Connect with us

መርገፂ

ባይቶና፦ ፍሉይ ትኹረትን ቅልጡፍ ፍታሕን ዝደልዩ እዋናውን ወሰንትን ጉዳያት

Published

on

መብርሂ፡ እዚ ስነድ ብ ውድብ ባይቶና ተዳሊው: 13 መስከረም 2014 : ኣብ ገፅ ፈይስቡክ እቱ ውድብ ዝተፈነወ እዩ። ቃልሲ ትግራይ ገምጊሙ፥ ምልከታን መርገፅን እቱ ውድብ ይገልፅ። “ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ወይ ድማ ስሙር ብሄራዊ ካውንስል” ክይምስረት ድማ ይፅውዕ።

ፀላእትና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅባፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ፣ ኣቓልቦ ህዝብና ዘዛብዑን ወነ ቃልስና ዘዛሕሉን ከይዲታት ትግራይ ትካላዊ ኣካይዳ ተኸቲላ ብእዋኑ ክትእርሞም ዝግብኡ፣ ፀቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ዝግበር ሕቱኽቱኽን ሸበድበድን ገዲፍና ከም ህዝቢ ሓይልናን ሓድነትና ኣብ ዘሐይሉ ሓቖፍቲ ከይድታት ንምድሃብ ፍሉይ ትኹረትን ቅልጡፍ ፍታሕን ዝደልዩ እዋናውን ወሰንትን ጉዳያት ባይቶና ብመፅናዕቲ ገምጊሙ እዚ ፅሑፍ ዘርጊሑ ኣሎ።

መእተዊ

ፀላእትና ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንምጥፋእ ንዘበናት ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታትን ወፍርታትን ኣካይዶም እዮም፡፡ በብእዋኑ ኣብ ልዕሌና ዝኣወጅዎ ግፍዕን ዘውረድዎ መከራን ድማ ኣብ ከቢድ ዓፀቦን ሃሰያን ክንነብር ገይሩና፡፡ እዚ ሕሉፍ ታሪኾም ከዕግቦም ስለዘይከኣለ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ በብኩርንዑ ዘለዉ ደመኛታትና ትልሞምን ጉልበቶምን ናብ ሓደ ብምውሃድ፣ ብዝተዋደደ ከይዲ ንዘበናት ዝፀንሐ ባህጎምን ድሌቶምን ንምፍፃም ቅሉዕ ወራር ኣዊጆም እዮም፡፡ ነዚ ስዒቡ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝብና ሂወቱ ስኢኑ፣ ክንድኡ ዝኣክል እውን ንዘላቒ ኣካላዊ ማህሰይቲ ተሳጢሑ፡፡ ገጠራትን ከተማታትን ብዝበፅሐን ጉድኣት ምኽንያት ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዓድን፣ ናብ ጎረባብትን ተሰዲዱ እዩ፡፡

ብፍላይ ድማ ውርሲ ምኒሊክን ጃንሆይን ንምዕዋት ዝተግሁ ናይ ታሪኽ ደመኛታት ፀላእቲ ኣምሓሩ፣ ኣብ ልዕሊ ልበወለድ ሮማውነትን ዓረባውነትን ዝቖመ ኤርትራዊ መንነት ምስ ርእዮተ-ዓለማዊ ድሌቱ ኣወሃሂዱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጎብለልነቱ ንምዕዋት ላዕልን ታሕትን ዝብል መንግስቲ ኤርትራ ብሓደ ኮይኖም ትግራዋይ መንነት ካብ ምድረ-ገፅ ንምጥፋእ ዘለዎም ዕላማ ጋህዲ ንምግባር ንትግራይ ኣብ ዓንኬል ኣእትዮም ብጥሜትን ብቁምቡላን ንምውዳእ ዘይፈፀምዎ ጉድ የለን፡፡ ትግርኛ ዝዛረብ ይኹን ናይ ትግራዋይ ዘርኢ ዘለዎ ፍጡር ኩሉ ዓሌቱ እናተቖፀረ ክቕተልን ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣሎ ዝተብሃለ ሃፍቲ መንግስትን ውልቀን ተወሪሩ፣ ዓንዩ፣ ተቓፂሉ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ትካላት ኩሎም ዓንዮም፡፡ ትግራይ ዋጋ ዘይብላን ዘይትበሃግን ክትከውን፣ ትግራዋይ እውን ዝኸኣልዎ ቐቲሎም ዘይከኣልዎ ድማ ብስነ-ልቦናን ብቑጠባን ኣዳኺሞም ሰንሰን ኢሉ ክግዛእን ብኸይዲ ሓቒቑ ክጠፍእን ኩለመዳይ ኲናት ኣካይዶምልና እዮም፡፡ እኖታትን ጎራዙን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ደፊሮም፣ ማሕበራዊ ክብርታትን መንነታዊ ሃፍትታትን ክዓንዉ ተገይሮም፡፡ ሃፍቱን ንብረቱን ወሪሮም፣ ትካላት ጥዕናን መድሓኒትን ዘሪፎም እናሃለዉ ትግራዋይ ብጥሜትን ሕማምን ክሃልቕ ካብ ዘለዎም ባህጊ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራትን ትካላትን ዘቕርብዎ ሓገዛት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ክሳድ ሓኒቖም ይቃለሱና ኣለዉ፡፡

እዞም ፀላእትና ዓቕሚ እንተረኺቦምን እንተኾይኑሎምን ባህጎም ክሳዕ ኣበይ ከምዝበፅሕ ዝተዓዘበ ህዝብና ድማ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣንፃር እዞም ደመኛታት መሪርን ከቢድን ቃልሲ ኣካይዱ እዩ፡፡ ኣብ ገጠርን ከተማን፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃእን፣ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዘሎ ትግራዋይ፣ ጀጋኑ ክልተን ልዕልኡን ቃልስታት ዝኾኑ ጀነራላትን ወታደራዊ መራሕትን ዝኣልይዎ ሰራዊት፣ ከም ሓደ ሰብ ሰሚሩን ተናቢቡን ሓሪኑ ተቓሊሱ፡፡ ብሕራነን ብወነን ፀኒዑ ኣንፃር ፀላእቱ ዝወፈረ ህዝብን ሰራዊትን ብዘካየድዎ መሪር ተጋድሎ ዳርጋ መብዛሕትኡ ክፋላት መሬትና ሓራ ኮይኑ፣ ቃልስና ኣብ ጓጓ ፀላእትና ኮይኑ ይርከብ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ከም ተጋሩ ነዚ ቃልሲ ብዝመርሑ ወታደራዊ መራሕቲ ኣያታትናን ኣብዚ ቃልሲ ስቓዩን ቃንዝኡን ንውሽጢ ውሒጡ ልዑል ዋጋ ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን ተባዕን ጅግናን ህዝብና ኩርዓት ይስመዐና፡፡ ንቐፃሊ እውን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብዘላቕነት ኣብ ዝበለፀ ፀፍሒ ንምንባርን “ሃገረ ዓባይ ትግራይ” ንምምስራትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣድላይ ዘበለ ኩሉ ክነበርክት ኢና፡፡

ባይቶና ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንምጥፋእ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ኩለመዳይ ኲናት ንምብርዓንን ዓቕሚ ፀላእቲ ሰይርካ ኣሸኒፍካ ንምውፃእን ዝተገበረ መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ብዋናነት ሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተናቢቦም ዝመርሕዎን ዘካየድዎን እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡ ድሕሪ ሕዳር 30/2013 ዓ/ም ዝኾነ ውድብ ይኹን መንግስቲ ዝመርሖ ቃልሲ የለን፡፡ንኣብነት፡

  • ካሊእ ይትረፍ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ ናይ ደጀን ስራሕቲ፣ ናይ ቀለብን መድሓኒትን ቀረብ፣ ናይ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ስራሕቲ ዝሰርሖም ህዝብና ብወለንትኡ ብዝፈጠሮም ውዳበታትን ብውልቀን እዮም
  • መንእሰይ ትግራይ ናብ ቃልሲ ዝወሓዘ መንግስቲ ብመሓውሩ ቀስቂሱን ኣእሚኑን ዘይኮነስ ግፍዒ ፀላእትና መሪርዎ፣ ሂወቱን ሂወት ህዝቡን ኣብ ሓደጋ ከምዝኾነ ተረዲእዎ፣ ኣንፃር መንነቱ ዝተሰለፉ ሓይልታት ከምዘይድቅሱ ብምግንዛቡ እዩ፡፡
  • መራሕቲ መንግስቲ ቅድሚ ህዝቢ ፈሪሶምን ገሊኦም ድማ ከዲዖምን ዓዲ ብዘይ መራሒ ኣትሪፎምዋ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ሰራዊትና ዝምረሐሉ ምእኹል ወታደራዊ ዶክትሪን ኣይነበረን፡፡ እዚ ዝተረድኡ ወታደራዊ መራሕቲ ትግራይ ድማ ትግራይን ተጋሩን ንምድሓን ንቃልሲ በብዝምችዎም ቦታ ኮይኖም ዝፈጠርዎም ሰራዊትን ኣርምታትን መሪር ቃልሲ ኣካይዱ እዩ ናብዚ ዓወት ኣብቂዑና፡፡

ስለዚ ኣብቲ ዝነበረ ቃልሲ ይኹን ዝተረኸበ ዓወት ሞሳን ኣፍልጦን ዝግበኦም ነባራት ተጋሩ መራሕቲ ሰራዊት፣ ሰራዊት ትግራይን ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ኮይኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተቓለሰ ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ እዮም፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይን ካልኦትን ኣድሂቦም ብተቓራኒ ዝንጸባረቑ ሓሳባትን ተርእዮታትን ንዕዘብ ኣለና፡፡ ብፍላይ ስርዓተ-መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ምምላሱን ቃልሲ ሰራዊት ትግራይ መጥቃዕቱ ናብ ጎረበት ከባብታት ምስፍሑን ስዒቡ ኣብ ዘሎ እዋን ዓወትን ሞሳን እዚ ቃልሲ ምሽማይ፣ ትካላት ካብ ክኾንኡ ዝግበአን ነፃ ኣቃውማ ወፃእ ንፖለቲካዊ ረብሓኻ ክበሃል ንምጭዋይ ምፍታን፣ ትግራዋይ ራእይን ዕላማን ዘይብሉ ናይ በለፅ ዝመስል ጉዕዞ ምኻድ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብሰፊሑ ይርአዩ ኣለዉ፡

ከም ባይቶና እዞም ጉዳያት ኣድሂብና ከም ውድብ ዘለና ቅዋም ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክፈልጦን ብእዋኑ ክእረሙ ዘለዎም ክእረሙ፣ ንቐፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ድማ ከም ተጋሩ እናተሓባበርናን ስምረትና ኣጠናኺርናን ክንቅፅል ብዘኽእል ኣግባብ ኣቕሪብና ኣለና፡፡.

1) ሴንትራል ኮማንድ ዝምልከት

ጥቅምቲ 25/2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራር ስዒቡ ነዚ ንምምካት ዘሎ ዓቕሚ ኣዋዲድካ ብግቡእ ንምጥቃም፣ ኣድላይ ዘበለ ሰብኣውን ንዋታውን ድጋፋት ንምምላእ፣ እቲ እዋን ዝጠልቦ ምድላዋት ንምውጋን፣ እቲ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ብምእኹልነት ንምምራሕን ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ክህሉ ግድን ከምዝኾነ ይኣምን፡፡ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ብዋናነት ነዚ ክመርሕ ተባሂሉ ዝተጣየሸ እንትኸውን ምስቲ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ተኣሳሲሩ እዚ ትካል ኣብ ቤት ምኽሪ ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣይተውሃቦን ፀኒሑ፡፡ ሰነ 21/2013 ዓ/ም ስርዓተ-መንግስቲ ናብ ስሩዕ ተግባሩ ምስተመለሰ እቲ ሕዳር 2013 ዓ/ም ክወፅእ ተሓሲቡ ዘይፀደቐ “ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምሕላውን ሉኣላውነትና ናብ ዝነበሮ ንምላስን ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን “ ዝብል ኣዋጅ ሓምለ 17/2013 ዓ/ም ኣብ ዝተፀውዐ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ትግራይ ክፀድቕ ተገይሩ፡፡

ይኹን እምበር ውድብና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ( ባይቶና) ኣብዚ ተጣይሹ ዘሎ ሴንትራል ኮማንድ ዘለና ርኢቶ :-

  1. እቲ መጣየሺ ኣዋጅ ነቲ ሐዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ትግራይ፣ ቀፃሊ ባህግታት ትግራይ፣ ሐዚ ዘሎን ንቐፃሊ ክህልወና እንደልዮን ቁመና ሰራዊት ትግራይ ኣብ ግምት ዘየእተወ ስለዝኾነ ደጊምካ ክርአን ክመሓየሽን.
  2. እዚ ሴንትራል ኮማንድ ዝጣየሽ ብርእሰ ምምሕዳር ዘይኮነስ ብቤት ምኽሪ ክኸውን፤ (ኣንቀፅ 6፤ 1 ዝምልከት)
  3. ተፀዋዕነቱ እውን ንቤት ምኽሪ ትግራይ ክኸውን እናተገብኦ ንሓደ ውልቀ ሰብ (ናይ ሓደ ውድብ ኣቦ ወንበር) ክኸውን ዝተገበረሉ ኣግባብ ዘተሓሳስብ እዩ፡፡ (ኣንቀፅ 6፤ 1 ዝምልከት)
  4. በዝሕን ተዋፅኦን ኣባላት ሴንትራል ኮማንድ ክውሰን ዝግበኦ ብርእሰ ምምሕዳር ዘይኮነስ በቲ ቤት ምኽሪ ክኸውን ኣለዎ ንብል፡፡ (ኣንቀፅ 6፤ 2 ዝምልከት)
  5. እቲ ሀዚ ዘሎ ሴንትራል ኮማንድ ናይ ሓደ ውድብ ስራሕ ፈፃሚ ኣባላት ዝዓብለልዎ ጥራሕ እንትኸውን፤ ረብሓን ፖለቲካዊ ባህግን ትግራይ ዘይኮነስ ናይ ሓደ ውድብ ረብሓ ንምኽባር ዘገልግል ወታደራዊ ክንፊ ክኸውን ዝገብር እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ሓይሊ ሰብ፣ ፍልጠት፣ ሃፍቲ፣ ወታደራውን ፖለቲካውን ዓቕምታት ፀንቂቕካ ንምጥቃም ዘኽእል ሓቋፊ ኣቃውማ ስለዘይብሉ ክስተኻኸል
  6. ስልጣንን ተግባርን ሴንትራል ኮማንድ ዝምልከት (ኣንቀፅ 7) ካብ ንኡስ ኣንቀፅ 1 ክሳብ 7 ዘለው ጥራሕ ክኸውን ፡፡ እዚ ማለት ምስ ህንፀትን ምዕባለን ሰራዊት፣ ምምስራትን ምምራሕን ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ፣ ምምራሕን ምክትታልን ወፍርታትን ተግባራትን፣ ምደባን ህንፀትን መራሕቲ ሰራዊት ዝምልከት ጥራሕ ክኸውን ይግባእ ንብል፡፡ ምኽንያቱ እዚ ኣዋጅ ትግራይ ንዋና ከተማና ሓዊሱ ዳርጋ መብዛሕትኡ ከባብታት ሓራ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ዝጸደቐ ስለዝኾነ ሕዳር 2013 ዓ/ም እናሓሰብና ተወሲኾም ዝወሃብዎ ሓላፍነታት ብኣግባቡ ክረአዩ ሓሳብ ኣቕሪብና ኢና፡፡ ማሕበረ ኢኮኖሚ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ዲፕሎማስያዊ ስራሕትን ዝምልከቱ ጉዳያት ካልኦት ትካላት (ኣካላት) ክመርሕዎን ክከታተልዎን ይግባእ ንብል፡፡
  7. ባይቶና እዚ “ሴንትራል ኮማንድ” ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተኣወጀና ኩለመዳይ ኲናት ንምምካት ዝቖመን ንኹሉ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ትግራይ ዝመርሕን ስለዝኾነ፣ ኩሉ ወታደራዊ ጉዳያት ብዝምልከቶም ወታደራዊ ሰብሞያን መራሕቲ መንግስትን ጥራሕ ክምራሕ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን፡፡ ስለዚ ተዋፅኦ ኣባላት እዚ ሴንትራል ኮማንድ ብዝምልከት ድማ :-
    • ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ
    • ዝምልከቶም ወታደራዊ ኣዘዝቲ ( መራሕቲ) ጥራሕ ኣባላት ዝኾንሉ ትካል ክኸውን ኣለዎ ይብል፡፡

ኣብ መወዳእታ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ እዞም ምምዕርራያት ብምግባር እቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ህዝባዊ ክኸውንን ናይ ኩሉ ትግራዋይን ተጋሩ ትካላትን ሓሳባት ዝስመዐሉ መድረኻት ክፍጠር ይግባእ ንብል፡፡.

2) ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ወይ ድማ ስሙር ብሄራዊ ካውንስል ዝምልከት

ባይቶና እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝኾነን ዘለናሉ ህሉው ኩነታት ድማ ካብቲ ልሙድ እዋን ዝተፈለየ ሓድነት፣ ፖለቲካዊ ግምገማ፣ ኣሳታፋይ መድረኻትን ቆራፅነትን ከምዝደሊ ንኣምን፡፡ እዚ ንምትግባር ጎናጎኒ እቲ ሴንትራል ኮማንድ ፡-

  • መንግስቲ ትግራይ
  • ብሄራውያን ውድባት ትግራይ
  • ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ
  • ትካላት ሃይማኖት
  • ሲቪክ ማሕበራት
  • ሙሁራን ትግራይ
  • ዩኒቨርስታት ትግራይ
  • ዳያስፖራ ትግራይ

ዘሳተፈን ዝተወከሉሉን ንፖለቲካዊ፣ ምጣነ-ሃፍታውን ማሕበራውን ጉዳያት ዝመርሕ “ስሙር_ብሄራዊ_ባይቶ_ወይ_ድማ_ስሙር_ብሄራዊ_ካውንስል” ክጣየሽ ይግባእ ንብል፡፡ እዚ ዝጣየሽ ካውንስል ካብቲ ወታደራዊ ጉዳያትን ቢሮክራሲያዊ ስራሕትን ወፃኢ ዘለዉ ወቕታዊ ጉዳያት ይትንትን፣ መፍትሒ የቐምጥ፣ መፃኢ ኣንፈት ትግራይ ይንፅር፡፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ካውንስል ድማ ነዞም ዝተወከሉ ኣካላት ዝሓቖፉ፡

  • ፖለቲካ ክፍሊ (እዋናውን መፃእን ፖለቲካዊ ኩነታት ዝግምግም፣ ዝትንትን፣ ዕላማን ኣንፈትን ቃልሲ ዝንፅር፣ መፃኢ ፍኖተ ካርታ ትግራይ ዝነድፍ)
  • ዲፕሎማሲ ክፍሊ ( ንቲ ቃልስን ፖለቲካዊ ኣንፈትን ዝምጥን ዲፕሎማሲያዊ ኣንፈት ዘቐምጥ፣ ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ ዝመርሕ)
  • ማሕበረ-ኢኮኖሚ ክፍሊ (ምስቲ መንግስታዊ መሓውር ኮይኑ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ዘነቓቕሕ፣ ንቃልስና ዝምጥን ናይ ሓይሊ ሰብን ሎጂስቲክስን ቀረብ ዘማልእ፣ ምጣነ-ሃፍታዊ ፍኖተ ካርታ ዘዳሉ)
  • ዘተን ድርድርን ክፍሊ (ፖለቲካዊ፣ ምጣነ-ሃፍታውን ማሕበራውን ረብሓታትን ድሌታትን ትግራይ ዝምልከት ዝግበሩ ዘተታትን ድርድራትን ዝመርሕ፤ ንትግራይ ወኪሉ ዝደራደርን ዝዝትን)
  • ሪፈረንደም ክፍሊ (ኮሚሽን ህዝበ ውሳነ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ ዘሳልጥ፣ ስራሕቲ ህዝባዊ ምልዕዓልን ምንቕቓሕን ዘመቻቹ፣ ኣንፈት ህዝበ ውሳነ ትግራይ ትልሚ ዘቐምጥ) ዝበሃሉ ክፍልታት ይህልውዎ፡፡

3) ክፍሊ ዘተን ድርድርን ዝምልከት (Negotiation)

ባይቶና ትግራይ ሐዚ ኣጋጢምዋ ዘሎ ኩለመዳይ ፈተናን ምዕራፍ ቃልስን ብባህሪኡ ይኹን ብዝጠልቦ ግብረ-መልሲ ፍልይ ዝበለ እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡ ነቲ ፀገም ብግቡእ ተረዲእኻ፣ ንዕኡ ዝምጥን ዓቕምን መሓውርን ፈጢርካ ኣድማዒ ስጉምቲ ንምውሳድ እውን ከም ተጋሩ ካብቲ ልሙድ ዝተፈለየ ኣረዳድኣን ሓድነትን የድልየና ድማ ንብል፡፡ ብዛዕባ ትግራይ ዝውሰኑ ዝኾኑ ይኹኑ ጉዳያት ሓደ ውድብ በይኑ ዝውድኦምን ንዕኡ ጥራሕ ዝግደፉን ኣይኮኑን፡፡ ፀገም ትግራይ ኣብ ምሽካም፣ ምእንተ ትግራይ ኣብ ምሟት ቅድሚት ዝተሰለፈ ትግራዋይ ኩሉ ብዛዕባ መፃኢ ዕድልን ረብሓታትን ትግራይ ክመክር ኣለዎ፤ ክዝቲ ኣለዎ፤ ሰሚሩ ኣንፈት ከቐምጥ ኣለዎ፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ትሕቲ እዚ ”ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ወይ ድማ ስሙር ብሄራዊ ካውንስል)” ዝቐውም ክፍሊ ዘተን ድርድርን፡

  • መንግስቲ ትግራይ
  • ብሄራውያን ውድባት ትግራይ
  • ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ
  • ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሙሁራን ትግራይ ዘካተተ ይኸውን ፡፡

እዚ ክፍሊ ድማ ኣብ ትሕቲኡ 3 (ሰለስተ) ዓበይቲ ክፍልታት ዘለውዎ ኮይኑ ይቐውም፡፡

  1. ተደራደርቲ (Chief Negotiators)*
    • ብስምምዕነት ኣባላት እዚ ካውንስል ዝምረፁ ዓለም-ለኸ ልምዲ፣ ሙያዊ ዓቕሚ፣ ጠንካራ ብሄራዊ ስምዒት ዘለዎም ተጋሩ ዝሓዘ
    • ካብተን ኣባል ዝኾና ትካላት ዝሕረዩ ወይ ድማ ብጥቆማ ይቐርቡ፡፡
    • ኣብ ዝህልዉ መድረኻት ድርድር ንትግራይ ወኪሎም ይቐርቡ፡፡.ለ.
  2. ቴክኒካዊ ክፍሊ (Technical Team).
    • ብስምምዕነት ኣባላት እዚ ካውንስል ዝምረፁ ዓለምለኸ ልምዲ፣ ሙያዊ ዓቕሚ፣ ጠንካራ ብሄራዊ ስምዒት ዘለዎም ተጋሩ ዝሓዘ
    • ካብተን ኣባል ዝኾና ትካላት ዝሕረዩ ወይ ድማ ብጥቆማ ይቐርቡ፡፡
    • ኣብ ዝህልዉ መድረኻት ዝቐርቡ ሓሳባት ሙያዊ መብርሂ ዝህቡ፣ ልምዲ ዘካፍሉ፣ ክንክተሎ ዝግባእ ሜላታት ዝጥቁሙ፣ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማትን መፍትሕታቶምን ኩሎም ዝትንትን
  3. ሓፈሻዊ መድረኽ ሓሳብ
    • እዚ መድረኽ ኣባላት እተን ኣብዚ ክፍሊ ዝተመደባ ትካላት ዝርከብዎ እዩ፡፡
    • ኣብቲ ዝግበር ድርድር ክኸውን ኣለዎ ዝብልዎ ሓሳብ፣ ክቕመጥ ኣለዎ ዝበሃል ኣንፈት ብመንፅር ናይ ትካሎም መትከል ወይ ድማ ካብ ልምዶምን ፍልጠቶምን ተላዒሎም ሓሳብ ዘቕርቡሉ፣ ዝከራኸሩሉ፣ ዝመኽሩሉ እዩ፡፡
    • ኣብዚ መድረኽ ዝለዓሉ ሓሳባት ብክፍሊ ቴክኒክ ሙያዊ መብርሂ እናተውሃቦም ሙሉእ ቅርፂ ክሕዙ፣ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ቅቡልነት ክህልዎምን ስምምዕነት ክብፀሐሎምን ይግበር፡፡

ጉዳይ ትግራይ ንኹሉ ትግራዋይ ይምልከቶ፡፡ ንትግራይ ወኪሉ ናብ ድርድር ዝኸይድ ኣካል ድማ ዝበሰለ ሓሳብን ኣንፈትን ሒዙ ክቐርብ ስለዘለዎ ሓቋፋይን ሓሳባት ዝንሸራሸሩሉን ክፍሊ ክኸውን ውድብና ይፅውዕ፡

4) ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ትግራይ ዝምልከት

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ትግራይ ካብ ሓምለ 17/2013 ዓ/ም ጀሚሩ ንቀፀልቲ 6 ኣዋርሕ ክትግበር ከምዝፀደቐ ይፍለጥ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ጣብያታትን ወረዳታትን እዚ ኣዋጅ ንምፍፃም ዘኽእል ናይ ፖሊስን ደሕንነትን መሓውራት ኣብ ዝፈረሱሉ፣ ቤት ፍርድን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ኣብ ዘየለውሉ እዋን ዝፀደቐ ስለዝኾነ ምስ ኣፈፃፅማ ዝተተሓሓዘ ብዙሓት ዘሰክፉ ተርእዮታት ኣለዉ፡፡ ንኣብነት፦

  • ኣብ ወረዳታትን ከተማታትን ዝተመረፀ ህዝባዊ ውክልና ዘለዎ መንግስታዊ መሓውር የለን፡፡
  • እቲ ኣዋጅ ናይ ፍትሒ ትካላት ኣብ ስለዘየለዉ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ መሬት ተፈፃሚ ኣይኮነን፡፡ እቶም ናይ ፀጥታን ፍትሕን መሓውራት ኣብ ስራሕ ስለዘየለዉ ድማ ህዝቢ ምእኹልነት ብዘይብሉ ናይ ሓራ መሬት ሕጊ እዩ ዝመሓደር ዘሎ
  • ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ብዘይካ ናይ ቤትምኽሪ ሕጋዊ ኣፍልጦን ካብ ስልጣኑ ወፃእን ቅቡልነት ዘይብሉ፣ ክሳብ ሞት ዘብፅሕን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ናይ ገንዘብ ቅፅዓትን ካልኦትን ይብይን፡፡
  • ቤት ምኽሪ ዘፅደቖ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ታሕቲ ተግባራዊ እናተገረበረ ኣይኮነን፡፡ ትካላት ፖሊስ፣ ፀጥታን ደሕንነትን ኣብ ስሩዕ ስራሕተን ኣብዘይፍፅማሉ እዋን ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቓድን ዘይብሎም ኣካላት ሰባት ክኣስሩ፣ ክቐፅዑ፣ ከንገላትዑ ዕድል ይህብ ኣሎ፡፡ ስለዚ ብፍላይ ኣብ ኣናእሽቶይ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ስርዓት ኣልቦነት ዝመስል ኣካይዳታት ይሰፍን ኣሎ፡፡

5) ምቛም ምምሕዳር ወረዳታትን ከተማታትን ዝምልከት

ከም ዝፍለጥ ብመሰረት ስርዓት መረፃ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረፃ ምስተኻየደ ናይ ወረዳን ካልኦትን ከባብያዊ መረፃታት ድሕሪ 2 ዓመት እዮም ዝካየዱ። በዚ ምኽንያት ድማ ድሕሪ መበል 5ይ መረፃ 2007 ዓ/ም ኣብ 2009 ዓ/ም ክካየድ ዝነበሮ ከባብያዊ መረፃ ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ቀፂሉ ድማ ለውጢ ስርዓት ብምምፅኡ ካሳብ ሕዚ ከይተኻየደ ፀኒሑ፡፡ እዘን ከባቢያዊ ምምሕዳራት ብመረፃ ካብ ዝጣየሻ 9 ዓመት፤ ድሕሪ 2009 መረፃ ክካየደሉ ካብ ዝግባእ ድማ ዛጊድ 4 ዓመት ኣሕሊፉ እዩ። እዚ ከባብያዊ መረፃ ተወንዚፉ ከሎ እኳ ትግራይ መበል 6ይ መረፃ ኣብ ዝሓለፈ ጳጉሜን 4/2012 ዓ/ም ኣካይዳ እያ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘጋጠመ ወራር ኩሎም ምምሕዳራት ወረዳን ከተማታትን ፈሪሶም እዮም፡፡

ድሕሪ ሰነ 21/2013 ዓ/ም ስርዓተ-መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ ግን ናይ ወረዳታትን ከተማታትን ምሕደራ ንምጥያሽ ምንቅስቓሳት ይካየዱ ኣለዉ፡፡ ይኹን እምበር እዚ ዝገብሮ ዘሎ ኣካይዳ ቅቡልነት የብሉን ንብል፡፡ ምኽንያቱ እዚ ከይዲ ነቲ ዘሎ ሃዋህው ኣብ ግምት ዘየእተወን ናብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ዘእቱን፣ ረብሓን ሕቶን ህዝቢ ብምርሳዕ ጉጅለኣዊ መሓውርካ ንምድልዳል ዝግበር፣ ናይ ሕጊ መሰረት ዘይብሉን እዩ።

ስለዚ ከም እምነት ውድብ ባይቶና፦

  • ህዝቢ ብግዚያውነት ዘመሓድርዎ ኣካላት ብሙሉእ ነፃነት ክመርፅ እናተገብኦ ካብ መትከልን ድሌትን ሓደ ውድብ ዝብገስ ማሕንቖ ተቐሚጡሉ ኣሎ፡፡ ንባህግን ዕላማን መሪሕነት እቲ ውድብ ብዝጥዕም፣ ህዝቢ ንምቑራን፣ ዝነበረ መሓውርን ኔትወርክን ክብሩ ከይተነኽአ መሊስካ ንምትካል ምእንቲ ክምቹ ኣመሓደርቲ ንምመራፅ 2 (ክልተ) ዋና መመዘኒ ረቑሓታት ንህዝቢ ቀሪቦም ኣለዉ፡፡
    • ኣባል ህወሓት ዝኾነ
    • ዝተጋደለ ዝብሉን እዮም፡፡

      እዚ ማለት ዓቕሚ፣ ስነ-ምግባር፣ ብሄራዊ ውግንና፣ ህዝባዊ ቅቡልነት፣ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሮ ኣበርክቶ፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝደልዮ ጠለብ ንምምላእ ዘለዎ ዓቕምን ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ጉጅለኣዊ ጥንካረ ንምርግጋፅን ንሕኸኸለይ ክሓከልካ ጥራሕ ዝምቹን ረቑሓ ስለዝኾነ ቅቡል ኣይንገብሮን፡፡
  • ትግራይ ብስርዓትን ብሕግን እትመሓደር፣ ብፍቓድ ህዝቢ ዝግናሓ ትካላት ዝመርሓኣ እምበር ቅልፅምን ስልጣንን ጉጅለታት ዘሽከርከረኣ ክትከዉን ስለዘይግባእ እዚ እዋን ዘምፀኦ ፀበባ ተበሊፅካ፣ ህዝቢ ኣብ ሕሱም ፀገምን ፀልማትን እናሃለወ እዚ ከም ጉልባብ ብምጥቃም ዝመስሉኻ ሹመኛታትን ምስለኔታትን ብምቕማጥ ኣብ ማእገር ህዝቢ ንምዕንዳር ዝግበር ፃዕሪ ጠጠው ክብል ንሓትት።
  • ከም ሃገር ጠጠው ኢልና ስሩዕ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ወይድማ እቲ ከባብያዊ መረፃ ዝግበረሉ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝፍጠር ቢሮክራስያዊ ስራሕቲ በቲ ዘሎ ሲቪል ሰርቫንት ክካየድ፣
  • ናይ ወረዳን ከተማታትን ምሕደራ ብዝምልከት ድማ ህዝቢ ኣሳታፍይ ብዝኾነ መስርሕን ብግዝያዊነትን ባዕሉ እናመረፀ ዝመሓደረሉ ኣንፈት ክቕመጥን ኣለዎ ንብል።

6) ህዝብዊ ኮንፈረንሳት ዝምልከት

ህዝብና ኣብዚ ፀበባ እዋን ዝተኣወጀሉ ኩለመዳያዊ ኩናት ብህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ እዩ መኪትዎ። ካብ ዓብዪ ክሳብ ህፃን፣ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ፣ ኩሉ ፆታን ሙያን ብዘካተተ መንገዲ ተዋዲዱ ተቓሊሱ። ኣብ ግንባር ምስ ፀላኢ ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቑ ዝኳሻሕ ሰራዊት ትግራይን፤ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብሄራዊ እጃሙ ዝተዋፅአ ህዝባን ዝገበሮ ኣበርክቶ ተደሚሩ እዩ ናብቲ ዘለናዮ ብርኪ ተበፂሑ።

ኣብ መንጎ እዚ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መወዳእታ ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ተዳልዪ ህዝቢ ክመያየጠሉን ክነቓቐፈሉን ብዝብል ዝወፀ ሰነድ ኣሎ። እቲ ሰነድ ከም ውድብ ዝነበሮ ፀገማት ዝርኤሉ፣ ጥንካረታቱ ዓቂቡ ዝቕፅለሉን ህዝቢ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝነበሮ ጠንካራ ስምረት ዓቂቡ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ብዓወት ንምዝዛም ብዘኽእል መንገዲ ዝተቓነየ ኣይኮነን። ብኣንፃሩ እቲ ሰነድ

  • ትግራይን ትግራዋይነትን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዘለወሉ፣ ሉዕላዊ መሬትናን ህዝብናን ኣብ ኢድ ፀላእቲ ኣብ ዘለወሉ፣ ህዝብና ብጨካን ሽርሒ ፀላእቲ ጉሮሩኡ ተዓፅዩ ብጥሜትን ብሕማምን ክሃልቕ ኣብ ዝተፈረደሉ፣ ጀጋኑ ኣሕዋትና ኣብ መንጋጋ ፀላኢ ኮይኖም ኣብ ዝኳሽሑሉን ልዑል ሰብኣውን ሎጂስቲክሳዊ ድጋፍ ኣብ ዝጠልቡሉን እዋን፣ ህዝብና ስምረቱን ሓድነቱን ሓልዩ ናብ ዓወት ክበፅሕ ምግባር ኣብ ዘድልየሉ፣ ደው ዝበልናሉ ሃዋህው ውሑስ ኣብ ዘይኮነሉን እዋን ዝግበር ዘሎ በለፀኛ ኣካይዳ ስለዝኾነ.
  • ንኣባላትን መሪሕነትን እቲ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ህዝቢ ክመያየጠሉን ክገማገመሉን ዝተገበረ ስለዝኾነ
  • ዝተውሃቦ መንግስታዊ ሓላፍነት ብግቡእ ብዘይምውፅኡ ህዝቢ ንዓፀቦን ውርደትን ዘብቀዐ ውድብ፤ ንጥፍኣቱ ሓላፍነት ኣብ ክንዲ ምውሳድ ፤ ብዘይ መራሒ ትግራዋይ እምነቱን ሓቦኡን መሰረት ገይሩ ብስምረት ንዝተቓለሰን ዘቃለሰን ህዝቢ A, B, C, D እናበለ ብምኽፋል ትኹረቱ ኣብ ውሽጣዊ ምንኻስን ምጥቑቋምን ከተኩር ዝገብር ምኳኑ
  • በረኻ ዝወፀን ዘይወፀን ዝብል ታርጋ ብምልጣፍ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብደጀን ዝሰርሖም መስተንክራዊ ጅግንነታት ዋጋ ዘስእን፣ ህዝቢ ተስፋ ክቖርፅን “ቃልሲ ማለት በረኻ ምውፃእ ጥራሕ ’ዩ” ዝብል ዝተጋገየ ትርጉም ዘውህብን እዩ።
  • ብሰንኪ ሕመቕን ጉድለት ስትራቴጂካዊ (ኣማቲ) መሪሕነትን ህወሓት ዝተፈጠሩ ሓላፍ ዘላፋት ህዝቢ ኣልዒሉ ከይግምግም፤ ናብዚ መን ኣእትዩና፣ መን እዩ ተሓታቲ ዝብል ከየልዕል ቀዲምካ ህዝቢ ንስንሳቱ ክናቖርን ክስኮንን ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ
  • እቲ በፂሑና ዘሎ ውድቀትን ውርደትን ክገጥመና ልዑል ተራ ዝነበሮ ውድብ፣ ንዝነበሮ ናይ ስትራቴጂክ መሪሕነት ስእነትን ብስርውናን ህዝቢ ደፊሩ እንተልዒሉ ድማ ኣይተዳለናን ኔርና፣ ዘራይ በዚሑና ወዘተ ዝብሉ ካብ “ተሓታትነት ዘየድሕኑ” ቃላት ተጠቒምካ ንምሽፋንን ንምድሃልን ዝዓለመ እዩ
  • ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መከራ እዋን ቀሊል ዘይበሃል ኣባልን መሪሕነትን እቲ ውድብ ተቖራሪፁ፤ ብርክት ዝበለ ድማ ከዲዑን መንግስትነት ትግራይ ክፈርስ ናይ ባዕሉ እጃም ነይርዎ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ውድብ ድሕሪ ሕዳር 30 ኣብ ዝነበረ ህዝባዊ ቃልሲ ዝነበሮ ተሳትፎ ውልቀ ሰባት ከም ትግራዋይነቶም ዘካየድዎ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ እቲ ዝተገብረ ቃልስን ዝተረኸበ ዓወትን ብዝተወደበ መንገዲ በቲ ውድብ ተመሪሑ ከም ዝተዓወተ ኣምሲልካ ንምቕራብን ኣብ ህዝቢ ደንገርገር ብምፍጣር “ዕዱም ኮይንካ ኣብ ዝመፃኻዮ መርዓ፣ መርዓዊ ኮይንካ ንምቕራብ” ዝዓለመ ስለዝኾነ
  • ህዝብና ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሑ ኣብዚ ንዘብፀሐ ሰራዊት ንምሕጋዝ በብዝጥዕሞ ተወዲቡ ወለንታዊ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ኣካል እዚ ድማ ደጀን ኮይነን ዘድሊ ሎጂስቲካዊ፣ ናይ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ተግባራት ብዝተዋደደ ኣገባብ ኩለመዳያዊ ደገፍ ኣብ ምግባር ዝነጥፋ ዝነበራ ናይ ህዝቢ ውዳበታት ልዑል ኣብርክቶ ነይርወን። እዘን ውዳበታት ሀዝውን በዚ ንቕሓትን ጥንካረን እንተቐፂለን ንስልጣን እቲ ውድብ ሓደጋ እየን ኢሉ ስለዝኣመነ እቲ ቃልሲ ከይተዛዘመ እዘን ውዳበታት ንምፍራስን ንምብትታንን ብናይ ባዕሉ ልሙድ ጥርናፈ ንምትካእ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ። ብተወሳኺ፥ እቲ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊን ፆታውን ኣፈላላይ ሰሚሩን ተዋዲዱን ዝተቓለስ ህዝባዊ ውዳበታት ብስም ዓርሰ ነቐፌታ፣ በረኻ ዘይምውፃእ፣ “ እንታይን ክንደይን ” ብዝብል ውልቃዊ ኣበርክቶ ሰባት ብምፅብፃብን ነንርእሱ ክቀሓሓርን ክጠራጠርን ብምግባር ኣብ ክሊ ብሄራዊ ረብሕኡ ዓሲሉ ዝፈጠሮ ስሙር ሓድነት ብምፍራስ ንቐፃሊ ስግኣት ከይኸውን ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ። መሪሕነት ኣቲ ውድብ ነናይ ባዕሎም መፃኢ ህረፍ ወንበርን መሓውርን ንምድልዳል ክበሃል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከይተወደአ ኣብ ጎናዊ ሕቱኽትኹን ዘይምርድዳእን ክኣቱ ዝገብር ስለዝኾነ፡፡.
  • ባንዳን ገበነኛን ንህዝቢ ትግራይ 2ተ ግዘ ዝሓረዱ ከዳዓት ስለዝኾኑ ናይ ኢዶም ክረኽቡ ከምዝግባእ ዘተሓትት የብሉን። ረብሓን ጥቕምን ህዝቢ ዘሀገረ፣ ህልውና ህዝቡ ንሓደጋ ዘቃለዐ ንውልቀ ረብሓ ክብል ጉድኣት ዘብፅሐ መን እዩ? ዝብል ህዝብና ነፂሩ ይፈልጥ እዩ። እዚ ንምፅራይ እውን ህዝብና ሓበሬታ ዘቕርበሉ ንፁር መስርሕን ኣካይዳን ብምድላው፣ ነዚ ዝከታተል ጠንካራ ናይ ሓበሬታን ድሕንነትን ትካል ብምፍጣር ስሉጥ ተግባር ምፍፃም ይከኣል፡፡ ይኹን እምበር ባንዳ ምፅራይ ዝብል ቅዱስ ተግባር ብምጭዋይ ህዝቢ ነንባዕሉ ክጠራጠር፣ ክጠቓቓዕ፣ ወንጀለኛታት ድማ ተጎዛጒዞም ክሓልፉ ብዝገብር መንገዲ ይስራሕ ኣሎ።

7) ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ ግፍዕን መከራን ብቃልሲ ህዝቢን መሪር መስዋእትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ፣ ብብሱል መሪሕነትን መርኣያነትን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ በዲህናዮ። ግፍዕን መከራን ዝኸበዶ መንእስይ ትግራይ ምስ ነባራት ጀጋኑ መራሕቲ ሰራዊት ተዋዲዱ ሂወትን ኣካልን ከፊሉ ዓወትና ዓቐብ ኣውፂእዎ።

ሰራዊት ትግራይ ብቐፃልነት ብሕግን ኣዋጅን ዝቐውም ዓርሱ ዝኸኣለ ነፃ ትካል፣ ብቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን ዝተማለአ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጎሊሁ ዝረአ ሓይሊ (East African Super Power) ክከዉን እዩ ባህግና። እዚ ባህግና ጋህዲ ንምግባር ከም ትካል ጠጠው ክብል፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፅዕንቶን ድሌት ዘለዎ ሓይልን መገልገላይነት ዝረሓቐ ክከዉን ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ’ውን ዝካየድ ዘሎ ቃልስን ዘለና ሰራዊትን “ምእንተ ምውሓስ ህልውና፣ ምምስራት ሃገረ ዓባይ ትግራይ፣ ብወለንትኡ ዝተደራጀወ ሰራዊት” ስለ ዝኾነ ሰራዊት ትግራይ ተባሂሉ ክፅዋዕ ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ይኹን እምበር፦

  • ትካላት ሚድያ ዓለም፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ሽም ሰራዊትና እንትፅውዓ “ሰራዊት ህወሓት” ብዝብል ይጥቀማ እየን። እዚ ድማ ብጌጋ ጥራሕ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡፡ ስለዝኾነ እዚ ኣገላልፃ ሰራዊትና ንዝተልዓለሉ ዕላማን ህዝባዊ ውግንንኡን ስለዘይገልፅ፣ ብፖለቲካዊ ርእዮት ተጎዛጒዝካ ነቲ ሰራዊት ንምውቃዕ ዝደልዩ ሓይልታት ስለዝምችዎምን ዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ እዘን ትካላት ክእረማ ፃዕሪ ክገብር
  • ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን “ሰራዊት ህወሓት” ዝብል ሓሳብ ይጥቀሙ ፀኒሖም፣ እዚ ውን ግቡእ መአረምታ ክግበረሉ
  • ሚድያታት ትግራይን ዝተፈላለዩ ሙዚቀኛታትን ኣብ ዝዝርግሕዎ ትሕዝቶታት “ሰራዊት ህወሓት” ዝብል ይጥቀሙ ኣለዉ፣ እዚ እዉን ብእዋኑ ክእረም
  • ሰራዊት ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ተቓልስቲ ዝገብሮ ምሕዝነት (ንኣብነት ምስ ናይ ኦሮሞ፣ ኣገው፣ ዓፋር ሓይልታት) ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘጎልብት እዩ ኢልና ስለንኣምን ከም ባይቶና ብሙሉእ ልቢ ንድግፎ። ይኹን እምበር እዞም ምሕዝነታት ብስም ሰራዊትና ዝተገበሩ እንተኾይኖም ዝተፈላልዩ ኣካላት ሞሳ ንምክፋል ዝገብርዎ ሸበድበድ መልክዕ ክሕዝ ይግባእ። ንኣብነት ሰራዊት ትግራይ ምስ ሰራዊት ነፃነት ኦሮምያ ዝገበሮ ስምምዕነት ስዒቡ
    • መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ እቲ ስምምዕነት ምስ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሚያ ከምዝተገበረ ሓቢሮም
    • ወሃቢ ቃል ሴንትራል ኮማንድ እቲ ስምመዕነት ምስ መንግስቲ ትግራይ ከም ዝተገበረ ሓቢሮም
    • ቤት ፅሕፈት ምሕዝነት ወፃኢ ትግራይ እቲ ስምምዕነት ምስ ውድብ ህወሓት ከም ዝተገበረ ሓቢሮም
  • ውድብና ሰራዊት ትግራይ ናይ ዝኾነ ውድብ መገልገሊ ከምዘይኮነ ንኣምን፡፡ ስለዝኾነ እዞም ዝተዛብዑ ኣገላልፃታት ክእረሙን፣ ዝምልከቶ መሪሕነት ናይቲ ሰራዊት ( ብፍላይ ሴንትራል ኮማንድ) እቲ ሰራዊት ነፃ ኮኑ ክቐውም ክገብርን፣ ንሚድያታት፣ መንግስታትን ትካላትን ድማ ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይተተሓሕዙኒ ክብል ኣለዎ፡፡

8) ኣብ ታዕሊም ሰራዊት ትግራይ ዝወሃብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝምልከት

ሰራዊት ትግራይ ጎናጎኒ እቲ መሰረታዊ ወታደራዊ ትምህርቲ፤ ታሪኽ ዓዱ ክፈልጥን ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ክጉልብትን ከምዝግባእ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ብወታደራዊ ብቕዓቱ ዝተመስከረሉ፣ ታሪኹን ክብርታቱን ጠንቂቑ ዝፈልጥ፣ ዝቃለሰሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተረድኦ ብሉፅ ሰራዊት ክህልወና ድማ ንደሊ። ኣካል እዚ ድማ እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ንምዕዋትን ብቐፃልነት እውን ዱልዱል ሰራዊት ንምህናፅ መሰረት ዝኾኑ ታዕሊማት እናተካየዱ ፀኒሖም ሐዚውን ይካየዱ ኣለዉ። ኣብዚ ታዕሊም ውሽጢ ካብቲ ዝወሃብ ወታደራዊ ስልጠና ብተወሳኺ ”ፖለቲካዊ ትምህርቲ” ብዝብል ዝተዳለወ ሰነዳት ተዓለምቲ ክስልጥንሉ ከምዝግበር ይፍለጥ።

ውድብና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣብ ትግራይ ኣብ ዘለዉ ናይ ሰራዊትና ናይ ታዕሊም ቦታታት ዝወሃቡ ፖለቲካዊ ስልጠናታት ክከታተል ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ መብዛሕቲኡ ኣርምታትና ዝወሃብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፦

  • ብተብተብ ዝተዳለወ፣ ዘይተገምገመን ዕምቆት ዘይብሉን
  • ፖለቲካዊ ባህግን ስነ-ሓሳብን ውድብ ህወሓት ጥራሕ ዘንፀባርቕ
  • ሕገ-ደንቢ እቲ ሰራዊት ዝጥሕስን ውግንና ናይ ሓደ ውድብ ክሕዝ ዝገብርን
  • ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዘይኮነስ ታሪኽን ዓወት 30 ዓመታትን ህወሃት ጥራሕ ዘርኢ
  • ታሪክ ትግራይ ናይ 50 ዓመት ታሪኽ ጥራሕ ገይሩ ዘቕርብ
  • ኣብተን ማእኸላት ታዕሊም ናይ ወረዳን ዞባን ናይ ህወሃት ቤት ፅሕፈት ኣመራርሓ፣ ሓለፍቲ መሰረታዊ ውዳበታት ዝነበሩ ጥራሕ ኣሰልጠንቲ ፖለቲካ ዝኾንሉ
  • ፀላእትና ዝወቕዑና ብዘለና ፖለቲካዊ ጎንፂ ምኽንያት፣ ካብ ዘለዎም ናይ መሬት ተስፋሕፋሒ ባህሪ ተላዒሎም፣ ኣብ ትግራይ ብዘመፃእናዮ ልምዓት ቀኒኦም እዮም ዝብል ምስሉይን ዘይቅቡልን ድምዳመ ዝህብ እዩ። ፀላእትና ብመንነትና፣ ብታሪኽና፣ ብስልጣነና፣ ብዘለና ናይ ባህጊ ዘይተዓረቕ ጎንፂ ከጥፍኡና ዝተልዓሉ ምዃኑ ኣየርእን።

ዚ ንምርዳእ ከም ኣብነት ኣብ ሰራዊትና ካብ ዘለዋ ኣርምታት ናይ ሓንቲ ኣርሚ “መሰልጠኒ ሰነድ ፖለቲካዊ ትምህርቲ” ንመርኣዪ ክኸውን ኣተሓሒዝና ልኢኽና ኣለና፡፡

በዚ መሰረት፣ ብሰንኪ ዝተለመደ ናይ ፍረጃን ዘይሸወየን ሜላ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ታዕሊም ማእከላት ዘለዉ ሰልጠንቲ “ንምንታይ ንቃለስ ኣለና፣ ታይ ዓይነት ትግራይ ንምህናፅ ኢና ንደሊ ዝብል ትምሀርቲ ኣምህሩና ዝበሉን በቲ ትሕዝቶ እቲ ሰነዳት ሕቶ ዘልዕሉን” ዝተፈላለየ ፀቐጢ ይበፅሖም ስለዘሎ ኣብ ተዓለምቲ ኣሉታዊ ተርእዮታት ንርኢ ኣለና። ስለዚ ብቐፃሊ

  • ኣብ ኩለን ማእኸላት ዝወሃብ ዘሎ በብ ኣርሚኡ ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሰነዳት ቀርዩ ብማእኸል ደረጃ ዝዳሎን ሓደ ምእኹል ሰነድ ክህሉ
  • ጥንታውን መንነታዉን ታሪኽ ትግራይ ክካተት
  • ብቑዓት፣ ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ነፃ ዝኾኑ፣ ንሰራዊት መርኣያ ክኾኑ ብዝኽእሉ ኣሰልጠንቲ ክወሃብ
  • ተጋሩ ካብ ውድቀትና ክንመሃር፣ ዓወታትና ክንዕቅብ ብዘኽእል መንገዲ ንቕሓት ዝፈጥር ክኸዉን
  • ንኻልኦት ተፃባእትና ኣብ ምውቃስ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ተጋሩ ውሽጣዊ ዓቅምና ሰኣን ምውዳብን ፅንቂቕና ምጥቃምን ዝኸፈልናዮ ዋጋ ክንመሃረሉ ብዝገብር ክካተት
  • ዘምለጡና ዕድላትን ፀላእትና በዚ ተጠቒሞም ዝተበለፅሎም ጌጋታት ዘርኢ ክኸውን*ኩለመዳይ ዓቕምታትና ፀንቒቕና ክንጥቀም ዝገብር
  • ብሄራዊ ረብሓታትናን ባህግታትናን ብንፁር ዘርኢ
  • ፀላእትና ብተደጋጋሚ ንምንታይ የጥቅዑና ዝብል ብግልፂ ዝምልስ ክኸዉን
  • ንምንታይ ንቃለስ ኣለና፣ ንምንታይ ንስዋእን ንቖስልን ኣለና ዝብል ንፁር ዕላማ ዘለዎ ክከዉን
  • ካብ ጭርሖ ብዝሓለፈ ኣብ ዝጭበጥ ፖለቲካዊ ዓንዲ ዝምስረት ክከዉን ዝኽእል ሰነድ ብምድላው ብቑዕን ድልዱልን ሰራዊት ንምህናፅ ዕውት ክገብር ፃውዒት ንገብር።

ስለዝኾነ ድማ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሓበሩ ጉዳያት ትኹረት ሂቡን ብዕምቆት ገምጊሙን ቅልጡፍ መአረምታን ምትዕርራይን ክገብር ባይቶና ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)

ጳጉሜን ፳፻፲፫ ዓ/ም

መቐለ፣ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT