Connect with us

ትግርኛ

ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን

ስድራ ኣደይ ሰላስ መሊሳ ጐዲላ! ኣደይ ስላስ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ብዕለት 23 ታሕሳስ ዓሪፈን፤ ጓለን ወ/ሮ ጻድቃን ድማ ብዕለት 27 ታሕሳስ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ መዳፍዕ ብምጅማሩ ኣብ በረኻ ክትወልድ ተገዲዳ፣ ብ ዕለት 1 ጥሪ ድማ እቲ ኣዚዩ ጠንካራ መራሒ ስድራ ዝነበረ ገብረሃወርያ ብ እቶም ግፍዐኛታት ወረርቲ ተረሺኑ።

Published

on

ኣብ እዚ እዋን ኵሉ ትግራዋይ ተወጺዑ እዩ ዘሎ። እዚ ወጽዓ ድማ ኵለ መዳያዊ እዩ፦ ኣልማሚት መርሸንቲ፣ ዓመጽ ደቂ ኣነስትዮ፣ ዘረፋን ዕንወትን ኵሉ ንብረት። ከምኡ እውን ቀለብ እንስሳት እንተኢተረፈ ብምዕናው፡ ህዝብና ኣጥምይኻ ክምብርከኽ ምግባር እዩ እቲ ዕላማ።

ስድራ ኣደይ ስላስ እንታይ እዩ ኣጋጢሙዋ?


ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እዩ እዚ መሕዘኒ ታሪኽ ኣጋጢሙ። እታ ዓዲ ካብ ከተማ ሸራሮ ንኣንፈት ምብራቕ 25 ኪሎሜትር ርሒቓ ዝትርከብ ናይ ጣብያ ዝባን ገደና ሓንቲ ቍሸት እያ። እዛ ቍሸት እዚኣ ካብ እተን ኣዝየን ዝተጐድኣ ገጠራት ትግራይ ሓንቲ እያ።

ኣነ ድማ ኣብ እዛ ቍሸት እየ ዓብየ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኹ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ኢትዮጵያን ኣብ ደገን እናሰራሕኹ ጸኒሐ፡ ቅድሚ ምጅማር እቲ ውግእ 4 መዓልታት ኣቢለ ቤተሰብ ክርእይ ናብ እዛ ዘዕበየትኒ ዓደይ ከይደ።

እቲ ኵሉ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ድማ ብዓይነይ ርእየዮ። ን 77 መዓልትታት እውን ምስ እቲ ውጹዕ ህዝበይ ኵሉ ምዓት ኣሕሊፈ። እቲ ዘጋጠመ ኵሉ ክጽሕፎን ክገልጾን ዓቕሚ ይንእሰኒ እዩ።

ሓጻርን መራርን ዝዀነት ዛንታ ወጽዓ ስድራ ቤት እንዳ ኣደይ ስላስ ግን ብ ዓቕመይ ከዘንትወልኩምመሪጸ።

ኣቦይ ተኽለ፡ ብዓል ቤተን ን ኣደይ ስላስ፡ ካብ ዝሓልፉ ነዊሕ እዋን ኰይኑዎም እዩ። ኣደይ ሰላስ ብዓልቲ ቤቶም እየን ን እታ ስድራ ዝናብይኣ ነይረን። ደቀን ድማ ኣምሲለን ዓርሶም ንኽኽእሉ ገይረን እየን። እቶም 3 ደቀን ኣብ እቲ ድሕሪ ቤት ወለዶም እዮም ገዛውቲ ሰሪሖም ሓዳር ሒዞም ዝነብሩ።

ኣደይ ስላስ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝጀመረተን ናይ ሳንባ ስዓል ተሳቕየን እያ ነይራ። ግን ድማ ሳላ ደቀን መድሓኒት ብኣግባቡ ክጥቀማ እናገበሩ ይሕብሕብወን ዝነበሩ ድሓን እየን ነይረን። ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2013 ጀሚሩ ግን መድሓኒትን ሕክምናን ዝብሃል ኣብ ከባቢና የለን። ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ተዘሚታ ዓኒዋ እያ ዘላ። መድሓኒት፣ ሕክምና፣ ትምህርትን ካልኦት ትካላት ግልጋሎትን ዓኒዎም እዮም። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ብዕለት 02 ሕዳር 2013 ሸራሮ ካብ ዝኣትው ጅሚሩ ኵሉ ን ወዲሰብ ዘድልይ ነገር ዘሪፉ ወሲዱዎ እዩ። እቲ ክወስዶ ዘኢይኽእል ግን ድማ ንኣና ዝጠቅም ኵሉ ኣቃጺሉዎን ደምሲሱዎን እዩ። ንምሳሌ ካብ እቲ ዘባላሸዎ ወይ ድማ ዘቃጸሎ ንምጥቃስ: ኣብ ቍሸትና ዝነበሩ ክልተ ዓበይቲ ሕዙኣት እምባታት ክወስዶም ስለ ዘኢይኽእል ብሓደ መዓልቲ ኣቃጺሉዎም እዩ። እቶም ሕዙኣት ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተሓዝኡ ሃፍታት ተፈጥሮና እዮም፡ ግን ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ንኵሉ ሃፍቲ ትግራይ ምድምሳስ ስለ ዝዀነ ፡ የብርስዎ ኣለዉ።

ኣደይ ስላስ እታ ስዓል ክትገድደን ጀሚራ፡ ግን ድማ መድሓኒት የለን። እንታይ ይግበር? ስድራ ኣደይ ስላስ ጨነቖም። ናብ ፈጣሪ ካብ ምጽላይ ካልእ መፍትሒ ኣይነበረን።

ኣደይ ስላስ ደቀን ከኢይስከፉ እናበላ፡ “ድሓን እየ ዘለኹ፣ ንስኻትኩም ጥራሕ እዚ ርጉም ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ከኢይጐድአኩም ተጠንቀቑ” ይብለኦም ነይረን። “ፈጣሪ ኣቦይ ናይ ደቀይ ሕማቕ እንተኢርአኹ ውሰደኒ” እናበላ ይልምና ነይረን። መድሓኒት ካብ ዘቋርጻ ክልተ ወርሐን ኣሕሊፈን እየን። ብ እዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳ ብዕለት 23 2013 ለይቲ ሂወተን ሓለፈት። ኵለ መዳያዊ ግፍዒ እዩ ዝበልኩሉ ምኽንያት ድማ፡ ሓደ መድሓኒት ኣስኢንካ ህዝቢ ትግራይ ብሕማም ክሳቐን ክበርስን ምግባር እዩ። ብሕማም ሽኰር መድሓኒት ስኢኖም ዝሞቱ ብዙሓት እዮም። 

ኣብ ቀብሪ ኣደይ ስላስ ኣነ ባዕለይ ነይረ እየ።ምስ ኣደይ ስላስ ዝነብሩ ደቀን ሰለስተ እዮም። ገብረሃወርያ፣ ጻድቃን (ኣነስተይቲ)ን ገብረዋህድን ድማ ይብሃሉ።
ገብረሃወርያ ብተፈጥሮ ሓደ እግሩ ጕዱእ እዩ። ግን ድማ ጠንካራን ዓርሱ ዝኽእልን እዩ። ጻድቃን ድማ ብጽሕቲ ወርሒ( ነብሰ ጹር) እያ ነይራ።

ኣደይ ስላስ ብዕለት 23 ታሕሳስ ድሕሪ ምዕራፈን ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ነታ ቍሸት ንኻልኣይ ጊዜ ብዕለት 27 ታሕሳስ ክወርራ፥ ብመድፍዕ ክድብድባ ጀሚሩ። ብ እዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ እታ ቍሸት ገዝኡ ገዲፉ ናብ በረኻን ብዓትን ተሰዲዱ። ስድራ ኣደይ ስላስ እውን ኣብ ርእሲ ሓዘኖም ክስደዱ ተገዲዶም።

ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ጻድቃን ኣብ ሓደ ጎቦ ሓረሰት። ዝገርም እዩ፡ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣነ ንጉሆ 28 ታሕሳስ ናብ እቲ ንሳ ዝወለደትሉ ጎቦ ከይደ ብዓይነይ ርእየያ። ቅድሚ ክልተ ወርሒ እንተ ዝዀን ነይሩ ኣብ ሕክምና ብ ብዓል ሞያ ተሓጊዛ እያ ክትወልድ ነይራ። ሎሚ ግን ኣደታት ትግራይ ኣይኰነን ዶ ኣብ ሕክምና ኣብ ገዝአን እኳ ምውላድ ሓሪምወን ኣሎ።

ስድራ ኣደይ ስላስ ምንም ነገር እንተኢሓዙ እዮም ሃንደበት ካብ ገዛ ወጺኦም። ኣይኰነን ዶ ንሓራስ ዝዀንስ ንበረኻ ንዝወፍር ጓሳ ዝዀን እኹል ነገር እኳ ኣይሓዙን። ኣብ በረኻ፣ ኣብ ቍሪ፣ ኣብ ንፉስን ኣብ ኵርኳሕን እያ ተገላጊላ ሓፍትና ወ/ሮ ጻድቃን። እንታይ እሞ ኸ ይገበር፡ ጨካን ወራሪ እይ ዶ ኣጋጢሙና።

“በቃ ኣጆና፣ እዚ ኵሉ ሽግር ሓሊፋ ክነውግዖ ኢና፣ ተስፋ ከኢንቈርጽ” ኢለ ሓቦ ንኽሰንቁ ነገርኩዎም። “ካብ እዙይ ዝገድድ ኣይየምጽእ” ድማ በለኒ ዓብዪ ሓዋ ገብረሃወርያ። ኣነ ድማ፡- “እወ፡ እዚ ቀሊል እዩ እኮ ክንጸሮ ኢና በልኩዎ”

እቲ ውግእ 28 ታሕሳስ እውን ቀጺሉ እዩ። ግን ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ስለ ዝተደፍአ ኣነ ኣብ ገዛይ ክሓድር ክኸየድ ኣለኒ ኢለ ንገብረሃወርያ ቻው ኢለዮ ተበጊሰ። ንሱ እውን ንእቲ ንእሸተይ ሓዉ ማለት ንገብረዋህድ፦ “ኪድ ንስኻ ኣብ ገዛ ሓዲርካ፡ ጽባሕ ዝትሓዝ ሒዝካልና ምጻእ” ኢሉ ምሳና ክኸየድ ገይሩዎ።

29 ታሕሳስ ልደት እዩ። እቲ ደብዳብ ሎሚ እውን ቀጸለ። ንሕና እውን ከም ኣመልና ናብ እቲ በረኻን ሩባን ሃደምና። ን እቶም ኣብ በረኻ ዝሓደሩ እኽለማይ ተማሊእናሎም ኢና ከይድና። ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕዉት ውግእ ሓይሉ ስሒቡ ከይዱ እዩ። ነገር ግን እቲ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ ጠጠው ከብል ኣይከኣለን።

ሓራስ ወ/ሮ ጻድቃንን ቤተ ሰባን እውን ኣብ እታ ዝቐነዩላ ንእሽተይ ጎቦ እዮም ዘለዉ። ሎም ምዓልቲ ግን እቲ ደብዳብ መልክዑ ቀይሩ እዩ ዝመስል፡ ሞርታርን 130 ሚሜ መድፍዕን ናብ እቲ ዘለናሉ ቦታ ክዘንብ ጀሚሩ።

ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ጽላል ጋባ ጫፉ ብ ናይ መድፍዕ ቍምቡላ ተሰሊዑ ካባና ሓሙሽተ ሜትር ዝዀን ርሒቑ ወዲቑ እዩ። ምሳይ ዝነበሩ ቈልዑ ዝሰንበድዎ ስንባደ ድማ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእምሮይ ኣይጠፍአን።

ኣተኳሲ እንተዘኢይህልዎ ነይሩ ከምኡ ገይሩ ኣብ ሰብ ዘለዎ መሪጹ ኣይምዓለበን እየ ዝብል። ነገር ዕድል ኰይኑ ግን ሰብ ኣይጐድአን። ኵሉና ድማ ቦታ ንቐይር ኢልና ቦታ ቀየርና።

ስድራ ኣደይ ስላስ ሓራስ ክልተ መዓልቲ ሒዞም ተበተኑ። ገሊኦም እተን ጥሪት ሒዞም ናብ ሓደ ዓብዪ እምባ ሰጊሮም ክየዱ። ገሊኦም ድማ ዓባይ ሓፍታ ን እታ ሓራስ ናብ ዝትርከበሉ ካልእ ጣብያ ሒዞማ ክየዱ።

እቲ ደብዳብ ብዕለት 30 ታሕሳስ እውን ቀጺሉ እዩ ውዒሉ። ህዝብና ማይ ሩባ እናሰተየ ዳርጋ ጾሙ እዩ ዝሓድርን ዝውዕልንን ዘሎ። ዓገብ ዝብል ኣካል ዘየለ ኰይኑ እምበር ማእለያ ዘየብሉ ግፍዒ እዩ ዝፍጸመና ዘሎ። ንክልተ ምዓልቲ ምሉእ ውግእ ኣብ ዘየብሉ ቦታስ ደብዳብ መዳፍዕ? እታ ቍሸት ተቓጺላ እያ ዝተረፋ የብላን። ቤተ ክርስቲያን ከኢተረፈ እዩ ተቓጺሉ።

ሓራስ ወ/ሮ ጻድቃን ኣብ እንዳ ሓፍታ እያ ዘላ። ክልቲኦም ኣሕዋታ ግን ጥሪት ሒዞም ኣብ በረኻ እዮም ዘለዉ። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ በቲ ንሕና ዝቐነናሉ ጤለ በጊዕ ጥራሕ እየን ነይረን። እተን ከፍቶም ግን ወዲ ገብረሃወርያ ሒዙወን ናብ ካልእ ኣንፈት (ካብ ገዛውትና ንኣንፈትደቡብ) እዩ ወጺኡ ነይሩ። ብ እዚ ምኽንያት ድማ ገብረዋህድ ስንቂ ሒዙ ናብ እቲ ከፍቲ ዘለዋሉ ቦታ ክየደ። እታ ስድራ ኣብ ሰለስተ ተበተነት። ገብረዋህድ ግን እንኳዕ ስንቂ ሒዙ ክየደ።

ቀጺሉ እንታይ ኣጋጠመ?


እዛ ስድራ ፈተናኣን ሓዘናን ኣይተወድአን። እኩይ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣይኰነን ዝዋጋእ ዘሎ፡ ምስ ዘኢተዓጠቐን ኣብ ፈቖዶ ሩባን ኵርባን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ድኣ እምበር። ሰራዊት ትግራይ እቲ ህዝቢ ከኢይጕዳእ ኢሉ ብዕለት 29 ታሕሳስ እዩ ን እታ ዓዲ ገዲፍዋ ወጺኡ። እዚ ለማስ ዓቕሚ ዘየብሉ ሰራዊት ኤርትራ ግን ኣርባዕተ መዓልቲ ሙሉእ ን እዛ ንእሽተይ ቍሸት ብኸቢድ ብረት ደብዲቡ ኣቃጺሉዋ እዩ።

ህዝብና ገዝኡ ገዲፉ ናብ በረኻን ሩባን እንተ ኽየደ እውን እናርከበ እዩ ጨፍጪፍዎ። ብዕለት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም እቲ ደብዳብ መዳፍዕ ካብ ዓዲ ወጺኡ ናብ በረኻ ክዓልብ ምስ ጀመረን ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ህዝቢ ከጨንቕን ከባሳብስን ናብ እቲ ህዝቢ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ቦታ ምስ ኣተወን ግን ህዝብና ዝገበረ ይግበረና ኢሉ ነናብ ገዝኡ ምምላስ ጀመረ።

ስድራ ኣደይ ስላስ ኣብ 3 ጕጅለ እያ ተበቲና ዘላ። እታ ሓንቲ ጕጅለ እቲ ኣዕቚባትሉ ዝነበረት ቦታ ብመዳፍዕ ሰራዊት ኤርትራ ክድብደብ ምስ ጀመረ ከም ህዝባ ንገዝኣ ምምላስ ወሲና መንገዲ ጀመረት። ኣብ መንገዲ ግን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ መሳናኽል ኰይኑዋ ብሰላም ገዝኣ ክትበጽሕ ኣይካኣለትን።

ኣካለ ጐደሎ ገብረሃወርያ ዘለዋ ጉጅለ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተዓገተት። ምስኦም ድማ ብዙሓት ሰባት እዮም ነይሮም። ቈልዓ ሰበይቲን ጥሪት ዝሓዙን እውን ይርከብዎም። ግፍዐኛ ሰራዊት ኤርትራ ን እቶም ቈልዓ ሰበይቲ ንገዛኹም ክይዱ ኢሉ ን እቶም ሰብኡት ግን ምስ ጥሪቶም ዓጊቱ ኣትረፎም።

ን ገብረሃወርያን ካልኦት 9 ሰባትን ኢዶም ብጨርቂ ንድሕሪት ኣሲሮም ምስ ጥሪቶም ኣብ’ቲ በረኻ ኣትረፍዎም። ጥቓ ገዛውትና ኣብ ዝርከብ ሩባ ድማ ተኣሲሮም እናሃለዉ ብግፍዒ ረሺኖሞዎም።
ኣዝዩ መሕዘኒ እዩ። ሬሰኦም ድሕሪ 3 መዓልቲ ኢና ኣሊሽና ረኺብናዮ። ካብ እቶም ኣብ ምእላሽ ዝተሳተፉ ሰለስተ ሰባት ሓደ ኣነ እየ ነይረ። ክንረኽቦም ከለና ልብና ተሰይሩ እዩ። ካብ እቶም 10 ሰባት እቶም 4 መቕርበይን ቤተሰበይን እዮም። እቲ ሓደ ትምህርቲ ምሳይ ዝጀመረ ኰይኑ ምሓዛይን መታዓቢተይን ድማ እዩ ነይሩ። ድሕሪ 8 ዓመት ንዓዲ ክየደ ዝፈትዎ መታዓቢተይ ብኣካል ዘኢኰነስ ሬስኡ ደልየ እየ ረኺበዮ። ብጣዕሚ እዩ ዘሕምም።

እዞም 10 ንጹሃን ሰባት ኣብ ሓንቲ ቦታ ዝተረሸኑ እዮም። ካልኦት ሓሙሽተ ንጹሃን ሰባት ድማ ኣብ ካልእ ቦታ ተረሺኖም እዮም።

ምስ ገብረሃወርያ ብ 29 ታሕሳስ ብሓደ ውዒልና “ኣጆና ክሓልፍ እዩ፣ ንጽናዕ ጥራሕ” ተባሃሂልና። ግን እንታይ እሞ ይገበር! ካብ በረኻ ናብ ገዝኡ ክምለስ ዕድል ኣይረኸበን፡ እቲ ዝፈትዎ ዓርከይን መተዓቢተይን!

ጫማ እቶም ዝተረሸኑ ኣሕዋትና ናበይ ከይዱ?

ኣብ ሓንቲ ሽንጥሮ 10 ንጹሃን ሰባት ካብ ስድርኦም ፈልዮም ወሲዶም ብግፍዒ ረሺኖሞም። ሬስኦም ድሕሪ 3 መዓልቲ ኢና ደሊና ረኺብናዮ፡ እንተዀን ግን ፈሪሱ እዩ ነይሩ። ንመብዛሕትኦም ብኽዳውንቶም ኢና ኣለሊናዮም።

ጫማታቶም ግን ኣብ ኣእጋሮም ኣይነበረን። ናይ ገብረሃወርያ ናይ ሓንቲ ኣግሪ ጥራሕ ኣብ እግሩ ነይራ። ንሳ እውን ናይ እታ ብተፈጥሮ ዝሓጸረት እግሩ እያ። ስለ እዚ ቀቲሎም ናይ ኵሎም ጫማታት ክጥቀሙሉ ወሲደሞ እዮም ማለት እዩ። ርግጸኛ ዝዀንኩሉ ምኽንያት ድማ እታ ዘኢትዀኖም ጫማ ጥራሕ ስለ ዝገደፍዋ እዩ። ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ሸጋራማት ስለ ዝዀኑ ሰብ ቀቲሎም ሽዳ ጫማ ምውሳድ ካብ ድኽነት ምውጻእ እዩ ዝመስሎም።

እታ ኣብ ጥቓ ሬሳ ዝቐነየት ዕየት (ውላድ በጊዕ) ናይ መን እያ?

ህዝቢ እታ ቍሸት ጥሪቱ ሒዙ እዩ ናብ በረኻ ሃዲሙ ቀንዩ። እዞም ኣብ ሽንጥሮ ዝተረሸኑ ኣሕዋትና እውን ምስ ጥሪቶም እዮም ተዓጊቶም ነይሮም። ኣግማል፣ ኣጣል፣ ኣባጊዕን ከፍትታትን ሒዞም ነይሮም።

ሓደ ካብ እቶም ዝተረሸኑ ድማ ውላድ በጊዕ (ዕየት) ሓቚፉ እዩ ነይሩ። ናይ ሓደ ሰሙን ዕሸል ዕየት ብምዃና ብእግራ ነዊሕ መንገዲ ክትጕዓዝ ስለ ዘኢትኽእል ሓቚፉዋ እዩ ይኸየድ ነይሩ። ብግፍዐኛ ሰራዊት ኤርትራ ተዓጊቶም ምስ ተወሰዱ ግን፡ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ዓይነታት ቅልሃ ብሽጕጥን ብኸላሽንን እዮም ተረሺኖም።

እታ ዕየት፡ ዋናኣ ምስ ተረሸነ ድሕሪ 3 መዓልቲ ኣብ ጥቕኡ ደቂሳ ረኺብናያ። ዋና እታ ዕየት ድማ ኣባል ስድራ ኣደይ ስላስ ዝዀነ ገብረሃወርያ እዩ ነይሩ። ሓዉ ንገብረሃውርያ ምሳና ስለ ዝነበረ እታ ዕየት ናቶም ምዃና ኣለልይዋ እዩ። ብጣዕሚ ጠምያን ተሃስያን ድማ ነበረት።

ኣራዊት በረኻ ናበይ ከይዶም ነይሮም?

ሬሳታት ኣሕዋትና ኣርባዕተ ምዓልቲ ምሉእ ኣብ ኣፍ ሩባ ተደርብዩ ዋላ እኳ እንተቐነየ ኣራዊት ዝብሃል ግን ኣይተንከፎን። ንምንታይ? ኣድያቦ ካብ 1 ሕዳር  2013 ጀሚሩ  ደብዳብ መድፍዕን ታንክን ተፈልይዋ ኣይይፈልጥን። ብ እዙይ ምኽንያት ድማ ኣሽምባይ ዶ ሰብ ሲ ኣራዊት ዘገዳም እኳ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣርሒቖም ከይዶም እዮም። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ከባቢና እንስሳት ዘገዳም ዝብሃሉ የለውን። ምኽንያት እቶም ሬሳታት ብኣራዊት ዘኢምብልዖም  ድማ  እዚ እዩ።

ስድራ ኣደይ ሰላስ መሊሳ ጐዲላ! ኣደይ ስላስ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ብዕለት 23 ታሕሳስ ዓሪፈን፤ ጓለን ወ/ሮ ጻድቃን ድማ ብዕለት 27 ታሕሳስ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ መዳፍዕ ብምጅማሩ ኣብ በረኻ ክትወልድ ተገዲዳ፣ ብ ዕለት 1 ጥሪ ድማ እቲ ኣዚዩ ጠንካራ መራሒ ስድራ ዝነበረ ገብረሃወርያ ብ እቶም ግፍዐኛታት ወረርቲ ተረሺኑ።

ኣብ እታ ዕለት ንሳ 15 ንጹሃን ሰባት እዮም ኣብ ቍሸትና ብሰራዊት ኤርትራ ብግፍዒ ተረሺኖም። ኣብ ጣብያና ድማ ብድምር ካብ 30 ይበዝሑ እዮም። እዙይ ናይ ሓደ እዋን እዩ። ብሓፈሻ ክሳብ ሎሚ ዝተቐተሉ ንጹሃን ሰባት ግን ካብ 60 ይዛይዱ እዮም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን እዚ ኵሉ መከራ ኣብ ሓደ ቤተ ሰብ ጥራሕ እዩ። ኣደይ ስላስ ብስእነት መድሓኒት ሞይተን፤  ጓለን ድማ ገዝኣ ሓሪምዋ ኣብ በረኻ ወሊዳ፤ ዓብዪ ወደን ድማ ኢዱ ንድሕሪት ተኣሲሩ ብጥዪት ተረሺኑ፤ ጥሪቶም እውን ተዘሪፈን፤ ናይ ገዝኦም ንብረት እውን ተወሲዱን ተባላሽዩን። ካብ እዙይ ንላዕሊ ግፍዒ ዘሎ ኣይይመስለንን።

እዚ ኵሉ ግፍዒ እናወረዶ ግን ህዝብና ጸዋርን ኣይእግዛእን ብሃላይ እዩ። እቲ ቃልስን ዓወትን እዩ ዝርአዮ እምበር እቲ ዝሳቐዮ ዘሎ ስቓይ ኣይኰነን።


መብርሂ ኣርታዒ፦ እዚ ፅሑፍ፡ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ፅሑፍ፦ ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም፥ ካልኣይ ክፋል ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ?፥ ሳልሳይ ክፋል ክዓ ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን


ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
3 Comments

3 Comments

  1. Tigray Tiewet bezey tiritir

    April 30, 2021 at 2:29 pm

    Every organization is concerned about its own interest, such as UNCHR worried about refugees and asylum seekers who are transported by the socalled Human traffickers in Libya and warmly welcomed by UNHCR staff and capitalists who are overjoyed in meeting people who could fill the low-paying jobs and help states in receiving funding from UN, EU and etc As you know, mass migration helped the citizens of hosting countries to get jobs, and work in projects pertaining to migrants, enabled the justice system to find people could be easily escapegoated and taken to fill prisons, allow lawyers to get clients regardless of their part in the story (of crime related story), doctors get victims to do research as lab rats,

    etc . BTW, this is something very true . humanbeing do tend to undermine and disbelive as long as they donot see something in their naked eyes just as Amhara elites do disbelive the suffering of Tegaru until they get drowned into it.

    This is story i got from one of those I met in Libya and good at conspiracy theory. We exchanged phone calls even if we stay apart . World Food aid organization is also concerned for our people and UNICEF for our children. All these showy intergovernmental organizations are scrambling over free agenda while our people are dying every day and while they are able to avoid the conflict and save lives in proper time and in humanely manner.

    The human ego is beyond limit – selfish people want you to die and suffer as long as they are able to make something out of your sufferings. You may express this egoisme using bulk of words and in a sophsiticated manner using scolarly articles. However, at the end of the day, you gonna say something which is quite similar to what is adressed here. Ye shi filt maseriyaw lit-የሺ ፍልጥ ማሰሪያው ልጥ. if there is many(thousands of logs) logs here and there, you need one cord to tie them up. Thank you for posting!!

  2. Tigray Will be victorious

    April 30, 2021 at 12:07 pm

    ጥሩ ትግሬ is a term recently coined to designate the latest banda (Traitor) who could effectively help Amhara elites and their hand-made party(Prosperity party) by treacherously convincing Tegaru into accepting the hate and war crime was declared only against TPLF leaders . And Amhara has no any sort of enemity with Tigray and Tegaru.

    This is a recently fabricated agenda or tactic to compensate the failed mission of controlling Tegaru.

  3. Tigray Will be victorious

    April 30, 2021 at 12:00 pm

    ባዕሎም ብዝወልዕዎ ኲናት ምንም ከምዘይፈልጡ መሲሎም ክዛረቡን ብሕዝብና ሕልቂት ናኣታቶም ዘግልግል ፖለቲካዊን ቁጠባዊ ረብኺ እናዳለው እናፈጠሩ ንርዕዮም አለና፥፥እካዕ መኣዝ እዮም ብናይ ሰብ ሕይወት ዝጫወቱ፥፥ዳርት ንኤሜሪካ ዝጠቅም መፅናዕቲ ስለያ ብሽም ሀገዝ ክገብር ከምዝዐተወ ኩሉ ዝርድዖ ዕዩ፥፥ዝወለደ አይፀድቅን ዝባሀል አሎ ከብ ቀደሞም ሀለይቲ ሰብ አይኮኑን ንሕዝብና ይራህርህሉዶ ኢለ እምበር ፈቲየዮም አይፈልጥን፥ንሕዝብና ክንብል ግድን ከነምስግናም ዝለዝነበረ እዩ ጌርናዮ፥፥አነ ብውልቀይ ናይ ፖለቲካ ፍልጠት የብለይ፥ግን እቲ ልዑክ ዝቀያይርዎ ዘለው ጨዋታ ለግፂ እዩ ዝመስለኒ ፥፥ፖለቲካዊን ስነ ልቦና ፀዋታ ከምዝተፀመዱ የርዕየኒ፥፥ንአለም ብዛዕባ ትግራይ ከምዝተሀሳስቦምን ነቲ አብ ትግራይ ዘሎ ሰብአዊ ቅልውላው ንምፍታህ ዝተፈላለየ መንገዲ ይፅዕሩ ከምዘለው ንአለም ንምርዐይ፥፥ተርዕዮ ይብሃል እዚ፥ናይ ሀሾት ግባር ንአለም ንምርዐይ ፥ልዑክ ቀየረ አይቀየረ ዘምፅዖ ነገር የለን፥፥ካልዓይ ተዓዛቢ እምበር በይኑ ውሳኔ ዝውስን ናይ አሜሪካ ወፃኢ ጉዳያት መፍት ብኢዱ ዝሀዘ በይኑ ዝውስን ማለት ከምዘይኮነ ኩልሁም እትፈልጥም ሀቂ እዩ፥፥

    There is no single man who have the ultimate power in making decision on the US foreign policy and who have an exclusive right to leave the last word in this matter. For me, He is an expert in the matters like this and could perfectly bring ideas and present to his staff about what he observed and core message of his meeting with foreign officials.
    Even if he has the right to influence the debate and meeting , he or others always stick 2 US first policy!

    They are always good at making what is beneficial to their country out of any humanitarian crisis like that of Tigray.
    I insist on asking them(US and UNSC ) to stop the war they waged on my family and the rest of my people.

    ጥሩ ትግሬ እየተባለ በተደጋጋሚ እንሰማለን፥ሀላቹሁም እንደምታውቁት ወገናችንን በማስጨፍጨፍ ታላቅ ሚና የተጫወቱ ባንዳዎች አሉ፥፥አሁን ደግሞ እኛ ጠላታች ወያኔ ነበረ በስምንት በኩል እየተሽሎከለከ ሲያስቸግር የነበረን ላንዴና ለመጨረሻ ጊዜ ከደመሰስነው ቆይተናል፥፥ሶ ከትግራይ ሕዝብ ጋር ጠላትነት የለንም እያሉን ያለ ሀፍረት እየተናገሩ ሊያታልሉንና እየሞከሩ ነው፥፥ጥቂት የሚሸነግሉት በማሰብ እና እኛ ከነርሱ ጋር ሁነን አጣዬ ሸዋ ሮቢት ሌሎች ከተሞች ገብተን እንድንዋጋላቸው ጥሬ ጥሬዋን እንምትመኝ እንደ እቴሜቴ ዶሮ ያልማሉ፥ሀለሙ ህልመ ወአልቦ ዘከቡ ነውና፥እኛን ከምድረገፅ የማጥፋት የማንበርከክ አላማቸው እንዳልተካ እንማይሳካም ሁሉ ከነርሱ ጋር በስም አንድነት እና ኢትዮጵያዊነት(የአማራነት ተለዋጭ ቃል ነው በቅርቡ ልናሳትመው ባቀድነው መዝገበ ቃላት ታገኙታላቹ፡እንዳያመልጣቹ)ተሰባጥረን እና ተጣፍተን(አማራ=ኢትዮጵያዊ)ተብለን ተደምረን አንኖርም፥፥ዳግመኛ ወገናችንን አናስጨርስም፥፥ከትግራይ ሕዝብ ጋር ጠላትነት የለንም የሚለውን ከውድቀት ማግሥት የተፈበረከን አዲሱ አጀንዳን ለማዳረስ ና ትግራዋይን ለማግባባት ና ለመከፋፈል ያገለግሉናል ያሏቸውን ሀደሽቲ ባንዳታት ጥሩ ትግሬ ይብልዎም አለው፥ካብዑ የድህነኩም፥ብተፈላለየ ዶባት መጥቃዕቲ ይበፅሖም ስለዘሎ ከነድህኖም፥ ናትና ቃልሲ ከተኣናቕፉ እዩ፥፥
    ወያኔን በመያዝ ና ማሰር ስም በመቶ ሺዎች የሚቆጠር ሠራዊት ፥ታንክ ፥ መድፍ ድሮኖችን አልፎ የተሰማራን ሀይል መባረክ አይን ያወጣ ክህደት ነው፥፥ትግራይ የማይበገሩ ጀግኞች እንዳሏት በቀላሉ አንድ ሰው መማረክ አይቻልም፥የብዙ ንፁሃንን ሕይወት እንደሚቀጥፍ ማንም ሊገምተው የሚችለው ሀቅ ነው፥፥ይህን እያወቁ ሠራዊትን ባርኮ መስደድ ቤተክርስቲያኑዋን የታሪክ ተወቃሽ ያደርጋታል፥፥

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT