Connect with us

Uncategorized

መገለፂ መንግስቲ ትግራይ ዓለምለኻዊ

Published

on

ሓገዝ ረድኤት ብዘይ ምንም ዓንቀፍቀፍ ንህዝብና ንምብፃሕ መንግስቲ ትግራይ ሎምውን ከም ወትሩ ድሉው እዩ። ቅድሚ ኵሉ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፣ ተሓለቕቲ ሰብአዊ መሰላት፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ዝበፀሖን ይበፅሖን ዘሎ ስነ አእሙራዊ ስብራት ሰብአዊ ህልቀትን ማሕበረ ኢኮነምያውን ቅልውላው ተረዲእኹም ንህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ  ዝገበርኩምዎን ትገብሩዎ ዘለኹም ሓገዝ መንግስቲ ትግራይ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ምስጋንኡ ብፍሉይ ይገልፅ።   

ብመሃንዲስነትን መሪሕነትን መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፎርቂ፡ ጕጅለ ፋሽስቲ አብይ አሕመድን ተስፋሕፋሓይ አመራርሓ ክልል አምሓራን ዝፈፀምዎ ናይ ጥፍአት አረሜንያዊ ተግባር ንህዝቢ ትግራይ ብጥይትን ብጥሜትን ዝብል ሰይጣናዊ ጭርሖ ተሓንጊጦም ህዝብና ናብ ድከትን  ሕሱም ድኽነትን ንምእታው ኵሉ ዓይነት እከይ ተግባራት ፈፂሞም ሎሚ እውን ይፍፅሙ አለዉ። ብምዃኑ እውን እዞም ወረርቲ ሓይልታት ብእግሮም አብ ዝረገፅዎ ኵሎም  ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ዕድመን ፆታን ሃይማኖትን ከይፈለዩ ጅምላዊ ጨፍጫፍ አካይዶም የካይዱን አለዉ።  

ሕሉፍ ሓሊፎም አብዚ ዘለናሉ መዋእል ክፍፀም እዩ ኢልካ ዘይግመት አረሜንያዊ ግፍዕታት ፈፂሞም። ንፁሃት ደቂ ትግራይ ብሂወቶም እናሃለዉ ናብ ሃው ዝበሉ ገደላትን ሽቃቅን አሲሮም ደርብዮም። ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተኸልከለ ኬሚካላዊ ቁምቡላ ማለት ፃዕዳ ፎስፎረስ ተጠቒሞም ደም ንፁሃት ወገናትና ብከንቱ አፍሲሶም አካሎም አቃፂሎም። አብ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ብቃላት ንምግላፅ ዘፀግም ልዕሊ ፆታዊ ጥቕዓት ዝዀነ አረሜንያውን ባርባራዊን ግፍዕታት ፈፂሞም። ፈለስቲ ተጋሲሶም ሕሉፍ ሓሊፎ ጓል 5 ዓመት ህፃን ከይተረፈት ፆታዊ ጥቅዓት ፈፆሞም አብ አፍደገ ሞት ክትበፅሕ ገይሮም።

መንግስትን ህዝብን ትግራይ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብጭፍሮም ዘዋህለሉዎ ንብረትን ጥሪትን ዘሚቶም። ክወስድዎም ዘይክአሉ መፍረይቲ ፋብሪካታትን ንብረት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን አቃፂሎም አበላሽዮም ። እኽልን እንስሳ ዘቤትን ሓረስታይ ትግራይ ፅዒኖም ወሲዶም። ዝሕረድ ሓሪዶም በሊዖም ሓረስታይ ትግራይ መሬት ከይሓርስ ከልኪሎም አርዑትን ነዊትን አቃፂሎም። ብሓፂሩ እዞም ወረርቲ ስእነት ምግቢ ጥምየትን ፆታዊ መጥቃዕትን ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሞም ነዚ ህዝቢ ምፅናት ብዝኸፍአ አገባብ አጠናኺቶም ቀፂሎምሉ አለዉ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዞም ወረርቲ ሓይልታት ዝበፀሐ ህልቂትን ማተርያላዊ ዕንወትን ተረዲእኹም ግፍዕታት ወረርቲ ኰኒንኩም ዝተፈላለዩ ውሳነታት እውን ወሲንኩም ዝኸፍአ ህልቂት ከየጋጥም ሰብኣዊ ሓገዝ ለጊስኩም።

ብምዃኑ እውን መንግስቲ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዘወፈይኩምዎ ሰብኣዊ ሓገዛት ብሽም ተመዛበልትን ተሓገዝትን ደቂ ትግራይን ምስግንኡ እንተቕርብ ንቀፃሊ እውን ድጋፍኩም ዝያዳ አሐዪልኩም ከም ዝትቕፅሉ ተስፋ ብምግባር እዩ። ኣብዚ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ከነረጋግፆ ዝግባእ ጕዳይ አሎ። ንሱ ውን ንዝተፀገሙ ወገናትና ዝልኣኽ ሓገዝ ረድኤት ንምብፃሕ ኵሎም ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት ብዘ ይምንም ዓንገቀፍን ፀገምን ናብ ዝደለዩዎ መሬት ትግራይ ብዘይ ምንም ስኽፍታ ተንቀሳቂሶም ስርሖም ክውግኑ መንግስቲ ትግራይ ይፈቅድ ጥራሕ ዘይኰነስ ወረርቲ ይምክቱ  ዘለዉ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ አብ ኲናት ኰይኖም ንወሃብቲ ሓገዝ ዘይተሓለለ ሙሉእ ሓገዝ ከም ዝገብሩ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክነፍልጥ ንፎቱ።

 አብ 1977 ዓም አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ አጋጢሙ ዝነበረ ድርቂ ንምፍታሕ ንወሃብቲ ሓገዝ  ናይ ምትሕብባር ውሕሉል መኩሮን ልምድን  ኣለና። አብቲ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ይካየድ ዋላኳ እንተነበረ ARP ብዝብል ሽም ሓገዝ ብዘይምንም ፀገምን ዓንቀፍቀፍን ናብ ህዝቢ ትግራይ ክባፃሕ ተገይሩ እዩ። ብ100 ኣሸሓት ዝኸውን ህዝብና ድማ ካብ ሓማምን ህልቂትን ንምድሓን ናብ ሃገረ ሱዳን ብምውሳድ ረድኤት ንክረክብ እንትግበር ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ዓዱ ተመሊሱ ናብርኡ ክመርሕ ተገይሩ እዩ።  ስለዝኾነ ሎሚውን ህዝብና ካብ ሕማምን ጥሜትን ህልቂትን ንምድሓን  ዋላ አብ ኲናት ኾይንናውን እንተኾነ ሙሉእ ምትሕብባር ከምንገብር ንማሕበረሰብ ዓለም ደጊምና ነፍልጥ።

ወረርቲ ሓይልታት ግና ብአንፃሩ ህዝብና ምእንታን ብጥሜት ክውዳእ ረድኤት ሓገዝ ምዕንታን ናብ ህዝብና ከይበፅሕ ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት እናፈጠሩ ይርከቡ። ዝለዝኾነውን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ አንፀላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ብሓፈሻ ንምክልኻልን ዓለምለኻዊ ሓገዝ ረድኤት ብዘይምንም ዓንቀፍቀፍን ፀገማትን ናብ ህዝብና ብስሩዕ ንምብፃሕ ክግበሩ ዘለዎም ጉዳያት ከምዝስዕብ ነቅምጥ።  

  1. ሰብኣዊ ሓገዝ ብኹሉ አንፈት ትግራይን ብኹሉ ዓይነት ትራንስፖርትን ብዘይገደብን ዕንቅፋትን ዝበፅሐሉ ኩነታት ክመቻቾ ምግባር።
  2. ሓረስታይ ትግራይ ብፍላይ እቶም ጥቃ 3ተ ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ቦቶኦምን ናብረኦምን ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ ቦቶም ተመሊሶም ናይ ሎሚ ዘበን ማእቶት ስራሕቲ ክውግንሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክፍጠርን መንቲ’ዚ ካብ ገንዘባዊ ሓገዝ ጀሚርካ ከም ዘርኢ፣ማዳበርያ ካልኦት ናይ ሕርሻ ናውትን ድጋፍ ክቀርበሉ ምግባር።
  3. እቲ ዝተመዛበለ ናብ ቦትኡ ክምለስን ሓረስታይ ትግራይ አብ ማእቶቱ ክካፈል ምእንቲ እቶም ንምምዝባል ምኽኛት ዝኾኑ ወረርቲ ሓይልታት ኤርትራን አምሓራን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ዝነበርሉ ቦታታት ክምለሱ ምግባር።
  4. አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ዝበፀሐ ናይ ዘርኢ ምፅናት ገበናትን አብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ ትግራይ ብፍላይ ዝበፀሐ ዘስካሕክሕ ጾኦታዊ ዓመፃትን በደላትን ጠጠው ክብልን  ነዚ ዝተፈፀመ ገበናት ዘፃርን ናብ ፍርዲ ዘቅርብን ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ አካል ተጣይሹ ንስራሕ ዘመቹ ኩነታት ክፍጠረሉ ምግባር።
  5. ህዝቢ ትግራይ አገልግሎት ማይ፣መንራህቲ፣ ቴሌኮሚኒኬሽን፣ ባንኪ፣ ሕክምና፣ ትምህርትን ወዘተ አገልግሎታት ክረክብ ዘግብር ንቡር ኩነታት ምምላስ።

ኣብ መወዳእታ መንግስትን ህዝብን ትግራይ መማረፂ ስኢኖም ህዝባዊ ኲናት ከካይዱ ዝተገደዱ ሃለዋቶምን ድሕንነቶምን ንምርግጋፅ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ማህበራዊ ሂወቱ ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ። ስለዝኾነውን አብ ከባቢና ሰላም ንክነግስ ወረርቲ ሓይልታት ግንባር ፈጢሮም ባዕሎም ወሊዖም ዘካየድዎን የካይድዎን ዘለዉ ኣረሜንያውን ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንክዛዘም መንግስቲ ትግራይ ሎሚውን ከም ወትሩ ቅሩም ምዃኑ ንምግላፅ ይፈቱ።               

ትግራይ ትስዕር!            

መንግስቲ ትግራይ      

01 ሰነ 2013 ዓ/ም

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT