Connect with us

Uncategorized

ዛንታ ስዉእ ኣቦይ

ካብ መረባ ምስ ወጽኡ ን እቲ ዝርርብ ዝሰምዕ ዝነበረ ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ወዲ ሓፍተይ ደድሕሪኦም ክኽተሎም ጀመረ። ተመለስ ኢሎም ኣፈራሪሖም ግን ክምለስ ገይሮምዎ። ድሕሪኡ ዝተፈጠረ ነገር ግን እቲ መሕዘንን መደንገጽን ፍጻመ እዩ። ካብ ገዛ ኣስታት 300 ሜትሮ ወሲዶም ንኣቦይ ወላድየይ ረሸኑዎ።

Published

on

ትግራይ ደም ምንባዕ ካብ  ዝትጅምር ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ሓሊፎም ኣለዉ። ህዝባ ድማ ከም ህዝቢ ምጽናት ዘርኢ ተኣዊጁዎ፤ ኣብ ሕድሕድ ስድራ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን በደልን ኣዝዩ መደንጸዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣነ ባዕለይ እቲ ውግእ ክጀመር እንተሎ ኣብ ሸራሮ እየ ነይረ። ን 77 መዓልትታት ድማ ኣብ’ቲ ከባቢ ጸኒሐ፤ ንምርኣዩን ንምስምዑን ዘጸግም ግፍዕታት እንትፍጸም ብ ዓይነይ ርእየን ብዙሓት ቤተሰበይን መቕርበይ ቀቢረን እየ መጺአ። ካብ እቶም ብዓይነይ ዝርይኩዎም ናይ ግፍዒ ዛንታታት ዝተወሰኑ ኣብ ትግሃት ተሓቲሞም ይርከቡ።

ሸራሮን ከባብታት ኣድያቦን ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ወዲቑ ዘሎ። ተበጻሕነት ሚድያ ይዅን  ሓገዝ ዓለም ለኸውያን ኣካላት ካብ ዘየብሎም ከባብታት ትግራይ እቲ ሓደ ኣድያቦን ሸራሮን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኵሉ ነገር ብምዕጻው ኵለ መዳይ ግፍዒ ምፍጻም ካብ ዝጅምር ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ሓሊፎም ኣለው።

ኣነ ኣብኡ እናሃለውኩ ኣብ ጣብያ ዝባን ገደና ጥራሕ 15 ሰባት ብ ዕለት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም፣ 11 ሰባት ብዕለት 2 ታሕሳስ፣ ልዕሊ 20 ሰባት ክዓ ብ ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ሸራሮ እንትጭፍጨፉ ብ ዓይነይ ርእየ እየ። ሬሳታት 10 ሰባት ኣብ ምድላይን ምስ ረኸብናዮም ድማ ሓመድ ድበ ኣብ ምልባስን ተሳቲፈ እየ። ሰራዊት ኢትዮጵያያን ኤርትራን ብ ዕለት 2 ሕዳር ን ሸራሮ ካብ ዝረግጹ ጅሚሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሸራሮን ኣድያቦን ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን ብርሰትን ዓለም ኣይትሰምዖን ኣይትርእዮኦን ዘላ። ኣነን ካልኦት ነዚ ሓቂ ዝፈልጡ ደቂ ትግራይን ግን ልብና በቢመዓልቱ እናተሰበረን እናደመየን ይሓድር ኣሎ።

ኣብ ጣብያ ዝባን ገደና ዝተፈጸመን ይፍጸም ዘሎን ግፍዒ ፍልይ ዝበለ እዩ። ብ ግምት ካብ 200 ን ላዕሊ ገዛውቲ ምስ ሙሉእ ንብረቶም ተቓጺሎም፣ ካብ 10 ን ላዕሊ ዝዀና ናይ እኽሊ ጥሓንቲ ተቓጺለን፣ ካብ 300 ን ላዕሊ ንጹሃን ሰባት ተረሺኖም፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት እንስሳት ተሓሪደንን ተዘሚተንን፣ ኣብ ድሕሪ ቤት ዝነበረ ኣእኻል (ካብ ሕዳር- ታሕሳስ) ብ ሙሉኡ ተቓጺሉ፣ ኣብ ቆፎ ዝነበረ ኣእኻል እውን መብዛሕትኡ ተወሲዱ፣ ቀለብ እንስሳት ኵሉ ተቓጺሉ፣ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደንታት እውን ኵሎም ተቓጺሎም እዮም።

ኵሉ ኣብ መሬት ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መስካሕክሒ እዩ፤ ናይ ኣድያቦን ከባቢኡን ግን ይፍለይ እዩ። ኣብ ኣድያቦ ብፍላይ ጣብያ ዝባን ገደና፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝኣትው ጀሚሩ፡ ሰብ ከኢተጨወየን ከኢተረሸነን ኣይይሓድርን። ገዛውቲ ከኢተቓጸሉን ንብረት ከኢተዘመተን ኣይይውዕልን። ኵሉ ሃብትን ኣገልጉሎት ትካላትን ዓንዮምን ተዘሚቶምን እዮም። ሰብ ብጥዪት ጥራሕ ኣይኰነን ዝምት ዘሎ፤ ብ ጥምየት እውን እምበር። እተን ካብ ማሕርድን ዘመተን ዝተረፋ እንስሳት እውን እንተዀና ቀለበን ብ ምቅጻሉ ብ ምጥምየት ይምወታ ኣለዋ።

ኣቦና ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ግደ

 ኣቦና ምጽሓፍን ምንባብን ስለ ዝኽእል ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ቃልሲ ትግራይ ካድረ ኰይኑ እዩ ዘገልግል ነይሩ። ኣብ ኣድያቦ ምሕደራ ብባይቶታት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ካብ እቶም ናይ መጀመርታ ዝተመረጹ ኣባላት  ባይቶ ፍርዲ ሓደ እዩ ነይሩ። ኣብ ሸራሮን ከባቢ ኣድያቦን  መቐሎ መሬት ምስ ተጀመረ፣ ካብ እቶም ከተሓባብሩን ክመቕሉን ዝተመረጹ ውሑዳት ሰባት ኣቦና ሓደ ነበረ። ኣቦና ውድብ ናብ ዝመደበቶን ዝልኣኸቶን ኵሉ ቦታ ይኽየድን ተልእኾ ይፍጽምን ነይሩ። ገዛና ድማ ናይ ክፍሊ ኢኮኖሚ መኻዘን ኰይኑ የገልግል ነበረ። ኣብ ኣድያቦ ናይ ውዱብ ሕርሻ ነይሩ እዩ። እቲ ኣእኻል ምስ ተኣከበ ድማ ኣብ ገዛና እዩ ይኽዘን ዝነበረ። ምኽንያቱ ድማ ኣቦና ኣባል ባይቶን  ኣመሓዳሪ እቲ ከባብን  ስለ ዝነበረ እዩ። ን ነዊሕ ዓመታት ድማ ናይ ኣቦና ሳጓ “ባይቶ” እያ ነይራ።

ኣቦና ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ናይ ቀረባ ሌላ ነይሩዎ እዩ። ኣብ እቲ መጀመርታ ናይ ቃልሲ እዋን እውን ኣብ ገዛና መጺኦም ይዓርፉን ተልእኾ ውሂቦም ይኸዱን ነይሮም እዮም። ድሕሪ ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ዝተፋላለዩ ናይ መንግስትን ውድብን ስራሕቲ ይነጥፍ ነይሩ እዩ። ጅግና ነባር ወያናይን ኣባል ባይቶን እዩ ነይሩ ኣቦና።

ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን

ኣቦና ነባር ወያናይ ይንበር እምበር እቲ መንፈስ ወያናይነቱ ግን ኵሉ ግዜ ትኩስ እዩ ነይሩ። ኣነ ከም ኣጋጣሚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እየ ናብ ኣድያቦ ወለደይ ርእይ ብ ዕለት 20 ጥቅምቲ ናብ ሸራሮ ኣትየ። ኣቦይ ድማ ሸራሮ ኣትየ ኣለኹ ኢለ ምስ ደወልኩሉ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ክጽበየኒ ኣይመረጸን፣ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሸራሮ መጺኡ እዩ ረኺቡኒ። ተመሊሱ ድማ ን ገዛ ኸይዱ። “ኣነ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ክመጽእ እየ፣ ን ኣደይ ድማ ኣይትሰከፊ ለምቅነ ክመጽእ እዩ በላ” ኢለዮ። ኣብ ሸራሮ ዝፍጽሞ ጕዳይ ስለ ዝነበረኒ ሓቢርና ክንክየድ ኣይክኣልናን። ድሕሪ 4 መዓልትታ ግን እቲ ን ኣቦይ ሓዊሱ ናይ ካልኦት ኣማኢት ኣሻሓት ተጋሩ ሂወት ዝቐዘፈን ይቐዝፍ ዘሎን ናይ ዘርኢ ምጽናት ግፍዒ ጀሚሩ።

ኣነ ድማ ኣብ ሸራሮ ኣብ ውሽጢ መጻወድያ ጸላኢ ስለ ዝኣተኹ ቀልጢፈ ናብ ቤተሰበይ ክኽየድ ኣይክኣልኩን። ገዛና ብኵነታተይ ኣዝዮም ስለ ዝተሻቐሉ፣ ኣቦይ ብ ዕለት 5 ሕዳር ናይ ሽዱሽተ ስዓት ጕዕዞ እግሪ ገይሩ ናባይ ናብ ሸራሮ መጺኡ። ብ ዕለት 6 ሕዳር ድማ ንኣይ ሒዙኒ ንገዛና ከዪድና። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ናይ ጭንቀት ኣዋርሕ ኣቦይ ምንም ፍርሒ ይዅን ተስፋ ምቝራጽ ኣይይርአዮን ነይሩ። ንሱ ኣነ ኣብ ዘኢምቹው እዋን ምምጸአይ እዩ ዘጨንቖ እምበር ዓወት ናይና ከም ዝዀነት ኵሉ ግዜ ይነግረና ነይሩ። ከባቢና ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝወደቐ ብ ዕለት 6 ታሕሳስ እዩ። ኵሉ ሰብ ገዝኡ ገዲፉ ክወጽእን ኣብ በረኻ ክሕባእን እንተሎ ኣቦይ ግን “እንተ ደልዮም ኣብ ገዛይ ይቕተሉኒ እምበር ኣይእወጽእን እየ ኣነስ” ኢሉ ኣቕቢጹና ኣብ ገዛ ተሪፉ። ኵሉ ሰብ ናይ ውድብን መግስትን ኣርማታትን ምልክታትን ብሓዊ ከቃጽል እንተሎ ኣቦይ እዚአን ናይ ታሪኽ ውርሻይን መንነተይን እየን ኣየቃጽለንን እየ ኢሉ ኣብዩ። ኣብ ጽኑዕ ቦታ ሓቢአ ከድሕነን እየ ድማ በለ። “ንስኻቱም ዝደለኹምዎ ክትሓስቡን ክትገብሩን ትኽእሉ እይኹም ኣነ ግን ከም ንዕወት ስለ ዝፈልጥ ተስፋ ኣይእቈርጽን፡ተስፋ ዘኢይቘርጽ ሰብ ድማ መንነቱ ኣይየቃጽልን እዩ” ይብለና ነይሩ። ከም እታ ዝበላ ድማ እተን ኣርማ መንነቱ እንተ ኢኣባላሸወን ብኽብሪ ኣብ ጽኑዕ ቦታ ኣቐሚጡወን እዩ።

ኣቦይ ኣብ ግዜ እቲ ውግእ ኣብ ገዛ ገዲፈዮ ክኽየድ እንተለኹ ብጣዕሚ እፈርሕ ነይረ። ሽማግለ እዩ ግን ወያናይ ነበር ስለ ዝዀነ ንጸላኢ ምቅብጣርን ምምብርካኽን ኣይይኽእልን እሞ ገታር መልሲ ምስ መለሰሎም ከኢይቐትሉዎ ስለ ዝእፈርሕ ናብ ገዛ ቀልጢፈ ተመሊሰ ይእልሾ ነይረ። ዕድል ኰይኑ ግን ሽዑ ኣይጐድኡዎን። ብ ዕለት 6ን 7ን ታሕሳስ እታ ቍሸትና ወሪሮም ንብረት እቲ ሕብረተሰብ ወሲዶም፣ ኣቃጺሎምዎን ኣዕንዮምን እዮም። ኣቦይ ሽዑ ኣብ ገዛ እዩ ጸኒሑዎም ነይሩ። ናይ ዓውዲ ዳጕሻ ስለ ዝነበሮ ኣብኡ እዩ ጸኒሑዎም። እቶም ወረርቲ ሰራዊት ብ ደጐል እዮም ዘሊሎም ዝኣተዉ። ምስ ኣተዉ ድማ “ኣቦ ገዛ ክፈቱልና” ኢሎም ኣኽፊቶምዎ። ኣብ ገዛ ዝነበረ ዝኽእሉዎ ንብረት ኵሉ ወሲዶምዎ። ናየይ ክዳውንቲ፣ ጫማታት፣ ላፕቶፕ፣ ቦርሳ ሡባ  እውን እዮም ወሲዶምዎ። ፓስታ፣ ሽኮር፣ ድልኽ ከኢተረፈ እዮም ዘሪፎምዎ። ድሕሪ ስዓት እውን ተመሊሶም ዝተረፈ ንብረት ወሲኾም ወሲዶምዎ።

ኣነ ብዕለት 8 ታሕሳስ ንጕሆ መጺአ “ድሓን ዲኻ ወይስ ጐዲኦምኻ?” ኢለ ሓቲተዮ። ንሱ ድማ ” እንታይ እዚኦም ጠልቋማት ሰረቕቲ እንድዮም፣ ቂንጣሚንጢ ኣቝሑት ክወስዱ እዮም ዘሚቶም” ኢሉኒ። “አረ ድሓን እንኳዕ ንዓኻ ሓደ ነገር ኣይገበሩኻ እምበር ናይ ንብረትስ ባዕሉ ይፈልጥ” በልኩዎ። “ስማዕ እዚኣቶም ተጋደልቲ ኣይኰኑን፣ ናይ መወዳእታ ጥሙያት ሸፋቱ እምበር” ክብል ድማ ወሰኸ። “ክንጐድል እይና ግን ድማ ከም ንዕወት ኣይእጣራጠርን እየ” ድማ በለኒ። እንታይ ማለትካ እዩ ኢለ ድማ ሓተትኩዎ። ” መትከልን ስነ ስርዓትን ዘለዎ ሰብ ወይ ድማ ውድብ ኵሉ ሻዕ ይዕወት፣ እታ ምጕዳል ዝበልኩኻ ድማ ምእንቲ መሰልና ኢልና ስለ ንስዋእ ምጕዳል ናይ ግድን ክህልው እዩ” ክብል ወሰኸ። እንድዒ ኣይእዋንናን ዝመስል ድማ በልኩዎ። ” ዘኢይወግሕ ያ መሲልዋስ ….. ዝብሃል ምስላ ትፈልጥ ዶ” ክብል ሓተተኒ ። ኣነ ድማ እወ እፈልጥ። ኣስዒቡ ድማ: “በል ኣብ’ዛ ቍርጺ እዋን ሸታሕታሕ ምባል ኣይየድልን፤ ኣብ መስመርካ ምጽናዕ፤ ክሳብ መወዳእታ ምቅላስን ምምካትን ጥራሕ እያ እታ እንኮ መማረጺት” ድማ በለኒ። “እንድዒ ወደይ ኣነስ ዋላ እቲ ኵነታት ክርደአኒ ኣይይክኣለን በልኩዎ። “ድሓን ኣጆኻ ቀስ እናበለ ኣንፈት ክሕዝ እዩ” በለኒ።

ናይ ኣቦይ ጽንዓትን ጭካነን የግርመለይ እዩ። ኣብ ከባቢና ባንዳታት ኣለዉ ዝብል ሓሜት ይስማዕ እሞ ናብ ገዛና ገጹ ድማ ይመጽእ እቲ ሓሜት። ን ኣቦይ ወዲ ቀረባ ዘመዱ ባንዳ ኰይኑ ምስ እቶም ሻዕቢያ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል እዩ ነይሩ እቲ ሓሜት። እቲ መንእሰይ ድማ ንገዛና ይመጽ ነይሩ እዩ። ኣቦይ እዚኣ ምስ ሰምዐ ብጣዕሚ ተባሳጭዩ: “ናብ እቶም ናይቲ ከባቢ ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ከይደ ከመልክት እየ” ኢሉኒ። ኣነ ድማ “እንታይ ኢልካ እይኻ ክተመልክት ከ” ኢለዮ።  ” ካብ ርእሰይ ኣውሪደ ኣለኹ፣ ባንዳ ናብ ገዛይ ከኢይመጻአኒ፣ ድሓር ተቐባሊ ባንዳ ኢልኩም ከኢትሓትቱኒ ኢለ ከመልክት እየ” በለኒ። ኣነ ድማ “ዘኢተረጋገጸ ወረ ሒዝካ ምስ ወዲ ሓውካ ክትብኣስ ዲኻ ደሊኻ” ኢለ ይትረፍካ በልኩዎ። ንሱ ግን “ግደፍ ድኣ ንስኻ ናይ ዓድና ጕዳይ ትፈልጦ ነገር የለን፣ ከኢተፈሰወ ኣይይጨኑን፣ ስለዚ ብ ግዜ ከቃልዖ ኣለኒ” በለኒ። ኣነ ድማ እሞ ንወዲ ሓውካ ብ ዘኢተረጋገጸ ጕዳይ ኣሕሊፍካ ክትህውብ? ” ምስ በልኩዎ፣ “ሓሶት እንድሕር ኰይኑ ብእዋኑ ክግለጽ እዩ፣ ፈትሊ ሓቂ እኮ ትቐጥን እምበር ኣይትብጠስን እያ። ስለ እዚ ኣነ ካብ ምምልካት ንድሕሪት ክብል ኣይእኽእልን” በለኒ። ምስ ንእሽተይ ሓወይ ከይዶም ኣመልኪቶም መጺኦም። ምስተ መለሱ “ውድብና ሓቂ ካብ ምዝራብን ሓቂ ካብ ምስራሕን ንድሕሪት ኣይትበሉ ኢላ እያ ምሂራትና ስለ እዚ ክንትግብራ ኣለና፣ ሕውነት ካሊእ ቃልሲ ካሊእ እዩ” ድማ በለኒ። ንሓቂ ኣይይሰግራን ክቡር ኣቦይ።

እቲ “ባንዳ እዩ” ተብሂሉ ዝተሓመየ ዘመድና  ከመይ ኰነ?

ዝገርም እዩ፡ እቲ ናይ ቀረባ ዘመድና ዝዀነ ሰብ ድሕሪ ምሕማዩ ኣነ ብኣካል ረኺበዮ ነይረ። ሓቂ ድዩ ወይ ጌጋ ግዜ ዝፈርዶ ኰይኑ፡ምስ እቶም ሰራዊት ሻዕብያ ተመሓዝዩ እየ ረኺበዮ። ምስ ርአየኒ ቅልጥፍ ኢሉ ጸዊዑ “ዝስተ ክጋብዘካ ኣለኒ” ኢሉ ምስኡ ኮፍ ኣበለኒ። ኣነ ኵነታቱ ንከጽንዕ ሓሳብ ስለ ዝነበረኒ፣ ሽዑ ንሽዑ እየ ክዕዘቦ ዝጀመርኩ። ዘጣራጥሩ ምልክታት ድሚ ተዓዚበ። ንበይኑ ፈልየ ድማ ክሓቶ ወሰንኩ። “ኣብ ዝዀነ ቦታ በጺሐ ክምለስ እየ” ኢለዮ በጺሐ ተመለስኩ። “ንገዛይ ክኸይድ እየ እሞ ኣፋንወኒ” ኢለ ካብ እቶም ሰራዊት ሻዕቢያ ፍንትት ኢልና ደው በልና።

ኣነ፡ “ስማዕ! ብዛዕባኻ ሕማቓት ነገራት ይውረ ኣሎ፣ ሰሚዕኻዮ ዶ?”
ንሱ፡ ድንግጽ ኢሉ፣ “እንታይ እዩ ኣይሰማዕኹዎን።”
ኣነ፥ “ምስ ጸላኢ ወጊኑ እዩ” ዝብል እዩ ብሓጺሩ።

ኣነ “እወ” ወይ “ጌጋ እዩ” ዝብል መልሲ ኣይኰንኩን ካባኻ ዝእጽበይ። ሓቂ እንተዀይኑ እውን ባዕሎም እቶም እንዳ ሻዕብያ ተጠቒሞም ከጥፍኡኻ እዮም። ጌጋ እንተዀይኑ ድማ እቶም ናያትና ከጥፉኡኻ እዮም። ኣነ ዝመኽረካ ቀልጢፍካ ናብ እቶም ናያትና ከዪድካ ይቕሬታ ጠይቕ ካብኡ ድማ ተቓለስ” ኢለዮ። ምንም ኣይመለሰለይን፣ ርእሱ ኣድኒኑ ስቕ በለ። “ቤተሰብ ከኢተሕዝን ቀልጢፍካ ወስን፡ እነግረካ ኣለኹ” ኢለዮ ተፋላሊና። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ እዚ ኵነታት ኣጋጢሙ።

ንኻልኣይ ግዜ ካብ ዕለት 27-30 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ውግእ እውን ኣቦይ ካብ ገዛ ኣይእወጽእን ኢሉ ኣብኣ እዩ ጸኒሑ። ግን ኣነ ቀዲመ ንገዛ ስለ ዝመጻእኹ ንኣይ እዮም ኣብ ገዛ ረኺቦምኒ። ኣቦይ ግን ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ናይ እንዳሓፍተይ ገዛ ክርኢ ወጺኡ ስለ ዝነበረ ኣብ ገዛና ኣይረኸዎን።

ኣቦይ ከም እቶም ኵሎም ነባራት ወየንቲ ትግራይን ኣባል ባይቶታትን ጅግና እዩ ነይሩ። ኣነ ብ ዕለት 9 ጥሪ ኣቦይን ኵሎም ቤተሰበይን ብሰላምን ብዓወትን የራኽበና ኢሎዮም ተፋላሊና። ኣብ ከባቢና ሓለሓሊፉ ስልኪ ኣብ ዝሰረሐሉ እዋን ባዕሉ ኣቦይ እዩ ዝድውለለይ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ድማ ብዛዕባይ እምበር ንሳቶም ዘለዉሉ ኵነታት ኣይየጨንቖን ነይሩ። ኣነ ብዛዕብኦም እጭነቕ ንሳቶም ድማ ብዛዕባይ ይጭነቑ። ኣብ ዝድውለለይ እዋን “ንሕና ብዘይካ ናትካ ሻቕሎት ድሓን እይና ዘለና፣ንስኻ ዓዲ ጓና በይንኻ እንታይ ከም ዝትዀን የሰክፈና እዩ፣ ንሕና ግን ኣብ ዓድናን ምስ ህዝብናን ስለ ዝዀንና ንኽእሎ እይና” ይብለኒ ነይሩ። ” ምስ ሃገርካ ያ ምዓትስ ዳርጋ ግዓት” እናበለ ኣነ ከኢእስከፍን ከኢእሻቐልን የዳዓዕሰኒ ነይሩ።


ምስ ኣቦይ ካብ ባሕቲ ጕንበት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢልና እይና ብስልኪ ተራኺብና ነይርና። ስግኣት ነይሩዎ ግን ኣብ ርእሱ ከኢየጋጥሞ ኣይኰነንን ነይሩ እቲ ስግኣቱ። ሻዕብያ ኣብ ኵሉ ገጣራት ኣድያቦ ኣትዩ  በዝሖም ካብ 6 ክሳብ 7 ዝዀኑ ሽማግለታት ምረጹ ኢሉ ኣገዲዱ የምርጽ ነይሩ። ኣብ ቍሸትና እውን ብተማሳሳሊ መንገዲ ኣገዲዱ  6 ሽማግለታት ኣምሪጹ እዩ። ካብ ’እቶም 6 እቲ ሓደ ኣቦይ እዩ ነይሩ። እቲ ካልኣይ እውን ወዲ ኣሙኡ እዩ ነይሩ። ኣነ ተመሪጹ ምስ ሰማዕኹ ተሻቒለ ደዊለሉ ነይረ። እንታይ እየ እሰምዕ ዘለኹ፣ ከመይ ገይርኩም እይኹም ምስ ጸላኢ ክትሰርሑ ኢለ ድማ ሓቲተዮ። “ድሓን እቲ ንገብሮ ንሕና ንፈልጦ” ኢሉ መሊሱለይ። ኣነ ግን ደስ ኣይበለንን። “እንታይ እይኹም ክትሰርሑ፣ ከመይ ገይርኩም እይኹም ምስ እቲ ማሕበረሰብ ክትረዳድኡ? ” “ንሕና እቲ ማሕበረሰብና እንድዩ መሪጹና ማሕበረሰብና ዘኢይደልዮን ዝጐድኦን ነገር ኣይንሰርሕን፣ ነቲ ቃልስና ዝጐድእን ዝኽሕድን ነገር እውን ኣይንገብርን ኣጆኻ ኣይትስጋእ” ኢሉኒ። ብ ምስላ ምግላጽ ስለ ዝቐልሎ ድማ ከም እዙይ ኢሉኒ ” ንፋለጥ እሞ ንማለጥ! ኣነ ሞት እመርጽ ካብ ብልበይ ምስ እዞም ግፍዐኛታት ምስራሕ” ኢሉኒ።

ብዛዕባ ናይ ኣቦይ ኣብ እቲ ሽምግልና ምስታፍ ካልኦት ሰባት እውን ኣማኺረ ነይረ። “ኣታ ንዓዲ ዝጐድእስ ኣይይሰርሑን እዮም ግን ኣቦኻ ድርቅና ኣላቶም ምስ እቶም ሻዕብያ ከኢተጋጭዎም ንፈርሕ እይና” ኢሉኒ ሓደ ሰብ። ከም እታ ዝበልዋ ድማ “ወዲ ጓልካ ምልሻ እዩ ኣምጻእዮ እንተዘኢኰይኑ ድማ ስጕምቲ ክንወስድ እይና” ኢሎምዎ። ኣቦይ ደዊሉ ንዓይ ከም እዙይ በለኒ “ ሰብኣይ ሓፍትኻን እቲ ዕድመ ዘኢኣኸለ ወዲ ሓፍኻን ኣሲሮምዎም፣ ናይ እቲ ወዲ ጓለይ ገዛ ድማ ኣቃጺሎምዎ”። ወዲ ሓፍተይ ኣባል እቲ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ግን ሓሚሙ ዕጥቁ ንሰራዊት ኣረኪቡ ኣብ በረኻ ደቂሱ ክሳብ ዝሓውይ ይጽበ ነይሩ። ምሳይ ጥራሕ እዩ ብስልኪ ይራኸብ ነይሩ። ኣነ ድዊለ ኣቡኡን ሓዉን ከም ዝተኣሰሩን ገዝኡ ድማ ከም ዘቃጸሉዎን ነጊረዮ። እንታይ ምግባር ከም ዝሕየሽ ድማ ተማኻኺርና። ቝሩብ ሕይሽ ኢሉዎ ስለ ዝነበረ፣ ከይዱ ኣቡኡን ሓዉን ከፍትሖም ተሰማዕሚዕና። ናብ ኣቦይ ከይዱ “ውሰደኒ ናብ እቶም ሻዕብያ” ኢሉዎ። ብሓደ ከይዶም። ብረቱ ንግዚኡ ምስ ሰራዊት ገዲፉዋ እዩ ከይዱ ነይሩ። ከም ዕድል ኰይኑ ድማ ኣቡኡን ሓዉን ኣፍቲሑ ብሓባር ንገዝኦም ተመሊሶም። ምስ ተመለሱ ድማ ካብ ሕማሙ ስለ ዝሓወየ ናብ ሰራዊቱ ኣብ ሳልስቱ ተመሊሱ ተጸንቢሩ።

ኣቦይ ንሰራዊት ሻዕብያ ካብ ምስራሕ ሞት ይሕየሽ ኢሉኒ ነይሩ። ከምታ ዝበላ ድማ ክጸዓዶም/ክእዘዞም ስለ ዘኢክኣለ ኣብ ትሕቲ ስለየኦም ከእትውዎ ከም ዝኽእሉ ጥርጥር የብለይን። ኣዝማዱን ደቂ ደቁን ናብ ሜዳ ምውራድ ቀጺሎም። ምስ ሰራዊት ትግራይ ብሕቡእ ከም ዝሰርሕ እውን ዝተጠራጠሩ ይመሰሉ እንዳ ሻዕብያ። ግን እንተ ሰርሐ እውን ዝተቐደሰ ተግባር እዩ። ዕድመ ልክዑ እውን ተቓላሳይን መቃለሳይን እዩ ነይሩ።

                                      ፍጻመ ፍርቂ ለይቲ ባሕቲ ጕንበት

ኣቦይ ባሕቲ ጕንበት ሸራሮ ውዒሉ ብግዜ ገዝኡ ኣትዩ፣ ድራር በሊዑ “ሰላም ዘውዓልካ ፈጣሪ ሰላም ኣሕድረና” ኢሉ ኣብ እታ ማሙቕ ገዝኡ ደቂሱ። ግን እቶም ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝዀኑ ወረርቲ ሓይልታት ናይ ህዝብና ሞራል ንምስባር ካብ ዝገብሩዎም ጻዕርታት እቲ ሓደ ነባራት ወየንትን ተቓለስትን ምጽናት ስለ ዝዀነ ነቦይ እውን ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ መዝገቦም ግዲ ነይሩ፣ ከውታ ለይቲ ስዓት 6:00 ብ ደጎል ዘሊሎም ብምእታው መንገዲ ሓብረና ኢሎም ካብ ምድቃሱ ኣበራቢሮም ኣተሲኦምዎ።

እቶም ግፍዐኛታት ኣርባዕተ እዮም ነይሮም። እቶም ክልተ ብደጎል ዘሊሎም ኣትዮም፡ ብሽሙ ጸዊዖም ካብ ምድቃሱ ክትስእ ገበሩዎ።

ቃል ኣቦይ፡ “መን እይኻ?፣ እንታይ ዝዀንኩም እይኹም?”

ንሳቶም፡ “ዕጡቓት እይና፣ ግን ኣይትፈልጡናን። መንገዲ ክትሕብሩና እይና ደሊናኩም።”

ቃል ኣቦይ፡ “መንገዲ ድኣ ከመይ ገይረ ብለይቲ ክሕብረኩም ደሊኹም? ኣነ እዋን ሕላፍ እዩ ኣይእወጽእን።”

ንሳቶም፡ “ንዑ ደኣ ውጽኡ ንደልየኩም እይና፣ ኣብ ደገ እውን ሓለፍትና ይጽበይኹም ኣለዉ እዮም።”

ቃል ኣቦይ፡ “እንታይ እይኹም ደሊኹምኒ? መንነትኩም እኳ ዘኢነገርኩምኒ፣ ከመይ ገይረ እየ ክኣምነኩም?”

ንሳቶም፡ ሓይሊ ቃል ተጠቒሞም “ግዜ እንዶ ኣይትብሉዑልና ንዑ ውጽኡ።”

ቃል ኣቦይ፡ “እህ! ሕራይ በሉ መጻእኹ።”


ናብ ውሽጢ ገዛ እትዩ ኣብ ጁባ ስርኡ ዝነበረ ገንዘብ ኣቐሚጡ ላምባዲና ሒዙ ወጺኡ።

ንሳቶም፡ “መብራህቲ ምብራህ ኣይይፍቀድን፣ ኣጥፍኡዎ።”

ካብ መረባ ምስ ወጽኡ ን እቲ ዝርርብ ዝሰምዕ ዝነበረ ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ወዲ ሓፍተይ ደድሕሪኦም ክኽተሎም ጀመረ። ተመለስ ኢሎም ኣፈራሪሖም ግን ክምለስ ገይሮምዎ። ድሕሪኡ ዝተፈጠረ ነገር ግን እቲ መሕዘንን መደንገጽን ፍጻመ እዩ። ካብ ገዛ ኣስታት 300 ሜትሮ ወሲዶም ንኣቦይ ወላድየይ ረሸኑዎ።   

መስዋእቲ  ኣቦይ ከም እቲ  መስዋእቲ ኵሎም/ኵለን ተጋሩ እዩ። ናኣና ካብ ምዕባይ ጀሚሩ ንቓልሲ ህዝቢ እውን ዝክኣሎ ኵሉ ገይሩ እዩ ብኽብሪ ተሰዊኡ። ኵሉ ሻዕ ኣብ ሕሊናይ ዝመላለሳ ሕቶታት ግን ድቃስ ከሊአናኒ  ኣለዋ።

እተን ሕቶታት፣ ኣብ እታ ቍርጺ ስዓት፡ “እንታይ ኢሎም ኣጨኒቖምዎ ይዀኑ? እንታይ ከ ኢሉዎም ይዀን? ረዳኢ ስኢኑ ብቕጽበት ኣሸኒፎምዎ? ዕድል እንተዝረክብ ከ እንታይ ኰን ክብል ይነብር? ዓሕ ዋይ ኣነ!  ኣቦይ እናበልኩ ድየ ክነብር? 

ኣቦይ ስሓቒ፣ተጻዋታይ፣ ቀላድን ወትሩ ሕጕስን እዩ ነይሩ። ኣብ መበል 78 ዓመቱ ድማ ብመስዋእቲ ካብ ጎንና ተፈልዩ። ብ ስጋ ይፈለይ እምበር ብ መንፈስ ግን ኵሉ ግዜ ምሳና እዩ ክነብር። ብ ፍላይ በቲ ንሱ ዝፍለጠሉ፡ ሓቦ፣ ሓቂ፣ ጅግንነትን ለዋህነትን ኵሉ ግዜ ኣብ ልብና ክነብር እዩ።
       ኣኸለ! ብሰላም ዕረፍ ኣያይ!! እፈትወካ እየ!! ከምታ ዝበልካኒ “ሸታሕታሕ የላን ክንዕወት እይና!”።

‹‹እንትትዛረቦ ስቓይ ቀሊል እዩ
ዘኢይሓልፍ የለን ሓላፋይ እዩ››

ነፍሰሄር ኣርቲስት ኪሮስ ኣለማየሁ


መብርሂ ኣርታዒ፦ እዚ ፅሑፍ፡ ብ ምኽንያት ስግኣት፡ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ፥ ብ ኣካል ብ ዝተሰፈ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ፅሑፍ፦ ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም፥ ካልኣይ ክፋል ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ?፥ ሳልሳይ ክፋል  ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን፥ ራብዓይ ክፋል ክዓ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን፥ ሓምሻይ ክፋል ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥ ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን

6 ፅሑፋት ናብ ትግሃት ብ ምልኣኽ ኣሐቲሙ። መበል ሓምሸይቲ ፅሑፉ (ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥ ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን) እናኣረምና እናሃለውና፥ ዜና መርሸንቲ ኣቡኡ ሰሚዑ። እዛ ስለ መርሸንቲ ኣቡኡ ዝተዘንትው ፅሑፍ እናኣረምና ኣናሃለውና ክዓ ባዕሉ ምእሳሩ ሰሚዕና ኣለና። መሕዘኒ እዩ! መወጻጽእ ክይፈጥረሉ ንምነይ!

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT