጵሰዉ ሰው እንዲህ አለ ፥ነጮቹ አመረሩ፥እንደተነቃባቸዉ ተገነዘቡ በትግራይ ዉሥጥ ባልታጠቁ ንጹሓን ወገናች ላይ እየተፈፀመ ያለውን አሰቃቂ ግድያ ያሳስበናል ፥፥ኤርትራን ለወረራዉ ያነሳሳትንና እንድትገባ የፈቀደላትን ከዚህ ጉዳይ ጋር ተያያዥነት ያላቸውን ሚሥጥራዊ ሰነዶች ለሕዝብ ይፋ የምናደርግበት ጊዜ ገና በመሆኑ ምናልባትም ሁለት አሥርት አመታት ሊፈጅ ስለሚችል ይጠብቁን፥፥ በሕዝባችን እልቂት እየተቀባበሉ የፖለቲካ ና ጅርጅታዊ አጀንደ እየፈበረኩ መግለጫ ሲያወጡ ፮ ወራት ተቆጠሩ፥፥ዩኒሴፍ የሕፃናት እንግልት ረሀብ ያሳስበኛል ሲል የሴቶችና የእናቶች መብት ተሟጋቾችም ለነርሱ የሚመች አጀንዳ ፈልቅቆ በማዉጣት በሕዝባችን እልቂት የድርጅታዊ ፖለቲካ መጠቀሚያ ማድረጋዉን ሲገፉበት ተመልክተናል፥፥ወገኖቻችን ሌት ተቀን በጥይት ሲያልቁ ከጥይት የተረፉት ከቤታቸዉ በረሀብ እየተሰቃዩ እየሞቱ ነው፥፥ሁላችንም እንደምናዉቀዉ ወገናችን በየቀኑ ሠርቶ፥ጨዉ በርበሬ፥ሌላም ሌላ ቁሳቁሶች ሸጦ የዕለት ጉርሱን ሸምቶ ከልጆቹ ጋር ካፍሎ የሚኖር ታታሪ ሰዉ አክባሪ ሕዝብ ነው ፥፥እንዴት ና በምን ሂሳብ ነዉ ፮ ወር ሙሉ ሳይሰራ በሕይወት መቆየት የሚችለዉ? ፮ ወር ሙሉ ከጦርነት ጥግና ጣሪያ ያለፈ (የጦርነት ሕግጋትና ሥርዓቶች የማይከበሩበት ንፁሓን ወገኖች በጅምላ በሽንፈት ማግሥት የሚታረዱበት)ዘግናኝ እልቂት የሚኖሩ ሕዝባችን አይደለም እኛ በሲቃ በሀዘን በጭንቀት የምንኖረው፦፦
    As one of millions Patriotic Tegarus, I am requesting the international community to take action to save lives : Urge them to deliver humanitarian aide to every citizen of Tigray , apart from those who live in peaceful towns and villages, and undertake tangible action to stop the war via UN-led military action. No more mere words , but actions !
    Sympathy refers to the feelings of pity or sorrow we have for those who have experienced misfortune. It is when you feel bad for another person who’s going through a difficult moment!
    Sympathy without action means nothing !
    “Sympathy is no substitute for action.” — Dr. David Livingstone,
    Dear UNSC “Expressed deep concern over allegations of human rights violations ” is nothing if it is not accompanied by an action to save lives!!!

    PS: BY the way, I have been informed that some eritreans are starting to claim they do support TDF and want to fight against The PJDF (Higdef) . They launched this campaign recently , since some people spread rumours about the possible entrance of TDF to Eritrea .They are acting out of fear of being isolated if Tegarus enter Eritrea they will not able to set up a new government or governing body created in abroad. Previously, many Eritreans were saying, TDF should hit PJDF and liberate Eritrea for us .I donot want TDF to die for these thugs .
    የወደዱትን ሲያጡ የጠሉትን ይቀላውጡ ነው ነገሩ፥አበይ ኔሮም ሕጂ ሕግደፍ ሞቱ ምስቀረበት ትግራዋይ ትግራይ ንፈትዋ ኢና ምሳኹም ንቃለስ ኢና ምስ አምሐሩ ይህሸኩም ሀሳዳት አነ ብዉልቀይ ምስ ኤርትራዉያን እትምስረት ትግራይ አደይ አይብላን ትግራዋይነት ግን ማንም ዝሀበኒ ፖስፖርት አይኮነን It is the most valuable identity that was handed down to me from my progenitors(Jeganu Tegaru) ፦፦፦

  4. Amanuel H.

    April 22, 2021 at 7:45 pm

    መንግሥተ ሰማይ የዋርሶም፣ አቦታትናን አህዋትናን።

  5. Wedi Agula

    April 22, 2021 at 3:02 pm

    May Almight God rest the souls of our Martyrs in Peace and in the bossom of Saints!

    BTW, The 5th point raised by the Board of Ethiopia Vision reads :We call upon the international community to support the ongoing resistance against extremist forces in Ethiopia, including TPLF, OLF and other Oromumma fanatic groups, and avert a looming catastrophe in the Horn of Africa.
    They are still aggressive and they want us to vanish, saddly speaking.
    FYI, Vision Ethiopia is a 501 (c) (3) nonprofit organization incorporated in Washington, D.C. EIN 81-0729204 It is an NGO by Amhara and for Amhara.

    Source: Ze-amhara.com article posted on 22April2021.

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT