Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ:- ተጋሩን ቋንቋ ትግርኛን

Published

on

ዙ ፅሑፍ ኣክካል ተኸታታልቲ ፅሑፋት እይዩ። ቀድዳማይ ክፍፋል ኣብ ዙይ፥ ካልኣይ ክፍልፋ ኣብ ዙይ, ሳልሳይ ክፍልፋ ድምማ ኣብ ዙይ   ይርክከቡ። ምሉወርቅ ኪዳነማርያም፡ ካብ ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝ ተልኣኹልሉ ዝ ገለፆም ፅሑፋት ብ ናይ ባዕሉ ተወስሳኺ ፅሑፍ ኣሰንንዩ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዝ ለጠፎም ፅሑፋት ዝ ተወሰዱ እይዮም።

ብ ምሉወርቅ ኪዳነማርያም

(፬) ራብዓይ ክፋል ብ ኣማኑኤል ሳህለ
ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ተጋሩን ቋንቋ ትግርኛን

ኣማኑኤል ሳህለ ሎሚ ራብዓይ ክፋል ሓፃር ጽሕፍቱ ሰዲዱለይ ኣሎ። ዝመሰሎን ዝኣምነሉን ሕሉፍ ታሪክ ጽሒፉ። ኩሉ ክርድኦ ብዝኽእል ቀሊል መንገዲ ከዘንቲውልና ቀንዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ይጠቅም እትብልዎ ሓሳብ ንዝረኸብኩም ጽቡቕ። እንተገደደ ነቕናቒ ኮይኑ ክትሓስብን ክትፍትሽን ዘኽእል እንተኮይኑ’ውን ግርም እዩ። ካብዚ ወጻኢ ብኣሉታ ንዝተርኣየኩም ኣይከምኡን ካብ ምባል ወጻኢ ካሊእ ምላሽ ኣይብለይን። ኣነ ባዕለይ ኣይጻሓፍኩዎን።

ካብ ፈለማ ናይ ኣማኑኤል ጽሑፍ ኣብ ናተይ ኣካውንት እጥቅዕ ኣለኹ ኢለ ኣፍሊጠ እየ። ንክንመያየጠሉን ንክንፈልጦን ብዝብል እየ ከምኡ ገይረ።ሰባት ዝፀሓፉዎን ይጠቅምን ዝበልኩዎ ምልጣፈይ ትኽክል እዩ። ብዛዕባ ትግራይ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ዝፀሓፋ ከምዘላን ከምቲ ካሊእን ገይረ ኣውጺአየን ኣለኹ። ጽቡቕ እንተኾይኑ ንሕጎስ።ነቐፋዊን ትኽክልን እንተኮይኑ ክንእርሞ ንጽዕር’ምበር ኣይነገር ናብ ዝብል ኣይንኸይድን።

ኣብቲ ሓሳብ ብስርዓትን ብምክብባርን ምላሽ ምሃብ የኽስበና’ምበር ኣየኽስረናን። ካብኡ ዝሓለፈ “ጽቡቕ ኣይወጾን” ኢልካ ናይ እትብሎ ሰብ ጽሑፍ ምርኣይን ምንባብን ትገድፎ’ምበር ደድሕሪኡ እንዳሳዓብካ ናብ ጎይቂ ኣይእተውን። ክንደይ ንስኻ ዘይፈተውካዮም ሰባት እንዳተፃረፍካ ኸ ይዋዓል? ፀርፊ ካልኦት ተፃረፍቲ እዩ ዝወልድ’ምበር ሓቂ ኣይፈጥርን።

ሕዚ’ውን ካብዚ ዝወጸ ዕላማ ኣይብለይን። ካብ ፈለማ ከምኡ ኢለ ብምንቃለይ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ” ሓርበኛዊ ሃገራውነት ክነምስክር” ኢልኩም ትህውትቱ ግጉያት ነቲ ድልየትኩም ብካሊእ ቅኑዕ መንገዲ እንተትፍጽምዎ ይሓይሽ። ብዛዕባ ሕሉፍ ኣስመራ ምዝራብ ንናይ ሎሚ ኣስመራ ዘስዕቦ ለውጢ የለን። ዘተ ታሪክ ተመክሮ’ምበር ዕዳ ኣየሰክምን።

Ignorance & Arrogance ከምዝብልዎ ዝፀሓፈ መን ምዃኑ ብቅሉዕ ተሰኒዱ እንዳሃለወ ካብ ኣርእስቲ እንዳወጻኻ ምክርኻር ንባዕልኻ ኣብ ግምት ዘእትው ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ምርድዳእ ዘየብጽሕ እዩ።

ብዝኾነ ጽባሕ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል ጽሑፍ ኣማኑኤል ሳህለ መደምደምታ ኮይኑ ክቐርብ እዩ። ታሪክ ከም ናይ ቤት ምግቢ ዝርዝር መስተን ብልዒን መሪጽካ ኣይተቕርቦን። ክትመሃረሉ ከምዘሎ እዩ ዝቐርብ። ካብ ሕሉፍ ዝርከብ ምሁሮ ክጠቅም ዝኽእል ክንመሃር ድልየት እንተሃልዩና ጥራሕ እዩ። ከምቲ “One learns when he/she is ready to learn.” ዝብልዎ ማለት እዩ። ካብዚ ንታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ኣማኑኤል ጽሑፍ እዩ።

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣስታት 4 ዓመት እናተመላለስኩ ኣብ ትግራይ ተቐሚጠ እየ። መብዛሕትኡ ኣብ መቐለ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ካልእ ቦታታት’ውን ብመጠኑ ሕጽር ዝበለ ትዕዝብቲ ኣሎኒ እዩ። ጋዜጠኛን ተመራማርን ብምዃነይ፡ ንነኣሽቱ ነገራት ብብዙሕ ገጽታታቶም ክርእዮምን ክምርምሮምን ደስ ይብለኒ። ናይ ታሪኽ ተመሃራይ ብምንባረይ ድማ፡ ንዝኾነ ነገር ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮን ምኽንያት ክደልየሉን ኣይጽግመንን።

ቅድሚ ኣብ ትንተናን ትዕዝብትን ህዝቢ ምእታወይ ግን፡ ኩሉ ኣብ ዓለም ዚነብር ሰብ ብመሰረቱ ሕደ ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። እቲ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ዚረአ ናይ ባህርያትን ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ጠባይን፡ ናይ ስምዒትን ተጻዋርነትን ፍልልያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ተመክሮን፡ ናይቲ ህዝቢ ተመክሮ ግብረመልስን፡ ድምር ናይቲ ብግብረመልሲ ዚመጽእ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን እዩ። ብሓጺሩ፡ ባህርያት ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጀነቲካዊ ወይ ዘርኣዊ ዘይኮነስ፡ ባህላውን (cultural) ልምዳውን (memetic) ማሕበራውን ፖለቲካውን እዩ።

ኣብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምጻእ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይቲ ኣክሱማዊ ስልጣኔ ወናኒ ብምዃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብዚ ግዜናውን ነቲ ዝሓለፈ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምፍራስ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ እቲ ንትግራይን ከፊል ኤርትራን ሸፊኑ ዝነበረ ኣክሱማዊ ግዝኣት፡ ነቲ ሕጂ ናይ ሓበሻ ዚብሃል ዘሎ ግዙፍን ረቂቕን ባህሊ (physical and metaphysical culture) ዘመንጨወን ዝዓቀበን እዩ። ኣብ ሓንቲ ሓቦ፥ ሕላገት ተጋሩ (ኣርእስታ ተጋግየ ክኸውን እኽእል እየ) እትብል መጽሓፍ ከም ዘንበብኩዎ፡ ኩሉ ባህሊ ሓበሻ ዚብሃል፡ ከም ስዋ፡ ሜስ፡ ዙርያ፡ ሚዶ፡ ጣይታ ወይ እንጌራ፡ እተፈላለዩ ናይ ገጠር ኣቕሑ ገዛ፡ ወዘተ. ካብ ትግራይ ዝመንጨዉ እዮም፡ ይብል። ነዚ መርጎዲ ዝኾነኒ መረጋገጺ ድማ፡ ተጋሩ በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ኤርትራ ምስ ተሰጎጉ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ ብዙሕ ከም ንቡር ጌርና እንወስዶ ዝነበርና ባህላዊ ነገራት ከም ዝጠፍአ ባዕለይ እተዓዘብኩዎ ኣጋጣሚ እዩ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ትግራይ ከሎኹ እተዓዘብኩዎ ባህርያት፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ጋሻ ዘለዎ ኣኽብሮት እዩ፡ ቀልጢፍካ በግ ምባል ወይ ምሕራቕ እውን የልቦን። ኣብ ኤርትራ እውን ናይ ኣኽብሮት ባህሊ ኣሎ፡ ግን ኣብ ገጠራት እምበር ኣብ ከተማስ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ትግራይ ግን ኣብቲ ከተማታትውን ናይ ምኽባርን ውርዙይ ቃላት ናይ ምዝውታርን ባህሊ ጌና ኣይጠፍአን። መንእሰያት ትግራይ ንዓበይቲ የኽብሩ እዮም፡ ገለ ናይ ምዝንጣል ባህርያት ኣይረኣኹሎምን።

ብዙሓት ኤርትራውያን ንትግራዎት ብኣሉታዊ ዓይኒ እዮም ዚርእዩዎም። እቲ ኣሉታዊ መሲሉ ዚረኣዮም ባህርያት ግን፡ ኣብቶም ተጋሩ ግዜን ኩነታትን (ሕሰምን ግፍዕን መከራን ) ዝፈጠሮ ደኣምበር ኣብ ደሞም እተዓቀበ ወይ ጀነቲካዊ ኣይኮነን። ዝበዝሑ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ትግራዎት ዘለዎም ጥምዙዝ ኣረኣእያ፡ ካብ ዘመናት ዘኻዕበቱዎ ኪኸውን ከሎ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ዝመንጨወ ዘይኮነስ ናይ ባዕዳውያንን ገዛእቲ መደባትን ጽልዋን ናይ ፈላሊኻ ምግዛእ ትልምን እዩ።

ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ፡ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ ከም ዚብሃል፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ተጋሩ ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረኣእያ ኪሰግሩዎ ኣይከኣሉን። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ድራማታት ኣብ መንጎ ህዝቢ ክንዲ ዝግደፍ ኣብ መንጎ መራሕቲ ተሓጺሩ ይካየድ ስለ ዘሎ እዩ። ህዝባዊ ፍቕሪ ብመሪሕነታዊ ጽልእን ተንኮልን ይብረዝ ኣሎ!

ገለ ካብቲ ሓደ ህዝቢ እናሃለዉ፡ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ዚፈላልዮም ባህርያት፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣቃውማ ዝፈጠሮም እዮም። ኤርትራ ንኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጣልያንን እንግሊዝን ክትግዛእ ከላ፡ ትግራይ ግን ኣብ ኢትዮጵያዊ ክልል እያ ነይራ። ምሕደራ ጣልያንን እንግሊዝን ነቲ ብመጠኑ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፊውዳላዊ ስርዓት ከህስሶ ኸሎ፡ ኣብ ትግራይ ግን፡ እቲ ፊውዳላዊ ምሕደራን ንኣኡ ዘሰንዮ ናይ ተገዛእን ገዛእን ባህርያትን፡ ካብኡ ዝምንጩ ናይ ኣኽብሮት ባህልን ልምድን ኪቕጽል ክኢሉ። ኣብ ኤርትራ ናይ ኣክሱም ዝመንጨዊኡ ናይ ሓበሻ ባህሊ ኪሃስስ ከሎ፡ ኣብ ትግራይ ግን ኪሃስስ ኣይከኣለን።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋሩ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ግን ኣወንታዊ እዩ። ኣነ ከም እተዓዘብኩዎ (ምናልባት እቲ ትዕዝብቲ ሰፊሕ ከይከውን ይኽእል እዩ) ተጋሩ ንኤርትራውያን ከም ቅኑዓትን ለጋሳትን ተዋዘይትን ጌሮም እዮም ዚወስዱዎም። ኤርትራውያን ግን፡ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዘጥረዩዎ ኣረኣእያ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዚዩ ኣሉታውን ዘይሚዛናውን እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፡ ናይ ፖለቲከኛታት ጽልዋ እምበር ናይቲ ሃገር ጭዋ ልምዲ ኣይኮነን።

ኣብ ሓደ ብ1935 ኣከባቢ፡ ሓደ ኢጣልያዊ ሶልዳቶ ወይ ወትሃደር ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘Il mio sogiorno fra i popoli di Agame’ (ጻኒሒተይ ምስ ህዝቢ ዓጋመ) ከምዚ ዚብል ኣንቢበ፡ ” ከም ተጋሩ ንሕማምን ቃንዛን ንብሶትን ሕሰምን ዚጻወር ህዝቢ ርእየ ኣይፈልጥን”። ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ሲቪላዊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ፡ እውን ኣብ መጽሓፉ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ እዩ። ኣብ ውግእ ብርቱዓት ምዃኖምውን ይምስክር።

ሓደ እዋን ኣብ መቐለ፡ ኣስተምህሮ ክህብ ከሎኹ፡ ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ትግራይ ማለት ወይ ተጋሩ፡ ካብቲ ቲግረ (Tigre) ወይ ብትግርኛ ነብሪ ዚብል ላቲናዊ ቋንቋ ዝመጸ እዩ ብምባል ሓሳባቱ ኣቕሪቡ። ናተይ መልሲ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፥ ምናልባት ሓቅኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብካውን ቀጽሎ፡ ግን ብናተይ ኣረኣእያ፡ ትግራይ ወይ ተጋሩ ዚብል ቃል ካብ ዓረብ ታጂር ወይ ቱጃር (ነጋዳይ) ዝመጸ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ ብሸነኽ ቃላት ኣብ ቋንቋ ዓረብ ገ ወይ ጀ ዚብሉ ድምጽታት ይወራረሱ ስለ ዝኾኑ፡ ቲጋር ወይ ቱጋር ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቲግራይ ናብ ዚብል ኣደማምጻ ሰጊሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ግዝኣት ኣክሱምን ሃገራት ስግረ-ባሕርን ብኣዱሊስ ዚካየድ ዝነበረ ዕሙር ንግዲ ከም ምስክር ኮይኑ ከደልድሎ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ብንግድን ብባህልን ቋንቋን ከምኡውን ብሃይማኖት መዳይ ተመሳሳልነት ዘለዎ ህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን ትግራይን፡ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብጥንቲ ብርቱዕ ምትእስሳር ከም ዝነበሮ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን።

ነዚ ሓቅዚ ዚኽሕድ ሰብ፡ ታሪኽን ባህልን ሰባት ብዕምቆት ዘይምርምር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንምዕባለ ኣበርክቶ ዘይብሉ፡ ፋይዳ እውን ዘይርከቦ፡ ብህዝቢ ዘይኮነስ ብመራሕቲ ሃገር ዚትለም ፖለቲካውን ቁጠባውን ማ|ሕበራውን ፈላላዪ ኣጀንዳታታትን መጻልኢ ትልምታትን ከም እንኮ መመርኮሲ ገይሩ ዚወስዶ ሰብ ጥራይ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ትግርኛ ዚረአ ኣሉታዊ ባህርያት – እቲ ኣእምሮ እዩ ኪዕረ ዘለዎ (One should decolonize the mind)ሓደ ካብቲ ኣብ ተጋሩ ፡ ኣብ ገጠራትን ቁሸታትን ገዲፍካ፡ ማለት ኣብቶም ኣብ ከተማታት ዚነብሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ዘለዎም ኣረኣእያ ንቋንቋ ትግርኛ ኣትሒትካን ኣንኢስካን ምውሳድ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣረኣእያ ከየዓረየ፡ ባህሉን ልምዱን ክብረታቱን የኽብር እዩ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል ጥራይ እዩ። ኩሎም እኳ እንተ ዘይኮኑ መብዛሕትኦም ኣብ ክተማታት ዚነብሩ ተጋሩ፡ ኣምሓርኛ ምዝራብ ከም ናይ ስልጣኔ ምልክት ገይሮም እዮም ዚወስዱዎ። እሞ ኸኣ እቲ ስልጣኔ ሓበሻ ካብ መንግስቲ ኣክሱም ከም ዝነቐለ እናፈለጡ። እንታይ እዩ ግን ከምዚ ዝበለ ግርምቢጥ ተርእዮ?

ንጉጊ እተባህለ ኬንያዊ ደራሲ፡ ንሓንጎልካ ካብ ስዉር መግዛእቲ ከም ዚላቐቕ ምግባር (decolonizing the mind) ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ይትንትን። ሓደ ሰብ ነቲ ቋንቋኡ ኣትሒቱ ብምርኣይ ናይ ጎረቤቱ ወይ ናይ ገዛኢኡ ቋንቋ ከዘውትር እንተ ደኣ ፈቲኑ፡ እቲ ኣእምሮኡ ገና ናጻ ኣይወጸን ማለት እዩ። ናይ ጀዮግራፍያዊ ክልል ናጽነት ኣሎ፡ ናይ ፖለቲካ ናጽነት ኣሎ፡ ቁጠባዊ ናጽነት ኣሎ፡ ናይ ኣእምሮ ናጽነት ከኣ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ግን ናይ ኣእምሮ ናጽነት እዩ፡ ከመይሲ ኩሉ ካብ ኣእምሮ እዩ ዚብገስ።

ብግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ጣልያን ጌና እቲ ምምሕዳሮም ኪቕጽሉዎ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ተፈቒዱሎም ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ገለ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ዘመን ዝስሙ ናይ ትግርኛ ጋዜጣ ዓዲጎም ዘንብቡ፡ ኢል ኮቲድያኖ ኤሪትረዮ ዚብል ብቛንቋ ጣልያን ዚሕተም ዝነበረ ጋዜጣ ምንባብ ከም ስልጡናት ዘምስሎም ይመስሎም ነይሩ። እዚ ባዕለይ እተዓዘብኩዎ ኩነት እዩ። ከምዚ ዚገብር ኣእምሮ ጌና ካብ ባርነት ኣይተላቐቐን ማለት እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ዝበዝሑ ኣብ ከተማታት ትግራይ ዚነብሩ ተጋሩ፡ ብኣምሓርኛ ምዝራብን ናይ ኣምሓርኛ መጽሔታትን ጋዜጣን ምንባብን፡ ናይ ኣምሓርኛ ፊልምታት ወይ ቪደዮታት ምርኣይን ናይ ስልጣኔ ስምዒት ዚህቦምን መንነቶም ክብ ዘብለሎምን ይመስሎም እዩ። እዚ ግን ናይ ኣእምሮ ድኽነትን፡ ናይ መንነት ርእሰ-ምትሓትን፡ ናይ እንታይነትካ ኣንፈት ምጥፋእን እንተ ዘኮይኑ ካልእ ትርጉም ኪወሃቦ ኣይክእልን።

ንሓደ ቋንቋ ካብ መራኸብን መራዳድእን መሳርያ ጌርካ ካብ ምውሳድ ሓሊፍካ፡ ከም ናይ ስልጣኔ ምልክትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣነነት (ego) መዕበዪን ጌርካ ክትርእዮ ምስ እትጅምር፡ ሽዑ እዩ ኣእምሮኻ ክትምርመሮ ዘሎካ። ዝኾነ ብድሕሪ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ እተርእዮ ባህላዊ ወይ ሃገራዊ ስምዒታት ወይ እትፍጽሞ ንጥፈታት፡ ከምቲ ድምጺ ዚገብር ግን ዋጋ ዘይብሉ ድምጺ ገረወይና እዩ። ኣብ ቅድሚ ሰባት እትገብሮ ባህላውን ሃገራውን ተዋስኦታት እውን ንምትላል ጥራይ እዩ።

ኣብ ትግራይ ክመላለስ ካብ ዝጅምር (ሓሙሽተ ዓመታት ኮይኑኒ ኣሎ) ኣብ ገለ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሰሚናራትን ናይ ባህሊ ሲምፖዝዩማትን ተኻፊለ እየ። ሽሕኳ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሰሚናር ምክያድ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣድላዪ እንተ ኾነ፡ ፍረ ዘይርከቦ ብምዃኑ ግን ብኣወንታዊ መገዲ ኣይርእዮን እየ፡ ከመይሲ ናይ ሓደ ህዝቢ ኣተሓሳስባ (perception) ከይለወጥካ፡ ደጋጊምካ ንቛንቋን ባህልን ዚምልከት ሰሚናራትን ኣኼባታትን ከተካይድ እንተ ውዒልካን ሓጊኻን ከሪምካን፡ እተምጽኦ ለውጢ የልቦን።

እቲ ርእሰ-ተኣማንነት ዝጎደሎ ትግራዋይ፡ እቲ ኣእምሮኡ ጌና ካብ መግዛእቲ ዘይወጸ ትግራዋይ፡ ኩሉ ግዜ ንኣምሓርኛ ክብ ዝበለ ደረጃ ብምሃብ ብእኡ ኪዛረብ ኪመርጽ ኪነብር እዩ። ስለዚ በቲ ሰሚናራትን ሲምፖዝዩማትን እንታይ ኢኻ ከሲብካ? ጎንደር ኬድክን እንታይ ኣምጻእክን እዩ ነገራቱ?

ኣተሓሳስባ ከይተለወጠ (change of attitude)፡ ናይ ሰዋስው ትግርኛ ትንተናን፡ ናይ ቋንቋ ትግርኛ መበቆልን ምዕባለን ላዛን ዚምልከት ምሁራዊ ጽሑፋትን፡ ንቋንቋ ትግርኛ ዚምልከት ቅኔን ያታን ስነጽሑፍን ምርምርን ምቕራብ ኩሉ ከንቱ እዩ።

ኣነ ብወገነይ፡ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ሰሚናር ኣዳሊኻ ነቲ ህዝቢ ምቕያር ማለት፡ ከምቲ ሓደ ሰብ ብሕማም ቲፎ (typhoid) ረስኒ በርቲዑዎ ከሎ ኣብ ክንዲ ጸረ-ቲፎ መድሃኒት ምሃብ፡ ናይ ረስኒ መድሃኒት ሂብካ ምፍናው ገይረ እየ ዝቖጽሮ። ነቲ ሕማም ከተሕዊ ኣብ ክንዲ ምፍታን፡ ምስቲ ረስኒ ክትቃለስ ትነብር ኣሎኻ ማለት እዩ።

እቲ ሕማም፡ ግዙእነት ኣእምሮ (colonized mind) ከም ዝኾነ እናፈለጥካ፡ ነቲ ኣእምሮ ናጻ ንምግባር (decolonize) ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ነቲ ሕሙም ግዜኣዊ መዐገሲ ሂብካ ተታልሎ ኣሎኻ ከም ማለት እዩ።

እቲ ሕሙም ግን ስለ ዘይሓወየ ወትሩ ኪምለሰካ ምዃኑ ክትርስዕ ኣይግባእን!!!!!!!!!!!!! (ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ክቕጽል’ዩ።)

Continue Reading
2 Comments

2 Comments

  1. Tesfai

    July 31, 2024 at 10:24 pm

    ኣዝዩ ዘደንቕ ትዕዝብቲ እዩ : ለካ ብ ፈለማ perception እዩ ክቕየር ዘለዎ. Mental Decolonization የድልየና ኣሎ

  2. tsige

    July 31, 2024 at 12:37 pm

    Keeo it up first identify z pŕoblem zn give solution to that

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT