ትዕዝብቲ

ማእለያ ዘየብሉ ጸገም ተጋሩ ኣብ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ጅቡቲ (2)

Published

on

መብርሂ ኣርታዒ፡ እዚ ካልኣይ ክፋል እዩ። ቀዳማይ ክፋል፡ ማእለያ ዘየብሉ ጸገም ተጋሩ ኣብ መዕቘቢ ስደተኛታት ሆልሆል ጅቡቲ (1)

ስቓይ ደቂ ኣነስትዮ ተጋሩ ኣብ ጅቡቲ

ኣብ መዕቘቢ ሆልሆል ካብ ሕጻን ወዲ 6 ወርሒ ጀሚሩ ክሳብ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ይርከቡ።  ነብሰ ጹራት እውን ኣለዋ እየን። ንህጻውንትን ነብሰ ጹራትን ዝግበር ክንክን ድማ ኣመና እዩ ዝየሕዝንን ዝየታሓሳስብን።  ዳርጋ ዝግበር ፍሉይ ክንክን የለን እውን ክብሃል ይክኣል እዩ። ኣብ ክንክን ህጻናት ዝሰርሕ (child Protection) ሓደ ኣይካን (Ican) ብዝብል ሽም ዝጽዋዕ ትካል ኣሎ።  ግን ኣይ ከም ስሙን። ኣይክኣልኩን ዝበለ ድማ እዩ ዝመስል። እዙይ እዩ ዝብሃል ስራሕቲ ክሰርሕ ኣይይርአይን፣ መሕዘኒ እዩ።

ብፖሊስ ጅቡቲ ዝተደፈራ ክልተ ደቂ ኣነስትዮ

ክሳብ ሎሚ ዘኢተዘረበሉ ግን ግሁድ፡ ገበን ምግሳስ  ብፖላዊስ ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ኣነስትዮ ተጋሩ እዩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም እየን እተን ክልተ ተጋሩ ኣሕዋትና ብ ፖላዊስ ጅቡቲ ዝተደፈራ።  መዓልቱ ካብ 28-30 ጥቅምቲ እዩ ይብል እቲ ዝሓበረኒ በሪሁ ዝተባሃለ መንእሰይ።

ኣነ: እስቲ መዓዝ፣ ኣበይ፣ ብኸመይን ብመንን ዝብል ኣብራህሪህኻ ነገረኒ?

በሪሁ: 66 ተጋሩ ካብ ባሕሪ የመን ተላዒልና ኣብ ናይ ጅቡቲ ግዝኣት ምስ በጻሕና፡  ናይ ጅቡቲ ፖሊስን ቀይሕ መስቀልን እዮም ተረኪቦምና።  እዙይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ። ኣኪቦም ድማ ኣሊሰቢሕ ኣብ ዝርከብ ዓል ዓርዖሶ ዝብሃል ግዝያዊ መጽለልን  ማእኸል ውሸባ ኮረናን  እዮም ኣቐሚጦምና። መጀመርታ ኣብቲ ቦታ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኰንናን ነይርና።  ኦሮሞን ኣምሓሩን እውን ነይሮም እዮም። ኣብኡ ንግዚኡ ክሳብ መጕዓዝያን ካልኦት ነገራትን ዝማቻቸዉ እዮም ኣጽነሖምና እምበር ናብ ኢትዮጵያ ንኽሰዱና እዩ ነይሩ እቲ ትልሚ። ግን ንምታይ ከም ዝዀነ ቀልጢፉ ክሰልጥ ስለ ዘኢክኣለ ኣብኡ ከለና ውግእ ትግራይ ተጀሚሩ። ድሓር እቲ ዘድሊ ነገር ምስ ተወድአ እቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንዓዶም ወሲዶምዎም ልኣና ግን “ንስኻትኩም ኣብ ክልልኩም ውግእ ስለ ዘሎ ኣይትኸዱን እይኹም” ኢሎም ኣብኡ ክንጸንሕ ገበሩና። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም እዩ።  ዕለቱ ካብ 28-30 ይመስለኒ፣ እቶም ነቲ መዕቘቢ ዝሕልዉ ናይ ጅቡቲ ፖሊሳት ንኽልተ ደቂ ኣነስትዮ ተጋሩ ካብ መደቀሲአን ብሽጕጥን ክላሽንን ኣፋራሪሖም ኣብ ዝዀነ ቦታ ወሲዶም ዓሚጾምወን። ለይቲ እዉይ ከይብላ ክንቀትለክን እይና ስለ ዝበሉወን ፈሪሐን እሺ ኢለን ከይደን።  ንጽባሒቱ ረፋድ ድማ ንዓና ነጊረናና። ኣሕዋትና ብ ፖሊስ ብ ሓይሊ ተዓሚጸን ኢልና ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ እቶም ፖላዊስ ሓለፍትን ናይ ቀይሕ መስቀል ተወከልትን ነጊርናዮም።  ግን ዝየዕግብ መልሲ ክውህቡና ኣይክኣሉን። ቀጺልና በቃ ኣሕዋትና ብለይቲ ብፖላዊስ ካብ ተደፈራ ኣብ እዙይ ድሕንነት ስለ ዘኢይስመዐና ወጺእና ንኸየድ ኣለና ኢልና ካብቲ መዕቘቢ ወጻእና።  ግን ፖሊስ ከቢቡ ጥይት እናቶኰሰ ብሓይሊ ናብቲ ዝነበርናሉ ማእኸል መሊሱና።

እቲ ሓላፊ ፖላዊስ፡  ኣኪቡ ድማ እቶም ከምኡ ዝገበሩ ፖላዊስ ባዕልትና ክንቀጽዖም እይና።  ንስኻትኩም ድማ ምንም ስግኣት ከኢይስመዐኩም ባዕልትና ኣለና ኣጆኹም ኢሉ ለመነና። ንሕና ከኢንወጽእ እውን ክየውጽኡና ኣይክኣሉን። ናብ ላዕለዋይ ኣካል ከኢንጠርዕ ‘ውን እናፋራርሑ ክየሕልፉና ኣይክኣሉን። በቃ ኵሉ ነገር ውሒጥናዮ ስቕ ኢልና። ድሕሪ ሰሙን ማለት ሕዳር 5/2013 ዓ.ም ድማ ናብ እዚ ሕዚ ዘለናሉ መዕቘቢ ሆልሆል ኣዘዋወሩና።  እተን ክልተ ደቂ ኣነስትዮ ድማ ዋላ ኣብ እዙይ መጺአን እውን ንዝምልከቶ ኣካል ኣይሓበራን።

ኣነ: ንምታይ እየን ኣብ እዙይ ምስ መጽኣ ነቶም ናይ ዩኤንኤችሲኣር ተወከልቲ ኣፍሊጠን ሕክምናን ክንክንን ክረኽባ ዘኢገበራ? ብመንገዲ ዩኤንኤችሲኣር ኣቢለን እኮ እቶም ፖላዊስ ብሕጊ ክሕተቱ ምግባር ይኽእላ ነይረን እየን። ኣብ ቃለ መሕትትስ ብ ፖሊስ ብ ሓይሊ ከም ዝተደፈራ ተዛሪበን ዶ?

በሪሁ: ሓፊረንን ፈሪሐንን እየን።  ፖሊስ ጅቡቲ ድማ ባዕልትና ክንቀጽዖም እይና ከኢትዛረባ እዮም ኢሎምወን።  ስለዚ ፈሪሐን እየን ክዛረባ ዘኢክኣላ። ኣብ ቃለ መሕትተን እውን ኣይተዛረባን እየን።

ኣነ: ኣነ ከዛርበን ይደሊ እየ፣ ፍቓደኛታት ዝዀና ዶ ይመስልካ? ኣዛርበለይ እንዶ?

በሪሁ: እታ ሓንቲ ከም እቶም ተስፋ ቈሪጾም ዝጠፍኡ ካብ እዙይ ወጺኣ ከይዳ እያ የላን። እታ ሓንቲ ኣላ። ግን ሕዚ እውን ንምዝራብ ፍቓደኛ ትዀን ኣይይመስለንን። ዎው ከቢድ እዩ፣ ደጊመ ከልዕለላ ደስ ኣይይብላን።

ኣነ: ካብ ተጋሩ ንስኻትኩም ኢኹም ንመጀመርታ ግዘ ኣብዚ ሆልሆል ዝኣተኹም እወ ዶ? 66 ድማ ነይርኩም፣ ሕጂ ካብቶም 66 ክንደይ ትዀኑ ኣብ እዙይ ኣለኹም?

በሪሁ: እወ ካብ ተጋሩ ንሕና እይና ጀሚርናዮ። ሕጂ ካብ 66 ሰባት 13 ጥራሕ እይና ተሪፍና ዘለና። ካባና ቀጺሎም ድማ እቶም ናይ ትራንስ ሹፌራት 160 ካባቢ ኰይኖም መጺኦም። ካብኣቶም እውን 11 ጥራሕ እዮም ሕጂ ኣብ እዙይ ዘለዉ። ኵሉ ጸርጸር ኢሉን ንሂወቱ ሰጊኡን ካብ እዙይ ጠፊኡ ከይዱ።

ኣነ: ናበይ እዮም ግን ከይዶም?

በሪሁ: ናበይ እሞ ክብሃል እዩ። ገሊኦም ተዓፊኖም ተወሲዶም እዩ ዝብሃል። ገሊኦም ድማ መስዋእቲ እናኸፈሉ ትግራይ ኣትዮም እዩ ዝብሃል።  ገሊኦም ድማ ብየመን ገይሮም ንስዑዱ ዓረብያ ንምኻድ እዮም ጠፊኦም እዩ ዝብሃል። ጣርሕ ግን ካብ እዙይ ዝኸፍእ የለን ኢሎም እዮም ጠፊኦም ከይዶም።

እዞም ናይ ስዑድን የመንን ማእሰርትን ስቓይን መሪርዎም ናብ ዓዶም እናተመለሱ ድማ ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ኣብ ጅቡቲ ተዓጊቶም ዝተረፉ ደቂ ትግራይ እዮም እምበኣር ኣደዳ መድፈርትን ካልእ ግፍዕን ኰይኖም ዘለዉ። ብጣዕሚ እዩ ልብኻ ዝሰብር፣ ክንደይ ዘኢተነገረን ዝተዓፈነን ምሽጥራትን ግፍዕታትን እዩ ዘሎ።

ከባቢ ሆልሆል ብሓፈሻ ደረቕን ጸምጸም በረኻን እዩ።  ናይ ተፈጥሮ ማይ ይዅን ኣእዋም የብሉን።ብምኳኑ ድማ ዕንጨይቲ ደሊኻ ዘኢይርከበሉ ቦታ ስለ ዝዀነ ብኣግማል ተጽዒኑ ካብ ርሑቕ ከባቢ ዝመጽአ ዕንጨይቲ ብኽባር ዋጋ ይግዛእ። ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ትሞተን ዝብሃል ከም እዙይ ይመስለኒ። ኣብታ ዘየብልካ ንመብሰሊ ዝዀን ዕጨይቲ ድማ ትስእን። ክላእ ኣሰካፍን ሓደገኛን ጕዳይ ድማ ናይ በረኻ ኣትማን እዮም። ደረቕን ኣእማን ዝበዞሖን ቦታ ስለ ዝዀነ ኣትማን ምንቅስቓስ እዮም ዝኸልኡኻ። ራሕሲ ማይን ዛሕልን ደልዮም ድማ ናብቲ መጸለሊ ቴንዳ ህሩግ ይብሉኻ።  ብድቁስካ እውን ናብ መተርአሲኻ ይኣትዉ እዮም። ህጻውንቲ ከም ልቦም ክዕንድሩን ክጻወቱን እውን ኣይይኽእሉን እዮም።

መንገዲ ክልተ ስዓት ከይድና ዘምጻእናዮ ዕንጨይቲ ንሕደግ

በሪሁ: ኣብቲ መጀመርታ ዓመት ማለት ካብ ሕዳር ክሳብ ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣቢሉ ቍሩብ ቍሩብ ዕንጨይቲ ዩኤንኤችሲኣር ይህበና ነይሩ እዩ። ድሕሪኡ ግን ምሃብ ኣቋሪጽዎ። ስለዚ ንሕና ከኢንገዝእ ገንዘብ የብልናን። ዘለና ኣማራጺ ናብ ርሑቕ በረኻ ከይድና ብማእገርና ዕንጨይቲ ምምጻእ ጥራሕ እዩ።ብርግጽ ኦናርስ ናብ በረኻ ከይድኩም ዕጨይቲ ከኢትኣርዩ ኢሉና እዩ። ግን እተን ሒደት ቀለብና ኣብሲልና ክንበልዐን ስለ ዘኢክኣልና ናይ ክልተ ሰዓት ብእግርና ተጕዒዝና ዕጨይቲ ምምጻእ ጀሚርና። ናይ ክልተ ሰዓት ብእርግና ተሸኪምና ዘምጻእናዮ ዕንጨይቲ ግን ኣብቲ ከባቢ መዕቘቢና ምስ በጻሕና የሕድጉና።

ኣነ: መን እዩ ዝየሕድገኩም? ንምታይ እዩ ኸ ኦናርስ ዕንጨይቲ ከኢትኣርዩ ዝብለኩም?

በሪሁ: ገረብ ከኢይበርስ ምእንቲ እዮም ዝብሉ እቶም ኦናርስ። ዝየሕዱጉና እማ እቶም ሶማላውያን እዮም። ብርግጽ ንሳቶም እውን ከማና ስደተኛታት እዮም። ግን በቶም ኦናርስ ተልኢኾም እዮም። ኦናርስ ኣሕድግዎም ስለ ዝበሎም እዮም ዝየሕድጉና። ኵሎም ሶማላውያን ኣይኰኑን ከምኡ ዝገበሩና ውሑዳት ተበለጽቲ ጥራሕ እዮም። መብዛሕትኦም ሶማላውያን እኮ ንዓና ካብ ሞት ኣድሒኖምና እዮም፣ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ካብ ገዝኦም እናምጽኡ ቀሊቦምና እዮም።

ብናይ ስደተኛ መታወቂያ ኣብ ጅቡቲ ምስራሕ?

ብ መሰረት ሕጊ ዩኤንኤችሲኣር፡  ካርዲ ዕቝባ ዝሓዘ ተዓቋቢ ኣብ እታ መዕቘቢት ሃገር ስራሕ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዎ እዩ። ጅቡቲ እውን ትፈቅድ እያ። እቲ ጸገም ግን ኣብ ምትግባር እዩ። ብ ፍላይ ንትግራዋይ ብተግባር ኣይይፍቀድን ዘሎ። ኪዱ ዓድኹም ወይ ድማ ናብቲ መዕቘቢኹም እተዉ ኣብ እዙይ ቦታ የብልኩምን እዮም ዝብሉኻ። እቲ መዕቘቢ ቦታ ድማ ስራሕ ዝብሃል የብሉን። እዚ ትግራዋይ ንኸይሰርሕ ዝግበር መስርሕ ድማ በቶም ኢትዮጵያውያን ሰለልትን ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡትን እዩ ዝፍጸም። ቀጥታ ናይ ጅቡቲ መንግስቲ ባዕል ስልጣን ወይ ኣካል ኣይኰነን ንኸኢትሰርሕ ዝእግደካ። እቶም ሰለልትን ናይ ጅቡቲ ተሓባበርቶምን ዝዘርግሑዎ ሰንሰለት ንኸኢትሰርሕ ይእግደካ እዩ። ብስሩ እውን ኣብ ክትትል የእትውኻ። እዚ ትግራዋይ ኣብ ጅቡቲ ከኢይምችዎን ከኢይቐስንን ዝገብር ስራሕ ብዋናነት ዝመርሖ ናይ ኢትዮጵያ ኢምባሲ ኣብ ጅቡቲ እዩ።

ንምታይ እቲ  መለለዪ ካርዲ ተዓቋቢ ተቐይሩ?

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም፡ እቲ መለለዪ ካርዲ ዝብል ዝነበረ ኣይዲ ናብ ሓታቲ ዕቝባ ዝብል ተቐይሩ። ቅድሚ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ዝውሃብ ዝነበረ ኣይዲ ናይ ተዓቋቢ እዩ ዝብል ነይሩ። ድሕሪ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ዝውሃብ ዘሎ ግን ንዕቝባ ኣመልኪቱ ዝብል እዩ።

French version: ‘Attestation de demandeur d’asille’

English version: ‘ Certificate to apply for asylum’

ሓደሽቲ ዕቝባ ንዝሓቱ ቅልጡፍ መልሲ ኣይይዋሃብን

ትግራዋይ ገና ኣብ ምእታዉ እዩ ከንጸርጽር ዝግበር ዘሎ። ካብ ወርሒ ንላዕሊ ብእግሩ ተጕዒዙ ናብ መዕቘቢ ምስ በጸሐ ዝርከቦን ዝሕግዞን ኣካል የለን። ካብ ሰለስተ ሰሙን ክሳብ ክልተ ወርሒ ብዘይካ ምንም ሓገዝን ምዝገባን ዝጸንሑ ተጋሩ ኣለዉ። ብ ጥምየትን ብ ሕማምን ድማ ማሲኖም ጸርጸር ኢሎም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ። እቶም ናይዚ ዓንቃፊ መስርሕ ሃንደስቲ ድማ ዕላመኦም ትግራዋይ ኣብ ጅቡቲ ረጊኡ ከኢይቕመጥ ስለ ዝዀነ ይዕወቱ ኣለዉ። ንምታይ ኢኹም ቀልጢፍኩም ዘኢትምዝግቡና ዝብል ሕቶ ክሕተቱ ከለዉ:

⁃ ገና ፕላን ንገብር ኣለና እይና

⁃ ቍጽሩኹም ውሑድ ስለ ዝዀነ ንዓኹም ኢልና ሪሶርስ ኣይነባኽንን

⁃ ውህሉል በሉ እሞ ክንምዝግበኩም እይና

⁃ ኣብ ከተማ ስራሕ እናሃለወኩም ኢኹም ናብ እዙይ መጺእኹም ተሸግሩ ዘለኹም መጭበርበርቲ ኢኹም ዝብሉ ዘኢምኽንያታዊ መልስታት እዮም ዝህቡኻ።

⁃ ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ናብ ከተማ ከይድኩም ተመዝገቡ ይብሉኻ እሞ ትኸይድ እቲ ኣብቲ ናይ ከተማ ቢሮ ዘሎ ሰብ ድማ ንምንታይ ናብ እዙይ መጺእኹም ኢሉ ይመልሰካ።

⁃ ኣብይ ኣሕመድ እሱራት ተጋሩ ይፈትሕ ኣሎ፣ ህጹጽ ኣዋጅ እውን ተልዒሉ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኢትዮጵያ ሰላም እዩ ዘሎ ስለዚ እንታይ ኰይንና ኢልኩም ኢኹም ሎሚ ኸ ናብ እዙይ ትመጽኡ እውን ኢሎም ይሓቱኻን የፋራርሑኻን። ኣብ እዚ እዋን እኳ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝዀኖም ካብ 20 ንላዕሊ ዝዀኑ ዘኢተመዝገቡን፣ ጥር ትብል ሓገዝ ዘኢረኸቡን ተጋሩ ኣለዉ። ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ሃሩር ሓደ ሰብ ብዘይካ መጽለልን እኽለ ማይን ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ክልተ ወርሒ ከመይ ኢሉ ክነብር ይፍረደሉ? ዓገብ እዩ ጋዶ! ከም እዙይ እናገበሩ ትዕግስትኻ የወዱኡኻ። ኣንጸርጺርካ ድማ ሃጽ ኢልካ ትጠፍእ። ጋዶ እዩ!

በቃ ኺዱ ንኣብይ ኣሕመድ ሕተትዎ እምበር ንዓና እንታይ ትብሉና ኣለኹም።

ታሕተዎት  ሓልፈቲ ኦናርስ፡ ሕትቶን ትሽግርን ግራዋይ ከም ቀልዲ እዮም ዝሓስቡዎ። ከዛርቡኻ እውን ኣይይፈቕዱን። ከም ከልቢ ችድ ርሓቕ ኢሎም እዮም ዘሳጕጉኻ። ብዛዕባ ተጋሩ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቶም ዘማሕላልፉዎ መልእኽቲ ወይ ሪፖርት እውን ትኽክል ኣይይመስልን። ምኽንያቱ ድማ እቶም ሓለፍቶም ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን እውን ቈላሕታ ከኢውሃቡና እዮም ተመሊሶም ዝኽየዱ።

ደቂ ኦሮሞ ዝዀኑ ተዓቐብቲ  እውን ኣብ እዚ ቐረባ እዋን ዝመጽኡ ኣለዉ።  መንግስቲ ጅቡቲ ብ ኦናርስ ኣቢሉ ብ ሓይሊ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ብዙሕ ፈቲኑ ክሳኽዐሉ ኣይክኣለን። ኣዝዮም የሕዝኑኻ። ንልዕሊ 3 ሰሙናት ኣብ ሜዳ ተደርብዮም እዮም ቀንዮም።  ኣብ መወዳእታ ግን ተመዝጊቦም ኣለዉ። እቶም ደቂ ኦሮሞ በዝሖም ካብ 60 ንላዕሊ ይዀኑ እዮም። መብዛሕትኦም ድማ መናእሰይ እዮም። ን ኦናርስ ከም ዝበሉዎ፡ ዋና ምኽንያት መሰደዲኦም ጅምላ መእሰርትን ኣገዲድካ ናብ ውትድርና ምውሳድን እዩ። ኦናርስ ግን ነዚ ጭቡጥ ምኽንያቶም ሓሶት እዩ፤ ኣብ ደቂ ኦሮሞ ከምኡ ዓይነት ነገር የለን ናብ ዓድኹም ተመለሱ ኢሉ ንልዕሊ 3 ሰሙናት ኣብ ሜዳ ደርብዩ ክሳቐዩ ገይሩዎም እዩ። ክሳብ ብ ፖሊስ ኣፋራሪሑ ብሓይሊ ንምምላስ እውን ፈቲኑ ነይሩ። ግን ካብ ናብ ኢትዮጵያ ንምለስ ኣብ እዙይ ምሟት ይሕሸና ኢሎም ኣቕቢጾም፣ መወዳእትኡ ድማ ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ግደ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ሚድያን

ኣብ መዕቘቢ ሆልሆል ዝርከቡ ተጋሩ እዙይ እዩ ዝብሃል ናይ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብን ሚድያን ትኹረት ኣይረኸቡን። ንምታይ ከም ዝዀነ ድማ ግልጺ ኣይኰነን። እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ግፍዕታት ዝወርዶ ዘሎ ትግራዋይ ስለ ዝዀነ ጥራሕ እዩ። እዙይ ድማ ብ ዓለምለኻዊ ሕጊዝ ሰብኣዊ መሰል ዓብዩ ገበን እዩ። ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ዩኤንኤችሲኣር ኣዝዩ ድኹም እዩ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ግፍዕን ምንግልታዕን ብግልጺ ይፈልጦ እዩ፤ ግን ምንም ስጕምቲ ክወስድን ከስታኻኽሎን ኣይክኣለን። ኵሉ ነገር ነቲ ናይ መንግስቲ ጅቡቲ ዝዀነ ኦናርስ ዝብሃል ትካል እዩ ዝገድፎ። ብስደኛታት ተጋሩ ክሕተት ከሎ እውን ኦናርስ ብ ዝበሎ እየ ዝኸየድ፥  ምንም ክእገበር ኣይይክእልን እያ መልሱ። ምስ ዩኤንኤችሲኣር ሓቢሮም ዝሰርሑ ተሓባበርቲ ገበርቲ ሰናይ ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ከም ኖርዌናዊ ኣማሓዳሪ ተዓቘብቲ (Norwegian Refugee council)፥  ዴንማርካዊ ኣማሓዳሪ ተዓቘብቲ (Danish Refugee council)፥  ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ምጥቃስ ይክኣል እዩ።  ግን ኵሎም ካብ ተጽዕኖ ናጻ ኰይኖም ንተጋሩ ዝውሃብ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰልን ብኣግባቡ ክትግበርን ክኽበርን ኣይይገብሩን ዘለዉ። ዓለም ለኸ ሚድያ ብኣካል እኳ ተረኺቡ ሂወት ተጋሩ ኣብ መዕቘቢ ሆልሆል እንታይ ከም ዝመስል ክዕዘብ እንተ ዘኢክኣለ፣ ብርሕቐት ኰይኑ ከጻርን ድምጺ ክዀነናን ይግብኦ ንብል።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን፡ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት፡  በቲ ሕጊ ዓለም ንኽግዝኣን ከኽብሮኦን ተጽዕኖ ክፈጥር ኣለዎ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከበባን ውግእን ዝየስዐቦ ዓጸቦ ይፈልጥን ይርዳእን እዩ ግን ዘላቒ ክዀን ዝኽእል መፍትሒ ኣብ ምቕማጥ ዘንጊዑን ድሒሩን ይርከብ። ንሕና ኣብ መዕቘቢ ስደኛታት ንርከብ ተጋሩ እውን ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዘርኢ ምጽናት እይና። ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም እይና ድማ ፍታሕ ንጽበይ፣ ተስፋ እውን ኣይንቘርጽን።  ወገሐ ጸብሐ ክንምሕጸንን ክንልምንን እይና።

ኣብ መዕቘቢ ሆልሆል  ኣብ እዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1000 ዝዀን ዝተመዝገበ ትግራዋይ ተዓቋቢ ይርከብ።  ናይ እዚ ቍጽሪ 10 ዕጽፊ ዝዀን ድማ ፋሕፋሕ ኢሉ ናበይ ከም ዝኸደ ኣይይፍለጥን። ናብ ኢትዮጵያ ተገዲዱ ተመሊሱ ተኣሲሩ ይዀን፥ ናብ ባሕሪ ሰጊሩ ተሰዲዱ ይዀን፤  ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝርከብ በረኻ ብጻምእን ብጥምየትን ሞይቱ ይኸውን፥  ጥራሕ ዘርሞዘርሞ ጠፊኡ እዩ እቲ መልሲ። ህጻውንቲ ቈልዑ ዝየጥቡዋ ኣደታት፣ እግሪ ተከል  ህጻውንቲ ሒዝካ ኣብዚ ጸምጸም በረኻን ሃሩርን ኣብ ጥምየት ከመይ ክንበር? ከቢድ እዩ። ማንታ ህጻውንቲ ዝሓዛ ኣደታት እውን ኣለዋ።  መፍትሒ ድማ ካብ ዓለም ለኸ ትካላትን መንግስቲ ጅቡትን ይጽበያ ኣለዋ።

ንመንግስቲ ጅቡቲ: ንሕና ተረፍ መዓት እይና። ንሕና ካብ ዓድና መካራ በዚሑና ወለድናን ኣሕዋትናን ብግፍዓዊ ጨፍጫፍን ብጥምየትን ብምስኣንና መጸግዒ ስእንና ናብ እዙይ ዝመጻእና ሰባት እምበር ሕልፊ ደሊናን ክነጋይጽን ዝመጻእና ኣይኰንናን። ንመንግስቲ ጅቡቲ ስግኣት ከመዘ ኢንዀን እውን ዝፍለጥ ሓቂ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ጅቡቲ ብስደኛታት ተጋሩ ተዳጋጊሞም ዝግለጹን ዝሕተቱን ስግኣታት ኣሪሙ ጸግዒ ክዀነና እይና ንሓትትን ንምሕጸንን ዘለና።

ን ዩኤንኤችሲኣርን ፕምዓ (WFP)ን ካልኦት ኣብ ጕዳይ መሰል ተዓቘብቲ ዝነጥፉ ዓለም ለኸ ትካላትን: ንሕና ደለይቲ ዕቝባ  እምበር እሱራት ኣይኰንናን። ንሓደ ተዓቋቢ ዝውሃቦ መሰልን ክብርን ክውሃበና ድማ ንሓትት ኣለና። ኵሉ ዓቕምን ተኽእሎን ከም ዘለኩም ንፈልጥን ንርዳእን እይና። ስለዚ ብተግባር ክትሕግዙናን ጠበቓታት ክትኰኑና ድማ ንምሕጸን። ንዅሉ ተዓቋቢ ዝውሃብ መሰልን ክንክንን እይና ንሓትት ዘለና። ካብ ሰብና ሕልፊ ኣይንደልይን።

ዳያስፖራ ትግራይ፡ ኣብ ኵለ መዳያዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዕዙዝ ታራ ተጻዊትካ እይኻ ትጻወት እውን ኣለኻ። ስለዚ ከምቲ ልሙድ ኣብ መዕቘቢ ሆልሆልን ኣብ ካልእ ከባቢ ኣፍሪካን ዓለምን ንዝርከብ ተዓቋቢ እውን ድምጽኻ ክተዕዝዝ ንላበው።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version