Connect with us

Uncategorized

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

Published

on

ንብሉፃት ሓሳባት ዝምቹ ባይታ ምፍጣርን ናይ ምትሕብባር ፖለቲካን ትግራይና ካብቲ ኣትያቶ  ዘላ መሸንቁቕን ሓሳረ መከራን መዋፅኦታት ክኾኑ  ኣብ ጠረጴዛ ዘለዉ ኣማረፅቲ ኮይኖም እንተብቅዑ፤ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ተመሪፁ ዘሎ መገዲ ግን፡ መገዲ ሓሳብን ስልጡን ፖለቲካን ከይኾነስ መገዲ ፀለመን ጠቐነን ኮይኑ ይርከብ። ኹናት ዘርኢ ምፅናት ዝተፈፀማን ይፍፀማ ዘሎን ትግራይና ካሊእ ስደት ዝተብሃለ ተወሳኺ ሕማም ካብ ዝቀላቐላ ድማ ፀኒሑ ኣሎ። በዚ መሰረት ሰሙናዊ መግለፂና ኣብዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡

1/ ንትግራይ ስድሪ ዘየሳግር ፖለቲካ ፀለመ

ንብዙሓት ኣዋርሕ ብወገን ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ክስረሐሉ ዝፀነሐ ኣንፃር ሃገራውያን ውድባት ዘቕነዐ ናይ ፀለመን ጠቐነን ፖለቲካ፤ ብሓምለ 11/2014 ብቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣቢሉ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ንስልጡን ፖለቲካዊ ልዝብን ናይ ምትሕብባር ፖለቲካን ከይኮነስ ብኣንፃሩ ንክሰርሕ ከምዝተሰለፈ ንኹሉ ግሉፅ ገይሩ እዩ። ድሕሪ እቲ መግለፂ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ይወሃቡ ዘለዉ መግለፅታት እውን ነቲ ፀለመ፣ ሕሶትን ጠቐነን ዘራጉዶ ኮይኖም እዮም መፂኦም። እዚ ሓይሊ ኣብ መግለፂኡ ህዝቢ ትግራይ ንሃገራውያን ውድባት ‘በዓልካ መክቶም’ ብዝብል ሓረግ ኣብ ዝጎልበቦ ፃውዒት ዕስላዊ ፍርዲ(mob justice) ከየዕገቦ፤ ዝተፈላለዩ መሓውራቱ ብምንቅስቓስ እቲ ፀለመ ናይ እማን ክመስልን ህዝቢ ሓቂ ኢሉ ክቕበሎን ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣዳራሻትን ሆቴላትን ብስም ‘ህዝባዊ ዋዕላ’ ይካየድ ዘሎ ሃገራውያን ውድባት ናይ ምፅላምን ምስይጣንን ኣኼባታት ደው ተዘይሉ ንትግራይ ካብ ፀልማት ናብ ዝኸፈአ ደልሃመት ዘእቱ እምበር ጥር ትብል ፈፀግን መፍትሒን ስለዘይወልድ ውድብና ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሐዚ እውን እዚ ወፍሪ ፀለመን ጠቐነን ጠጠው ክብል ከምዘለዎ ከዘኻኽር ይደሊ።ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ሓይሊ ይግበር ዘሎ ድሑርን ፀረ ናይ ምትሕብባርን ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ትግራይ ስልጡን ከይኸውንን ናብ ናይ ሓሳብን ልዝብን ፖለቲካ ንከይመፅእን ዝገብር ቄናን ኣካይዳ እንትኸውን፤  ፀላኢን ፈታውን ኢሉ ካብ ዝብገስ ኣተሓሳስባን ርእዮተዓለምን ህወሓት ዝፍልፍል ከምዝኾነ ድማ ይኣምን። እዚ ተኸቢሱን ተቐይሩን ባይታ ፖለቲካ ትግራይ ዓሿኽ ምዃኑ ኣብቂዑ፤ ፀገማትና ኩሎም ክንፈትሕ  ስልጡንን ናይ

ምትሕብባርን ፖለቲካ ክህልወና ግድን ስለዝኾነ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣትሪሩ ምቅላሱ ከምዝቕፅል ንህዝብና ከረጋግፅ ይፎቱ።

ኣብዚ ዛዕባ ብፍላይ መዋፅኦ ትግራይ መሰጋገሪ መንግስቲ እዩ ኢለን ምስ ዝመፃ ውድባት ተተሓሒዙ ዝለዓሉ ሕቶታትን ጥርጣረታትን ብዝምልከት፤ ብፍላይ ውድብና ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ንኹሉ ዝለዓል ሕቶ ኣብ ቕንዕናን ፍልጠትን ተመስሪቱን ፈቲሹን ብቑዕ መልሲ ካብ ምሃብ ሰልክዩ ኣይፈልጥን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ድሕሪ ነዊሕ ፅንዓት ብጥሪ 2014 ኣ.ግ ‘ህልው ኩነታት፣ ስግግርን ሕውየትን ትግራይ’ ብዝብል ርእሲ ንህዝቢ ኣብ ዝዘርገሖ ሰነዱ እንታይነት ስግግር፣ ዝርዝሩን ኣፈፃፅምኡን ዝምልከት ብእርይ ቁፅሪ መርሚሩ ኣስፊርዎ እዩ። ሓደ ብጉርሑ ሓደ ብገርሁ ከምዝበሃል፡ ደጋጊሞም ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ‘ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይኮነን እንተይልኩም ንስኹም ከመይ ሕጋዊነት ይህልወኩም?’ ዝብል ኮይኑ፡ ብፖለቲካ ኣተሓሳስባ ናይ ምውዳብ መሰል ኣብ ሓደ ሕገመንግስቲ ዝሰፈረ መሰል ጥራይ ከይኮነስ ዓለምለኻዊ ዴሞክራስያዊ መሰል እዩ፡፡ ሃገራት ዘለወን ሓላፍነት ኣፍልጦ ናይ ምሃብ ጥራይ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብቲ ሰነድና ኣብ ገፅ 36   ‘ብሄራዊ ጉባኤ ተጋሩ ንሕውየትን ስግግርን ሓዊሱ ብፍላይ ድማ ምርቃቕን ምፅዳቕን ሓዱሽ ሕገመንግስቲ ትግራይ ካልኦት ቅድመ ምምዕርራያት ምግባር ከምዘድሊ ቐሪቡ እዩ። ይኹን እምበር ብመስርሕ ምልኣተ ተሳትፎ ህዝቢ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ምፅዳቕ ግዘ ዝወስድ ስለዝኾነ፤ እዚ ግብራዊ ይኹን እንተተባሂሉ ድማ ዕዮ ምሕንፃፅን ምፅዳቕን ሓዱሽ ሕገመንግስቲ ትግራይ ዘሳልጥ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል ስለዘየለ፤ ነዞም ክልተ ባህግታት ኣታዓሪቑ ዝኸይድ መፍትሒ ኣድላይ ይኸውን። እዚ መፍትሒ ናይቲ ስግግር እዋን ላዕለዋይ ሓጋጊ ዝኸውን ላዕለዋይ ሰነድ ኪዳን(ቻርተር) እቲ ስግግር ኮይኑ ዘገልግል ሰነድ ብብሄራዊ ጉባኤ ትግራይ ተዳልዩ ዝፀድቕ ይኸውን’  ዝብል ሓሳብ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሰነድና ብግልፂ ከምዘቐመጥናዮ በቲ ብናይ ስግግር ቻርተር ዝጣየሽ ሓድሽ ትካል ኣቢሉ ውድባት ክምዝገባን ኣፍልጦ ክረኽባን  ይኽእላ እየን ዝብል መልሲ ኣቐሚጥሉ እዩ፤ ልክዕ ከምቲ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብናይ ስግግር ቻርተር ብዝጣየሽ ሓድሽ ትካል ኣቢሉ ሕጋውነቱ የረጋግፅ ዝብል እምነትና ማለት እዩ። ንካልኦት ክሳብ ሐዚ ዝተልዓሉ ኩሎም ሕቶታት ኣብቲ ብልዑል ፃዕሪ፣ ምስትውዓልን ጥንቃቐን ዝተዳለወ ሰነድ ከምዝመለሰ ዝኣምን ውድብና፤ ፖለቲካና ናይ ልዝብ ኮይኑ ትግራይና ካብ ፀልማት ክትወፅእ ዝደሊ ዝኾነ ግዱስ ትግራዋይ ሐዚ እውን እቲ ሰነድ ከንብቦን ካብ ናይ ፀለመን ‘ተብሃለያን’ ወረታት ክርሕቕ ውድብና ይምዕድ። 

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እቲ ኣንፃር ሃገራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ዘቕነዐ ናይ ፀለመን ምክፋእን ነፍሒ(propaganda) ኣትሪሩ ዝቃወም ኮይኑ መላእ ህዝብና ይኹን ዲያስፖራ ትግራይ እዚ ካብ ስልጡን ፖለቲካ ናብ ናይ ድሕረት መገዲ ዝመርሐና ፖለቲካ ንቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ይኣክል ክብሎ ይግባእ ይብል። በዚ ኣጋጣሚ ህወሓት ብስም ‘ህዝባዊ ዋዕላ’ ኣብ ዝፀዎዖም ሃገራውያን ውድባት ናይ ምስይጣን መድረኻት ተረኺብኩም ‘ናይ ድሕረት ፖለቲካ ኣይጠቅምን፡ ናብ ውነኹም ተመለሱ’  ኢልኩም ዝመዓድኩም ይኹን፤ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኮይንኩም ነቶም ፀለመታት ‘ኣያም’ ዝበልኩም ኩለኹም ናእዳና እናገለፅና፤ ድሕነት ትግራይና ዝረጋገፅ ብተሳትፎ ኩላትናን ነገራት ኣድቂቅኻ ምርኣይናን  እዩሞ ኣጠናኺርኩም ክትቕፅልሉ ንፅውዕ። ኣብዚ ብፍላይ እተን ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘለዋ ሓደ ሓደ ስሩዓት ሚድያታት ካብ ዝኸደኦን ይኸደኦን ዘለዋ ዓፋኒን ንሓደ ዝወገነ ሻራዊ ኣካይዳ ተቖጢበን ምእንተ ረብሓ ትግራይ ደው ክብላ፤ ኣብ ርእሲና ኣብ ዝለዓሉ ውንጀላታት(allegations) ድማ ናትና ድምፂ ክሓታናን ከስመዓን ሐዚ እውን ደጊምና ንሓትት።

2/ ስደት ዝምልከት

ታሪኻዊያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብቶም ህዝብና ከፅንትዎ ዝጥቀምሎም ሜላታት ሓዲኡ ዝኾነ ዕፅዋን ክባን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ስራሕ ካብ ዘእትውዎ እነሆ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ህዝብና ኣብ ሕድሕድ ደቒቓ  ብጥሜትን ሕማምን ይሃልቕ ኣሎ። ፀላእትና ካብቶም ምህዞታቶም ሓደ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ክስእንን ቀስ ብቐስ ፋሕ ጭንግርሑ ክወፅእን ምግባር እዩ። እዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ምስ ዘሎ ምሕደራውን ፖለቲካዊን ሕመቓት ተተሓሒዙ ድማ ህዝቢ ትግራይ፡ ብፍላይ እቲ መንእሰይ ተስፋ ብምስኣን ሓያሎ ሓደጋታት ዘለውዎ ስደት ከም መማረፂ ይሪኦ ኣሎ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ቅድሚ 21 ሰነ 2013 ኣ.ግ ፡ ኣብ እዋን ሙሉእ ጎብጣ እንተለና፣ ትግራይ ገዲፍካ ንስደት ንምኻድ ብዙሓት ኣማራፂታት እንተለው ስደት እንተይኮነስ ‘ፍቓደይ ምእንተ ትግራይ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ምክያድ እየ ዝመርፅ’ ኢሉ ዝተቓለሰ ህዝብና ብፍላይ እቲ መንእሰይ፤ ንምንታይ ሐዚ በፂሑ ክስደድ ይደሊ ኣሎ? ኢልና ክንሓትትን ኢሂን ምሂን ክንበሃሃልን ኣብ ዝግበአና ወሳኒ እዋን ንርከብ ኢሉ ይኣምን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣንፃር ደጋዊ መፅነቲ ይኹን ምእንተ ውሽጣዊ ሓርነት ትግራይ ኣትሪርና ክሳብ ዝተቓለስና ትግራይ ዓዲ ተስፋ እያ ኢሉ ዝኣምን እንትኸውን፤ ሰኣን ውሽጣዊ ሓርነትን ምሕደራዊ ሕመቕ ዘጋደዶ ዓፀቦን ዝሕረይ ዘሎ

ስደት ግን ትኽክል እዩ ኢሉ ኣይኣምንን። ሕድሕድ ክስደት ዝብህግ መንእሰይ ኣብ ስደት እንታይ ክገጥሞ ከምዝኽእልን እንታይ ይገጥም ከምዘሎን ክርዳእ ኣለዎ ድማ ይብል። ኣብ ሕድሕድ መሰደቲ ናቑጣታት ዝርከቡ ፀላእቲ ንስደት ዘቕንዑ መናእሰይ እናጨወዩ ኣንፃር ትግራይ ናብ ዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይልታት የሰልፍዎም ከምዘለው እውን ጥሉላት ሓበሬታታት ኣለው። ካብዚ ብተወሳኺ  ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዝስደት ዘሎ ትግራዋይ ኩሎም ዓይነታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሙሉ እዮም ዘለው። ብሓፈሻ ስደት ከይዱ ከይዱ ትግራዋይ ዝበሃል ታሪኻውን ዘበናት ዝተሻገረን ብሄር ካብ ምጥፋእ ዓዲ ኣይክውዕልን። ነዚ እዩ ድማ ተሰዲትና እውን ካብ ዘይነምልጦ መከራ ካብ ምምራፅ፤ ምእንተ ውሽጣዊ ሓርነትን ብሃገርነት ዝጠቓለል ሙሉእ ናፅነት ትግራይን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኩሉ መንእሰይ ተሓዊሱ ክቃለስ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደጋጊሙ ዝፅውዕ። 

ምኽንያት ስደትና ደጋዊ ፀላእትና ብዝፈጠርዎ ዕፅዋን ክባን ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ሓርነትናን ናፅነትናን ንከይነረጋግፅ ሓሊኹ ኣብ ዝሓዘና ሓይሊ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ውድብና፡ ነዞም ማሕለኻታት በታቲኽና እታ ተብሃጊትን ዲሞክራሲያዊትን ሃገረ ትግራይ ክንፈጥር ኩልና ሻማ ሻማ ኢልና ኣትሪርና ክንቃለስ ይፅውዕ።

ሃገርነት ይኹን ውሽጣዊ ሓርነት ዝረጋገፁ ኣትሪርካ ብምቅላስ ከምዝኾነ ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፤ ሐዚ እውን መንእሰይ ትግራይ ኹለ መዳያዊ ቃልሲ ብትሪ ክቃለስ ከምዘለዎ ከዘኻኽር ይደሊ።

ትግራይ ትስዕር!

ሓምለ 22/2014

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

መቐለ፡ ትግራይ 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT