Connect with us

መግለፂ

መግለፂ ሓዘን መንግስቲ ትግራይ: ብ ሞት ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)

Published

on

ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ዝወፀ መግለፂ ሓዘን መንግስቲ ትግራይቅድሚ ኩልን ልዕሊ ኹሉን ካብ ዕድመ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ መስዋእቲ ህዝብን ሉኣላውነት ዓዲ ምርግጋፅን፣ ንሰላም፣ ራህዋ፣ ዲሞክራስን፣ ኩለመዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዕብየትን ተጋዲሉ ብምግዳልን ጥበብ ዝተመለኦ ኣመራርሓ ብምሃብን ምስ ብፆቱ ኮይኑ ዘይሃስስ ታሪኽ ፅሒፉ፤ 24 ሚያዝያ 2014ዓ.ም ብሽርሕን ኣገዛዝኣ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብመስዋእቲ ዝተፈለየና ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብስም ህዝቢ ትግራይ እንትገልፅ፤ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዘለኻ ህዝብና ፣ ንፈተውትን ደገፍትን ቃልስና፣ ንስድርኡ፣ ኣዝማዱን ናይ ቐረባ መሓዙቱን ፅንዓት ይሃብኩም ይብል።

ህዝባዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ስሒሉ ካብ ዘውፅኦም ጀጋኑ ወታሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ ተጠቓላሳይ ዝኾነ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)፤ ድሕሪ ምድምሳስ ቐዳማይ ደርግ ፅባሕ ጉንበት 20 ጀሚሩ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዝህብን መንግስትን ዝተውሃብዎ ኩሎም ስራሕትን ወፍርታትን ብዓወት ንክዛዘሙ ግቡእ መሪሕነት ብምሃብ ህይወቱ፣ ፍልጠቱን ክእለቱን ብምውፋይ ንምኽባር ልኣዓውነት ሃገር ብፅንዓትን እምነትን ተበጅዩ በይዛ ህዝቢ ዝኾነ ተጋዳላይ እዩ።

ይኹን ዳኣ እምበር ብውዲትን ሽርሕን ስልጣን ዝተቆፃፀረ ኣገዛዝኣ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ እንትርፊ ንዝህብን ሃገርን ምግልጋል ካልእ ሓጥያት ዘይብሉ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ወዲ ትግራይ ብምዃኑ ጥራሕ ብብሄራዊ ማንነቱ ኣሲሩ ኣሳቒዩ ብመናውራን ተንኮልን ክስዋእ ገይሩ።

እንተኾነ ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣረመኔ ኣገዛዝኣ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብመስዋእቲ ወዲ ነጮ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፣ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ከምኡ እውን ካልኦት ብግፍዕን ጭካነን ዝተቐተሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ላዕለዎትን ታሕተዎትን መኮነናትን ወታሃደራትን ደቂ ትግራይ ተሓታታይ ከምዝኸውን ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ይግባእ።

እዚ ዕድመ ልክዑ ንህዝብን ሃገርን ዘገልገለ ብሽርሒ ኣገዛዝኣ ኣራት ኪሎ ዝተቐተለ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ዝተሰወአሉ ኣገባብ ብዓለም ለኸ ዘይሻራዊ ኣካል ንክፃረን ብሄራዊ መንነቶም ገበን ኮይኑ ዝተኣሰሩ ኩሎም ደቂ ትግራይን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ወታሃደራትን እውን ብዘይውዓል ሕደር ክልቀቑ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ፀቕጢን ጭቡጥ ስጉምቲን ክወስድ በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ትማሊ ይኹን ሎሚ ብዙሓት ሲቪል ወታሃደራውን መራሕትን ተጋደልትን ደቂ ትግራይ ምእንተ ድሕንንትን ብሄራዊ ክብሪ ህዝቢ ትግራይን ተሰዊኦም እዮም። እንተኾነ ወረጃ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ፀገማት ንፃት እውን ተንበርኪኹ ኣይፈልጥን። ስለዙይ ማእለያ ዘይብሉ ኩለ-መዳያዊ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕን ሕድሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገብረመድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ሓዊስካ ሕነ ኩሎም ስውኣትና ንምፍዳይን መስዋእትነቶም ህዝባዊ ቃልስና ብዓወት ብምዝዛም ብምድባስ ሕድሕድ ወዲ ትግራይ ብጊዜ የለን መንፈስ ከምዝረባረብ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንኩሎም ስውኣትና!ሕድሪ ስውኣትና ኣስጢምና ሒዝና ፀላእትና ክንሕምሽሽ ኢና!ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

24 ሚያዝያ 2014ዓ.ም

መቐለ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT