story

ሓፂር ታሪክ ሂወት ብ ወረርቲ ብ ግፍዒ ኣብ በሪ ገዛና ዝተቐተሉ ወላዲና ኣቦይ ክንፉ

እህ! ናይ እማኖም ካብ ሞት ዘምለጡ መሲሉኒ ነይሩ ግን ኣይኰነን። ”ሎሚ እኳ ዘኢሞትና ደጊም ኣይንሞትይ እዛ ጓለይ” ዝብል ድምፂ ኣብ እዝነይ ገዲፎም ስዓት 4 ናይ ንጕሆ ሰንበት 17 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ብ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቲሎም ካብ እዛ ዓለም ተፈልዮም።

Published

on

ብ ጓሎም ፍታው

ወላድየይ ኣቦይ ክንፉ፡ ካብ ኣቦኦም ባህታን ኣዲኦም ጀምበርን ብ 1935ታት ኣብ ጣብያ ሱጣ ወረዳ ሓዉዜን ተወሊዶም። ወላድየይ ኣቦይ ክንፉ  ምስ ኣደይ ሓዳስ ገብሩ ኣብ ዝተወለዱሉ ከባቢ ሓዳር መስሪቶም፣ ደቆም ወሊዶም፣ ኣምሂሮምን ናይ ኵሎም ደቆም ዉሉዳት ርእዮምን እዮም። ወላድየይ ኣቦይ ክንፎ ህርኩት ሓረስታይ ጥራሕ ዘኢኰኑስ ንፉዕ ነጋዳይ እዉን ነይሮም። እናሓረሱን እናነገዱን ደቆም ኣብ ዝብፃሕ ዘብፅሑ ምስጉን ወላዲ ነይሮም። 

 ል ኣሜኖም (ሰበይቶም) ዝነበሮም ክብርን ሓልዮትን ምስ ደቆም ዝነበሮም ምርድዳእን ኣዝዩ ዝነኣድ ነይሩ። ል ሰበይቶም ዝነበሮም ኣረኣእያ ካብ ናይ ሓረስታይ ዉፅእ ዝበለ ነይሩ፣ ኮፍ ኢሎም ይማከሩ፣ ላብ ዕዳጋ ይዅን ላብ ካሊእ እንትኽየዱ ብሓደ፣ ይቀላለዱ፣ ካሊእ ይትረፍ ል ዳስዋ እኳስ ሓዲገሙዋ ኣይኣትዉን ነይሮም።  ኣያይ ካብ ገዝኦም ወፃኢ እዉን ናይ መንደርና ማለት እውን ናይ 30 ገዛውቲ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ዝተበኣሱ ብ ምሽምጋልን ምትዕራቅን ዝፍለጡ ኣብ ከባቢኦም ኣዝዮም ዝምስገኑ ሰብአይ ነይሮም። ካሊእ ዝምስገን ፀባይ ኣያይ፣ ል ፅጉማት ገዛ ፈልዮም ክነብርሉ ምሃቦምን ካብን ናብን ሓዉዜን/ስንቃጣ ዝመላለሱ ነጋዶ ልክዕ ከም ቤተሰብ ኣብ ገዛ ክሓድሩ ምፍቃዶምን ምግቢ ምቕራቦምን እዩ።

ሮቡዕ፣ ዓርቢ፣ ቀዳምን ሰኑይን ኣያይን ኣደይን ዘስታውሳኒ መዓልትታት እየን። ምኽንያቱ፣ ሮቡዕ ል ሓዉዜን፣ ዓርቢ ል ዕዳጋ ዓርቢ፣ ቀዳም ል ስንቃጣ፥ ሰኑይ ድማ ል መቐለ ክሸቅጡ ይኽየዱ ስለ ዝነበሩ መሽዩ ገዝኦም ክሳብ ዝምለሱ ተሃንጢውና ንፅበዮም ስለ ዝነበርና እዩ። ብፍላይ ሰኑይ ማ! ኣያይ ንጕሆ ል መቐለ ከይዶም ኣቝሑት ፅዒኖም ምሽየት እንትምለሱ ኣቝሑት ክንቅበሎም ክንጓየይ እንተለና፡  ፍፁም ካብ ኣእሙሮይ ዘኢይወፅእ ተዘክሮ እዩ። ጐረባብትና ዝብላዕ ስኢኖም ደቆም ካብ ት/ቲ ከቋርፁ ኣገዲዶም ሒዘሙዎም ስድት  እንትኽየዱ፣ ኣያይ  ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ በሊዕና፣ ከይጠመና ኣብታ ምዉቕቲ ገዛና ኰይንና፣ ብትምህርትና ክንጕብዝ እናመኽሩ፣ ዝጐደለና እናማልኡ ኣምሂሮም ርእስና ክንክእል ገይሮሙና እዮም። ዝተፈጠረ ይፈጠር ደቆም ትምህርትና ከይንተኣጓጐል ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ነይሮም። ምሳሌ፣ ጓሎም ማለት እዉን ማእኸለሽ ሓፍተይ ብ 1995 ዓ.ም ብጣዕሚ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፣ ፈቖድኡ ማይፀሎትን ሕክምናን ተሸኪሞምዋ ለይትን ቀትርን እንትኽየዱ፣ ል ኣደይ ተስፋ ከኢትቆርፅ እናተባብዑ፣ ልኣና ድማ ትምህርትና ከኢነቋርፅ እናመኸሩ ኣምሂሮሙና እዮም። 

ደቆም፡ ኵለና ሓዳርና ሒዝና ካብ ገዛ ወፂእና እይና። ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ እዮም ኣብ ገዛ ተሪፎም ነይሮም። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ግን ል ብዙሕ ዓመታት ተፈልዮምዎም ዝነበሩ ምዕባይ ሓዎም ማለት እዉን ሓዉኣቦይ በርሀ መፂኦም ምስ ወለዲ ምንባር ጀሚሮም።  ብዘይካ ሓውኣቦይ፡ ኣያይ ሓዉ ይዅን ሓፍቲ ስለ ዘየብሎም ንሕና እዉን ምምፅኦም ደስ ኢሉና ነይሩ። ወለድና እናዓበዩ ይኽየዱ ስለ ዘለዉ፣ ከምታ ተንከባኪቦም ኣምሂሮም ርእስና ክንከእል ዝገበሩና ኣብ ግዜ ዕብየቶም ከመይ ክንከናኸኖም ከም ዘለና ኵለና ውሉዳቶም ንመኻኸረሉ ነይርና። ታይ እሞ ዋጋ ኣለዎ? ምክንኻንስ ይትረፍ ከኢቐበርናዮም ወረርቲ ሰራዊት ሻዕብያ፥ጨፍጨፍቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘኢመዓልቶም ኣብ በሪ ገዝኦም ምንም ዘኢይፈልጡ  ሽማግለ ሰብአይ  ተኲሶም ቀቲሎም ቅስምና ሰይሮምና። ካብኦም ተፈልያ ምሕዳር ዝኸብዳ ኣደይ፡ ብጣዕሚ ዝትፈትዎም ብዓል ገዝኣ ኣብ ቅድሚ ዓይና ቀቲሎምዎም። ሓዉ ኣቦይ እዉን ሓደን ኣለኒ ዝብሉዎን ሓዎም ኣብ ቅድሚኦም ተቐቲሎምዎም።

መጀመርታ ብ ምኽንያት ኮሮና ድሓረ ድማ ብ ምኽንያት ብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ል ነዊሕ እዋን ካብ ወለድን ኣሕዋትን ተፈላሊና ምፅናሕና ከኢይኣክል፣ ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ል ኣዋርሕ ኵሉ ነገር ማለት እዉን ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ መብራህቲ፣ መጓዓዝያ፣ ወዘተ ተዓፂዉ፡ ብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብ ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያን ብተስፋሕፋሒ ሓይሊ ኣምሓራን ጨፍጫፍ፣ ሃንድበታዊ ደብዳብ፥ መጥቃዕቲ  ድሮናት ዓረብ ኢመሬትን፣ ደብዳብ ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ኢትዮጵያያን ኤርትርራን፣  መጥቃዕቲ ከቢድ መሳርሕታትን ኣብ መላእ ትግራይ ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ኵሉ ሰብ ነብሱ ከትርፍ እግሩ ላብ ዝመርሖ እንትሃድም  ሰብ ይሞት፣ ሰብኣይ ካብ ሰብይቱን ደቁን፣ ቈልዓ እዉን ካብ ወለዱ ይጠፋፍኡን ነይሮም። ብዚ ምኽንያት ወለዲ፣ ስለ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝነብሩ ደቆም፣ ዉሉዳት ድማ ስለ ወለዶምን አብ ዝተፈላለዩ ቦታታ ዝነብሩ ኣሕዋትን ክንጭነቅ ድሕሪ ምፅናሕ፣ ሓሓሊፉ ስልኪ ምስራሕ ስለ ዝጀመረ፣ ዉሉድን ወላድን ብ ስልኪ ተራኺብና ነይርና። ብ ፍላይ ወራርቲ ሰራዊት ኤርትራ ሕድ ሕድ ገዛ ከም ዝፍትሹ፣ ዝረኸቡዎ መንእሰይ ከም ዝቐትሉ፣ እናሓረዱ ከም ዝበልዑን ከም ዝዘርፉን ነጊሮም፡ ገዛና ግን ፈቲሾምዎ እዉን ኣይይፈልጡን ኢሎምና ነይሮም።ሕሉፍ ፀልማት እናስታወስና፣ እታ 24 ግዜ ሞኲርካ ሓደ ግዜ ዝትሰርሕ ስልኪ እዉን ከኢይዓፅዉዋ እናፀለይና ኣብ ዝትሰርሐልና ግዜ እናተደዋወልና ካሊእ ኵሉ ገዲፍና ብሂወት ምህላዉና ንጠያየቅ ነይርና።

ቀዳም ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም ምሽየት ደዊለ ረኺበዮም ነይረ፤ ከም ልሙድ ብ ሂወት ምህላዎም እንትጥይቆም፣ “ካብ ዕለት 14 ሚያዝያ 2013 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ከቢድ ውግእ እዩ ቀንዩ። እዙ ክልተ መዓልቲ እዚ ካብ ገዛ ኣይወፃእናይ ከቢድ መሳርሒ ኣብ ጥቓና እናዓረፈ፣ ንጣራት አብ ድሕሪ ገዛናን ዝባን ህድሞናን እናዓረፈ ስለ ዝነበረ፣ ብስሩ ካብ ገዛ ኣይወፃእናይ። ከፍቲ ማይ ይዅን ሓሰር ኣይጥዓማይ። ሎሚ ሰ በቃ ሞይትና እይና ኢልና ነይርና ግን ተሪፍና። ሎሚ እኳ ዘኢሞትና ደጊም ኣይንሞትን እዛ ጓለይ” ኢሎምኒ ነይሮም። 

እህ! ናይ እማኖም ካብ ሞት ዘምለጡ መሲሉኒ ነይሩ ግን ኣይኰነን። ”ሎሚ እኳ ዘኢሞትና ደጊም ኣይንሞትይ እዛ ጓለይ” ዝብል ድምፂ ኣብ እዝነይ ገዲፎም ስዓት 4 ናይ ንጕሆ ሰንበት 17 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ብ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቲሎም ካብ እዛ ዓለም ተፈልዮም። ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልትታት ተኸታታሊ ኲናት፡ ሰንበት ንጕሆ ኣያይ “ሎም ስ ህድእ ኢሉ ይመስል ከፍቲ ሓሰር ክህብ” ኢሎም ካብ ገዛ ውፅእ ምስ በሉ፣ ኣደይን ሓውኣቦይን እዉን ተኸቲሎምዎም ወፂኦም፡ ኣብ በሪ ምስ በፅሑ፣ በዚ መፂኦም ዘኢተብሃሉ ወታደራት መፂኦም፣ ል ሓዉኣቦይ “ታይ እዩ ኣብ ኢድካ ዘሎ?” ይብሉዎም። ሓዉኣቦይ እዉን “ላምባዲና” እዩ ምስ በሉዎም፣ “መረጃ ልትሰጥ እየቆጠርከን ነው? ግባ” ኢሎም ብፅፍዒት ወቒዖም፣ ል ኣደይ እዉን “ግቢ” ኢሎም ትንዕ ኢሎም ላብ ገዛ ምስ ኣእተዉዎም፣ ኣደይ እናጐየየት ላብ ህድሞ ከይዳ ብመሽኮት ል ኣያይ “ፍታው..ፍታው [ብ ስም ጓሎም].. መፂኦም እዮም ንዑ ገዛኹም” እናበለት እናሃለወት ድምፂ ተዅሲ ሰምዑ። እቶም ወታደራት ግን ል ኣያይ ካብ በሪ፡ ከባቢ 5 ሜትር ርሕቕ  ኢሎም ቀቲሎምዎም ከይዶም። 

ኣደይን ሓውኣቦይን፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኰይኖም ተዅሲ ምስ ሰምዑ፡ ክወፅኡ ኣይክኣሉን ምኽንያቱ እንተወፂኦም ልኣቶም እዉን ክቐትሉዎም ስለ ዝኽእሉ። ፀኒሖም፡ እቶም ወታደራት ርሕቅ ምስበሉ ላብ በሪ ቅልቅል እንተበሉ፡ ኣያይ ተዘርጊሖም እግሮም እናተንቀጥቀጠት ርአዩዎም። ግን ኣየልዓልዎምን፤ ምኽንያቱ እቶም ወታደራት፡ ዝቐተሉዎ ሬሳ ክለዓል ኣይይፈቕዱን። ድሓረ እቶም ወታደራት ካብቲ ከባቢ ምስ ርሓቁ፣ ከባቢ 5 ኪሎሜትር ርሒቃ ዝትነብር ሓፍተይ ኣብ ገዝኣ ከባቢ ውግእ ስለ ዝነበረ፣ ልኣይ ክጥይቁ ከኢይመፅኡ አነ ክኸዶም ኢላ ላብ ገዛ እንተኸደት ኣያይ አብ በሪ ገዝኦም ወዲቆም፣ ኣደይን ሓው ኣቦይን እዉን ሬሳ ኣብ ቅድሚቶም እናርአዩ ረዳኢ ስኢኖም መሬት ፀልሚቱዎም  ረኸበቶም። ል ምሸቱ ኣብ ማዕዶ ገዛና ዝነብር ኣኮይ፡ ተኲሲ ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ ላብ ገዛና ሸጊሩ ሞይቶም ረኺቡዎም ድሓር ሰብ ኣተኣኻኺቡ፡ 4 ሰዓት ዝሞቱ ምሽት 2 ሰዓት ካብ ዝወደቑላ ኣልዒሎም ለይቲ ውሱናት ሰባት ኰይኖም ቀቢረሙዎም። ል ብዙሕ ዓመት እንተኢተራኸብና ብጣዕሚሚ ዝንፈትዎምን ብዙሕ ዝንሓስበሎምን ኣቦና ኣብ ርእሲ ናፍቖትና ል ሓዋሩ ብ ከምዚ ተፈልዮምና።

2 Comments

  1. donot free any genocide prisoner

    June 22, 2021 at 3:08 pm

    ነፍስ ይምሓር ብየማነ አብርሃም ወይስሓቅ የንብሮም፥፥ እዞም ወለድናን አያታትናን ብግፍኢ ዝርሽኑ ዘለው ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራ ሰራዊት ከይትሰድዎም በሉልና፥ካብ ሕጂ ገዲም ናይ ኲናት እስረኛታት ዝበሃል የለን ዋላ ተገዲድና ፈሪሂና ይበሉኹም አይትስደዱዎም፥፥

    ከበአሽሃት ንኸፍለኩም ኢና ዝደለኹምዎ ዝረፉ አምፁ ፥እንድህር ዘይቀተልክምዎም መሊሶም ናባና ይመፁኢዮም ክቀትሉና ኢዮም እናተብኻሉ ከጽንቱና ዘአተው ድህር ሕጂ ብናፃ ክልቐቑ የብሎምን ብስሩ አይግባእን፥፥
    ከበአሽሃት ንኸፍለኩም ኢና ዝደለኹምዎ ዝረፉ አምፁ ፥እንድህር ዘይቀተልክምዎም መሊሶም ናባና ይመፁኢዮም ክቀትሉና ኢዮም እናተብኻሉ ከጽንቱና ዘአተው ድህር ሕጂ ብናፃ ክልቐቑ የብሎምን ብስሩ አይግባእን፥፥ንባኣል ባጫን፥ንኡ ዝመሰሉ ብናፃ ተለቒቖም ሕዝብና ዘፅንትዎ ዘለው ምርዓይ እዩ ፥ናይ ኩሉ ነፍስ ትግራዋይ ሕይወት ሐደ እዩ ሀለፍቲ ስለዝሞቱ ጥራይ ፍልይ ዝበለ ጌርና በአማዕት ዝቁፀሩ ወገናትና ክህረዱ ከለው እናራዕና ገበነኛታት ምስዳድ ባዕሉ ግፍዒ እዩ፤፤ብናፃ ዝልቀቕ እስረኛ አይክህሉን

  2. ብርሃነ ግደይ

    June 22, 2021 at 11:55 am

    ትግሃት ጎበዛት ኢኹም ቀፅልሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ድማ Backup ውን ሓዙ ኢኹም። ምኽንያቱ እዙ ኹሉ ዳታ(Archive) ክስረቕ ወይ (hack) ክግበር ይኽእል እዩ። ጸለእትና በዚ ውን ኣይሰንፉን።

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version