Connect with us

ርእይቶ

ህዝቢ ካብ ሓደጋ ነተጕቲ ንምድሓን ብርቱዕ ስራሕ የድልይ

Published

on

ግርማይ ግሩም ሓጎስ 

ኣብ ዓድድና ትግራይ ካብ 2013 ዓም ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ናይ ውግእ መዋእል ብዙሕ ንምርኣዩን ንምዝራቡን ዝይኸብድ ግፍዒ ስደት፣ ᎀት፣ ጥሜት፣ ሕማም፣ መጕዳእቲ ኣካል፣ ዕንወት ሃፍትን  ቍጠባን ኣጋጢሙና እዩ። እዚ ከኢይኣክል ድማ እቱ ወራር ብ ቕሉዕ ካብ ዝተፈፀመሉ ግዜ ኣትሒዙ ክሳብ ሐዚ  ኣብ ኵሉ ናይ ትግራይ ከባቢታት ማለት እውን ኣብ ከተማ ይዅን ኣብ ገጠራት ዓድና አብ ትሕቲ መሬት ዝተቐበሩን ኣብ ልዕሊ መሬት ተበታቲኖም ዝይርከቡ ነተጕትን  ተተኰስትን ኣብ ሕብረተሰብና ብዝልዓለ ደረጃ ᎀት፥  ኣካላዊን ስነ ልቦናዊን  መጕዳእቲ  እናብፅሑ ይርከቡ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ዓድድና ኣብ ቅድሚ ህዝብና ተቐሚጡ ዘሎ ዓብዪ ሓደጋ ግዜ ዘኢይውህብ ምዃኑ  ብ ገንኡ ብ ምርዳእ እዙ ኵነታት ክይእለይ እንተ ድኣ ዘኢተሰሪሑሉ  በዚ ዝይመፅእ ጕድኣት ቀሊል ኣይዀንን። እዞም ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ድሕሪ ኲናት ወይ ድማ ውግእ ደው ድሕሪ ምባሉ እውን ዘኢይሓድጉ ዝተሓብኡ ድጉላት ሓውታት ወይ ኣብ ትሕቲ መሬትን ልዕሊ መሬትን ዝተቐበሩ ሓደገኛታት ኣብረስቲ እዮም። ን ህዝቢና ክልተ ግዜ ናይ ᎀት ምዕራፍ ክይሓልፍ ዝይገብሩ መሳርሕታት ብምዃኖም ናይ ጕድኣት መጠኖም ንምንካይ እንተ ተኻኢሉ ድማ ካብ ዝዀነ ዓይነት ብ ከም እዙይ ክይፍጠር ካብ ዝይኽአል ዓይነት ጕድኣት ንምድሓን ኣዝዩ ዓብዪ ቈላሕታ ዝየድልዮን ብትዅረት ክይስርሐሉ ዝይግባእ ውራይ ህላወ ህዝብና እዩ።

ኣገዳስነት ናይዚ ፅሑፍ እዚ

እዞም ዝተፈላለዩ ዓይነት ተጕተን ተተኰስትን ክሳብ ሐዚ ኣብ ሕብረተሰብና  ን ምእማኑ ዝየፀግም ሓደጋታት የስዕቡ ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሓበሬታት የመላኽቱና ኣለዉ። እዙይ ብምዃኑ ድማ ብ ኣቕልቦ ክይረአይ ዘለዎ ውራይ ኰይኑ ንረኽቦ። እዞም ሓደጋታት እዚኦም ክየብፅሑዎ ዝይኽእሉ ጕድኣት ኣቐዲምና ኣስተብሂልና ን ምፍታሕ እንተ ድኣ ዘኢተሰሪሑሉ ጕድኣት ህዝብና ዝያዳ ክይውስኽ ይገብሮ። ብተወሳኺ እውን  እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ መዕቘቢ ማእኸላት ተዓቚቡ ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ስለ ዝይምለስ ኣድላዪ ርድኢት ኣብ እዋኑ ብ ምፍጣር ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝስኣንናዮ ከኢይኣክል ተወሳኪ ህዝብና ከኢይጉዳእ ካብ ብ ሐዚኡ ስራሕቲ  ኣስተምህሮ፣ ምፅናፅ፣  ምፅራይ፣   ምፍታሽ፣  ምምካንን ብሓፈሻ ዝየድልይ  ቅድመ ጥንቃቐ ምግባር የድልይ። እዙ ፅሑፍ ኣብ ምብራኽ ርድኢት ናይቲ ዘለናዮ ኵነታት ይዅን ናብ ግብራዊ ስራሕ ኣብ ምግስግጋስ ውሱን ኣበርክቶ ክይህልዎ ትፅቢት እገብር። ብ እዙይ መሰረት ሕብረተሰብና ዝይነብረሎምን ዝይንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት ከመይ ገይሩ ዓርሱ ካብ ሓደጋ  ክይካላኸል ከም ዝይኽእል ከምኡ ውን አብ ግዝያዊ መዕቘቢ ዝይርከብ ተመዛባለይ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ስሩዕ ዝዀነ መነባብርኡ ክይመርሕ እንተ ዀይኑ እዞም ኣብ መሬቱን መረበቱን ተዘሪኦም ዘለዉ ነተጕትን ተተኰስትን ብ ባዕል ሞያ ተኣርዮም መሬት ትግራይ ናፃ ክይዀን ኣዝዩ ኣገዳሲን እዋናዊን ኣጀንዳና ክይዀን ይግባእ።

ኣብነታት ንርአይ 

እዞም ነተጐትን ተተኰስትን፡ ካብ ምስዓብ ᎀትን መቝሰልትን ብ ተወሳኺ፡   ከም መጓዓዝያ፣ ኣቕርቦት ረድኤት ፣ ስራሕቲ ሕርሻ (ማእቶት)፣ ስርዓተ ሕክምና፣ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየትን ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናትናን ክየተኣጓጕሉ ዝይኽእሉሉ ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎም። ብ መሰረት ትካል ተሃድሶን ልምዓትን (RaDO) ዝተብሃለ ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነጥፍ ትካል  ኣብ ወረዳታት እንዳባፃሕማ፥ ሓውዜን፥ ቀይሕ ተኽልን  ስሓርቲ ካልኦትን  ኣብ ዘካየዶ ፅንዓት መሰረት ብምግባር  ኣብ ወረዳ ሓውዜን ግዳይ ናይዚ ሓደጋ ካብ ዝዀኑ  18 ወገናት ወገናት ማእከላይ ዕድመኦም 15 ዓመት ኰይኑ ንረኽቦ። ብ ተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ስሓርቲ ድማ 20 ወገናት ግዳይ ናይዚ እንትይዀኑ ማእከላይ ዕድመኦም 14 ዓመት እዩ። ካብ እዙይ ዝንርድኦ፡ ማእከላይ ዕድመ ኣብ እዘን ዝተጠቐሳ ክልተ ወረዳታት ᎀትን መጕዳእቲ ኣካልን ዘጋጠሞም 38 ሰባት ኣስታት 14 ዓመት እዩ። እዙይ እድመ ቈልዑ እዩ።    እዙ ኣሃዝ ናይ እቱ የጋጥም ዘሎ ግን ክሳብ ሐዚ ዘኢነቓሕናሉን ዘኢተሰርሐሉን ሕቡእ ሓደጋ ንምርኣይ ጥራሕ ዝይፍትን መባእታዊ ሓበሬታ እምበር ኣብ ኵሉ ናይ ትግራይ መሬት ካብ 2013 ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ብ ከም እዙይ ዝበፅሐ ሓደጋ ኣድቂቅካ እንተ ዝይፅናዕ ኣዝዩ ዝየሰክፍን ዝየደንግፅን ከም ዝይዀን ኵሉ ዝይስሕቶ ኣይይመስለንን። 

ንምንታይ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለና ክየገድሰና ክኢሉ?

ኣብ ትግራይ በዞም ዝይስዕቡ መበገሲታት ሓደጋ ተተኰስቲን ተፈንጀርትን ዝልዓለ ጕድኣት ከኢየስዕብ ዝየስግእ ኰይኑ ንረኽቦ።

  • ክሳብ ሐዚ  ዘለዉ ሓበሬታታት መሰከፍቲ ብ ምዃኖም።  ብዙሕ መጠን ጕድኣት ኣብ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ ብ ዝየሕዝን መልክዑ ይስማዕ ኣሎ። 
  •  ርድኢት ሕብረተሰብና ኣብዚ መዳይ ትሑት ምዃኑ። ኣብነት ብዙሕ ከባብታት ዓድድና  ተተኰስቲ ተረፍን(ቅልሃን) ንዝተፈላለለይ ዓይነት ስራሕቲ ዝየውዕለሉ ልምዲ ኣለዎም።
  • ብመንግስቲ ይዅን ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ትዅረት ዘኢተውሃቦ፥  ብዙሕ ስራሕቲ ምብራክ ኣፍልጦ ዝይሓትት እዋናዊ ስራሕ እናሃለወ እኹል ቈላሕታ ዘኢተውሃቦ ምዃኑ።
  • እቲ ኲናት ኣብ ኵሉ መሬት ትግራይ ስለ ዝተኻየደ እዞም  ተተኰስትን ተፈንጀርትን ኣብ ኵሉ መሬት ትግራይ ምርካቦም ስለ ዘኢይተርፍ።
  • ኣብ ትግራይ ይካየድ ዝነበረ ኲናት ፍሉያት ባህርታት ማለት እውን ከም ደባይ  ውግእ ምጥቃምም ወይ ሕፅረት ተተኰስቲ ንምቕናስ ኣብ ትሕቲ መሬት ተተኰስቲ ዝተቀበርሉ ኵነታት ስለ ዝነበረ። 
  • ቅልጡፍ ወይ ድማ ግዜ ዘኢይውህብ ናይ ውግእ ከይዲ ስለ ዝነበረ ቀፃሊ ምንስሓብ ሓይልታት ስዒቡ ተተኰስትን ነተጕቅን ንክተወግድ ይዅን ክትእክብ ግዜ ዘኢይውህብ ብ ምንባሩ። 
  • ዝተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ብ ምንባሮምን ካልኦት ምክንያትን ኣብ ትግራይ ብ ዘኢዓቀን ብዙሓት መጠንን ዓይነትን ተተኰስትን ነተጕትን ተዘሪኦም ክይርከቡ ዝይኽእሉሉ ዕድል ዝዓበየ ስል ዝዀነ።

እዘን ፎቶታት ካብ ፌስቡክ ዝተወሰዳ ኰይነን ኣብ ትግራይ ወረዳ ቆላ ተምቤን ከባቢ ጅጅቐ ኣብ ሕርሻ ቦታ ዝዓለባ ከይነን  ዘኢተፈንጀራን እውን እየን።  ከም እዚኦም ዓይነታት ብ ኣሽሓት ከም ዝይህልዉ ድማ ይግመት። 

      ኣብ ትግራይ ክንረኽቦም ዝንኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ነተጕትን ተተኰስትን እንታይ እንታይ ክይዀኑ ይኽእሉ? 

  • ፀረ ሰብ /Anti-personnel/
  • ፀረ ታንኪ /Anti-tank/
  • ነተጕቲ ሕዳጋት ኲናት /ERW/                                                  
    1. ፀረ ሰብ (Anti-person): – ነተጕቲ ማለት ኣብ ትሕቲ መሬትን ልዕሊ መሬትን ዝይፃወዱ ኰይኖም ኣዝዮም ሓደገኛታት ኰይኖም እንተ ተነኺኦም ብ ቐሊሉ ዝይፍንጀሩ ንᎀትን ምጕዳል ኣካልን ዝየቃልዑ እዮም።
    2. ፀረ ታንኪ (Anti-tank) ነተጕቲ ዝይባሃሉ ልክዕ ከም ፀረሰብ ነተጕቲ ዝይፃወዱ እንትኾኑ ኣብ ዝፈንጀርሉ ስዓት ኣዚዮም ሰፊሕ ቦታ ዝይሽፍኑን ቀተልትን ኣዕነዉትን ክይኮኑ ይክእሉ።ብዛዕባ እዚኦም ሕብረሰተሰብና ካብ ምንኽኻእ ክይቝጠብ ብ ዘኢምቍራፅ ምምሃር ይግባእ።
    3. ነተጕቲ ሕዳጋት ኲናት (Explosive remnant of war) ክልተ ክፍልታት ኣለውዎ
      1. Unexploded Ordnance [UXO] ዝተፈላለዩ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓብይ ናይ ኲናት መሳርሒ ዝይባሃሉ ብድሕሪት ወይ ብቕድሚት ኣፈሙዛት ተገጢሞም ዝይትኮሱ ፤እንትዓርፍ ድማ ከፈንጅርዎ ዝይኽእሉ መባራዕቲ ነገራት ዝተገጠመሎምን እዮም፡፡ እዚኣቶም ካብ ዝነኣሰ ጥይት ጀሚሩ ክሳብ ናይ መዳፍዕ ቍምበላ፣ናይ ኣየርን ድሮንን ሚሳይላትን ቦምብታትን ዝጠቓለለ እዩ፡፡ብቐሊሉ ስለ ዝይፍንጀሩን ዝይትኮሱን ብምንኽኻእ ጕድኣት የብፅሑ፡፡ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሙቐት እንተ ረኺቦም (ፀሓይ ይዅን ምቅጥቃጥ)ቀልጢፎም ናይ ምብራዕ ባህሪ ስለዘለዎም ኣብ ዝተርኣይሉ ጊዜን ቦታን ቀልጢፍካ ንሰብ ሞያ ብምሕባር ተፈንጂሮም ጕድኣት ከየብፅሑ ልዑል ጥንቃቐ ክይግበር  ይግባእ፡፡
      2. Abandoned Explosive Ordnance[AXO]   እዚኣቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተረስዑ፣ ኣብ ጥቕሚ ዘኢውዓሉ፣ ኣብ መኽዝን ዝይርከቡ ናይ ኲናት ኣፅዋር ዘካተቱ እዮም።

ነተጕቲን ተፈንጀርትን ብ በዝሒ ክይርከቡሎም ዝይክእሉ ቦታታት  

ሕርሻ ወይ ሰውሒ፤ ግድሚ፤ እንኮላይ ኣብያተ እምነታት እውን ክይዀኑ ዝይክእሉ ኮይኖም ፤ ብፍላይ ግን ኣብ እዞም ዝይስዕቡ ብ በዝሒ ክይርከቡ ይክእሉ።

  • ካምፕታት ወታሃደራት ኣብ ዝነበሩ ቦታታት
  • ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ
  •  ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ሓረስቶት
  •  ኣብ ትካላት ጥዕና 
  • ኣብ ዝተፈላለዩ መካዚኖታትን ኣዳራሻትን 
  • ኣብ እንዳ መጥሓን 
  •  ኣብ ዱፋዕ ወይ ዕርዲን ካልኦትን ቦታታት ብበዝሒ ክይርከቡ ይክእሉ። 

ነዞም ከምዚኦም ዓይነት ሓደጋታት ንምቅናስ ብህፁፅ ክይትግበሩ ዝይግበኦም ተግባራትን ኣፈፀምቱን  

  1. ቀንዲ ብፅሒት ዜጋታት፣ መንግስቲ፣ ትካላት ረድኤትን መሓውር ፀጥታን ካልኦትን 

መንግስቲ ትግራይ ብ ዛዕባ እቱ ሓደጋ ግቡእ ግንዛበ ብ ምፍጣር ነዚ ንምክልካልን ንምቕናስን ንፁር ኣንፈት ክየቐምጥ ይዅን ሓደ ካብ እቶም እዋናዊ ኣጀንዳታት መንግስቲ ገይሩ ኣብ መደባቱ ብ ምቕማጥ ነዚ ዝይምጥን ኣንፈት፣ ትዅረት፣ ክትትል፣ ክየቐምጥ ትፅቢት ይግበረሉ። ብፍላይ ኣብ እዞም ቀፂሎም ዘለዉ፡ ተግባራዊ ስራሕ የድልይ።

ሀ.  ምፍጣር ግንዛበ ኣብ ሓደጋ ነተጕቲ  (Mine Risk Education) 

ብ ዛዕባ መልከዕን ነተጕትን ተተኰስትን፥  ክየስዕቡዎ ዝይኽእለሉ ሓደጋ፥ ዝይርከብሉ ቦታ፥  እንተ ድኣ ተረኺቦም ድማ ክይውሰድ ዝይግባእ ጥንቃቐ፥  ወዘተ ብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት መራኸብቲ ሓፋሽ ንዅሉ ክፋል ሕብረተሰብና ዝይወሃብ ኣስተምህሮ  እዩ። እዙይ፡ እቱ ሓደጋ ወይ እቲ ስግኣት ክሳብ ዘሎ ብ ዘኢምቍራፅ ክይስረሐሉ ይግባእ። 

ለ. ምፅራይ ነታጒ/ (mine clearance)፥  ነታጒ ዝይርከበሉ ከባቢ ምፅናዕን ምቕያስን (Survey)

እቶም ሓደጋ ኣለዎም ተብሂሎም ዝተጠርጠሩ ቦታታት ብምፍታሽን ብምፅናዕን ብ ዝምልከቶን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን እቶም ተተኰስተን ነቶጕትን ገና ጕድኣት ከኢኣብፅሑ ከለዉ ምፅራይን ኣዝዩ ብህፁፅ ክይስራሕ ዝይግባአ ውራይ እዩ።

ሐ. ጕድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ምድጋፍ (Victim Assistance) 

 ግዳይ ሓደጋ ነታጒ ዝዀኑ ወገናትና፡ ኣብ ቍጠባ ይዅን ኣብ ኣካላቶም ክይበፅሖም ዝይኽእል  ጕድኣት ብዙሕ ኰይኑ፡  ቀልጢፎም ግቡእ ሕክምናን ድጋፍ ክይግበረሎም ይግባእ። እዙ ሓገዝ  ክሳብ ዝልዓለ መጥባሕትን ምግጣም ሓገዝቲ ኣካላትን (Medical Assistive Devices) ክይበፅሕ ይኽእል እዩ። ነዚ ዝየድልይ ምትእኽኻብ ገንዘብ ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዩን ሂወት ዜጋታትን ዝየድሕን ተግባር እዩ።

መ. ፅፉፍ መረዳእታ ምስናድን ምትንታንን

 ኣበይ ክንደይ ዓይነት ሓደጋ ኣጋጢሙ፥  ከመይ ከም ዘጋጠመ፥ ዓይነት ጕድኣት፥ ወዘተ ብ ፅፈት ምስናድ ይግባእ።  እዙይ  ወገናት ሕክምናን ድጋፍን  ክይረኽቡ ምእንቲ ይዅን ክይድገፉ፥ ብ ሓፈሻ ድማ ስራሕቲ ሕውየት ንምስራሕ ይጠቅም። ከም እዙይ ምስናድ ንሓገዝቲ ኣካላት ፅፉፍን ዝተተንተነን መረዳእታ ን ምቕራብ እውን ይጠቅም። 

መ. ስራሕቲ ጥብቅና / ንክልከላ ስምምዕነት ፀረ ሰብ ነተጕቲ (Universalization of the land mine ban treaty)

ሃገራት ዓለም ኰላይ እውን እዛ ሃገር ዝፈረመትሉ ፀረ ሰብ ነታጒ  ከኢየማዕብላ፣ ከኢይጥቀማ ሓላፍነት ብዘለዎ መንገዲ ክይኽዝና፣ ሓላፍነት ክይወስዳ፣ ኣብ ሂወት ዜጋታት ጕድኣት ከኢየብፅሓ ዝኣተውኦ ቃልኪዳን ብ ምጥሓስ ነዚ ዝተፅሓፈ ግን ድማ ዘኢይትግበር ናይ ዓለም ሕግጊ፡  ሂወት ተጋሩ ብዝየሕዝን ኵነታት ይቐጥፍ ኣሎ። እዛ ሃገር እውን እዙይ   ብምጥሓሳ ሂወት ተጋሩ ይጠፍእ ኣሎ።  ድምፂ ብ ምዃንን ጥብቅና ብ ምቋምን እዙ ሕግጊ ክትግበር ምስራሕ ክይዘንጋዕ ዘየብሉ ጕዳይ እዩ።

ረ. ምዕናዉ ዝተኸዘኑ ፈንጅታት(Stock pile destruction)

እዚ ተግባር እዚ ተበታቲኖም ዝነበሩ እሞ ዝተኣከቡ ይዅን ንዝተፈላለዩ ወታሃደራዊ አገልግሎታት ኣብ መኽዝን ዝፀንሑ ዝተኸዘኑ ተተኰስትን ፈንጅን ብ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብዝተማልአ ማተርያል ክይመኽኑ ወይ ድማ ክይዓንዉን ጠቕሊሎም ጕድኣት ናብ ዘኢየብፅሕሉ ደረጃ ክይሰግሩን ዝይግበር ከይዲ እዩ።

  1. ካብ ሚድያን ካልኦትን ትፅቢት ዝይግበረሉ 

ዜጋታትና ግዳይ ናይዚ ዝየስካሕኽሕ ሓደጋ ከኢይዀኑ ዝይሕግዝ፣ ዝየድልይ ግዜ ተዋሂብዎ ዝተተለመ፣ ትርጕም ዘለዎ ትምህርቲ ወይ ስራሕቲ ምዕባይ ኣፍልጦ ብ ዝተፈላለየ ኣገባብ ብ ፍላይ ድማ ብ ድራማን ካልኦት ስራሕቲ ስነ ፅሑፍን ኣቢልካ ክይስራሕ ይግባእ።  ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብና ኣነባብራ ወይ ኣረዳድኣ ዝይምጥን ናይ ምህሮ ከይዲ ምጥቃም ዝበለፀ ውፅኢታዊ ክይዀን ይሕግዝ።

ካልኦት ኣብ እዙይ ዝዛየደ ብፅሒት ክይፃወቱ ዝይኽእሉ ኣካላት እውን ኣበርክቶኦም ዝልዓለ ኰይኑ ንረኸቦ።  ኣብነታት ንምጥቃስ ዝይኣከል ኣንቃሕቲ ሕብረተሰብ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ወዘተ ዝልዓለ ኣበርክቶ ክይገብሩ ትፅቢት ይግበረሎም።

                          ፍልፍላት መወከሲ ናይዚ ፅሑፍ 

  1. The International Committee of the Red Cross (ICRC)
  2. Rehabilitation and Development Organization (RaDO) MER Education brochure 

ስለ ፅሓፊ

ግርማይ ግሩም ሓጎስ  ቀደማይ ዲግሪ ብሶሺዮለጂን ማስተርስ ዲግሪ ብማሕበራዊ ጥዕናን (ካብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም) ኣለዎ። ሐዚ ባዕል ሞያ ሕዉየት (Social and Physical Rehabilitation Expert ኰይኑ ኣብ ኢመንግስታዊ ትካል (NGO) ይሰርሕ።

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. ደስታ ወ/ሴ

    May 14, 2023 at 7:16 am

    ፅቡቅ ሓሳብ እዩ እዚ ናይ ዝተፈላለዩ ብርኪ ዕድመ ዝርከብ ህዝብና ሂወት እንዳበለዐ ዝርከብ ከይተፈንጀሩ ዝተቀበሩ ነተጉቲ መንግስቲ ሕፁፅ ፍታሕ ክህበሉ ይግባእ ንህዝቢ እውን እንተኮነ ብሚድያታት ኣቢልካ ካብ ሓደገኛታት ነተጉቲ ዓርሲ ክከላከልን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጥራሕ ክሕብር ከምዘለዎ ትደጋጋሚ መብርሂ ክወሃቦ ይግባእ

    ደስታ ወ/ሴ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT