Connect with us

ትግርኛ

ኣብ እዛ ክፍእቲ ጊዜ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጠረ ሓድነት ወ ንቕሓት ተጋሩን ኤርትራውያንን

Published

on

ብ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ

ካብ ኣስታት 2000 ዓ/ም ጀሚረ ስለ ሓደነት ዕጫ ተጋሩን ኤርትራውያንን፥ ስለ ተኸፋፊልካ ኣደዳ ፀላእቲ ምዃን፥ እናተለዋወጥና እቱ ሓደ ተጠቒሞም ል እቱ ካልእ ብ ምውቃዕ ክልቲአና ከም ዝየዳኽሙና፥ ምድኻም ትግራይ ምድኻም ኤርትራ ምዃኑ፥ ከምኡ እውን ምድኻም ኤርትራ ምድኻም ትግራይ ምዃኑ፥ ከም ህዝቢ (ተናገርቲ ትግርኛ) ክንጠፍእ ዝይደዩን ዝይሰርሑን ሓይልታት ከም ዘለዉ፥ ወዘተ ክእሰብኽ ፀኒሐ እየ። ኣብ ዝተወሰነ ጊዜ ዳርጋ ተስፋ ቈሪፀ ነይረ እየ።

ሀዚ ግን እቱ ጕዳይ ብዙሓት ኤርትራውያንን ተጋሩን ተረዲኦሙዎ ከም ዘለዉ እርእይ ኣለኹ። እዚ ኲናት፡ ኣንፃር ትግራይ ጥራሕ ዘኢምዃኑ፥ የግዳስ ሓደ ብ ሓደ ኵለና ካብ ገፀ መሬት ብ ምጥፋእ ዓድናን ታሪኽናን ምምንጣል ምዃኑ ተረዲኦዎም ኣለዉ። ገና ዘኢተረደኦም እውን ኣለዉ። ክይርድኦም እዩ።

ሀዚ፡ ትግራይ ትውቃዕ ኣላ፤ ቀፃሊት፡ ኤርትራ ምዃና ዋላ ሓንቲ ጥርጥር ኣይይሃልውኩም። ሓሳብ ፀላእትና፡ ሀዚ ኤርትራ ተጠቒምና ትግራይ ንውቃዕ፤ ካብኡ ትግራይ ተጠቒምና ኤርትራ ክንወቅዕ እይና እዩ። ክልቲኦም ንሰንሳቶም ተዋጊኦም ምስ ተዳኸሙ፥ ዋላ ብዓልትና ክንድምስሶም እይና እዩ እቱ ሓሳቦም።

ካብ እዚ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተጀመረ ኵናት፡ እወታዊ ነገር እንተሃልዩ እዚ ኣብ መንጎ ተጋሩን ኤርትራውያንን ይግውድ ዘሎ ሓበራዊ ርድኢትን ሓድነትን እዩ። ንሱ እዩ ክዓ እቱ ኣዝዩ ዓብዪ ነገር። ነቒሕና፡ ሓደ መውቅዒ እቱ ካልእ ካብ ምዃን ወፂእና፡ ረብሓና፥ ዕጫና፥ መፃኢና ሓደ ምዃኑ ተረዲእና እንተሰሪሕና ዘኢንድምስሶ ፀላኢ፥ ዘኢንሓልፎ ፈተና፥ ዘኢነምዝግቦ ዓወት ኣይክህልውን እዩ። ታሪኽና እውን ንሱ እዩ ዝየርእይ።

ሓድነትና ይስጠም፥ ንቕሓትና ይወስኽ። ፀልማት ይመስል እምበር፡ ክይወግሕ እዩ፥ ስዒርና ክንወፅእ እይና።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT