Connect with us

story

ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥ ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን

ምስ ካልኣዩ ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ዝወደቐ ትግራዋይ፡ ስለ ዝገበሩዎ፥ ዝበሉዎ፥ ዝስምዖ፥ ዝርአዮን ዝተዓዘቦን የዘንትው።

Published

on

ታሕሳስ 30/04/2013 እዩ። ከባቢና (ጣብያ ዝባን ገደና) መዋፈሪ ሓይልታት ትግራይ እዩ ነይሩ። ካብ ዕለት 27 ክሳብ 28 ታሕሳስ ሓያል ውግእ ኣብ ሩባ ማይ ፃዕዳ ተኻዪዱ እዩ።። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ዓይኒ ዕሙተይ ክድብድብ ምስ ጀመረ ግን ሰራዊት ትግራይ ታሕሳስ 29 ንጕሆ ነታ ቊሸት ለቒቑዋ ከይዱ እዩ። ህዝቢ ከኢይጒዳእ ብምሕሳብ እዩ ሰራዊት ትግራይ ሲሒቡ ወፂኡ። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ግን ዕላምኡ ህዝቢ ምጥፋእ ስለ ዝዀነ ዝዋግኦ ሓይሊ ይሃልው ኣይይሃልው ዓድታት/ቊሸታት ምድምሳስ፥ ንፁሃን ሰባት ብግፍዒ ምጭፍጫፍ ኣይየቋርፅን እዩ።

ስለ ዝዀነ ድማ ድሕሪ ውግእ ንኽልተ ምዓልትታት ብ ዘኢምቍራፅ ብሞርታርን ካብኡ ዝዓብይ መድፍዕን (130ሚሜ) ቍሸትና ኣቃፂሉዋ።

ብዘይካ ዝተወሰኑ ዓበይቲ ዓዲ ካልእ ህዝቢ ካብ ታሕሳስ 27/2013 ጀሚሩ ንበረኻ ወፂኡ እዩ። ታሕሳስ 29 ልደት መዓልቲ ሰራዊት ትግራይ ለቒቑ ምስ ክየደ እቲ ደብዳብ ደው ክብል እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ። ግን ገዲዱ ናብቲ ተሓቢእናሉ ዝነበርና ሩባ ከም ዝናብ ኣብ ልዕሊአና ክዘንብ ጀመረ። ኣፅሊልናሉ ዝነበርና ኣእዋም ጫፍጫፉ ብመድፍዕ ተወቒዑ እዩ።

ካብ ሰዓት 9:00 – 12:00 ድሕሪ ቀትሪ 21 መድፍዕ ኣብ ጥቓና ዓሊቡ። ሰብ ፋሕፋሕ ኢሉ ዝሕዞን ዝጭብጦን ሲኢኑ። ኣነን ምሳይ ዝነበሩን ዓብዪ ሩባ ኣብ ጥቓና ስለ ዝነበረ ናብኡ ኣቲና ክንሕባእ ሞኲርና። ጋምስታን ጒሁምን ዝበዘሖ ሩባ ስለ ዝነበረ መብዛሕትና ናብኡ ኣቲና ተሓቢእና።

ዕድል ድዲ ኰይኑስ ሰብ ኣይተጐደኣናንን። ካብ ዝዋዓልናሉ ቦታ ርሒቅና ምሕዳር መሪፅና ክየድና። ኣብ ሞንጎ ክልተ ጎቦታት ዝርከብ ሩባ ሓዲርና። ሰብ ግን ፋሕፋሕ ኢሉ እዩ። እቲ መድፍዕ ኣብ ርእሴና ክዓልብ ምስጀመረ ስድራ ብትንትን ኢሉ እዩ ሓዲሩ።

ታሕሳስ 30 ንጒሆ ናብ ጎቦ ወፂአ ናብ ዓዲ ከማዑዱ ጀሚረ። ዓድና ትነድድ ነይራ። ምንዳድ እኮ ዓይነት ኣለዎ እዩ ናይ ሽዑ ምንዳድ ግን ፍሉይ እዩ። ብዘይ ትክን ባርዕን ካልእ ኣይትርእን። በቃ ዓዲ ተቓፂላ እያ ግን ኣብ ገዛ ዝገደፍናዮ ኣቦይ እዩ ከታሓሳስበኒ ጀሚሩ። ኣብዚ ሞንጎ ባርዕን ደብዳብን ኣቦይ ከመይ ይህልው ኢለ ክጭነቕ ጀመረ። ንጒሆ ናይ ብሬንን ድሽቃን ተዂሲ እየ እሰምዕ ነይረ። እቲ ባርዕን ትክን ናይ ትማሊ እዩ። ስለዚ ኣነ ንገዛ ከይደ ናይ ኣቦይ ሃለዋት ክእፈልጥ ኣለኒ ኢለ ወሲነ። ሽዑ ንጒሆ ሰዓት 1:30 እዩ ነይሩ። ናብ ኣደይ ከይደ ድማ ንገዛ ከይደ ሃለዋት ኣቦይ ክፈልጥ እየ በልኩዋ፤ ንሳ ግን ኣዝያ ተቘጠዐት ክቐትሉኻ እዮም ኣይትኽይድ ድማ በለትኒ። ኣነ ግን ሻቕሎት ከቕስነኒ ስለ ዘኢክኣለ ክኽየድ ኣለኒ ኢለ ተበጊሰ። ሓደ ዓርከይ፡ ብሓደ ንኽይድ ኢሉ ድማ ብሓደ ተበግስና።

ካብ ዝነበርናሉ ናብ ገዛውትና ናይ 1:30 ጒዕዞ እግሪ ይወስድ እዩ። ክንብገስ ከለና 2:00 ናይ ንጒሆ እዩ ነይሩ። ናይ 1:00 ጒዕዞ ምስ ከድና ግን ናብ ማእኸል ዓዲ ሞርታር ክዓልብ ጀሚሩ። ኣብ ሽንጥሮ ኣብ እግሪ ዓየ (ኦም) ኮፍ ኢልና ከነሕልፎ ፈቲንና ግን ዝሓልፍ ኣይነበረን እኳደኣስ እናሰፍሐን እናቐረበን ቀፀለ። ብልዕሌና ሰጊሩ ፀሊም ጠረር ኣብ ዝብሃል ጎቦ ክዓልብ ምስ ጀመረ ካብቲ ዝነበርናሉ ሽንጥሮ ወፂእና ጐልጐል ኣስመራ ዝብሃል ጐልጐል ሒዝና ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልና እናሰጐምና ናብ ዓዲ ክንቀርብ ጀሚርና ግን ኣይቀፀልናን ኣብ ቅድሚትና ክዓልብ ስለ ዝጀመረ ናብ ጎቦ ፅግዕ ኢልና ኣብ እግሪ ጋባ ኮፍ በልና።

እቲ ናይ ሞርታር ደብዳብ ናብ ኵሉ ከባቢ እዩ ዝውንጨፍ ዝነበረ። ኣብ ድሕሪትና፣ ኣብ ቅድሚትና፣ ብፀጋማይናን ብየማናይናን እዩ ይዓልብ ነይሩ። ስለዚ ኣዚና ተጨኒቕና ነይርና። ካባና ንኣንፈት ፀጋም ቤተክርስቲያን እንዳ ሚካኤል ኣሎ።  ግልፅ እንተበልና ድማ እቲ ሞርታር ኣብኡ ክዓልብ ርአናዮ። ተስፋ ቈሪፅና። ቤተክርስቲያን እኳ ዘኢምሓሩስ ካልእ ከመይ ገይሮም ክገድፉ በቃ ወለድና ኣብ ውሽጢ ገዝኦም እዮም ኣቃፂሎሞም ዝዀኑ ኢልና ናብ ምድምዳም በፂሕና።

እንዳ ሚካኤል ክቃፀል ምስ ረአናዮ ንኽይድ ዋላ ይቕተሉና ኢልና ካብታ ፅላል ጋባ ተላዒልና ጐዳና ሒዝና ንገዛና ኣምራሕና። እቲ ደብዳብ ይቕፅል ነበረ።

እቲ ምሳይ ዝነበረ ካልኣየይ ካባይ ብዕድመ ኣዝዩ ዝናኣሰ ስለ ዝነበረ ኣነ እየ መራሒ ጒዕዞን ምኽሪ ውሃብን። ጒዕዞ ክንጅምር ከለና ክንገብሮም ዘለናን ዘየብልናን ነገራት ብዝርዝር ኣቐሚጥና ኢና። እንተሪኢናዮም ወይድማ እንተሪኦምና ቀልጢፍና ኢድና ንላዕሊ ሓፍ ኣቢልና ሰላማት ንበሎም። ምህዳም ወይ ድማ ምሕባእ ኣይይክኣልን። ንዝሓቱና ሕቶ ኣነ ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልኩ ክምልሰሎም እየ። ንስኻ ንዓኻ ዝምልከት ሕቶ እንተ ዘኢሓቲቶምኻ ከኢትምልስ። ዝብሉ ዝርዝር ተሰማዕሚዕና እይና ተበጊስና።

ኣብ ቅድሚትና ግን ምቕልቃል (ክሳድ) ኣላ ስለዚ ኣብኣ ጎፍንጎፍ ከኢይረኽቡና እሞ ሃንደበት ከኢይትኵሱልና ንፀጋም ገፅ ኣልጊስና እቲ ኸባቢ ክነፅንዖ ተብሃሂልና ንፀጋም ገፅ ኣቢልና። ሓንቲ ገዛ ነይራ ኣብ ወሰን መንገዲ እቲ ሽማግለ ብዓል ገዛ ሰብኣይ እውን ኣብ ገዝኡ ነይሩ። ናብኡ ገፅ እናኽየድና ከለና ናይቲ ገዛ ከልቢ ንዓና ርእያ ክትነብሕ ጀመረት። እቲ ዋናኣ ሰብኣይ ድማ “በልዋ በልዋ ከኢትነኽሰኩም” ኢሉና። ግን ናይታ ከልቢ ድሚፂ ተኸቲሉ “ኣብ ዘለኹሞ ደው በሉ” ዝብል ድምፂ ካብ የማናይ ኣንፈትና ተሰምዐና።

እቲ “ደው በሉ” ዝብል ድምፂ ናይ መን ነይሩ?


ንሕና ንፀጋም ገፅ ዘግለስና እቲ ኸባቢ ንምፅናዕ እዩ ነይሩ። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣበይ ኣለዉ፣ ገዛውትና ኸ ተቓፂሉ ዶ ወይስ ኣሎ፣ በበይ ገይርና እንተኽየድና ይሕየሽ ዝብል ነገር ንምፅራይ እይና። ግን ካባና 200 ሜትሮ ርሕቐት ድፋዕ ሒዞም ዝነበሩ ኣባላት ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ናይታ ከልቢ ድምፂ ምስ ሰምዑ ቀዲሞም ከሺፈሙናስ “ኣብ ዘለኹሞ ደው በሉ” ዝብል ወታሃደራዊ ትእዛዝ ውሃቡና። ንሕና ድማ ቅልጥፍ ኢልና ኢድና ንላዕሊ ብምግባር ሰላማት ደቂ ዓዲ እይና በልናዮም።

ንሳቶም፦ ናባና ትኽ ኢልኩም ንዑ።

ንሕና፦ ሕራይ ንመፅእ ኣለና።


መንገዲ ሰጊርና ናብኣቶም ተሓወስና። ሸሞንተ እዮም ነይሮም። ሓደ መራሒ መስርዕ ሬድዮ ርክብ ዝሓዘ ነይሩ። ሰለስተ ብረቶም ኣቃባቢሎም ተቐበሉና። ትግርኛ ፅቡቕ ገይሮም ዘኢይኽእሉ ቤንዓሚር እዮም ዝመስሉ። ኣብ ገፆም ጥባሕ ነይሩዎም።

ንሳቶም፦ ጫማኹም ኣውፂእኹም ኮፍ በሉ።

ንሕና፦ ሕራይ።

ንሳቶም፦ ሕጂ እታ ሓቂ ጥራሕ ትዛረቡ ነብስኹም ተውፅእዋ እንተሓሲኹም ግን ክንቀትለኩም ኢና። ኣበይ ነይርኩም?

ኣነ፦ ደቂ ዓዲ ኢና። እዚ ውግእ ፈሪሕና ናብቲ ማዕዶ ጎቦታት ወፂእና ቀንይና ሕጂ ሃለዋት ኣብ ገዛ ዝገደፍናዮም ወለድና ክንፈልጥ ንመፅእ ኣለና።

ንሳቶም፦ ኣበይ ኣሎ እቲ ህዝቢ?

ኣነ፦ ፋሕፋሕ ኢሉ ፍቖዶ ጎቦን ሩባን። መብዛሕትኡ በቲ ንሕና ዝነበርናሉ እዩ ዘሎ።

ንሳቶም፦ ምልሻ ክትቅልቡን ክትሓብኡን ዲኹም ከይድኩም?

ኣነ፦ ኣይኰንናን። እቲ ናይ መድፍዕ ደብዳብ ሰለ ዝፈራሕና እይና። ምልሻ ምሳና የለውን፤ ኣይነበሩን።

ንሳቶም፦ ኣፈ ሙዝ ብረቶም ናብ ኣፍ ልብና እናቕረቡ “ሓቂ ተዛረብ ንሕና ኵሉ ንፈልጦ እይና ነብስኻ ከኢተጥፍኣ”

ኣነ፦ ወላሂ ሓቂ እየ ዝነግረኩም ዘለኹ ክተራጋግፅዎ ድማ ትኽእሉ እኹም።

ንሳቶም፦ እቲ ሰብኣይ ንመን እዩ በሉዎም ዝብለኩም ዝነበረ? ንዓና ድዩ? ምልሻ ድዩ?

ኣነ፦ እታ ኸልቢ ከኢትነኽሰኩም በልዋ እዩ ዝበለና። ንዓኻትኩም ኣይኰነን። ዝርአየኩም ኣይይመስለንን ከማን። ምልሻ ኣይኰነን ዓዲ ዊዒል ሽማግለ ሰብኣይ እዩ። ሽሙ እውን ነጊረዮም።

ንሳቶም፦ እቶም ምልሻታት ኣብ ዙይ ኣይነበሩን? ሕጂ ኸ ኣብዚ ከባቢ የለዉን?

ኣነ፦ ክሳብ ትማሊ (ታሕሳስ 29) ነይሮም እዮም። ትማሊ ታሕሳስ 29 ግን እዛ ዓዲ ለቒቖማ ከይዶም እዮም።

ንሳቶም፦ ትማሊ ስዓት ክንደይ ከይዶም? በዝሖም ክንደይ ይዀኑ? ፍሉይ ሓይሊ ኣለውዎም ዶ? ኩናማ ኸ ኣለዉዎም ዶ? ናበይ ኣንፈት ከይዶም? መራሕቶም እንመን ይብሃሉ?

ኣነ፦ ትማሊ ብናያትኩም ኣቈፃፅራ ስዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ ብናይና ድማ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ ከይዶም። በዝሖም 300 ይዀኑ እዮም። ዝተወሰኑ ፍሉይ ሓይሊ ነይሮሞም። ኩናማ ድኣ እወ ምዓት። ንደቡብ ኣንፈት ማለት ንደደቢት ገፅ ከይዶም። ዋና ኣዛዚ ናይ ሓይልታት ትግራይ ኣንዳዕዲዖም ስለ ዝፈልጥዎ ድማ ከኢሓሰኹ ነጊረዮም እየ። ሓቂ ዝተዛረብኩሉ ምኽንያት ንሰራዊትና ብዘኢይጐድእ መንገዲ ኣፅኒዐ እየ። ሰራዊትና ድማ ኣብ ፅኑዕ ቦታ ኣትዩ ነይሩ እዩ ኣብቲ እዋን ንሱ። መብዛሕትኡ ኣነ ዝነግሮም ዝነብርኩ መልሲ ድማ ፅቡቕ ገይሮም ስለ ዝፈልጥዎ ክሕስው እውን ኣይክእልን። እቲ ዘሕዝን ምሳና እናተዛረቡ ከለዉ እቲ ናይ ሞርታር ደብዳብ ይቕፅል ነይሩ። ቤተክርስቲያን እንዳ ሚካኤል እውን ትቃፀል ነይራ።
እቲ መራሒ መስርዕ ወይ ጋንታ ቅርብ ኢሉ ክሓተና ጀሚሩ። ንሱ እውን ተማሳሳሊ ሕቶታት እዩ ሓቲቱና።

ንሱ፦ እዚ ኵሉ ዝበልካና ሓቂ እንተ ዘኢኰይኑ ክንቀትለካ እይና። ህዝቢ ንምታይ ኣብ በረኻ ንኣርባዕተ መዓልትታት ሰፊሩ?

ኣነ፦ ሓላፊ ኣነ ንምታይ ኢለ ዘኢኰነ ክዛረበካ እኽእል? ኵሉ ዝበልኩኹም ሓቂ እዩ። ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘየብሉ ኢኹም ትድብድቡ ዘለኹም ጠጠው እንተቢልኩሞ እቲ ህዝቢ ካብ በረኻ ናብ ገዝኡ ምኣተወ ነይሩ።

ንሳቶም ንሓላፊኦም፣ ብቛንቈኦም ዝዀነ ነገር ኢሎሞ። ብትግርኛ ድማ “ወላሂ ሓቂ እየን ዝዛረባ ዘለዋ እዘን ሰባት። ነብስኽን ኣውፃእኽንኣ።”

ንሱ፦ ኰይስ ኰይስ ኢሉ ምስ ላዕለዋይ መራሒኡ ምርኻብ ጀሚሩ። ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ሰባት ረኺብና ሒዝና ኣለና ኢሉዎ።

ላዕለዋይ መራሒ፦ ናብዙይ ሒዝካዮም ንዓ።

መራሒ ጋንታ፦ ተልዓሉ።

ኣነ፦ ሕራይ ግን ጫማና ክንመልሶ ወይስ ኣብ ኢድና ክንሕዞ? ብሬድዮ ርክብ ክዛረቡ ከለዉ ናይታ ሬድዮ ድምፂ ዓው ዝበለ ስለ ዝነበረ እንታይ ከም ዝብሉ እሰምዖም ነይረ እየ።

መራሒ ጋንታ፦ ላላ ምለስዎ ዋላ ሓንቲ ፀገም የለን ኣይትፍርሑ ሕራይ። እዚ ገዛ እዙይ ናይ ምልሻ ድዩ? እንዳ መን ይብሃል?

ኣነ፦ ኣይ ኣይኰነን። ሽሙ ድማ ነጊረዮ።

መራሒ ጋንታ፦ ንምታይ ኢኹም ኣብ ገዛ ጥይት ተቕምጡ? ዓያሹ ዲኹም? መቕተሊኹም?

ኣነ፦ ኣይ ሓላፊ ብስሕተት ክዀን ይኽእል እምበር ኣብ እንዳ ሲቪል ጥይት ኣይይቕመጥን እዩ። ምናልባሽ ቈልዑት ደርቢዮምዎ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም በልኩዎ።

እቶም ሰለስተ ወታሃደራት ድማ ክልተ ገዛ ይፍትሹ ነይሮም። መዓት ኣቚሑት ናብ መረባ ኣውፂኦም ደርቢዮምዎ።ኣብ ኢዶም ድማ ዝትሓዝ ሒዞም ወፂኦም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ሽዱሽተ እንቋቚሖ ሒዙ ወፂኡ። ኣብቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበሮ ቦታ በፂሕና።

ላዕለዋይ መራሒ፦ ሰላማት ኮፍ በሉ።ምልሻ ዲኹም? ኣበይ እዩ ገዛኹም? መንቀሳቐሲ (መስታወቅያ) ኣለኩም? ኣበይ ነይርኩም?

ኣነ፦ ምልሻ ኣይኰናን። ኣብቲ ማዕዶ እዩ ገዛና። ገዛና ካብቲ ዝነበርናሉ ቀረባ ስለ ዝነበረ ይረአ እዩ። ታሴራ እወ ኣለና ኢልና ኣርአናዮ። ናታይ ፓስፖርት ስለ ዝነበረን ናይ ደገ ናይ ስራሕ ፍቓድ እውን ሓቢሩ ስለ ዝነበረን ቀፂሉ ቡዙሕ ሕቶታት ሓቲቱኒ ግን ዘጨንቑ ሕቶታት ኣይነበሩን። እኳ ድኣስ ሙሉእ ንሙልእ ክኣምነኒ ጀሚሩ። “በረኻ ወፂእና ቀንይና ሕጂ ግን ኣቦታትና ኣብ ገዛ ስለ ዝገደፍናዮም ሃለዋቶም ክንፈልጥ እይና መፂእና” በልኩዎ።

ላዕለዋይ መራሒ፦ ሕራይ ተረዲአካ ኣለኹ። እቶም ምልሻ በዚ ድሕሪ ቤተክርስቲያን ኣለዉ ሰሚዕና ነይርና የለዉን?

ኣነ፦ ንሳቶም ትማሊ እዮም ንደቡብ ኣንፈት ከይዶም። ኣብዚ ከባቢ የለዉን። በጃኻ እንተኣሚንካኒ ደብዳብ ደው ኣብሉ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ንገዝኡ ክኣትው። ጠምዩ እዩ ዘሎ።

ላዕለዋይ መራሒ፦ ሕራይ ግን ዋላ ሓደ ምልሻ እንተተኲሱልና ንዓኻ እይና ክንቀትል። ሃሎ ሞርታር ደው ኣቢልኩም ነናብ ቦታኹም ሕለፉ በሎም። እቲ ንጒሆ ዝረኸብኩምዎ ሓበሬታ ጌጋ ከኢኰነ ኣይይተርፍን ሓደ ወዲ ረኺብና ፅቡቕ ጌሩ ኣረዲኡና እዩ ስለዚ ተዂሲ ደው ኣብሉ።

ስሕተት ብዘኢምስራሕና ፅቡቕ ስምዒት ተሰሚዑኒ። ብኣና ምኽንያት ደብዳብ ጠጠው ብምባሉ እውን ኵርዓት ዓይነት ተሰሚዑኒ። ግን እታ ዓዲ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ነዲዳ እያ። እንታይ ከ ክተርፋ ንኣርባዕተ መዓልትታት ብተኻታታሊ እይ ድዮም ብሞርታር ኣንዲዶምዋ። ግን እቲ ደብዳብ ካብ ምቕፃል፡ ጠጠው ንኽብል ምኽንያት ኰይንና። ምስቲ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ንዛረበሉ ህሞት (ቅፅበት) ናይ ሓደ ገባራይ እኩብ ቃንጫ የቃፅሉዎ ነይሮም።

ላዕለዋይ መራሒ፦ ኣታ [ብቚጠዐ] ክሳብ ንለግስ (ካብዙይ ክሳብ ንርሕቕ) ዘኢምፀናሕኹም? – ንዓና ድማ -በሉ ምናልባሽ ጥዪት ክህልዎ ስለ ዝኽእል እንተተኲሱ ኣብ መሬት ለጥ በሉ ኢኹም ሕራይ? – ንሕና ድማ ሕራይ።

ኣብኣ እናሃለውና እታ ቃንጫ ነዲዳ። እቲ ጥዪት ኣለዎ ዝበልዎ ሓሶት እዩ። ናይ ቍሸት ሙሉእ ቃናጩን ደራቑን እዮም ኣንዲደምዎ። ናይ ቍሸት ሙሉእ ኩልሳሳት ዳጒሻን ምሸላን እዮም ኣንዲዶምዎ። ዋላ ሓንቲ ኣበሳ ኣይነበሮን እቲ እኽልን ናይ እንስሳት ቀለብን። ህዝቢ ትግራይ ንምጥማይን ንምብርካኽን እዩ እቲ ዕላማ።

ንሓደ ስዓት ፈረቓን ምስኣቶም ኣፅኒሖምና። ካብኡ ንሳቶም ናብቲ ዝቃፀል ዝነበረ ቤተክርስቲያን ገፆም ከይዶም። መንገዲ ሓቢርናሎም። ንዓና ድማ ንገዛና ንኽንክየድ ፈቒዶምልና። ናይቲ ምሳይ ዝነበረ ቈልዓ ንእሽቶይ ላምባዲና ሓደ ወታሃደር ኣሕዲግዎ። ኣነ ግን ብዘይካ ፓስፖርትን ናይ ስራሕ ፍቓድን ኣብ ጁባይ ምንም ነገር ኣይሓዝኩን ነይረ።

ላዕለዋይ ሓላፊ፦ በሉ ክይዱ እሞ ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ህዝቢ ድማ ገገዛኻ እቶ በሉዎ። ኣብኡ ዝፀንሕ እንተዀይኑ ሓደጋ ክበፅሖ ይኽእል እዩ። ሰለዚ ሎሚ ወይ ፅባሕ ንጒሆ ንገዛኹም እተዉ ኢሎምኹም በሉዎም።

ስለ ዝለቐቑና ደስ እናበለና ናብ ገዛውትና ምምዕዳው ጀሚርና። ናይ ክልቲአና ገዛውቲ ኣይተቓፀላን። ኣቦታትና ግን ቢሂወት ይሃልዉ ኣይይሃልዉ ገና ኣይፈለጥናን። እታ ዓዲ ትነድድ ነይራ። ኣብ መንገድና ሓሙሽተ ዝዀና ሹቓት (ዱንኳናት) ነይረን እየን። ኵለን ተኸፊተንን ተዘሚተንን እየን። ዝተረፈ ኣቚሑት ድማ ናብ መንገዲ ኣውፂኦም ደርቢዮምዎ እዮም።

መጀመርታ ናብቲ ናይ ዓርከይ ገዛ እይና ክየድና። ኣብኡ (ኣቦይ ቀሺ) ድማ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ረኸብናዮ። ደስ ኢሉና። እንታይ ክትገብሩ ሕጂ መፂእኹም? ክቐትልኹም? እቲ ደብዳብ ደው ከኢበለ? ብጣዕሚ ተቘጠዐ። ኣነ እንታይ እሞ ክንገብር እዛ ዓዲ ክትነድድ ምስ ርአናያ ብዛዕባኹም ተሻቒልና። ድሓን መጀመርታ ድኣ እንኳዕ ኣይምቐተሉና እምበር ሕጂስ ረኺብናዮም ክይዱ ገዛኹም ኢሎምና እይና መፂእና ኣይትስከፍ ኢለዮ። ድሃይ ናይ ኣቦይ ከ ኣለካ ዶ? ትማሊ ምሸት ብሓደ ነይርና ድሓን እዩ ዝዀን ።

ጒዕዞ ንገዛይ። ናተይ ገዛ ወሰን መንገዲ እያ። መጀመርታ እያ ዝትርከብ። ኣዚየ ድማ ፈሪሐ ነይረ። ኣብ ጥቓ ገዛና ምስ በፃሕና ድማ ካልኦት ወታሃደራት ጎፍንጎፍ ረኸብና። ኣነ ቅልጥፍ ኢለ ሰላማት ኢለ ኢደይ ንላዕሊ ገይረ። ብፆትኩም ረኺበሙና እዮም ድማ በልኩዎም። ኣበይ ረኺበምኹም? ኣብታ ማዕዶ ጎቦ ኢለዮም። ሓላፊ ነይሩዎም ዶ? እወ ንሱ እንድዩ ኣዛሪቡና። ነንባዓልቶም ሓቁ እዩ እንዳ 65 እዮም ዝዀኑ። ኣበይ እዩ ገዛኹም? ኣብዚኣ ኢለ ገዛና ኣርእየዮም። ሕለፉ በሉ። ናብታ ቤተክርስቲያን መንገዲ በዚኣ ድያ? እወ ትኽ ኢልኩም ክይዱ ኢለዮም። ካልእ ጒጅለ ግን ንገዛና ገፅ ትድይብ ነይራ።

ገዛና


እታ ጒጅለ ተኸቲልና ንገዛና ደይብና። እታ ጒጅለ ኣብ ድሕሪ ገዛና ኣብ ዘላ ዓባይ ኦም ኮፍ ኢላ ረኺብናያ። ንምዕራብ ገፅ ዘሎ ገደናና ሓዊ ይቃፀል ነይሩ ግን ክነጥፍእ ኣይንኽእልን። ሸውዓተ ወታሃደራት እዮም ሓደ መራሒ ጋንታ ነይሩዎም። ደኺምዎም ኣብታ ፅላል ኮፍ ኢሎም ረኺብናዮም።

እቲ ወታሃደር፦ ንዑ ኮፍ በሉ። ካበይ ኢኹም ትመፅኡ ዘለኹም?

ኣነ፦ ሕራይ። እዚኣ ገዛይ እያ። እቲ ውግእን ደብዳብ ከቢድ ብረትን ፈሪሕና እይና ወፂእና ቀንይና ሕጂ ድማ ኣቦይ ንምርኣይ መፂእና።

ንሱ፦ ብኣግራሞት እናጠመተኒ “ንስኻስ ኣብ እዙይ ገዛኻ”!

ኣነ፦ እወ ኣብ እዙይ ዓብየ ትምህርቲ ምስ ወዳእኹ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ።ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ እየ ቤተሰብ ክርእይ ኢለ መፂአ። ዋላ ፓስፖርት ክህበካ እኽእል እየ። እዚ ቈልዓ ግን ኣብ እዙይ ነባራይ እዩ።

ንሱ፦ እወ ሕጂ ተረዲአካ።

እቲ ሓዊ ናብ እግርና ምስ ቀረበና ፊሕት እናበልና ካብ ምርሓቕ ካልእ ክንገብሮ ንኽእል ነገር ኣይነበረን። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ገዛኻን ንብረትካን ኣብ ቅድሜኻ ኣቃፂሉ ክተድሕን እንተፈቲንካ ድማ ይቐትለካ። ስለ ዝዀነ ድማ ንሕና እውን ዓርስና ከኢንነድድ እይርሕቕ ክንብል ንኽእል እምበር ከነጥፍእ ኣይንፍትንን። ኣብ ማእኸል ገዛናን እቲ ዝነድድ ዝነበረ ድሕሪ ቤትን ቀጣን መንገዲ ስለ ዝነበረት ግን እቲ ባርዕ ናብ ገዛ ኣይሰገረን።

ኣነ ዝፈርሕ ዝነበርኩ እቲ ገዛ ብኽርቢት ከኢየቃፅሉዎ እዩ። ግን ቀልጢፈ እዛ ገዛ ናተይ እያ ማይ ዶ ከምፀኣልኩም ኢለዮም። ኣዚዮም ህፃውንቲ ዝዀኑ ወታሃደራት ነይሮም። ብፍላይ እቶም ክልተ ትሕቲ 16 ዕድመ እዮም ዝመስሉ። እቲ ሓደ ወታሃደራዊ ክዳን እውን ኣይተኸደነን ነይሩ። ንሳቶም ድማ እወ ማይ ኣስትየና ኢሎምኒ። ሕራይ ኢለ ክትስእ ከለኹ እቲ መራሒ ጋንታ መፂኡ። ካብ ካልእ ገዛ ኣድጊ ፈቲሑ ሒዙ መፂኡ። “እንታይ እዮም እዚኦም?” ኢሉ ሓቲትዎም። ንሳቶም ድማ ደቂ እዚ ገዛ እዮም።

መራሒ ጋንታ፦ ንዓ መፅዓን ኣምፅእ።

ኣነ፦ ሕራይ።

መፅዓንን ማይን ከምፅእ ንገዛ ኣትየ። ንገዛ ክኣቱ ከለኹ ግን ብዛዕባ ኣቦይ እየ እሓስብ ነይረ። ኣብ ገዛ ክረኽቦ ድማ ተሃንጥየ ነይረ። ግን ኣቦይ ኣብ ገዛ ኣይነበረን። ብጣዕሚ ድማ ተረበሽኩ። በቃ ኣብዚ ዀነ ቦታ መድፍዕ ወቒዑዎ ወዲቑ ይህልው ኢለ ኣዝየ ፈራሕኹ።

ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ ጆሊን (ጀሪካን) ማይ ረኺበ። መፅዓን እናኣለሽኩ እንተለኹ እቶም ክልተ ቈልዑት ወታሃደራት ናብ ገዛ መፂኦም። ኣብኡ ድማ ማይ ሰትዮም። ነቶም ካልኦት ማይ ሒዝናሎም ናብቲ ደገ ክየድና። ምስቲ መራሒ ጋንታ ኰይንና እታ ኣድጊ ፂዒንናያ። ግን ኣብ ሞንጎ፡ እቲ መራሒ ጋንታ “ኣታ ሕማቕ ትግራዋይ ልብኻ ኣይሃብካን ዘለኻ ተጠንቀቕ ብጥይት ክብጥሰካ እየ” ኢሉ ተሓንዩለይ።

መራሒ ጋንታ፦ ናብታ ትነድድ ዘላ ቦታ መንገዳ በበይ እዩ?

ኣነ፦ በዚ ጌርኩም ክይዱ ቀረባ እያ።

ንሱ፦ ንኽይድ ኣብፂሕኹምና ተመለሱ።

ኣነ፦ ሕራይ ንኽይድ። ኣነ ንሳቶም ምስ ከዱለይ ኣቦይ ንምእላሽ እየ ተሃዊኸ ዝነበርኩ። ግን ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቐ ዝደልዮን ዝሓስቦን ክእገብር ኣይክእልን። እቲ ወራሪ ፀላኢ ዝእዝዘኒ ብጥንቃቐ ክፍፅም ነይሩኒ።

ንሱ፦ ዳይ ተበገሱ ንኺድ። ንስኻትኩም (ንዓና) እዝን እዝን ተሸከሙ።

ተሸኪምና መንገዲ ጀሚርና። ኣነ ዝተሸከምኩዎ ሑሩጭ ነገር ኰይኑ ካብ 25 ኪሎ ይበዝሕ እዩ። እቲ ምሳይ ዝነበረ ቈልዓ እውን ክንድኡ ዝምዘን ኣስቃጥላ ተሸኪሙ ነይሩ።

እንታይ እዩ ዝነድድ ነይሩ?

እቲ መራሒ ጋንታ ከም መሐበሪ ኣንፈት ገይሩ ዝተጠቐመሉ ባርዕ ስቕ ኢሉ ሳዕሪ ከኢይመስለኩም። ኣርባዕተ ናይ ገባራት ገዛውቲ እዮም ኣቃፂሎም። ብድምር ካብ 35 ንላዕሊ ገዛውቲ ኣቃፂሎም እዮም ኣብቲ ገጠር። ካብ ገዛና ናይ 15 ደቓይቕ ምስ ከድና ኣብቲ ዝሓበረኒ ቦታ በፂሕና። መሕዘኒ ነገር እዩ። ገዛውቲ ምስ ሙሉእ ንብረቱ እናተቓፀለ ምንጋፍ እውን ኣይንኽእልን። በል ኣብዚኣ እያ እታ ዝበልካኒ ቦታ ኢለዮ። ግን ብሽም ትክን ባርዕን እምበር እቲ ክኸደሉ ዝደለዮ ቦታ ንሱ ኣይነበረን። ብዅሉ ኣንፈት ባርዕን ትክን ስለ ዝገበሩዎ ብባርዕን ትክን ቦታ ምሕባር ዕሽነት እዩ። ንሓላፊኡ ብሬድዮ ኣዛሪቡዎ። ናብ ካልእ ቦታ እይኻ ክየድካ ዘለኻ ተመለስ ንደቡብ ገፅካ ይብሎ። ክራዳድኡ ግን ኣይክኣሉን። ናበይ ናዓ ይብሎ ከም ዝነበረ ኣነ ተረዲአዮ እየ። ካባና ናይ ሓደ ስዓት ርሒቖም እዮም ዘለዉ። ቀፀልና ጒዕዞ። ኣነን እቲ መራሒ ጋንታን በይንና መሪሕና እይና ንጕዓዝ ነይርና።

ንሱ፦ ይቅርታ ዓንተቦ ኣዳፊአካ ምሽ? ነዊሕ መንገዲ እውን ኣምፂእናኩም ይቅርታ።
ኣነ፦ ድሓን ዋላ ሓንቲ።

ኣበይ እዮም ነይሮም እቶም ሓለፍቶም?

ንእሽተይ ከተማ መሳሊት ኣላ ኣብ ቍሸትና። ሓምሳ ዝዀና ገዛውቲ ነይረንኣ። መብዛሕትኡ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኣብኡ እዩ ምሳሕ ንምብላዕ ዓሪፉ ነይሩ። ናብታ ከተማ ቅርብ ምስበልና ግን ዝራኣኹዎ ነገር ልብኻ እዩ ዝሰብር። ዳርጋ ሰዓት 7:00 ኰይኑ ነይሩ ክንኣቱ ከለና። እታ ከተማ ብትክን ባርዕን ኣይትርአን ነይራ። ንሳቶም ንምሳሕ ዝዓረፍሉ ገዛውትን ገና ዘኢፈተሽዎን ጥራሕ እዩ ዘኢተቓፀለ እምበር ኵሉ ገዛውትን ትካላትን ኣቃፂሎምዎ እዮም።

ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ፅባሕ ልደት ኣብታ ዕሸል ከተማ

ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለፅኩዎ እዚ ሓቀኛ ተጓንፎ ናይ ታሕሳስ 30/2013 እዩ። ፅባሕ ብዓል ልደት ማለት እዩ። እቲ ደብዳብን ውግእን ብ 27 ታሕሳስ እዩ ጀሚሩ። ህዝብና ኣብ ጭቈናን ጨፍጫፍን ኰይኑ እውን ባህሉን ሃይማኖታዊ ብዓላቱን ኣይእገድፍን ኢሉ ኣብ ሽግር እዋን እውን ከኽብር እዩ ፈቲኑ። ቀትሪ ኣብ ሩባታትን ጎቦታትን ተሓቢኡ ይውዕል፥ ለይቲ ድማ ናብ ገዝኡ ኣትዩ ናይ ኣውደ ኣመት ጒዳይ ይገብር። ብኸምዚ መንገዲ እዩ ብዓል ልደት ንምኽባር ይዳለው ነይሩ። ኰይኑ ግን ታሕሳስ 29 እቲ ናይ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ ሓዪሉን ሰፊሑን ስለ ዝቐፀለ መብዛሕትኡ ናይ ብዓል ልደት ቍርሲ ቀማሚሱ ገሊኡ ድማ ኵሉ ናይ ኣውደ ኣመት እኽለማይ ኣዳልዩ ግን ድማ ከኢጥዓሞ ገዲፉዎ እዩ ሃዲሙ። ንኣብነት ኣብ ገዛና ጥየል ተሓሪዳ ኲሉ ተዳልዩ ግን ድማ ገሊአና ቈሪስና ገሊአና ድማ ከኢቈረስና እይና ንበረኻ ወፂእና።

ኣብታ ዕሽል ከተማ ዝነብር ህዝቢ እውን፡ ብተማሳሳሊ፡ ናይ ኣውዳ ኣመት እኽለማይ ምስ ኣዳለወ ገዲፉዎ ነብሱ ከውፅእ ናብ ጎቦታትን ሩባታትን እዩ ሃዲሙ። እቲ ናይ ኣውዳ ኣመት እኽለማይ ኣደዳ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ኰይኑ። ታሕሳስ 30 ምስ ኣተዉ መብዛሕቲኦም ንምሳሕ ናብታ ዕሸል ከተማ እዮም ኣምሪሖም። ፅባሕ ኣውዳኣመት እዩ ሕድሕድ ገዛ ይብዛሕ ይንኣስ ናይ ልደት እኽለማይ ነይሩዎ እዩ። ወራሪ ሰራዊት ድማ ካብ ሕድሕድ ገዛ ኣውፂኡ ኣብ ዝምቹዎ ቦታ ኣኪቡ ንምሳሕ ኣዳሊዉዎ ረኸብናዮ። ዝገርም እዩ መብዛሕቲኡ ገዛውቲ ኣቃፂሎም መሊሶም በቲ ንልደት ዝተዳለወ ናይ ህዝቢ እኽለማይ ምስካርን ምስዕሳዕን ጀሚሮም ረኺብናዮም። ኣብ ሓደ ቦታ ክልተ ትርኢት ርእይና። ኣታ ክጭክኑ ፍርቂ ዕሸል ከተማ ኣቃፂሎምስ ንሳቶም ኣብ ደስታን ፌስታን?!

ናብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝዓረፉሉ ቦታ እዮም ሒዞምና ኣትዮም። ናይ ህዝብና ስዋ፣ ስጋን ቢራን ኣውፂኦም ንምስሖም ኣዳሊዎምው እዮም ፀኒሖምና። እቲ ሒዙና ዝኸደ መራሒ ጋንታ ምስ ሓለፍቱ ኣፋሊጡና። ” መንገዲ ክመርሑና እይና ካብቲ ላዕላይ ዓዲ ኣምፂናዮም። በጃኹም ምሳሕ ጋብዙልና” ኢሉዎም። ማይ ንእግርናን ንርእስናን ውሂቦምና። እቲ ካልኣየይ እኳ ተሰኪፉ ድዩ ዋላ ፈሪሑ ድሓን ሕጂ እየ ተሓፂበ ኢሉዎም ኣነ ግን ኲሉ ዝሃቡኒ ተቐቢለ ተጠቒመ እየ። ስውአን ብጡጠን ዝብሃል ናይ ትግርኛ ምስላ ኣሎ ሓቀይ? እቲ ንሳቶም ከም ውህብቶ ዘቕርቡልና ዝነበሩ እኽለ ማይ ብሙሉኡ ካባና ዝመንዝዕዎ ወይ ድማ ዝጕሓልዎ እዩ። ስለዚ ንሳቶም እኳ እናሰተዩዎን እናበልዑዎን ኣነ ድኣ ናይ ባዕለይ እይ ድዩ?  ብስሩ እውን ካብ 25 ኪሎ ንላዕሊ ዝምዘን ሑሩጭ ተሸኪመ ንልዕሊ ሓደ ስዓትን ፈረቓን ተጕዒዘ ጠምዩኒ እዩ ነይሩ።

ስዋታት ብጀሪካን ማዓት እዩ። ስጋታትን እንጀራን በሽበሽ እዩ። ቡን እውን ተዳልዩ እዩ። ማይ እውን ከም ድልየቶም እዩ። እዚ ዅሉ ካብቲ ዘቃፀሉዎን ዘኢኣቃፀልዎን ገዛውቲ ዝወሰዱዎ እዩ። የሐመካ እዩ ሽዑ ኣብቲ ቦታ ኰይንካ ክትዕዘቦ ከለኻ ብፍላይ ድማ ምንም ክትገብር ዘኢምኽኣል ድማ ልብኻ እዩ ዝሰብር።

ናይ ስሚንቶን ካልእን መኻዚኖታት ምስ ሙሉእ ነብረቶም እዮም ተቓፂሎም። ናይ ሓደ ወዲ ኣኰይ 45 ኲንታል እኽሊ ዝነበሮ ዓብዪ ገዛ ናብ ሓሙኹሽቲ ቀይሮምዎ እዮም። ናይ ወዲ ሓፍተይ መንበሪ ገዛ እውን ተቓፂሉ እዩ። ሕሰቡዎ ናይ ወዲ ኣኰኹምን ወዲ ሓፍትኹምን ገዛን ንብረትን ሓዊ እናበልዖ ስቕ ኢልካ ምርኣይ። ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ኣብቲ ቦታ ኰይንካ ምሕሳብ ይሓትት። ዳርጋ ፍርቂ ናይታ ዕሸል ከተማ ገዛውቲ ተቓፂሎም እዮም።

ምሳሕ በሊዖም ስዋ ሒዞም ነናይ ባዕሎም ወግዒ ጀሚሮም። ኣነን መሓዛይን ድማ ኲሉ እቲ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ግፍዕታት ነስተንትን ነይርና። ርእስና ኣድኒንና ንትክዝ ስቕ ንብል።ኣነ ብፍላይ ኣቦይ ኣብ ገዛ ስለ ዘኢረኸብኩዎ ይጭነቕ ነይረ። ኣብ ሞንጎ ድማ እቲ ማሓዛይ “ብሂወት ዝለቁና ኣይይመስለንን” ኢሉኒ። ኣነ ድማ ንምንታይ ከምኡ ኢልካ ? “እቲ መራሒ ጋንታ ንዓኻ ብፅቡቕ ዓይኒ ዝርአየካ ኣይይመስለንን። ካልእ ድማ ኣብ መንገዲ ካብ ቶም ናእሽቶይ ወታሃደራት እቲ ሓደ ‘ፈሪሐልኩም እየ ዘለኹ ብሰላም ዝለቁኹም ኣይመስሉን’ ኢሉ”።  ኣብ ኢድ ፋሽሽታዊ ሰራዊት ስለ ዝነበርና ሓቁ እዩ ክፈርሕን ክሰግአን። ግን ድማ ኣነን እቲ መራሒ ጋንታን መሪሕና እናመፃእና ከለና ቡዙሕ ነገር ኣዕሊልና ይቅርታ እውን ኢሉኒ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንገዛና ክንምለስ ከለና ሓደጋ ከኢበፅሓና ኢለ ሓቲተዮ ድሓን ንሕና ተመሊስና ስለ ንኸየድ ከነብፀሐኩም እይና ኢሉ ቃል ኣትዩለይ እዩ። ነቲ መሓዛይ ድማ እዚ ነገርኩዎ።

ድሕሪ ምሳሕ ዕላል ምስ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ

መራሒ፦ ንምታይ እዩ እቲ ህዝቢ ካብ ገዝኡ ዝወፅእ?

ኣነ፦ ናይ መድፍዕ ደብዳብ እናፈርሐ እዩ።

መራሒ፦ ኣይይመስለንን። ሻዕቢያ ቀታሊት እያ ኣብ ገዛኹም ከኢትፀንሑዋ ኢላ ድያ ወያነ ኣምሂራትኩም?

ኣነ፦ ንሕና ኲሉ ሕማቕን ፅቡቕን ንፈልጥ። ከምኡ ኢሉ ዝምሃረና ኣካል ድማ የለን። ናይ መድፍዕ ቁምቡላ ኣብ መረባና እናዓለበ ከመይ ዘኢንሰግእ? ትማሊ ኣብ ናይዚ ዓርከይ ገዛ ኣብ መረባ ዓሊቡስ ከልቢ እኳ ቐቲሉ። ስለዚ ስግኣት ስለ ዘለና እይና ንወፅእ።

መራሒ፦ ኣብ ኣዛ ከተማ እኮ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ጥራሕ እይና ረኺብና። ዝገርም እዩ እቲ ህዝቢ ብምሉኡ ወያነ እዩ ዝመስለኒ?

ኣነ፦ [እወ ኣይበልኩ ኣይፋል ኣይበልኩ ስቕ።]

መራሒ፦ ናይዚ ዓዲ ሰብ ዋና ጥሓኒት ኣይንጥሕንን ኢሎም ኣብየምኹም ምሽ?

ኣነ፦ ጌጋ እዩ። እንታይ ኰይኖም ከምኡ ክብሉ ድኣ? ንባዕሎም እውን እኮ ንግዲ እዩ። ጌጋ ሓበሬታ ረኺብኩም ኣለኹም።

ክልተ ጥሓንቲ ነይረን ክልቲአን ኣቃፂሎመን እዮም። ድሕሪ ምቅፃለን እዩ ከምኡ ኢሉ ዝሓተተኒ። ብዝኸዱዎ ጥሓኒት ምቃፃል ናይ ግድን እዩ።

መራሒ፦ በል እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ህዝቢ ገገዝኡ ክኣትው ከም ዘለዎ ንገሩዎ። ኣብኡ እንተረኺብናዮ ግን ዋእ።

ኣነ፦ ሕራይ ንዝረኸብናዮ ኲሉ ክንዛረብ እይና።


ካልእ መራሒ፦ ንምንታይ እይኹም ግን ደድሕሪ እቲ ምልሻ ትኽየዱ? ክትቅልቡዎምን ክትሓብኡዎም ምእንታን ዲኹም?

ኣነ፦ ደድሕሪኦም ኣይንኸድን እይና። ናብኦም ኣይንሕወስን።

መራሒ፦ ኣብዚ ዓዲ ክዋግኡ ንምንታይ ትፈቕዱሎም? ናፃ ኰይንካ ተዛረብ ሕራይ ኣይትፍራሕ።

ኣነ፦ ሕራይ። ከመይ ገይርና ካብ እዙይ ኪዱ ክንብሎም? ዓዶም ዶ ኣይኰነን? ካልእ ድማ ንሕና ገባራት ንሳቶም ድማ ሰራዊት ምስ ዕጥቆም እዮም ከመይ ገይርና ከነገድዶም ንኽእል?

መራሒ፦ ሽፍታ ዶ ዓዲ ኣለዎ እዩ?

ኣነ፦ ናፃ ኰይነ ክዛረብ ክሳብ ዝፈቐድካለይ ሸፋቱ ኣይኰኑን። መንግስትና እዮም እኮ።

መራሒ፦ ሕራይ ከም እዙይ ዘኢትገብሩ “ናባና መፂእኹም እቶም ሓለፍቲ ኣበይ ከም ዘለዉን ከመይ ገይርና ክንሕዞም ከም ዝንኽእልን ዘኢትነግሩና”.

ኣነ፦ ሕቶ ዶ ክሓተካ?

መራሒ፦ እናስሓቐ ሕተት።

ኣነ፦  ኤርትራውያን ንዓኻን ከማኻን ዝኣምሰሉ መራሕቶም ኣሕሊፎም ንፀላኢ ክውህቡ ይኽእሉ ዶ?

መራሒ፦ ክምስ እናበለ ኣየ ተጋሩ ደረቓት ልብኹም ድማ ኣይይርከብ። ወያነ እኮ ሞይታ እያ ስቕ ኢልኩም ምስኣ ናብ ጒድጓድ ኣይትፅደፉ። ስብሓት ነጋ ከም ዝተታሓዘ ስሚዕኻ ዶ?

ኣነ፦ ኣይሰማዕኹን።

መራሒ፦ በል ስማዕ ሕጂ። ሎሚ እዮም ኣብ በረኻታት ተከዘ ኣብ ጒድጓድ ረኺቦምዎ። እንታይ ተሰሚዑካ?

ኣነ፦ ዋላ ሓንቲ ኣይተሰምዓንን።

መራሒ፦ ትግራይ ስብሓት ነጋ እዩ ይመርሓ ነይሩ መሪሑዋ ድማ ናብ ጒድጓድ ሸለው ኢሉ ኣትዩ። እታ ናይ ቀደም ትግራይ ኣብ ኢድኩም ሞይታትኩም እያ። ሓዳሽ ትግራይ ምስ ኣቢ ኣሓመድ ኰይንኩም ክትሃንፁ ፈትኑ። ንኣቢ ኣሕመድ ድማ ሓግዙዎ። እዚ ፌደሬሽን ዶ ክልል ዶ ትብልዎ ነገር ንኢትዮጵያ ኣይይጠቕማን እዩ። መራሕትኹም ግን ናይ ዓለም ፖለቲካ ኣይተረደኦምን። ወያነ ድሕሪ መለስ ዜናዊ መራሒ ኣልቦ እያ ኰይና ነይራ። ደብረፅዮን ሓቀይ ናብዚ ከባቢ መፂኡ ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ ከይዱ?

ኣነ፦ ኣይሰማዕኹን ኣይራእኹዎን እውን።

መራሒ፦ ግደፎ ‘ንዶ ንስኻ ድኣ ከመይ ገይርካ ክትዛረብ። እዚ ናይ ሎምቕነ ውግእ እኮ ንቶም መራሕቲ ንሱዳን ንምምላጥ ክጥዕሞም መዛብዒ ዝገበርዎ ሜላ እዩ። ህዝባዊ ግንባር እዙይ ዘኢትፈልጥ መሲሉኩም? ደብረፅዮን ድማ ሎምቕነ ክንሕዞ እይና፥ ካብኡ ትዓርፉ።

እቲ ዝብሎ ዝነበረ በረኻታት ተከዘ ካብቲ ናይና ዓዲ ብዙሕ ኣይይርሕቕን። ቀደም ጓሶት ኰይንና መኻርም ንኸርመሉ ዝነበርና በረኻ ድማ እዩ። መስመር ፀሊሞይ – ደደቢት – ሱርን ተከዘን እዩ። ኣነ መብዛሕቲኡ ስቕ ብምባል እየ ንሕትኡን ሓሳቡን ዝሓልፎ ነይረ። ኣብ ኢዱ ስለ ዝወደቕኩ ክዕገስ ነይሩኒ።

ኣብ ስዓት ምሳሕ ትንባኾ ክዕደሎም ርእየ። ሽጋራ ካብ እቶም ካብ ሹቓት ዝሰረቑ ይዕድጉ ነይሮም። ትንባኾ ግን ብሓደ ሓላፊ ክዕደሎም ርእየ። ከምዚ ኸ ኣሎ ድዩ እናበልኩ እሓስብ ነይረ። ናይ ኤርትራ ባኒ እውን ርእየ ብሻሂ እኳ በሊዐ።

ድሕሪ ሰዓት መልሲ ንገዛና

ኣቦይ እንታይ ኰን ኰይኑ ይዀን እናበልኩ እጭነቕ እየ ዊዒለ። ቀልጢፍና ገዛ ኣቲውና ሃለዋቱ ክእፈልጥ ተሃንጥየ ነይረ።
እቶም ክልተ ወታሃደራት ብስራሕ ይዅን ብዕረፍቲ ንዓዶም እዮም ይኽየዱ ነይሮም።እግረ መንገዶም ድማ ንዓና ንገዛና ሰንየሙና።

ኣድጊ ፂዒኖም እዮም። እንታይ ፂዒኖምዋ ከኢትብሉ።ይፍለጥ እዩ ኢለ እየ ንብረት ትግራይ እምበር እንታይ ድኣ ክፅዕንዋ? ናይ ድግስ ማንካ፣ መውቀጢ ቡን፣ ጫማታት፣ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ክዳውንቲ፣ ካልእ ደቀቕቲ ናይ ገዛ ኣቍሑትን እዮም ፂዒኖምዋ ነይሮም። ንሕና እይና ፅዒንናሎም። ኣድጊ ናይ ጐረቤትና፣ መፅዓን ናይና፣ ንብረት ናይ ዓዲ፣ ፅዓንቲ ድማ ንሕና። ከም እዙይ ዝበለ ወራሪን ወራርን ተርእዩ ዶ ይፈልጥ ይዀን?

ሕሱራት መራሕቲ ቅንጣሚንጢ ኣቝሑት ናብ ስድርኦም ክልእኹ እንተለዉ የባሳጭወካ እዩ ግን ድማ ሕሱራትን ክብሪ ዘኢይፈልጡን ስለ ዝዀኑ ድማ ትንዕቖም። ክልተ መራሕቲ ነቶም ንዓዲ ዝኸዱ ዝነብሩ ዘማልኡዎም ኣቝሑት ምስ ሰማዕኹ ተገሪመ።

እቲ ሓደ መራሒ “ጓል ሓፍተይ ጫማ ወዲአ ኢላ ደዊላትለይ ነይራ እሞ በጃኹም ኣብፁሑለይ”

እቲ ካልኣይ መራሒ ” ሰበይተይ ብሂወት የለን እዩ እናበለት እያ ትበክይ ኢሎም ነጊሮምኒ እሞ በጃኹም እዚ ናይ ሰበይቲ ሹፎንን ነፀላን ሃቡለይ መራጋገፂ ድማ ይዅና”።

ኣብ መንገዲ ምስቲ ሓደ ወታሃደር እናኣውጋዕና እይና መፂእና።

ንሱ፦ ስማዕ ሓወይ ንሳኻትኩምን ንሕናን ኣይጥዓመናን ዘሎ። እዋን እናተፀበና ሕነ ምፍድዳይን ምውፅፃእን ይኣክል ዝብል ወለዶ ክመፅእ ኣለዎ። ይቕረ ዝብል ወለዶ ክመፅእ ኣለዎ።

ኣነ፦ ናይ ወለዶ ፀገም ኣይይመስለንን። ትግራይ ድማ ዝበደለቶ ነገር የብላን። ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ሓዊ ዝእጒዱ ሰባት ግን ኣለዉ ንሳቶም እዮም ክዓርፉ ዘለዎም። ውግእ ምስ መን ድዩ ዝካየድ? ኣነ ወታሃደር ኰይነ ኣይፈልጥን ግን ውግእ ክብሃል ከሎ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዋግኡ ኣካላት ምስ ዝህልዉ ዶ ኣይኰነን? ሕጂ ግን ንስኻትኩም ዕጥቂ ዝሓዝኩም ተዋጋእቲ እይኹም ንሕና ግን ክንዋጋእ ዘኢንኽእል ገባራት ወይ ድማ ወታሃደራት ዘኢኰንና ንፁሃን ሰባት እይና። ስልዚ ንምንታይ እይኹም ንፁሃንን ዘኢተዓጠቑን ተጥቅዑ?

ንሱ፦ ሓቅኻ ኣለኻ ተረዲኣካ እየ። ግን ናይ ልእኹቶ ጒዳይ ኰይኑና እምበር ፈቲውና ኣይኰንናን። ብዓይኒ ሓቂ እንተዀይኑ ድኣ ካብ እቶም ኣምሓሩ እኮ ንስኻ እይኻ ሓወይ። ፖለቲካ ረሳሕ እዩ በጃኻ። ንምንታይ እይኹም ንፁሃት ትቐትሉ ንዝበልካዮ ሓደ ንስኻትኩም እውን ንዕቐትን ድርቅናን ኣለኩም። ካልእ ድማ ከምቲ ዝተብሃልናዮ/ዝተኣዘዝናዮ ምዓዝ ንገብር ሃሊውና። ኣብ ዓድዋን ኣኽሱምን ተትሪኢ እንታይ ምበልካ? ብፍላይ እቶም ፌደራል ሰራዊት ዋላ ቈልዓ እውን ኣይይገድፉን እዮም። ኣንስቲ ዓድዋ ብበርበረ እየን ገጢመናልና ሽዑ ድማ ሰራዊትና ተባሳጭዩ ዘኢይግበር ገይሩ እዩ በጃኻ። ኣነ ግን ብውልቀይ ብጣዕሚ እየ ዝሓዝን ብሓቂ ይቅርታ።

ኣነ፦ ብዝዀነ ኲሉ ሰብ ብዕላማ እዩ ዝንቃሳቐስን ዝፍፅምን። ንሕና ግን ሰላም ንደልይ ካብ ኲሉ ንላዕሊ። በሉ በዚኣ ንገዛና ክንውፅእ ቻው።

ንሱ፦ ቻው ግን ካልኦት ብፆት ረኺቦም ከኢይሓትኹም ምስ እንዳ 33 ብርጌድ 3 እይና ውዊዒልና በሉዎም እይኹም። ከኢተዓዘርና እንተ ረኺበሙኹም ግን ተዳመፁና፥ ክንነግሮም እይና።

ኣነ፦ ሕራይ።

ጐኒ ንጐኒ እይና ንኸየድ ነይርና። ንሳቶም ብፅርግያ ንሕና ብጎቦ። ቍሩብ ምስ ከድና ግን ኣብ ማዕዶ ኰይኖም ታወት እይኹም፥ ደው በሉ ኢሎምና። ነጊርናዮም። ክሰምዑና ግን ኣይክኣሉን። ካብኡ ነቶም ምሳና ዝውዓሉ ፀዊዕና ነጊርናዮም። ንሳቶም ድማ ተዳህዮም ምስኦም ከም ዝዋዓልናን ንገዛና ንኸየድ ከም ዘለናን ነጊሮምልና።

ድምፅና ዝሰምዓ ሓንቲ ዓባይ ጐረቤትና ኣዶ፡ ተቐልቂለን ዝበላኒ መስሐቕን መገርምን ነገር ከካፍለኩም

ንሰን፦ ኣታ እንታይ ዝዀንኩም እይኹም?

ኣነ፦ ንሕና እይና [እገለን እገለን]። ድሓን ዶ ዊዒለን?

ንሰን፦ እንታይ ድሕነት ኣሎ ወደይ? ኣበይ ድኣ ፀኒሕኹም?

ኣነ፦ በዚ ታሕቲ ነይርና።

ንሰን፦ ክትፃዋውዑ እይ ድየ ሰሚዐኩም። ናበይ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ? ቦታ ድዮም ዝቕይሩ ዘለዉ?

ኣነ፦ መን እዮም እቶም ቦታ ዝቕይሩ ኸ? ዝዀነ ዘምለጠን ነገር ዘሎ ዀይኑ ተሰሚዑኒ።

ንሰን፦ ምስመን ዲኹም ትዛረቡ ዝነበርኩም? እቶም ናይና እምበር መን እዳኖኻ ድኣ?

ኣነ፦ ዋይ ዋይ ኣይፈለጣን ድየን? ኣሪገን እባ እየን ኣደይ?

ንሰን፦ እንታኖኻ ኰይነ እየ ዝኣርግ ከ?

ኣነ፦ ዋእ እሞ ናትና ድኣ ትማሊ ዶ ኣይከዱን። እዚኦም እኮ እቶም ፀላእትና ሻዕብያ እዮም።

ንሰን፦ ሂወት ኣዳነይ!!! ማዓዘዲኦም ኣትዮም?

ኣነ፦ ብዝዀነ ዀይኑ ትማሊ ምሸት እዮም ኣትዮም ይመስለኒ። ናብዚ ገዛውቲ ኣይመፅኡን ድዮም?

ንሰን፦ ናብዙይ ታዳነኦም ክገብሩ? ሂወት ኣዳነይ ዘኢእሰምዖ የብለይን ኣታ ጐይታይ።

ኣነ፦ ሕጂ ኰይኑ እይ ድዩ፤  ግን ድሓን ትረጋጊዖም እዮም ዝመስሉ፤ ምስኦም እይና ውዒልና።

እዘን ኣዶ ካብ ገዛ ስለ ዘኢወፅኣን ካልእ ሰብ ድማ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዘኢነበረን ምንም ሓበሬታ ኣይረኸባን ነይረን። ክሳብ ንሕና ንነግረን ናትና ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ይመስለን ነይሩ። ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝኣተወ ኣይይመሰለንን። ሕሰቡዎ እቶም ወረርቲ ከኢፈለጣ ከለዋ ናብ ገዛ መፂኦም እንተ ዝዀኑ ነይሮም ሕማቕ ነገር ከጋጥመን ነይሩ እዩ።

ኣደና “ሂወት ኣዳነይ” ዝብላ ክድንግፃን ክባሳጨዋን ከለዋ እዩ። ሳጐአን እውን ሂወት ኣዳነይ ኰይኑ እዩ ተሪፉ። ሰብዓ ዓመት ይዀና እየን።

ኣብቲ ድሕሪ ገዛን ደንበን ናይ እዘን ኣደና ክልተ ናይ ሞርታር ቁምቡላ ብታሕሳስ 29 ዓሊቡ እዩ። ንስለ እዩ እቲ ገዛውቲ ተሪፉ። ኣብ ኣርባዕተ መዓልቲ (ካብ 27 – 30 ታሕሳስ) ካብ 70 – 100 ዝዀን ናይ ሞርታር ቁምቡላ እዩ ኣብታ ቍሸት ጥራሕ ዓሊቡ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ኣቦይ ሃለዋት

ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ ኰይኑ እዩ። ሙሉእ መዓልቱ ኰለል ከብሉና ዊዒሎም። ኣቦይ ክእደልይ ዝመፃእኹ ሃንደበት ኣብ ኢድ ፀላእቲ ወዲቐ ከኢፈተኹ ከገልግሎም ዊዒለ። ብዛዕባ ኣቦይ ሓያል ፍርሒ ድማ ነይሩኒ። ምኽንያቱ ኣዝዩ ቡዙሕ ናይ ከቢድ ኣፅዋር ቁምቡላታት ኣብ ከባቢ ገዛውትናን መንገድን ዓሪፉ እዩ። እንታይ ኰን ኰይኑ ይዀን? ኣበይ ኰን ይህልው? ሕጂ ኣብ ገዛ እንተ ዘኢረኺበዮ እንታይ እየ ክገብር? ንደይን ንኣሕዋተይን ከ እንታይ እየ ክብሎም?
ከምዚ እናበልኩ ንገዛ ኣትየ። ፈጣሪ ግን ኣሕሊፉ ኣይውሃቦን ኣብ ገዝኡ ፀኒሑኒ። ንሱ ድማ ብዛዕባና እዩ ይጭነቕ ነይሩ። ናበይ ክየድካ ነይርካ ድኣ ኢለዮ። እቲ ሞርታር ኣብ ድሕሪ ገዛ ክዓልብ ምስ ጀመረ ክውል ኢለ ነይረ ድማ ኢሉኒ።

ትግራይ ትስዕር!


መብርሂ ኣርታዒ፦ እዚ ፅሑፍ፡ ብ ምኽንያት ስግኣት፡ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ፥ ብ ኣካል ብ ዝተሰፈ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ፅሑፍ፦ ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም፥ ካልኣይ ክፋል ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ?፥ ሳልሳይ ክፋል  ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን፥ ራብዓይ ክፋል ክዓ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. e.brhane

    June 15, 2021 at 4:18 pm

    ሳኣን ዘይምድናውናን ዘይምዕጣቅናን ትግራይናን ህዝብናን ኣብ ዓለም ተፈፂሙ ዘይፈልጥ ግፍዕን ጨፍጫፍን በፂሕዎን ይበፅሖን ኣሎ።
    ንሕና ድክነት ጥራሕዩ ፀላኢና ናተባሃልና ዓቢና ፀላእትና ከኣ ንዓና ንምጥፋእ ዘየለ ሕሱትን ፅልእን ስልጠናን ናወሰዱ ዓብዮም። ይገርምዩ ተጋሩ ንዕወትሞ ዓወትና ግን ዘይንዕቅብ፣ መሊስና በረካ ወሪድና ብዙሕ ደም ከፊልና ከኣ ንዕወት ፀላእትና ከኣ በቃ ብኣፎ ናተመሳከኑን ናተፀግዑን ናታለሉን ብለመጭ መልሓሶም ጥራሕ ዓርሞሸሽ ስልጣን ይሕዙን ይዕወቱን።
    እዚ ኩሉ ስንፍና መራሕትና ዩ። ካብ ድክንነት ዝዓቢ ንሃለዋትና ዘጥፍእ ፀላኢ ሎሚ ፅባሕ መፃኩኩም ተጋሩ ናበለስ ድክነትዩ ፀላኢና ንብል።
    ብዝኮነ እንኳዕ እዞም መናእሰይ ብሂወት ተረፉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT