መርገፂ

ህልው ኩነታት፣ ስግግርን ሕውየትን ትግራይ  

Published

on

መብርሂ፡ እዚ ሰነድ፡ ብ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ተዳሊዉ፡ ብ 21 ሚያዝያ 2014 ዓም፡ ኣብ ገፅ ፈይስቡክ እቱ ውድብ ዝተፈነወ እዩ። እቱ ሰነድ፡ እቱ ውድብ ፡ ኣብ ህሉው ኵነታት ትግራይ ዘለዎ ምልከታ ይድህስስ፥ ኣድላይነት መንግስቲ ስግግር ይምጕት፥ ከምኡ እውን መንገዲ ስግግርን ሕውየትን ዝበሎ ይሕብር።

ትሕዝቶ

መእተዊ  

ህዝቢ ትግራይ ንመዋእሉ ክብሪ ዓዲ’ቦ፣ ግዝኣታዊ ሓድነቱን ብሄራዊ መንነቱን ንምሕላዉ፣ ብዘላቕነት ንምቕፃል፣ እናተዋደቐ ዝመፀ ሐዚ ድማ ዝቃለስ ዘሎ ጅግና ህዝቢ እዩ፡፡ በቢዘበኑ ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ንምቕፃል ዋላኳ እንተኸኣለ፤ በቢ ግዚኡ ካብ ዝመፅዎ ከም ብሄር ናይ ምጥፋእ ሓደጋታት ብዘላቕነት ዝወፀሉ ኩነታት ግን ኣይተፈጠረን፡፡ ካብ ውሽጥን ግዳምን፣ ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝለዓሉ ሓይልታት፣ ሃገራትን መንግስታትን ናይ ምጥፋእን ምፅናትን ጥቕዓታት ተፈፂምሉን እናተፈፀመሉን ይርከብ። እዚ ንነዊሕ እዋን ዝቐፀለን ዘይዛረየን ሓደጋ ኣዉራ ፍልፍሉ፣ ኣኽኣላይ ኩነታት ዘደላደለን ተቓላዕነትና ዘቀላጠፈን ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ ብስርውና እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንዘበናት ዝቐፀለ ኣብ ጥፍኣት ትግራዋይነት ክትከል ዝስራሕ ዝነበረን ዘሎን ህንፀት ሓደ ብሄረ ሃገረ ኢትዮጵያን ብወገን ሰሜን ዝማዕበለ ፀረ ትግራዋይነት ዝኾነ ህንፀት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን እዮም። ነዚ ብምልላይ ዘላቒ መፍትሒን መዉፅኢ መንገዲን ስለዘይተቐመጠሉ ሐዚ እዉን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ እዚ ንዘበናት ዝቐፀለ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ፡፡ 

ህዝቢ ትግራይ ናይ ህልዉንኡ ሓደጋታት ንዘለኣለሙ ክፍትሑ ተስፋ ብምንባር ኣብ ካልኣዋይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለዘበን 17 ዓመት ዝወሰደ ኣዝዩ መሪር ብሄራዊ ቃልሲ ኣካይዱ ነይሩ፡፡ ሳላ መስዋእቱ፣ ፅንዓቱ፣ ጅግንነቱ፣ ብሄራዊ ስምረቱን ሓድነቱን ንግዜኡ እንተኾነ እውን ፀላእቱ ንምስዓር ክኢሉ እዩ፡፡ እዚ ኣዝዩ ክባር ዋጋ ዝተኸፈሎ ነዊሕን ከቢድን ብረታዊ ቃልሲ ናብ ዘላቒ ብሄራዊ ረብሓ ተለዊጡ፤ ህዝቢ ትግራይ ዘለኣለማዊ ዉሕስና ዝረኽበሉን ካብ ተደጋጋሚ ናይ ህልዉና ሓደጋ መሊኡ ዝወፀሉን ጉዕዞ ክጅምር እምነት ከሕድር ንቡር እዩ፡፡ ይኹን እምበር ብእንግድዓን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ስልጣን ዝደየበ ህወሓት ፤ ካብ ግዝያዊ ወታደራዊ ዓወት ዝዘለለ፣ ብሄራዊ ሓደጋታት ትግራይ ንሓዋሩ ዝቐርፍ ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዘይነበሮ፣ ዝተሓንገጦ ስነሓሳብ ድማ ፀረ ብሄራውን መንነታውን ባህጊ ስለዝኾነ፣ ተስፋን እምነትን ህዝብና ግብራዊ ከይኮነ ተሪፉ፡፡ ሐዚ ዘለናዮ ኩነታት ከም ዘሎ ኮይኑ፤ ምእንቲ ህዝቢ ክባር ዋጋ ዝኸፈለ ህወሓት ዝመርሖ ወሎዶ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ነቲ ክባር መስዋእቱን ጀግንነቱን ክብሪ ይግበኦ። 

“ፀላእትኻ ሓመድ ድበ ኣትዮም” ተባሂሉ ዝተነገሮ ህዝቢ ትግራይ፣ እቲ ንዓመታት ዝተጠጀአ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ መደብ ብቐሊሉ ክረኣዮ ኣይከኣለን፡፡ ብርግፅ ህዝቢ ትግራይ ፀላእቱ ብቕልፀሙ ስዒርዎም ዋላኳ እንተነበረ፤ ብዘደንፁ ኩነታት ናይ ቃልሲ ስልቲን ግዝያዊ ኣሰላልፋን ለውጢ ብምግባር መላፍንቲ ስልጣን ህወሓት ኮይኖም እዮም ቀፂሎም፡፡ እዞም ሓይልታት ብሓይሊ ብረት ተሳዒሮም ዘወንዘፍዎ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምጥፋእ መደብ፣ እቲ ንትግራይ ዝወከለ ሓይሊ ካብ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ብተፃራሪ ስለዝኸደን ፀላእቲ ኣካል እቲ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ዝተመስረተ መንግስቲ ስለዝኾኑን ነዚ ንምፋፃም ልምሉም ኩነታት ረኺቦም እዮም፡፡ እቲ ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘበን ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ኢህወዴግ፣ ኣባላት እቲ ግንባር ዝኾኑ ውድባትን መራሕቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተኣለመ ጥፋኣት ብምምራሕን ብምህንዳስን ሰብ ዋና እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ኲናት ዘርኢ ምፅናት እዮም፡፡ እዚ ኩሉ ክፍፅሙ ርሑው በሪ ዝኸፈተሎም ድማ ንትግራይ ዝወከለ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ። 

ጥቅምቲ 24/ 2013 ኣ.ግ. ብመሪሕነት ኢትዮጵያ፣ ብበዓል ዋንነት ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን፤ ብድጋፍን ተሳትፎን ዞባዉያን ሓይልታት፣ ሓያላት ሃገራትን ኣህጉራዉያን ትካላትን ኲናት ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብቕሉዕ ከምዝተኣወጀ ይፍለጥ፡፡ ብወገን ትግራይ ነዚ ዝምክት ምድላዉ ስለዘይነበረ፣ ጥምረት ሓይልታት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ናብ መሬት ትግራይ ክኣትዉን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከዉርዱን ዕድል ረኺቦም፡፡ ከም ውፅኢቱ ድማ ምፍራስ ሕገ መንግስትን ፌደረሽንን ኢትዮጵያ፣ ምፍራስ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘስዐበ ኮይኑ፤ ትግራይ ሕጋዊን ቅቡልን መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ኩነተ-ግዜ ኣትያ ትርከብ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋን ዝጠልቦም ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፀጥታዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ናይ ፍትሒን ዲሞክራሲን ጠለባትን ቀረባትን ዘቕርበሉ ሕጋውን ባላሂን (Legal and Deliverer) መንግስቲ ዘይብሉ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ።  

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ከም መጠን በዓል ዋና እቲ ህዝባዊን ኩለመዳያዊን ቃልሲ፣ ኢሉ እውን ንፁር ዕላማ ምግሃድ ዲሞክራሲያትን ልእላዊትን ሃገረ ትግራይ ከም ዝሓዘ፣ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሰንፈላል ፍታሕ ንምንዳይ ከምኡ እውን ህዝብና ኣትይዎ ካብ ዘሎ ዓፀቦን ሕቶ ህላወን መዋፅኦ ክግበር ስለዘለዎ፤ ንተግባራውነቱ ከዓ ብዕቱብ ክቃለስ ታሪኻዊ ልኡኽቶን ሓላፍነትን ብምውሳድ ይቃለስ ኣሎ፡፡ ስለዝኾነ ክባር ዋጋ ዝተኸፈሎን ይኽፈሎን ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ካብ ሰንፈላል ወፂኡ ዝግበኦ መኸምበቲ ክረክብ ይግባእ። ብሉፅ ፍታሕ እዚ ዘበነ ሕሰም ድማ ብሕጋውን ቅቡልን ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ምግሃድ ዴሞክራሲያዊትን ልእላዊትን ሃገረ ትግራይ እዩ። እዚ ዕላማ ንምዕዋት ይኹን ካልኦት ግዜያዊ ጠለባት ህዝቢ ንምምላስ እዋኑ ዝጠልቦ መፍትሒ ምትካል ቅቡልነትን ሕጋዊነትን ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ እዩ፡፡ 

መሰጋገሪ መንግስቲ ተባሂሉ ቀሪቡ ዘሎ መፍትሒ ሓሳብ ሰለስተ ኣውራ መበገስታት ዘለውዎ እዩ፡፡ 

ቀዳማይ፡ እቲ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ምፍራስ ሕገ መንግስትታት ስለዘጋጠመ፣ ነዚ ዘለናሉ ኩነታት ዝመርሕ ሕጋዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ቅቡልን ሞራላውን መሰረት ዘለዎ መንግስቲ ሰለዘየለ፤ ነዚ ኩነታት ድማ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘለዎ ሓዱሽ መንግስቲ ክህልወና ስለዝግባእ፤  

ካልኣይ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስልጣን ዝተመለሰ ውድብ ህወሓት ብፕሮግራሙን ግብራዊ ምንቅስቓሳቱን ኣንፃር ሓቀኛን ወድዓውን ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ምስ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ ክቕፅል ስለዝደሊ፤ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዝተፈጠረ ጎነፅ ዕላማ ዝፈጠሮ ሰንፈላልን ኩለመዳያዊ ክሳርኡን ክፍታሕ ስለዘለዎን 

ሳልሳይ፡ ዛጊድ ባህጊ ህዝባዊ ቃልስናን መፃኢ ዕድል ህዝብናን ብህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ኣቢሉ ምግሃድ ዲሞክራሲያዊትን ልእላዊትን ሃገረ ትግራይ ኮይኑ ስለዘሎ፤ እዚ ድማ ብናይ ሓደ ወገን ድሌትን ኣተሓሳስባን እሞድማ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ኣካል ክምራሕ ምግባር ሕጋዊ፣ ፖለቲካውን ሞራላውን ቅቡልነት ክህልዎ ስለዘይኽእልን 

ቀንዲ ፋይዳ እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓሳባት፣ ዓቕምታትን ሓይሊን ትግራይ ብምእካብ፣ መኽሰራይ ሕሉፍ መንገዲ ብምእራም ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ንጥፈታት ንምውጋን፣ ብሕጊን ብኣሰራርሓን ካብ ጅማሮ ክሳዕ ፍፃመ ህዝቢ በዓል ዋና መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ንምግባር፣ ኣጋጢሙና ዘሎ መዋቕራዊ ኽባ፣ ቴክኒካውን ምሕደራውን ዕፅዋ፣ ስእነት ፍትሒ፣ ምኽባር ዋጋ፣ ሕፅረት ሸቐጥ፣ ዘጋጥም ዘሎ መስካሕክሒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምዕጋት፣ ኣብ መድረኽ ዓለምን ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ምእንቲ ፍትሒን መፃኢ ዕድልናን ንእንገብሮ ሞጎት ዝበለፀ ስጂ ንምርካብ ወዘተ እዩ። 

1. ህልዊ ኩነታትን ኲናት ዘርኢ ምፅናትን ትግራይ  

ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሞ ኲናት ዘርኢ ምፅናት፣ ዝበፅሖ ጉድኣት፣ ዝተፈፀሙ ገበናትን ኣፈፃፅምኦምን ኣብ ካልኦት ህዝብታት ካብ ዝተፈፀሙ ወራራትን ገበናትን ዝተፈለየ እዩ፡፡ እዚ ወራር ዘርኢ ምፅናት ብዙሓትን ሃገራትን ሓይልታትን ብቀጥታን ብኢደ-ዙርን ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ድማ ብዙሓት ለውጥታት ፈጢሩ እዩ፡፡ እዞም ምዕባለታትን ለውጥታትን ድማ ብመንፅር ኣብ ትግራይ ዘለዎም ሚዛንን ትርጉምን ብዝርዝር ቀሪቦም ኣለው፡፡ በዚ መሰረት ድሕረ ባይታን ኣመዓዕብላን እቲ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ከቢድ ናይ ህልዉና ሓደጋ ኢሉ እዉን ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዝተፈጠረ ከቢድ ብድሆ ንምስጋር ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስን ከምኡ እዉን ኣብ ከይዲ ቃልስን ተጋድሎን ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ምዕባለታትን ለውጥታትን፣ ዝተረኣዩ ብድሆታትን ከምኡ እዉን ባህርን ተግባራትን ተዋሳእቲ ሓይልታትን ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡  

1.1. ቅድሚ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ዝነበረ ኩነታት ትግራይ  

እቲ ሕዚ ከም ህዝቢ እናዕነወና ዝርከብ ኲናት ዘርኢ ምፅናት መበገሲኡ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝነበረን ዘሎን ተፃራሪ ባህጊ በቲ ሓደ ወገን፣ ብወገን ትግራይ ዝነበረ ስእነት ብሄራዊ ራእን ዕላማን ብካሊእ ወገን ዘስዓቦ ንወራር ዝተቓለዐት ትግራይ ዝፈጠረ ስርዓታዊ ኣተሓሳስባን በቲ ካልእ ገፅ፣ ተደማሚሮም ዝፈጠርዎ እዩ፡፡ ዋላኳ እዚ ኲናት ብደመኛታትን ታሪኻዉያንን ፀላእትና ዝተሃደሰ እንተኾነ፤ ናይዚ ኲናት እዚ ቀንዲ መበገሲ፣ እቲ ኲናት ዘስዐበልና ውድቀትን ጥፍኣትን ምንካይ ዘይተኸኣለሉ ምኽንያት ንዝሓለፉ ዘበናት ብፍላይ ድማ ድሕሪ 1983 ኣ.ግ ትግራይ ዝተጎዓዘቶ ብሄራዊ ዕላምኡ ዘይንፀረን ኣንፃር ህልውንኣ ዘቐንዐን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን እዩ፡፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘብፅሐልና ጥፍኣትን ውድቀትን ውፅኢት ብቐንዱ ኣብ ዝሓለፉ ሳላሳ ዓመታት ትግራይ ብመሪሕነት እቲ ገዛኢ ውድብ ዝሓለፈቶም ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያውን ክያዶታት ብወሳነይነቱ ህልዉናን ብሄራዊ ረብሓን ተጋሩ ዘሀገሩ ብምንባሮም እዩ። 

ደመኛታት ፀላእቲ ትግራይ ክወሩ ምሉእ ኩለመዳያዊ ምድላው እንትገብሩ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ስልጣን ዝነበረን ዘሎን ኣካል ግን ብግልባጡ፤ “ህላወ ትግራይ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ይረጋገፅ” ብዝብል ዘይወድዓዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ክሕሎ ይፅበ ነይሩ። ፀላእትና ብሓይሊ ክጎብጡናን ከፅኑትናን ምሉእ ዘይጉድል ወተሃደራዊ ምድላው እናሳለጡ፤ እዚ ገዛኢ ትግራይ ዝኾነ ኣካል ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ፅንታዊ ወራር ፀላእትና ዝምጥን ምድላው ምግባር፤ ነቲ ብደሙ ዓዲ ክሕሉ ዝተዳለወ መንእሰይ ትግራይ ከም ናይ ስልጣን ሓደጋ ሰሪዑ፤ ሕብረተሰባዊ መሰረት ዘይብሎም ንውልቀ ረብሓ ዝሓደሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣኪቡ “ፌዴራሊስት ሓይልታት” እናበለ ዓቕሚ ትግራይ የምክን ነይሩ። ብምዃኑ ድማ ሰኣን እኹል ምድላው ትግራይ ኣብ ሓደ ወርሒ ዘይመልአ ኲናት ኣብ ትሕቲ ደመኛታት ፀላእታ ወዲቓ፤ ዓለም ዘሰምበደ ህልቂትን ዘርኢ ምፅናትን ክፍፀማ ክኢሉ። እቲ ኲናት እንትጅመር ኢሉ እውን እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐፀለ ጎበጣ ወረርቲ ሓይልታት፣ መድሕን ህልውና ትግራይ ተጌሮም ዝተስርዑ ሕገ-መንግሰቲ ኢትዮጵያን ፌዴራሊስት ሓይልታትን ብግብሪ ኣካል ኲናት ዘርኢ ምፅናት ኮይኖም፡፡ 

1.2. ገበናት ወረርቲ ሓይልታት፣ ምፍራስ ሕገ መንግስታትን ፌደረሽንን ኢትዮጵያ

  ታሪኻዊ ድሕሪ ባይታ እቲ ፀገም ከምዘሎ ኾይኑ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሰርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ስነ ልቦናዊ ኲናት ናብ ጉልበት ተቐይሩ ብመሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በዓል ዋናነት ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን፤ ኢሉ እዉን ካልኦት ባዕዳዊ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጥቅምቲ 24/2013 ኣ.ግ. ዝተኣወጀ ቕሉዕ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወራር፣ ትግራይ ብግዲ ናብ ዓርሰ-ምክልኻል ኲናት ከምትኣቱ ኮይኑ እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝነበረ ፌደረሽንን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ብዕሊ ፈሪሱ ህዝባዊን ኩለመዳያዊን ቃልሲ ናብ ምክያድን ህልውናኻ ናይ ምርግጋፅን ህዝባዊን ብሄራዊን ቃልሲ ክውለድ ክኢሉ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብ ብሄራዊ ጨለለቃዊ ጥፍኣት ንምድሓን ነቲ ብፍቓድን ድሌትን ስርዓት ኢትዮጵያ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ከም ኣሳሪ ውዕሊ ከይተወከሰ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምክልኻል መሰሉ ክጥቀም ግድን ኮይኑ።

ኣብ ስራሕ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከምዝሓገጎ፤ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝብታትን ዘሎን ክህሉ ዝኽእልን ኣፈላላይን ጎነፅን ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዝተቐመጠ ናይ ሕግን ፖለቲካን መስርሕ ማለት እዉን ብሰላማዊ፣ ሕጋውን ዲሞክራስያዊን ኣገባብ ጥራሕ ክፍታሕ ይግብኦ ነይሩ። እዚ ምግባር እቲ ዝተሓተ ናይቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ስራሕ (Function) እኳ እንተኾነ፣ እቲ ተደጒሉ ዝፀንሐ ኣፈላላይን ፀገምን ግን ብዲሞክራስያውን ሰላማውን ልዝብ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፤ እቲ ኩነታት ናብ ጎንፅን ኹናትን ተቐይሩ። 

ከም ውፅኢቱ ድማ ልእላውነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላውን ንምክልኻልን ኢሉ እዉን ናይ ህዝቢ ሰላም ህልውናን ድሕንነትን ውሑስ ንምግባር ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሸ ሓይልታት ምክልኻል ፌደሪኢ፤ ኣንፃር ልእላውነት፣ ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ጠጠው ብምባል ምስ ናይ ደገ ወረርቲ ሓይልታት ተዛሚዱን ተላፊኑን ብዝፈፀሞ ክሕደት፣ ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ሓዊሱ ኩሎም ዓይነታት ዓለምለኸ ገበናትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሞም እዮም። 

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ብዙሓት ዓለም-ለኻዊ ተሓታትነትን ፍርድን ዘድልዮም ገበን ወራር (Crime of Agression) ፣ ገበን ኲናት (War Crime) ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፀም ገበንን (Crimes Against Humanity) ገበን ዘርኢ ምፅናትን (Genocide) ተባሂሎም ኣብ ዝፍለጡ ኣርባዕቲኦም ዓለምለኻዊ ገበናት ዝምደቡ ተወሰኽቲ ገበናት ዝተፈፀሙ እንትኾን፤ ንኣብነት ዝተወሰኑ ንምግላፅ ዝኣክል፦ 

  • ኣብ ልዕሊ ሰላምን ድሕንነትን ደቂ ሰባት ዝተፈፀመ ገበን (crime against Peace and Security  of Mankind) ፤ 
  • ብሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዝተፈፀመ ወራር (Crime of Agression) ፤ 
  • ናይ ህዝቢ ህልውናን ድሕንነትን ናብ ሓደጋ ንምውዳቕን ወራር ንምፍፃምን ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ውዲት/ ሽርሒ ምፍሓስን ምትግባርን (Crime of Conspiracy) ፤ 
  • ምፅፃይ ዘርኢ (Ethnic Cleansing) ፤ 
  • ብኲናትን ኣብ ኲናትን ህዝቢ ናይ ምርዓድ ገበን (Crime of Terrorism in War)፤ o ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም (Crime of using Famine as a weapon of War) ፤ 
  • ዕፅዋ መሰረተ ልምዓት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም (Crime of shutdown of basic  infrastructures as a weapon of War and Genocide) ፤
  • ንናብራ ወዲ ሰብ መሰረታዊ ዝኾኑ ሃፍትን ጥሪትን ምብዳምን ምርሳይን (Crime of destroying  and looting of basic livelihoods of human beings) ፤ 
  • ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናትን ዘርኢ ምፅናትን ምጥቃም (Crime of using rape as a  weapon of war and Genocide) ፤ 
  • ገበን ምብራስን ምርሳይን ባህላውን ታሪኻውን ሓድግታት ፤ 

እዞም ዝተጠቐሱ ገበናት ሓዊሱ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ኩሎም ገበናት ኲናት ብኣፈፃፅመኦም ኮነ ብዕላምኦም ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ንምትግባር ብዘኽእል መንገዲ ዝተፈፀሙ እዮም። ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት (Genocide) ተፈፂሙን ይፍፀም ኣሎን። እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን እናተፈፀመ ዘሎን ተግባር ገበን ዘርኢ ምፅናት ከም ዝኾነ ብመሰረት ስምምዕነት ጀኖሳይድ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገበን ዘርኢ ምፅናት ተፈፂሙ ንምባል ዘኽእሉ ሓሙሽተ ኣውራ መግለፂታት ሪኢኻ ምርግጋፅ ይከኣል፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 4 እዚ ዓለምለኻዊ ስምምዕነት ዘርኢ ምፅናት (ጄኖሳይድ) ማለት ‹‹ሓደ ኣባል ዝኾነ ጉጅለ ዘርኢ፣ ዓሌት፣ ብሔር ወይም ሃይማኖት ኮነ ተባሂሉ ብኽፋል ወይ መሊእካ ንምጥፋእ ብምሕሳብ ዝፍፀም ተግባር ገበን ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ተግባራት ይሓውስ›› ክብል ይድንግግ፡፡ 

ንሳቶም ድማ፦ 

  1. ኣባል እዞም ጉጅለታት ዝኾነ ሰብ ምቕታል፤ 
  2. ኣብ ልዕሊ ኣባል እዞም ጉጅለታት ዝኾነ ሰብ ፅኑዕ ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮዊን ጉድኣት ክበፅሖ ምግባር፤ 
  3. ኣብ ልዕሊ ኣባል እዞም ጉጅለታት ዝኾነ ሰብ ብክፋል ወይ መሊእካ ንምፅናት ብምሕሳብ ኮነ ኢልካ ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ናብራ እቲ ጉጅለ/ማሕበረሰብ ክህሰይ ምግባር፤ 
  4. ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ/ማሕበረሰብ ምትካእ ዘርኢ (ወሊድ) ዝኽልክሉ ስጉምቲታት ምውሳድ፤ 5. ኣካል እቲ ጉጅለ ዝኾኑ ህፃናት ናብ ካሊእ ጉጅለ ማሕበረሰብ ብሓይሊ ምዝዋር ዝብሉ እዮም፡፡ 

ስለዝኾነ ድማ እቶም ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ዓለምለኻዊ ገበናት ምዃኖም ርዱእ ኾይኑ፤ ብመንፅር በዝሕን ዓይነትን ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ዝተሳተፉ ተዋሳእቲ ሓይልታት እንትረአ እውን እቲ ገበን ካብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ጉዳይነት ተሰጋጊሩ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ናብ ትግራይ ዝወፈሩ ሓይልታት ካብ ክልተ ንላዕሊ ዝኾኑ ሃገራትን ብዙሓት መላፍንቶምን ዝጠጅእዎ፣ ዝፈፀምዎን ክሳብ ሐዚ ዝፍፅምው ዘለውን ስለዝኾነ፤ እቲ ኲናት ዓለምለኻዊ ቅርፂ ክሕዝ ክኢሉ እዩ። እዚ ብኢትዮጵያን መላፍንታን ዝተፈፀመ መነወርን ጨካንን ኲናት ዘርኢ ምፅናት፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ኩሎም ዓይነታት ዓለምለኸ ገበናት ዝተፈፀመሉ ዓለምለኻዊ ኲናታዊ ጎንፂ፣ ናይ ህዝብታትን መንግስታትን ዓለምለኸ ሕግን (Public International Law) ዓለምለኸ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ሰብኣውነትን ሕግታትን ድንጋገታትን (International Human Rights and Humaniterian Laws) ብዝለዓለ ብርኪ ዝተጠሓሰሉን ዘይንቡር ጭካነ ዝተመልኦም ግፍዓዊ ገበናት (Heinous and Iniquitous Crimes) ዝተፈፀመሉን ኲናት እዩ። 

ልዕል ኢሉ ካብ ዝተገለፀ ምርዳእ ከምዝከኣል እቲ ናይ ህዝቢ ህልውና፣ ድሕንነት፣ ልእላውነት ዓዲ ክሕሉን ወራር ክከላኸልን ተባሂሉ ዝተጣየሸ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ገበነኛ መሓውር እዩ ተለዊጡ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክስመረሉ ዘለዎ ጉዳይ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ዝተጣየሹ ናይ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልላዊ መንግስታት፣ ከተማ ምምሕዳራት፣ ፌደራላዊ ትካላትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምስ ገዛኢ ሓይሊ ምስዝወገነ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግዳማዉያን ወረርትን ተሰሊፎም ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ብምዝማቶም፤ እቲ ናይ ፌደረሽን ቃልኪዳን ይኹን እቲ ዝነበረ ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብዕሊ ምሉእ ብምሉእ ምፍራሱ ዘርኢ ፍፃመ እዩ። 

እቶም ወረርቲ ሓይልታት ብዘካይድዎ ናይ ገበን ልፍንትን ቃልኪዳናዊ ክሕደትን፣ እቲ ዝነበረ ፌደረሽንን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብዕሊ ብምፍራሱ ድማ፣ ንትግራይን ተጋሩን ህዝባውን ኩለመዳያውን ቃልሲ ምክያድ ናይ ህልውና ሕቶ ኾይኑ ዝመፀሉ ኩነታት ፈጢሩ። 

1.3. መረፃ፣ ኲናት ዘርኢ ምፅናትን ምፍራስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን  

እቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ሽርሓዊ ምንቅስቓስን ርክብን፤ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዓብይ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ስግኣት ብምፍጣሩ፤ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ዝምጥን ምድላው ንክግበር ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ፀቕጥታት እናገበረ ፀኒሑ እዩ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይኹን ግዱሳት ተጋሩ ነቲ ዝመፅእ ዝነበረ ሓደጋ ብኣጋ ብምርዳእ ህዝቢ ናብ ሓደጋ ንከይኣቱ፤ ነቲ ሓደጋ ዝከላኸልን ዘውግድን ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ውሑስ ናይ ምግባር ዓቕምን ተኽእሎን ዘለዎ ቅቡልን ጠንካራን መንግስቲ ንክህሉ፤ ብብርኪ ትግራይ መረፃ ንኽካየድ ድፍኢትን ፀቕጥን ተገይሩ እዩ። 

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ትግራይ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ ኢሉ እዉን ብመረፃ ዝተጣየሸን መንግስቲ፤ በቲ ህዝብን ፖለቲካዊ ውድባትን ዝኣመትዎ ብርኪ ክዳለው ኣይከአለን። ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ኣብ ስራሕ ዝፀንሐ ሕገ መንግስቲ ወራር ንምክልኻልን ዘኽእል ሓላፍነታትን ዓቕምታትን ነቲ ፌደራል መንግስቲ ጠቕሊሉ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት ከዓ ዝስዕቦን ዘሰጉሞን ኣመለኻኽታ ዝደለየ ዓይነት ፍፃመ ይፈፀም እቲ ሕገ መንግስቲ ኣይፈርስን ጥራሕ ዘይኮነስ ክፈርስ የብሉን ዝብል ስለዝነበረ፤ ትግራይ ብሕገ መንግስታዊ ሞቑሕ ጅሆ ተታሒዛ እኹል ምድላው ከይገበረት ፀኒሓ።

በዚ መሰረት ድማ ካብቲ ዝተለመደ ክልላዊ ፖሊስን ፀጥታን ወፃኢ ዝተፈጠረ ወታደራውን ድሕንነታውን መሓዉር ኣብ ትግራይ ኣይነበረን። ናይ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊስን ዲፕሎማስያውን መሓውርን ኣሰራርሓን እዉን ኣይተፈጠረን። ልዕሊ ሕገ መንግስቲ ንዝኾነ ስግኣት (Extra-Constitutional Threat) ልዕሊ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ መፍትሒ (Extra-Constitutional Solution) ንምምፃእ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ፍሉይ ዘተን ስምምዕነትን ንምፍጣር ዘኽእል ናይ ፖለቲካ መድረኽ ኣይተመስረተን። ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ዝተለወጠ ሃገራዊ፣ ጂኦ-ፓለቲካዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ትግራይ ህልውናን ድሕንነትን ዝሕሉን ዘረጋግፅን ፖሊሲ ኾነ ስትራተጂካዊ ኣንፈት ሒዙ ኣይተንቀሳቐሰን። 

ብወገን ትግራይ ዝተገበረ ምድላዉ ኣዝዩ ድሩት ብምንባሩ ነቲ ሕገ መንግስቲ ሃደሽደሽ ኣቢሉን ልእላውነት ሃገር ጥሒሱን ምስ ናይ ደገ ሃገራት ተሻሪኹ ንዝመፀ ወራሪ ሓይሊ ክከላኸል ኣይከኣለን። ከም ወፅኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ማእለያ ዘይብሎም ኪሳራታት በፂሖምን ገበናት ተፈፂሞምን እዮም። ብሓፈሻ እንትርአ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ምድላው በቲ ንክፈርስ ኣብ ደንደስ ዝበፅሐ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ብዝፈቕደሉ መጠን ዝተገደበ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እቲ ዝተለወጠ ኩነታት ዝምጥንን እኹልን ምድላው ኣይነበረን። 

ብመሰረቱ ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡን ድሕንነቱን ንምሕላው ዘካየዶ መረፃ ዕላምኡ ኣየዐወተን ጥራሕ ዘይኮነስ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ብኣንፃሩ ዝተጓዓዝሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ። ኣብ እዋን መረፃ ዝቐረቡ መብዛሕቲኦም ናይ ኣይዶሎጅን ፖሊስን መማረፅታት ነቲ ኲናት ንምክልኽል ዘኽእሉን ንሓደጋ ምላሽ ዝህቡን ዘይኮኑስ ኣብ ስሩዕ ሰላማዊ ፖለቲካ ኮይንካ ክትግበሩ ዝኽእሉ ናይ ስሩዕ እዋን ክትዓት እዮም ነይሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ቕድሚ ኲናት ዝተኻየደ መረፃ ብወገን ገዛኢ ውድብ ቀሪቦም ዝነበሩ ናይ ፖሊሲ፣ ኣይዶሎጅን (ርእዮተ-ዓለምን) ናይ ወፃኢ ርክብን መማረፅታት ኣንፃር ህዝብና ምውዓሎም፤ ድሕሪ ምጅማር ኲናት እቲ ቕድሚ መረፃ ዝነበረ ኹነታት ብመሰረቱ ዝተቐየረሉ ወድዓዊ ሓቂ ምፍጣሩ ብግልፂ ዘርኢ እዩ። 

ኣብ እዋን መረፃ ይኹን ቅድሚ ኲናት ምእዋጁ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ኣተሓሳስባ፤ ናይ ህዝብና ህልውና፣ ድሕንነት፣ ሰላምን ልምዓትን ዝረጋገፅ ኣብቲ ዝፀንሐ ናይ ፌደረሽን መስርሕ ኮይኖም ተግባራዊ ብዝኾኑ ፖሊስታት፣ ትካላት፣ ኣሰራርሓታትን መሰረተ ልምዓታትን ኣቢሉ እዩ ዝብል ነይሩ። ብግብሪ ከም ዝተረኣየ ግን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፀንሐ ሕገ መንግስታዊ መሰርሕን ኣተሓሳስባን ዝተተኸሉን ዝተሃነፁን መሰረተ ልምዓታትን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ንዝተገበረ ወራርን ዘርኢ ምፅናትን ኣውራ መሳርሒ ኮይኖም እዮም። ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ እቲ ዝፀንሐ ፌደረሽንን ዝቖመሉ ሕገ መንግስታዊ ቃልኪዳንን ኣፍሪሳ ናብ ብልሓታ ዘይትፍለጥ ዓዲ (Renegade State) ተለዊጣ ትርከብ።

ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተገለፁ ነጥብታት ምርዳእ ከምዝከኣል፤ እቲ ዝፀንሐ ክልላዊ መንግስቲ ብሕገ መንግስታዊ ማእሰርቲ ጅሆ ተታሒዙን ግዳይ ናይቲ ገዛኢ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተደረኸ ኣተሓሳስባ ማዕርነታዊ ሓድነት ኮይኑን ነቲ ዘይተርፍ ዝነበረ ሓደጋ ዝምጥን ፖለቲካዊ፣ ወታደራውን ዲፕሎማስያውን ምድላው ከይገበረ ብምፅንሑ፤ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ መሰል ዓርሰ ዉሳነን ብሄራዊ ክብሪን ትግራይ ሃደሽደሽ ኢሉ፡፡ ህዝብና ከም ህዝቢ ንዝኸፍአ ጥቕዓት፣ ግፍዕን መከራን ተሳጢሑ፤ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፣ ውክልና፣ ረብሓን መሰልን ተጣሒሱ፤ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ሓደጋ ክወድቕ ክኢሉ እዩ። ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ሓዊሱ ኩሎም ዓይነታት ዓለምለኸ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተፈፂሞም እዮም። 

ብሓፈሻ እቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ባዕዳዊ ወራርን ኲናት ዘርኢ ምፅናትን ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ፤ ምልኣተ-ህዝቢ ናብ ዘሳተፈ ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ ክንኣቱ ተገዲድና። እዚ ማለት ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ፌዲሪኢ ዝሰፈረ ናይ ትካቦት ስልጣንን በቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት ኣቢሉ ብዝተሳለጠ መረፃ-ትግራይ 2012 ኣ.ግ ዘይኮነስ ተፈጥሮኣዊ መሰሉን ልእላዊ ስልጣኑን ተጠቒሙ ሓዱሽ ባይታን መደላድልን ክፈጥር ተበጊሱ። 

1.4. ዘይሕጋውን ዘይንቡርን ተኸላ «መንግስቲ ህወሓት»፡ ፍልፍል ሰንፈላል ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ

  እቲ ክፋል ትግራይ ሓራ ዘውፅአን ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዓወት ነብሰ ወከፍ ትግራዋይ ውድባዊ ሓፁር ከየዐንቀፎ፣ ፆታን ሃይማኖትን ከይፈለየ፣ ዕድመን ብርኪ ትምህርትን ከይሓለኾ፣ ደርቢን ፍልልይ መነባብሮን ከይዓገቶ፣ ውህሉል በደል ገዛኢ ውድብ ከየሰኮኖ ክቃለስ ብምኽኣሉ ዝተረኸበ ግን ድማ ዘይተልኣመ ህዝባዊ ዓወት ተጋሩ እዩ፡፡ ቀንዲ ምስጢር ናይዚ ብሄራዊ ዓወት ከዓ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንህላውኡን ክብረቱን ከም ሓደ ኣካል ኣብ ብሄራዊ ሓድነቱ ሰሚሩ ሰለዝተቓለሰ ድኣ እምበር እቲ ሕዚ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎ ዉድብ ሰለዝመርሖ ኣይኮነን፡፡ እዚ ውድብ ኣይኮነንን ዶ ንባዕሉ ከም ንጉስ ዘይብሉ ንህቢ ፋሕ ፋሕ ዝበለሉ ግዘ ኲናት፤ ክመርሕ ኣብ ዝኽእለሉ፣ ፈቓድን ቅቡልነትን ኣብ ዝተውሃበሉ እዋን መሪሑ ካብ ጥፍኣት ከድሕኖ ኣይከኣለን። ተጋድሎ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብቐንዱ ውፅኢት ከምፅእ ዝኸኣለ፣ ህዝቢ ትግራይ ትማሊ እናረኣየ ዘይኮነስ ኣብ ፅባሕ ሕቶ ህላውኡን ድሕነቱን እተረጋግፅ ናፃ ሃገረ ትግራይ እናመዓደወ ባዕሉ ኣብ ዝፈጠሮ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሰለዝተሰለፈ እምበር፤ ከም ድልየት መሪሕነት «መንግስቲ እየ» ዝብል ሓይሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ተስፋ ሰኒቑ ሰለዝተቓለሰ ኣይኮነን፡ ፡ ኣዲስ ኣበባ ተፈጥሮኣዊ መንበረ መንግስትነታ ንደርባውያን ተቓለስቲ እምበር ንብሄራውያን ተጋሩ ፈፂማ ኣይኮነትን። 

ካብ ሰነ 21/2013 ኣ.ግ ንደሓር ኣብ ዘሎ ከይዲ ማለት እውን ብህዝባዊ ቃልሲ ክፋል ትግራይ ሓራ ካብ ዝወፅእ ንድሓር ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሰንፈላልን ዕንክሊልን፣ ይትረፍ ንክብርን መሰልን ሃገርነት ትግራይ ንዘቕንዑ ደቁን ውድባቱን፣ ፈተውቲ ትግራይ እውን ዘስደመመን ዘጉሀየን እዩ። ካብ በረኻታት ትግራይ ብደምን መስዋእትን ንፁሃት ተጋሩ ዝተመለሰ ናይ ስልጣን ሓይሊ ካብ ሕግን ዉድዓዊነትን ፍፁም ተፃራሪ ብዝኾነ ኣገባብ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ንምትካል መሪፁ፡፡ ህዝብና ደቁ፣ ሃፍቱን ሞራሉን ኮታስ ኩሉ ዓቕሙ ንስለ ዓወት ህዝባዊ ቃልስና እንተኽተተ እውን ይትረፍ ንሃገረ ትግራይ ዝኸውን ትሉም ፈለግ ፣ ከርሱ ዘዕንግል ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ኣፍ ደገ ዕርብርባዊ ጥፍኣት ይርከብ። 

ናይዚ ኩሉ መበገሲ ድማ ድሕሪ እቲ ውርደትን ሕሰረትን ዘምፅኣልና ብኣዋጅ ኢትዮጵያን ህንደሳ ሓይልታት ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ዝኣተናዮ ኲናት ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካውን ዓወት ብዘምፅእ ንፁር ብሄራዊ ዕላማ ስለዘይተመርሐ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ድሌትን ባህግን ኣዝዩ ኣብዝሓ ህዝብናን ህይወቱን ኣካሉን ዝግብር ዘሎ ተጋዳላይን ምግሃድ ልእላዊት ሃገረ ትግራይ ኮይኑ እናሃለወ፤ መሪሕነት ህወሓት ግን ዕላምኡን ኣሰላልፍኡን ብተፃራሪ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኣፍደገ ዓወት በፂሑ ዝነበረ ህዝባዊ ቃልስና ድሕርሕሪት ክጓዓዝ፣ ማሓዛን መላፍንትን ክሓርሞ፣ ፍትሓዉነቱ ክሃስስ ጌርዎ ይርከብ፡፡  

ከም ውፅኢቱ ድማ ቃልስና ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ኣጋጢምዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ከፍርዮም ጀሚሩ ዝነበረ ሃገራትን ኣካላትን ስኢኑ ብዘይ መሓዛ ክተርፍ ግድን ኮይኑ፤ እቲ ዋግ ዋጎ ምሉእ ዓወት ክርኢ ዝጀመረ ወተሃደራዊ ዓወታት ህዝቢ ትግራይ እውን ሓደጋታት ሰንፈላል እናገጠሞ ይርከብ። ብመዳይ ዲፕሎማሲ ፈፂመን ክተዓረቓ ዘይክእላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ግና ብሓባር ሰሚረን። ብፀጋም ዓይኒ ዝጠማመታ ኢራንን እስራኤልን፣ ቱርክን ዓረብ ኢማራትስን ምስ ፀላእትና ተሰሊፈን ወጊአናና እየን። መንቀሊ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ውድቀት ተጎዛጒዙ ዝሰዓበ ወተሃደራዊ ሰንፈላል ድማ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ሞንጎ ናይ ህዝብና ካብ ወራር ዘርኢ ምፅናት ብምድሓን ዲሞክራሲያዊትን ልእላዊትን ሃገረ ትግራይ ምርግጋፅን ናይ ህወሓት ዕላማ ምቕፃል ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ተቐርቂሩ ስለዘሎ እዩ። ህዝባዊ ቃልስና ካብ ዘላቒ ብሄራዊ ህላወ ምርግጋፅ ናብ ስርዓት ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምልዋጥ ዝብል ዕላማ ስለዝተሳገረ፤ ቃልስና ፍትሓዉነቱን ዓለምለኻዊ ግቡኡነቱን ስኢኑ እዩ። ህዝባዊ ቃልስና ግቡኡን ቅቡልን ሃዲዱ ስሒቱ መሪሕነት ህወሓት ከም ፈረስ ክጋልበሉ ስለዝፈተነ፤ እዚ ሓይሊ ድማ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ሕማቕ ምስሊ (ኮሚኒስት፣ፀረ ዲሞክራሲያዊ፣ ገባቲን ቅቡልነቱ ባይታ ዝዘበጠን)  ዘለዎ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ኣብ መድረኽ ዓለም ከቢድ ፈተና የጋጥሞ ኣሎ፡፡ 

ብሓፈሻ እቲ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ መሪሕነት ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ፈጢርዎም ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ፖለቲካውን ምምሕዳራዉን፣ ዲፕሎማሳውን ወተሃደራዊን ውድቀታት ተባሂሎም ክግለፁ ይኽእሉ።

1.4.1 ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ውድቀት  

ህዝባዊ ቃልስና ብቐንዱ ኣጋጢምዎ ዘሎ ውድቀት ፖለቲካዊ እዩ። ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ከዓ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሌና ክፍፀም ኣፍደገ ዝኸፈተ ስእነት ብሄራዊ ዕላማ ዘለዎ ዉዳበን መሪሕነትን ኣብ ስልጣን ስለዝነበረ እዩ፡፡ 

ብሓፂሩ ኣጋጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት በዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥብታት ምግላፅ ይከኣል፡- 

o እቲ ኲናት ብባህሪን ትሕዝቶን ህዝባዊ ኮይኑ እናሃለወ፤ ድሕሪ ሰነ 2013 ኣ.ግ. መሪሕነት ህወሓት ምእንተ ፀቢብ ናይ ስልጣን ረብሕኡ ናብ ውድባዊ ቃልሲ ቀይርዎ ብናይ ባዕሉ ድሌት ጥራሕ ክመርሖ ብምውሳኑ፤ ንህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ብውሽጥን ብደገን ፍትሓውነት ኣስኢንዎ ኣሎ። 

o ኣብ ፕሮፓጋንዳ ኣንፃር ትሕዝቶን ባህርን እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ሚድያታት ብፍፁም ኢድ ኣታውነት »መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካል፤ ካብ ሓቀኛን ወድዓውን ኩነታት እቲ ኲናት ወፃኢ፤ ንዕላማ ሓደ ሓይሊ ዝሰብካ ንካልኦት ዝዓፅዋ ኮይነን ምህላወን ከይኣክል፤ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ዝተመስረተ ምልዕዓል ተፀሚደን ብምትራፈን፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ተጋድልኡ እምነት ክስእን ዝገበር ኩነታት ንምፍጣር ይሰርሓ ኣለዋ። ብተወሳኺ ድማ ናይ ሓደ ውድብ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ኮይነን፤ ናይቲ ቃልሲ ሓቀኛ ዕላማ ከይጋዋሕ፣ ተዋሳእቲ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝኾኑ ኩሎም ሓይልታት ናይ ሚድያ ዕድል ከይረኽቡ ብምዕፋን፣ ህዝባዊ ቃልሲና ደዉታን ምንቁልቋልን ንኸጋጥሞ ናይ ባዕለን ግደ ይፃወታ ኣለዋ:: ሚድያታት ትግራይ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ማይ ዕቋር /ኣልውሃ/ ድሕሪ ምስጋሩ ገሊኤን ንህዝቢ ትግራይ ብምርሳዕ ጠቕሊለን ልሳን ብሄር ብሄረሰባት ኮይነን ናብ ጥበራን ምሕፅንታን እንትኣትዋ፤ ገሊኤን ድማ ንቲ ክንዲ እምባ ዝኾን ወታደራዊ ሓይሊ ዝፈጠረ ህዝቢ ትግራይ ተመፅዋትን ብሕርጓቶ ብሄር ብሄረሰባትን ዝነብር ጌረን የቕርበኦ ኣለዋ። 

ብመዳይ ምሕደራ ኣጋጢሙና ዘሎ ውድቀት ድማ በዞም ቀፂሎም ዘለው ነጥብታት ምግላፅ ይከኣል፡- 

  • ዝኾነ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ምሕደራ ኣብ ትግራይ የለን፡፡ ናይዚ ፍልፍሉ ብቀንዱ ስእነት ሕጋዊ ማዕቐፍ እንትትከውን ምስ ሕዱር ድኽመትን ግዕዝይናን «መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካል ተደማሚሩ ንበለፀን ንምዝመዛን ተቓሊዑ ይርከብ። ኣብ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ኮይንካ ኣዝዩ ውሑድ ሃፍቲ ቀዳምነት ንዝወሃቦ ሂብካ ኣብ ምምሕዳር ሕጋዊ መሰረት ገይሩ ዝኸይድ ስለዘየለ ዘይተደለየ ብኽነት ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ ንዘይተደለየ ምኽባር ናብራ የሳጥሕ ኣሎ። ኢኮኖሚና ካብ ዝኾነ ርክብ እንኮላይ ካብ ልክዕ ብላዕሊ ተሰፍይዎ ካብ ዝነበረ ፌደራል ዝተበተኸ እዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ዋና ስርዓት ባንኪ ካብ ዝዕፆ ናብ ዓመት ይፅጋዕ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ሕፅረት ገንዘብ ኣሎ። ካብ ስርዓት ባንኪ ወፃኢ ዘሎ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ ውሑዳት ተቖሊሉ ንዘይስሩዕን መዝማዛይን ስርዓተ ኢኮኖሚ ይውዕል ኣሎ። 
  • ኣብ ትግራይ እቲ ካሊእ ዘሎ ምሕደራዊ ፀገም ዝርኣየሉ ኣብ መዳይ ትራንስፓርትን መጎዓዝያን እዩ። ሰብ ይኹን ዋላ እቲ ውሑድ ሸቐጥ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ዝንቀሳቐሰሉ ስርዓት ትራንሰፖርት የለን። ሓልሓሊፉ ድማ ብሓገዝ ዝርከብ ሒደት ህይወት ኣድሕን መድሓኒት እኳ ምኽንያታት ብምዝርዛር ግን ድማ እቲ ዋና ፀገም ስርዓት ትራንስፖርት እናዳሃለወ ናብ ሕሙማት ከይበፅሕ ይኸውን ኣሎ፡ ብሓደ ወገን ብኣመራርሓን ኣባላትን እቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካል ዝግበር ምብኻን ሃፍቲን ፍኑው ኣገባብ ምሕደራን እንትርአ ኣብ እዋን መከራን ዓፀቦን ዘለና ኣይመስልን። ብካሊእ ወገን ድማ ሰብ ምስ ስድርኡ ከይራኸብ፣ ከምኡ ድማ ሸቐጣት እውን ብዓቅሙ ብእዋኑ ከይረክብ ብምግባር ኣዝዩ ዝነሃረ ናብራ ክነብርን ህይወት ክንዲ እምባ ክትኮኖን ይግበር ኣሎ። 
  • ፀጥታኣዊ ዝኾነ ፀገም እቲ ካሊእ ብመዳይ ምሕደራ ዝርአ ዘሎ ዓብይ ውድቀት እዩ። ኣብ ገጠራት ይኹን ኣብ ከተማታት ትግራይ ብርሰት ደኒ፣ ክትራን፣ ምፍጓር ገዛ፣ ስርቂ፣ ባእሲ ዝኣምሰሉ ኣብ እዋን ቅልውላው/Crisis/ ዝግውዱ ተርእዮታት ኣዝዮም ተበራኺቶም ኣለው። ነዚ ኩነታት ስርዓት ዘትሕዝን ዘመሓድርን ሕጋዊ ማዕቐፍ ዝተገበረሉ ኣካል የለን። 
  • ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ከተማ ክሳዕ ገጠር ዝርአ ዓብይ ፀገም ስእነት ፍትሒን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን እቲ ቀንዲ እዩ። ብዓፀበን ቀለለን ምእሳር፣ ኣሲርካ ምስቓይ፣ ዝተጋነነን ድከት ዘእቱን ቅፅዓት፣ ቤተሰብ ከይሓትት ምኽላእ፣ ምጉልእላእ ብሓፈሻ እዛ ንዓለም ፍትሒ ይወሃበኒ ኢላ ትፅውዕ ዘላ ትግራይ ከምቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁን ካልኦትን ሰብኣዊ ግህሰታት ዝፍፀሙላ ክትክውን ኣይግባእን።  

1.4.2 ዲፕሎማሳዊ ውድቀትን ኪሳራን  

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ፖለቲካዊ ስርዓት ትግራይ ዝተመርሓሉን ሐዚ እውን ክምርሓሉ ዝህቀን ዘሎን ፀጋማዊ ስነሓሳብ ብቐንዱ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድአ እኳ እንተዀነ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ምስ ምዕራባውያን ናብ ዘይተደለየ ጎንፅን ተነፅሎን ኣጥሒልዎ እዩ። ብመዳይ ዲፕሎማሲ ኣጋጢሙና ዘሎ ኪሳራን ውድቀትን ከምዝስዕብ ምግላፅ ይክኣል፤ 

  • ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ህዝባዊ ቃልስና ብህዝባውነቱን ፍትሓውነቱን ደገፍ ሂብዎ እናሃለወ፤ እቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካል ነቲ ኲናት ንውድባዊ ዕላምኡ ጨውዩ ህዝባውነቱን ሓቀኛ ባህሩን ዘህስስ ምንቅስቓሳት ብምክያዱ፤ ህዝባዊ ቃልስና ንመሰል ዝሳለጥ ህዝባዊ ኲናት ዘይኮነስ ዲፕሎማሲያዊ ቅልፅምና ብዘልምስ መንገዲ ከም ሓደ ተራ ዓመፅ /rebellion/ ተገይሩ ክውሰድ ኪኢሉ። ኣብዚ ክስመረሉ ዝግባእ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ተቓውምኡ ንሃገርነት ትግራይ ዘይኮነስ እታ እትገሃድ ሃገረ ትግራይ ኮሚኒስታዊትን ዓፋኒትን ከይትኸውን እዩ። ኣሜሪካ ዋላ እኳ ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ክሕሎ ኣለዎ ኢላ ብዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ብተደጋጋሚ እንተገለፀት፤ ኣብ እትገሃድ ሃገረ ትግራይ ምስ ኣሜሪካ ዝህሉ ሓበራዊ ረብሓ እቲ ዝበለፀ ከም ዝኾነ ብምርዳእ ድጋፋን ሓገዛን ምርካብ ይከኣል እዩ። 
  • ኣቐዲሞም ንፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልስና ድጋፍ ዝህቡ ዝነበሩ ሓይልታት ዓለም ብኸይዲ ጠጠው ኣብ ልዕሊ ምባሎም፤ ብቐጥታ ነቲ ወተሃደራዊ ግስጋስና ንምኽባስ ተንቀሳቒሶም እዮም፡፡ 
  • ካብ ኣይዲዮሎጂካዊ ኣበር ዝፍልፍል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት በቲ ናይ 1983 ኣ.ግ ዝነበረ ኩነታት መሰረት ጌርካ ናይ ስርዓት ለውጢ ክካይድ ብግብሪ ምውስዋስ ብማሕበረሰብ ዓለም ብትሪ ተነፂጉ። 
  • ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብዘይውክል መንገዲ ብወተሃደራዊ ኣመራርሓታት ኣቢሉ ዴሞክራስን ብዝሃ-ፓርትን ዝዕፍን ርኡይ ፕሮፖጋንዳ ሰለዝተጀመረ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ለውጢን ዴሞክራስያዊ ሃዋህዉን ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወ ሰለዝተቓልዐ፡፡ 
  • ረብሓ ትግራይ ዘሀገረ፣ ኢትዮጵያዊ፣ ዘይፍትሓውን ዘይወድዓውን ዕላማ መሪሕነት ህወሓት፤ መሰል ዓርሰ-ውሳነን ሪፈረንደምን ትግራይ ክነውሕስ ክድግፉና ዝኽእሉ ሃገራትን መሓዙትን ክንከስሮም ምግባሩ፡፡ 
  • ዓቕሚ ተጋሩ በቲኑ ዓምቢሩን ተወሃሂዱን ዝሳለጥ ዝነበረ ናይ ዲያስፖራ ፐብሊክ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ከይተረፈ ኣብ ዕንክሊል ሰለዘእተዎ፡፡ 

1.4.3 ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዘለው ፀገማት  

ልዕል ክብል ዝተዘርዘሩ ፖለቲካዊ፣ ምምሕዳራዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ውድቀትን ኪሳራን ንወተሃደራዊ ወፍርታት እውን ኣዝዩ ፀላዊ ከም ዝነበረ ብተደጋጋሚ ብኣመራርሓ ሓይልታት ምክልካል ትግራይን «መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካልን ተገሊፁ ዝሓደረ እዩ። ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ህዝባዊ ትሕዝትኡን መበቆልን ኣጋሊሱ ህወሓታዊ ሰራዊት ክገብሮ ዝኸዶ ርሕቐት፤ ኣብ ወተሃደራዊ ኣቋውማን መንፈስን ሰራዊትና ዝነበረ ስሙር ህዝባዊ ዕላማ ዓበይቲ ሓጓፋት ዝተርኣየሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ። ኣብዚ መዳይ ዝተርኣዩ ፀገማት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፤ 

  • ምትሕውዋስ ፖለቲካዊ ፓርቲን ሰራዊትን፤ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መፈፃሚ ምልካዊ ስርዓት እቲ ስልጣን ዝበሓተ ኣካል ክኸውን ግብራዊ ምንቅስቓስ ስለዝተሳለጠ፤ ኣብ ህዝቢ ዝነበረ ዘይሻራዊ ትካል ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ናይ ምርኣይ ባህጊ ክሽርሸር ይግበር ኣሎ። 
  • ብሰንኪ ናይ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ናይ ምሓዝ ዕላማ፤ ምሉእ ትግራይ ሓራ ናይ ምውፃእን ህዝብና ናብ መረበቱ ናይ ምምላስን ስራሕ ክተዓናቐፍ ክኢሉ እዩ። ሓራ ኣብ ዘይወፁ ከባቢታት ትግራይ ዝነብር ህዝብና ድማ ንኣደዳ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፀላእቲ ተቓሊዑ። ዝተሰደደን ዝተመዛበለን ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ሓሪሱን ነጊዱን ንባዕሉ ዝዕንግለሉን ደጀን ህዝባዊ ቃልስና ዝኾነሉ ዕድል እውን ክፍጠር ኣይከኣለን። ብተወሳኪ ድማ ብመዳይ ሎጂስቲክስን ምኽፋት ሰብኣዊ ሓገዝን ስትራቴጂካዊ ብልጫ ክህበና ዝኽእል ዝነበረ ሙሉእ ትግራይ ሓራ ኣብ ምዉፃእ ኣብ ክንዲ ምትኳር ምእንቲ ስልጣን ናብ ኣራት ኪሎ ምግስጋስ ግዳይ ሰብኣዊ፣ ንዋታውን ወተሃደራውን ክሰራታት ኮይንና። ሳወት ምእንቲ ሃገርነት ትግራይ ዝግበር ወፍሪ ጥራሕ ይድግፍ። 
  • ምትእትታው ካድራዊ ኮሚሳር፤ ህወሓት ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ውድባዊ ሰራዊት ንምግባር ካድረታቱ ብሽም ኮሚሳርን ዝኣምሰለን ናብ ሰራዊት ሰለዘእተወ፣ መሪሕነት ህወሓት ዝግለፀሎም ሕመቓት ናብ ሰራዊት ሊሒኾም። ኮሚሳር ዝብል ቃል ብዲክሽነሪያዊ ብያንኡ ከምዝስዕብ ይግልፅ።  «Commissar means an official of the Communist party who is assigned to teach  party principles to a Military unit. » (ኮሚሳር ማለት ናይ ሓደ ኮሚስታዊ ውድብ ኣባል ዝኾነ በዓል ስልጣን ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ኣትዩ ዕላማታትን ሓሳባትን እቲ ውድብ ንሰራዊት ዝምህር ወይ ዘስርፅ ማለት እዩ።) 
  • ዘይሻራውነት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፤ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ረብሓን ህላወን ትግራይ መሰረት ጌሮም ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውዳበ ዘለዎምን ዘይብሎምን ኩሎም ተጋሩ ዘለውሉ ህዝባዊ ትካል ኮይኑ እናሃለወ፣ ሓድ ሓደ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተሰከምቲ ተልእኾ መሪሕነት ህወሓት ኮይኖም ብግልፂ ብምውፃእ፣ ነቲ ሰራዊት ናይ ዕላማ ሓድነት ዘስእን መንፈስ እናተፈጠረ ምምፅኡ ንጉዕዞ ወታደራዊ ወፍርታት የጉትም ኣሎ። እዚ ኣብቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝምዕብል ዘሎ ደምበ ምትሕውዋስ ነዚ ህዝባዊ ቃልስና ይኹን ንፍትሒን ዲሞክራሲን መፃኢት ትግራይ ዝቃለስ ተጋዳላይ ትግራይን ምልኣተ ህዝብናን ዓብይ ዕንቅፋት ኮይንዎ ኣሎ።  

2. ስግግርን ኣድላይነትን ስግግርን  

2.1. እንታይነት ስግግር  

ስግግር ማለት ካብ እንፈልጦን ዘለናሉን ኩነታት ናብ እንብህጎን ሓዱሽን መድረኽ ዝግበር ጉዕዞ ኮይኑ፤ ዝፀንሑን ግጉያትን ኣተሓሳስባታት፣ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባታትን ብምልዋጥ ብሓደሽቲ ኣተሓሳስባታት፣ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባታትን ክትካእ ምግባር እዩ፡፡ ስግግር ተሳትፎ ብዙሓት ሓይልታትን ኣካላትን ዝጠልብ፣ ፃዕሪን ተወፋይነትን ዘድልዮ፣ ዝተፈላለዩ ቅዋማት ዝርኣይሉ ከይዲ እውን እዩ፡፡ እዋን ስግግር ተሳትፎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝጠልብ፣ ንምዕባለ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ሰረት ዘንብር፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውሳነታት ብዝተፈለየ ቅድን ስርዓትን ዝዉሰንሉ እዋን ስለዝኾነ ኣዝዩ ወሳናይ ግዘ እዩ፡፡ 

ስግግር ብዛዕባ ዝኽሰተሉን ከይዱን ኣመልኪቱ ሳሙኤል ሃቲንግተን (1991) ዝተብሃለ ምሁር ፖለቲካ  ልውጠት (Transformation)፣ መተሓላለፊ (Transplacement)፣ ምትካእ (Replacement) ክብል ነቲ ከይዲ ብሰለስተ መልክዓት ይገልፆ፡፡ ልውጠት (Transformation) ማለት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛኢ ሓይሊ ዘለዉ ሊሂቃን ስልጣን ዓቲሮም ዴሞክራሲ ንምምፃእ ዘካይድዎ ናይ ለውጢ ክያዶታት ኣቢሉ ዝመፅእ እንትኸውን፤ መተሓላለፊ (Transplacement) ዝብሃል ዓይነት ስግግር ድማ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ልሂቃን ምስ ኣብ ሰልፊ ተቓውሞ/ተናሓናሓይነት ዘለዉ ልሂቃንን ካልኦት ሓይልታትን ኮይኖም ብሓባር እቲ ዝድለ ለውጢን ስግግርን ግሁድ ዝገብርሉ ከይዲ እዩ፡፡ ምትካእ (Replacement) ማለት ድማ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ዓፋናይ/ገባታይ ሓይሊ እንትሰዓር ወይ እንትወድቕን ብተቓወምቲ ውድባት/ሓይልታት መሪሕነት ኣቢሉ ናብ መንገዲ ዴሞክራሲ ዝግበር ከይዲ ስግግር እዩ፡፡ 

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝጠልቦ ዘሎ ኣገባብን ዓይነትን ስግግር መተሓላለፊ (Transplacement) ዝብሃል ዓይነት ስግግር እንትኾን ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህወሓት፣ ተነሓናሕቲ ዉድባት፣ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት፣ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ውልቀሰባት ወዘተ ብሓባር ብምዃን ዘግህድዎ ከይዲ ስግግር እዩ፡፡ ሐዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ተኺልዎም ዝነበሩ ሕጋዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ከምኡ ድማ ካልኦት ትካላቱ ፈሪሶም ከምብሓዱሽ ክተኽለሉ ዘኽእሎ ተፈጥሮኣዊ መሰልን ሓላፍነትን ወይከዓ ስልጣን ኣብ ኢዱ ጥራሕ እዩ ዘሎ። ልዕል ኢሉ ተጠቒሶም ብዘለው ኣካላት ክትከል ዝጥለብ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ብትርጉም ክንሪኦ ከለና ህዝቢ መፍትሒ ኩሎም ፀገማት ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ብምእማን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንህይወታዊ መስዋእቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብልዝብን ብምኽኽርን ንፀገማቱ ብበዓልዋናነት ዘላቒ መፍትሒ ክገብረሎም ስለዝግባእ እዩ። 

2.2. ኣድላይነት ስግግር  

ከም ህዝቢ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ኩነታትን መግለፂታቱን እንትምዘን፤ ብመንፅር ኣቲናዮ ዘለና ፖለቲካውን ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ብርኪ እንትርአ፣ መዕለቢኡ ንምዉሳን ዘኽእል ጭብጥታት ምርቛሕ ኣድላዪ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ህልዉ ኩነታት ትግራይ መንግስታዊ መሓዉራት ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ስሩዕ ተግባራትን ንጥፈታትን ዘየለዉሉን ንቡር ዘይኮነ ኩነተ-ስርዓት(Interregnum) ከምዘለና ምድምዳም ይከኣል፡፡ ብኻሊእ ኣንፈት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብልፍንቲ ወረርቲ ሓይልታት ኲናት ዘርኢ ምፅናት (Genocide) ከምዝተፈፀመ፣ ነዚ ወራር ንምክልኻል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስሩዕ ናይ ፀጥታ ሓይሊ (ፖሊስን ምልሻን) ፈሪሱ ናይቲ ኲናት መሰረታዊ ባህሪ ተለዊጡ ህዝባዊ ቃልሲ ከምዝተወልዐ፣ እቲ ኣብ ፍቓድ ብሄራት፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ዝተጣየሸ ቃልኪዳን ፌደረሽንን ሕገ መንግስቲን ከምዝፈረሱ ተገሊፁ እዩ፡፡ 

እቲ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ «መንግስቲ እየ» ዝብል ሓይሊ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ብዘይብሉ ኣገባብ ስልጣን ሒዙ ነቲ ኲናት ኣንፃር ወድዓዊ ባህግን ኩነትን ህዝቢ ትግራይ ክመርሖ ብምውሳኑ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ሰንፈላል ክኣቱ ክኢሉ እዩ፡፡ ሰለዚ ነቲ ኣቲናዮ ዘለና ብዓይነቱን ዝተፈለየ ምዕራፍን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኩነት ዘላቒን ዘየማትእን መፍትሒታት ዝፈጥር ስግግር እንተዘይኣደላዲልና፤ ህዝባዊ ቃልስና ናብ ዓወት ዝበፅሓሉ ዕዱል ኣብ ሕቶ ከም ዝኣትው ምእማት ከቢድ ኣይኮነን፡፡  

ሐዚ ኣቲናዮ ዘለና ኩነታት ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ዝተፈለየ ከምዝኾነ፣ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ መድረኽ ምዃኑ፣ ኣብ መፃኢ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ዘይሃስስ ኣስር ኣንቢሩ ዝሓልፍ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከምዘለና፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከምዝገጠሞ፣ ነቲ ዝገጠሞ ከቢድ ሓደጋ ንምስጋር ኣብ ህዝባውን ኩለ መዳያውን ቃልሲ ከምዝርከብ ማንም ዝስሕቶ ሓቂ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ነቲ ኣዝዩ ዝተፈለየን ዝተሓላለኸን ኩነታት ብዝተለመደ ኣገባብን ስርዓትን ምፍታሕ ፈፂሙ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ እንተተፈቲኑ እውን በሰልኡ ንወለዶታት ዝተርፍ ቃንዛ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ነቲ ሐዚ ብጭቡጥ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት መፍትሒኡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኑ፣ እዚ ዝበልናሉ ምኽንያታትን ጭብጥታትን ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡፡ 

2.2.1. ካብ ብፖሊስ ዝምራሕ ህዝባዊ ድሕንነት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተገበረ  መሰረታዊ ለውጢ 

እቲ ዝነበረ ምድላው ኲናት ዘርኢ ምጥፋእ ከተርፍ ስለዘይከኣለ ከም ህዝቢ ናብ ሓዱሽ ክተትን ስምረትን ዝጠልብ ህዝባውን ኩለመዳያውን ቃልሲ ንክንኣቱ ተገዲድና ኢና። እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ደርቢ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካዊ ውዳበን ካልኦት ፍልልያትን ከይተገደበ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ትግራዋይነቱ ዓሲሉ ዝኸተተሉን ዝተሳተፈሉን እዩ። እቲ ኣብ ከተማታት ትግራይ ይኹን ወፃኢ ዓድታት ዝተኻየደ ቓልሲ እውን ብተመሳሳሊ ዝኾነ ኣፈላላይ ከይዓገቶ ኩሉ ትግራዋይ ብናይ ባዕሉ ተበገሶን ድልየትን ብሓባር ተሚሙ ዘካየዶን ዘካይዶ ዘሎን ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ እዩ። 

ኣብዚ ኸይዲ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ብዝተወለዐ ህዝባዊ ወያነ/ሕራነ ነቲ ዝፈሸለ ክልላዊ መንግስቲ ዝመርሖ ዝነበረ ናይ ደሕንነት ምሕላው ቃልሲ ተኪኡ (Substitute) ሓዱሽ ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ እናካየደ ድሕሪ ዉሑዳት ኣዋርሕ ካብ ባዶ ተላዒሉ ዝለዓለ ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ቑመና ክፈጥር ኽኢሉ እዩ። ኣብዚ ህዝባዊ ቃልሲ ዝብል ኣምር ሰነሓሳባዊን ግብራዊን ትርጉም እንታይ እዩ ዝብል ግንዛበ ምውሳድ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ 

ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ ማለት ህዝቢ ከም ህዝቢ ህልውንኡን ድሕንነቱን ዘረጋግፀሉ መንግስቲ (ብቐንዱ ድማ ብቃልኪዳን ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝቖመ ፌደራል መንግስቲ ፀረ እቲ ዝተጣየሸሉ ሕገ መንግስቲ እንትወፍር)፣ ኣብ ልዕሊኡ ዘርኢ ምፅናት ኲናት እንትእወጀሉን እንትፍፀመሉን… ህዝቢ ዓርሱ ናይ ምክልኻል፣ ህልውንኡን ድሕንነቱን ናይ ምርግጋፅ ቃልሲ ንኸካይድ ናይ ግድን ኣድላይ ዝኾነ ተፈጥራዊ ኩነት እንተጋጥም ዝገሃድ እዩ። እዚ ድማ ሕገ መንግስቲ-ዘለል (Extra-Constitutional)  

ዝኾነ ልእላውነትን መሰል ዓርሰ ውሳነን ህዝቢ ብሓይልኻ ተግባራዊ ዝኾነሉ ፍፃመ እዩ።  

ህዝባዊ ቃልሲ ኣድማስ ልእላውነት ህዝብን መሰል ዓርሰ ውሳነን ብሕገ መንግስቲ ዘይተገደበ ብምዃኑ፣ ብሓይሊ ንዝጎበጠካ ፀላኢ ብህዝባዊ እምብይታ፣ ተቓውሞ፣ ኲናት፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ኩለመዳያዊ ቃልሲ ተጠቒምካ ብምምካትን ብምፍሻልን ዝግበር ህዝባዊ ኽተትን ስምረትን ልዕሊ ሕገ መንግስቲ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ልእላዊ ስልጣን ዝግለፀሉ ዝተፈለየ ናይ ሕገመንግስትን ፖለቲካን እዋን (Extra ordinary constitutional and political moment) እዩ። ህዝቢ ዝደገፎን ዝሓቖፎን ህዝባዊ ቃልስን ኲናትን ለውጢ ከጣጥሕ ዝኣመተ ህዝበ ውሳነ እዩ። እዚ ድማ ሕገ መንግስቲ-ዘለል (Extra Constitutional) ብዝኾነ ሰራዒ ስርዓት ወይከዓ ሰራዒ ስልጣን (constitutive power) እዩ ዝግለፅ። 

ሓደ ህዝቢ ዝደልዮ መንግስትን ስርዓተ መንግስትን ናይ ምቛም/ምጥያሽ ዝለዓለ ስልጣን ሰራዒነት (constitutive power) ኣለዎ። በዚ መሰረት ድማ ሕ ገመንግስታዊ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም መንግስታዊ ትካላትን ኣካላትን የቕዉም (constitute ይገብር)፣ ኢሉ እዉን (constituted power ይፈጥር)። ህዝቢ መንግስትን ስርዓትን ብውዕሊ (contract) ዘቑሞም (Constitute ዝገብሮም) ህልውንኡ፣ ድሕንነቱ፣ ረብሕኡን መሰሉን ንምሕላውን ንምርግጋፅን እዩ። እቶም ዘጣየሾም ሕገ መንግስታዊ ትካላትን ኣካላትን፤ ህልውንኡ፣ ድሕንነቱን ረብሕኡን ክሕልውሉን ከረጋግፅሉን እንተዘይኽኢሎም ብፍላይ ድማ ኣንፃር ህልውንኡ፣ ድሕንነቱ፣ ረብሕኡን መሰሉን ኾይኖም እንተረኺብዎም፤ እቲ ዝነበሮን ዘለዎን ተፈጥሮኣዊ ሰራዒ ስልጣን ወይከዓ ‹constituent power› ተጠቒሙ ንመንግስቲ ኣመሓላሊፉ (by contract) ሂብዎ ዝፀንሐ ስልጣንን ሓላፍነትን ናብ ባዕሉ ብምምላስ ህዝቢ ባዕሉ ልእላውነቱን ዓርሰ-ውሳንኡን ብቐጥታ ተግባራዊ ምግባር ይጅምር። ወይ ድማ ነቲ ዝፈረሰን ዝተበላሸወን ስርዓትን ኣካላልላን ዝትክእ ሓዱሽ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ስርዓተ መንግስትን ወይ ሃገረ መንግስቲ ወይ ክልቲኡ ምእላሽን ምጥያሽን ይጅምር። 

ህልውንኡ፣ ድሕንነቱ፣ ልእላውነቱ፣ ዓርሰ ውሳንኡ፣ መሰሉ፣ ረብሕኡን መንነቱን ተረጊፁ ናብ ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ ንክኣቱ ዝተገደደ ህዝቢ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ስርዓትን መንግስትን፣ ሃገረ መንግስትን ንምስራሕ (constitute ንምግባር) ዝዓለመ ህዝቢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ሐዚ ዘለናሉ ዘይንቡርን ዘይሕጋውን ኹነታት ኣብ ዝዓሰሎ ዓዲን ዘይፍለጥ ርክብን እዩ። ልሙድ መዓልታዊ መንግስታዊ ግልጋሎትን ስራሕትን ንክሳለጥ መሪሕነት ክህብ ዝኽእል ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ናይ ሲቪል መንግስትን ምምሕዳርን ኣብ ዘይብሉ ኩነትታት ኢና ንርከብ።  

ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጋዊ ናይ መንግስቲ መሓውር ብፖለቲካዊ ለውጢ ምኽንያት ዘይለዋወጡ ወይ ክለዋወጡ ዘይግብኦም ብሕጊ ምሕደራ ዝተጣየሹን ዝግዝኡን ምምሕዳራዊ ትካላት (Administrative  agencies or Civil Service institutions)፣ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት እዮም። እዚኦም እውን እንተኾነ ሕጋዊ መሰል ዘለዎም ላዕለዋይ ብርኪ መሪሕነትን ታሕተዎት ብርክታት ምምሕዳርን ኣብ ዘይብሉ ኹነታት ስርሖምን ሓላፍነቶምን ክዋፅኡ ዘይኽእሉ፣ ጠጠው ዝበሉ ኣካላት እዮም ኾይኖም ዝርከቡ። ብምዃኑ ሐዚ ዘለናሉ ኹነታት እቲ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ዝፈረሰሉ፣ እቲ ዝነበረ ፌደራል መንግስቲ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነሉ (ክልላትን ካልኦት ሃገራትን ኣሰሊፉ እንትወግኣና እቲ ቃልኪዳን ፌደረሽን ይፈርስ፣ እቶም ክልላዊ መንግስታት እውን ከምኡ ይፈርሱ)፣ እቲ እንደልዮ ሓዱሽ መንግስትን ስርዓትን ድማ ገና ዘይቆመሉ ዘይንቡር ኹነታት ኢና ዘለና፡፡ 

ብሓፂሩ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን ምልኣተ ህዝቢ ብቐጥታ ዝተሳተፈሉን ዝሓቖፎን ህዝባውን ኩለመደያዊ ቃልሲ፤ ሓዱሽ ንቡር ስርዓትን ቅድን ንምንፃፍን ንምኽፋትን ዝዓለመ፤ ሕገ መንግስቲ ዘለል (Extra-Constitutional) ዝኾኑ ዋኒናትን ሓላፍነትን ተሸኪሙ ዝመፀ ፍሉይን ኣገዳድን ኩነት እዩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ዝተለወጠ ፍሉይ ናይ ፖለቲካን ሕገ መንግስታዊ ሕቶታትን ባህግታትን እዋን ስለንርከብ እዚ ለውጢ ዝጠልቦ ሓዱሽ ፖለቲካውን ሕጋውን ምትዕርራያት መሰረት ዝገበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም ግድን ይኸውን፡፡ 

2.2.2.ብምኽንያት ምፍራስ ሕገ መንግስታት እቲ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ስለዝፈረሰ  ኣብዚ ብዝግባእ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ነጥቢ ኣብ ሞንጎ ፅንሰ ሓሳባት መንግስትነትን (State) መንግስቲን (Government) ዘሎ ኣፈላላይ ምርዳእ እዩ፡፡ መንግስትነት ማለት ህዝቢ፣ ልእላውነት፣ ግዝኣትን መንግስቲን ዝበሃሉ መሰረታዊ ባእታታት ዝሓዘ እዩ፡፡ መንግስትነት ሉእላውነት እቲ ህዝቢ ወይከዓ ሃገር ክሳብ ዝሃለወ ብቐፃልነት ዝህሉ ምልክት ናፃነትን ልእላውነትን ህዝቢ እዩ፡፡ ብካልእ ወገን መንግስቲ ማለት ኣብ ዝተደረተ ግዘ ብዝሳለጥ መረፃ ኣቢሎም ዝተፋላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ፖሊሲታቶምን ፕሮግራማቶምን ዘፈፅምሉ ትካል ኮይኑ፤ ብዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ማለት እዉን ሕጊ መዉፅኢ፣ ሕጊ መፈፀሚን ሕጊ ተርጓሚን ኣቢሉ ህዝቢ እናመርሐ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ስርዓት እዩ፡፡ ብሓፂሩ መንግስትነት ትካላዊ መግለፂ ልእላውነት ህዝቢ ዝኾነን ዝነበረን ቀፃልነት ዘለዎ ትካላዊ መስርሕ እንትኸውን፤ ብኣንፃሩ መንግስቲ ማለት ድማ ኣብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንዝተወሰነ ግዘ ንክመርሕ ዝተመረፀ ወናኒ ፖለቲካዊ ስልጣንን በቢ ግዚኡ ዝቀያየር ኣካልን እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፈሪሱ እዩ ዝብሃል ዘሎ እቲ መንግስቲ እምበር መንግስቲነት ትግራይ ዝነበረን ንሓዋሩ እውን ዝቕፅልን እዩ፡፡ 

ናብ ዝርዝር እቲ ጉዳይ እንትንመፅእ፤ ብሕገ መንግስታዊ ፅንሰ ሓሳብ ሓደ መንግስቲ ብግብሪ ኣሎ ክበሃል ዝኽእል ኩሎም መሓውራት (ጨንፈራት) መንግስቲ ማለት እውን ሕጊ መውፅኢ (ቤት ምኽሪ)፣ ፈፃሚ ሕጊ (ካቢኔ)ን ተርጓሚ ሕጊን (ኣካል ዳይነት) ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝተውሃቦም መንግስታዊ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣቢሎም ስራሕቶም ብዝተማልአ ኣገባብ ከሳልጡ እንከለዉ እዩ፡፡ እዚ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ድማ መንግስቲ ስሩዕ መንግስታዊ ምሕደራ በጀትን ፋይናንስን ኣቢሉ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቡ ውሑስ ክኾን ይገብር፤ ግብሪ ይእክብ፣ መሰረታዊ ህዝባዊ ግልጋሎትን መሰረተ ልምዓትን ንህዝቢ የቕርብ፣ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ልምዓት የሳልጥ ማለት እዩ፡፡ ሐዚ እዚ ኩሉ ኣብ ትግራይ የለን። ንኽህሉ ዘኽእሎ /Enable/  

ሕጋውን ፖለቲካውን ማዕቐፍ እውን የብሉን። 

ድሕሪ ሰነ 21/2013 ኣ.ግ እቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎ ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ንምምሕዳር ዝጀመሮ ዝተወሰነ ምንቅስቓስ ቁመና ትግራይ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ኩነታት ብመሰረታዊ ትሕዝቶኡ ዝተቐየረ ምዃኑ ዘመልክት እዩ፡፡ ብመትከል ደረጃ ትግራይ ቁመናኣ ብመሰረታዊነት ክቕየር ከምዝግባእ ቅቡል ኮይኑ፤ እንተዀነ ግን እቲ ምቕያር ብዒጋም ጠሓስን ብኢደወነንን ሓደ ሓይሊ ዘይኮነስ ብፍቓድን ተሳትፎን እቲ ተፈጥሮኣዊ ስልጣኑ (Constituent Power) ናብ ኢዱ ዝመለሰ መላእ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ቁመና ትግራይ ብመጠኑ ይቕይሩ ኣለው እዮም ንብሎም ዘለናን ብዒጋም ጠሓስ፣ ብፀረ ዲሞክራሲያዊነት ዝውገኑ ዘለው ሃገራዊ ትካላዊ መርኣያታት ከም ዝስዕብ ተቐሚጦም ኣለው።  

ሀ. ምጥያሽ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ  

እቲ ሐዚ «መንግስቲ እየ» ኢሉ እናመርሐ ዘሎ ኣካል ድሕሪ ሓራ ምውፃእ ክፋል ትግራይ (ሰነ 21/2013)  “ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ (Tigrai External Affairs Office)” ብዝብል ሽም ሓዱሽ ትካል ኣጣይሹ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ፡፡ ዋላ’ኳ ከምዚ ዓይነት ትካል ምጥያሽ ምስቲ ኣቲናዮ ዘለና ዝተፈለየ መድረኽ ቅቡልን ኣወንታዊ ስጉምቲን እንተኾነ ቀንዲ መበገሲ ምጥያሽ እዚ ትካል ግን ካብ ምዕዋት ህዝባዊ ቃልሲ እምበር በቶም ዝነበሩ ናይ ትግራይን ኢትዮጵያን ሕገ መንግስታት ዝምስረት ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። 

ለ. ምዝርጋሕ ሓዱሽ መሓውር ኣብያተ ፍርዲ  

ብመሰረት እተ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢ ብፍላይ ድማ ብመሰረት ዓንቀፅ 49 እቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ማሕበራውን ካልኦት ፀገማትን እቲ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ብብርኪ ጣብያ ካብ ምጥያሽ ወፃኢ ስልጣን ዳይነት ዋኒን ገበን ክህልዎም ዘይተፈቐደሎም እናሃለወን፣ ብሱሩ እውን ስልጣን ዋኒናት ክልላት ብውክልና ካብ ዝረኽበኦ ስልጣን ወፃእ ጉዳይ ፍትሒ ገበን ናይ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ እናሃለወ ኣብ መፈለምታ 2014 ኣ.ግ እቲ ሐዚ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎ ኣካል ብደንቢ ፈፃሚ ስራሕ (ብኣዋጅ ቤት ምኽሪ ዘይኮነስ) ቅድም ክብል ልዕሊ ስልጣን ዳይነት ወረዳ ቤት ፍርዲ ዝኾኑ ዋኒናት ክዳንይ ዘፅደቐን ኣብ ስራሕ እውን እናተተግበረ ምዃኑን ምፍላጥ የድሊ፡፡ 

ሐ. ምጥያሽ ኮሚሽን መፅናዕቲ ዘርኢ ምፅናት ትግራይ  

‹‹መንግስቲ እየ›› ዝብል ኣካል ኣብዚ ሐዚ እዋን ኮሚሽን መፅናዕቲ ዘርኢ ምፅናት ዝብል ትካል ኣጣይሹ ይርከብ፡፡ እዚ ትካል እውን ብተመሳሳሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ዝተጣየሸ ትካል እምበር ክልላዊ ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግበር ዝቖመ ኣይኮነን፡፡ እዚ ማለት ምጥያሽ እቲ ትካል ኣድላይ ኮይኑ ዝተጣየሸሉ ኣገባብን ትርጉምን ኢና ንገልፅ ዘለና። 

ካሊእ ምስ ምፍራስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣተሓሒዝካ ክልዓል ዘለዎ ነጥቢ ናይ ሕልናን ሞራልን ሕቶ እዩ፡፡ ሓደ ኣካል ባዕሉ መንግስቲ ኮይኑ እንዳሃለወ፣ ደሕንነትን ሃለዋትን ህዝቡ ውሑስ ክገብር ሓላፍነት እናሃለዎ፣ ድሕንነት ህዝቡ ውሑስ ክገብር ብዘይምክኣሉ መሓውራዊ ትሕዝቶኡ ፈሪሱ ብምጥፋኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘርኢ ምፅናት ድሕሪ ምፍፃሙ ህዝቢ ባዕሉ ብዘባረዖ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ሙሉእ ዓወት ዝወስድ ወሳናይ ዓወት ድሕሪ 8ተ ኣዋርሕ ምስ ኣብሰረ «ተመሪፀ እየ» ብዝብል መመኽነይታ ህዝባዊ ቃልሲ ክመርሕ መንበረ ስልጣን መንግስቲ ዓቲረ ኢሉ ምእዋጁ ፍፁም ሞራላዊ ተቐባልነት የብሉን፡፡ 

እዞም ክሳዕ ሐዚ እናረኣናዮም ዝመፃእና መርኣያታት ምፍራስ ሕገ መንግስታት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝብሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣካል እቲ ‹‹መንግስቲ እየ›› ዝብል ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ጥሪ 2/2014 ኣ.ግ. ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እቲ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ከም ዝፈረሰ ግልፂ ሞሽን ወይከዓ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣውፂኡ እዩ፡፡ እዚ ማለት ነቲ ብጳጉሜን 2012 ኣ.ግ ዝተሳለጠ መረፃ መሰረት ዝኾነ ሕገ መንግስቲ እንትፈርስ ብኡኡ ኣቢሉ ዝተመስረተ መንግስቲ፣ ዝተዓተረ መንግስታዊ ስልጣንን ሓላፍነትን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ምፍራስ ወፃእ ካልእ ሕጋዊ፣ ሕገ መንግስታውን ፖለቲካውን መመኽንይታ ክህልው ከምዘይክእል ምግንዛብ ይግባእ፡፡ ካብዚ ብግልፂ ምርዳእ ዝከኣል እቲ ሞሽን ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝብሎ ዘሎ ምፍራስ ሕገ መንግስታት ሰሚሩ ኣሎ ማለት እዩ። ብካሊእ ኣበሃህላ ኣብ ትግራይ ንባዕሉ ነቲ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ዝኾነ ሕጋዊ መንግስታዊ ኣካል ከምዘየለ ብግልፂ ኣአንፊቱ ኣሎ። 

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ ዓብዪ ነጥቢ እቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት ትግራይን ፌደሪኢን ፈሪሶም እዮም እንትንብል ብምኽንያት እቶም ልዕል ክብል ዝተገለፁ ነጥብታት ኮይኑ፤ ካብ ዘለናሉ ኩለመዳያዊ ሰንፈላል ንክንወፅእ ድማ መሰጋገሪ መንግስቲ የድሊ ዝብል መፍትሒ እንተነቕምጥ፤ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብዝምልከትኣብ ቅድሜና ዝፅበዮና ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ረብሓታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ውሑስ ንምግባር ዝሕግዝ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ባይታ ስለዘንፅፍን ስለዘጣጥሕን እዩ፡፡ እቲ ሓደ ኣብ ክፍሊ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም)  ዝብል ብሰፊሑ ከም ዝተገለፀ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢን ዘጣየሸን ትካላትን ካብ ኩለመዳያዊ ምሕደራን ከይዲን ህዝበ ውሳነ ትግራይ ወፃእ ክኾኑ ስለዘኽእለና፣ እዚ ድማ እቲ ህዝበ ውሳነ ብዴሞክራስያዊ ተሳትፎን ሕርያን ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ክውሰን ስለ ዝሕግዝ እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ኣብ ቀፃላይ ዝህልወና ቃልሲ ምምላስ ታሪኻዊ ግዝኣታት ትግራይ ክገጥሞ ዝኽእል ብድሆ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ፌደሪኢን ዝጠቅስ ስነ ሞገት ከይህሉ ዝገብር እዩ፡፡  

2.2.3.መረፃ 2012 ዝተኻየደሉ ሕጋዊ፣ ሕገ መንግስታውን ወድዓውን ኩነታት ብመሰረታውነት  ስለዝተቐየረ  

ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት ትግራይን ፌደሪኢን ኣብ ወርሒ ጳጉሜን 2012 ኣ.ግ ባይቶ ወከልቲ ትግራይ ንምሕራይ መረፃ ኣካይዱ እዩ፡፡ እዚ መረፃ ፍልይ ዘብሎ ኣብ ፌዴራል ስልጣን ዝዓተረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢ ብምጥሓስ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ተጠቒሙ ስልጣኑ ዘናወሐሉን ናይ ክልላት መረፃ እውን ንክናዋሕ ዘወሰነሉን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብፍሉይ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ድማ ትግራይ ክተካይዶ ንዝወሰነቶ መረፃ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ከም ዝኾነ ኣብ ዝበየነሉ እዋን ዝተሳለጠ ምዃኑ እዩ፡፡  

እዚ ኩሉ ፀቕጢን ምፍርራሕን እናሃለወ ብወገን ትግራይ መረፃ ንዘይምንዋሕ ዝተወሰነሉ ብርክት ዝበሉ ሕጋውን ፖለቲካዊን ምኽንያታት ምጥቃስ ዝከኣል ኮይኑ ቀንዲ ዕላማታት እቲ ብጳጉሜን 2012 ኣ.ግ  ዝተኻየደ መረፃ ግና ህዝቢ ትግራይ ብደሙን መስዋእቱን ብብርኪ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተኸሎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣቢሉ ዘይተገደበ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ስለዘለዎ ናይዚ ሓደ መርኣዪ ዝኾነ መረፃን መንግስቲ ናይ ምጥያሽ መሰልን ከይተሸራረፈ ክዉገን ስለዝግባእ እዩ፡፡ 

ይኹን እምበር ድሕሪ እቲ መረፃ ወረርቲ ሓይልታት ብዘካየድዎ ዙርያ መለሽ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኲናት እቲ ተተኺሉ ዝነበረ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ብተግባር ክፈርስ ዝኾነሉ ኩነታት ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ዕላማ እቲ መረፃ እውን ብፍላይ ምስቲ ሐዚ ዘሎ ሓዱሽ ፖለቲካውን ወታደራውን ምዕባለታት እንትርአ መሰረታዊ ብዝኾነ መልክዑ ክቕየር ገይርዎ እዩ፡፡ እቶም ለውጥታት ብዝሓሸ ንምርዳእ ከም መርኣያ ትሕት ኢሎም ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ምጥቃስ ይካኣል፡፡ 

እቲ ሓደ ቀንዲ ዕላማ እቲ መረፃ ከም ኣዉራ መግለፂ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ብሰላማዊ መንገዲ መረፃ ብምክያድ ብመሰረት እቲ ዝነበረ ሕገ መንግስቲ ዝተደንገገ ስልጣንን ሓላፍነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ዝገብር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምጥያሽ ዝብል ኮይኑ ከም ውፅኢት ድማ ሰላማዊ መረፃ ተኻይዱ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቆይሙ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ድሕሪ ምቛም ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝተወለዐ ወራርን ኲናትን ስዒቡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ክዋፃእ ብዘይኽእለሉ ስለዝፈረሰ እቲ ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ ዕላማ መረፃ ከይተዓወተ ዝተረፈሉ ዕድል ተፈጢሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብዘይ መንግስቲ ክተርፍ ክኢሉ፤ ወረርቲ ሓይልታት ድማ ገበናት ዘርኢ ምፅናት ኣብ ልዕሊኡ ፈፂሞም፡፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብጎበጥትን ወረርቲን ሓይልታት ተሸራሪፉ፡፡ ምስነለ ምምሕዳር ተተኺሉ። ህዝቢ ተቐቲሉ፣ተጋፊዑ፣ ፆታዊ ዓመፅ ወዘተ… ተኻይዱ። ከም መፍትሒ ድማ ህዝባዊ ቃልሲ ተወሊዑ፤ ካብ ንቡር ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ወፃኢ (extra-constitutionaly) ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) ክፈጥር ክኢሉ፡፡ 

እቲ ካልኣይ መሰረታዊ ምኽንያት ድማ፣ ኣብቲ መረፃ ዝተሳተፋ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ኣብ እዋን ጎስጓስን ክትዓትን መረፃ ናብ ህዝቢ ሒዘንኦ ዝቐረባ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት፣ ፖሊሲታት፣ ኣንፈታት ወዘተ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕገ መንግስታዊ መስርሓት ግምት ዘእተወ እምበር፤ እቲ ዝተፈጠረ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠሙ ኩለ መዳያዊ ማህሰይቲን ገበናት ዘርኢ ምፅናትን ከምኡ እውን እዞም በሰላታት ኲናት ስዒቡ ዝተፈጠሩ ሐዚ እውን ዘለዉን ሓደሽቲ ድሌታትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን፡፡ ብተመሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ መረፃ ኣብ ሞንጎ ውድባት ፖለቲካ ሕርያ ዝገበረሉ መሰረታዊ ረቛሒታት ካብቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ዝተፈለየን ነዚ ኣብ ግምት ዘየእተወን እኳደኣስ ኣብ ክሊ እቲ ዝነበረ ሃገራዊን ክልላዊን ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ኮይኑ ሕርያ ዝተገበረሉ ኩነት እዩ ነይሩ፡፡ 

ሳልሳይ፡ እቲ ዝተካየደ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዘጋጠሙ ኩለመዳያዊ ማህሰይቲን ገበናት ዘርኢ ምፅናትን ከምኡ እውን ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ድሌታትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ ዝተኣናገደሉን ዝምለስሉን ሓዱሽ ፖለቲካውን ሕጋውን መሰርሕ ዘድሊ ምዃኑ እዩ፡፡ እዚ ማለት ልዕል ክብል ካብ ዝተገለፀ ብተወሳኺ እዞም ሓደሽቲ ምዕባለታት ብመሰረት እቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ክምለሱ ስለዘይኽእሉ እዩ፡፡ 

ጠቕሊልካ እንትርአ መረፃ ጳጉሜን 2012 ካብዚ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ወፃኢ ዝኾነ ካሊእ ሓላፍነት ዝሸከም ኣይኮነን፤ ክኸውን ድማ እቲ ዝፀንሕ ሕገ-መንግስታዊ መስርሕ ዝፈቅድ ኣይነበረን፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ኲናት ዘብፀሖ ኩለ መዳያዊ ማህሰይቲ፣ ነዚ በደልን ዘርኢ ምፅናትን ንምምካት ዝተጣየሸ ህዝባዊ ትካል ማለት እውን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ እዚ ዝተፈለየ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ኩነታት ዝፈጠሮም ሓደሽቲ ናይ ትግራይ፣ ኢትዮጵያን ዓለምለኻዊን ድልየታትን ለውጥታትን ንክመርሕ ዝተመረፀ መንግስቲ ካብ ፈለማ ኣይነበረን፡፡ ብባህሪኦም እውን እንተኾነ እዞም ሓደሽቲ ምዕባለታትን ሕቶታትን መፃኢ ዕድል ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝውስኑ ስለዝኾኑ ብተሳትፎ መላእ ህዝቢ ትግራይ ክምለሱ ኣለዎም፡፡ እዚኦም ሕቶታትን ድሌታትን ትግራይ ውሑስ ብዝገበረ መንገዲ ዝምልስ ሓዱሽ ፖለቲካውን ሕጋውን መስርሕ ስለዘድሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ምጥያሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይገብሮ፡፡ 

2.2.4.ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ካብ ሰንፈላል ናብ ዓወት ክሳገር ምጥያሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ግድን  ሰለዝኾነ  

ድሕሪ ዘይሕጋውን ዘይንቡርን ተኸላ «መንግስቲ እየ» ዝብል መሪሕነት ህወሓት፣ ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ካብ መንገዲ ዓወት ዝዕንቅፉ ሓደሽቲ ውሽጣዊን ደጋዊን ምዕባለታት ተፈጢሮምን እናተፈጠሩን ይርከቡ፡፡ እዞም ምዕባለታት ብዋናነት ልዕል ኢሎም ፖለቲካውን ምሕደራውን፤ ዲፕሎማሳውን ወተሃደራውን ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ኮይኖም፤ ኣብዚ ክፍሊ ምግላፅ ዝተደለየ ቀንዲ ነጥቢ እቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎ ኣካል ነዞም ውራያት ንክመርሕ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘይብሉ ምዃኑ እዩ፡፡ ብመሰረት እቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስቲ ትግራይን ፌደሪኢን «ተመሪፀየ እየ» ዝብል ዘሎ ሓይሊ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብወድዓውነት ዝጠልቦ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሲያን ወተሃደራውን ቅርፂ ክመርሕ ሕጋዊ ናይ ድጋፍ ማዕቐፍ የብሉን፡፡ ብዘይ ሕጋዊ ማዕቐፍ ንምኻድ ዝጀመሮ ጉዕዞ ከመይ ናብ ሰንፈላል ከምዘእተወና፣ ህዝባዊ ቃልስና ኣብዚ መዳይ ዝጠልቦ መሰጋገሪ መንግስቲ ክህሉ ዘገድድ ኩነታት ከምዝተፈጠረ፣ ነዚ ዝድርኹ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራውን ዲፕሎማሳውን ኣገደድቲ ኩነታት ከምዝስዕብ ንምርኣይ ንፈትን፡፡ 

ሀ. ፖለቲካዊ ኣገዳዲ ኩነታት  

ድሕሪ ምፍራስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ምውላዕ ህዝባዊ ቃልሲን እቲ ዝነበረ ስሩዕ ፖለቲካዊ መስርሕ ተቐይሩ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ቀዳምነት ዕላምኦም ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምድሓን ኮይኑ ነዚ ውሑስ ንምግባር ብዘይኣፈላላይ ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣለው፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ብምኽንያት እቲ ዝበፅሐ ገበን ዘርኢ ምፅናትን ኩለመዳያዊ ኪሳራን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝተሰጋገረሉ ኩነታት ምፍጣሩ ግሉፅ እዩ፡፡ ኣድማስ ህዝባዊ ቃልሲና ኣዝዩ ሰፊሕን ንብዙሓት ነናይባዕሎም ረብሓ ዘለዎም ተወሳእቲ ሓይልታት ዝገጠመን ስለዝኾነ ነዚ ወድዓዊ ሓቂ ዝምጥን ሰፊሕ ኣሳታፍይነት ህዝብን ልሂቅን ዝሓተሉ ኣገዳዲ ኩነታት እዩ ዘሎ። እቲ ዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ዝመፃእናሉ ፖለቲካዊ መንገዲ ምልስ ኢልና ምስንርኢ ድማ ኣብ ፖለቲካ መዳይ ዘጋጠመና ውድቀት ንኩሎም ግንባራት ህዝባዊ ቃልስና ዝኸበሰ ከምዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ስለዚ ምእንቲ ምሉእ ዓወት ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘጋጥመና ብኩሎም ሓይልታት ትግራይ እምንቶ ዝተገበረሉ ውድቀት ንምዕራይ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ፖለቲካዊ ኣገዳዲ ኩነት ይገብሮ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጋውን ፖለቲካውን ሓጓፍ ብምርድዳእ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን መላእ ህዝብን ተደፊኑ ንኩሎም ግንባራት ህዝባዊ ቃልስና ሕጋዊ መሰረት ንምቕማጥ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት እዩ። ስለዚ ህዝባዊ ቃልስና እታ ቁልፊ ለውጢ ትደልየላ ዘላ ዓውዲ ፖለቲካ እያ። 

ለ. ወተሃደራዊ ኣገዳዲ ኩነት  

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እቲ ዝገጠመና ልዕሊ ሕገ መንግስታዊ ዝኾነ ቕልውላው ዝፈጠሮ ህዝባዊ ኲናት ዘሳልጥ ናይ ህዝቢ ድሕንነትን ልዓላውነትን ዝሕሉ ሓዱሽ ህዝባዊ ሓይልን ትካልን እዩ። ናይቲ ህዝባዊ ሓደራ ዝተሸከመ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ፍልፍል ቕቡልነት እቲ እናተኻየደ ዝፀንሐን ዝቕፅል ዘሎን ህዝባዊን ኩለመደያዊን ቃልሲ እንትኾን፤ ውፅኢታውነቱ ዝረጋገፅ ድማ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍፀመሉ ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ወፍሪን ወራርን ብምፍሻልን ብምውጋድን ሙሉእ ዓወት ብምምፃእ እዩ፡፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ከይወገነ ንኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዜጋታትን ትግራይ ዝሕልውን ዘኽብርን (ክሕልውን ከኽብርን ዝግብኦ) ህዝባዊ ሓደራ ዝተሰከመ ህዝባዊ ኣካል እዩ። ብምዃኑ ድማ ተፃዋዕነቱ ነቲ ህዝባዊን ኩለመደያዊ ቃልስን ዕላምኡን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። 

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንሕጊን ንህዝቡን ተፀዋዒ ዝኾነን ዘላቕነት ዘለዎ ትካል ኮይኑ ዝህነፀሉ ሳይንሳዊ መንገዲ ክፍጠር እንተኾይኑ ምሕደራ ሰራዊት ብሕጊ ዝተቐየደን ካብ ዝኾነ ውድባዊ ውግንና ናፃን ዘይሻራዊን ክኸውን ይግበኦ፡፡ ካብዚ ተወሳኪ ግልፂ ብዝኾነ ሕጊ ክምስረትን ክቐውምን ግድን እዩ። ውሽጣዊ ህንፀቱን ምሕደርኡን ንመፃኢ ዕድል ትግራይ ዝምቹ ኮይኑ ክጣየሽ ዝግበኦ ኮይኑ ግልፂ ዝኾነ ረብሓ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ፖለቲካዊ ዕላማ ድማ ክሽከም ኣለዎ። እዞም ልእኽቶ እዚኣቶም ንምፍፃም ዘኽእሎ ናይ ሕጊን ፖለቲካን መሰረት ንክረክብ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣገዳዲ ይኸውን። ካብዚ ወፃኢ ዝህሉ ከይዲ ግን ንዕላማ ህዝባዊ ቃልስና ዘዕንቅፍ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንባዕሉ ንቲ ህዝባዊ ትካል ዝኾነ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እውን ግልፂ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንከይህልዎ ገይሩ፤ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዒጋም ጠሓስን ብፖለቲካዊ ድልየትን ሓደ ሓይሊ ንክፈርስ በሪ ዝኸፍት እዩ። 

ሐ. ዲፕሎማስያዊ ኣገዳዲ ኩነት  

እቲ ዝፀንሐን ከም ህዝቢ ብዘይ መሓዛ ዘትረፈናን ብፀጋማዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ህወሓት ዝተበየነ ዲፕሎማሲ ትግራይ ንወተሃደራዊ ጉዕዞ ህዝባዊ ቃልስና ዕንቅፋት ከም ዝነበረ ብኹሉ ዝተመስከረ እዩ። ክሳብ ሐዚ ብትካላትን ሃገራትን ዓለም ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ምግባረን ብርእሱ፤ ብዓይኒ ህላወን መፃኢ ዕድል ትግራይን ዘይግቡእን ዘይሕጋውን ተግባር እዩ፡፡ ብልምዲ ከዓ ብሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ እሞድማ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ብዘይብሉ ጥራሕ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ጥቕሙ ንቲ ሓይሊ እምበር ንህዝቢ ከምዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ። ህዝባዊ ቃልስና ናብ ግቡእ ዓወት ክበፅሕ እንተኾይኑ፤ ትግራይ ኣብ ዓለም ዝህልዋ ርክባት ብተግባርን ባህርን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነት ዘይኮነስ ካብ ባህጊ፣ ክብርታት፣ ዓቕምታትን ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ ትግራይን ህዝባን ብዝብገስ መለክዕታት ክምዘን ግድን እዩ፡፡ ሰለዚ ሓቀኛ ባህግን ዕላማን እቲ እነካይዶ ዘለና ህዝባዊ ቃልሲ ብዓለም ግቡእ ኣፍልጦ ረኺቡ ትግራይ ሓዱሽ ይኹን ዝፀንሐ ምሕዝነት ክትፈጥር ንምግባር ሕጋውን ፖለቲካውን ማዕቐፍ ዘለዎ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ የድሊ። ስለዚ ድፕሎማሲና ብንፁር ሕጋውን ፖለቲካውን መሰረት ክጣየሽ፣ ኣብ ምርግጋፅ ረብሓ ትግራይ ክድረኽ፣ ንህዝባዊ ቃልስና ዘድልዮ ህዝባዊ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪ ማለት እውን ብህዝቢ ይኹን ኣሎ ብዝበሃል ምሩፅ ውህሉል ሞያን ሃፍቲን ክዕመም ስለዝግባእ፣ ካብ ሓደን ዓለም ዝፈንፈኖን ዘይወድዓዊ ስነሓሳብ ክወፅእ ስለዘለዎ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣገዳዲ ይኸውን። 

መ. ኢኮኖሚያዊ ኣገዳዲ ኩነት  

ድሕሪ ጥቅምቲ 24/2013 ኣ.ግ. ኢኮኖሚ ትግራይ ምስ ኣራት ኪሎን መርካቶን ከምኡ ድማ ምስ ዓለም ዝነበሮ ርክብ ብትእዛዝ ኢትዮጵያ ተበቲኹ እዩ። ድሕሪ ሰነ 21/2013 ኣ.ግ. ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ገንዛባውን ሸቐጣውን ምልውዋጥ ኣብ ልዕሊ ምዕጋቱ ብተወሳኺ ድማ ከም መሳርሒ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ንኸገልግል ተባሂሉ ዕቃበ ተገይርሉ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ሕፅረት ገንዘብ፣ ሸቐጥ፣ መድሓኒት፣ ምግቢን መስተን፣ ካልኦት ኣድለይቲ ሃለቕቲ ኣቑሕት ኣጋጢሙ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኢኮኖያሚያው ብርሰት፣ ሞት ዘስዓበ ተግባር እዩ። እዚ ሕፅረትን ናህሪ ዋጋን ብምፍጣር ንዓሚቕ ማሕበራዊ ቅልውላው የሳጥሕ ኣሎ። ብካሊእ ሸነኽ ድማ ብቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ኣካል ዝሳሰ ዘሎ «ቁፃር ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓሳት» ንህዝቢ ዘይኮነስ ንቲ ኣብ ጥቃ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎን ንባዕሉ ነቲ ሓይሊን እምበር ጥር ትብሎ ህዝባዊ ረብሓ ኣብ ልዕሊ ዘይብሉ ምዃኑ ንመፃኢት ትግራይ እውን ንምእራሙ ዘፀግም ግዕዝይናን ንግዳዊ ሽፍትነትን የገብል ኣሎ።እዚ ኩሉ ፀገም ክፍታሕን ክረጋጋዕን ኣለዎ። 

ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ዓለማዊ ስርዓት ብመዳይ ፖለቲካ ይኹን ኢኮኖሚ፣ ንትግራይ ናብ ኣራት ኪሎ ተመሊሳ ካብ ክትቁረን ብቀጥታ ናብ ዓለም ክትፅምበር እቲ ዝቐለለ ወፃኢ ዘለዎ ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ። ስለዚ ኢኮኖሚ ትግራይ ብቐጥታ ምስ ዓለም ክራኸብ ኣለዎ። እዚ ንምግባር ትግራይ ሃገራዊ ኢኮኖሚያውን ፋይናንሳውን ትካላትን ኣሰራርሓታትን ክተጣይሽ ኣለዋ። ብቐንዱ ክጣየሽ ዝጥለብ ዘሎ ስርዓት ኢኮኖሚ ውሽጣዊ ኢኮኖያዊ ሃፍቲ ብኣግባቡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳሩ ኣጋጢሙና ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ሕፅረትን ብድሆን ብመሰረታዊነት ዝቐርፍ ይኸውን። እዞም ትካላት ንምጥያሽ ድማ ፖለቲካዊ ውሳነ ዝመሰረቱ ሕጋዊ ማዕቐፍ የድሊ። እዞም ሕጋዊ ማዕቐፋት ከውፅእን ከተግባርን ዝኽእል ሕጋውን ፖለቲካውን ኣካል ስለዘየለ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣገዳዲ ይገብሮ።

2.2.5.ሓደሽቲ ድልየታትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ መልሲ ዘድልዮም ስለዝኾነ 

ድሕሪ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንተወሓደ ኣርባዕተ ዓበይቲ ድልየታትን ሕቶታትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ፡፡ ሕቶ ምፅራይ ገበን ዘርኢ ምፅናትን ምርግጋፅ ፍትሕን፣ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ህንፀትን ሕውየትን፣ ሕቶ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ከምኡ ድማ ምርቃቕን ምንዳፍን ሃገራዊ ሕገ መንግስቲ ትግራይ እዮም፡፡ 

ሀ. ምፅራይ ገበን ዘርኢ ምፅናትን ምርግጋፅ ፍትሕን  

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝቕፅል ዘሎን ኲናት ዘርኢ ምፅናት(Genocidal War) ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ልዕል ኢሉ ከም ዝተሓበረ ንገበን ዘርኢ ምፅናት ሓዊሱ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተፈፂሞም እዮም። ስለዝኾነ ነቲ ዝበፅሖ ኣዝዩ መስካሕካሓይ ዝኾነ ገበን ምፅናት ዘርኢ ብመሰረት ዓለምለኸ ሕግታት ገበነኛታት ተሓተትቲ ክኾኑ ንምግባር ዘኽእል ውሑስ ትካላዊን መሓውራዊን ውዳበ ዝጣየሸሉን ናይ ተግባር ቃልሲ ዝጅመረሉን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠር ምግባር የድሊ፡፡ ነዚ ድማ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህዝቢን ዘሳትፍ ኩለመዳያዊ ምፅራይ ክሲን ገበን ዘርኢ ምፅናትን ዝመርሕ፣ ዘሳልጥን ዝከታተልን ጥንኩር ትካል ምጥያሽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ትካል ንምትካል ፖለቲካውን ሕጋውን ማዕቐፍ ዘንፅፈሉ ምቛም መሰጋገረሪ መንግስቲ ግድን እዩ፡፡  

ለ. ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ  

ኲናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ካብ ዘስዓቦም ነገራት እቲ ሓደ ማሕበረኢኮኖሚ ዕንወትን ብርሰትን እዩ። እዚ ዕንወት ማሕበረ ኢኮኖሚ ዓቕሚታት ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘእተወ ፍሉይ ትኹረትን ጠመተን ተዋሂብዎ ክስርሐሉ ዝግባእ ዓብይ ዋኒን እዩ። ብምዃኑ ድማ ነዚ ብርሰት ግቡእ ምላሽ ንምሃብ፣ ህፁፅ ሓገዝ ንምርካብ፣ ዝተሃሰየን ዝተመዛበለን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ኩለመዳያዊ ኩነታት ትግራይን ንምህናፅ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ትካላት ምጥያሽን ሓዱሽ ፖሊሲን ስትራተጂካዊ ኣንፈታትን ምውፃእ ኣገዳሲ እዩ። 

ብምዃኑ ድማ ነቲ ዝተፈጠረ ቕልውላው ዝፈትሕ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ህፁፅ እዋን ህንፀት ፖሊሲ፣ ትልሚ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓን ምሕደራን ምዝርጋሕ የድሊ። በዚ ትካል ክፍፀሙ ዝኽእሉ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ ዝነብርሉ ቦታ ምምላስ፣ እግሪ ንክተኽሉን ብሩህ ተስፋ ንክሰንቁን ምግባር፣ ኢኮኖሚ ትግራይ ክሓዊ፣ ክድበስን ክዕንብብን ንምግባር ዘኽእል ናይ ህፁፅ እዋን ኢኮኖሚያዊ ህንፀት ትልሚ ብምውፃእ ናብ ተግባር ምእታው ወዘተ ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ኣብ እዋን ስግግር ክትግበር ዝኽእል ጉዳይ ብዝግባእ ንምዕዋት ድማ ምዕሩይን ስሙርን ዝኮነ ናይ ወፃእን ከባብያውን ዓለምለኻዊ ርክብን ምሕዝነትን ንምስላጥ ዘኽእል ናይ ፖሊሲን ምትሕብባርን ማዕቐፍ ምንፃር የድሊ።

ምስዚ ጎና ጎኒ ድማ እኹል ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምርካብን ንምብፃሕን ዘኽእል ናይ ወፃኢ ርክብን ምትሕብባርን ፖሊሲ ምውፃእን ነዚ ዝምልከት ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዝወስድ መተሓባበሪ ኮሚሽን ምጥያሽ ጠቓምነቱ ዝለዓለ እዩ። እቶም ዝጣየሹ ትካላት፣ ዝወፁ ፕሮግራማት፣ ፖሊሲታት ውፅኢታውነት ብለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ድማ ግቡእ ቅቡልነት ምእንታን ክህልዎም ግልፅነት፣ ኣሳታፋይነት፣ ተሓታትነት፣ ክትትልን ቑፅፅርን ብዘስፍን መንገዲ ክጣየሹን ክሰርሑን ኣለዎም። ብምዃኑ ነዚ ዝምጥን መሓውር፣ ኣሰራርሓን ምሕደራን ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ዝፍፀም ናይ ህንፀት፣ ሕውየትን ስግግርን ኸይዲ ድማ ንኹሎም ተጋሩ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ማዕርነት፣ ፍትሒ፣ ብሩህ ተስፋን ዕድልን ብዝፈጥር መንገዲ ክፍፀም ዘይሕለል ቃልሲ ምግባር የድሊ። እዚ ዝተፈጠረ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ብርሰት ዝፈትሑን ኩነታት ብዝሓሸ ዝሃንፁ ትካላትን ናይ ስግግር እዋን ናይ ፖሊሲ መምርሕታት ንምውፃእን ትካላት ንምጥያሽን ዘኽእል ሕጋውን ፖለቲካውን መስርሕ የለን። ስለዚ እዚ ናይ ሕጋውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓጓፍ ንምፍታሕ ምጥያሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ወሳኒ መፍትሒ ይኸውን። 

ሐ. ህዝበ-ውሳነ (ሪፈረንደም)  

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ዓበይቲ ሕቶታት ከልዕልን ሓደሽቲ ድልየታት ከማዕብልን ገይርዎ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሌኡ ብዝወረደ ገበን ዘርኢ ምፅናት ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ባህግታቱ ንምስኻዕ ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዝነበርዎ ውዕላት ብምንፃግ ኣብ ምንዳይ ሓዱሽ ባይታ ይርከብ፡፡ እዚ ንምግሃድ ድማ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ከም መስርሕ ክጥቀመሉን ድልየቱ ንዓለም ክገልፅን ተዳልዩ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ካብ ዝኣወጀትሉን ብግብሪ ዝፈፀመትሉን ኢትዮጵያ ሓራ ዝኾነላ ሃገር ናይ ምምስራት ድልየቱ ብግልፂ እናተርኣየ እዩ፡፡ ብቃልስኻ ህልውናኻ መሊእኻ ንምርግጋፅ ዓወት ኣብ ዝረኽበካሉ ብርኪ ኮይንካ ዘርኢ ምፅናት ምስ ዘካየደትልካ ሃገር ብሓባር ምንባር ከም ዘይከኣል፤ ኣብ ዓለም እውን ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ከም ዘየለ ምርዳእ የድሊ፡፡ 

እቶም ልዕል ክብል ዝተገለፁ ሓደሽቲ ድልየታት ሕውየትን ህንፀትን ስራሕቲ ዝጠልቡ ከም ዝኾኑ፣  እዚ ናይ ምግባር ሓላፍነት ድማ ብመሰረት ዝፈረሰ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝኾነ፣ እቲ ክሕልወና እዩ ዝበልናዮ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢ ፈሪሱን እቲ ስርዓት ከም ህዝቢ ከፅንተና ብምሕሳብን ብተግባር ብምፍፃምን ሰፍ ዘይብል ናይ ሃለዋት ሕቶ ዝፈጠረ በደል ከም ዘብፀሐልና ብምጥቃስ ምፍራስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት መንግስቲታት ክልቲኦም ብርኪታትን (ክልልን ፌደራልን) ብሓፈሻ ድማ ምፍራስ እቲ ፌደረሽን እትንግነዘብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንጥፈት ሃገርነት ብዓለምለኻዊ ትካልን መስርሕ ዝውገን ሪፈረንደም ዝጠልብ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እዚ ሓዱሽ ድልየት፣ ተፈጥሮኣዊ መሰል እውን ስለዝኾነ ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ መንገዲ መልሲ ክወሃቦ ናይ ግድን ስለዝኸውን፣ ኩለ-መዳያዊ ትልሚ፣ ኣካይዳን ምሕደራን ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ትግራይ ውሑስን ቅቡልን ንክኸውን ሓቛፋይን ኣሳታፋይን ዝኾነ መድረኽ ማለት እውን መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ኣድላዪ ኮይኑ ኣሎ፡፡ 

ሪፈረንደም ንምክያድ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥላብ ንምንታይ ኣድላየ? መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ከየድለየ በቲ ዘሎ ሪፈረንደም ምክያድ ኣከኣልን’ዶ? ዝብሉ ወሰንቲ ሕቶታት ምሕታት ኣድላዪ ኮይኑ ቅድሚ ነዞም ሕቶታት ምምላስና ፈለማ ግንዛበ ዘድልዮም ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ምርኣይ የድሊ፡፡ ብመሰረት እቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስታት ከይዲ (Procedure) ህዝበ ውሳነ ሕቶ ሃገርነት ብዝምልከት ቅድሚ ህዝበ ውሳነ ክልተ ትካላት (ቤት ምኽሪ ክልልን ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን) ወሳናይ ግደ ኣለዎም፡፡ እቲ ሓደ ናይቲ ህዝበ ውሳነ ዝጠልብ ዘሎ ህዝቢ ወይከዓ ብሄር (ክልል) ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልል ፈለማ ብክልተ ሲሶ (2/3)  

ድምፂ ኣባላት ድጋፍ ረኺቡ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሕቶኡ ክልእኽ ይግባእ፡፡ ብምቕፃል ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ምድማፅ ህዝበ ውሳነ እንተሳልጥ ዝብሉ እዮም። 

ግደ እዞም ክልተ ትካላት (ኣብያተ ምኽሪ) ኣብዚ ምጥቃስ ዝተደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሐዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሕቶን ድልየትን ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ብመሰረት እዞም ዝፀንሑ መስርሓት ክምለስ ዘኽእል ሕጋዊ፣ ሕገ መንግስታዊ፣ ፖለቲካዊን ወድዓዊን ኩነታት ከም ዘየለ ንምርኣይ ኮይኑ እዚ ድማ ብውሕዱ ሓሙሽተ ነጥብታት ምውካስ ይከኣል:: 

ቀዳማይ፡ ልዕል ክብል ኣብ ዘለዉ ክፍልታት ብተደጋጋሚ ከም ዝተገለፀ እቲ ኲናት ስዒቡ ዝነበሩ ክልቴኦም ሕገ መንግስትታት ስለዝፈረሱ በዞም ሕገ መንግስትታት ዝተጣየሹ ኣብያተ ምኽሪ (ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልል ትግራይን ቤት ምኽሪ ፌደረሽንን) ብተመሳሳሊ ክፈርሱ ግድን ስለዝኾን፣ እዚ ድማ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ብዝምልከት ዝነበሮም ልዕል ክብል ዝተገለፀ ስልጣንን ሓላፍነትን ክህልዎም ዘኽእል ሕጋዊ ይኹን ሕገ መንግስታዊ መሰረት የለን ዝብል እዩ፡፡ 

ካልኣይ፡ ወድዓዊን ፖለቲካዊን ምኽንያት ኮይኑ በቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ኣቢልካ ሕቶን ድልየትን ህዝበ ውሳነ ትግራይ መልሲ ክረክብ ኣይክእልን ዝብል እዩ፡፡ እዚ ማለት ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ክልላዊ መረፃ ከካይድ እየ ስለዝበለ ጥራሕ መረፃ ንዘናውሐ ፌደራል መንግስቲ ደጊፉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ዝኣወጀ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን፤ ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ ዝዓለመ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ተቐቢሉ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥር ዝኽእለሉ ዕድል የለን። 

ሳልሳይ፡ ብመሰረት ኣብቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት ዝሰፈሩ ከይዲታት (Procedures) ሕቶ ህዝበ ውሳነ ዝምለስ ብዴሞክራስያዊ ሕርያ (Choice) ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰናይ ፍቓድ መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝኾነ ብግልፂ ስለ ዝተደንገገ እዩ፡፡ ካብቶም ኣብ ዓንቀፅ 39 (4/መ) ነበር ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢ ዝተደንገጉ ሓሙሽተ ረቛሒታትን ኣካይዳታትን እቲ ራብዓይ (መ) ኮይኑ ዝሰፈረ ‘’መንግስቲ ፌዴራል ንቤት ምኽሪ እቲ ምንፃል ዝመረፀ ብሔር ስልጣን እንተረክብ/እንተመሓላልፍ ‘’ ክብል ይድንግግ፡፡ እዚ ማለት ድማ ዋላኳ ብመሰረት እቲ መበል ሳልሳይ ብርኪ ረቛሒ ኣቢሉ ኣብቲ ዝሳለጥ ህዝበ ውሳነ ሚኢቲ ምኢታዊ /100%/ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ሃገረ ትግራይ ኢሉ እንተድመፀ (እንተመረፀ) ብመሰረት ረቛሒ «መ» መንግስቲ ፌዴራል ስልጣን ኣየመሓላልፍን እንተይሉ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብዓይኒ እቲ ሕገ መንግስቲ መድሕን ክኾን ከም ዘይክእል ዘርኢ እዩ፡፡ ነዚ ሕገ መንግስታዊ ሓቂ ክሪስተፈር ክላፋም ብከምዝስዕብ መልክዑ የጥናኽሮ። The Constitution [FDRE, 1995] imposes procedural constraints which  could be used to block any attempted secession that was opposed by the central  government. ነዚ ሓሳብ ናብ ትግርኛ ምስ ንምልሶ « ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢ ዝተቐመጠ መሰል ምንፃል ንምጥቃም ሕቶ እንትቐርብ ፌደራል መንግስቲ እንተተቓዊምዎ ወይከዓ እንተዘይደልዩ ከይዲያዊ ማሕለኻታት ብምንባር ክዓግቶ ይኽእል እዩ።» 

ራብዓይ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ (ማኒፌስቶኡ) ኢትዮጵያዊ ፌዴራሊስት ዝኾነን ሃገርነት ትግራይ ዘይቕበልን ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ምፍጣር ሃገርነት ወሳናይ ቦታ ዘለዎ ሪፈረንደም ክመርሕ  ዘኽእል ሞራላዊ ይኹን ፖለቲካዊ ቅቡልነት ክህልዎ ኣይኽልን ዝብል እዩ፡፡ እቲ ሐዚ «መንግስቲ እየ» ኢሉ እናመርሐ ዘሎ ናይ ስልጣን ሓይሊ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ስሩዕ ፖለቲካዊ ፕሮግራሙ ፌዴራሊስትን ንማዕርነታዊ ሓድነት ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝቃለስ ውድብ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ትግራይ ዝተመረፀ ግን ድማ ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣባላት እዚ ፖለቲካዊ ውድብ ብዝኾኑ ሰባት ዝተትሓዘ እዩ፡፡ ልዕል ክብል ከም ዝተገለፀ ድማ ነቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲን ክልላዊ ቤት ምኽርን ኣሕዊኻ ኣብ ትግራይ ህዝበ ውሳነ ክካየድ እንተኾይኑ ክልተ ሲሶ ኣባላት እዚ ቤት ምኽሪ እንተደጊፎምዎ ጥራሕ እዩ፡፡ ሰለስቲኦም ነጥብታት ብሓባር እንትንርእዮም ሕቶ ህዝበ ውሳነ ብብርኪ ትግራይ ካብ መፈለምታኡ ድጋፍ ክረክብ ወይ ውዱቕ ክኸውን ኣብ ኢድ እቶም ኢትዮጵያዊ ፌደራሊስት ዝኾኑ ኣባላት ሓደ ውድብ ጥራሕ ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብቐጥታ ሪፈረንደም ዝገብረሉ ታሪኻዊ ዕድል ዝዓፁ ፀረ ድልየት ህዝቢ ዝኾነ ኣካይዳ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ ዘለናሉ ኩነታት ወድዓውነት ዝጎድሎ ፖለቲካዊ ይኹን ሞራላዊ መሰረት ዘይብሉ እዩ፡፡ 

ሓምሻይ፡ ነቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ረብሓይን መሰለይን ይሕልወለይ እዩ ኢልካ ዝግበር ሪፈረንደም ታሪኻዊ መሬትን ርስቲን ትግራይ ዘሀግርን እታ ንዘላቒ ዕፅዋ (መዋቕራዊ ክባ) እተሳጥሕ ፌደራላዊት ካርታ ሒዝካ 

ክትተርፍ ዝገብርን እዩ። እዚ ድማ ጅኦፖለቲካዊ፣ ታሪኻዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፀጥታውን ረብሓ ትግራይ ዘሀግር ሓደገኛን ንወለዶታት ዝተርፍ ስቓይ ዝገድፍ ፖለቲካዊ ስሕተት እዩ ዝኸውን። 

ብሓፈሻ እቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታትን ንሶም መሰረት ገይሮም ዝተተኸሉ መንግስታዊ መሓውራትን ትካላትን ስለዝፈረሱ፣ በቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት ኣቢልካ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ምሕሳብ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢዱ ዘይኮነስ ኣብ ሰናይ ፍቓድ እቶም ፀላእቱ ዝኾኑ ትካላት ኢትዮጵያ ስለዝገብሮ፤ ኣብ ትግራይ እውን ኣብ ከይዲ ቃልሲ ምግሃድ ሃገርነት ወሳናይ ቦታ ዘለዎ ሪፈረንደም ብብሕታውነት ክመርሕ  

ዝኽእል ሕጋዊ፣ ሞራላዊ ይኹን ፖለቲካዊ ቅቡልነት ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስለዘየለ፣ ኩለመዳያዊ ምሕደራን ከይዲን ሪፈረንደምን ትግራይ ካብ ዝኾነ ኢድ-ኣእታውነት ትካላትን መራሕትን ኢትዮጵያን፤ ከምኡ ድማ ብሕታዊ ሓላፍነት ሓደ ውድብ ወፃእ ኮይኑ ኩሎም ፖለቲካ ውድባት ትግራይን ዝምልከቶም ኣካላት ሕብረተሰብን ዘካተተ ትካላዊ መሓውር ስለዘድሊ ምጥያሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ይገብሮ፡፡ 

መ. ምርቃቕን ምውፃእን ሕገ መንግስቲ ትግራይ  

ቅድም ኢልና ከምዝረኣናዮ እቲ ዝተፈጠረ ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ ናብ ሓዱሽ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ዝወስድ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ዝቖሞሉን ዝምርሐሉን ላዕለዋይ ሕጊ ዝኾነ ቕዋም/ሕገ መንግስቲ ንምቕራፅ (ንምስራት) ዴሞክራስያዊትን ሕገ መንግስታዊትን ሃገር ንምምስራትን (ንምፍጣር) ዘኽእል ሓላፍነት ዘለዎ ትካላዊ መስርሕ ዘድልየሉን ናይ ህዝቢ ዝለዓለ ስልጣን ተግባራዊ ዝገብረሉን ፍሉይ ናይ ሕገ መንግስትን ፖለቲካን እዋን ተፈጢሩ ይርከብ። 

ስለዚ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ብምውፃእ /ብምቛም ሓዱሽ ስርዓተ መንግስቲ ወይ ሃገረ መንግስቲ ምጥያሽ ወይ ድማ ምቛም ዕላምኡ ዝገበረ መቖሚ (መስራቲ-ሰራቲ) ሓይሊ ስለዘድሊ እዚ ተግባራዊ ዝኾነሉ ፍሉይ ሕገ መንግስቲ ምቛም ስግግር ብምክያድ እዩ። ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝተልዓሉ መሰረታዊ ሕቶታትን ኣብ ከባቢና ዝተፈጠረ ኩለመዳያዊ ለውጥታትን በቲ ዝነበረ ሕገመንግስታዊ መስርሕ ክፍትሑ ኣይኽእሉን ጥራሕ ዘይኾኑስ እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሙሉእ ብሙሉእ ዝፈረሰሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። እሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሰረታውነት ዝተቐየረ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ብምውፃእ ወይ ብምቛም (constitute ምግባር) መሰረታዊ ለውጥን ስግግርን ምክያድ ናይ ግድን ኾይኑ ኣብ ዝመፀሉ ፍሉይ ታሪኻዊ እዋን ንርከብ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ናይ ኩሎም ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይን ምልኣተ ህዝብን ተሳትፎ ዝደሊ ናይ ስግግር ከይዲ ዝመርሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ኣገዳሲ ይኸዉን። 

2.3. ፀጋታት መሰጋገሪ መንግስቲ  

ኣብ ትግራይ ንዝማዕበለ ዝተፈለየ ኩነት፣ ንዝተፈጠሩ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ኣገደድቲ ኩነታት ኢሉ እውን ዝተኸሰተ ናይ ሕገ መንግሰታትን ፖለቲካዊ ስርዓትን ምፍራስ ስዒቡ ዝበለፀ፣ እዋኑ ዝጠልቦ መፍትሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ነቲ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ጥራሕ እንተኮይነስ ከም ህዝብን ብሄርን ኣብ ዘየቋርፅ ጉዕዞ ዕንኪላሎ ክንመላለስ ዝገበሩና መሰረታዊ ፀገማት ጥሉልን ዘላቒን ፍታሕ ንምሃብ ከምኡ ድማ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓሸን ዝተማዓራረየን መሰረት ንምንባር እምነ ኩርናዕ ኮይኑ ዘገልግል ስለዝኾነ ህዝቢ ዝጠልቦ መፍትሒ እዩ፡፡ 

መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ምስ ወድዓዊ ኩነታትን መፃኢ ዕድልን ትግራይ ብምዝማድ እዞም ዝስዕቡ ፀጋታት ኣለውዎ፡- 

1) ዕላማ ህዝባዊ ቃልስና ብምንፃር ዘላቒ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ግቡእ፣ ሕጋውን ቅቡልን ዓወት ክዛዘም ስለዝገብር። 

2) ሐዚ ብጭቡጥ ተበቲኑ ዘሎ ዓቕሚታት ትግራይ ኣኪቡ ኣብ ኩሉመዳይ ህዝባዊ ቃልስና ውፅኢታዊን ኣድማዒን ስራሕ ስለዝዓምም። 

3) ኣብ ትግራይ ዝነበሩን ዘለውን ዓበይቲ ፀገማትን መፍትሒታቶምን ዝንፅርን ዝፈትሕን፣ በፂሕናዮ ዘለና ብርኪ ህዝባዊ ቃልሲ ዝምጥን፣ ግልጋሎት ዝህብን ቀረባት ዘቕርብን ሓዱሽ መንግስቲ ስለዘጣይሽ። 4) ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ተባሂሎም እቲ ቃልሲ ዝፈጠሮም ህዝባዊ ትካላት ከምኒ 

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይን ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅራይ ዘርኢ ምፅናት ካልኦት ብከይዲ ዝፍጠሩን ሕጋውን ፖለቲካውን ማዕቐፍ ስለዝህብ። 

5) ሓዱሽ ሃገራዊ ሕገ መንግስቲ ስለዝሕንፅፅን ስለዘቕውምን። 

6) ኣብ ዕንወትን ብርሰትን ዘላ ትግራይ ህንፀትን ሕውየትን ክትገብር ስለዝሰርሕ። 7) ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገበናትን ዝበፅሐ ጉድኣትን ብሕጋዊ ትካል ብምፅናዕን ብምስናድን፤ ግዳያት ፍትሕን ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡን ስለዘኽእል።  

8) ኣብ ዓለም ዝነበረ ግጉይ ርድኢት ትግራይ ኣወጊዱ ሓቀኛ ድልየትን ምስሊን ትግራይ ስለዝውክል። ኣብዚ ህዝብና ክርድኦ ዝግባእ ካብ ታሪኽ እቲ «መንግስቲ እየ» ዝብል ዘሎ ኣካል ናይ ትግራይ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ረብሓታት ይኹን ግዝኣታዊ ሃፍትታትን ከምኡ ድማ ጉዳያት ፍትሒ ምእንቲ ውድባዊን ጉጅለኣዊን ረብሕኡ ክብል ንረብሓን ጥቕሚን ትግራይ ዝፃብኡ ኣካላትን ሓይልታትን ኣሕሊፍካ ምሃብን ምህጋርን፣ ኣረኪስካ ምምፃእ፣ ሕድገት ምግባር ዝኣምሰሉ ተግባር ክፍፅም ስለዝተርኣየ፤ ንወለዶታት ዝተርፍ መከራ ናይ ምግዳፍ ልምዲ ስለዘለዎ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ እምነት ተሕድረሉ ኣይኮነን። ብኡአ ዝረጋገፅ ረብሓ ትግራይ ድማ ኣይህሉን።

9) እዋናውን ግዘ ዘይህቡን ጠለባት ህዝብና ሕጋውን ፖለቲካውን ማዕቐፍ ብምግባር ቅልጡፍ መፍትሒ ስለዝህብ። ህዝብና ብሰንኪ ዕፅዋ መሰረታውያን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ክባን ግዳይ ሞት፣ ዓፀቦን ሕማምን እናኾነ ይርከብ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘንፀላለወ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ንምስባር ዘኽእል ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ዓብዪ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ብተወሳኺ ሰኣን ግቡእ ምሕደራን ጠመተን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሃፍቲ ንምጥቃምን ናብ ዘድልዮም ወገናት ንምብፃሕ ኣይተኸኣለን፡ ፡ ስለዚ ምሕደራ መሰረታውያን ሸቐጣት፣ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋ፣ ኣብ ምሕደራ ገንዘብ ዘሎ ብሰሩው ምሕደራን ኣጠቓቕማን፣ ኣብ ኣጠቓቕማን ዝርገሐን ኣብ ትግራይ ዝፈርዩ ምህርትታት ዘለው ዓበይቲ ፀገማት ብምልላይ ኢሉ እውን ኣብቶም ዝተጠቐሱን ካልኦትን ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ የኽእል እዩ፡፡  

10) ሕጋዊ፣ ቕቡልን ኣሳታፍን ከይዲ ህዝበ ውሳነ (ረፈረንደም) ብምስላጥ መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ ስለዘዕልብ፡፡ 

11) ኣብ ህንፀት ዴሞክራስን ልዕልና ሕግን ዘይትካእ ግደ ዘለዎም ትካላት ፍትሕን ፀጥታን፡ ሃገራዊ ድሕነትን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ከምኡ እውን ካልኦት ትካላት ነፃን ዘይሻራውያንን ኮይኖም ክህነፁ መሰረት ስለዘንፅፍ፡፡ ቤት ፍርዲ፣ ዓቃቢ ሕጊ፣ ፖሊስ፣ ሚድያ፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ብሕጊ ዝጣየሹ ትካላት ዴሞክራሲን ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ኮይኖም ንህዝቢ ብማዕርነትን ፍትሓዉነትን ዘገልግልሉን ኣብ ምዕባለ ዴሞክራሲ ትግራይ ኣሰሮም ዘጉልህሉን ኩነታት ንምፍጣር ስለዘኽእል እዩ፡፡ 

12) ኣብ ህልው ኩነታትን መፃኢ ዕድል ትግራይን ንዝግበሩ ዘተታትን ድርድራትን ወካላይን ዓቕሚ ዘለዎን ኣካል ብምጥያሽ ንምምራሕ፣ ንምስላጥ ስለዘኽእል። 

3. ከይዲ ስግግርን ሕውየትን  

እቲ እናተኻየደ ዝፀንሐን ዝካየድ ዘሎን ህዝባዊን ኩለመደያዊን ቃልሲ ምልኣተ ህዝቢ ዝገበሮ ሓበራዊ ኽተትን ቃልስን ስለዝኾነ፣ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝምጥን ሓዱሽ ቅዲ ኣሰራርሓን ትካላዊ መዋቕርን ዝጠልብ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ከይድን ባህግን ኣስዒቡ ኣሎ። ሰለዝኾነ ድማ ነቲ ዝተርኣየ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ኩነታትን ባህጊ፣ ሕቶን መፃኢ ዕድልን ትግራይ ኣብ ፅኑዕ ሰረት ዘቐምጥን ዕልባት ዝህብን ትካላዊ መስርሕን መሓውርን ብምፍጣር እቲ ህዝባዊ ቃልሲ እቲ ዝበለፀ ዝብሃል ፍርያት ንክህልዎ ምግባር የድሊ። 

ነዚ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ምዕባለን ሓዱሽ ናይ ቃልሲ ምዕራፍን ዝምጥኑ ሓደሽቲ ኣወዳድባታት፣ መድረኻትን ትካላትን ምፍጣር ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ እንደልዮን እንብህጎን ክፍፀም እንተኾይኑ ህዝባውን ኩለመደያውን ቃልሲ ዝፈጠሮም ህዝባዊ ትካላትን ሓይልታትን ዓብይ እጃም ናይ ምፅዋት ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎም። ምስዚ ተኣሳሲሩ እቲ ቃልሲ ዝፈጠሮ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ቐፃሊ ናይ ለውጥን ስግግርን ኸይዲ ንክሳለጥ ኣወንታዊ ግደ ክፃወት ይግባእ። 

ከይዲ ስግግር ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ከምኡ እዉን ሞያን ተሞክሮን ዘለዎም ተጋሩ ዘሳተፈ፣ ኣተሓሳስባታትን ባህግታትን ኩሎም ተጋሩ ዝሓቖፈ፣ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብሩህ ክኸዉን ባይታ ዘንፅፍ፣ ዘላቒ ዴሞክራሲያዊ መንግስትነት ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ዘንብር ዕዉት ፖለቲካዊ መድረኽ ንምግባር ኩሉ ብዉነን ብቅንዕናን ክነጥፍ ይግባእ፡፡ 

3.1. ምጥያሽ ብሄራዊ ጉባኤ ትግራይ  

ንዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ሒዝዎም ዝመፁ መሰረታዊ ናይ ኹነታት ለውጥን (Fundamental change of Circumstances) ኩለመደያዊ ቕልውላዋትን ምላሽ ንምሃብን ንምፍታሕን ዝሕግዝ ቀፃሊ ኣንፈት ምእንፋትን (Road map) ምድላውን እቲ ዘለናሉ ናይ ህንፀት፣ ለውጥን ስግግርን እዋን ዝጠልቦ ዓብይ ጉዳይ እዩ። 

እዚ ንምፍፃም ድማ እቲ ኲናት ሒዝዎም ዝመፀ መሰረታዊ ሕቶታትን ሳዕቤናትን ብዝምልከት ኩሎም ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪልን ሲቪክን ማሕበራት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምሁራት፣ ዓበይቲ ዓድን ተወከልቲ ትካላትን ከምኡ እዉን ብዉልቀኦም ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ተጋሩ (ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢ ሃገራትን ዝርከቡ መማረፂ ሓሳብ ዘለዎም ዉልቀ ተጋሩ ሓዊሱ) ዘካተተ ሰፊሕ ናይ ምኽክርን ዘተን መድረኽ ብምድላው፣ ኣብ መሰረታዊ ፀገማት ናይ ሓባር ምርድዳእ (common understandig) ብምፍጣር፣ ኣብ እንኽተሎምን እነሰጉሞምን መትከላትን ረብሓታትን ትግራይ ዓሚቕን ሰፊሕን ስምምዕነት ምፍጣር የድሊ። 

ነዚ ንምግባር ዘኽእል ምቹውን ኣሳታፋይን ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምፍጣር፣ ኣብዚ ጉዳይ ኩሎም ተጋሩ ዝመኽርሉ ማሕበረሰባዊ ስምምዕነት (ውዕሊ) ንምፍጣር ዘኽእል ፍኖተ ካርታ ወይ ቻርተር ዘፅድቕሉ፣ ቃልኪዳን (ውዕሊ)፣ ውዕሊ ፖለቲካን ሕገ መንግስትን ዝምስረተሉ ብሄራዊ ጉባኤ ምጥያሽ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ንርከብ። እዚ ብሄራዊ ጉባኤ ኣዝዩ ኣገዳሲን ኣብ ህንፀት ድሞክራሲያዊት ትግራይ ርኡይ ኣሰር ዘንብርን ብዙሓት ረብሓታት ዘለውዎ እዩ፡፡ 

እቲ ሓደ ረብሓ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተዋሳእትን ካብ ናይ ባዕሎም ውድባዊ መነፅር ወፂኦም ናይ ካልኦት ሓሳባትን ተበግሶታትን ኽብሪ ሂቦም ብውነ ከዳምፁን ኢህን ምሂን ክበሃሃሉን፤ ኣብቲ መበገስን መዕለብን ህዝባዊ ቃልሲ ንክዓስሉን ብሓባር ንክስለፉን ከምኡ እውን ዓወትን መንፈስን እቲ ቃልሲ ንክዕቅቡን ንኽሕሉውን ዝሕግዝን ዘበረታትዕን ሰለዝኾነ እዩ፡፡

እቲ ካልኣይ ረብሓ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ዓዲ ስምምዕነትን ሰነያን ንክህሉ ንምግባርን ኣብ ቀፃሊ ንዝህነፅ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ሃገረ መንግስትን ዓብይ መንፀፍ ኾይኑ ስለዘገልግልን እዩ፡፡ 

እቲ ሳልሳይ ረብሓ ዝተፈላለዩ ፖለቲካ ሓይልታትን ተዋሳእትን ኣብ ሓበራዊ መሰረታዊ ጉዳያትን ፀገማትን ትግራይ ብሕብረት ክሰርሑ ዘኽእሎም ትካላትን ኣሰራርሓታትን ንምንፃርን ንምጥያሽን ስለዝሕግዝ እዩ፡፡ 

እቲ ራብዓይ ረብሓ ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዝብን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ርክብ ንክህልዎምን ስልጡን ናይ ፖለቲካ ባህሊ ንክለማመዱን ንከዕብዩን ናይ ባዕሉ ግደ ስለዝፃወት እዩ፡፡ 

ከም ሓምሻይ ረብሓ ክጥቀስ ዘለዎ ኣብዚ መድረኽ ዝሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሳተፍትን ኣብ ቐፃሊ ዝግበር ሪፈረንደም ምክያድ ዘኽእል ናይ ሓባር መስርሕ ንምዝርጋሕ ስለዝሕግዝ ይኸውን፡፡ 

ናይ መወዳእታን እቲ ቀንዲን ድማ ናይ ስግግር ቻርተር የውፅእ። መሰጋገሪ መንግስቲ የጣይሽ። ዕድመ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝውስን ይኸውን። 

3.2. ኣብ ናይ ስግግር መድረኽ ናይ ስግግር ግዘ ቻርተር ኮይኑ ዘገልግል ሰነድ ምድላው 

ብሄራዊ ጉባኤ ተጋሩ ንሕውየትን ስግግርን ሓዊሱ ብፍላይ ድማ ምርቃቕን ምፅዳቕን ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ካልኦት ቅድመ ምምዕርራያት ምግባር ከም ዘድሊ ቐሪቡ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ብመስርሕ ምልኣተ ተሳትፎ ህዝቢ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ምፅዳቕ ግዘ ዝወስድ ስለዝኾነ፤ እዚ ግብራዊ ይኹን እንተተባሂሉ ድማ ዕዮ ምሕንፃፅን ምፅዳቕን ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዘሳልጥ ሕጋውን ፖለቲካውን ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል ስለዘየለ፤ ነዚኦም ክልተ ባህግታት ኣተዓሪቑ ዝኸይድ መፍትሒ ኣድላዪ ይኸውን፡፡ እዚ መፍትሒ ናይቲ ስግግር እዋን ላዕለዋይ ሓጋጊ ዝኸውን ላዕለዋይ ሰነድ ኪዳን /ቻርተር/ እቲ ስግግር ኮይኑ ዘገልግል ሰነድ ብብሄራዊ ጉባኤ ትግራይ ተዳልዩ ዝፀድቕ ይኸውን፡፡

4. መጠቓለሊ  

እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ሓደጋታት ንምፍታሕ፤ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም እዋኑ ዝጠልቦ ብሉፅ ፍታሕ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ህዝባዊ ቃልሲና ብቅቡልን ኣሳታፋይን ዝኾነ ህዝበ ውሳነ (ሪፈረንደም) ኣቢሉ ብምግሃድ ሃገረ ትግራይ ክኽምበት ካብ ምድላይ ዝብገስ መፍትሒ እዩ፡፡ ብሰፊሑ ተቐሚጡ ከምዘሎ፤ ብታሪኽ ዝነበረን ዘሎን ንቐፃላዊ እውን ዝህሉን መንግስትነት ትግራይ ሕዚ ካብ ዘለዎ ሕጋውን ፖለቲካውን ብድሆ ወፂኡ ፅባሕ ኣብ እትገሃድ ሃገረ ትግራይ ዴሞክራስያውን ዱልዱልን ኮይኑ ንክወፅእ ጥጡሕ ባይታ ስለዘንፅፍ ንኹሎም ህዝባውያን ሓይልታት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓቁፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያስ ግድን ይገብሮ፡፡ 

ፃዉዒት መሰጋገሪ መንግስቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብመሰረት ዘጋጠመናን ዘለናሉን ኩነታት በይኑ ስልጣንን ሓላፍነትን መንግስትነት ትግራይ ንክመርሕ ሕገ መንግስታዊ፣ ሕጋዊ፣ ፖለቲካውን ሞራላውን መሰረትን ቅቡልነትን ዘለዎ ኣካል ስለዘየለ እንትኸውን እዚ እማመ ድማ ርትዓውን ምኽንያታውን ከም ዝኾነ እዞም ዝስዕቡ መንቀሊታት ከም ጭቡጥ መረዳእታ ነጥብታት ገይርካ ምውሳድ ይከኣል፡፡ 

ቀዳማይ፡ እቲ ክሕልወና ዝተኸልናዮ ሕገ መንግስቲ ፌደሪኢን ትካላቱን ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸየደ ልፍንታዊ ወራርን ገበን ዘርኢ ምፅናትን ባዕሉ እቲ ሕገ መንግስቲን ንሱ ዘጣየሾም ትካላት ማለት እውን ፌደረሽን ኢትዮጵያ፣ ክልላት ከምኡ ድማ እቲ ፌደረሽንን ናይ ኩሎም ብርክታት መንግስቲን ስለዝፈረሱ እዩ፡፡ እዚ ማለት ክሕልወና ዝተጣየሸ ሓይልታት ምክልኻል ፌደሪኢ ንባዕሉ ሓዊሱ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ዓዲሙ ስለዝጨፍጨፈና፤ ኣባል ቃልኪዳን እቲ ፌደረሽን ዝኾና ክልላት እውን እዚ ሕገ መንግስታዊ ቃልኪዳን ጥሒሰን ኣካል እቶም ልፍንታውያን ኮይነን ስለዝጨፍጨፋና እቲ ዝነበረ ሕገ መንግስታዊ ፌዴራላዊ ስርዓትን ቃልኪዳናቱን ብግብሪ ፈሪሱ እዩ፡፡ 

ካልኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈነወ ልፍንታዊ ወራርን ገበን ዘርኢ ምፅናትን ስዒቡ እቲ በቶም ዝነበሩ ሕገ መንግስትታት መሰረት ተመሪፁ ዝነበረ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን በቲ ሽዑ ዝነበረ ስሩዕ መንግስታዊ መሓውር ፀጥታ ኣቢሉ ደሕንነት ህዝቢን ግዝኣት ትግራይን ውሑስ ክገብር ስለዘይከኣለ ብሕጊን ተግባርን ማዕረ ምስቶም ዝተጣየሸሎም ሕገ መንግስትታት ትግራይን ፌደሪኢን ስለዝፈረሰ እዩ፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ምውሓስ ደሕንነትን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ካብ ስሩዕ ሕገ መንግስታዊን መንግስታዊን መሓውር ፀጥታ ናብ ህዝባውን ኩለመዳያውን ቃልሲ (ተፈጥሮኣዊ መሰል ዓርስኻ ምኽልኻልን ሰራዒነት ስልጣንን) ዝተቐየረሉ ኩነታት ከም ዘለና ግንዛበ ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ፡፡ 

ሳልሳይ፡ እቲ ኲናት ስዒቡ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ምዕባለታት ልዕሊ እቶም ዝፈረሱ ሕገ መንግስታዊ ወሰን ስልጣን ክልላት ስለዝኾኑን በቶም ዝነበሩ ክልተ ሕገ መንግስትታት ኣቢሉ ዝተመረፀ መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ ብተመሳሳሊ ሕጋዊ መስርሕ ክመርሕ ዝኽእለሉ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መሰረት ስለዘየለ እዩ፡፡ 

ራብዓይ፡ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ስዒቡ ብመስርሕ እቲ ዝነበረ መንግስቲን ሕገ መንግስቲን ትግራይ ክምለሱ ዘይኽእሉ ሓደሽቲ ድሌታትን ሕቶታትን ህዝቢ ትግራይ ስለዝተፈጠሩን ነዞም ድሌታት ፍትሓዊን ተግባራዊ መልሲ (መፍትሒ) ምሃብ ዘኽእል ሓዱሽ ሕጋዊን ትካላዊን መስርሕ ምዝርጋሕ ወይ ድማ ምእንፋት ስለ ዘድሊ ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል፡፡  

ብሓፈሻ መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ምጥያሽ ነቲ ሕዚ ቃልስና ዝርከበሉ መድረኽን ፈተናታቱን ንምእላይ ዘኽእል ነቲ ዝገጠመና ፀገም ዝምጥን መዋፅእ ብምኻኑ፤ ኩሎም ሰብ ዋና ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ብግብራዊ ተሳትፎን ውሳነን ከዐውትዎ ታሪኻዊ ፃውዒት ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ:: 

ሃገር ንውንን፣  

ቅልፅምና ነሕይል፣  

ህልውናና ነውሕስ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version