Connect with us

መግለፂ

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ካብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ(ባይቶና) ዝተውሃበ መግለፂ

Published

on

ኩሎም ዓቕምታትና ፀንቂቕና ብምጥቃም ህላወን ረብሓን ትግራይ ነውሕስ!

ህዝብና ንዝሓለፉ 14 ኣዋርሕ ኣብ ከቢድን ዘስካሕክሕን ዓፀቦ ይርከብ፡፡ ፀላእቲ ትግራይን ትግራዋይነትን ብዝተዋደደን ዝተናበበን ትልሚ ዝኣወጅዎ ከይዲ ምፅናት ዘርኢ ሂወትን ኣካልን ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ በሊዑ እዩ፡፡ ሚልዮናት ንስደት ተሳጢሑ፣ ዓሰርተታት ኣሽሓት እኖታትናን ኣሓትናን ድማ ግዳይ ፆታዊ ዓመጽን ስነ-ልቦናዊ ሃሰያን ኮይነን፡፡ በዚ ግፍዒ እዚ ዘይዓገቡን ሎምውን ትግራዋይ ብሂወት ተሪፉ፣ ትንፋስ ረኺቡ ንነፃነቱ እንትቃለስን ዓንዲ ሕቖኦም እንትሰብሮምን ዘይተውሓጠሎም ታሪኻውያን ፀላእትና ካብ ጥይትን ስደትን ዝተረፈ ህዝቢ ንምህላቕ ብጉሮሮኡ ዓፅዮም ብጥሜት፣ መድሓኒት ከልኪሎም ብሕማምን ብድሮንን ክውድኡዎ ቆሪፆም ተላዒሎም ኣለዉ፡፡ ፀላእቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዘይለቐቕዎም ሕጋውን ታሪኻውን መሬታት ትግራይ ዝኾኑ ከባብታት ምዕራብን ዓፋርን ድማ ተጋሩ ብጅምላ ይቕተሉ ኣለዉ፡፡

ከም ተጋሩ እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዙርያ ምላሽ ዕፅዋን ንምፍታሕ ዘለና ብሕታዊ መማረፂ ብኹለመዳይ ቃልሲ ስዒርና ክንወፅእ እንተኽኢልና ጥራሕ እዩ፡፡ ብልዑል ፀብለልታ ዓወታት ዘመዝግብ ዘሎ ወታደራዊ ቃልስና ተጠናኺሩ ክቕፅል ኩልና እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ፡፡ ኣብ ካልኦት ዘርፍታት እውን ህሉውን መፃእን ኩነታት መሰረት ዝገበረ፣ ንኩሉ ዓቕምታትን ፀጋታትን ትግራይ ጸንቂቑ ዝጥቀም ኣወዳድባን ለውጥን የድልየና፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ዘስዕቦ ሃሰያን ኪሳራን ብግቡእ ዝርዳእ ህዝቢ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ንዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ንሰላምን ሰላምን ጥራሕ ክፅውዕ ፀኒሑ እዩ፡፡ እዚ ምሕፅንታ ሰላም ህዝብና ዝነጸጉ ታሪኻዊ ደመኛታት ፀላእቲ ዓቕሞምን ሓይሎምን ፀንቂቖም ወራር ምንፃት ዘርኢ ፈፂሞምሉ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ወፍሪ ጀኖሳይድ ዘተሓሳሰቦ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ብተደጋጋሚ ንሰላም ጸዊዑ ብሰንኪ እምቢታ እዞም ጸላእቲ ክሳኻዕ ኣይከኣለን፡፡ ሐዚ እውን ዝግበሩ ዘለዉ ናይ ሰላም ፃዕርታት ካብ ልቢ እንድግፎም ምኳንና እናገለፅና፤ ብዘላቕነት ኣብ መንጎ ህዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሙሉእ ሰላም ክህሉ እንተደኣኾይኑ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኩነታት ዘማልአ ከይዲ ክኽተል ከምዘለዎ ክንገልፅ ንፈቱ፡፡

  1. ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ኣብ በብግንባሩ ዘመዝግቦም ዘለዉ ብሉፃት ዓወታት መደላድል ህልውና ትግራዋይነት ዝውስኑን ረብሓታትና ክነውሕስ መንገዲ ዝኸፍቱን ስለዝኾኑ ሐዝውን ቃልሱ ኣሐይሉ ክቕፅል ይግባእ፡፡
  2. ብመትከል ደረጃ ናይ ህዝብና ህልውናን ቅሳነትን ዘውሕሱ ናይ ዘተን ሰላምን መድረኻት ንድግፍ፡፡ ይኹን እምበር ፀላእቲ ኣብ ሉኣላውን ሕጋውን መሬትና ኮይኖም ዜጋታት እናሓረዱን፣ ህዝብና ብድሮን እናተጨፍጨፈን ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዘተ ክህሉ ስለዘይክእል ካብ መሬት ትግራይ ጉዕዞኦም ጠቕሊሎም ክወፁ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱ፣ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቶም ጠጠው ከብሉን ኣለዎም፡፡
  3. እዚ ኲናት ብሰላም ክውዳእ እንተኾይኑ መሰረታዊ ረብሓታትን ዓንዲ ህልውናን ትግራይ ዝኾኑ ባእታታት ክኽበሩ ኣለዎም፡፡ እዞም ዓንድታትን ረብሓታትን ድማ ኩሎም ይምልከተኒ ዝብሉ ተጋሩ ተስማዕሚዖም ብዘቐምጥዎ ኣንፈት መሰረት ብዝግበር ቃልስን ጉዕዞን ጥራሕ እዮም ዝኽበሩ፡፡ ስለዝኾነ ሐዝውን ንባዕሉ ንስሃ ኣቦ ብሄር ብሄረሰባትን ተሓላቒ ኣሃዳዊ ሕገ-መንግስትን ገይሩ ዝርኢ ሓደ ውድብ ጥራሕ ዝገብሮ ናይ ዘተ፣ ድርድር ይኹን ስምምዕ ሰላም ዘላቒ ውፅኢት ዘየምፅእን ከም ናይ 1983 ዓ/ም መሰረታዊ ረብሓታትናን ዓንድታትናን ዘሀግር ስለዝኸውን ዝግበር በይናዊ ዘተን ድርድርን ቅቡልነት ኣይህልዎን፡፡
  4. እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝባዊ እዩ፡፡ መፃኢ ዕድል ትግራይ እውን ፀጋን ዓቕምን ኩሎም ተጋሩ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ጥራሕ ይገሃድ፡፡ ስለዝኾነ ካብ ስልጣንን ሓላፍነትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ወፃኢ ዝኾኑ ናይ ዘተን ድርድርን፣ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ቃልሲ፣ ሪፈረንደም ዝምልከቱ ተግባራት ዝውስንን ዝመርሕን ዝምልከቶም ትካላት፣ ሙሁራት፣ ሓይልታ ምክልኻል ትግራይ፣ ውዳበታት፣ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብ/ክ/መ/ትግራይን ዝሓቖፈ ከምኡ ድማ ብቤት ምኽሪ ብ/ክ/መ/ትግራይ ዝጣየሽን ስሙር ብሄራዊ ባይቶ ክቐውም ደጊምና ፃውዒት ነቕርብ፡፡

ስሙርን መሪርን ቃልሲ፣ ንምግሃድ ሃገረ ዓባይ ትግራይ!

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)

ጥሪ ፲፩-፳፻፲፬ ዓ/ም

መቐለ፣ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT