Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ:- ፅልዋን ኣበርክቶን ተጋሩን መበቆሎም ትግራይ ዝ ዀኑ ኤርትራውያንን

Published

on

ዙ ፅሑፍ ኣክካል ተኸታታልቲ ፅሑፋት እይዩ። ቀድዳማይ ክፍፋል ኣብ ዙይ፥ ካልኣይ ክፍፋል ድምማ ኣብ ዙይ  ይርክከቡ። ምሉወርቅ ኪዳነማርያም፡ ካብ ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝ ተልኣኹልሉ ዝ ገለፆም ፅሑፋት ብ ናይ ባዕሉ ተወስሰኽቲ ፅሑፋት ኣሰንንዩ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዝ ለጥጠፎም ፅሑፋት ዝ ተወሰዱ እይዮም።

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ጽልዋን ኣበርክቶን ተጋሩን መበቆሎም ትግራይ ዝኾነ ኤርትራውያንን

ቅድሚ ጽሑፈይ ምቕጻለይ፡ ነቶም ነዚ ዘንብቡ ሰባት ክሕብሮም ዝደሊ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን ምንም ፍልልይ ከም ዘየሎ እዩ። ይኹንምበር፡ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ናይ ጣልያን ኮሎኒ ብምንባራን ሕጂ ድማ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብምዃና፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ክልተ ጀዮግራፍያዊ ክልል ተመቒሉ ንብዙሕ ዓመታት ተቐሚጡ እዩ። ይቕመጥውን ኣሎ። ሓደ ምዃኑ ግን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ቀንዲ ጽሑፈይ ክኣቱ እየ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፍ ክልተ ዋሕዚታት ተጋሩ ናብ ኤርትራ ተጠቒሱ ነይሩ። ግን ሳልሳይ ከኣ ነይሩዎ እዩ። ንሱ ድማ ብግዜ ደርጊ እዩ። ናይዚ ዋሕዝዚ ጠንቂ እቲ ናይ ደርጊ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝቐንዐ ግፍዕን መከራን እዩ። እቲ ጎረቤት ህዝቢ ድማ ካብዚ ሕሰምዚ ንምምላጥ ገሊኡ ንሱዳን ገሊኡ ድማ ንኤርትራ ውሒዙ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ እቲ ዋሕዚ ተገልቢጡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ትግራይ ይግዕዝ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ከኣ ነቲ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ገይሩ ይቕበሎን ይሕብሕቦን ኣሎ። ብዝኾነ መገዲ እውን ናይ ንዕቀትን ብድዐን ናይ ቂምን ባህርያት ኣየርኣዮን።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ ተጋሩን መበቆሎም ትግራይ ዝኾነ ተቐማጦ ኣስመራን ኣብ ባህላዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ገይሮም እዮም። ምስቲ ህዝቢ ብምሕዋስን ብብርቱዕ ጻዕርን ትዕግስትን ክታሞም ኣብቲ ኤርትራዊ ህይወት ኣንቢሮም እዮም፡ ኣሰሮምውን ገዲፎም እዮም።

እቲ ጽልዋ ገሊኡ ኣሉታዊ ኪኸውን ይኽእል፡ መብዛሕትኡ ግን ኣወንታዊ እዩ። ብዝኾነ መገዲ ሕላገቱ ኣብቲ ማሕበረሰብን ህይወትን መነባብሮን ኤርትራዊ ዓቢ ጽልዋ ገይሩ እዩ።

እቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝገዓዙ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያንን ናይ ካልኦት ሃገራትን ስደተኛታትን ኣብ ባህልን ቋንቋን ማሕበራዊ ናብራን ቁጠባን ፖለቲካን ዓቢ ጽልዋ ገይሮም እዮም። ስደተኛታት ጥልያን፡ ከም በዓል ፍራንክ ሲናትራ፡ ዲን ማርቲን፡ ደ ኒሮን ማዶናን ኣርያና ግራንደን ኣብ ሙዚቃን ፊልምን ኣመሪካ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም። ኣይሁድ ዝመበቆሎም ሃንጋርያውያን ንሆሊዉድ ፈጢሮም። ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ንበዓል ቻክ በሪን፡ ማርቪን ገይን፡ ሊ ማርቪንን፡ ማይክል ጆንሶንን ኣፍርዮም። ስደተኛታ ላቲን ኣመሪካ፡ ንበዓል ሩብዮን ንበዓል ተድ ክሩዝን ንበዓል ጀኒፈር ሎፐዝን ኣፍርዮም።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እቶም ብእተፈላለየ መገድን ምኽንያትን ናብ ኤርትራ ዝገዓዙ ተጋሩን ደቆምን ደቂደቆምን ኣብ ኤርትራዊ ባህላውን ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ህይወት ዘበርከቱዎ ግደን ዝገበሩዎ ጽልዋን ኣብዚ ታሕቲ ካብቶም ውሩያት ካብ ብዙሕ ሒደት ብምጥቃስ፡ ኣስማቶምን ሞያኦምን ኣበርክቶኣምን ክዝርዝር እየ።

ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወት

  1. ኣዝማች ክንፉ – ሓደ ካብቶም ንሹቕ ዝሃነጹ ነጋዶ
  2. ሓጂ ዓብዱ – መጎዓዝያ ኣውቶቡስ ኤርትራ
  3. ጎናፍር – መጎዓዝያ ኣውቶቡስ ኤርትራ
  4. ኣቡነ ፊሊጶስ – ናብ ደብረ ቢዘን ዝገዓዙ መንፈሳዊ
  5. ስዩም ወልደማርያም (ሓው ወልደኣብ ወልደማርያም) – መንፈሳውን ናይ ኤርትራ ቤትትምህርቲ ዓይነስዉራት ሓላፍን
  6. ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ – ኣብ ምድረ ሓበሻ ናይ መጀመርያ መዓርግ ጵጵስና ካቶሊክ ዝረኸቡ ኣቡን (ዓዲ ግራት)

መዘናግዒ

  1. ዋጋየ ዓድዋ – ህብብቲ ወናኒት እንዳ ሜስ
  2. ብላታ ገብሩ – ፍሉጥ ወናኒ እንዳ ሜስ
  3. መድህን በራድ – ፍልጥቲ ወናኒት እንዳ ሜስ
  4. ዘነበች – ወናኒት ኩፓ ኩባና፡ ናይ ኣስመራ ውሩይ ቤት ትልሂት
  5. ወ/ሮ ስላስ ካረቲ – እንዳ ሜስ
  6. ወ/ሮ ኣዛለች – እንዳ ሜስ
  7. ኣፍንጫ ዓሳ – እንዳ ሜስ
  8. ኣፍሮ ጢዛ – ሳዳም ሑሰን ዚብሃል ሜስ ተፍሪ ዝነበረት ወናኒት እንዳ ሜስ
  9. ስማ ዝረሳዕኩዎ – ወናኒት ቤትትልሂት ኣላምብራ፡ ባጽዕ
  10. ወ/ሮ ጉዖይ – ባር ማሳዋ፡ ባጽዕ
  11. ቶቶ – ወናኒ ባር ዲያና
  12. ኤፍረም ብርጁ – ብተረካብን መስሓቕን ዘረባኡ ዚፍለጥ ዝነበረ ህቡብ ወዲ ኣስመራ ወይ ኣዝማሪኖ
  13. ወዲ ብረ – ወናኒ ፍሉጥ ሆቴል
  14. ኣቶ ለገሰ – ወናኒ ቅድም ኣክሱም ሆቴል ዝነበረ ደሓር ግን ናብ ለገሰ ሆቴል እተለወጠ ሆቴል

ጉርጉራት ዓንተራት

  1. ጸጋይ ቸንቶ – ዓንተር ሹቕ
  2. ኣስረስ – ዓንተር ሹቕ
  3. ጆሎስ (ካብቲ ጆ ሉዊስ ዚብሃል ዝነበረ ጸሊም ኣመሪካዊ ተጓሳጢ ዘጠመቑዎ ስም) – ዓንተር ሹቕ (ወዲ ዳሞ)
  4. ብርሃነ ጀልጊድ – ዓንተር ሹቕ (ሽረ)

ሙዚቃን ደርፍን

  1. ሃይለ ገብሩ – ደራፋይ
  2. ዩኒስ ኢብራሂም – ደራፋይ ማ.ት.ኣ
  3. ትኳቦ ወልደማርያም – ደራፋይ ማ.ት.ኣ
  4. ተወልደ ረዳ- ደራፋይ ማ.ት.ኣ
  5. ገብረጻድቕ ወልደዮሃንስ – ደራፋይ (ሓዳር ጌርኪ ሰሚዐ ብወረ)

ስፖርት

  1. ለምለም ካሕሳይ – ኮርሳቶረ ወይ ኮሪዶረ ብቺክለታ
  2. ግርማይ ተስፋማርያም (ጉራዴ)- ተጻዋታይ ኵዕሶ
  3. ገብረመስቀል – ተጻዋታይ ጋንታ ቴለ
  4. በርሀ ዘራጽዮን – ተጻዋታይ ጋንታ ሰራየ
  5. ኮሪሮ – ተጻዋታይ ኵዕሶ
  6. ሚኪኤል ቡኛ – ተጻዋታይ ኵዕሶ

ኮመድያን

  1. መምህር ሰሎሞን -ኮመድያን
  2. መምህር ኣለማዮ ካሕሳይ፡ ማትኣ፡ (ወትሩ ሕጉስ) – ኮመድያን

ስለላ

  1. ወልዳይ ካስማይ (ወዲ ኻስማይ) – ናይ ጀብሃ ናይ ከተማ ፈዳዪን

ፖለቲካን ምንቅስቓስ ናጽነት ኤርትራን

  1. ወልደኣብ ወልደማርያም- ሓርበኛ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ
  2. ኢሳይያስ ኣፍወርቂ – ኣበጋስን ተጋዳላይን መራሕን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ
  3. ሽኽ ዓብደልቃድር ከቢረ – ወለዶም ካብ እንትጮ (ዓድዋ)መስራቲ ኣባል ማሕበር ፍቕሪ ሃገርን ዳሕራይ’ውን መስራቲ ኣባል ኣል ራቢጣ ኢስላሚያ ኤርትሪያ
  4. ራእሲ በራኺ – ብኣዲኦም ወዲ ሓብቶም ንኣቡነ ፊሊጶስን ወዲ ጓሉ ንመነኪረ ዓዲ ኣርባዕተን ኮይኖም ነቶም ሰሚርና ኢሎም ምስ ራእሲ ኣሉላ ኣብ ምምስራት ከተማ ኣስመራ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ከንቲባ በኺት ወዶም እዮም።

ቋንቋ

  1. ወልደኣብ ወልደማርያም – ኣቦ ዘመናዊ ቋንቋ ትርግኛ ኣብ ኤርትራ
  2. ሃለቃ ተወልደመድህን – ኣብ ዕማም ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ እተሳተፉ

ባህሊ

  1. ኩሉ ናይ ባህሊ ናውትን ምግብን መስተን ናይ ትግራይ መበቆል ኣለዎ፥ ሜስ፡ ስዋ፡ መሶብ፡ ጥፍሒ፡ ወረጦ፡ ጥልፊ፡ ጣፍ፡ ናይ እዝንን ካልእ ስልማትን ባህላዊ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታትን ወዘተ

እዚኣቶም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዮም፡ ካልኦት ብዙሓት ክዝክሮም ዘይከኣልኩ እውን ኣለዉ። ይኹንምበር፡ እዚኣቶም ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ኣብቲ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምንም ለውጢ ኣይገብርን። ኤርትራውያንን ትግራዎትን ካብ ጥንትን ንዝመጽእ ግዜን ሓደን ሕደን ህዝቢ ምዃኖም ኪርሳዕ ኣይግባእን!!!!!

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT