Uncategorized

ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገለ ከባብታት ትግራይ

Published

on

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገለ ከባብታት ትግራይ ይወይእ ከም ዘሎ ይገር ኣሎ። ሻዕብያ፡ እቱ ምውፃእ ብዙሕ ብድዐ ክተፍአሉ መሪፁ ኣሎ። ከም ስነደ ክይዀን፡ ኣብ እዙይ ተቐሚጡ ኣሎ።

“ናቕፋ ፕረስ”

https://www.tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/326587965_215140454313165_2985629065235192164_n.mp4
ሓላዊ ወሰን -መንድላይ/ ጎብለለይ ሾኮርተት !
ይከኣሎ ንጉስ ኵናት ውሕሉል ቀማሪ
ዋርሳይ ጽኑዕ ፈጻሚ ሕድሪ
መንደላይ ፈጣን በዓል ሽኾ እግሪ
ትወናጨፍ ከም ቺታ ነብሪ
መን ከይህሉ ከማካ ተወርዋሪ
ከየላበካ ንጸላኢ ዝቀበርካ ትሕቲ ምድሪ
ዛዚምካዮ ዕዮኻ ብልዑል ክብሪ።
ናቅፋ ፕረስ
https://www.tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/327048540_713338260445371_4561829388134685822_n.mp4
መንደላይ ሰራሒ ታሪክ! መንደላይ ኣራዊት ንጸላእቱ፡ ዝማሙቕ ኣብ ሕቁፊ ህዝቡን ሃገሩን።
ድሕሪ ንግብረ-ሽበራውያን ጉጅለ ህውሓት ሕቁኣ ምስ ሰበራ፣ሓላዊ ወሰን ኣብ ኦምሓጀር ምስ ህዝቡ – ዓወቱ (ብድሪፍት) ይጽንብል።
ናቅፋ ፕረስ
https://tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/326316953_202195099050982_8014082804866824435_n.mp4
ሻዕብያ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሃገርና መዐንደሪ ደመኛታት ጸላእትና ምኾነት ኔራ፣ ዋርሳይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሎሚ ብዛዕባ ሃለዋት ስድራና ኣመና ምተሻቐልና ኔርና፣ መንደላይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ዝርካቡ ንብረት ገዛና ተዘሚቱ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምሃለወ ኔሩ፣ንስኻ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ እታ ንፈትዋ ወላዲት ኣዴና እተን ንፈትወን ኣሓትና እንታይ ኮን ገይሮምን ኮን ይኾኑ ኢለ ኣመና ምተሻቐልና ነይርና፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣንታ መቕሰነይ፣ ሞጎስ ንዓኻ!
ሰራዊት ኤርትራ ሓበነይ!
ናቅፋ ፕረስ
https://tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/326983116_239857931704314_487342373102360763_n.mp4
ሓላዊ ወሰን ክብሪ ነዓካ ! ሻዕብያ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሃገርና መዐንደሪ ደመኛታት ጸላእትና ምኾነት ኔራ፣ ዋርሳይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሎሚ ብዛዕባ ሃለዋት ስድራና ኣመና ምተሻቐልና ኔርና፣ መንደላይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ዝርካቡ ንብረት ገዛና ተዘሚቱ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ምሃለወ ኔሩ፣ንስኻ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ እታ ንፈትዋ ወላዲት ኣዴና እተን ንፈትወን ኣሓትና እንታይ ኮን ገይሮምን ኮን ይኾኑ ኢለ ኣመና ምተሻቐልና ነይርና፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣንታ መቕሰነይ፣ ሞጎስ ንዓኻ!
ሰራዊት ኤርትራ ሓበነይ!
ናቅፋ ፕረስ

“ናቕፋ ፕረስ” ዝተሃለ ኤርትራዊ ገፅ ፈይስቡክ ብ ዛዕባ እዙይ ብ ፎቶታትን ቪድዮታትን ኣዐጂቡ እዞም ዝይሽእቡ ብድዐታትን ትዕቢታትን ለጢፉ ኣሎ።

https://tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/326483278_1225732438019125_5064887154875199429_n.mp4
ገበን ኣፅንቶት ተጋሩ ዝፈፀመ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ኤርትራ እንትይmlvs፡ ኣደታት ኤርትራ ብ ዕልልታ ይቕበልኦ።

ብዛዕባ እዛ ቪድዮ፡ ናቕፋ ፕረስ ዝይስዕብ ለጢፉ።

ኣርሓ መንደላይ ድሕሪ ኣጽዋር ጁንታ ምስ ኣራገፈን እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየዶ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ፣ Surgical Military Operation (SMO) ዛዚሙ ናብ መረበቱ ! ሓለውቲ ወሰን ድሕሪ ሕቆ ጃንዳ ማለሊት ምስ ሰበሩ ከም’ኡ ውን ኣጽዋር ማለሊት ህውሓት ምውራዱ ምስ ኣረጋገጸ ብሰላም ናብ መረበቶም ተመሊሶም። ንክብርን ድሕነት ሃገር ክዋደቕ ዝጸንሐ ጁግና ዋልታ ሃገር፡ መድሕን ህዝቢ፡ ድባብ ሃገርናን መጻኢ ወለዶናን ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቲ ደመጃ ጸላኢና ዝኮነ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ዝግባእ ቦታ ከይዱ ምድሳቁ ይፍለጥ።
ናቅፋ ፕረስ

መንደላይ መልእኽቲ ኩቡር ፕረስደን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ሒዙ ኣብ ማእከል ዓዶም ከይዱ ኣስሚዕዎም። እወ! ሕጂ እዉን GAME OVER! ድላይ ናይ ልቡ ጌሩ፣ ጸወታኡ ዛዚሙን ስዒሩን ፣ ታ ታሪካዊት ቃል ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ “። “Game over”ኢሉ ናብ’ዛ መረበቱ! Game over ብትግርኛ፣ “ይርዳእኹም” ከም ማለት እዩ! ሓላዊ ወሰን ሰራዊት ኤርትራ ክብሪ ንዓኻ! ናቅፋ ፕረስ
ኣብራኮም ሓምሺሽና ናብ መሬትና ! ኣርሓ ህዝብናን ሰራዊትናን ሒዝና፡ ገደልን ኣጻድፍን ከም ጎልጎል ንወጽእ!! እንቋዕ ንስኻስ ናይ ካልእ ኣይኮንካ!! ሓላዊ ወሰን ክብሪ ነዓካ!
ናቅፋ ፕረስ
https://tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/325680902_1274678036478076_5868826820397862864_n.mp4
ኣብ ተግባር እምበር ኣብ ዘረባ ኣይንኣምንን ኢና ኤርትራዊያን ። ሓላዊ ወሰን ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለ፣ Surgical Military Operation (SMO) ኣብ ልዕሊ ጃንዳ ወያኔ ድሕሪ ዝወሰዶ ደምሳሲ ስጉምቲ ፣ ሎሚ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ከተማ ሽረ ባንዴርኡ ኣንበልቢሉ ናብ ሃገሩ ተበጊሱ ኣሎ።
ክብሪ ነዓካ ሓላዊ ወሰን።
ናቅፋ ፕረስ
https://tghat.com/wp-content/uploads/2023/01/323429462_1682329402236933_2234709928595592193_n.mp4
ንጃንዳ ስሪኣን ዕጥቃን ኣፍቲሑ ፣ መንደላይ ኣባ-ዳህሪ ናብ መረበቱ ይምለስ ኣሎ። ማንካ ፋርኬታ ድዮም ዝብልዎ ብማንካኹ ኮ ክንደየናይ ከይንበልዕ ግን ከነኾልሰኩም ድልዋት ኢና። ንሕና ከምዚ ኢና Game over ትግራይ ትፍክር ፣ ኤርትራ ትድክር ምስ ዝማረክናዩ ኣጽዋር ጁንታ ሒዝና ናብ መረበትና።
ናቅፋ ፕረስ
ሰራዊት ሻዕብያ ኣራዊት ንጸላእቱ ! እዚ ተወርዋሪና ኣብ ማእከል ኣዲስ-ኣበባ ልክዕ ናይ 1991 ደጊምዎ ! እዚ ሻዕብያስ ሰብ ዲዩ ወላስ ንፋስ ኣብዚ ኣሎ ይብልካ እሞ በዚ ሓሊፉ ከኣ ይብሉካ ዝጭበጥ ዲዩከ እስኪ ንገሩና! ክብሪ ነዓካ ሓላዊ ወሰን ! ሻዕብያ ንብሃል!
ናቅፋ ፕረስ
መንደላይ-Game-Over! ሰራዊት ሻዕብያ እንተ ፈትዩ ይሸይም፣ ሰራዊት ሻዕብያ እንተ ጸሊኡ ይሸምም ብታህዲድን ፈኸራን ዘይብርግግ ሓላዊ ወሰን – ንጸላእቱ ሎሚ ኣራዊት ጽባሕ ኣራዊት !
“ወያነ ዕጥቁ ፈቲሑ ሻዕብያ ልቡ ነፊሑ”
“ሻዕብያ እንተፈተወ ይሽይም እንተጸልኣ ይሽምም”

ናቕፋ ፕረስ ኣብ ምስ ሓደ ነዊሕ ቪድዮ ከም እዙይ ይብል፦ “ሻዕብያ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሃገርና መዐንደሪ ደመኛታት ጸላእትና ምኾነት ኔራ፣ዋርሳይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ሎሚ ብዛዕባ ሃለዋት ስድራና ኣመና ምተሻቐልና ኔርና፣መንደላይ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ ዝርካቡ ንብረት ገዛና ተዘሚቱ፣ ዶብ ሰጊሩ ምሃለወ ኔሩ፣ንስኻ እንተዘይትህሉ ነይርካ፣ እታ ንፈትዋ ወላዲት ኣዴና እተን ንፈትወን ኣሓትና እንታይ ኮን ገይሮምን ኮን ይኾኑ ኢለ ኣመና ምተሻቐልና ነይርና፣ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣንታ መቕሰነይ፣ ሞጎስ ንዓኻ!ሰራዊት ኤርትራ ሓበነይ!ናቅፋ ፕረስ”

ኣብራኮም ሓምሺሽና ናብ መሬትና ! ኣርሓ ህዝብናን ሰራዊትናን ሒዝና፡ ገደልን ኣጻድፍን ከም ጎልጎል ንወጽእ!! እንቋዕ ንስኻስ ናይ ካልእ ኣይኮንካ!! ሓላዊ ወሰን ክብሪ ነዓካ!
ናቅፋ ፕረስ

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

እዙይ ገፅ ፈይስቡክ ክዓ ዝይስዕቡ ኢሉ ኣሎ።

ዓድዋ፡ ዓድዋ፡ ዓድዋ!!
ልጊቃን ዓድዋ፡ “ንጥልያን ኣብ ኩናት ዓድዋ ስዒርናዮ” ብዝብል ናይ ሰኽራማት ትረኻ ህዝቦም ከጋግዩ ጸኒሖም’ዮም። እቲ ሓቃዊ ታሪኽ ጎዳጉዱ ብዙሕ’ኳ እንተኾነ፡ ኩናት ዓድዋ ግን ኣቦታት ኤርትራ ብሰናድርን ዋልታን ጭማራን ንሰራዊት ጥልያን ብድሎ ዝገጠሙሉ ኩናት’ዩ ኔሩ! ልሂቃን ዓድዋ፡ ኣብ ብዙሕ እዋናት “ተረፍ ጥልያን” ዝብል ናይ ሃላያት ቃላት ክደራብዩ’ዉን ይስምዑ። ንኤርትራዉያን ንምጽራፍ ተባሂሉ’ዩ ከምኡ ዝበሃል (ክሳብ ዝተረዳእናዮም)። ኣብ ዓድዋን ከባቢኣን ዝነበረ ከበባን ምድቓቕን፡ ኣርሓ ሰራዊት ኤርትራ ንብሩዝ ሰራዊት ጃንዳ ወያነ ብቕድሚት ብድሕሪት ብየማን ብጸጋም እንዳላኽዐ ኣኳዲዱዎ ክትሰምዕ እንከሎኻ ድማ፡ እምበኣር “ዓድዋ፡ ዓድዋ፡ ዓድዋ” ትንእግርቲ ኤርትራዊ ሓሞት’ዩ ኔሩ የብለካ! (ሓንቲ ኣደ ኣብ ዓድዋ ዝበለትና’ዩ– “ብርክኹም ይጽናዕ፡ ብሰላም እተዉ)!
ንከተማ ዓድዋ ንመበል ካልኣይ ጊዜ’የ ርእየያ። ኣብ’ቲ ድሕሪ ሕዳር 2020 ዝነበረ ኩናት ንፋልማይ ጊዜይ ርእየያ፡ ሕጂ ድማ ኣብ 2022 ንመበል ካልኣይ ጊዜ ርእየያ። ኣነ ብወገነይ፡ ኣብዘን ናይ ክልተ ጊዜ ተሞኩሮይ ታሪኽ ኣቦታተይ ደጊመ ደጋጊመ ዘመስከርኩሉ መድረኽ ርእየ። ኣብ ናይ ሓባር ታሪኽ ክዛረብ እንተድኣኮይነ ድማ፡ ትብዓት፡ ሓቦ፡ ጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ተወፋይነት፡ ዕላማ ዝብሉ ኣምራት፡ ኣብ ማንም ኤርትራዊ እትርእዮ’ዩ ኔሩ። ነቶም “ንጥልያን ኣብ ዓድዋ ስዒርናዮ” ብዝብል ጓህማም ታሪኽ ነብሶም ከም እንቁርዖብ ነፊሖማ ዝጸንሑ ወየንቲ፡ ደጊምና ደጋጊምና ስሪኦም ኣፍቲሕናዮ። እታ ሓንቲ ተሕዝነኒ፡ መምህር ገብረኺዳን ክሳብ ሕጂ ዘይምንባሮም’ዩ።
እምበኣርከስ ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ኤርትራዊ ሓሞት ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት፡ ታሪኽ ዓድዋ ታሪኽ መን ሙዃኑ ደጊሙ ኣመስኪሩ፡ “ጸወታ ኣብቂዑ” ከም ጭርሖ ኣንጎድጊዱ ናብ መሬት ዓደቡኡ ኣትዩ። ታሪኽ መለጋግቦ ወለዶታት እንክበሃል፡ ከምዚታት ምስ ኣጋጠመ’ዩ!
ሰላም ንህዝብታት ቐርኒ ኣፍሪቃ
መርበብ ስለያ
ካብ ባድመ

ሰራዊት ኤርትራ ዝገበሩዎ ናብ ትግሃት ዝተልኣኸልና

“ኣኣባላት ኣራዊት ሰራዊት ሻዕብያ ናብ ሆቴላት ኣትዮም መግቢ ምስ በልዑን ብሙሉእ ምስ ተገልገሉን ክፍሊት ከም ዘይፍፁምን፣ ድፍረት ረኺቡ ሒሳብ ክፈሉ ዝብሎም እንተረኺቦም ድማ ናብ ፅርግያ ወፂኦም ንዝሓልፍ ሰብ ናዓ ሒሳብ ክፈሎ ኢሎም ኣገዲዶም ከም ዘኽፍሉዎን የብለይን ወይ ድማ እምቢ ንዝበሎም ከዓ ወሲዶም ከም ዝስዉርዎን እዩ። እዚ ማዓልታዊ ተርእዮ እዩ።

 ካልእ ድማ ሓንቲ ባዓልቲ ቤት ምግቢ ዝኾነት ነባሪት ከተማ ኣኽሱም ኣባላት ኣራዊት ሻዕብያ ኣብ ሆቴላ ምስ ተገልገሉ ክፍሊት ከይፈፀሙ ምስ ወፁ ፈሪሓ ሒሳብ ስለ ዘይበለቶም፣ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ንሓደ ኣባል ፖሊስ ፌዴራል ሒሳብ ስለ ዘይከፈሉኒ ክህቡኒ ግበር ኢላቶ፤ ንሱ ንዑ ሒሳባ ሃቡዋ እንተበሎም ናብ ገፁ ዓኽታ እንቱፍ ኢሎምሉ፣ እስቲ እታ ቃል ድገማ በልዎ፣ ፈሪሑን ተሸቑሪሩን ፀጥ በለ። “ምን አይነት መንግስት ነዉ የገጠመን?” ብምባል ንምምሕዳር ኣብዪ እናማረረ ከደ። ሰላም ንዓኹም፣ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ! ዶር ዘሚካኤል ሃይላይ ካብ ሰራዊት ትግራይ(ግምባር)።”

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version