Connect with us

መግለፂ

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

Published

on

ጥቅምቲ 2013 ኣ/ግ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ናይ ፅንተት ኩናት ኣቐዲምካ ግቡእ ኣቓልቦ፣ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምድላው ስለዘይተገበረሉ ‹‹ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው›› ቃል ዝኣተወ ኣካል መፅብዑ ከይፈፀመ ትግራይ ኣብ ኢድ ጨካናት ሓይልታት ዘርኢ ምፅናት ኣትያ እያ፡፡ ኣብዚ ኩነታት ሃገራውያን ውድባት ትግራይ እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘቕነዐ ፅንተታዊ ኩናት ምዃኑ ልዕሊ ዝኾነ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብዕሊ ገሊፀን ምንባረን  ይዝከር፡ ከም ህዝቢ ዝገጠመና ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ብስሙር ህዝባውን ኩሉ መዳያውን ቃልሲ ከምዝኽበስ፤ ፀላእቲ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓቕምታትና ብምውዳድ ጥራሕ ከምዝሰዓሩ ዘይነቓነቕ መርገፂ ብምሓዝ ከም ውድብ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ቃልሲ ብሙሉእ ዓቕምና ወፊርና ኢና፡፡ ግፍዕን መከራን ህዝቢ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ክርድኦ ኣብ ምግባር እውን  ከይሰልከና ድምፂ ዘስማዕና እንትንኸውን ኣጠናኺርና እዉን ክንቅፅለሉ ኢና፡፡ እዞም ተግባራት እንትንፍፅም ከም ፖለቲካዊ ውድብ ሓላፍነትና ንምፍፃም ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ተጋሩ እውን ግቡእና ስለዝኾነ እዩ፡፡ 

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ክልላዊ መንግስቲ ምጥያሹ ስዒቡ ገዚፍ ሓጓፍ ከምዝገጠሞ ንማንም ግልፂ  እዩ። በቲ ሓደ ወገን ናፅነት ንምግሃድ ዝዋደቕ ህዝብን ሰራዊትን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ናብ ስራሕ ብምምላስ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምቕፃል ዝቃለስ ውድብ ህወሓት መንጎ ከምዝተቐርቀዐ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ዝኾነ ውድብ ከምዚ ዓይነት መርገፂ ናይ ምሓዝ መሰል ዋላኳ እንተሃለዎ ኣብ ጓጓ ህዝባዊ ቃልስናን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ተሸጒጡ፤ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ ዕላማ ናይ ምጉዕፃፅ ስልጣን የብሉን፡፡ ብኻልእ መንፅር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ሕገ መንግስቲ ይኹን በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝቖሙ ትካላት ፈሪሶም እዮም፡፡ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ምስ ናይ ፅንተት ሓይሊ ዝኾነ ብልፅግና ተመሳሳሊ ቅዋም ብምሓዝ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ድርድር ንምግባር ምድላዋት ይገብር ኣሎ፡፡ እዚ ተግባር መሬትና ብወረርቲ ተጎቢጡ ናብ ዘተ ምቕንዖም ከይኣክል፤ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተ፡ ብደምን ኣዕፅምትን ጀጋኑናን ብጥሪት ህዝብናን ዝቖመ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብቐጥታ ዘፍርስ ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባር እዩ፡፡ እንሆ ድማ ህወሓት ነዚ ክቡር ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝህልዎ ናይ ስልጣን ትሕዝቶ ክዋገይሉ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሓደገኛ መርገፂ ብቕልጡፍ ተዘይዓርዩን ከይዲ ዘተን ናይ ሰላም መስርሕን ድማ ኩሎም ሰብ ግደ ብዝሓቖፈን ግልፅነት ብዝሰፈኖን ኣገባብ እንተዘይተመሪሑን ፀገምን መከራን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምንዋሕ ወፃኢ ካልእ ፈፀግ ኣይክህልዎን። 

ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኣተዎ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ህልውና ሓደጋ ዘናግፉ ተግባራት ኣብ ክንዲ ምፍፃም፤ ቁስሉ ዘይሓወየ ህዝብና መላሊስካ ቁስሉ ብምጉዳእ ቃንዝኡን ስቓዩን ምንዋሕ ኩሉ ክፍንፍኖ ዝግባእ ተግባር እዩ፡፡ ጎናዊ ረፅምን ተኽንን ዘጓሃህሩ ተግባራት፣ ሓድነትን ስምረትን ህዝብና ዝሽርሽሩ ፕሮፖጋንዳታት፣ ብልሒ ህዝባዊ ቃልስና ዘጉትሙ ተግባራት ብወገን  እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ብተደጋጋሚ ይፍፀሙ ኣለው እዮም፡፡ እዞም ብኣውራ መራሕቲ እቲ ውድብ ከይተረፈ ኣብ ህዝባዊ ዋዕላታት፣ ሚድያታትን ብዘይ ስሩዕ መንገድታትን ኣብ ልዕሊ ሃገራውያን ውድባት ትግራይ ዝተነስነሱ ፀለመታትን ናይ ፈጠራ ወረታትን መላእምታ የብሎምን፡፡ እዞም ተግባራት ለባምን ወረጃን ህዝብና ንሓቅን ርትዕን ደው ኢሉ እንተዘይምክኖምን ሃገራውያን ውድባት ትግራይ ድማ ብትዕግስትን ህዱእ ልቦናን እንተዘይብድህኦን ነይረን ሳዕቤኑ ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ህዝባውያን ውድባት ዝነፍስ ዘሎ ናይ መርገም ፕሮፖጋንዳን ምፍርራሕን ብጥብቂ ንዝኹንን ዘሎ ኣብ ዉሽጥን ወፃእን ዘሎ ህዝብና ምስጋናና ልዑል እዩ፡፡

ኣብዚ ብንፁር ክቕመጥ ዘለዎ መሰረታዊ ሓቂ እቲ ሎሚ ቕነ ብገፊሑ ዝቕፅል ዘሎ ኣንፃር ውድባት ዘቕነዐ ወፍሪ፡ ውድባት ብምክፋእን ብምፅላምን ጥራሕ ደው ዝብል ኣይኮነን፡፡ ኣንፃር ናይ ሓርነትን ናፅነትን ዕላማ ተሰኪሞም ዝቃለሱ ዘለው ሚድያታት፣ ናፃ ማሕበራት፣ ምንቅስቓሳት፣ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ መንቃሕቲ ውልቀሰባትን እውን ዘቕነዐ ምዃኑ ኩሉ ልቢ ክብለሉ ይግባእ፡፡ በዚ መንፅር ናይዚ ወፍሪ ጥቕዓት ካብቶም ዝተጠቐሱ ኣካላት ንላዕሊ ናይ ናፅነትን ሓርነትን ባህጊ ንምኹላፍ ዝሃቀነ እዩ፡፡ ብተወሳኺ መሬትናን መፃኢ ዕድልናን ኣሀጊሩ ክደራደር ትንዕ ምንዕ ዝብል ዘሎ ኣካል ተቓውሞ ከይለዓሎ ኣቐዲሙ ልሳን ሃገራውያን ተጋሩ ንምዕባስ ዝፍፅሞ ዘሎ ጣቋ ዘይብሉ ተግባር እዩ፡፡ 

ሳወት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝዕወት ሰብኣዊ ዓቕሚ ትግራይ ብዝተማልአ ኣገባብ ንምጥቃም ዘኽእል፣ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሓዊሱ ህዝባዊ ቃልስና ዝፈጠሮም ዓቕምታት ሕጋዊ ቕቡልነትን ዘላቒ ህልውናን ዘረጋግፅ፣ ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ናይቲ ቃልሲ በዓል ቤትነት ዘጎናፅፍ፣ መፃኢ ዕድልና ብምልኣተ ተሳትፎ ንክውሰን ትካላትን ኩነታትን ዘደላድል፣ ብሄራዊ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘንብር ሓቛፋይ ፖለተካዊ ከይዲ ክህሉ ብተደጋጋሚ ፃውዒት ኣቕሪቡ እዩ፡፡ እዚ ከይዲ ድማ እቲ ብጠላዕ ቐትሪ ዘጋጠመ ምፍራስ ሕገ መንግስትን ስርዓትን፣ ትግራይ ናብ ናይ ባዕላ ሕጋዊ ስርዓት ዝምልስ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም ከምዝስገር መርገፂኡ ገሊፁ እዩ፡፡ ስለዚ ትግራይ ንዘላትሉ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ፀገም ዘላቒ ፍታሕ ንምንባር ኩሎም ዓቕምታት ዘተኣኻኽብ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ክህሉ ናይ ግድን ኣብ ዝብለሉ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ከምዘለና ብልቢ ብምእማን፡ እዚ ንምግሃድ ድማ ኩሉ ወገን በዓል ዋና እዚ ታሪኻዊ ከይዲ ክኸውን ይግባእ፡፡ እዚ ፖለቲካና ብመሰረቱ ዘዕሪ፣ ኩለ መዳይ ረብሓታትና ዘሰስን፣ ካብቲ ዘደኽደኸናን ብፀላእቲ ዝፈረሰን ሕገ መንግስታዊ ማእሰርቲ ሓራ ዘውፃኣና፣ ታሪኻዊ ሕማማትና ክንፍውስን ዘላቒ ህልዉና ህዝብና ክነረጋግፅን ዘኽእል ወርቃዊ ዕድል ተግባራዊ ክኸዉን ድማ ኩሉ ትግራዋይ ክቃለስ ታሪኻዊ ግቡኡ እዩ። 

ሳወት ብመደራጉሕ ፀላእቲ ይኹን ኣብ ስልጣን ናይ ዘለው ወገናት መሸንበብ ከየሰኮኖ ንሓርነትን ናፅነትን ትግራይ ዝገብሮ ቃልሱ ብዝሓሸ ውዳበ፣ ብንፁር ስትራቲጅን ስልትን ከምኡ እውን ብናይ ህዝብና ዘይተጓደለ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ፡፡ ዕላማኡ ንምዕዋት ድማ ዝኽፈል ኩሉ ክኸፍል ድልዊ ምዃኑ ከረጋግፅ ይደሊ። ሳወት ግዚኡ ዝሓለፎ መዕነውን ናይ ስረይ ስረኻ፣ ህልኽን ጎንፅን፣ ብሄራዊ ዕላማን ባህግን ዘሰናኽል ናይ ቃልሲ ኣገባብ ፈፂሙ ኣይድግፍን፤ ኣብዚ ዝተዋፈሩ ኣካላት ድማ ደዉ ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ ይብል፡፡ ኣርሓ ዘበኑ ክኸውን ዝግብኦ እቲ ሓዱሽ ወሎዶ  ፡ መላእ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ መፍትሒ ኩሎም ፀገማቱ ኣብ ሓድነቱን ስምረቱን፣ ቅልፅሙን ሓበራዊ ዓቕሙን ከምዝኾነ ኣሚኑ ከጠፍእዎ ዝተወረሙ ግዳማውያን ሓይልታት ፅንተትን ኢሉ እውን ባህጊ ሓርነቱን ናፅነቱን ከሕድግዎ ሰልም ዘየበሉ ናይ ውሽጢ ሓይልታትን ኣትሪሩ ክቃለሶም ይግባእ፡፡ ሳወት ውሽጣዊ ሓርነታ ዘርጋገፀት ሉእላዊት ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተሪሩ ከምዝቃለስ፤ ህዝብና ድማ እዚ ዕላማ ንምግሃድ ዘይትካእ ብፂሒቱ ከምዝዋፃእ እምነቱ ምሉእ እዩ፡፡  

ኣብ መወዳእታ ዋሕስ ሃገረ ትግራይ ዝኾንካ ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንስለ እቲ ክጠፍእ ዝተፈረደሉ ህዝብኻን ናፅነትካን እትገብሮ ዘለኻ መዳርግቲ ኣልቦ ቃልስን መስዋእትን ሳወት ዝለዓለ ኽብሪ ይህብ።  ብዘይተጨበጠ ናይ ሸፈጥ ዘተ ሰላም ከይተዘናጋዕኻ ዕጥቅኻ ኣስጢምካ ከም ወትሩ ድልዉነትካ ክተሕይል ዉድብና ፃዉዒቱ የቕርብ። መንእሰይ ትግራይ እዚ መድረኽ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ፈሊጥካ ናብ ሰራዊት ምፅምባርካ ኣሕይልካ ክትቕፅለሉ ይግባእ። ክብርን ዝናን ሰራዊትና ዘናእሱን ብሄራዊ ደሕንነት ኣብ ፎቖዶ ኣብ ምዝራዉ ዘለዉን ኣካላት ድማ ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ሳወት የተሓሳስብ። 

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ሓምለ 15/2014 ኣ.ግ.

መቐለ፡ ትግራይ

 

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. נערות ליווי - israel lady

    August 3, 2022 at 12:27 pm

    Greetings! Very helpful advice within this article! It is the little changes that will make the most significant changes. Thanks a lot for sharing!

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT