Connect with us

ትግርኛ

ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ

ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ’ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም።

Published

on

ብዕለት 24/04/2013 ዓ.ም: ኣስታት ሰዓት 2:00 ናይ ንጕሆ ካብ ኣንፈት ከተማ እንዳባጉና ዝተበገሰ ተዅሲ ከቢድ መሳርሒ(ቁምብላ) ብልዕሊ ከተማ ማይ ሓርማዝ እናሓለፈ ናብ ቍሸት ደብረ ኣባይ፡ ፍሉይ ሽሙ ድማ ዓዲ ዓቘብ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምዕላብ ጀመረ። ንእሽተይ መብርሂ ንምውሳኽ “ቍሸት ደብረ ኣባይ” ዝብሃል እቲ ገዳም እንዳ ኣቡነ ሳሙኤል ዘለዎ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ ዘለው ቦታታት ዝፅውዕሉ ስም እዩ። እዚ ድማ ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ብውሑዳት ኪ.ሜ  ርሒቑ ይርከብ። ብሓፈሻ እቲ ንዅለን ቍሸታት ዝጠርነፈ ጣብያ እውን ብ’ዚ ስም እዚ ከባቢ፡ “ጣብያ ደብረ ኣባይ” እዩ ዝብሃል።

ቀፂሉ እቲ በዝሒ ቁምቡላታት እናወሰኸን  ዝወድቐሉ ከባብታት እናስፈሐን ከይዱ ዳርጋ ኵሎም ቦታታት እታ ጣብያ ብቁምቡላታት (ከቢድ መሳርሒ)፡ ከም ዝናብ ሓምለ፡ ተሓረሱ። ናብ ቀፅሪ እቲ ዓብዪን ክቡርን ገዳም ኣቡነ ሳሙኤል  እንተ ኢተረፈ ብርክት ዝበሉ ቁምቡላታት ዓሊቦም እዮም። ድሓር ቀስ ብቐስ እቶም ዝወድቁ ቁምቡላት ርሕቐቶም እናሕፀሩ መጀመርያ ሓሊፎማ ይዝኸዱ ንዝነበሩ ከተማ ማይ ሓርማዝ ብፃዕቒ ዘነብዋ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ እታ ከተማን ዙርያኣን እግረይ ኣዉፅእኒ ኢሉ ናብ ኵሉ ኣንፈት ምህዳም ጀመረ። እቶም ቍምቡላታት ብዘኢምቍራፅ ክሳብ ኣስታት 6:00 ሰዓት ናይ ቀትሪ ቀፀለ። 

ኣብ ከባቢ ሰዓት 6:00 ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ይዓልቡ ዝነበሩ ቍምቡላታት ካብ’ቲ ዝትኰሱሉ ዝነብሩ ኣንፈት ስሜን (ኣንፈት እንዳባጉና) እናተበገሱ ን’ታ ከተማ ንኢድ ፀጋም ገዲፎም ርሕቐቶም ብምዉሳኽ ብበዝሒ 5 ዝዀኑ ደንቆ ናብ ዝበሃል በረኻ ዓለቡ። ኩሎም ግና ኣብ ባዶ መሬት ኣይወዓሉን። 1 ቍምቡላ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንስሳትን ወዒሉ ሂወት ቀዚፉ እዩ። ብ እዚ ድማ 1 “ብሩሀይ ጐይትኦም ሃዲስ” ዝበሃል ወዲ 10 ዓመት ህፃን ሂወቱ እንትሓልፍ ካልኦት ልዕሊ 3 ሰባት ድማ ጕድኣት በፂሕዎም እዩ ። ብተወሳኺ ድማ 4 ኣብዑር ሞይቶምን 1 ላሕሚ ተጐዲኣን እያ ብ’ዚ መጥቃዕቲ እዚ። 

ድሕሪ እዚ፡ ከባቢ ሰዓት 6:15 ናይ ቀትሪ 200 ዝዀኑ ወታደራት ኢትዮጵያ ናይ እንዳባጉና-ማይ ሓርማዝ (ደብረ ኣባይ) ፅርግያ ሒዞም ብእግሮም ተሰሪዖም ናብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ኣተዉ። ናይ መጀመርታ መዕረፊኦም ዝገበርዎ ድማ ናይቲ ጣብያ፡  ጣብያ ጥዕና እዩ ነይሩ። ኵሎም ተሓባቢሮም ድማ ማዕፆታትን መሳዅትን እቲ ጣብያ ጥዕና ምስባር ጀመሩ። ኣብ’ቲ ትካል ዝነበረ ንብረታት ድማ ኵሉ በቢ ሓደ ኣውፂኦም ወድኡዎ። ካብ’ቶም ኣቝሑ፡ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ 

ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ፣ ፍርናሻት ፣ ቴሌቭዝን እቲ ትካል ፣ ኮምፒዩተር፣ማይክሮስኮፕ ፣ ኣብቲ ትካል ተፀጊዓ ዝነበረት መኪና ወርልድ ቪዝን ካልኦት ንብረታትን ኣውፂኦም  ንኣንፈት እንዳባጉና ኣጕዒዘሙዎም። ብ ዕለት 25/04/2013 ዓ/ም ድማ ተወሰኽቲ ሰራዊትን ኣፅዋርን ናብቲ ጣብያ እናእተዉ ውዓሉ። ዕለት 26/04/2013 ኣስታት ስዓት 9:00 ናይ ቀትሪ ኣብ ጣብያ ኣሎጐን ናብ ዝነበረ ዉግእ ካብ ጣብያ ደብረ ኣባይ 120 ዝብሃል መድፍዕ እናተኰሱ ሽፋን ክውህብዎም ኣምሸዩ። እዚ ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ናብ እምባ ኣሎጐንን ከባቢኡን ክትኰስ ዝውዓለ መድፍዕ ኣብ ጣብያ ኣሎጐን ዘብፅሖ ጕድኣት ብንፁር እኳ እንተ ዘኢተፈልጠ  ኣብ ልዕሊ ሰባትን ገዛዉትን ጕድኣት ከም ዘብፅሐ ግን ነበርቲ እቲ ጣብያ ይዛረቡ። ድሕሪ እዚ ድማ ብ ዕለት 27/04/2013 ዓ.ም ሰዓት 6:00 ናይ ለይቲ ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ስርሒት ንምክያድ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ዝሰፈረ ወታደር መጥቃዕቲ ይኸፍቱ። እቲ ውግእ ድማ ሙሉእ ለይቲ ይሓድር። ካብ 300-500 ዝዀኑ ወታደራት ፀላእቲ ድማ ምዉታትን ቍሱላትን ኰይኖም እዮም። 

ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ’ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም። እዚ ማለት ኣብ መንገዶም ዘዝሓለፍወን ናይ ገጠር ገዛውታት ግዳይ እዚ ጥቕዓትን ነበርትን ድማ ኣደዳ ግፍዓዊ መርሸንትን ቅትለትን ኰይኖም እዮም፡ ኣብ በረኻ ዝነበሩ ጓሶትን ሓለውቲ ከፍትን እንተ ኢተረፈ። ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ከተማ እናዘወሩ ዝርሽኑ ዝነበሩ ወታደራት ብርክት ንዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ብዉልቀን ብጕጅለን ይዕምፁ ከም ዝነበሩ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ። ኣብ’ቲ ዕለት ካብ 100-200 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ እንትርሸኑ ብዉሕዱ ልዕሊ 20 ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተዓሚፀን እየን።

ኣብ ከይዲ እቲ ምቕታል ንፁሃን፡ ክሳብ 50,000 ብር ተቐቢሎም ዝመሓርዎም ሰባት ኣለዉ። ዝቐተልዎም እዉን ከምኡ ኣለዉ። ነዚ ተግባር ዝተዓዘበ ነባሪ እቲ ከተማን ከባቢኣን ገዝኡን ንብረቱን ገዲፉ ኵሉ እዩ ሃዲሙ። ድሕሪ እዚ እቶም ወታደራት ንሕድሕድ ገዛ እናሰበሩ ንብረትን ገንዘብን ናብ ምዝራፍን ምስባርን ኣትዮም። ብፍላይ ድማ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቝሑ ከም ቴሌቭዝንን ሞባይልን ዝዉሰድ ወሲዶም ንዝተረፋ ንብረታት ድማ ሰባቢሮም ሕሩጭ ጌሮመን እዮም ከይዶም። ከምኡ እዉን ናብ ናይ ንግዲ ትካላት እናኣተዉ ብርክት ዝበለ ጥረ ገንዘብ እንትሰርቁ ንካልኦት ሸቀጣት ድማ  እናዉፅኡ ደርብዮም። 

እቶም ን እዚ መስካሕኽሒ ጭፈጨፋ ንፁሃን ዝፈፀሙ ወታደራት ዋላ እኳ ብ ክዳኖም ምፍላይ እንተ ዘኢተኽኣለ ብቋንቍኦም ግን ወታደራት ኤርትራ እውን ሓቢሮሞሞ ከም ዝነበሩ መሳኻኽር ዓይኒ እቲ ከባቢ ብግልፂፂይዛረቡ። ብ ዕለት 01/05/2013 ዓ.ም ድማ ካብቲ ጣብያ ወፂኦም ከይዶም። ድሕሪ እዚ ዕለት ድማ እዮም እቶም ዝተቐተሉ ንፁሃን ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ዝኽኣሉ።

ኣስማቶምን ዝተወስነ ሓበሬታ ዝተረኸበሎምን 59 ግዳያት ኣብ ታሕታይ ተዘርዚሮም ኣለው። ጠቕላላ በዝሒ ግዳያት ግን ልዕሊ 100 ምዃኑ ይፍለጥ።

ስምፆታዕድመስራሕስድራኣመዋውታ
1ኣድሓኖም ጕዕሽ ብርሃነተባ16ጓሳኣይወለደንማይ ኵሕሊ ኣብ ዝብሃል ቦታ(ካብ ከተማ ማይሓርማዝ ኣስታት 5 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ) ከፍቲ እናሓለወ ብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከባቢ ሰዓት 5:00 ናይ ንጕሆ ተቐቲሉ
2ታደለ ምዕሾ ኪዳነተባ35ገባር/ሓረስታይ/ኣቦ 3 ቁልዑ (2 ተባ 1 ኣን)ብተመሳሳሊ ኣብ ማይ ኵሕሊ ከባቢ ሰዓት 5:00 ተቐቲሉ
3እሸቴ መብራህቶምተባ28ገባርኣቦ ሓደ ቈልዓመጀመርታ ዝረኽብዎ ወታደራት ግምባሩ ኣቕሲሎምዎ፣ ድሒሮም ዝረኽብዎ ድማ ኣብ ውግእ ኢኻ ቈሲልካ ኢሎም ቀቲሎሞ። ዝሞተሉ ድማ ከባቢ ሰዓት 3:00 ናይ ንጕሆ ኰይኑ ካብ እታ ከተማ ውፅእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ገጠር እዩ
4ምላው ብርሃነ ገብረማርያምተባ48ገባርኣቦ 3 ቁልዑ (2 ተባ 1 ኣን)ንጕሆ ሰዓት 1:00 ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ
5ለገሰ ፍቓዱ ኣበራተባ42ሃናጺኣቦ 4 ቈልዑ(1 ተባ፣ 3 ኣንስትዮ)ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ ሰዓት 1:00 ተቐቲሉ
6መብራህቶም ትካቦ ተኽለሃይማኖትተባ52ገባርኣቦ 5 ቈልዑ(3 ተባ)ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ 1:00 ተቐቲሉ
7መብራህቶምተባ26ገባርኣይወለደንኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ንጕሆ 1:00 ተቐቲሉ
8በርሀ መሓመድ ንጉስተባ26ነጋዳይኣይወለደንስርሑን ናብርኡን ኣብ ከተማ ሽረ እንትዀን ናይ ሓዉ ድኳን ክሕሉ ናብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ጣብያ ደብረ ኣባይ ምስ መፅአ ከባቢ 1:00 ተቐቲሉ
9ዳንኤል ፀጋይ ግደይተባ30ሓኪምኣይወለደንኣብ ጣብያ ጥዕና ደብረ ኣባይ ብሕታዊ ብዓል ሞያ ላብራቶሪ እዩ ነይሩ። ትውልዱ ዕዳጋ ሕሙስ እንትዀን ኣቡኡ ኣብ ምግዳል ዝተሰውኦ፣ ኣዲኡ ኽኣ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝሞተቶ እዩ። ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ክኣ ካብ’ቶም ብዕለት 28/05/2013 ዓም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ዝተቐተሉ ሓደ እዩ።
10ምዕሾ ኣለማዮህተባ41ገባርኣቦ 2 ቈልዑ(1 ተባ ፣ 1 ኣንስታይ)ኣቦ መንበር ልምዓት ጕጅለ ኰይኑ ንህዝቡ ዘገልግል ዝነበረ እንትዀን ካብ’ቶም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ዝተቐተሉ እዩ።
11ኣረግሀ ግደይ ምህረይተባ45ገባርኣቦ 5 ቈልዑ(2 ተባዕትዮብ ተመሳሳሊ እዚ እውን ካብ’ቶም ኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ብግፍዒ ዝተቐተሉ እዩ
12ኣታኽልቲ በለጠ ወልዳይተባ32ወራቒ(ወርቀኛ)ኣቦ ሓንቲ ቈልዓኣብ ዕደና ወርቂ ተዋፊሩ ናብርኡ ዝመርሕ ዝነበረ፣ ኣብ’ቲ ከተማ ንግሆ ሰዓት 1፡00 ካብ ዝተጨፍጨፉ ንፁሃን ግዳያት እዩ
13ገብረ በለጠ ወልዳይተባ35ገባርኣይወለደንሓው ናይ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣታኽልቲ በለጠ ኰይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን እዋንን ኣብ’ታ ከተማ ተቐቲሉ
14በሪሁ ከበደ ኣማረተባ25ገባርኣይወለደንኣብ ከተማ ማይ ሓርማ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ
15በሪሁ ኣበራተባ25ገባርኣቦ ክልተ ቈልዑ 1 ተባ፣ 1 ኣንስተይቲኣብታ ከተማ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ተቐቲሉ
16ተኽላይ ሃይሉ ገብረፃድቅተባ38ገባርኣቦ 3 ቁልዑ (1ተባ 2 ኣን)ኣብ ተምሳሳሊ ቦታን እዋንን ተቐቲሉ
17ኣብርሃለይ መለሰ ኪዳነተባ35ገባርኣቦ 4 ቁልዑ 1 ተባ 3 ኣንስትዮንዕጣን ዘረ ኣብ ዝብህል ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ 3 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዝተቐለ። ኣብ መጀመርታ ደቁን ሰበይቱን ሒዙ ናብ በረኻ ዝሃደመ እንትዀን ደቁ ጥሜት በርቲዕወን ምግቢ ክወስድ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ኣብ ገዝኡ ሰዓት 5:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ። ኣዲኡ በይና ምሉእ መዓልቲ ሬሳ ወዳ ሓቒፋ ክተልቅስ ውዒላ
18መ/ር ኣሮን ትኩእተባ40መምህርኣቦ ክልተ ቁልዑ(2 ኣንስትዮ)ምኽትል ርእሰ መምህር ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደብር ኣባይ ዝነበረ እንትዀን ኣብ’ዚ ዓመት ተመራቒ ማስተርስ እዩ ነይሩ። ሰበይቱ መምህር ከም ዝዀነ ከይቐትልዎ ሓቢራቶም፣ ከምኡ እውን 8000 ብርን ሓንቲ ላፕቶፕን ተቐቢሎማ እንተዀነ ግን ኣይምሓርዎን። ካብ’ቶም ሰዓት 1:00 ኣብ’ታ ከተማ ዝተቐተሉ ሓደ ኰይኑ።
19ኣያልነህ ምላው ንጉሰተባ51ሹፌርኣቦ 4 ቁልዑ 1 ተባ 3 ኣንስትዮንምስ ወዲ 16 ዝዀን ወላዱ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ክቐትልዎም ምስ ወሰድዎም እቲ ወዱ እግሩ ተወቒዑ እንተምልጥ እቲ ኣቡኡ ግን ኣብ ግምባሩ ብጥይት ወቒዖም ከም ዝቐተልዎ እቲ ውፃእ መዓት ውላዱ ይምስክር። እዚ እውን ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ሰዓት 1:00 ንጉሆ እዩ ዝዀን ዘሎ።
20ሙናየ ታደሰ ገብረመስቀልተባ32ገባርኣቦ ክልተ ቈልዑ (1 ጓል 1 ወዲ)ንጕሆ 1:00 ኣብ’ታ ከተማ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ
21ኣወጠሀይ ጕዕሽ (ወዲ ጕዔ)ተባ29ወራቒ(ወርቀኛ)ኣይወለደንብተመሳሳሊ ካብ’ቶም ኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ብግፍዒ ዝተቐተሉ
22ኣወጥሀይ ምዕሾተባ30ጓሳኣይወለደንኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ሰዓት 1:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ
23ተስፋዓይነይ ግዛቸው ውነህተባ38ሹፌርኣብ ክ ቈልዑ (ጓልን ወድን)ወናኒ ናይ ፅዕነት ባጃጅ ዝነበረ እንትዀን በቲ ዕለት ንጕሆ ሰዓት 1:00 ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ኣብ’ታ ከተማ ቀቲሎሞ
24ሙላደ ገብረሃዋርያ ከበደተባ29ወራቒ(ወርቀኛ)ኣይወለደንኣብ’ታ ከተማ ብተመሳሳሊ መገድን ኣብ ተመሳሳሊ እዋንን ካብ ገዝኡ ኣውፅኦም ቀቲሎሞ
25ማርይሁን ልጃለምተባ
26ሕሉፍ ብርሃነ ስዩምተባ41ገባርኣቦ 5 ቁልዑ( 2 ኣወዳት)ካብ ገዝኡ ተጐቲቱ ወጺኡ ዝተቐተለ፣ ተመሳሳሊ እዋንን ቦታን።
27ብርሃኑ ኣየልኝተባ45ወራቒኣቦ 3 ቁልዑ(2 ኣጓላትን 1 ወድን)ትውልዱ ካብ ክልል ኣምሓራ ኰይኑ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብር ዝነበረ እዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ረሺኖሞ።
28ደስታ ታጀበ
29ኣማረ መኰነን በርሀተባ37ነጋዳይኣቦ 4 ቈልዑ (2 ኣወዳትን ክልተ ኣጓልትን)ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ርሕቕ ዝበለ ገጠር ኣብ እንዳ ሓሞኡ እዩ ተቐቲሉ። ኣብ’ታ ከተማ ድማ እንዳ መስተ ከፊቱ ብ ንግዲ ዝምሓደር ዝነበረ እዩ። ከባቢ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ተቐቲሉ።
30ግርማይ ኣለምሰገድ ሃይለተባ38ገባርኣቦ ክልተ ቈልዑ(1 ወዲን ሓንቲ ጓልንመተሓባበሪ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ጣብያ ደብረኣባይ ዝነበረ ከምኡ እውን ኣቦ መንበር ዕቋርን ልቓሕን ኰይን ዝሰርሐ እዩ ነይሩ። ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ናይ ገጠር ቦታ ኣብ ዓዲ ሓሞኡ ኣዩ ተቐቲሉ። ኣማረ ዝብሃል ኣብ’ቲ ገዛ ዝነበረ ሰብ ምስ ቀተልዎ ደንጊፁ “እዋይ ሓወይ” ኢሉ ካብ ገዛ ምስ ወፅአ ንዕኡ እውን ሓዊሶም ረሺኖሞ።
31ፀጋይ ደስታ ታከለተባ36ገባርኣቦ 5 ቈልዑ( 2 ኣወዳትን 3 ኣጓላትን)እዚኦም ክልቲኦም ኣሕዋት እንትዀኑ ዓዲ መዝገቦ ኣብ ዝብሃል ቦታ (ካብ ከተማ ማይ ሓርማዝ 2 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ማለት እዩ) ሰዓት 2:00 ጕሆ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ቡን እናሰተዩ ኣብ ቅድሚ ስድርኦም ብግፍዒ ዝተቐተሉ እዮም።
32ኣለነ ደስታ ታከለተብ45ገባርኣቦ 6 ቈልዑ ( 3 ኣወዳትን 3 ኣጓላትን
33ምሩፀይ መብራህቶም ተሰማተባ28ገባርኣይወለደንእዞም ሸውዓተ ሰባት ካብ ከተማ ማይሓርማዝ ኣስታት 4 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገዛ ድራር ኣብ ዝብሃል ኣብ ናይ ሓደ በሪሁ መድሃነ ዝብሃል ሰብ ህድሞ ገዛ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታት መጺኦም ተዓቚቦም ዝነበሩ እንትዀኑ ከባቢ ሰዓት 4:00 ወታደራት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ህድሞ ኣውጺኦም ከም ዝቐተልዎም ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበረት ብዓልቲ ገዛ ሰበይቲ ትምስክር
34ደጀን ሃዲስ ገብረኪዳንተባ28ተምሃራይኣይወለደን
35ገ/የሱስ ገብረ ኪዳን እንግዳተባ67ጡረተኛኣቦ 4 ቈልዑ (2 ኣወዳትን ክልተ ኣጓልትን)
36ተኽላይ ብርሃነተባ
37መለስ የማነተባ
38መብራህቶም ምላውተባ
39መረሳ ልኡልተባ
40ምላለም ገበረመድህን ኪዳነተባ43ገባርኣቦ 4 ቈልዑኣብ ሰጋሉ ዝብሃል ቦታ(ከተማ ማይ ሓርማዝ ከባቢ 1.5 ኪ.ሜ ዝርሕቕ) ካብ መንበሪ ገዝኦም ብዕለት 28/04/2013 ዓ.ም ኣሲሮም ናብ ካልእ ጣብያ ማለት እውን ጣብያ ሚዛን(ከተማ ዓዲ ገብሩ) ዝወሰድዎም እንትዀን መዓዝ ከም ዝተቐተሉ ግን ኣይፍለጥን
41ሓዱሽ ኣቡሀይ ውነህተባ30ገባርኣቦ ሓደ ቈልዓ
42ኣስማማው ኣባቴተባ52ገባርኣቦ 7 ቈልዑ ( 3 ኣወዳት)ሰጋሉ ኣብ ዝብሃል ቦታ ካብ መንበሪ ገዝኡ ሰዓት 2:30 ንጕሆ ቀቲሎሞ
43የሺነህ ኣዲሱተባ70ገባርኣቦ 7 ቈልዑ ( 3 ኣወዳት)ኣብ ሰጋሉ ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ዝቐተልዎ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ማለት እውን ንጕሆ 2:30
44ሓዱሽ ምርጫ ገብረኺዳንተባ45ነጋዳይኣይወለደንትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዘቋረፀ እንትዀን ብ ስራሕ ንግዲ ድማ ይመሓደር ነይሩ። ከብ መንበሪ ገዝኦም ምስ ንእሽተይ ሓዉ ዘልኣለም ምርጫ ዝብሃል ኣውጺኦም እንትወስድዎም ክቐትልዎም ምዃኖም ምስ ፈለጡ ከምልጡ ኣብ ዝፍትኑሉ ግዜ እቲ ሓዉ እንተምልጥ ንሱ ግን ከምልጥ ኣይክኣለን። ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ሰዓት 1:00 ንጉሆ ተቐቲሉ
45ዘነበ ለገሰ መሰለተባ41ገባርኣቦ 3 ቈልዑ(2 ኣወዳት)ኣብ ከተማ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ 4 መዓልቲ ተቐቲሉ ተረኺቡ
46ቀሺ ንጉሰ መሰለ ገዙተባ65ገባርኣቦ 7 ቈልዑ ( 4 ኣወዳት)ብ ዕለት 28/04/2014 (ድሮ ብዓል ልደት) ናይ ቤተ ክርስትያን እንዳማርያም ዲጋ ገበዝ ስለ ዝነበረ ሰዓት 8:00 ናይ ለይቲ (ናብ ልደት ዘውግሕ) ናብ’ቲ ቤተ ክርስትያን እናኸደ ኣብ ጥቓ እቲ ቤተ ክርስትያን ብወታደራት ኢትዮጵያ ተቐቲሉ።
47ለማ ፅሃየተባ36ገባርኣቦ 5 ቈልዑ(2 ኣወዳት)ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውፅኦም ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ቀቲሎሞ
48ገብረ ልኡል ሃይለተባ32ገባርኣይወለደንካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ክቐትልዎ ምስ በሉ ጐይዩ ከምልጥ እኳ እንተፈተነ ካብ’ታ ከተማ ኣስታት 700 ሜትሮ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና እታ ከተማ ትሕት ኢሉ ሞይቱ ተረኺቡ። እዚ እውን ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ እዩ
49ሙለይ ዘምችአልተባ40ገባርኣቦ 2 ኣወዳትኣብ ከተማ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውጺኦም ዝቐትለዎ። ከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ።
50ተኽለ ወሉተባ36ገባርኣቦ 2 ኣወዳትሕዛእቲ ኣብ ዝብሃል ገጠር (ካብታ ከተማ ውፅእ ኢልካ ትርከብ) ካብ ገዝኡ ኣውጺኦም ቀቲሎሞ
51ኣለምነህ ወሉተባ33ገባርኣቦ ሓደ ቈልዓኣብ ሕዛእቲ ካብ ግዙኡ ኣውጺኦም ቀቲሎም።
52ኣብርሃ ነጋሲ ባህታተባ28ገባርኣቦ ሓደ ቈልዓኣብ ከተማ ማይ ሓርማ ከባቢ ሰዓት 1:00 ካብ ዝተቐተሉ
53ብሩሀይ ጐይትኦም ሃዲስተባ10ተምሃራይብዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ናብ’ቲ ጣብያ ካብ ኣንፈት እንዳባጕና ብርክት ዝበለ ከቢድ እንትትኮስ ኣብ ጣብያ ደብረ ኣባይ ፍሉይ ስሙ ደንቆ ኣብ ዝተባህለ ቦታ በቲ ዝተተኰሰ ከቢድ ከባቢ ሰዓት 6:00 ናይ ቀተሪ ተቐቲሉ። ምስኡ ድማ 4 ኣብዑር ተቐቲሎም እዮም።
54ክፍለ ሃይለየሱስተባ24ገባርኣይወለደንንጕሆ ሰዓት 1:00 ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ መንበሪ ገዝኡ ኣውፅኦም ቀቲሎሞ
55ፃዕደይተባ27ገባርኣይወለደንኣብ’ታ ከተማ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ተቐቲሉ
56ማርይሁንተባ22ገባርኣይወለደን1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ካብ ገዝኡ ወጺኦም ዝቐተልዎ ሰዓት
57ጎበዛይተባ30ገባርኣይወለደንከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ
58ግርማይተባ29ገባርኣይወለደንከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ
59መብራህቶምተባ25ገባርኣይወለደንከባቢ ሰዓት 1:00 ንጕሆ ኣብ ከተማ ማይ ሓርማዝ ተቐቲሉ
ዝርዝር ኣስማት ግሳያት ጨጫፍ ደብረ ኣባይ። ብዘይ ብሩሀይ ጐይትኦም ሃዲስ (ቍፅሪ 53) ኵሎም ብ ዕለት 28 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም እዮም ተቐቲሎም። እዚ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ሓበሬትኦም ክይርከብ ዝተኽኣለ ጥራሕ ድኣ እምበር በዝሒ ዝተቐተሉ ሰባት ልዕሊ 100 ከም ዝዀነ ይፍለጥ። ካብ ሑመራ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ካልኦት ካባቢታት ትግራይ መጺኦም ኣብ’ታ ከተማ ተዓቚቦም ስለ ዝነበሩ እቶም ዝተረፉ ኣስማቶምን ተወሳኺ ሓበሬታን ምርካብ ኣፀጋሚ ይገብሮ።

Continue Reading
8 Comments

8 Comments

  1. ያጉቴ ልጅ

    April 7, 2021 at 8:13 am

    ልበይ ተሰቢረ ሓዚነ

  2. Hiwat Gebremariam

    April 4, 2021 at 5:21 am

    It’s very sad, the world is watching and doing nothing while genocides happening In Tigray. No One Cares Very SAD 😢😢😢

  3. Mebratu

    April 3, 2021 at 6:43 pm

    Thank u for sharing as by Tigragna and keep it up.

  4. Robel Gtinsae

    April 3, 2021 at 3:58 pm

    We proud of you our brothers and sisters who are fighting day and night for tigray keep it up for future bright Tigray

  5. Mezgebe

    April 3, 2021 at 3:29 pm

    THIS NEED TO BE A SOURT OF STRENGTH NOT TO GIVEUP OUR BITTER STRUGGLE HOPPING TO SEE A BRIGHT TIGRAY.

  6. Mikiale

    April 3, 2021 at 1:44 pm

    It is good initiation.I think it is good to prepare on line orientation on how to document all atrocities committed in Tigray ( contents). People think that it is difficult.

  7. መለስ ሓየሎም

    April 3, 2021 at 1:33 pm

    “ትግሃት” ክብርን ሞሳን ይግበአኩም፣ ብጅምላ ኣስማቶም ክፅዋዕ ከሎ ተራ ቁፅሪ ዝመስል ዝነበረ ታሪኾም ህይወት ዘሪእኹምሉ።
    ንኹሎም ግዳያት ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ ዝኾኑ ወገናትና ዕረፍቲ ይኹነሎም፣ ኣይክንርስዖምን ኢና።

    • The indubitable victory of Tigray over invaders

      April 4, 2021 at 3:06 pm

      ብሽም ተጋሩ በሽም ትግራይ እዮም ተሰዊኦም፥፥ፀላዕትና ተጋሩ ከፅንቱ እዮም ዘሚቶም፥ገለ ወድ ገለ ክንርሽን ኢና አበይ አለዉ ተባሂሉ አይኮነንን፥ንሕና አብ ደገ ዘለና ኩላትና አብ ዉሽጢ ትግራይ እንተ ንነብር ኔርና እጫ ስዉኣት አህዋትና ይበፅሃና ኔይሩ(ኢዩ )፥፥ማለተይ ኩሎም ስዉኣት በሰንክና በሽምና ብትግራዉነቶም እዮም ተቀቲሎም ካልዕ በደል አይፈፀሙን፥፥ትግራዋይነት ከም ሀገራዊ ክህደት(ገበን) ተቆፂሩ ማለት እዩ ተሰዊኦም፥፥ኣዝዩ ገዚፍ ገበን ዝገበረ ሰብ እንተተረኺቡ ብሕጊዩ ዝህተት ሕጂ ግና እታ አዲ ብገበነኛታት ብጅምላ ህልቂት ተሓተቲ ስለ ትማሀዳደር ብስነሥርዓት ቤት ፍርዲ ዝቀርብ የለን አብ ማይዳ ብኢዋላታት ይዕመፅ ይርሸን ዩ ዘሎ፥፥ካብዘመነ ገበነኛታትን ዘመነ ኢዋሉን ጥዑይ ነገር ርቱዕ ፍርዲ አይንፅበንኢና፥፥እወ ኣይክንርስዖምን ኢና !
      ብዘይ ገበን ብመንነቱ(ቶም)፥ብመንነትካ(ቶም) ዝተሰዉ(ኧ) አዴኻ፥አቦኻ፥ደቕኻ ሀዉካ፥ሀፍትኻ፥ እዮም፥፥!

      ኣይክንርስዖምን ኢና!!!
      ንነዊህ ዘመናት አዝማናትን ትግራይ ንኢትዮጵያ ከጥቅዕ ክወርር ንዝመፀ ናይ ደገ ወራሪ እናመከተት ናብ ዝመፀሉ ብዝ መፀሉ ንክምለስ እናገበረት በሀይሊ ደፊኡ ከአቱ ክወርር ንዝሀሰበ እና ሀምሸሸት ነይራ ኢያ፥፥ነዚ ኩሉ ናይ ደገ ፀላዒ ተፃዊራ ክተብቅዕ ፥ ልዕሊ አሰርተ ሸዉአተ አመት ተጋሩ ንኢትዮጵያዉያን (ከዳኣት) ካብ ደርግ ሥርዓት ናፃ(ሓራ)ከዉፅዑ ዝፈትውዎም ደቆም፥አቦታቶም፥አዴታቶም፥አህዋቶም፥ኣሓቶም፥ ሰዊኦም እዮም፥፥ከምት መራሂና ክቡር ዶክተር ደብረ ፅዮን ሀደ ጊዜ ዝተዛረቦ ትግራይ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያዉያንን ደቕና ጥራ (ሰብ ሀፍትና)ጥራይ ከይኮነስ ገቦታት ትግራይ ከይተረፉ ብሰንክ ኵዊናት አንዮም ተቃፂሎም ተሰዊኦም እዮም፥እዚ ኩሉ ታሪክ ትግራይ ከመይ ጌራ ንኽንደይ ዘመናትን አዝማናትን ንኢትዮጵያ ከም በጊዕ ደቃን ክትስ ዉእ ፀኒሃ ሕጂ ብዘመነ ግርንቢጥ ደቃ ተጋሩ ከም ገበነኛታት ተቆፂሮም ይህረዱ አለዉ፥ንኢትዮጵያ አንደልያን ብሽማ ኢትዮጵያዉያን ተባሂልና ክንፅዋእ አይንደልን በላዒት ደቅና አቦታትና፥አዴታትና፥አህዋትና፥አኀትና እያ፥፥ ንሰማዕታትና ኣይክንርስዖምን ኢና!!!

      Note: If there is any error above, you are welcome to impart your constructive comment. Indubitably, Tigray will be victorious !

      The indubitable victory of Tigray over invaders is coming, Stay tuned!

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT