Connect with us

ዜና

ውድባት ሳወትን ውናትን ኢሓቛፊ ዝበሉዎ ምስረታ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ከም ዘኢይቕበሉ ይገልፁ

Published

on

ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ይጣየሽ ከም ዘሎ ዝየርእዩ ከይድታት ኣለዉ። እዙይ ስራሕ ዝይዓዪይ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ እውን ተጣዪሹ፥ ይሰርሕ ከም ዘሎ እዩ። እቶም ከይድታት ምስረታ ኣተሓበሪ ኮሚቴን ምስረታ ግዝያዊ መንግስትን ግን ግልፂ ኣይኰኑን። ብ ምንታይ ሕጊ፥ ብ ምንታይ መትከላት ከም ዝተመስረቱን መን ከም ዝይመርሖምን ብ ግልፂ ኣይይፍለጡን።

ኣብ እዞም ዛዕባታት፡ ክልተ ውድባት ትግራይ (ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ወ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)) ብርቱዕ ተፃርሮኣቶም ገሊፆም ኣለዉ።

ሳወት ብ ቕድሚ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዝይስዕብ ኢሉ።

እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ዝተውሃበ መግለፂሕገ መንግስቲ ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ሓቛፋይ ናይ ስግግር ከይዲ ክህሉ ውድብና ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ተደጋጋሚ ፃውዒት ገይሩ እዩ፡፡ እዚ መማረፂ ሓሳብ ነቲ ኩነታት ዝምጥን ዝበለፀ መዋፅኦ ዋላ እንተነበረ ኣብ እዋኑ ግብራዊ ብዘይምዃኑ ህዝብና ንዝገደደ ሰብኣዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ተቓሊዑ እዩ፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብዝምልከት ኩሎም ኣካላትን ሓይልታትን ብዘሳትፍ ሓቛፋይ ከይዲ እዩ ክውሰን ዘለዎ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለና፡፡ ካብዚ ወፃኢ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብዝምልከት ሓደ ኣካል ዝበሓቶ ከይዲ ተቐባልነት የብሉን፡፡ ስለዝኾነ ውድብና ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ውድባዊ ውግንና ሒዞም ዝጣየሹ ናይ ውሻጠ ኣካላት ይኹን ኮሚቴታት ርክብ የብሉን፡፡

ሳወት

ውናት ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ክዓ ዝይስዕብ ኢሉ ኣሎ።

እዋናዊ መግለፂ ውድብ ናፅነት ትግራይኣብዙ ሐዚ እዋን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ብዙሕ ዘረባታትን ምድንጋራትን ከምዘሎ ይፍለጥ። ብዙሕ ወረን ናይ ሕሶት ርክባት ህዝብን ከምዝስርሑ እውን ንዕዘብ ኣለና። ቅድም እንትብል ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ኣብዘየለናሉ ውድባት ኣብ ተደራዳሪ ጉጅለ ከምዘለና ኣምሲሉ ቅሉዕ ቅጥፈት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ፈፂሙ እዩ። ሐዚ እውን ብስሩዕ ልሳናት እቲ ጉጅለ ውድባት ነሳትፍ ኣለና ዝብል ቅሉዕ ተደጋጋሚ ምጭብርባርን ምድንጋርን ኣጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን ውናት ኣብ ጉዳያት ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ዝምልከት ምስቲ ዕድል ትግራይ ዘፀለመ ጉጅለ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን ዘተ ከመዘይገበርናን ከምዘይተስማዕማዕናን ክንገልፅ ንፎቱ።

እቲ ሐዚ ኣብ ጉዳይ ግዝያዊ መንግስቲ ብስም ሰራዊት ትግራይን ምሁራትን ዝግበር ዘሎ ገዛ ዓፂኻ ዝተሳሰየ ሸቐጥ ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ከምዘይንቕበሎ ድማ ነፍልጥ። ኣብ ክንዲ እዚ ንኹሎም ሓሳባት ትግራይ ዝውክል ቅኑዕን ግልፅን ብሄራዊ ኣካይዳ ዘረጋግፅ እንተኾይኑ ጥራሕ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክንገብር ፍቓደኛታት ምዃና ንገለፅ።

ካብዚ ወፃእ እቲ ሐዚ ዝገበር ዘሎ ቆቢዕ ህወሓት ናይ ምቅይያር ልኡኽ ሓሳባት ትግራይ ዝውክል ከምዘይኮነን ጌጋታት መባዝሒ ብልሓታት እናተጠቐምካ ዝተጣየሹ ጉጅለታት ኣብ ዝፈጥርዎ ዕንክሊል ኣቲና ስቓይ ህዝብና ክነናውሕ ፍቓደኛታት ከምዘይኮና ክነፍልጥ ንደሊ።

ባህጊ ናፅነት ትግራይ ፈፂሙ ኣይኽበስን!!

ውናት

ብ ሓፂሩ፡ ቅኑዕን ግልፅን ኣከያይዳን፥ ምስረታ ሓቛፍን ግልፅን ግዝያዊ መንግስትን ፀዊዖም ኣለዉ።

ብ ሌተናንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ቀዲሙ ተፅሒፉ ትማሊ ዝወፅአ ፅሑፍ ኣጀንዳ ለውጢ እውን መንፈስ እዞም ውድባት ዘልዓሉዎም ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። ብ ኻልእ ኣብሃህላ፡ ካብ እቶም ጀነራል ፃድቃን ዘልዓሎም ሓሳባት፡ ምምዕባል ዴሞክራስያውን ኣሳታፋይን ከይድን ምስረታ ሓቛፊ መንግስትን ኣለዉዎም። ምናልባሽ ሀዚ ዝተሓተመሉ ምኽንያት፡ እዞም ዛዕባታታ ጐሊሆም ዝወፅኡሉ ጊዜ ስለ ዝዀነ ይመስል።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT