Letters

መግለፂ ቅዋም ሰራሕተኛታት ሃገረ ስብከት መቐለን ኣመሓደርቲ 45 ገዳማትን ኣድባራትን

Published

on

ዕለት 10/6/2013 ዓ.ም

መግለፂ ቅዋም ሰራሕተኛታት ሃገረ ስብከት መቐለሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ እቱ ሃገረ ስብከት ዝመሓደራ ክልተ ኣብያተ ክህነት ወረዳአመሓደርቲ 45  ገዳማትን ኣድባራትን

ንሕና ኣብ ክልል ትግራይ ዝንርከብ ሰራሕተኛታት ሃገረ ስብከት መቐለ፣  ሰራሕተኛታት  ኣብ ትሕቲ እቲ ሃገረ ስብከት ናይ ዝመሓደራ ክልተ እብያተ ክህነት ወረዳ ፣ ኣመሓደርቲ 45 ገዳማትን ኣድባራትን ለካቲት 10/2013 ዓ.ም ብሓባር ብምዃን አኼባ ኣካዪድና።

ምኽንያት መአከቢና ድማ ካብ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ ም ጀሚሩ ኣብ ክልልና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትናን ህዝብናን ዝየስዕቦ ዘሎ ግፍዕታትን በደላትን ብዕምቈት ብምምይያጥ መግለፂ ቅዋም ንምውፃእ እዩ።

ከም ዝፍለጥ ክልልና ትግራይ መበቈል ሃይማኖትን ታሪኽን ዝትብሃለሉ ዋና ምኽንያት ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት አክሱም ዕዮን ብዘመነ ብሉይ ሕጊ ኦሪት ተቐቢላ ህዝብና ብናይ እግዚኣብሔር እምነትን ብስነ ምግባርን ተሃኒፁ ታሪኹን መንነቱን ንዘመናት ዓቂቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከመሓላለፍ ክኢሉ እዩ።  ኣብ ዘመነ ሐዲስ እውን ቅድም ክብል ሀፅዋ ለሕንደኬ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እምነት ክርስትና ካብ ምትእትታው ብተወሳኺ ብዘመነ አብርሃ ወአፅብሃ ብኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ስሩዕ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትግራይ ዝተመስረተትሉን ዝተስፋሕፈሐትሉን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብቲ ወቕቲ ዝነበሩ ኣቦታትና እዚ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እምነትን ስርዓትን ናብ ኵሉ ጫፍ ኢትዮጵያ ክባፃሕ ምግባሮም ታሪኽ ዘይርስዖ ሓቂ እዩ።

እዚ ኸምዚ እናሃለወ ኣብዚ ሐዚ ወቕቲ ግን ኣብዛ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነት ትግራይን ተጋሩን፡ ኢጋጢሙ ብዘሎ ኵናት ስዒቡ ብወረርቲ ሓይሊ መንግስቲ ሻዕብያ ኤርትራ፣ ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ሓይልን ከም እኒ ርእስ አድባራት ወገዳማት አክሱም ፅዮንን ኣብ ኻልኦት ከተማታትን ገጠራትን ትግራይን በብኸባቢኡ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቝፀሩ ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ከይሓሰብዎን ከይተፀበይዎን ይርሸኑ፣ ብከቢድ መሳርሒ ብረት ይጭፍጨፉን ይቕተሉን ምህላዎም መላእ ዓለም ዝፈለጦ ጕዳይ ኰይኑ ኣሎ።

ናይ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣድባራትን አብያተ ክርስትያን ሃፍቲ /ንብረት/ ዝዀነ ንኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ከብልዋ ዝኽእሉ መስሕብ ቱሪስትታ፣ ንዋየ ቅዱሳት፣ ቅርስታት፣ ዓበይቲ መጻሕፍትን መዛግብትን ተባሳቢሶም ተዘሪፎምን እናተዘረፉን ይርከቡ።

ከምኡ ድማ ብዙሓት ናይ ቤተክርስቲያንና ኣገልገልቲ ካህናት /ቀሳቅውስት/፣ ዲያቆናት፣ ምእመናን፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት፣ ናይ ፈለገ ሕይወት መንፈሳዊያን ተምሃሮን ህፃናትን ብፍላይ እውን ቀዲሶም ካብ መቕደስ ዝወፅኡ ዝነበሩ ካህናት ሓዊሱ መሰቐቂ ብዝዀነ መልክዑ ከም በጊዕ ተሓሪዶም እዮም።

ንአብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ድማ ከም እኒ ጥንታዊ ገዳማ ደብረ ዳሞን መካነ ሰማእት ቅ/ጊዮርጊስ መቐለን ሐዊሱ መላእ ትግራይ ዳርጋ ክብሃል ብዝኽእል መልክዑ ካልኦት ቑፅሮም ብርክት ዝበሉ ገደማትን አድባራትን አብያተ ክርስትያን እውን ብናይ ዓረብ ኢምሬት ድሮንን ብከቢድ መሳርሒ  ኵናትን ተደብዲቦም፣ ፈሪሶምን ዝልዓለ ጕድኣት በፂሕዎምን እዩ። 

ብርክት ዝበሉ ገዳማትን ኣድባራትን አብያተ ክርስቲያን ብሰንኪ እቲ ኵናት ክህብዎ ካብ ዝግባእ መንፈሳዊ ግልጋሎት ካብ ምሃብ ክቋርፁ ተገይሩ እዩ።

ዕድመአን ንኣካለ መጠን ዘይበፅሐ ዕሽላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ካልኦት ዓበይቲ ሰብ ሓዳር፣ ንዓለም ንዒቀን ብድንግልና ንፈጣሪ ዘገልግላ ዝነበራ ናይ ገዳማት መነንቲ መነኮሳይያት፣  ሕጋውያን ኣንስቲ ቀሳውስትን ዲያቆናትን፣  ሰብ ፀጋ ዕድመ ቆረብቲ እኖታት ከይተረፋ ንምዝራቡ ብዘሰክፍ መልክዑ ፆታዊ ጥቕዓት በፂሕወን እዩ።

ናይ ዝተፈላለዩ ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ነበርቲ ዝዀኑ ወገናትና እውን እዞም ዝጠቐስናዮም ሓይልታት ኣብ ገዝኦም ብምእታው ተቐሚጡ ዝነበረ እኽሊ ይዅን ካሊእ ንብረት ዝኽኣልዎ ምስ ወሰዱ ክሽከሙዎ ዘይክኣሉ ድማ ሰብ ከይጥቀመሉ ምእንቲ ኰነ ኢሎም ብሓዊ ኣቃፂሎም ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ንኽዀን ገይሮምዎ እዮም።  እንስሳት እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዜጋታትና ዘጋጠመ ግፍዕን መርሽንትን ኵሉ ክበፅሖምን ምግቦም ከይተረፈ ብሓዊ ንክቃፀልን ተገይሩ እዩ።

ካብ ድኽነትን ተመፅዋትነትን ርእሱ ኽኢሉ 24 ስዓታት ስራሕ ኣብ ምስራሕ ዝነበረ ኣብዝሓ ሕዝብና ብሰንኪ እቲ ዝተወለዐ ኵናት ኣብዚ ሓዚ እዋን ካብ መንበሪ ገዝኡ ተመዛቢሉ፣  ነብሰፁር ደቂ ኣንስትዮ፣ሕዱር ሕማም ዝነበሮም ወገናትን ህፃናትን በብወርሑ ብተኻታታሊ ዝወስድዎ ዝነበረ መድኃኒት ስኢኖም ንሕልፈተ ሕይወት እናተዳረጉን ነብሰፁር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ በረኻ እናወለዳ ኣብ ዝልዓለ ፀገምን ምንግልታዕን ዝወደቃ እንትዀና ብጠቕላላ ህዝቢ ትግራይ እውን መሰረታዊ ዝብሃሉ ግልጋሎታት ከም እኒ ሕክምና፣ ግልጋሎት ስልኪ፣ መጓዓዝያ፣ መብራህቲ፣ ኢንተርኔት፣ ግልጋሎት ባንኪ፣ ወዘተ ብዘይምርካቡ /ብምቍራፆም/ ኣደዳ ጥሜት፣ ሕማምን ሞትን ኰይኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ስለ ዝዀነ ድማ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህልቂት፣ ኣብ ልዕሊ ቅርስታትና ጕሕለት፣ ኣብ አብያተ ክርስቲያንና እውን ዕንወት፣ ከምኡ ድማ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕዝብና መሰረተ ልምዓት ዝዀነ ከም እኒ ትካላት ጥዒና፣ ትካላት ትምህርትን ፋብሪካታትን ብርሰትን ጕሕለትን ምብፅሑ መሪር ሐዘን ስለ ዝተሰመዐና እዚ ዝስዕብ በዓል 10 ነጥብታት መግለፂ ቅዋም ኣውፂእና ኣለና።

  1. ወራሪ ሓይሊ መንግስቲ  ሻዕብያ ኤርትራን ኵሉም ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሕዎ ዘለው ግፍዕን በደልን ከም እውን ምዝራፍ ንብረት ህዝብና፣ ምጕሓል ንዋየ ቅድሳትናን ቅርስታትናን ጠጠው ኣቢሎም ብህፁፅ ካብ መሬት ትግራይ ክወፅኡ ፃውዒትና ነቕርብ።
  2. እቱ ኣብ መላእ ትግራይ ዝተፈፀመ ማእለያ ዘይብሉ በደልን ግፍዕን ብገለልተኛ /በዘይሸራዊ/ አካል ተፀኒዑን ተፃሪዩን ንቱ ገበን ዝፈፀሙ አካላት ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ብዝፈፀምዎ ገበን ክሕተቱን ፃውዒትና ነቕርብ።
  3. ብወራሪ ሓይሊ መንግስቲ ኤርትራን ብሓይልታት ኣምሓራን ዝተጕሓሉ ንዋየ ቅድሳታትናን ቅርስታትናን ከምኡ እውን ንብረት ህዝብና ብቅልጡፍ ናብ ትግራይ ንክምለሱ ፃውዒትና ነቅርብ።
  4. ማሕበረሰብ ዓለም በብገዳማቱን ኣድባራቱን ዝርከቡ መገልገልቲ ካህናትናን ጠቕላላ ህዝብናን ብ ምክንያት እቱ ዝተወለዐ ኵናት ዝብላዕን ዝስተን ስኢኖም ኣብ ኸቢድ ሓደጋ ወዲቆም ስለ ዝርከቡ ሰብአዊ ሓገዝ ናብ ኵሉ ትግራይ ኽባፃሕ ክትገብሩ ንፅውዕ። 
  5. ቢሮ መዛግብ ቅርስታት ዓለም /ዩኔስኮ/፣ ኢትዮጵያ ካብ ዘመዝገበቶም ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት መብዛሕቲኦም ኣብ ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ እንትዀኑ ኣብዚ ሐዚ  እዋን ንሐደጋን ጕሕለትን ዕንወትን ተቃሊዖም ስለ ዝዀኑ ፍሉይ ትዅረት ገይርኩም ካብ ሓደጋ ዝድሕንሉን እቶም ዝተዘረፉ ዝምለስሉ መንገዲ ንምምችቻው ድጋፍ ንክትገብሩ ንፅውዕ።
  6. ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ከም እኒ ሆስፒታላትን ኣብያተ መድኃኒትን ብኣጠቓላሊ ወሃብቲ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምዕናዎምን ናይ ውሽጦም መሳርሕታት ብምዝራፎምን፡ ህዝብና ስኣን ሕክምናን መድሓኒትን ንከቢድ ሓደጋ ተቃሊዑ ስለ ዝርከብ ብማህበረሰብ ዓለም ትዅረት ተገይሩሉ፡  ሕክምናን መድኃኒትን ዝረክበሉ መንገዲ ንክፍጠር ፃውዒትና ነቕርብ።
  7. እዙ ኣብ ክልልና ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ብህፁዕ ጠጠው እንተዘይሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፀሖ ዘሎ መርሸንትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ አንስትዮ እኖታትናን ኣሓትናን ዝፍፀም ዘሎ ኣሰቃቂ /አፀያፊ/ ዝዀነ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ መንገዲ ዘጋድድ ስለ ዝዀነ ማሕበረሰብ ዓለም እዙ ፀገም ብዝግባእ ተረዲኡ ፍታሕ ንክገብረሉ ብስም ናይዙ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕን በደልን በሰላን ዝዀን ዘሎ ህዝብና ፃውዒትና ነቕርብ።
  8. ብ ምክንያት ኣብ 2012 ዓ.ም ብዘጋጠመ ኮቪድ 19 /ኮረና ቫይረስ/፡ ኣብ ክልልና ትግራይ ብኣማእት አሽሓት ዝቝፀሩ መናእሰይን ሀፃናትን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተገሊሎም  ካብ ምፅንሖም ብተወሳኺ፡  ብ ምክንያት ብቶም ዝተገለፁ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዝካየድ ዘሎ ግፍዓዊ ኵናት ሰላም ብዘይምህላው ሐዚ ውን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተገሊሎም ስለ ዘለው ኣብ ልዕሊ እቶም ህፃናት ይዅን ኣብ ልዕሊ ወለዶም  ስነ ልቦናዊ ማህሰይቲ /ፅዕንቶ/ ኣስዒብሎም ይርከብ።  ስለ ዝዀነ ድማ ሰላም ንክፍጠር ማሕበረሰብ ዓለም ዘድሊ ኵሉ አስተዋፅኦ ንክገብር ፃውዒትና ነቕርብ።
  9. ኣብ መላእ ዓለም ዝትርከቡ ተወልደቲ ትግራይ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንን ዲያስፓራ ትግራይን ከም እውን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትግራይና ተወሊዑ ዘሎ ኵናት በቢ ዘለኹምዎ ኰይንኩም እቲ ኵናት ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ኣብያተክርስትያንን ዝፍፀሙ ዘለው ገበናትን ግፍዕታትን ክቋረፁን መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ዝትገብርዎ ዘለኹም ርብርብ ብጣዕሚ ዝነአድን ዝምስገንን ስለ ዝዀነ ጕዳዩ ናይ መወዳእታ ዕልባትን ፍታሕን ክሳብ ዝረክብ አጠናኺርኩም ክትቅፅልሉ ብስም ቅድስት ቤተክርስቲያና ፃውዒትና ነቕርብ።
  10. ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ልዕሊ ክልልና ትግራይን ተጋሩን ተወሊዑ ዘሉ ኵናት ጠጠው ክብል፣ ጉዳዩ ብስላማዊ መንገዲ ኣብ ዙርያ ጠረጵዛ ብምይይጥ ክፍታሕን ዝምልከቶም ኣካላት ንምምይጥ ቅሩባት ንክዀኑን ብስም እግዚኣብሔር ኣምላክ ፃውዒትና እናቕረብና እዚ መግለፂ ቅዋም እዙይ ብዝተፈላለዩ ምድያታት ኣብ አየር ንክውዕል ወሲና አለና። 

1 Comment

  1. mengesha yibrah

    March 5, 2021 at 1:21 pm

    እዚ ህዝብ ትግራይ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ወራሪ ሓይሊ
    ኤርትራን አምሓራን ከምኡ እውን ናይ ዐብይ /ኢትዮጵያ
    ወታደራት ብህፁፅ ክወፁ አለዎም ዝብል መግለፂ ሙሉዕ
    ብሙሉኡ ዝድግፎ ዕዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version