Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ፦ ቀድዳመዎት ደቅቂ ኣስመራ መን እይዮም?

Published

on

ኣብ ትሕቲ ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ፡ ተጋሩን ከተማ ኣስመራን ዝ ይምልከቱ ተኸታተልቲ ፅሑፋት ክ ይቐርቡ እይዮም። ዞም ፅሑፋት ብ ቐንዱ ብ ኣማኑኤል ሳህለ ተዳሊዎም ብ መምህር ምሉወርቅ ኪዳነማርያም ኣብ 2011 ዓም ብ ፈይስቡክ ዝ ተፈነዉ እይዮም። ዋላ እኵኳ ብዙሕ ናይ ቋንቋ እርርማት ዝ የድልዮም እንተ ዀኑ፡ ቅድድን ኣትተራርኻን ቶም ፅሓፍቲ ዓቅቂብና ከም ዘልለዉዎ ክ ነሕትሞም መሪፅና ኣልለና። መምህር ምሉወርቅ ኪዳነማርያም ብ ዛዕባ ቶም ካብ ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝ ተሰደዱልሉ ዝ ገለፆም ፅሑፋት ኣብ ቅድሚ ቱ ቀድዳማይ ክፍፋል ከም ዙይ ይብል

ርእሰ ከተማ ሃገረ ኤርትራ ዝኾነት ኣስመራ ምስ ምክታምን ምስረታን ከተማታት መቐለን ኣዲስኣበባን ኣብ ሓደን ተቐራራብን ጊዜ እያ ናብ ማእኸልነት ተሰጋጊራ። ኣብ ቀረባ እዋን ታሪኽ ምዕባለ ከተማ ኣስመራ ይፃሓፍን መግለጽታት ይወፁን ከምዘለው ሓበሬታታት ኣለው። ክንዲ ዝኣክል ተገይሩ እቲ ህንፀታ፣ ጥዑም ንፋሳን ናብ ኩሉ ዓይነት መልክዓ ምድራዊ ተፈጥሮ ብቀረባ እተብጽሕ ምዃናን ማእኸል ቱሪዝም እትኾነሉ ዕድል ዓብዪ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ባዕላ እታ ከተማ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ቅርሲ ዓለም ምምዝጋባ ጥራሕ’ኳ ገዚፍ ሓለፋ ከምዘለዋ ዘመልክት እዩ።ብዛዕባ’ዚ ፀጋታት’ዚ ምስ ኣማኑኤል ሳህለ (ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ቀደም መሳርሕተይን ዓርከይን) ትማሊ ኣብዚ ኣብ መቐለ ኮፍ ኢልና ክነዋግዕ ከለና ሓደ ሓደ ዝፀንሐ ታሪክ ከተማ ኣስመራ ኣዘንቲውለይ። ሰብ ክፈልጦ ስለዘለዎ ብሓጺር ክጽሕፋ’ሞ ኣብ ፌስቡክ ክጥቅዓ ተሰማሚዕና። ኣማኑኤል ሳህለ ዓምደሚካኤል ንዘይትፋልጡዎ ኣሕጺረን ብውሑዳት ቃላትን (ዘይምጥነኦ) ከላልየኩም። ኣብ 1944 ዓ.ም ፈ ኣብ ከተማ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ካብ ሃገረ ሽወደን ናብ መቐለ እንዳተመላለሰ ኣብዚ’ውን ይቕመጥ ነይሩ። ንመናእሰይ ኣብ ፍልስፍናን ስነጽሑፍን ኣመልኪቱ ብዙሕ ጊዜ ዕዱምን ኣቕራብን ኮይኑ ነይሩ። ሎሚ ንዝተውሰና መዓልትታት መጺኡ ኣብዚ ኣሎ’ምበር ኣብ ሽወደን እዩ ዝነብር። ኣማኑኤል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብስነጽሑፍ ፈረንሳይን ታሪኽን (major & minor) እዩ ተመሪቑ።ኣብ መምህርነት፣ ኣብ ምርምር ቋንቋን ባህልን ትግርኛ ካልኦት ሞያዊ ስራሕትንብዙሕ ሰሪሑ። ኣብ ባህልን ጽሑፋትን ዘተኮረ ጽሑፋትን ኣስተምህሮን ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ሓንቲ ዓለም ቁ.1ን 2ን ከምኡ’ውን ሰዋስው ትግርኛ ብሰፊሑ ዝብሉ መጻሕፍቲ ኣብዚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሕቲሙ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ መካነ ምርምር ዳይሬክተር ነይሩ። እዛ እትስዕብ ሕሉፍ ዛንታ ከተማ ኣስመራ እተዘንትው ጽሕፍቲ ናቱ እያ። ሰናይ ንባብ።

መን’ዮም እቶም ቀዳሞት ኣዝማሪኖ? ብ ኣማእኤል ሳህለ

ራስ ኣሉላ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ኣስታት 300 ስድራቤት እዮም ነይሮም፡ ናይ ራስ ኣሉላ ዓሽከር ግን ኣስታት 20 ሽሕ ዝቝጸሩ ነይሮም። እዞም ዓሻኽር እዚኣቶም ትግራዎት እዮም ነይሮም፡ መሬት ድማ ኣይነበሮምን። ስለዚ መሬት ኪረኽቡ ዝኸኣሉ ደቂ ኣርባዓ ማለት ድሕሪ ኣርባዓ ዓመት ማለት እዩ። ሽዑ ከም ካልኦት ተወለድቲ መሬት ተዋሂቡዎም። እዚ ድሕሪ ኣርባዓ ዓመት ጻንሒት መሬት ምሃብ ብኣሉላ እተጀመረ እዩ።

ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነበሩ ደቂዓዲ መብዛሕትኦም ሓረስቶት ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ምስ ኣሉላ ዝመጹ ዓሻኽርን ተኸተልቶምን ግን ኵናት ስለ ዘቋረጸ ናብ ናይ ንግዲ ስራሕ እዮም እተዋፈሩ። ባዕሉውን ኣሉላ ፍርቂ ተዋጋኣይ ፍርቂ ነጋዳይ እዩ ነይሩ። እቲ ብስሙ ኣባሻውል እተሰምየት ሰብ፡ ማለት ኣባ ሻውል፡ ንርእሱ ናይ ኣሉላ ቢጂሮንድ (ተሓዝ ገንዘብ) እዩ ነይሩ። ተጋሩ ብንግዲ እናበልጸጉ ምስ ከዱ፡ ነቲ ናይ ኣስመራ መጀመርያ ገዛውቲ ኪሃንጹ ጀሚሮም። ኣባሻውል፡ ሹቕ፡ ዕዳጋ ዓርቢ ኪኽትም ጀሚሩ። እንዳ ማርያም ባዕላ ብገንዘብ ተጋሩ እያ ተሃኒጻ፡ ስማ እውን ከምቲ ናይ ኣኽሱም፡ ማርያም ጽዮን እዩ ተባሂሉ። ከምዚ ብምዃኑ፡ እቶም መጀመርያ ነታ ሓበሻዊት (ኤውሮጵያዊት ዘይኮነት) ኣስመራ ዝሃነጹ ሰባት መብዛሕትኦም ተጋሩ እዮም ነይሮም።

ስለዚ እቶም ናይ መጀመርያ ኣዝማሪኖ ተጋሩ እዮም ነይሮም እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እቶም ናይ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ሹቕ ፍሉጣትን ዓንተራት ዝነበሩን ሰባት፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ተጋሩ ከም ዝነበሩ ኪርሳዕ ኣይግባእን። እተን መጀመርያ እንዳ ሜስን ካልእ ናይ መስተ መሸጣን ጀሚረን ንኣስመራ ናይ ከተማ ህይወት ዘልበስኣ ደቀንስትዮ እውን መብዛሕትአን ተጋሩ እየን ነይረን።

ስለዚ፡ ኣዝማሪኖ ዚብል ቃል፡ ካብቶም ደቂ ከባቢ ኤርትራውያን ንላዕሊ ንተጋሩ ከም ዚምልከት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT