Connect with us

መግለፂ

ሳወት ሰሙናዊ ኣብ ፍትሒ፥ ምሕደራ ኢኮኖሚ፥ ማእሰርቲ ተጋሩ፥ ናፅነት

Published

on

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ዛጊድ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ትግራይ ዘይወረደ ናይ ፅንተት ተግባር ፀላእቲ ብዝተፈለየ ቅድን ኣገባብን እናቐፀለ እንትኸውን፤ “ኣብ ልዕሊ ሕፈስ ሰሙን ፅግዕ ይወፀን” ከምዝበሃል ውሽጣዊ ኩነታት ትግራይ ምስቲ  ዝፀንሐ ብስርው ፖለቲካዊ ከይዲ ተወሲኹ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ኣሎ፡፡ ብሓፂሩ እንትርአ ስርዓት ፍትሒ ትግራይ ቁልቁል ኣፉ ኣብ ዝተደፍአሉ፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ካብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኹ ህዝብና ኣብ ሞንጎ ሞትን ሕውየትን ኮይኑ መዓልታዊ ናብርኡ ንምቕፃል ኣብ ዝተፀገመሉ፣ ባህጊ ናፅነትን ምውሓስ ውሽጣዊ ሓርነትን ህዝብና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉን ከምኡ እውን ስርዓት ኢትዮጵያ ምእሳርን ምንግልታዕን ንፁሃት ተጋሩ ኣጠናኺሩ ኣብ ዝቐፀለሉን ኩነታት ንርከብ፡፡

1 ህልው ኩነታት ፍትሒን ናፅነት ስራሕ ኣካላት ፍትሒን ትግራይ

ብመዳይ ፍትሒ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ከምዘላ ናይ ኣደባባይ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ብቐንዱ ኣካል እቲ ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ሕገ መንግስታውን ስርዓታውን ፀገማት ይኹን እምበር ብግብሪ ድማ ናይ ህልውና ሓደጋ ንዝገጠሞ ህዝብና ዝገደደ ቅልውላው ዘስዐቡ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለው እዮም፡፡ በቢግዚኡ ዝወፁ ኣዋጃትን ደንብታትን ዝወፁሉን ዝፀድቕሉን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ሰርዓትን ዘይምሕላው ከይኣክል፤ ብሕብሕቢኢተይ ኣብ ውሻጠ ተዳልዮም ዝወፁ ኣዋጃትን ደንብታትን እውን እንተኾነ ፍትሒ ንምስፋን ዝዓለሙ ኣይኮኑን፡፡ ኣብዞም ኣዋጃትን ደንብታትን ዘሎ ናይ ትሕዝቶ ጋግ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ሰርዓት ዳይነት ብዝርኣ ዘሎ ቅሉዕ ኢድ ኣእታውነትን ፖሎቲካዊ ፀቕጥን ፤ ኣካላት ፍትሒ ብፍላይ ድማ ዳያኑ ሞያዊ ነፃነቶም ተሓዲጎም ሰርዓት ፍትሒ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቓል ኩነታት ይርከብ፡፡ ነዚ ብተዳጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ዳያኑን ኣካላት ፍትሒን ዝፍፀሙ ዘሎው ፅዕንቶታት፣ ምፍርራሕን ምስኳንን ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ኣለዎም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ፀገማት በዲሆም ስርዓት ፍትሕን ዳይነትን ሚዛን ከይስሕት ይቃለሱ ንዘለው ኣካላት ፍትሕን ዳያኑን ድማ ውድብና ናእድኡ ይገልፅ፡፡    

2 ምሕደራ ኢኮኖሚ ትግራይ

ብሰርዓት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ብዝተነበረ ሙሉእ ዕፅዋ፤ ትግራይ ብኹሉ መዳይ ምስ ዓለም ዝነበራ ርክባት ተበታቲኹ እዩ፡፡ ከም ውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦም ዝነበሩ ግልጋሎታት፣ ኣድለይቲ ሸቐጣት፣ መድሓኒትን ካልኦት ኣድለይቲ ጠለባትን ተኸልኪሉ ንከቢድ ብሄራዊ ሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡፡ ብፍላይ ምስ ናይ ኣዲስ ኣበባ ኢኮኖሚ ተሎቂሙ ዝፀንሐ ኢኮኖሚ ትግራይ ብወገን ስርዓት ኢትዮጵያ ብዝተነበረ ዕፅዋን ቅድም ኢሉ ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ኩሉመዳያዊ ዕንወትን  መወሳወሲ ዘይብሉን ባይታ ዝዘበጠን ኮይኑ ይርከብ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ናይ ውሽጢ ምህርትን ልውውጥ ንግድን ጥራሕ ዝተደረኸ ኣዝዩ ድሩት ናይ ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ክኸውን በቒዑ ኣሎ፡፡  

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኢኮኖሚ ናይ ሓደጋ እዋን ኢኮኖሚ ስለዝኾነ ነዚ ዝምጥን ኣሰራርሓን ሰርዓትን ምዝርጋሕ ድማ ግድን ይብል፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ነቲ ኩነታት ዘበኣእሱ ተግባራት ብግብሪ ብወገን ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ይፍፀሙ እዮም ዘለው፡፡ ርኡይ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢምዎ ብጥምየትን ዓፀቦን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን አሳታፊ ብዝኾነ ከይዲ ውሽጣዊ ምህርትን ቀረብን ዝውስኹ ናይ ሓደጋ እዋን ፖሊስታትን ትካላትን ኣብ ክንዲ ምትእትታው፤ ብኣንፃሩ ብፃዕርን ተበግሶን ነጋዶ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምቁፅፃር ዝተወሰዱ ስጉምታት ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ህዝብና ከጋድዱ ይርኣይ ኣሎ፡፡ ከም መርአያ ድማ፡ ኣብ ዋጋ ጣፍ ዝወፀ ተመንን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ዘሎ ገንዘብ ናብ ባንኪ ክኣቱ ዘገድድ መምርሕን ውፅኢቶም ብግልባጡ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ፡፡ ብሰንኪ እዚ ስሑት ተግባር ድማ ገንዘብ ካብ ባንኪ፡ ጣፍ ድማ ካብ ዕዳጋ ጠፊኦም፤ ናይ ገንዘብ ዝውውር ይኹን ዕድጊት ጣፍ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ብኣዝዩ ክባር ዋጋ ይሳለጥ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምን ርእሰ ምርኮሳን ዝተደረኸ ናይ ሓደጋ እዋን ናይ ኢኮኖሚ ፖሊሲ፣ ኣሰራርሓ፣ ትካላትን ዓቕምታትን ምፍጣርን ምጥያሽን ኣብ ዝጠልበሉ ኩነታት ከምዘለና ክፍለጥ ኣለዎ፡፡

ብናይ ነጋዶን ሰብሃፍትን ትግራይ ፃዕሪ፣ ተበለሓታይነትን ተበግሶን ኣብ ዕንወትን ዕፅዋን ዘሎ ኢኮኖሚ ትግራይ ብውሱን ዓቕሙ ክሳለይን ትንፋስ ብዙሓት ተጋሩ ክቕፅልን ዘበርክትዎ ዘለው ታሪኻዊ ግደ ዝያዳ ክስውድ ዘለዎ ተግባር እዩ፡፡ ስለዚ ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ብሕፅረት ሸቐጣትን ናህሪ ዋጋን ዕለታዊ ናብርኡ ምድፋእ ዝኸበዶ ህዝብና፤ ኣብ ዝርገሐን ኣቕርቦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ዘለው ፀገማት ብምቅላል ብርትዓዊ ዋጋን ምኽንታዊ ቀረብን፡ ፀገማት ህዝብና ኣብ ምንካይ ብሄራዊ ግብኦም ክዋፅኡ ይግባእ፡፡ 

3 ማእሰርቲ ተጋሩ      

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብመንነቶምን ፖለቲካዊ መርገፂኦምን ብስርዓት ኢትዮጰያ ዝተሓየሩ ተጋሩ ማእለያ የብሎምን፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ኩናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ድማ ብጣዕሚ ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ኢትዮጵያን ምዕራብ ትግራይን ኣብ መዳጎኒ ማእኸላት/Concenetration camps/ ተኣሲሮም ኣብ ኣዝዩ መስካሕክሒ ኩነታት ይርከቡ፡፡ እዚ ብሄራዊ መንነት ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ ናይ ጭውያን ምድጓንን ተግባር ስርዓት ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ኣይዛረየን፡፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት እውን ንኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ ሓዊሱ ንብዙሓት ተጋሩ ምእሳር ቀፂሎምሉ ኣለው፡፡ ስለዝኾነ ንኣይተ ክብሮም በርሀ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብመንነቶም ጥራሕ ዝተኣሰሩ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ብቕልጡፍ ክፍትሑን ዛጊድ ዝቕፅል ዘሎ ጭውያን ማእሰርትን ተጋሩ ደው ክብልን ሐዚ እውን ውድብና ፃውዒት የቕርብ፡፡     

4 ቃልሲ ናፅነትን ውሽጣዊ ሓርነትን

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተኣወጀሉን ዝተፈፀመሉን ናይ ፅንተት ተግባር ተናጊፉ፤ ብዘላቕነት ሃላዋቱ ውሐስ ዝኸውን ዴሞክራስያዊትን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ እንተግህድ ምዃኑ ክሰሓት የብሉን፡፡ ዋጋ መስዋእቲ፣ መቑሰልቲ፣ ጉድኣትን ሃሰያን ህዝብና ሓርነትን ናፅነትን ትግራይ እዩ፡፡ ስለዚ ቅድም ኢሉ ዝፍፀም ዝነበረን ሐዚ ድማ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝቕፅል ዘሎን ግፍዕን መከራን ንሓንሳብን ንዘልኣለሙን ደው ንክብል ብኹሉ መዳይ ዝሓሸት ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይምርብራብ ክነጥፍ ኣለዎ፡፡ ምስዚ ተዛሚዱ ናይ ሓርነትን ናፅነትን ቃልስና ንምኹላፍ ዝንቀሳቐሱ ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ከምዘለው ንሒደት እውን ክዝንጋዕ የብሉን፡፡ ስለዚ ድማ መላእ ህዝብና፡ ባህግኻን መፃኢ ዕድልካን ንምሕንካር ንዝተወጠኑ ተግባራትን ምንቅስቓሳትን ብትኹረት ክትከታተልን ግቡእ ቃልሲ ክትገብርን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደጊሙ ይፅውዕ፡፡

መዋፅኦ ትግራይ ነቲ ሐዚ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ዝምጥን መፍትሒ ምንባር እዩ፡፡ ባህሪ እቲ ዘለናዮ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ተሳትፎ ኩሎም ሰብ ግደ ዝጠልብን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ትግራዋይ በዓል ቤት ዝኾነሉ ሓቋፋይ ፖለቲካዊ ከይዲ ብቕልጡፍ ክጅመር ኣለዎ፡፡  

ሓምለ 8፣ 2014
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 
መቐለ፣ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT