ትዕዝብቲ

ማእለያ ዘየብሉ ጸገም ተጋሩ ኣብ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ጅቡቲ (1)

Published

on

ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ መደብ ዘርኢ ምጽናት ስዒቡ፡  ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኵሉ ኵርናዕ ዓለም ኰይኑ እውን ኣይጠዓሞን። ኣብ ትግራይ ዘሎ፡  ጸላእትና ብቐጥታ  ብዝኣጐዱዎ ባርዕ ውግእን ጥምየትን ይሳቐይ ኣሎ፤ ኣብ እተን ዴሞክራሳውያን ዝብሃላ ዓድታት ዘሎ ህዝብና እውን እንተዀነ ሕድሕዱ ስቓይን ሞትን ሓዉ፣ ሓፍቱ፣ወለዱ፣ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ፣ ብሓፈሻ ድማ ትግራይ ስለ ዘሕምሞን ስለ ዘሳቕዮን ኣይቀሰነን። ካብ ትግራይ ወጻኢ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ትግራዋይ ድማ ዳርጋ ማዕረ ከም እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ትግራዋይ ግፍዒ ይፍጸሞ ኣሎ። ኣብ ጅቡቲ ዝነብር ይዅን ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ዘርኢ ምጽናት ብዝተፋላለየ ምኽንያትን መንገድን ሂወቱ ከድሕን ናብ ጅቡቱ ዝኣተወ ትግራዋይ ዳርጋ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ትግራዋይ እዩ ከፊእዎ ዘሎ። መኽንያቱ ድማ ናይ ጅቡቲ መንግስቲ ካብ ናይ ኣብይ ኣሕመድ መንግስቲ ቀጥታዊ ትእዛዝ ብምቕባል ኣብ ልዕሊ ትጋሩ ብዝፈጠሮ ተጽዕኖ እዩ።

ኣብ ጅቡቲ ካብ ዘለዋ መዕቘቢ ስደተኛታት ዓሊ ዓደህ፣ ማርካዚን ሆልሆልን ተጠቀስቲ እየን። መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ካብ ዝምስረት ዳርጋ 10 ዓመታት ዘቝጸረ መዕቘቢ ስደተኛታት ኰይኑ፣ መጀመርታ ንሶማላውያን ስደተኛታት ተባሂሉ እዩ ተመስሪቱ። ድሕሪ ግዘ ድማ ኤረትራውያን እውን ክየዕቝቡሉ ጀሚሮም፣ ካብ 5 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ተጋሩ ተወሲኾምዎ ይርከቡ። መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ዋና ጅቡቲ (Mainland Djibouti) መንገዲ ክልተ ስዓት  ብ መኪና እዩ ዝርሕቕ።  እቲ መንገዲ ድማ ጸርጸር እዩ። ሆልሆል ናብ ናይ ኢትዮጵያ ዶብ ኣዝዩ ዝቐረበ እንትዀን፣ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝኣትው መንገዲ ባቡር ድማ ብጎኑ ዝሓልፍ ኰይኑ ርሕቐቱ ብግምት ካብ 0.5 ኪሎ ሜትር ክሳብ 1 ኪሎሜትር ይዀን። ካብቲ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ን ኣንፈት ሰሜን፡  ኣብ ቀረባ ርሕቐት ድማ መዋፈሪ/ካምፕ ሰራዊት ጅቡቲ ኣሎ፤ ርሕቐቱ ካብ 1 ኪሎሜትር ኣይይበልጽን፣ ብቐጻሊ ድማ ናይ ኣየርን ናይ ምድርን ልምምድ ዝግበረሉ መዋፈሪ እዩ። እዙይ ድማ ብውግእ ሉ ነገሩ ስኢኑ ንዝመጽአ ህዝቢ ካልእ መዓልታዊ ስንባደ እዩ ዝፈጥረሉ፤ ለይትን ንጕሆን መብዛሕትኡ ግዘ ሓያል ተዅሲ እዩ ዝስማዕ የደንግጸካ እውን እዩ። ናይቲ ሰራዊት መኻይን እውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ በቲ መዕቘቢ ስደተኛታት ቈሪጸን እየን ዝሓልፋ።

ወታደራት ጅቡቲ ለይቲ ናብ መዕቘቢና ይኣትዉ ነይሮም። 

በሪሁ: እቲ ካምፕ ሰራዊት  ኣብ እቲ ማዕዶ እንድዩ እኒሀ፣ ካብኡ እናመጽኡ ለይቲ ብድቁስና ናብዚ መዕቘቢ ማእኸልና ይመጽኡ ነይሮም። ለይቲ ሰዓት ሸውዓተ እዮም ዝመጽኡ፣ ንስንብድ ግን ድማ ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን።

ኣነ: ንምታይ እዮም ዝመጽኡ? እንታይ ከ ይብሉኹም ?

በሪሁ: ዓው ኢሎም ነንባዕሎም ይዛራረቡ፣ ነቲ መዕቘቢ ይዘሩዎ ካብኡ ወጺኦም ይኽየዱ። ንኣና ንምፍርራሕ እዮም ዝመጽኡ ይመስለኒ። በቃ ኵሉ ግዘ ምስ ፈራሕና እይና።

እዞም ኣብ ላዕላይ ዝተጠቐሱ ባህርያት ስደተኛታት  እቲ መዕቘቢ ኣብ ግምት እንትኣትዉ፡ ትግራዋይ ስደተኛ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ኣይኰነን፣ መዓልታዊ ምስ ፈርሐን ምስ ተሸቝረረን እዩ። ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ 2021 ዓምፈ፡  መንግስቲ ጅቡቲ ንልዕሊ 15 ዓመታት ብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበሩ   ዝርከብዎም  ስደተኛታትን ብዕሊ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ውሂቡ ንኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተሳቐዩ ዓለም ዝፈለጦ ሓቂ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ሚድዩኡ ነቶም ብመንግስቲ ጅቡቲ ተማሓላሊፎም ዝተዋሃቡዎ ስድተኛታት ተጋሩ ኣሸበርቲ ሒዘ ዝብል ሰበር ዜና ከም ዝሰረሐሉ ይዝከር። ዩኤንኤችሲኣር እውን ድሒሩ እኳ እንተዀነ ነቲ ናይ መንግስቲ ጅቡቲ ተግባር ዝየወግዝ መግለጺ “ጁን” 7/2021 ካብ ናይሮቢ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ተጋሩን ዝቐየሮ መርገጺ ዘሎ ኣይይመስልን።  ዋላ እኳ ብዕሊ ናብ ሚድያ ወጺኡ ህዝቢ እንተዘኢፈለጦ ውሽጢ ውሽጢ ብስዉር ግን ተጋሩ ምጭዋይን ናብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ምውሳድን ደው ኣየበለን። ብ ዘኢምቍራጽ ትግራዋይ ዝበጽሖ ስቓይ ይቕጽል እዩ ዘሎ።  ትግራዋይ ኣብ ጅቡቲ ኰይኑ ብዛዕባ ጉዳይ ትግራይን ክዛረብ ኣይይኽእልን፣ ኣብ መዕቘቢ ዝውሃቦ ክንክን እውን ዝሓሰመ እዩ። ብዛዕባ ጸገምን ድሕንነትን ትግራዋይ ኣብ ጅቡቲ ዝተዛረቡ ስደተኛታት ካብ ቢሮ ዩኤንኤችሲኣር  ብኦናርስን ፖሊስ ጅቡትን ተባሪሮም እንትወጹጽኡ ተወከልትን ሓለፍትን ዩኤንኤችሲኣር  ክከላኸሉሎምን ከድሕኑዎምን ኣይክኣሉን። ንኣብነት ሓደ ገብረጅወርግስ ገብረሚካኤል ዝተባሃለ ትግራዋይ ስደተኛ ብዛዕባ እቶም ተጋሩ ናይ ትራንስ ኢትዮጵያ ሹፌራት ንሚድያ ድሚጹ ስለ ዘስመዐ ካብ ፖሊስ ጅቡትን ኢምባሲ ኢትዮጵያን ብዙሕ ምፍርራሕን ምንግልታዕን ክሳብ ናብቲ መዕቘቢ ስደተኛታት ምእታው ምእጋድ እውን በጺሑ ነይሩ እዩ፣ ሕጂ እውን ኣቶ ገብረጅወርግስ ኣብ ልዑል ስግኣት እዩ ዝርከብ።

ኣቶ ገብረጅወርግስ: “ኣነ እውን ካብ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተወሲዶም ክእሰሩ ተዘርዚሮም ዝነበሩ ሰባት ሓደ እየ ነይረ፣ ተሓቢአ ድማ ኣምሊጠ። ክሳብ ሕጂ እውን እንተዀነ ይካታተሉኒ እዮም ዘለዉ፣ ካብ ቢሮ ዩኤንኤችሲኣር  ጅቡቲ እውን ብፖሊስ ተባሪረ ወጺአ እየ። እቶም ተወከልቲ ናይ ዩኤንኤችሲኣር  ከናግፉኒ ኣይክኣሉን እኳ ድኣስ ተሓባበርቶም እዮም ዝመስሉ ዝነበሩ። ክሳብ ሕጂ ካብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ዝካታተሉኒ ሰባት ኣለዉ እዮም፣ ኣብ ስግኣት እየ ዝነብር ዘለኹ” ይብል።

ኣብ ጅቡቲ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስለልቲ ብዙሓት እዮም፣ ኣብቲ መዕቘቢ ስደተኛታት ከኢተረፈ እውን ኣለዉ እዮም ዝብሃሉ። ናይ እዞም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሰለልቲ ዋና ስራሕ ድማ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ናብ ጅቡቲ ክኣትዉ ከለዉ ምክታትልን ንመንግስቲ ጅቡትን ኢትዮጵያን ሪፖርት ምግባርን፣ ጽቡቕ ንግዲ ዝነግዱ ተጋሩ ምክትታልን ስርሖም ጠጠው ከብሉ ምግባርን፣ ተጋሩ ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን እንታይ ይብሉ ዝብል ምክትታል፣ ተጋሩ ናይ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምኽያድ ዕድል ከኢይዋሃቦም ምትዕንቓፍ፣ ናብ መዕቘቢ ስደተኛ ዝኣትዉ ተጋሩ ብፍሉይ ክምርመሩ ኣብ ምግባር ዓብዪ ተራ ምጽዋትን ዝኣምሰሉ ስራሕቲ እዮም ዝሰርሑ።

ፖላዊስ ጅቡቲ ቍጽሪ ሰሌዳ ዘየብላ መኪና ገይሮም ካብ መዐ

እዞም ምስ መንግስቲ ጅቡቲ ዝሰርሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ትግራዋይ ኣብ ጅቡቲ ከኢይቐስን ይገብሩ እሞ፣ ቀጺሎም ድማ ንኢትዮጵያ ተመሊሱ ክኣትው፣ ኣብኡ ድማ ሓሳረ መከርኡ ክበልዕ ወይ ድማ ደሊሎም ናብ የመን ክጠፍእ እዮም ዝገብሩ። ዋና ስርሖም ድማ ደቂ ኣነስትዮን መናእሰይን እናረኸቡ ኣብ ዘኢየቋርጽ ናይ ስደት ማዕበል ክኣትዉ ምግባር እዩ።  ኣብ ሕድሕድ መዓልቲ ካብ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ዝጠፍእ ትግራዋይ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፣ ናበይ እዩ ዝኸድ ዘሎ ኢልካ ምስ ትሓትት ድማ እንድዒ እዮም ዝብሉኻ፣ ግን ብሕሱም ጥምየትን ስግኣትን እዩ ካብቲ መዕቘቢ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዘሎ። ገሊኡ ድማ ብኢምባሲ ኢትዮጵያን ፖሊስ ጅቡትን ተዓፊኑ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዝብል ቀሊል ዘኢዀነ ግምት እውን ኣሎ። ካልእ ይትረፍ ሓደ ሓደ ኣብ ደገ ቤተሰብ ዘለዎ ሰብ ገንዘብ ተላኢኹሉ ከውጽእ ናብ ከተማ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብናይ ጅቡቲ ፖሊስን ድሕንነትን ይእሰርን ገንዘቡ ይሕደግን።  ናይ ስደትኛ መታወቅያ እናሃለወካ እዮም ዝኣስሩኻን ገንዘብካ ዝወርሱኻን። ኣብ ጁባኻ ዘሎ ገንዘብ ዉሑድ እንተዀይኑ ድማ ናይ ስደተኛ መታወቅያኻ ሒዞም ኪድ ገንዘብ ኣምጽእ እሞ መታወቅያኻ ውሰዶ ይብሉኻ። ኣመና እዩ ልብኻ ዝሰብር። ንዝልዓለ ሕክምና ሪፈር ተባሂሉ ናብ ከተማ ጅቡቲ ዝኽየድ ስደተኛ ትግራዋይ እውን ይእሰርን ገንዘቡ ይሕደግን እዩ ዘሎ። እታ ናይ ስደተኛ ካርዲ ክተድሕኖ ዘኢዀነትስ ነታ ካርዲ ንምድሓን ገንዘብ ይኸፍለላ ኣሎ። ትግራዋይ ኢኻ ንኢትዮጵያ ክንመልሰካ እይና፥  ካብ ምምላስ ንምድሓን ገንዘብ ኣምጽእ ይብሉኻ።  እታ ካርዲ ድማ ገንዘብ ክሳብ ተምጽእ ከም ትሕጃ ምስኦም ይሕዙዋ። ከም እዙይ ዓይነት ጠላዕ እዩ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ይጽወት ዘሎ። 2022 ካብ ዝኣተወሉ ጅሚሩ ድማ እቲ ካብ መዕቘቢ ወጺእኻ ምጥፋእ እናወሰኸ እዩ ይኽየድ ዘሎ። ምኽንያቱ ድማ ብዕሊ ኣይይዅን እምበር ኣብ 2022 ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ናባ ካልእ ዓዲ ናይ ምኽያድ ዕድል ኣይይውሃቦምን ዝብል ሕማቕ ዜና ብምንፋሱ እዩ። እዚ ዜና ንዅሉ ትግራዋይ እዩ ጸልዩዎ ዝርከብ።  ተስፋ ናብ ምቝራጽ ዝኣተወ ድማ ይመስል። ካብ መጀመርትኡ እኳ ናይ ትግራዋይ ሕልሚ ናብ ርሑቕ ተሰዲድካ ምኽያድ እንተ ዘኢዀነ ኣብ ጅቡቲ ምጽናሕ ግን ኣዝዩ ኸቢዱዎ እዩ ዝርከብ።  ከኢፈተወ ድማ ናብ ካልእ ርሑቕ ዓዲ ምስዳድ ከም መማረጺ ክወስዶ ጀሚሩ ኣሎ። ናይ ኵሉ ትግራዋይ ድልየትን ሕልምን ግን ትግራይ ሰላም ኰይና ናብ ዓዱ ምምላስ እዩ ግን ኣብታ ንግዚኡ ዘጽለላ ዓዲ ሰላምን ቅሳነትን እንተ ዘኢረኺቡ እንታይ ክገብር ይኽእል? ህዝብና ዘርሞዘርሞ ይጠፍእ ኣሎ፣ ዓገብ ናይ ኣፍሪካ ሃገራት፣ ዓገብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ።  ልቢ ግበር!

ጥምየትን ሕማምን ኣብ ሆልሆል

ኣብ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል  ንተጋሩ ዝውሃም ናይ ወርሒ ቀለብ ትዅረት ዝስሕብ እዩ፣   ዩኤንኤችሲኣርን ክልኦት መዳርግቲ ትካላትን ዓርሶም ክፍትሹ ዝገብር ተግባር እዩ ኢለ እኣምን። ከመይ ድዩ? ብሓቂ ድዩ እቲ ስታንዳርድ እዙይ? ኢለ ክሓትት ዝገበረኒ ናይ ሬሽን (ቀለብ) ኣዋሃህቦ እየ ዝዕዘብ ዘለኹ። ንሓደ ሰብ ዝውሃብ ወርሓዊ ቀለብ ከም እዚ ዝስዕብ ይመስል:

ሕሩጭ ፊኖ: 6 ኪሎ ግራም

ዘይቲ: 1 ሊትር

ዓተር: 1 ኪሎ ግራም

ገንዘብ: 1100 DJF (ናይ ጅቡቲ ፍራንክ) ወይ ድማ $6.21።

እሞ ብዘን ትካቦ ቀለብ ኣብ እዚ ሓያል ሃሩርን በረኻን ዝዀነ ቦታ ሓደ ሰብ ኣይኰነን ዶ ወርሕስ ሰለስተ መዓልቲ ዶ ክጸንሕ ይኽእል? ፈጺሙ ዘኢፍትሓውን ትግራዋይ ኣብ እዙይ ጸኒሑ ንዓዱ ከኢይምለስ ዝግበር ሽርሒ እዩ ዝመስል። ጸርጸር ኢሉ ድማ ናብ ዝገደደ ደልሃመት ዘእትው መስርሕ እዩ።  ጸርጸር ኢሉ እውን ይጠፍእ ኣሎ። ኣብ ሆልሆል ዝርከብ ስደተኛ ትግራዋይ ገሊኡ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማሰርቲ ዝጸንሐ፣ ገሊኡ ካብ ስርሑ ተኣጊዱ ጥራሕ ኢዱ ዝመጽአ፣ ገሊኡ ቤተሰቡን ገዝኡን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስኢኑ መማረጺ ብምስኣኑ ዘዕቘበ እዩ። ስለዚ ምንም ገንዘብ ይዅን ካልእ ሃፍቲ ዘየብሉ ዕለታዊ ምግቢ ካብ ኢድ ዩኤንኤችሲኣር ዝጽበ እዩ። ትግራዋይ ካብ መዕቘቢ ሆልሆል ዝገድድ ነገር የለን ብምባል ሃጽ ኢሉ ዝጠፍአሉ መኽንያት እምበኣር እቲ ሓደ ጥምየት እዩ። እዙይ ድማ ኰነ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ እዩ ዝመስል። ብምኽንያት ጥምየትን ጭንቅን ድማ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ መዕቘቢ ሆልሆል ብሕማም ይሳቐይ ኣሎ። መብዛሕትኡ እንትምርመር ናይ ደም ዋሕዲ ኣለካ እዩ ዝባሃል። እቲ ኣብ ሆልሆል ዝርከብ ናይ ዩኤንኤችሲኣር ሕክምና ዳርጋ ጥርሑ እዩ። ንኹሉ ዓይነት ጸገም ድማ ናብ ዓሊ ሰቢሕ ሪፈር ይጻሓፍ።  ዓሊ ሰቢሕ ድማ ናብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል እዩ ዝስድድ። እቲ ዝገርም እቲ ሪፈራል ሆስፒታል ድማ ካብቲ ዝመጻእኻሉ ጣብያ ጥዕና ናይ ደም ላብራቶሪ ኣስሪሕኻ ንዓ ኢሉ ናይ ሰሙን ወይ ድማ ክልተ ሰሙን ቈጸሮ ውሂቡ ይምልሰካ። ክትማላለስ ድማ ሕማምካ ይገደካ። ናይ ደም ላብራቶሪ ዘኢይሰርሕ ድዩ ሪፈራል ሆስፒታል ተባሂሉ? መድሓኒት ካብ ፋርማሲ ግዝኡ ተባሂሎም ዝገዝኡ ድማ ሒሳቦም ኣይይዋራረደሎምን። በጀት የለን እዩ እቲ መልሲ።

ምስ ሓደ ክልተ ተጋሩ ስደተኛታት ብዛዕባ ቍርሲ ምሳሕን ድራርን ከነውግዕ ከለና ዝነገሩኒ ክጠቅስ:

መርሃዊ፦ ኣብ ማዓልቲ ሓንቲ ግዘ ጥራሕ በሊዐ ዝውዕለሉ እዋን ኣሎ፣ ንኣብነት ትማሊ ክንራኸብ ከለና ቍርሲ ኣይበላዕኹን ነይረ። ምሳሕ ምስቶም ዝርአኻዮም ሰባት ሓቢረ በሊዐ።  ምሳሕ ኣርፊደ ምብለዐይ ድማ ጠቒሙኒ ድራር ዘሊለያ። በቃ መብዛሕትኡ ግዘ ምሳሕ ጥራሕ እየ ዝበልዕ፣ ሂወት ድዩ ክብሃል እዙይ? ጋዶ እዩ እኮ።

ኣነ፦ ስማዕ እንዶ መርሃዊ ኣብ ማዓልቲ ሓንቲ ግዘ ምግቢ በሊዕና ደኣሞ ከመይ ገይርና እይና ክንቅጽል?

መርሃዊ፦ ንዘኢይምሟት እኮ እይና ንነብር ዘለና፣ ንምታይ ድዩ ደኣ መብዛሕትኡ ካብ ዙይ እናጠፍአ ይኽየድ ዘሎ? ካብ እዙይ ዝገድድ ጥምየትን መከራን የለን ስለ ዝብል እኮ እዩ።

መርሃዊ፦ ስማዕ ኣብ እዙይ ስቕ ትብል እንድሕር ኰይንካ ክትጕዳእ እይኻ። ኣብ ዝረኸብካዮን ናዓ ብላዕ ኣብ ዝተብሃልካዮን እዩ ዝብላዕ ሕራይ። ዕድለኛታት እንተዀይንና ቍርሲ ጽቡቕ ገይርና ንበልዕ።  ምሳሕ ንሰግራ፤  ድራር ድማ ሓደ ክልተ ኵላሶ ንዅልስ።  በቃ እዚኣ እያ እታ ዝሕየሸት ሂወት ትብሃል ኣብ እዙይ። ቍርሲ በሊዑ፥  ምሳሕ ዝደግም ሰብ የለን።  ኣብ እዙይ ቍርሲ፥ ምሳሕ፥ ድራር ምብላዕ ከኢትለምድ፥  ቀለብ የለን። ዓርስኻ ንምጥማይ ኣዳልው፣ ካብኡ ክትለምዶ እይኻ።

ኣነ: ዋእ ኣነስ ዝለምዶ ኣይይመስለንን ወደይ፣ ከመይ ገይረ ኣብዚ ነበልባል ሃሩርን በረኻን ጠምየ ክኽእሎ?

መርሃዊ :ፈቲኽን ዶ ንጉስ ትምርቓ ዶ በሉ፤ በቃ ካልእ ኣማራጺ የብልካን ልመድ እየ እኮ ዝብልካ ዘለኹ።

ኣነ: ሕራይ ኣነስ እቲ ኵነታት ስለ ዝርዳእ ተገዲደ ክለምዶ እኽእል እየ፣ እቶም ህጻውንቲ ኸ? ንሳቶም እኮ የለን ኣይይፈልጡን፣ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ እውን  የብሎምን።

መርሃዊ :ኣታ እንድዒ!  ንሳቶም እንድዮም ደኣ ኣመነ ዘስክፉናን ዘጭኑቑናን ዘለዉ። ነብሰጹር ኣደታት እውን እኮ እኒሀዎ እየን። በቃ ተሃሊዋ ትውሃቦም እንተ ዘኢይሃሊዋ ድማ ተታሒዝካ ምጥማይ እያ እምበር እንታይ ደኣ?  እንታይ እይና እሞ ንገብሮ?  ናበይ እይና እሞ ንጠፍኦ? ፈጣሪ ዶ ክራድኣና ይዀን እይና ንብል።  ተስፋ እኮ ኣይንቘርጽን፣ ትግራይ ዓድና ሰላም ክትኰነልና እኮ እይና ንጽልይ ዘለና በቃ ንሳ እያ ተስፋና። ንስኻ ሎምዓንቲ ምሳሕ ከኢበላዕኻ እስቲ ውዓል፤ ፈትኖ ናይ ግድን እይኻ ከምኡ ክትገብር ዘለካ።

ኣነ: ሕራይ በቃ ክፍትን እየ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እኮ ዋላ ገንዘብ እናሃለወኒ ምሳሕን ድራርን ጥራሕ በሊዐ ዝውዕለሉ መዓልትታት ነይሩ እዩ። ማለት ኣብ ገዛ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ኣርፊደ እየ ካብ ገዛ ዝወጽእ፣ ቍርሲ ኣይትብሎ ምሳሕ ሰዓት ሽዱሽተ ከባቢ እየ ዝእበልዕ። ቀጺለ ድማ ድራር ድሕሪ ኣስታት ዓሰርተ ሓደ ሰዓት እበልዕ።  በቃ ኣይይጠምየንን። ኣብዚ ሃሩርን ጸሓይን ዝዀነ ዓዲ ግን ዝክኣል ኣይይመስለንን። ሎምዓንቲ ግን ናይ ግድን ክፍትና እየ።

ቃል ስለ ዝኣተኹ ምሳሕ ኣይእበልዕን ኢለ ቀጸልኩ።  ግን ኣመና እናጠመየኒ ክየደ። ምስ መርሃዊ ክሳብ ሰዓት 9:30 ብሓደ ነይርና።  ተጸሚመ ድማ ጸናሕኹ። ድኻም ክስመዐኒ ጀሚሩ ግን ንብላዕ ከኢእብሎ ከኢይዕዘበኒ ሓፈርኹ።  ስቕ ከኢእብል ድማ ኣዝዩ ይጠምየኒ ነይሩ።  ስለዚ ዝዀነ ነገር ኣመኽንየ ካብኡ ተፈልየ ክእኽየድ ከም ዝነበረኒ ኣብ ውሳነ በጻሕኹ። ኣቕሓ ንምግዛእ ኢለ ወጺአ ሰለስተ ብሽኵቲ ገዚአ ድማ በላዕኹ። በቃ ኣነ ብሓቂ ኣይእኽእሎን እየ። እቶም ከኢበልዑ ዝውዕሉ ኣሕዋተይ እውን ስለ ዝኽኣሉዎ ኣይኰኑን ዘኢበልዑ ዘለዉ፤  ኣማራጺ ስለ ዘየብሎም እምበር። ኣነ እውን ሕዚ ኣብ ጁባይ ገንዘብ ስለ ዘለኒ እየ ሰለስተ ግዜ ኣብ ማዓልቲ እበልዕ ዘለኹ፤ ጽባሕ ግን ርግጸኛ እየ ኣነ እውን ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ግዜ ኣብ መዓልቲ እየ ክእበልዕ ምኽንያቱ እቲ ሕጂ ዘለኒ ገንዘብ ጽባሕ ኣይይህልወንን።

እዚ ቀለብ ውሒዱ እዩ ንጠምይ ኣለና ዝብል ሕቶ ተዳጋጊሙ ተሓቲቱ እዩ።  ግን እወታዊ መልስን መፍትሕን ዝውህብ ኣካል የለን። ሓደ ሓደ ተወከልቲ ዩኤንኤችሲኣር እይና ብሃልቲ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ጐስዮም እንትሓልፉ እዩ ዝርእይ፦ 

⁃ እዙይ ዝነበረ ኣሰራርሓና እዩ ሕጂ በጺሕና ኣይንቕይሮን።

⁃ ስቕ ኢልኩም ዝተውሃበኩም ውሰዱ ዝብል ናይ ንዕቐት መልሲ ዝምልሱ ኣለዉ።

⁃ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ ቀለብ መጠን ኣብ ሱዳን ጥራሕ እዩ ዝስረሐሉ፤  ስለዚ ናይ ሱዳን ቍጽሪ ናብ እዙይ ኣምጺእኹም ኣይትሕተቱና እውን ይብሉ ተወከልቲ ዩኤንኤችሲኣር ን ውድብ ምግቢ ዓለምን።

⁃ ኣብ ጅቡቲ ዝቐርብ ናይ ቀለብ መጠን እዙይ እዩ ግልጺ ድማ ክዀነልኩም ይግባእ።

ንጠሚ ኣለና ከፊኡና ዝበለ ትግራዋይ መንእሰይ ብፖሊስ ተወሲዱ ተገሪፉ 

እቲ መንእሰይ ተወከልቲ ዩኤንኤችሲኣር ካብ ጅቡቲ ናብቲ መዐቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል  ንስራሕ ኣብ ዝመጽኡሉ ኣጋጣሚ እዩ እቲ ዘሎ ሽግራት ከካፍሎም ፈቲኑ።  እቶም ተወከልቲ እውን ጽን ኢሎም ይሰምዑዎ ነይሮም ይብል በሪሁ [ስም ብርዒ)።

በሪሁ፦ ንጠምይ ኣለና፣ ንሓምም ኣለና፣ ቀለብ ይንእሰና እዩ፣ ድሕንነት ኣይይስመዐናን ዝብሉ ሽግራት እዩ ነቶም ጸዓዱ ተወከልቲ ዩኤንኤችሲኣር ይነግሮም ነይሩ። ናይቲ መዕቘቢ ሓሊፊ (ካብ ኦናርስ) ግን ዘረብኡ ኣቋሪጹ ነቶም ናይ ዩኤንኤችሲኣር ሰባት ሒዙዎም ናብ ቢሮ ክየደ። ተመሊሱ ናብ ፖሊስ ደወለ፣ ፖሊስ ድማ ብፓትሮል መጺኦም ኢዱ ኣሲሮም ወሰዱዎ። ፖሊስ ኣሲሩ ከም ዝወሰዶ ነቶም ተወከልቲ ዩኤንኤችሲኣር ከም ገለ ገይርና ኣፍሊጥናዮም፣ ሓንቲ ተወካሊት ድማ ነቲ ናይ ኦናርስ ሰብ ደዊላ ንምንታይ እዮም ወሲዶምዎ? ሕዚ መልሱዎ በሎም ኢላ ነገረቶ።  ካብኡ ድሕሪ ሰዓታት ተመሊሱ መጺኡ። ብበትርን ብኣእጋሮምን ወቒዖምኒ፤ ከም ድላዮም ምስ ገረፉኒ እዮም መሊሶምኒ ኢሉ ድማ ነጊሩና።

ኣነ: ማዓዝ እዩ እዚ ነገር ኣጋጢሙ?

በሪሁ: ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ።


እዚ ቀዳማይ ክፋል እዩ። ካልኣይ ክፋል ቀፂሉ ክይቐርብ እዩ።

1 Comment

  1. Solomon Gebremedhn

    March 19, 2022 at 9:00 pm

    የቐንየለና ኣሕዋትና ድምፅና ንምስማዕ እትገብርዎ ዘለኹም ፃዕሪ ኣዚና ነመስግነኩም

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version