Connect with us

story

ሰራዊት ኤርትራ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ ኣቃፂሎም ታሪኽ ቍልዕነተይን ንእስነተይን መንጢሎምኒ

ቤት ትምህርተይ ሓዊ ኣትዩዋ። ኣነ ታሪኽ እየ እዝክር ዘለኹ። ናይ ሎሚ ህፃናትን ሰጋናትን ተምሃሮ ግን ኣካል ሆወቶም እያ። እቶም ተምሃሮ፡ ታሪኾንም መፃኢኦምን ክቃፀል ምስ ርአዩ፡ ከካብ ገዝኦም ተፀዋዊዖም ከድሕኑ ተጓየዩ። ገሊኦም እቲ ዝተወልዐ ሓዊ ከጥፍኡ፣ ገሊኦም ዘኢተቓፀሉ ወይ ፍርቆም ዝነደዱ መፅሓፍቶም ከድሕኑ ፅዓሩ። ግን ከም ድልየቶም ኣይኰነሎምን።

Published

on

ሰለኽለኻ እየ ተወሊደ ዓብየ። ድሕሪ ትምህርቲ ፈለገ ሂወት ብ 1989 ዓ/ም ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ ዘመናዊ ትምህርቲ ጀሚረ።

ግንቦት 1990 ዓ/ም ካልኣይ ክፍሊ እናሃለውኩ ፃምእ ትምህርተይ ዝገትእ ነገር ተኸሲቱ፦ ወራር ሻዕብያ ተወሊዑ። ድምፂ ነፈርትን መዳፍዕን፣ ብሬድዮ ዝምሓላለፉ ንዕድሜና ዘኢይዀኑ ዜናታት ውግእ ወረ ውግእን ክንከታተል ድቃስ ስኣንና። በቲ ንሰምዖ ተፀሊውና ድማ ውሽጥና ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ዝብሃል ወራሪ ፅልኢ ኣብቆለት። ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ኵሉ ነገረይ ኣብዚ ጉዳይ ነይሩ።

ኣብ ሂወተይ ፈፂመ ዘይርስዖ ኵነት ግን ኣሎ። ኣብ ጋዜጣን ኣብ መንደቕን ዝልጠፉ ምልክታታትን ዝርኣኹዎ ናይ ሓንቲ ብደብዳብ ነፋሪት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይደር መቐለ ተወቒዓ ዝሞተት ህፃን። ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ነቢዐላ። ቤት ትምህርቲ እንትኸየድ ከምኣ ብኣየር ተወቒዐ ዝምወት እንዳመስለኒ እፈርሕ ነይረ። “ንምንታይ ግን ንቤት ትምህርቲ ይድብድብ እዚ ኢሳያስ” ድማ እብል ነይረ። ነዚ ሕቶይ ግን ድሕሪ ዓመታት መልሲ ረኺበሉ።

27 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብሰራዊት ሻዕብያ ዝተፈፀመ ታሪኽ ከውግዓኩም። ታሪኽ፣ መንነት፣ ንቕሓትን ተጋሩ ነብርስ ዝብል መልእኽቲ ዝተሓንገጡ ልኡኻት ሻዕብያ ፅባሕና ከፀልምቱ፣ ትማልና ካብ ኣእምሮና ከጥፍኡ ንሓደ ሰይጣናዊ ዕላማ ተበገሱ። ትካላት ትምህርትን ሕክምናን ምዕናው ዝብል ሰይጣናዊ ዕላማ። 

ቀዳማይን ካልኣይ ብርክን ቤት ትምህርቲ በለስ፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝባን ገደና (ሸራሮ)፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ፣ ከምኡ ድማ ታሪኸይን ንእስነተይን ዝሓዘት ቤት ትምህርተይ፡ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ ብ ሓዊ ኣቃፂሎሙወን።

ኣብ መኪናኦም ላምባን ከራቢትን ፅዒኖም ኣብ በሪ ቤት ትምህርተይ፡ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ፡ ወረዱ። ናብ ቤት ዕዮታትን ቤተ-ንባብን እቲ ቤት ትምህርቲ ኣትዮም ድማ ላምባ ነሳነሲም ሓዊ ኣእትዮሙሉ ናብ ቀፃሊ ዕላምኦምን ዝቃፀል ቤት ዕዮን ተበገሱ። 

ቤት ትምህርተይ ሓዊ ኣትዩዋ። ኣነ ታሪኽ እየ እዝክር ዘለኹ። ናይ ሎሚ ህፃናትን ሰጋናትን ተምሃሮ ግን ኣካል ሆወቶም እያ። እቶም ተምሃሮ፡ ታሪኾምን መፃኢኦምን ክቃፀል ምስ ርአዩ፡ ከካብ ገዝኦም ተፀዋዊዖም ከድሕኑ ተጓየዩ። ገሊኦም እቲ ዝተወልዐ ሓዊ ከጥፍኡ፣ ገሊኦም ዘኢተቓፀሉ ወይ ፍርቆም ዝነደዱ መፅሓፍቶም ከድሕኑ ፅዓሩ። ግን ከም ድልየቶም ኣይኰነሎምን። እቲ ብንእስነተይ ዝፀልኦ ዝነበርኩ ኢሳያስ ድሕሪ 23 ዓመታት ኣብ እዞም ህፃናት እውን ሕማቕ በሰላ ገዲፉ ኣሎ። ታሪኾም፣ ዓሌቶም፣ መንነቶም፣ መፃኢኦም ከብርስን ከጥፍእን ከም ዝተበገሰ ግልፂ መልእኽቲ ኣሕሊፉሎም።

እዞም ህፃናት፡ ብሰንኪ ኮሮና፡ ዓመት ኣብ ገዝኦም ተዓፅዮም፣ ብፃምእ ትምህርቲ ኣብ ዝሳቐይሉ ጊዜ ኢሳያስ ድማ ልዕሊ ኮሮና ብኸበድቲ ኣፅዋራት ደብዲቡዎም። ገዝኦምን ዓዶምን ገዲፎም ተሰዲዶም ቀንዮም እንትምለሱ፣ ዓዶም ኣዕኒዉ፣ ዝበልዕዎ መንጢልዎም ምፅንሑ ከኢይኣክል፡ መፃኢኦም ከፅልምተሎም ምዃኑ ኣግሂዱሎም።

በኽዮም፣ ተስፋ ቈሪፆም። ኣሽንኳይ ንሶም ኣነ እኳስ ታሪኸይ ኣጥፊኡለይ ኢለ ጕህየ ኣለኹ። ሰብ ግን ከመይ ከመይ ኢሉ ፀረ ንፁህ ሰብ፣ ፀረ ትምህርትን ንቕሓት ይስለፍ?

ሓደ ካብቶም ቤት ትምህርቶም ተቓፂሉዎም መፅሓፍቲ ንምድሓን ዝጓየዩ ዘለዉ ሰገናት ብ ሓዘንን ሕርቃንን ከም ዝስዕብ በለ:- “ፕሬዚዳንት ክልል ትግራይ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ወግሐ ፀብሐ ኣሕዋት ኢና ክብል፣ በቢ ገዛና እውን ኤርትራውያን ኣሕዋትኩም እዮም ክንብሃል ኢና ንፈልጥ። ኣሕዋትና እንተዀይኖም ድኣ ከመይ ኢሎም ቤት ትምህርትና የቃፅሉልና፣ ከመይ ኢሎም ዓድና ይድብድቡልና፣ ከመይ ኢሎም ንፁሃት ኣሕዋትና ይቐትሉልና፣ ከመይ ኢሎም ኣሓቶም ይዕምፁ፣ ከመይ ኢሎም ክነጥፍአኩም ኢና ይብሉና ኣለው? እሞ ደብረፅዮንን ወለድናን ሓስዮሙና እዮም።”

ቀደም ቤት ትምህርቲ ዓይደር ዝደብደቡ ብጌጋ ይመስለኒ ነይሩ። ሎሚ ግን ብጌጋ ከም ዘኢኰነ በሪሁለይ ኣሎ። ቤት ትምህርተይ ኣይተደብደበትን። ኰን ተባሂሉ እዩ ብ ላምባን ክርቢትን ተቓፂላ። ግን እኮ ኤርትራዊ መንነት ትግራዋይ መንነት ብምጥፋእ ኣይኰነን ዝፍጠር። ልዕሊ ዒስራን ሰለስተን ዓመታት ኢሳያስን ስዓብቱን ፈለማ ህዝቦም ኣንፂቶም፣ ኣሰዲዶም፣ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኣርሒቖም። ድሕሪኡ ድማ ንእቲ ዝተረፈ ክሓትትን ከገናዝብን ከም ዘኢይኽእል ገይሮም፣ ብሳንብኦም ዝትንፍስ ትርግታ ልቦም ዝደግምን ከይለኣኹዎ ናበይ ዝብልን ሰራዊትን ስርዓትን ፈጢሮም። ኵሉ ገዲፎም ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ፅልኢ መላሊኦም ኣዕጢቖም ናብ ትግራይ ድሓን እቶ ኢሎም ኣፋንዮሞ። ዝረኽብካዮ ቅተል፣ ውሰድ፣ ዝረፍ ዓምፅ ኢሎም ብዝለኣኹዎ መሰረት ድማ ልዕሊ ዝበልዎ ገይሩ ብተግባር ኣሕቢንዎም።

ዓይኒ ዓይኖም እናሓለወ ትእዛዛቶም ተተቐቢሉ ሰይጣናዊ ስራሕቲ ብዘኢንሕስያ ክፍፅም ጀመረ። ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ እምነትን ኣብያተ ዕዮን ከም ዘኢነበሩ ገበረ። ህፃውንቲ ደፊሩ ክንደይ ኣረሜናዊ ስራሕቲ ፈፀመለን። ግን ንኤርትራውያን ኣሕዋቱ ደቂ ሓንቲ ማህፀን ዘኢምሓረ ዶ ንተጋሩ ክገድፍ ይብሉ ገለ ኤርትራውያን። ሃገር ብትምህርቲ እንተዘኢተሃኒፃ መወዳእትኡ ኤርትራ እያ ትዀን። 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT