Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ:-ኣዝማሪኖ፥ ፍልሰት ተጋሩ ትግራይ ናብ ኣስመራ

Published

on

ቀድዳማይ ክፍፋል ኣብ ዙይ ይርክከብ። ዙይ ፅሑፍ ክልተ ደረስቲ ኣልለዉዎ። ምሉወርቅ ኪዳነማርያም፡ ካብ ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝ ተልኣኹልሉ ዝ ገለፆም ፅሑፋት ብ ናይ ባዕሉ ተወስሳኺ ፅሑፍ ኣሰንንዩ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዝ ለጠፎ ፅሑፋት ዝ ተወሰዱ እይዮም።

ብ ምሉወርቅ ኪዳነማርያም
ካብ ናይ ትማሊ ዝቐፀለ (2ይ ክፋል)
ነቲ ዝጥቅዖ ኩሉ ምላሽ (ብእወንታን ብኣሉታን) ከምዝህልዎ ካብ መጀመርያ እርድኦ እየ። ብጽቡቕ ንዝርድአለይ ጽቡቕ። ሕቶን ርእይቶን’ውን ብፀጋ እቕበል። እንተኽኢለ እምልስ ወይ ሓገዝ እጠልብ። ብኣሉታ ንዝርእዮ ድማ ክጎድኦን ክሃስዮን ዝዓጠቕኩሉ ሰብ ክሳብ ዘይሃለወ ኣረኣእይኡን ርድኢቱን አኽብረሉ እየ። l believe that my way may not be everybody’s way ከምዝብልዎ።

“ፀርፊ ማለት ሓሳብ ናይ ዝነደዩ ሰባት መሳርሒ እዩ።” ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣሽንኳይ ምስ ህዝብን ሃገርን ምስ ውልቀሰባት’ኳ ባእሲ ኣይብለይን። ኣግሊሰ ከሕልፎም እንተዘይኮይነ ብጽልኣት ዝዓወርኩ ሰብ ኣይኮንኩን። ምስሊን መንነትን ኣብ ዘይሕብር ፌስቡክ ዝተሓብአ ኩሉ ‘ዒራ ኣይፍለጥን’ ብዝብል ናብ ጫውጫው ይኣትው’ሞ እቲ ክንመሃሃረሉ እንኽእል ዕድል የበላሽዎ።

እዚ ትማሊ ዝቐረበ ዛዕባ ጉዳይ ታሪክን ሕሉፍን እዩ። ፖለቲካ እንተዝኸውን (ዋላ ንሱ’ውን ዘይግቡእ እንተኾነ) ናብ ስምዒት ስለዝጎትት ድሓን ኢልካ ትሓልፎ ኢኻ።ከም ታሪክን ሕሉፍን ግን ግጉይ ቅዋም እንተለካ ብመርትዖ ትእረም። መርትዖ እንተዘይኣቕሪብካ ትርታዕ። ረታዕኻ ተረታዕኻ ቁምነገር ኮይኑ ዘይኮነስ ኣብ መወዳእታ ናብ ምርድዳእ ትበጽሕ።

ብዘይ ምዕሩይ ክትዕ ከመይ ጌርካ ድኣ ኣብ ምዕሩይ መደምደምታ ይብፃሕ? ውልቀሰባት ጽሒፎም ኢልካ ‘ንስኹም’ እናበልካ ዓዲን ህዝቢን ምልዓል ነቶም በሃልቱ ከመይ ኢሉ የሕጉሶም? ብዛዕባ ትማሊ እንዳተዛተይካ ብ”ኩሉኹም ሓደ ኢኹም” ዓይነት ኣተሓሳስባ፣ ንናይ ሎሚ ሰባት ምንሻውን ምዝንጣልን እንታይ ዕግበት የምጽእ? ብዓይኒ ውሱናትን ግጉያትን ሰባት ንተጋሩ ምጽላእ ከመይ ገይሩ እዩ ምድጋፍ ህንፀት ኤርትራዊ ሃገራውነት ኮይኑ ዝውሰድ? ግዳማውን ውሽጣውን ፀገማትና ኣፀቢቕና ፈሊና ዘይንፈልጥ? ንደጋገፍ ምባልን ንተሓናገር ምባልን በበይኑ እዩ። ከይተደጋገፍና ንኺድ ምባል’ውን ካሊእ ምርጫ እዩ። እንዳተናቖትና ንንበር ምባል ግን ምርጫ ኣይመስለንን።

ርትዓውነት ገዲፍካ ናብ ስምዒታውነት ምእታው ካብ ስብእና ናብ ኣራዊትነት ምልዋጥ እዩ። “ንፈልጠኩም ኢና” ኢልካ ፀላኢ ኣብዚሕኻ ብዘይተባህለ ናብ ምጉት ምእታው ዘገርም ጉድለት ኣተሓሳስባ እዩ። ብዘይበለካ ክትምጉት እንታይ መልሲ ትጽበይ? ጎጆይ ወትፈለይ ክብለኒ ይኸውን ብዝብል ሓሳብ ኣቐዲምካ ኣሕዋት ኣይኮናን ምባል ከ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዩ? ወትፈለይ ክብለካ እንተሎ ምሉእ ዘይጎደለካ እንተኾይንካ ሽዑ “እምብለይ” ክትብል ትኽእል እንዲኻ።

እታ ዝቐረበት መዘናጠሊት ዘይኮነት ሓሳብ ብዛዕባ ኣመሰራርታ ከተማ ኣስመራ ጥራሕ እያ። ቅርፆም ገዲፍካ ብትሕዝቶ ዝተፈለዩ ምዕሩያት ምላሻት ነይሮም እዮም። ንምምህሃር ስለዝጠቕሙ ድማ ጽቡቓት እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ግን ከም ጋንታታት ኣውሮፓ ንምጉት ትግራይን ኤርትራን ዝብል ሰልፊ ኣየድልየናን።

ባህሊ ክትዕና እንታይ እዩ? እምበር መዛትይትና መን እዩ? ኣብ ዝብል ክድረት ኣይብሉን። ንምጽራፍን ንምሕጫጭን ርእሲ ኣየድልየናን። እንተድልዩና’ውን ንእሽተይ ርእሲ እዩ ከድልይ። ፈኸራ፣ ህዳ፣ ጃህራን ትምክሕትን ባህልና ኣይንግበሮ።

ኣማኑኤል ነታ ካልአይቲ ሓፃር ጽሑፉ ሰዲዱለይ ኣሎ።ካብታ ናቱ ጽሕፍቲ እታ ናተይ ርእይቶ ትበዝሕ’ሞ ይቕረታ

ኣዝማሪኖ (ብ ኣማኑኤል ሳህለ)

ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ጽሑፈይ ምእታወይ፡ ነታ ኣዝማሪኖ እትብል ቃል ክገልጻ እደሊ። ኣዝማሪኖ ማለት ብቛንቋ ጥልያን፡ ወዲ ኣስመራ ማለት እዩ፡ ኣዝማሪና ድማ ጓል ኣስመራ። ኪበዝሕ ከሎ ኣዝማሪኒ ይኸውን። ካልእ ትርጉም የብሉን። ደቂ ደቀምሓረ ደከማሪኖ፡ ደቂ ባጽዕ ድማ ማሳዊኖ ይብሃሉ ነይሮም እዮም። ምናልባት ጥልያን ንትግራይ ገዚኦምዋ ነይሮም እንተ ዚኾኑ፡ ነበርቲ መቐለ፡ መከሊኖ ምተባህሉ ነይሮም።

ይኹንምበር፡ ደቂ ኣስመራ ኣዝማሪኖ ኪብሉ ከለዉ ተወሳኺ ትርጉም እውን ኣለዎ። ኣዝማሪኖ ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ክዳውንቲ ኣገባብ ኣከዳድና ዚፈልጥ፡ ሳእኒ ምስ ኣየናይ ክዳን ወይ ካልሲ ከም ዚኸይድ ዚፈልጥ፡ ኣብ ሪስቶራንተ ኪበልዕ ከሎ ኣፐረቲቮ ምስታይ ከም ልምዲ ዚወስዶ፡ ብድሕሪኡ ፕሪሞ ሰኮንዶ ተርሶ እናበለ ምግቢ ዚእዝዝ፡ ሰንበት ቺነማ ዚኣቱ፡ ሽጋራ ዘትክኽ፡ ናይ ዓረብ ወይ ናይ ጥልያን ቃላት እናሓወሰ ዚዛረብ፡ ጸሊም መረጼን ቀትሪ እምበር ምሸት ዘይገብር፡ ጽጕሩ ብስርዓት ዚቕምቀም፡ ኣተኣሳስራ ክራቫታ ዚፈልጥ ወዘተን እዩ። ብሓጺሩ ስልጡን ማለት እዩ። እቲ ከምዚ ዘይገብር፡ ሃጌ ወይ ፋራ እዩ።

ኣብዚ መዳይዚ፡ እቶም ኣስመራ ክትክትም ከላ ምስኣ ዝኸተሙ ተጋሩን ደቆምን ናይ ከተማ ባህሊ ብምሉኡ የንጸባርቑዎ ብምንባሮም፡ ጽሩያት ኣዝማሪኖ እዮም ነይሮም። ካብቶም ቀዳሞት ውን እዮም። ኣብቲ ዚመጽእ ጽሑፈይ ገለ ካብኣታቶም ክጠቅስ እየ። ሕጂ ግን ናብ ቀንዲ ጽሑፈይ ንምእታው ብዛዕባ ዋሕዚ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ጠቒሰ ክትንትን ክፍትን እየ።

ሽሕኳ ዋሕዚ ተጋሩ ናብ ኤርትራን ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ትግራይን ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኩነት እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ምውራር ጥልያንን ኤርትራ ድማ ኮሎንያ ኤሪትረያ ዚብል ስም ምስ ተዋህባን፡ ተጋሩ ናብ ኤርትራ ምውሓዝ ኣየቋረጹዎን። ይኹንምበር፡ ሽሕኳ እቲ ፈለማ ዋሕዚ ተጋሩ ኣብቲ ግዜ ኣሉላን ኣብቲ ናይ ጣልያን ምምጻእን እተሓጽረ እንተ ነበረ፡ እቲ ድሒሩ ዝመጸ ዋሕዚ ተጋሩ ግን ኤርትራ ብምኽንያት መግዛእቲ ጥልያን ዓቢ ቁጠባዊ ምዕባሌ ምስ ኣርኣየት እዩ ተፈጺሙ። ኣብ 1950ታት ኤርትራ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ እታ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ነይራ።

ኣብዚ ኩነታትዚ እቶም ኣብታ ብዙሕ ብቑጠባ ማዕቢላ ዘይነበረት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት፡ ብፍላይ ድማ ኣሕዋትና ተጋሩ ናብ ኤርትራ ስራሕ ንምንዳይ ኪውሕዙ ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ኤርትራውያን ብምእታው ድማ ኣብ መወዳእታ መብዛሕትኦም ተዓዊቶም እዮም ግን ከምቲ ጻዕሮምን ድኻሞምን ኣይረኸቡን፡ ሰሪሖም ገንዘብ ኣኪቦም ንዓዶም ዚምለሱ ድማ ብዙሓት እዮም ነይሮም።

እዞም ዳሕረዎት ናይቲ ዋሕዚ ሰባት ከኣዮም በቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኤርትራውያ ይኹኑ ወይ ድማ በቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ተጋሩ ይኹኑ፡ ኪነዓቑን ”ዓጋመ” ኪብሃሉን ዝጀመሩ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ሓደ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ እቲ ናይ ንዕቀት ቅጽል በቶም ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነስ በቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ተጋሩ እውን ኣብ ልዕሊቶም ኣሕዋቶም ተጋሩ ይዝውተር ነይሩ እዩ። ምናልባትውን ባዕላቶም እቶም ኣቐዲሞም ዝመጹ ተጋሩ፡ ስራሕ ከይውሰዶም ብማለት ወይውን ንነብሶም ከም ኤርትራውያን ኪቖጽሩ ብምድላዮም ይኹን ነቲ ናይ ንዕቀት ዘመተ ጀሚሮምዎ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣነ ኣብ ሃገር ሽወደን እየ ዝቕመጥ። ኣብ ሃገር ጓና ኬድካ ሰሪሕካ ይኹን ብኾፍካ ክትነብር ከሎኻ፡ ኣብቶም ደቂ ሃገር ናይ ንዕቀት ወይ ጽልኢ ባህርያት ትፈጥር ኢኻ። ኣብ ስዊደን፡ ንዝኾነ ስደተኛ ዚወሃቦ ቅጽል ኣሎዎ፡ ንሱ ድማ ”ኢንቫንድራረ” ዚብል እዩ። ሽሕኳ ኢንቫንድራረ ማለት ስደተኛ ማለት እንተ ኾነ፡ ኣብ ወጻእተኛታት ኪዝውተር ከሎ ግን ቅሩብ ናይ ንዕቀት ነጸብራቕ ይጸልዎ እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ጥልያን ኣብ ባጽዕ ምስ ኣተወ፡ ዘመን ኣካሒዳ ብምንባሩ (ዘመነ ዓቢ ጥምየት)፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብቲ ከበሳ ንባጽዕ ወሪዶም እኽሊ ይልምኑን ይርፍዑን ነይሮም እዮም። እቶም ደቂ ባጽዕ ወይ ደቂ ሕርጊጎ፡ ነዞም ዕለታዊ ምግቦም ኪምእርሩ ዝመጹ ”ስደተኛታት” ብንዕቀት ይርእዩዎም ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይገልጾ እዩ። ከምቲ ንተጋሩ ዝወረዶም ንዕቀት፡ ነቶም ከበሳውያን ኤርትራውያን እውን ኣብ ማእከል ዓዶም በቶም ደቂ ባጽዕ ይኹን ደቂ ሕርጊጎ ተመሳሳሊ ንዕቀት ይወርዶም ነይሩ እዩ። ይቕጽል …

(ጻኒሒተይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ቋንቋ ትግርኛን)

ኣማኑኤል ሳህለ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT