Connect with us

Letters

መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ብ ምኽንያት ምዓልቲ ስዉኣትን ደብዳብ ቶጎጓን

Published

on

ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ቀዳማይ ደርጊ 15 ሰነ 1980 ዓ/ም ኣብ ዕዳጋ ሓውዜን ደብዳብ ነፈርቲ  ዝፈፀመሉ መበል 33 ዓመት መዓልቲ ስዉኣት ኣብ እነኽብረሉ ዕለት ናይ ኣቦ ንመን ንውሃቦ ኰይኑዎም ዳግማይ ደርጊ ጕጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ድማ 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ ከተማ መቐለ ናይ ቀረባ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ቶጎጓ እትብሃል ቦታ ንዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝወፅኡ ሰላማውያን ዜጋታት ብዘካየዶ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ንብረቱን ብዝበፅሐ ጕድኣት ህዝብን መንግትን ትግራይ ዝተሰምዖ ሓዘን ዓᎁቕ ምዃኑ እንትገልፅ፡ ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝዀኑ ወገናት መንግስተ ሰማያት የዋርሶም፥ ንመላእ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ድማ ፅንዓት ይውሃቦም ይብል።

ከም ዝፍለጥ ብመሪሕነትን ሃንዳሳይነትን ወራሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዳግማይ ደርጊ ጕጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሓይ ሓይሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ኣብ እቶም ዝሓለፉ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ጐቢጥካ ንምብርካኽ ብታሪኽ ይቅር ዘይብሃል ኣረሜናዊ ግፍዕን ገበንን ፈፂሞምን ይፍፅሙን ኣለው። ናይዚ መቐፀልታ ዝዀነ ድማ ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም ከም ዝብሃል 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ናይ 30 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ፍልይቲ ቦታ ቶጎጓ ንፁሃን ደቂ ትግራይ ኣብ ዕዳጋ መዓልቲ እናሃለው ዳግማይ ደብዳብ ሓውዜን ብምፍፃሙ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ግዳይ ሞትን መቝሰልትን ካብ ምዃን ንላዕሊ እቲ ፍፃመ ሰብን እንስሳን ዘይፍለየሉ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣረሜንያዊ ተግባርን ቀንዲ ዕላማን ትልምን ደመኛ ፀላኢ ትግራይ ድማ ሐዚ እውን መንነት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ወራርን ኲናትን ኣጠናኺሮም ዝቐፀልሉ እኩይ ተግባሮም እዩ። 

ብምዃኑ እውን ዳግማይ ደርጊ ጕጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን መማኽርቱን ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀምዎን ይፍፅምዎ ዘለውን ኣረሜናዊ ግፍዕን ገበንን ከም ህዝብን መንግስትን ዘሐርነና እምበር ዘየንበርክኸና ምዃኑ ክሳብ ሐዚ ብሄራዊ መንነትናን መሰል ዓርሰ ውሳነናን ንምውሓስ መላእ ህዝብናን ሓየት ሰራዊት ትግራይናን ዘካየዶን የካይዶ ዘሎን ተጋድሎ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ሐዚ እውን ወይከ ፈተኽ ኣይንምብርከኽን ኢልና ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና ፀላእትና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምድምሳስን ንዘይተርፍ ዓወትን ከምቲ ልሙድ ቃልስና ክነሐይል መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ። 

                       ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና! 

                              ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና! 

                                        ትግራይ ትስዕር! 

               መንግስቲ ትግራይ – 17 ሰነ 2013 ዓ/ም – ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT