Uncategorized

መግለፂ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኣብ ወፃኢ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ

Published

on

ኣብ ትግራይ ዝካየድ ንዘሎ ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ መንበረ ጵጵስና።

“እምበኣርስከ እዚ ቃል እዚ ንገሮም፥ እታ ድንግል ጓል ሕዝበይ ብብርቱዕ መውቃዕቲ፥ ብዘሰቂ ቁስሊ ተሰቢራ እያ እሞ፥ ኣዕይንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ ኣለዋ። ናብ መሮር እንተ ወጻእኩ እነሆ ብሰይፊ ዝሞቱ፥ ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥ እነሆ ብጥሜት ዝቓህመሙ፥ ክሳዕ ነቢይን ካህንን እኳ ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።” ኤር. 14:17-18።

ክቡራት ምእመናንን ምእመናትን እዚ 623 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተነግረ ትንቢት፥ ኣብ ዘመንና ብተግባር ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ክልተ ሃገራት ዝነብሩ ኣኅዋት፥ መበቆል ታሪኽን እምነትን ዝኾና ሃገራት፥ ብፍላይ ድማ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓንቲ ማይ ጥምቀት፥ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደቶም፥ ካብ ሓንቲ መኣዲ ዝበልዑን ካብ ሓንቲ ጽዋዕ ዝሰተዩን ደቀይ እትብሎም ውሉዳ፥ ብሰይፍን ኩናትን፥ ክጣፍኡን፥ ክሃልቁን፥ ሕፃናት ክዝኽትሙ፥ ጎራዙት ክድርመማ፥ ኣዴታት ክቑዝማ፥ ኣቦታት ክኹርመዩን ማእሶም ብንብዓት ከጠልቅዩን፥ ምርኣይ ነታ ወላዲት ቤተ ክርስቲያን ከቢድ መሪር ሓዘን እዩ።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት፡ እዚ ኩናት ክጅመር እንከሎ’ውን: የካቲት 25, 2021 (የካቲት ፲፰፣ ፳፻ ዓ.ም. ግእዝ)  “ኲናት ሰብ እዩ ዝቕለብ” ብዝብል ነቲ ዝተወልዐ ኲናት ተቓውሞና ገሊጽና ኢና። ሕጂውን ደጊሙ ነቲ ሰብ ዘጽንት ዘሎ ከቢድ ኲናት፥ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያንን ንጹሓት ዜጋታት ዘብጽሖ ዘሎ ጥፍኣትን ቅትለትን ብትሪ ንውግዝ ኣሎና።

ብክልቲኡ ወገን፥ ኣኅዋትናን ኣትናን፥ ስድራ ቤቶም ሓዲጎም፥ ኣብ ከቢድ ሞትን ስንክልናን ዝወድቁ ዘለዉ በቲ ወሪድዎም ዘሎ ከቢድ ፈተና፥ ሓዘን ይስምዓና፡ ነቶም ዝሰንከሉ ምሕረት፥ ነቶም ዝዓረፉ ድማ መንግሥተ ሰማያት የዋርሶም ንቑጻት እግሪ ይበረልና።

ስለዚ ሕጂውን እዚ ኲናትን ህልቂትን እዚ ብህጹጽ ደው ክብል። ብሰላማውን ብሕጋውን መንገዲ መዕረፊ ኪግበረሉ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ጸዋዒትና ነቕርብ። ነዚ ጸዋዒትናን ኣውያትናን ድማ፡ ሰማዒና ሓደ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ፥ ንሱ ኪሓልፎን ኪፍጽሞን፥ ከም ቃሉ “ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ኪፈርድ፥ ንብዙኃት ሕዝብታት ኪዳንዮም እዩ፥ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፥ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሠርሕዎ እዮም፥ ሕዝቢ ኣብ ሕዝቢ ኣይኪልዓልን እዩ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሃሩን እዮም።” ኢሳ 2:4 ዚበሎ ቃል ትንቢት ኪፍጸመልና። ብዛዕባ እዚ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ተወሊዑ ዘሎ፥ ኣዕናዊ ኲናትን ካብ ሰኑይ ፳፫ መስከረም ፳፻l፭ (October 3, 2022) ክሳብ ፳፱ መስከረም ፳የ1፭ (October 9, 2022) ናይ ሰሙን ጾምን ጸሎትን ሱባኤ ክግበር ቤተክርስቲያን ወሲና ኣላ።

በዚ መሠረት ኩሉ ሰብ ጾምን ጸሎትን ኪገብር፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ:  ሰዓት 6:00 ክሳብ 8:00 ምሸት ብኣቈጻጽራ  Washington DC (Eastern Time) ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ብርሕቀት ኃቢርኩምና ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ጸዋዒትና ነመሓላልፍ።

ንሰሙን (ሰኑይ – ቀዳም) መዓልታዊ ካብ ሰዓት 6:00 – 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ ዝዝርጋሕ መደባት ኣገልግሎት፡ በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።

እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን የውርደልና።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡

1 ጥቅምቲ 2022 ( መስከረም 22፣ 2015 ዓ.ም ግእዝ)

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version