Uncategorized

ᎀት ብ ሰንኪ ጥምየት ኣብ ስሓርቲ ሳምረ

Published

on

ብ ጎይትኦም ገብረእግዚኣብሔር

ኣይተ ታደሰ ገብሩ ነባሪ ቍሸት መገንዓ፡ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ደብረ ሓይላ፡ ወረዳ ሳምረ ዞባ ደቡብ ምብራቕ እዩ። ኣቦ ሽዱሽተ ዕያል እዩ። በዅሪ ወላዱ 13 ዓመት እንትይዀን ሕሳስ ጓሉ ድማ ሰለስተ ዓመት እያ። ኣብ ገዝኡ ሕሰምን መከራን ኣሎ። ወይዘሮ መድህን ብርሃኑ ባዓልቲ ቤቱ እያ።

24 መጋቢት 2015 ዓም ንኣይተ ታደሰ ፀልማት መዓልቲ ነይራ። እንተ ምንታይ ሲ ባዕልቲ ቤቱ ሽዱሽተ ህፃውንቲ ሓዲጋትሉ ብ ጥምየት ካብ እዛ ዓለም ተፈልያ።

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ፡ ምምሕያሽ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ሰላምን ከም ዘሎ እዩ ዝይፍለጥ። ኮይኑ ግና ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምዚ ዝበለ ዜና ምስማዕ ብጣዕሚ መደንፀዊ እዩ። ብ ፍሉይ ኣብዚ ጣብያ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ እታወታት ሕርሻ ብ ዘኢምቕራቡን ዝይድለይ ምህርቲ ክይርከብ ኣይተኽኣለን። ሎሚ ዓመት እውን እታወታት ሕርሻ ብ እዋኑ ክቐረበሎም ከም ዝይግባእ ይሕብሩ።

ወይዘሮ መድህን ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ሳምረ ሪፈር ተብሂላ ግና ክትድሕን ኣይክኣለትን። ከም ሓበሬታ ኣማሓዳሪ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ደብረ ሓይላ ዝዀነ ኣይተ ኣሸብር ተካይ፡ ድሕሪ ጥቅምቲ 2015 ዓም 16 ሰባት ከም ዝᎀቱ፥ ካብዚኣቶም ሹዱሽተ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፣ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ኣብ እዋን ክብባን ዕፅዋን ᎀይቶም ። ብ ድምር ኣብ እታ ጣብያ 22 ሰባት ብ ሰንኪ ጥምየት ከም ዝᎀቱ እዩ። ብ ተወሳኺ ኣስታት 65 ወገናት ኣብ ኣፍ ᎀት ከም ዝዀኑ፥ ኣካላቶም ዝደምበው ወይ ዝሓበጡ ኣለው ይብል። ካብቲ ጣብያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብ ሰንኪ ጥምየት ብ ድምር 188 ስድራ (1026 ዕያል ዘለውዎም) ተፈናቒሎም እዮም።

ስእነት ረድኤትን ᎀትን ኣብ ሳምረ

ኣብ እታ ጣብያ ይዅን ብ ሓፈሻ ኣብ ሳምረ ብ ሰንኪ ጥሜት ሰብ ይᎀት ከም ዘሎ እዩ። እዙይ፡ ዝርዝር ኣስማት ብ ሰንኪ ጥሜት ኣብ እታ ጣብያ ዝᎀቱ ሰባት እዩ።

ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒላ ኣብ ሳምረ ዝትርከብ ሰብ ስለ ኵነት ረድኤት ትናገር

1 Comment

  1. Teklay

    May 10, 2023 at 12:35 am

    ክንሕግዝ ነርና ስልኮም እተረኪብና

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version