Connect with us

ትንተና

ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ:- ናይ ለውጢ ኣጀንዳ

Published

on

ብ ሌተናንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ

መብርሂ፦ እዙ ፅሑፍ አብ ሚያዝያ 2014 ብ ሌተናንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ተዳሊዉ ብ እዋኑ ንመሪሕነት ትግራይ ዝቐረበ ኰይኑ ኣብ ለካቲት 2015 ንዅሉ ኣንባቢ ይቐርብ ዘሎ እዩ።

መእተዊ

ሕሉፍ ታሪኽ ሕብረተ ሰብ፡ ጕዕዞ ቃልሲ ምስፋን ሰላምን ምህናፅ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ገይርካ ምውሳድ ይክኣል። እናማዕበለ ክመፅእ ከሎ ድማ ጕዕዞ ቃልሲ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝውስኽ ገይርካ ምርኣይ ይክኣል። ብፍላይ ብቴክኖሎጂ እናተሓገዘን ኣተሓሳስብኡ ድማ እናማዕበለን ኣብ ዝመፅአሉ ቀረባ እዋናት (ካብ ኣስታት 200 ዓመታት፥ ካብ ዘመን ዕምባበባ ኢንዳስትሪ)፡ ጕዕዞ ቃልሲ ህንፀት እዞም ሰለስተ ዝተገለፁ ጕዳያት (ሰላም፥ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዴሞክራስያዊ ስርዓትን) ገይርካ ክውሰድ ይክኣል እዩ።

ሰለጤን እዙ ጕዕዞ ካብ ሕብረተ ሰብ ናብ ሕብረተ ሰብ ይፈላለይ እዩ። እቶም ቀዲሞም ዕምባበ ኢንዳስትሪ ዝጀመሩ ከም ባዕል ኢንግሊዝ ዝበሉ ሃገራት ቀልጢፎም ባህግታቶም እናዐወቱ ናብ ዝልዓለ ስልጣነን ኣወዳድባ ሕብረተ ሰብን እናደየቡ ከይዶም፤ እቶም ድሓር ናብ እዙ ጕዕዞን መስርሕን ንምእታው ይቃለሱ ዘለው ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሃገራትን ዝመሳሰሉን ድማ፡ ገና ታሕተዋይ ቀፀላ ባህጊ ስልጣነ ሕብረተ ሰብ ንምምላእ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከቡ። ኣቐዲሞም እቲ ጕዕዞ ዝጀመሩ እውን ከይተዓንቀፉ ቀጥ ኢሎም ኣይኸዱን። ኣብቲ ጕዕዞ ዓንቀፍቀፍ እናበሉ ካልኦት ብዝሓሸ ዝተወደቡን ዝተመርሑን እናቐደምዎም እዚ ድማ በቢ ግዜኡ ኣብ ሃገራት ምብልላፅ እናፈጠረ እቲ ናይ ታሪኽ ጕዕዞ ይቕፅል ኣሎ።

ምስ ደረጃ ምዕባለ ሕብረተ ሰብ፥ ብፍላይ ድማ ምስ ምስፍሕፋሕ [ከቢድ ተፅዕኖ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ ዝእመነሉ] ቴክኖሎጂ መረዳእታ: ምስኣቶም ተኣሳሲሩ እናሰፍሐን እናዓመቘን ይኽየድ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኢንዳስትሪታትን ሃፍትን፡ ድሌትን ባህግን ሕብረተ ሰብ እውን እናሰፍሐን እናዓመቘን ይኽየድ ኣሎ። እዙይ ማለት፡ ብ ፍላይ ንፖለቲካዊ መራሕቲ፡ ጕዳይ ምርዋይ ባህግን ድሌትን ሰላም፥ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ኣዕርዩ እዋናውን መተሓሳሰብን ኰይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ዝዀነ ኵርናዕ ዓለም ዘሎ ማሕብረ ሰብ ብ ዛዕባ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዘሎ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ምዕባለ፥ ኣነባብራ፥ ስርዓት ፖለቲካዊ ምሕደራ፥ ምስፋን ሰላምን ቅሳነትን፡ ወዘተ ብቐሊሉ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኰይኑ መረዳእታ ይረክብ እሞ ንባዕሉ ምስ ካልኦት ህዝብታት የወዳድር። ባህግታት የዕብይ። ኣብ ከባቢኡ ተዓፅዩ ብዘይ መወዳድርቲ መነፃፀርን ምንባር ተሪፉ እዩ። ስለ ዝዀነ ውን ንፖለቲካዊ መራሕቲ ዘቕርቦ ጠለብ ዝልዓለን በቢ ግዜኡ ቀልጢፉ ዝምዕብልን እዩ። ፖለቲካዊ ስርዓት ሃገራት፡ ነዚ ባህጊ ሕብረተ ሰብ በቢ ደረጅኡ እናመለሰ ንክኽየድ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ምዕባለ የገድድ።

ሓደ ሕብረተ ሰብ ብ ምዕባለ ንቕድሚት ክስጕም ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። እዙይ ዘይምነን ዘይፈልጥን ሕብረተ ሰብ ኣብዚ እዋን እዙይ የለን። እቲ ጕዳይ ከመይ ኢልካ ናብዚ ሃዲድ ምዕባለ ትኣትውን ብቐፃልነት ካብቲ ሃዲድ ከይወፃእኻ ትቕፅልን እዩ። እዙይ ስለ ዝተመነኻዮን ዝፈለጥካዮ ስለ ዝመስለካን ብቐጥታ ብዘይፀገም ኣብ ተግባር ዝውዕል ጕዳይ ኣይኰነን። ብዙሓት ዝሓላልኹዎ ጕዳያት ኣለው። ሓደ ኣቐዲምካ ክግለፅ ዘለዎ ጕዳይ ግን ሰለስቲኦም ዝተኣሳሰሩን ብኣወንታ ወይ ኣሉታ እናተፀላለዉ ዝኽየዱ ምዃኖም ምግንዛብ የድሊ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ኣይሕሰብን።

ብዘይካ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ድማ ሰላም ነዊሕ ዕድመ የብሉን። ሰላም ድልዱል መሰረት ክህልዎን ንቀፃላይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ዝተመቻቸወ ኵነታት ክፈጥርን እቲ ሕብረተ ሰብ ዝቕበሎ ኣነ እውን ተሳቲፈሉ እየ ዝብሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህልው ኣለዎ። ዲሞክራስያዊ ስርዓት እናደልደለ ክኽየድ ሰላም የድልይ፥ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ክዓ ነቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብዝበለፀ ክድልድል የኽእሎ። ብሓባር ተኣሳሲሮም እዮም ምዕባለ ሕብረተ ሰብ ዘምፅኡ። ሓደ ሕብረተ ሰብ (ንባዕሉ ከም ሓደ ሃገር ተወዲቡ መንግስቲ ዝመስረተ ይዅን ካብ እዙይ ብዝተሓተ ኣግባብ ዝተወደበ) ብዛዕባ እናዓመቘን እናሰፍሐን ዝኽየድ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይዅን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ንክሓሰብ ብመጀመርያ ህልውናኡ ውሑስ ክገብር ኣለዎ። እዚ ጕዳይ እዙይ ኵሉ ሻብ ዓብዪ ጠመተ ዝወሃቦ ጕዳይ እዃ እንተዀነ ብፍላይ ኣባና ኣብ ተጋሩ ሕዚ ዝያዳ ኣገዳሲ ኰይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ እውን ንመንነትና ብምቅዋም ጥራሕ ከም ህዝቢ ከጥፍኡና መኺሮም ተወዲቦም ተዓጢቖም ዝወፈሩ ፀላእትና ገና መሊእና ኣይሰዓርናዮምን ኣብ ህልውናና ንምርግጋፅ ዝግበር ግብግብ ኢና ዘለና።

ህልውና ውሕስ ምግባር ድማ ጦር ሰራዊትን ነፈርትን ኣዋፊሮም ዝጭፍጭፉና ዘለው ፀላእትና ብኣካል ካብ መሬትና ብምስጓግ ጥራሕ ኣይውዳእን፤ ህላወና ውሑስ ምግባር ምግቢ በሊዕኻ ምሕዳርን ዘርእኻ ምርባሕን ጥራሕ ኣይኮነን። ህላወና ውሑስ ምግባር ብቐፃልነት ምምዕባል ማለት እውን እዩ። እቲ ሕብረተ ሰብ ብዝደልዮን ብዝመረፆን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣግባብን ክመሓደርን እዙይ ቀስ ብቐስ እናዓመቘ ክኽየድን ምኽኣል ማለት እውን እዩ። ነዚ ዝፃብኡ ፀላእቲ ክመፁ ከለው ተኸላኺሉ ጠጠው ምባልን ድልየቱ ክፍፅም ምኽእል ማለት እውን እዩ። ዝመረፆ መንገዲ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት ብባዕሉ እምበር ብናይ ካልኦት ፀቕጥን ሓይሊ ክድርብዮ ወይ ክልወጦ ዘይግደደሉ ኵነታት ምፍጣር ምኽኣል ማለት እውን እዩ።

ህልውና ሓደ ሕብረተ ሰብ ካብ ደገ ብዝመፅኡ ተፃባእቲ ሓይልታት ጥራሕ ኣይኰነን ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ። ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረተ ሰብ ባዕሉ ብዝበቝሉ ፀገማት እውን እዩ ኣብ ሓደጋ ዝውድቕ። እዙይ ማለት ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ብዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፀገማት ሰላም እቱ ሕብረተ ሰብ፥ ጕዕዞ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን የተኣጓጕልዎ፤ ናብ ህውከትን ዕግርግርን የእትዉ። ብእዙይ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም። ካብ እዙይ ብዝገደደ እውን እቲ ሕብረተ ሰብ ተስፋ እናቘረፀን ዓቕሉ ፀቢብዎን እናተበታተነ ህልውንኡ እናማህመነ ክኽየድ ይኽእል እዩ። ኣብታ ሕዚ ዘላ ኤርትራ ይርኣይ ዘሎ ጕዳይ ናይዚ ዓብዪ ኣብነት እዩ።

ንኣና ንተጋሩ ተላፊኖም ኵሉ ዓቕሞም ኣዋዲዶም ከጥፍኡና ወፊሮም ዘለው ፀላእትና ብምምካት ህልውናና ውሑስ ክዀን ምግባር ናይ መጀመርያ ምዕራፍ እዩ። ቀፂሉ እዙይ ህልውናና ብቐፃልነት ውሑስ እናዀነ ክኽየድ ከም ሕብረተ ሰብ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ኢልና ክንሓስብ ክንመክር ዝበለፀ መማረፂ ክንውስን ክንትግብር ኣብ ንግደደሉ ታሪካዊ ወቕቲ ዝበፅሐና ምዃንና ምስትብሃል የድሊ። ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ ብዝለዓለ ደረጃ ህልውንኡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወድቕ እቲ ሕብረተ ሰብ ካብ ውሽጢ ይዅን ካብ ደገ ሰላም ክስእን ከሎ እዩ። ስለ ዝዀነ እውን ሰላም እንተተዘሪጉ ብዛዕባ ካልኦት ጕዳያት ምሕሳብ ኣይክኣልን። ሰላም ድማ ብዘይካ እቶም ካልኦት ጕዳያት እናደልደለ ኣይኽየድን። 

ኣብ መንጎ ሰላም፤ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዘሎ ምትእስሳር ኣዕርዩ ዝጠንከረን ዝተወሳሰበን ብምዃኑ ናይቲ ሓደ ምጕዳል እቲ ካልእ ንከየማላእ ምኽንያት ይዀን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሕብረተ ሰብ ፍትሓዊ ተጠቃማይነት ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ልምዓት የለን ኢሉ ዝኣመነ ሕብረተ ሰብ ብዓመፅ፥ ብሓይሊ፥ ብዕግርግር ረብሕኡ ከማልእ ከለዓዕል ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት ሰላም ይዝረግ፤ ዝተዘረገ ሰላም ድማ ነቲ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓት ብኣሉታ ይፀልዎ። እዚ ተመሊሱ ንዝገደደ ምስኣን ሰላም ምኽንያት ይዀን። ከምኡ እናበለ ናብ ጠጠው ክተብሎ ዘፀግም ናይ ጥፍኣት ቍልቍለት የምርሕ። ከምኡ እውን ዲሞክራስያዊ መሰልና ተዓፊንና ኢና ድምፅና ኣይተሰምዐን ባህግና ኣብ ግምት ኣይኣተወን ዝብል ክፋል ሕብረተ ሰብ ብሓይሊ፥ ብዓመፅ፥ ድልየቱ ከማልእ ይንቀሳቐስ። እዚ ንሰላምን ቅሳነትን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቕ። በዚ ምኽንያት ድማ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓት ይዕገት። ተመሊስካ ናብ ንምውፅኡ ኣፀጋሚ ዝዀነ ዕንክሊልን ናይ ቍልቍለት ጕዕዞ ይኣትው።

ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ ፖለቲካዊ መሪሕነት (ውልቀ ሰባት ኣይኰንኩን ዝብል ዘለዅ ዝተወደበ ፖለቲካዊ መሪሕነት ማለተይ እዩ) ናይ ብቕዓቱ መዐቀኒ ካብቶም ዝተሓላለኹ ምኽንያትን ውፅኢትን (cause and effect) ፀገማት ደረጃ ብደረጃ ቀስ ብቀስ ከመይ ምውፃእ ይክኣል ኢሉ ሓሲቡ በዚ ተመሪሑ ናብቲ ሃዲድ ህንፀት ሰላምን ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ከም ዝኣቱ ምኽኣል እዩ። እዚ ከምቲ ብዘረባን ብፅሑፍን ዝቕመጥ ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን። ግን ድማ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ መሪሕነት ህላወን ምንቅስቓስን ትርጕም ዝህልዎ ካብ እቶም ዝተገለፁ ዝተወሳሰቡ ፀገማት ንሕብረተ ሰብ ንምውፃእ ቀፃላይ ቃልሲ ምግባር እዩ። ካሊእ መማረፂ የለን። እቲ ቃልሲ ብኣግባቡ ተሓሲብሉ ብዝተወደበ መንገዲ እንተተኻየዱ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ዝሰፍሐ ይዀን።

ኣብቲ ሕዚ ወድሰብ በፂሑዎ ዘሎ ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ካብዚ ዝተወሳሰበን ብኣሉታ ይዅን ብኣወንታ ዝፀላለው ናይ ውድቀት ቍልቍለት ወፂእኻ ናብ ቀፃላይ ሃዲድ ሰላምን ህንፀት ልምዓትን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝእተው፡ ሕብረተ ሰብ ብመንግስታዊ ውዳበ ኣቢሉ ዕላማታቱ ከዕውት ክኽእል ከሎ እዩ። እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ናይ ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጂ ዝዀነ ይዅን ብነፃን ተኣማንነት ብዘለዎን መረፃ ህዝቢ ዝመረፆ እንተዀይኑ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ሰላም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ከባቢኣን፥ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየት ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ከምፀአለይ እዩ ኢሉ ዝኣመነሎም ህዝቢ ዝደገፎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ይክኣል እዩ። በቲ ኣተሓሳስባ ተመሪሕኻ እቲ ዝድለይ ውፅኢት ይመፅእ ዶ ኣይመፅእን ኣብ ተግባር ዝረአይ እዩ። እቲ ዋና ጕዳይ ግን ሕብረተ ሰብ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህግን ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ተወዲቡ ስርዓት ብዘለዎ ኣግባብ ተወዳዲሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቘፃፂሩ ብመንግስታዊ መሓውራት ኣቢሉ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ከምፅእ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ኣብዚ ናይ ሕዚ እዋን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም ብናይ ህዝቢ መረፃ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሓዝ እዮም ተግባራዊ ክገብርዎ ዝፅዕሩ። ሕብረተ ሰብ በፂሕዎ ብዘሎ ናይ ምዕባለ ደረጃ እቲ ባዕሉ ንባዕሉ ንምምሕድዳርን ባህግታቱ ኣብ ተግባር ንምውዓልን ኣብ ውሽጡ ዘለው ዝተፈላለዩ መማረፂ ሓሳባት ዘተኣናግደሉ መንገዲ ተወዳዲርካ መንግስታዊ ስልጣን ብምሓዝ ዝግበር ኣገባብ እዩ። መንግስታዊ ኣወዳድባ ዝለዓለ ሕ/ሰባዊ ኣወዳድባ እዩ። ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ (ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝእተው ውዕሊ) መሰረት ዝገበረ ብነፃን ተኣማንነትን ዘለዎን መረፃ ተወዳዲሩ ስዒሩ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝመርሖ መንግስቲ ክህልው ኣለዎ። ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ዘይብሉ ሕብረተ ሰብ ብዛዕባ ሰላም፥ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየት ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ዝበሃል ነገር ክሕሰብ ኣይኽእልን። መብዛሕትኡ ግዘ ከም ውሁብ (Given) ገይርካ ስለ ዝውሰድ ናይ ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ግደ ኣብ ናይ ሕብረተ-ሰብ ምዕባለ ጐሊሁ ኣይዝረበሉን።

እዚ ክጠፍእ ከሎ ዘምፀኦ ሳዕቤን ኣብ ናትና ዕድመ እኳ ኣብ ሶማልያ ዝተፈጠረ ኵነታት ዓብዪ መምሀሪ ኣብነት እዩ። ዝዀነ ጠመንጃን ዝሕሽከርዎ መናእሰይ ዝኣከበ ናይ ግዚኡ ሓያል እየ በሃላይ ከም ድላዩ ዝገብረሉ ናይ ወዲኒን ወሮበላን ሃገርን ሕብረተ ሰብን እዩ ዝህልው። ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተ ሰብ ድማ ብዛዕባ ሰላም ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክሓስብ ኣይኽእልን። ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ብዘይ ምህላዉ ኣብ ሓደ ሕብረተ ሰብ ክበፅሕ ዝኽእል ጕድኣት ዘርዚርካ ምውዳእ ኣይክኣልን። ሕዚ እዙይ ከም መበገሲ ወሲድና መንግስቲ ናይ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ዋና ሃንዳሳይን ተግባራይን ክዀን ከመይ እንተተወደበ፥ እንተሰርሐ ይሓይሽ ዝብል ጕዳይ ንምርኣይ ኢና ነልዕሎ ዘለና።

ናይዚ ፅሑፍ ዕላማ ሕዚ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኲናታት ሰላምን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ኣብ ድልዱል መሰረትን ዘተኣማምን ናይ ቀፃላይ ምዕባለ ሃዲድን ንምእታው ከመይ ዝመሰለ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ይሃልወና ኣብ ዝብል ጕዳይ ንምይይጥ መልዓሊ ክዀኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ንምቕማጥ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣሎ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ውን ይፅበዮ ኣሎ። ነዙይ ብብቕዓት ንክሓልፍ ዝተወደበ ጥንኩርን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ የድልዮ። ምውዳብ ድማ ዝተሓሰበሉ ውዱብ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ እዩ ዝጅምር (በተን ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝኽተልኦ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንመረፃ ምስቀረበ ህዝቢ ክመርፅ እዩ ካብ ዝብል ተበጊስና)። ዝተሓሰበሉ ውዱብ ኣተሓሳስባ ንምሓዝ ሰፋሕቲ ምይይጣት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ኣሳታፋይ ዝዀን ፖለቲካዊ መስርሕ ይሓትት። እዚ ንምጅማር ዶ’ዀን ይሕግዝ ይዀን ናይዚ ፅሑፍ መልዐሊ። ካብ ናይ ትግራይ ኵነታት ጀሚርና ድሓር ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኵነታት ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወፃእን፡ ብኣንፃር ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ምውሳን ቀፃላይ ረብሕኡን ህላወንኡን ውሑስ ምግባርን ክንርእዮ ኢና ። ቅድሚኡ ግን ሓፂር መበገሲ ከቕርብ። 


ድሕረ ባይታ

እቲ ኣጠቓላሊ ናይ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ብዝበለፀ ንምርኣይ ዝጠቅም ሕፅር ዝበለ ፖለቲካዊ መበገሲ ምልዓል ይግባእ ይመስለኒ። ኣብ ኢትዮጵያ (ትግራይ ውን ሓዊስካ) ንዝሓለፈ 150 ዓመታት ኣቢሉ ካብ ዝለዓሉ ዋና ዋና ፖለቲካዊ ጠንቅታት ምስኣን ሰላም ጐሊሁ ዝረኣይ ምስረታ መስርሕ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘስዕቦ መዘዝ እዩ። ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተገለፀ ምስረታ መስርሕ ሃገረ መንግስቲ ጠቕሊልካ ወዲእኻ ዝተረጋግዐ ብሰላም ስርሑ ዝሰርሕ ሃገረ መንግስቲ ተመስሪቱ እዩ ኢልካ ንምውዳእ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ወይ ናይ ወለዶታት ዕድመ ይወስድ። ኣብ ልዕሊኡ ኲናትን ደም ምፍሳስን ዝተመልኦ እዩ። ናይ ኣውሮፓ፥ ኣሜሪካ፥ ኤስያ፥ ሃገራት በዚ መስርሕ ሓሊፈን እየን ኣብዚ ሕዚ በፂሐንኦ ዘለዋ ኵነታት በፂሐን ዘለዋ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ባዕዳዊ መግዛእቲ እቲ ከይዲ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምዕባለ ኣይተኻየደን። ናብዚ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምዕባለ ናይ ምኽያድ ዕድል ዝነበሮ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ሰብ ዳርጋ ከም ቅቡል ገይሩ ዝወስድ ሃፀይ ምኒሊክ ዝገበርዎ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ እዩ። እዚ ናይ ሃፀይ ምንሊክ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ፥ ደቡብ ኢትዮጵያ ደማዊ ነይሩ። ብፍላይ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዋናነት ናብ ኦሮሞን ሕዚ ህዝብታት ደቡብ ተባሂሎም ዝፅውዑ ዘለው ህዝብታትን ዝተገበረ ወታደራዊ ወፍርታት ንቶም ህዝብታት ብሓይሊ ጨቊንካ ብምሓዝ ዝተፈጠረ ሃገረ መንግስቲ እዩ ተተኺሉ። ኣብ ልዕሊ እዙይ፡ እቲ ተዛራባይ ትግርኛ ዝዀነ ህዝቢ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብን ተኸፊሉ ነንበይኑ ኣብ ትሕቲ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ስርዓታት ክመሓደር ተገዲዱ እዩ። 

ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ነገሱ እቲ ናይ ምኒሊክ ካብ ሓደ ምእኹል መንግስታዊ ናይ ስልጣን ተዋረድ ተጠርኒፉ ዝመሓደር ናይ ኣምሓራ ባህሊ፥ ታሪኽ ልዕልነት ዘስበኸ ዘስፋሕፈሐ ኣተሓሳስባ ሕዚ ብዝሓሸ ቴክኖሎጂ (መራኸቢ፥ መጓዓዝያ፥ ዘመናዊ ናይ መንግስቲ ስርዓት፥ ወዘተ) ተደጊፉ ኣጠናኺሩ ቀፂሉሉ። ንኤርትራ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ክትኣቱ ገይሩ። እዚ መስርሕ ብሰላም ዝቐፀለ ኣይነበረን። መጀመርያ ተጋሩ ብሄርተኛታት ከቢድ ዓመፅ ኣልዒሎም ንማእኸላይ መንግስቲ ነቀይ ነቀይ ኣቢሎምዎ፥ ናይ ኢንግሊዝ መንግስቲ ሓገዝ መፂኡ እዩ ንናይ ንጉስ ሃይለስላሴ መንግስቲ ኣድሒኑዎ፤ ፅንሕ ኢሎም ድሕሪ ምፍራስ ፌደሬሽን ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ሓርበኛታት ኤርትራ ንሃገራዊ ነፃነቶም ቃልሲ ጀሚሮም። ዓመፅ ህዝብታት ኦሮሞ ኣየቋረፀን። ቀፂሉ ናይ ጎጃም ሓረስቶት እውን ኣንፃር ማእኸላይ መንግስቲ ዓሚፆም። ድሓር ድማ ዝተወደበ ናይ ህዝብታት ቃልሲ ምስቲ ኣቐዲሙ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ሃርበኛታት ንሃገራዊ ነፃነት ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ናይ ትግራይ፥ ናይ ኦሮሞ፥ ናይ ሶማል፥ ናይ ዓፋር፥ ህዝብታት ቃልሲ ቀፂሉ።

ኣብ እዋን ንጉስ ምኒሊክን ንጉስ ሃይለስላሴን ሃገራት ኣውሮፓ ዝገብርኦ ዝነበራ ንኣፍሪቃ ተኸፋፊልካ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ምእታው ምንቅስቓስ ናብ ኢትዮጵያ ድማ መንግስቲ ጣልያን ክልተ ግዜ ዓበይቲ ወራራት (ኲናት ዓድዋን ኲናት ማይጨው) ኣካይዱ፥ ኣብ መጀመርያ‘ውን ኣብ ኲናት ዓድዋ ደሓር‘ውን ብስዕረት ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጉ እዩ። እዞም ክልተ ዓበይቲ ኲናታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ምስረታ መስርሕ ሃገረ መንግስቲ ቀሊል ዘይኰነ ፅልዋ ኣሐዲሮምሉ እዮም። ብፍላይ ሻቡ ናይ ዓለም ልዕለ ሃያላን ዝነበራ እንግሊዝን ኣመሪካን ኣብ ናይ ሃይለስላሰ ማእኸላይን ሃፀያዊን መንግስቲ ምድልዳል ዓብዪ ኣስተዋፀኦ ነይሩወን እዩ።

ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ ወረዱ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ወታሃደራት ምትእኽኻብ፡ ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኰይኖም መስሪቶምዎ ዝነበሩ ብምንፅፃር ክርአይ ከሎ ጥንክር ዝበለ ማእኸላይ መንግስቲ እዮም ወሪሶም። ንጉስ ሃይለስላሰ ናይ ህዝቢ ዓመፅ ምስ ኣውረዶም እቲ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ምስ ፈረሰ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ወታደራት ምትእኽኻብ ናይ ሃፀይ ምኒሊክን ሃፀይ ሃይለስላሴን ፖለቲካዊ መምርሕን ኣተሓሳስባን እዩ ሒዙ ቀፂሉ። ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ድማ ነዚ ሊሂቃን ኣምሓራ ማእኸል ገይሩ ጥርኑፍ መንግስቲ መስሪትካ ናይ ህዝብታት መሰል ብምዕፋን ሓደ ሃገረ መንግስቲ ንምምስራት ዝግበር ምንቅስቓስ ብኸቢድ መስዋእትነትን ተጋድሎን ይቃወም ነይሩ። ናይ ትግራይ፥ ናይ ኤርትራ፥ ናይ ኦሮሞ፥ ናይ ሶማል ቃልስታት ናይዚ ተጋድሎ ኣብነታት እዮም። 

ናይዚ ተጋድሎ ውፅኢት ኰይኑ ህዝቢ ትግራይ ብዝገበሮ ቀዳማይን ካልኣይን ወያነ ትግራይ ብፍላይ እቲ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ከቢድ መስዋእትነት ቃልስን ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ኢትዮጵያውያንን ዀይኑ እቶም ወታደራት ተኣኻኺቦም መስሪቶምዎ ዝነበሩ መንግስቲ ፈሪሱ፥ ብመተካእትኡ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ማእኸል ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ተመስሪቱ። ኤርትራ ብሪፈረንደም ነፃ ሃገር ኰይና። ብኻሊእ ኣዘራርባ ካብቲ ዝነበረ ዝተፈለየ ናይ ህዝብታት ናይ ባዕሎም መሰል ባዕሎም ዝውስንሉን ባዕሎም ንባዕሎም ዘመሓድርሉን ናይ ሓባር ጕዳዮም ድማ ብሓባር ዝርእይሉን ሓዱሽ ህንፀት መስርሕ ሃገረ መንግስቲን ሓዱሽ ሕብረ- ብሄራዊ ፌደራላዊ ሕገ-መንግስትን መሰረት ዝገበረ ከይዲ ተጀሚሩ። እቲ ብብዙሕ ዓንቀፍቀፍ፥ ኲናት ሕድሕድ፥ ድኽነትን ጥምየትን ሰንከልከል ዝብል ዝነበረ ብሃፀይ ምኒሊክ ዝተጀመረ ምስረታ መስርሕ ሃገረ መንግስቲ፡ ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ተተኪኡ፥ዳርጋ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመታት ንታ ሃገር ናብ ዝሕየሸ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ተነፃፃሪ ሰላም ኣእትዩዋ ነይሩ። ሕዚ ድማ እቶም ኣመንቲ ኣተሓሳስባ ሃፀያዊ ሃገረ መንግስቲ ሃፀይ ሚኒሊክን ገባራይ ሓደጋይነት ኣምሓራን ዝዀኑ ሓይልታት ተኣካኺቦም ናብቲ ዝኣረገ ህንፀት መስርሕ ሃገረ መንግስቲ ከእትዉና፥ ብቓልስና ዝረኸብናዮ መንነትናን መሰልናን ከሕድጉና ከም ህዝቢ ከጥፍኡና ሓሲቦም ኲናት የካይዱ ኣለው። 

ብሓፂሩ እቲ ትግራይ ዋና ማእኸሉ ዝገበረ ኲናት ናይ ክልተ ፍፁም ተፃረርቲ ዝዀኑ ኣተሓሳስባታት ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ዘበግሶ እዩ። ብሓደ ወገን ካብ ሃፀይ ምኒሊክ ጀሚሩ ዝነበረ እሞ በቢ ግዜኡ ዝመፅኡ መራሕቲ እናጠናኸሩዎ ዝኽየዱ ገሊኦም ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ዝሰብኩዎ ናይ ኣምሓራ ልዕልነትን ገባራይ ሓዳጋይነትን ዘረጋግፅ ንካልኦት ህዝብታት ከም ህዝቢ ዘይቘፅር ሃፀያዊ ከይድን ባህግን ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ኣሎ። ብካሊእ ወገን ክዓ ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ናይ ምምሕዳርን ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ናይ ምውሳን መሰልን ማንም ዘይህቦም ዘይኸልኦም መሰል ምዃኑ ብሕገ መንግስቲ ሓንፂፁ ከም መምርሒኡ ዝተቐበለን ኣተሓሳስባን ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣሎ። ናይዛ ሕዚ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት መበገሲኡ እዙይ እዩ። 

ኣብዚ ኲናታት እዙይ ህዝቢ ትግራይ ክልተ መማረፅታት ኣለውዎ። እቲ ሓደ ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኰይኑ ናይ ባዕሉ ዕዱል ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ኣሕሊፉ ከይሃበን ህልውናኡ ውሑስ ገይሩን ናብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ዝበፅሐና ከም ህዝቢ መጠን ንኣና ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከም ዘይኣቱ ኣረጋጊፅናን ኣብ ገፊሕ ናይ ባዕልና ጕዳይ ባዕልና ምውሳን መሰል ኰይኑ ኣብታ ኢትዮጵያ ዝትበሃል ሃገር ውሽጢ ኰይንናን ምንባር ወይ ድማ ናይ ባዕልና ነፃ ሃገር መስሪትና ምሕደራና ይዅን ካልኦት ባህግታትና ብዝመስለናን ብዝተስማዕማዕናሉ ኣገባብ ምምራሕ እዩ። እዞም መማረፅታት እዚኣቶም ሓሲብና ንውስነሉ ታሪኻዊ እዋን በፂሕና ኣለና። እዚ ሕረያን ውሳነን እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ምንም ተፅዕኖ ብናይ ባዕሉ ድሌት ጥቕሙን ጕድኣቱን መዚኑ ክውስኖ ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ጕዳይ እዙይ ብዘይካ ህዝቢ ትግራይ ማንም ካሊእ ሓይሊ ክውስን ኣይኽእልን። ዝዀነ ውሳነ ይወስን ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ህልውናን ቀፃላይ ምዕባለን ዘረጋግፅ ምዃኑ እናመዘንካን ሓሲብካን ክውሰን ዘለዎ ምዃኑ ኣፅንዖት ዘድልዮ ጕዳይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ናብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሞን ገና ዘይተወድአን ከም ህዝቢ መጠን ንምጥፋእ ዝዓለመ ፀገም ተመሊሱ ክኣትወሉ ዝኽእል ዕድል ጠቕሊሉ ዘጥፈኦ ተመሊሱ ናብቲ ገና ዘይሓለፍናዮ ተዛሪብካ ክውዳእ ዘይኽእል ፀበባ ንዘይምእታው ሙሉእ ውሕስና ዘረጋግፅ ምዃኑ እናመዘንካ ክብፃሕ ዘለዎ ውሳነ እዩ። 

ውሽጣዊ ኵነታት ትግራይ 

ሕቶ ሰላም፥ ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን

ዝበዝሐ ግዘ ሰላም ሕብረተ ሰብ ብኲናት ወይ ማሕበራዊ ዕግርግር እንተዘይተዘሪጉ ዳርጋ ከም ኵሉ ግዘ ዘሎ ውሁብ ነገር ጌርካ ምውሳድ ኣሎ እዩ። ከም ዝንትንፍሶ ኣየር ዓይነት ክሳብ ክንደይ መሰረታዊ ምዃኑን ንብዙሓት ማሕበራዊ ምንቅስቓስ (ንምህናፅ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓት፥ ዲሞክራስያዊ ስርዓት) ዳርጋ ቅድመ ኲነት ምዃኑ ዝፍለጠና ክንስእኖ ከለና እዩ። ስለዚ ናብ ኲናትን ማሕበራዊ ቀውስን ከይኣተና ከለና ሰላምና ምሕላው ክሰፍሕ ክዓሙቕ ምግባር፤ ነዚ ዝሕግዙን ዘጐልብቱን ምንቅስቓሳት ብፍላይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምግባር ብጣዕሚ መሰረታዊ ጕዳይ እዩ።

እዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ጕዳይ ምስፋን ሰላም ኣብ ሕብረተ ሰብ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን መንግስትታትን ኰነ ኢሎም ተገዲሶም ብዘፅደቑዎም ፖሊሲታትን፥ ንፖሊሲኦም መፈፀሚ ዝዀን ስትራተጂታትን መደባትን ተፃዒርሉ ዝመፅእ እዩ። ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ዝዀነ ደረጃ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ካብቶም ዝለዓለ ትዅረት ሂቡ ክጥምቶም ዝግባእ ጕዳያት ሓደ እዩ።

ሐዚ ብሓፈሻኣብ ኢትዮጵያ፥ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣሎ። ሰላምና ተዘሪጉ ኣሎ። ህልውናናን ፖለቲካዊ መሰላትና ኣሕሊፍና ከይሃብና ሰላም ክነምፅእ ተገዲድና ናብ ኲናት ኣቲውና ኣለና። ውዒሉ ሓዲሩ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተስ ሓዲኡ ወገን ስዒሩ ወይ ወታደራዊ ዓወት ከም ዘይርከብ ብምእማን ብዘተ ናብ ምጥቕላሉ ክኽየድ እዩ። ኣብ መጠቃለሊ እውን ዝዀነ ፖለቲካዊ ስምምዕነት ምህላው ኣይተርፍን። ናይዚ ሕዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብቶም ዝሓለፉ ታሪኻት ዝወረሶ ውርሻ ከም ዘሎ ኵሉ ካብዚ ኲናት እዙይ እውን ንቀፃላይ ዝተርፍ ፀጋ ወይ መዘዝ ምህላው ኣይተርፍን። ስለዚ ናይዚ ሕዚ ተታሒዙ ዘሎ ኲናት ኣወዳድኣ ኣብ ቀፃላይ ዝሕየሸ ዕድመ ዘለዎ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ቀሊል ዘይኰነ ብፅሒት ኣለዎ። ስለ ዝዀነ እውን እዚ ኲናት ከመይ ንወደኣዮ ዝብል ጕዳይ እዚ ናይ ሕዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀገምን ፀበባን ንግዜኡ ምፍታሕ ጥራሕ ዘይኰነስ ንቐፃላይ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ዝገብርን ዝሕየሸ ዕድመ፥ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ሰላም ከመይ ክነምፅኦ ንኽእል ዝብል ጕዳይ ዝምልስ ክዀን ኣለዎ። እዚ ድማ ብመሰረቱ ዕዮ ገዛ ውሕሉልን ለባምን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እዩ። ካብዚ ኣንፃር፡ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኲናት ክንውድኦን እቶም ኣብ ላዕሊ ተገሊፆም ዘለው ጕዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ዕውት ንምግባርን እንታይ እንታይ ክሕሰበሎም ኣለዎም ኢልና እቶም ዋና ዋና ጕዳያት ንርአይ።

እዚ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ብቃልሱ ዘረጋገፆን ኣብ ሕገ መንግስቲ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ዘፅደቖን መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰል ከስተማቕር ስለ ዝተነፈገ ዝተወልዐ ኲናት እዩ። ናይ መወዳእታ ሽትኡ ብኣንፃር ህዝቢ ትግራይ እውን መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብምርግጋፅ ምጥቕላል ክዀን ኣለዎ ኢልካ ምቕማጥ ትኽክል እዩ። እዚ መሰል ዓርሰ ውሳነ ናይ ምጥቕላል መስርሕ ብኣንፃር ድልየት ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ነፃ ሃገር ክሳብ ምምስራት ዝኽየድ መሰል እዩ። እዚ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ምርጫን ጥራሕ ዝውሰን ጕዳይ እዩ። ብናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ምርጫን ጥራሕ ይውሰን ማለት ግን ኣብቲ መስርሕ ፀገማት የብሉን፥ ሰተት ኢሉ ዝፍፀም እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ግልፂ እዩ።

እቶም ፖለቲካዊ ፀገማት እንታይ እዮም? ኣብዚ እቲ ብወተሃደራዊ ግጥም ዝግበር ስራሕ ብናይ ባዕሉ መንገዲ ተዛዚሙ ወይ እውን ገና ዘይተጠቓለለ ከሎ ናብ ዘተ ሰላም ክኣትው ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ነእትው ኢና። እቲ ወታደራዊ ግጥም ናይቲ ብሰላም ክፍታሕ ዘይተኸኣለ ፖለቲካ መቐፀልታ እኳ እንተዀነ ሕዚ እዚ ብናይ ባዕሉ መስርሕ ከም ዝኽየድ ሓሲብና ኢና ንኽየድ ዘለና። እቲ ወታሃደራዊ ግጥም ነቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ህዝቢ ትግራይ ዝጥቀመሉ መስርሕ ምዃኑ ግልፂ እናሃለወ ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ስለ ዘለዎ ሕዚ ኣብዚ ፅሑፍ ኣይነልዕሎን።

ካብቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ምዕባለ ናይቲ ኲናት ተበጊስና ቀፃላይ ኣንፈቱ ክንርኢ ከለና ኣብ ኣዕርዩ ወሳናይ ዝዀነ ደረጃ በፂሑ ከም ዘሎ ምግንዛብ ይግባእ። ቀፃላይ ውግኣት ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ሕውየትን ምዕራፍ እዩ።

ቀፃሊ ዝመፅእ ሕቶ እዚ ቀፃሊ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት ክንድቲ ዝተገለፀ ወሳናይ እንተዀይኑ ኣብ ጠቕላላ ፖለቲካዊ ኵነታት ከባቢና ዝህልዎ ተፅዕኖ ውን ምስኡ ዝመጣጠን ምዃኑ ኣይተረፍን። እዚ ኲናት ብናትና ሙሉእ ዓወት እንተተዛዚሙ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልው ማእኸላይ ምንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ ክዀን? ኦሮሞ፥ ሶማል፥ ዓፋር፥ ወዘተ ኣብዚ እዋን እዙይ ከመይ እዮም ክሓስቡን ክንቀሳቐሱን፥ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኵነታት ይቕመጥ? ብስሩኸ ብስርዓት ዓዲ ዘመሓድር ሰላም ዘምፅእ ማእኸላይ መንግስቲ ድዩ ክህልው ወይስ በቢኸባቢኡ ዝቘሙ ናይ ክልል መንግስትታት እዮም ክፍጠሩ? እዚኦም ኵሎም ሕዚ ንምምላስ ኣፀገምቲ እዮም።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ውን ኣብዚ ቀፃላይ ኲናት ናይ ኤርትራ መንግስቲ እንተተሳዒሩ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ ንኤርትራ ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝገብሮ ዝነበረ ገይሩ እናመሓደረ ናይ ምቕፃል ዕድሉ ይህልዎ ዶ? እንተዘይኰይኑኸ ናይታ ሃገር ቀፃላይ ዕድል እንታይ እዩ ክዀን? ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ኤርትራ ኣብቲ እዋን ዝፍጠር ኵነታት ናብ ቅድሚት ዘምፀኦም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝህልው ዝምድና እንታይ ክመስል ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ የድሊ። ነዚኦም ኵሎም ንፁር መልሲ ብሕዚኡ ምቕማጥ ኣፀጋሚ እዩ። ግን ዝዀነ እንተዀነ ኣብ ጌጋ ዘየውድቐና ውሽጣዊ ጕዳይና ፖለቲካዊ ስርዓትና ድሕንነትና ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትና ብቐፀልነት ዘዕቢ ማእኸል ገይርና ምሕሳብ ንዅሉ ዝመፅእ ብደሆታት ብዝበለፀ ተዳሊና ክንፀንሕ የኽእለና።

ስለ ዝዀነ እውን ትዅረትና እዚ ሕዚ ዘይተዛዘመ ኲናት ብዓወት ኣብ ምውዳእን ካብ ብሐዚኡ ጀሚርና ጐኒ ንጐኒ ምስቲ ኲናት ክንጅምሮም ዝንኽእል ድሓር ድማ ምስ ኵነታት እናዛመድና እናዓሞቑ ክኽየዱ ዝኽእሉ ስራሕቲ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፥ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት፥ ሰናይ ምምሕድዳር ጀሚርና ምስ ኵነታት እናጐልበቱ ክኽየዱ ምግባር ይግባእ። እዚኦም ሕዚ እቲ ኲናት ብዓወት ክንዛዝሞ ዓብዪ ብፅሒት ኣለዎም። እቲ ኲናት ምስ ተዛዘመ እውን ኣብ ዝሓሸ ውሕስና ዘለዎ ሃዲድ ሰላምን ሕብረተ ሰባዊ ምዕባለን ክንኣትው የኽእሉና እዮም።

እቲ ኲናት ብውግእ ጥራሕ ዲና ክንውደኦ ወይስ ኣብ መንጎ ሰላማዊ ዝርርብ እውን እናተሓወሰ እዩ ክካየድ ዝብል ጕዳይ ገና ኣብ ከይዲ ክርኣይ እዩ። ናይ ሰላም ዝርርብ ምጅማር ማለት እውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላም ጥራሕ ክውዳእ እዩ ማለት ኣይኰነን። ብሰላም እንተተወዲኡ ፅቡቕ ዕላማና ብሰላማዊ መንገዲ ይማላእ ኣሎ ማለት እዩ። ግን እዙይ ናይ ዘይምዃን ዕድል ኣሎ ተመሊስካ ናብ ኲናት ምእታው እውን ኣሎ። ኣሽንኳይዶ ዕላዊ ናይ ሰላም ዘተ ገና ዘይተጀመረ እናሃለወስ ብዕሊ ምስ ተጀመረ እውን ኣብ መንጎ ተባኢስካ ተመሊስካ ናብ ኲናት ምእታው ከይህሉ ጥንቃቐን ፃዕርን ምግባር ዝግበአና እኳ እንተዀነ፤ እቲ ዝርርብ ሰላምን ምቕፃል ኲናትን እናተፈራረቑ ናይ ምኽያድ ዕድል ከም ዘሎ እናሓሰብካ ምኽያድ የድልይ። እዙይ መሰረት ገይርካ ንኽልቲኡ እናተዳለኻ፥ ከከም ኣመፃፅእኡ እናተኣናገድካ ምኽያድ ዘኽእል ፖለቲካዊ ኵነታት ኣብ ህዝብናን ሰራዊትናን ምፍጣር ብቐፃልነት ብትዅረት ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ እዩ።

ስለ ዝዀን መወዳእትኡ ከመይ ከም ዝጠቓለል ብንፁር ንምቕማጥ ኣይክኣልን ጥራሕ ዘይኰነስ ዝወስዶ ግዘ እውን ሓፂር ኣይኰነን። ነዙይ ሓደ ዓብዪ ፖለቲካዊ ምኽንያት ድማ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኵነታት ከመይ ኢሉ እናማዕበለ ይኽየድ? ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ናይ ሰላም ዝርርብን ከመይ ብኣሉታ ይዅን ብኣወንታ ይፀልዎ? ክረአይ ዘለዎ ካሊእ ዓብዪ ጕዳይ እዩ። ብዛዕባ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ክንሓስብን ክንዛረብን ከለና ብዛዕባ እዚ ሕዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘይተወድአ ኲናት ጥራሕ እናሓሰብና ኣይኰነን ዘለና። እዚ ሕዚ ተታሒዙ ዘሎ ኲናት ብናይ ህዝቢ ትግራይ ምርጫ ጥራሕ ክውዳእ ንምግባር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ፥ ወታሃደራዊ፥ ዲፕሎማስያዊ፥ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ብድሆታት ከም ዘለው ዀይኖም ነዚኦም ተደሪቦም እውን ኣብ ውሽጥና ኣብ ትግራይ ይዅን ምስ ከባቢና ንውሕ ዝበለ ዕድመ ዘለዎ ሰላም ንክህልወና ሕዚ እንታይ ንግበር ኢልና ክንሓስብ ኣለና። ካብዚ ኣንፃር ብሓደ ወገን ኣብ ውሽጥና ኣብ ትግራይ ንሰላም፥ ንልምዓት፥ ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት መሰረት ዝዀኑ ጕዳያት እንታይ እዮም ኢልና ኣለሊና ብቐፃልነት ክንሰርሐሎም ይግባእ። ብካሊእ ወገን ክዓ ኣንፃር ኣብ ከባቢናን ምስ ከባቢና ብዘለና ዝምድናን እንታይ ንፅበይ፥ ንሕናኸ እንታይ ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ክንሓስብን ክንሰርሕን ይግባእ። 

ኣብ ቀፃሊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከጋጥሙ ይኽእሉ ተባሂሎም ክሕሰቡ ዘለዎም ፖለቲካዊ ጕዳያት እንታይ እዮም፤ እቶም ፖለቲካዊ ብደሆታት ካበይ ይምንጭዉ ብዝብል ከፋፊልካ ምርኣይ ይክኣል እዩ። ባህርያቶም እውን ምስቲ ዝምንጭውሉ መሰረቶም ዝተተሓሓዘ ስለ ዝዀን እቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ፀገማት ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረኣዩ ይኽእሉ እዩም። ደጋውን ውሽጣውን ተባሂሎም፥ ደጋዊ ማለት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝምንጭው ፖለቲካዊ ጕዳያት ማለት እንትዀን ውሽጣዊ ድማ እቶም ካብ ትግራይ/ተጋሩ ባዕልና ዝምንጭዉ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዮም። ኣብ ክልቲኦም ምዝማድን ምትእስሳርን ክህልው እዩ። ብዝበለፀ ግልፂ ጌርካ ንምርኣይ ግን ፈላሊና ንርኣዮም። በቶም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገማት ንጀምር፦

 ምድልዳል ሓድነት ህዝቢ ትግራይ 

እቲ ክሳብ ሕዚ ዘጋጥመና ዘሎ ፀገም ከቢድ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ዝመከቶ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ስለ ዝተቓለሰ እዩ። ሓድነቱ ኣስጢሙ መሰለይን መንነተይን ኣሕሊፈ ንባዕዲ ኣይውህብን ስለ ዝበለ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዝነበሩን ዘለውን ፀገማትን ሽግራትን ይፅንሑለይ፥ ድሓር ክምለሶም ኢሉ ኵሉ ጠመትኡ ነዚ መሰሉ ንምሕዳግን መንነቱ ንምጥፋእን ከም ህዝቢ ህላወና ንምጥፋእን ዝመፅኦ ሓደጋ ቐዳምነት ውሂቡ ክቃለስ ስለ ዝወሰነ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ንጕዳያት ፖለቲካዊ ባህሪኦም ብምስትውዓል ናብ መደምደምታ ዝበፅሕ ፖለቲካዊ ማሕበረ ሰብ እዩ። ብምዃኑ እውን ክንኣድ ዘለዎ እዩ። ምስ እዚ ጐኒ ንጐኒ ኣብ ግዜኡ ዝህልዉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ነዚ ናይ ህዝቢ ብስለት ዝምጥን፥ ነዚ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ኣተሓሳስባ ዝቕበልን ዝሓቍፍን ኣሰራርሓ ክኽተሉ ይግባእ። ክልቲኡ እንተዘይተቕንዩ ዝድለይ ውፅኢት ኣይመፅእን። እዙይ ከም ዘሎ ኰይኑ ኣብ ቀፃላይ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ኵነታት ሓድነት ህዝቢ ትግራይ እናዓመቘ እናደልደለ ክኽየድ ቀፃላይ ፃዕሪ ምግባር ወሳኒ እዩ።

ኣብ ሓደ ህዝቢ ሓድነት ኣሎ ማለት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን የለውን፥ መማረፂ ሓሳባት የለውን፥ ካብ ሓደ ማእኸል ብዝንቅቍርቈር ኣተሓሳስባ ጥራሕ ይምራሕ ማለት ኣይኰነን። እዚ እንተነጊሱ ናይ ግዘ ጕዳይ እዩ እምበር እዚ ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተ ሰብ ካብ ውሽጢ ፀረ ህዝባዊ ኣተሓሳስባን ብስልጣኖም ድልየቶም ክገብሩ ዝደልዩ ጨቈንቲ መራሕትን እንተስ ብ መልክዕ ፓርቲ ተወዲቦም እንተስ በብውልቀኦም ምብቋሎምን ምግዋዶምን ኣይተርፍን። ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተ ሰብ ድማ መማረፂ ሓሳባት ዘየምፀኦ ውጥም ውጥም ዝበሉ ሓሳባትን ሰባትን እናተመንጠሉ እናበስበሰ ዝኽየድ እዩ ዝዀን።

ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን መማረፅታትን ብዘይ ፍርሕን ጭቈናን ምዕምባብ ንሓደ ሕብረተ ሰብ ፀጋ እዩ። ናይ ቀፃላይ ምዕባልኡ ሓባሪ ውን እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ሕብረተ ሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ክንሓስብ ከለና ነዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ዝምንጭው ኣተሓሳስባታትን መማረፅታትን ፀጋ ከየጥፋእና ብኣንፃር ንሃገራዊ ህንፀት (ሰላም፥ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት፥ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖሚ) ከመይ ጕልበት እናወሰኸሉ ክኽየድ ንገብሮ ምባል ጥራሕ እዩ ክዀን ዘለዎ። ካብ ሓደ ማእኸል ብዝንቍርቈር ኣተሓሳስባን መምርሕን ሰጥ ኢልካ ተገዛእ ክዀን የብሉን። እቲ ዋና ናይ ፖለቲካ ጥበብ ድማ ነዞም ኣብ ሓደ ሕብረተ ሰብ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታት ከም ፀገም ዘይኰነስ ከም ፀጋ ርእይኻ ንህንፀት ሕብረተ ሰባዊ ምዕባለ ከም ዝውዕሉ ገይርካ ምምራሕ/ምምሕዳር ይዀን።

እዚ ንሕና ንጅምሮ ሓዱሽ ተርእዮ ኣይኰነን። እቲ ዝሰልጠነ ዝበሃል ምዕሩይ መንግስቲ መስሪቶም ሰላምን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፥ ናይ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓትን ብቐፃልነት እናመዝገቡ ይኽየዱ ዘለው ሃገራት ኣብ ተግባር ኣውዒሎም ውፅኢት ዝረኸብሉ ዝተፈተነ ኣተሓሳስባ እዩ። ብሓፂሩ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብወረቐት ብፅሑፍ ዘይኰነስ ብተግባር ክኽበሩ እናገበርካ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ፥ ባህግን መማረፂ ሓሳባትን ዘለዎም ሰባት ብዘይ ምንም ፅዕንቶ ክውደቡ ከይተወደቡ እውን ሓሳባቶም ከም ድላዮም ክገልፁ እቲ ሕብረተ ሰብ እዞም መማረፂ ሓሳባት ክቐርብሉ ነዚኣቶም ጥቕሞምን ጕድኣቶምን ፈሊጡ ክመርፅ ዝኽእል ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ተግባራዊ ምግባር እዩ።

ዝዀነ እንተዀነ ኵሉ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዝድግፎ ኣተሓሳስባን መማረፂ ኣንፈትን ኣይህሉን። እቶም መማረፅታት ብ መሰረት ኣሰራርሓ እቲ ሕብረተ ሰብ ዝኣመነሉን ዝተቐበሎን ሕገ መንግስቲ ሃገር እናቐረቡ ውሳነ ይውሃበሎም። እቶም ዝበዝሐ ወሰንቲ ዝድግፍዎ ኣተሓሳስባ መምርሒ ይዀን፥ ኣብ ተግባር ክዓ ይውእል። እቲ ቡዙሓት ዘይደገፍዎ ኣተሓሳስባ ካልእ መዓልቲ ይፅበይ። ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት ስለ ዘይተቐበልዎ ጌጋ እዩ ወይ ጠቓሚ ሓሳብ ኣይኰነን ማለት ኣይኰነን። ተቐባልነት ንኽረክብን ውሳነ ኰይኑ ክሓልፍን ኣብቲ እዋን ኵነታት ኣይተመቻቸወን ማለት ክዀን ይኽእል እዩ። ምህላው ብዙሓት መማረፂ ሓሳባት፡ ሃገር ናብ ዕግርግርን ሕምስምስ ምእታው ማለት እውን ኣይኰነን።

እዙይ ጕዳይ እዙይ ኣብ ተግባር ንምውዓል ንሕና ተጋሩ ካብ ዝሓለፈ ልምድና ተበጊስና ክንርእዮ ከለና ክንሰግሮ ዘለና ቀሊል ዘይኰነ ኣብቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህልና ዘለዉ ማሕለኻታት ኣለውና። ንዚኣቶም ብውነ ክንሓልፎም ይግባእ። እዙይ እንተዘይገይርና ኣተሓሳስብኡን ባህጉን ብዝተወደበን ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ክግለፅን ህዝቢ ከእምንን ዝተኸልእ ኣካል ሕብረተ ሰብ፡ ናብ ካልእ ዘይሕጋውን ዘይሰላማውን መማረፂ ምጥማቱን ነዚ ኣብ ተግባር ምውዓሉን ኣይተርፍን። እዙይ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ድማ ናይቲ ማሕበረ ሰብ ሰላም ዝዘርግ ብኡ ኣቢሉ ድማ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ዕቤት ማሕበረ-ኢኮኖምን ዘተኣጓጕል ይዀን።

ናይ ህዝቢ ትግራይ ሓድነት ነቲ ሕዚ ተታሒዙ ዘሎ ገና ዘይተወድአ ኲናት ናብቲ ሕዚ በፂዎ ዘሎ ደረጃ ንክበፅሕ ዝነበሮ ብፅሒት መሰረታዊ እዩ። ናይቶም ክሳብ ሕዚ ዝረኸብናዮም ዙርያ ምላሽ (ወታደራዊ፤ ዲፕሎማስያዊ) ዓወታት መሰረቱ እዩ። እዙይ ንቐፃላይ ዝበፅሐና ዝተሓላለኸ ቃልሲ እውን ናይ ዓወታትና መሰረት እዩ። ስለ ዝዀነ ዝተፈላለዩ መማረፂ ሓሳባት ክንዲ ዝተኽኣለ ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ክቀርቡ ህዝቢ ክፈልጦም ሓሳብ ክህበሎም ምግባር ይግባእ። ኣብዚ ናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ውድብን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ መንግስትን ሓላፍነት ዓብዪ እዩ። በቲ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ዘይሓቋፋይ ኣሳታፋይ ዘይኰነ ኣካይዳ ምኽያድ ይውዓል ይሕደር ዋጋ ክኽፍለና እዩ። እቲ ዝኸበደ ዋጋ ድማ ኣብ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ነቓዕ ክፈጥረሉን ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ብምግባር ኣብቲ ቃልሲ ብ ዝፍጠር ምልሕላሕ ኣቢሉ ዝፍጠር ዋጋ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ብፍላይ እቲ መንግስቲ እዙይ ከይፍጠር ዝክኣሎ ኵሉ ክገብር ኣለዎ። እዙይ ማለት ኵሉ ዝመፅአ ሓሳብ ተቐበል ማለት ከም ዘይኰነ ግልፂ ይመስለኒ። እቲ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎን ጠቃሚ ሓሳባት ንምምማይን ንምልላይን ዘኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ ንቶም ጠቐምቲ ሓሳባት ብግልፂ ምቕባልን ኣብ ተግባር ምውዓልን እቶም ግዜኡ ዘይፈቐደሎም ወይ እውን ጠቐምቲ ዘይኰኑ ሓሳባት ድማ ብብቑዕ ምኽንያት ምንፃግን ምኽንያቱ ግልፂ ምግባርን ይግባእ። እዙይ ግልፅነት ዘለዎ ኣክብያይዳ ብግዜ ንቲ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን ዝዀነ ተቓላሳይ እናኣከበ ንቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕግርግር ዝብል እውን እናፈለየ ክኽየድ ዝኽእል እዩ።

 ዘገምታዊ ለውጢ (reform) ወይስ ናዕቢ

ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንምምፃእ (ለውጢ ምምፃእ ግድን ምዃኑ ተቐቢልና) ብኸመይ ዝመሰለ ኣግባብ እንተመፅአ ይሕየሽ ዝብል ጕዳይ ምልዓሉ ጠቓሚ እዩ። ብርግፅ ማሕበራዊ ኵለመደያዊ ለውጢ (ፖለቲካዊ፥ ማሕበረ ኢኮኖሚ፥ ወዘተ) ብፍላይ ፖለቲካዊ ለውጢ ተሊምካ ጥራሕ ዝመፅእ ኣይኰነን። ውሕሉል ኣርሒቑ ኣሚቱ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እንተልዩ ማሕበራዊ ለውጢ ተሊምካ ክሳለጥ ክመፅእ ይኽእል እዩ። ፖለቲካዊ ለውጢ ግን በዚ መንገዲ ጥራሕ ኣይመፅእን። እቶም ክልተ መማረፅታት ሓደ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝመፅእ ዘገምታዊ (reform) ለውጢ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ብናዕቢ፥ ብጐነፅ፥ ብሓይሊ፥ ዝመፅእ ለውጢ (revolution) እዩ።

ዝበዝሐ ግዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ባዕልትና እውን ዘሎ ተሞኵሮ ዘርእየና ብጐነፅ፥ ብሓይሊ ዝመፅአ ለውጢ ብዙሓት ጕድኣታት ኣለውዎ። ብሓደ ወገን ኣቐዲሙ ተሃኒፁ ዝነበረ ክቕፅል እውን ዘለዎ ኣወንታዊ ጕዳያት ምስቶም ኣሉታዊ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ጕዳያት ብሓባር ፀራሪጉ ናይ ምጥፋእ ዕድሉ ዝሰፍሐ እዩ። እዙይ ኣብ ንውሕ ዝበለ እዋን ዝተዋህለለ ማተርያላዊ ሃፍቲ ክዀን ይኽእል፥ በቢ ግዜኡ እናተመሓየሸ ዝመፅአ ኣሰራርሓታት ክዀን ይኽእል። ብሓፈሻ ነቲ ኣወንታዊ ጕዳያት መሪፅካ ናይ ምቕፃል ዕድል ፀቢብ እዩ። ኵሉ ነገር ካብ ባይታ ካብ ዜሮ ክትጅምር የገድድ። እቲ ዓመፅ ምስ ተጀመረ መዕለቢኡ ርግፀኛ ኰይንካ ምትንባይን ምዝራብን ኣይክኣልን። ባዕል ግዘ ናብ ዝወሰዶ እዩ ዝኽየድ እዙይ ኵሉ ግዘ ፅቡቕ ውፅኢት የምፅእ ማለት ኣይኰነን። መንግስታዊ፥ ሕብረተ ሰባውን ትካላት ፈራሪሶም መተካእተኦም ገና ከይተመዓራረየ ንሕብረተ ሰብ ናብ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ዕግርግር ከእትው ይኽእል እዩ። 

ኵነታት ተገንዚቡ ሕብረተ ሰብ ብዘገምታዊ ወቕቱ ዝሓለወ ለውጢ እናመርሐ ናብ ምዕባለ ዝወስድ ብሱል ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እንተዘይሃልዩ እቲ ሕብረተ ሰብ ዘለዎ መማረፂ ብሓይሊ፥ ብጐነፅ፥ ብናዕቢ ለውጢ ንክመፅእ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። እቲ ሕብረተ ሰብ መወፃፅኢ ስኢኑ ኣንፈት ጠፊኡዎ ዕንይንይ እናበለ እውን ኣብ ውሽጡ ኣብ ባዕሉ ክፈርስ ይኽእል እዩ። ናብ ውሽጢ ይፈርስ (Implode) ይገብር። እዙይ እውን ከቢድ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመፅእ። ድሕሪ እዙይ ጠርኒፍካ መሪሕኻ ኣለዓዒልካ ሕብረተ ሰብ ንምህናፅ ናብቲ ክጥቀስ ዝፀንሐ ናይ ምዕባለ ሃዲድ ክኸትት ንምግባር ኣፀጋሚ ይዀን።

ብዓመፅ፥ ብናዕቢ ዝመፅእ ለውጢ ባዓል መዓልቲ ሒዙልካ ይመፅእ። ኣነ/ንሕና ኢና እቲ “ሕማቕ” ስርዓት ኣወጊድና እሞ ሕልፊ ይግብአና እዩ ብሃላይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ሒዙ እዩ ዝመፅእ። እዚ ብቃላት ይገለፅ ኣይገለፅ እቲ ተግባር ግን በዚ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ምዃኑን ይግባአኒ ብሃልቲ ንባዕሎም ምስቲ ናዕቢ /ዓመፅ እናተሓሓዙ ይግባአኒ እዩ ምባሎምን ኣይተርፍን። ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣፈላላይ ይፈጥር፡ ባዕል ቤትን ኣማዕድዮም ጠመትን። ቀስ ብቐስ ድማ ሰላምን ቅሳነትን እቲ ሕብረተ ሰብ ዘስእን ይዀን። መብፅሒ ዘገምታዊ ለውጢ ግን፡ በብጊዜ ኵሉ ሕብረተ ሰብ እናተሳተፈሉ ስለ ዝኽየድ፡ ይፍለጥ እዩ። እቶም ኣወንታዊ ፀጋታት ናይቲ ሕብረተ ሰብ (ማተርያላዊ ይዅን ታካላዊ፥ ባህላዊ ወዘተ) ከይተፀራረጉ ተሓልዮም ምናልባት እውን ማዕቢሎም ናብ ቀፃላይ ናይ ምሕላፍ ዕድሎም ዝዓበየ እዩ። ዝበዝሐ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ክፋል ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሳተፈሉ ስለ ዝዀነ ፍሉያት ሰብ ቤት ዝዀኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወይ ውልቀ ሰባት ናይ ምፍጣር ዕድሉ ዝፀበበ እዩ። እቲ ዝርከብ ለውጢ ኣብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝመፅእ ስለ ዝዀነ ሰፊሕ ናይ ባዕል ቤትነት መሰረት ይህልዎ። ብምዃኑ እውን ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ደረጃ ናይ ለውጢ እንተተበፂሑ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝፀበበ እዩ። ንኣሰታፋይ ዝዀነ በብግዜኡ እናዓመቘ ዝኽየድ ሕብረተ ሰብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምቍፅፃር ዓቕሙ ዘዕብይ ብምዃኑ እውን እናደልደለ ዝኽየድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝተመቻቸወ ኵነታት ይፈጥር።

ኣብ ትግራይ ብዙሓት ጕዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ማለት እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተገለፁ ብተወሳኺ ዘለናሉ ከባቢ ተኣናፊ ምዃኑ ገና መሊኡ ዘይተወድአን መዕለቢኡ ዘይተፈለጠን ኲናት ኣብ ዝባና ስለ ዘሎ፤ ውሑድን ድኻን ህዝቢ ዘለና ምዃኑ፤ ካብ ናትና ምክፍፋል ክጥቀሙ ተሃንጥዮም ዝፅበዩ ብላዕልን ብታሕትን ፀላእቲ ስለ ዘለውና ዝሓለፈ ታሪኽና እውን ሓደ ሓደ ኣሉታ ነገራት ስለ ዘለውዎ ኣብ ትግራይ ክመፅእ ዝድለ ለውጢ ብጐነፅ ወይ ብናዕቢ እንተዘይዀነ ይምረፅ። ብሓይሊ ብጐነፅ ዝመፅእ ለውጢ ንቡዝሓት ዓመታት ብክንደይ ፃዕሪ ዝተኣከቡ ሰብኣውን ማተርያላውን ሃፍትታት ትግራይ ብሓፂር ግዘ ምዕናው ከም ዘሎ ኰይኑ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ እውን ምትንባይ ኣፀጋሚ እዩ ዝዀን። ኣብ ውሽጥና ምክፍፋል ተፈጢሩ ኣደዳ ናይ ደገ ፀላእቲ ክንዀን ኵነታት ዘመቻቹ እዩ። ድሓር ተመሊስካ ሓደ ኰይንካ ናብ ሰላም፥ ህንፀት ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ንምእታው ኣፀጋምን ግዘ ወሳድን እዩ ዝገብሮ።

እዙይ ግን ስለ ዝተመነኻዮ ጥራሕ ዝመፅእ ኣይኰነን። ሕብረተ ሰብ መማረፂ ስኢኑ ናብ ናዕቢ ዝኣትወሉ ኵነታት ብምውጋድን ብምፍታሕን እዩ ዝመፅእ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ዝኽበረሉ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታትን ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣግባብ ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ መዕለቢ እናተገበረሎም እንተተመሪሖም ጥራሕ እዩ። ዝዀነ መማረፂ ሓሳብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይዅን ውልቀ ሰብ ብግልፂ ብዘይ ምንም ፅዕንቶን ምሽቝራርን እናቐረበ በቲ ሕብረተ ሰብ ዝተቐበሎ ኣሰራርሓ እናተኣናገደ እንተኸይዱ እዩ። እዙይ ብወረቐት ተቐሚጡ ብኣፍ እውን እናተለፍለፈ ብተግባር ግን ናይ እዙይ ተፃራሪ ስራሕ ዝሰራሕ እንተዀይኑ ሕብረተ ሰብ ካብቲ ሕጋውን ሰላማውን ዝብሃል መንገዲ ካሊእ መንገዲ ምንዳዩን ምጥቃሙን ኣይተርፍን።
ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታትን ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ምምራሕ፥ ሕብረተ ሰብ ናብ ናይ ጐነፅ መማረፂ ከይኣቱ ናይ ምግባር ዝለዓለ ሓላፍነት ኣብቲ እዋን ፖለቲካዊ ስልጣን ተቘፃፂሩ ናይ ዘሎ መንግስታዊ ሓይሊ እዩ። መንግስቲ፡ ሕብረተ ሰብ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታቱን መማረፅታቱን ባህግታቱን ብዝተወደበ ይዅን (ፖለቲካዊ ውዳበታት፤ ማሕበራት) ብውልቁ ብነፃ ብዘይ ፅዕንቶ ከይተሸቝረረ ከቕርብን ድምፁ ክስማዕን ኵነታት ከመቻችው ኣለዎ። ካብ እዙይ ወፃኢ ብፀቕጥን መሓውር ፀጥታን ተጠቒምካ ሰላምን፤ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖሚያሚ፤ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምምፃእ ኣይክኣልን። እዙይ ማለት እቲ ሕብረተ ሰብ ንመንግስቲ እናተፀበየ ክንድቲ መንግስቲ ዓቂኑ ዝሃቦ ጥራሕ እናተቐበለ ክኽየድ ኣለዎ ማለት እውን ኣይኰነን። ሕብረተ ሰብ መሰሉ ዘረጋግፅ እናተቓለሰ እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ዝተፈለየ ክዀን ኣይኽእልን። እቲ ዝግበር ቃልሲ ሰላማውን ሕጋውን ክዀን ኣለዎ ማለት ጥራሕ እዩ።

ሕብረተ ሰብ ብሰላማውን ሕጋውን ቃልሲ ብዘገምታዊ ለውጢ እናተቐየረ እናማዕበለ ንክኽየድ በቲ ኣብ እዋኑ ዝህልው ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክግበር ዘለዎ ተገሊፁ እዩ። እዙይ ጥራሕ ግን እኹል ኣይኰነን። ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዘለው ብፖለቲካ ዝተወደቡ ሓይልታት እውን እቲ ለውጢ ንክመፅእ ክቃለሱ ኣለዎም። እቲ ሕብረተ ሰብ ካብቲ ዘለሉ ኵነታት ናብ ምንታይ ክበፅሕ ይኽእል ኢሎም ካብ ጭርሖ ዝሓለፈ ባይታ ዝረገፀ ዝርዝር ፅንዓትን ዝተወደበ መማረፂ ሓሳብ ክቐርቡ ኣለዎም። እቲ ሕብረተ ሰብ ካብ ዝርከበሉ ኣጠቓላሊ ኵነታት ናበይ ክበፅሕ ይድለይ? እቲ ክበፅሐሉ ዝተደለየ ሽቶ ወይ ዕላማ እንታይ ይመስል? ብኸመይ ዝመሰለ ኵነታት ተሓሊፉ እንታይ እንታይ ተሰሪሑ ይብፃሕ? ኣብቲ ጕዕዞ ዘጋጥሙ ፀገማት ከመይ ይፍትሑ? ብኣግባቡ ዝተሓሰበሉን ዝተወደበን መማረፂ ሓሳባት ናብቲ ሕብረተ ሰብ ክቐርቡ ክኽእሉ ኣለዎም።

ካብዚ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዘለው ተቓወምቲ ውድባት ከመይ ይምዘኑ ኢልካ ምርኣይ ይግባእ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይን ተመሳሳልነትን ክሳብ ክንደይ ብሓባር ክሰርሑ ዘየግብር እዩ? ኣብ መንጎኦም ስልጡን፥ ኣብ ሓሳብ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ዝምድና ኣለዎም ዶ? ንትግራይ ካብቲ ሕዚ ዘላትሉ ኵነታት ናብ ልዕል ዝበለ ምዕባለ ዘብፅሕ ኵሉመዳያዊ ዝተወደበ መማረፂ ሓሳባት ኣሎ ዶ? ወዘተ ኢልካ ምሕታት ይግባእ። እቶም ተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ሕዚ ዝተፈላለየ ፀገማት ተፃዊሮም ዝገበሩዎን ይገብሩዎ ዘለውን ቃልሲ ዝነኣድ ኰይኑ ንቐፃላይ ድማ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብፅሒቶም ብዝለዓለ ደረጃ ንኸወፍዩ ብዝበለፀ ክዳለው ይግባእ። እዚኣቶም ናይቲ ዘገምታዊ ለውጢ ሓደ ዓብዪ ኣካል እዮም።

ምስዚ ጐኒ ንጐኒ ካብ ኣባልነት ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ናፃ ዝዀነ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ሕብረተ ሰብ፥ ውዳበታት ሞያ፤ ማእኸላት ፅንዓትን ምርምርን፤ ወዘተ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እናማዕበለ ዝኽየድ ዘገምታዊ ለውጥን ዘለዎም ብፅሒት ዓብዪ እዩ። 

ኣብዚ ሓደ ክለዓል ዘለዎ ጕዳይ ኣብ ሕብረተ ሰብ ውሽጢ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ (ፖለቲካዊ፥ ኢኮነምያዊ ወዘተ) ረብሓታቶም ከማልኡ ዝደልዩ ሕብረተሰባዊ ሓይልታት (ዝተወደቡ ይዅን ዘይተወደቡ) ኣይህልውን ማለት ኣይኰነን። ብፍላይ ንቲ ዝለዓለ ዕላማ ንምዕዋት ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ምኽባር ኣሰራርሓ ክብለፅሉ ዝደልዩ ናብ ናይ ውልቀ ረብሐኦም ከውዕሉዎ ዝደልዩ ሓይልታት ክህልዉ እዮም። ነዚኣቶም ንፁርን ግልፅን ዝዀነ ናይ ሕጊ ስርዓት ብምህናፅ ተግባራዊ ብምግባር ብዘይ ምልስላስ ስርዓት ክሕዙ ምግባር ይግባእ። 

ኣብዙይ ካብ ፅዕንቶን ቍፅፅርን ፈፃሚ ስራሕ ወፃኢ ዝዀነ ብሞየኦምን ስነ-ምግባርን ሕብረተ ሰብ ዝተኣማመነሎም ሰብ ሞያ ሕጊ ዘለውዎ ግደ ነፃ ኣብያተ ፍርዲ ኣዕርዩ ተደላይን ኣገዳስን ይዀን። ብፍላይ እዙይ ግዜ እናወሰደ ኣሰራርሕኡ እናፅፈፈ ብሕብረተ ሰብ እውን ተኣማንነት እናረኸበ እንተኸይዱ ኣብ ሰላምን ምርግጋፅን ምምፃእን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ እጃም መተካእታ የብሉን። ስለዚ ንሕና ተጋሩ ለውጢ የድልየና እዩ። ለውጢ ማለት ምዕባለ ንቕድሚት ምስጓም ማለት ስለ ዝዀነ እዙይ ዝንብህጎን ዝንምነዮን ምምፅኡ ዘይተርፍን ለውጢ እቶም ክሳብ ሕዚ ረኺብናዮም ዘለና ሰብኣውን ማተርያላውን ፀጋታትን እናራጐደ ቀስ ብቐስ እናደልደለ ዝኽየድ፥ ሓድነትና ዘጠናኽር ንፀላእቲ ነቓዓት ዘይፈጥር እናዀነ ክኽየድ ክንገብር ኣለና። እዙይ ናይ ምግባርን ንቲ ሕብረተ ሰብ ቐፃላይ ዘተኣማምን ሰላምን ማሕበረ ኢኮነምያዊ ዕቤትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምውሳድ ሓላፊነት ብዋናነት ኣብቲ ኣብ ሓደ እዋን ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ኣመራርሓ እዩ ዝወድቕ። እቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ንርኡይ ዝጭበጥ ዘገምታዊ ለውጢ ኵነታት ከየመቻቸዉ እንተተሪፉ እቲ ሕብረተ ሰብ ናብ ናይ ውድቀት ቍልቍለትን ሰላም ምስኣን ምእታው ኣይተርፍን። 

 ምስፋን ሰላም ኣብ ውሽጢ ትግራይ 

ዋና ጠንቂ ምስኣን ሰላም ሃገራት፡ ውሽጣዊ እናዀነ እዩ መፂኡ፥ እዚ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ኣረጋጊፆምዎ እዮም። እዚ ኵነታት፡ ብፍላይ ኣብ እተን ዘይማዕበላ ዝበሃላ ዝበዝሓ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ጐሊሁ ዝረኣይ እዩ። እዚ ማለት ካብታ ሃገር ወፃኢ ዝምንጭው ናይ ሰላም ምዝራግ ፀገም የለን ጠፊኡ እዩ ንምባል ኣይኰነን። እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ሰላም ዝዘርግ ጕዳይን ናይ ወፃኢ/ነዚ መሰረት ብምግባርን ዝግበር ፀረ ሰላም ምንቅስቓስ እውን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣይተርፍን። እቲ ዝዓበየን ንቶም ፀገማት ክተሓላለኹ ዝገብርን ግን እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ኵነታት እዩ።

እቶም ናይ ሓደ ሃገር ሰላም ዝዘርጉ ዓበይቲ ጕዳያት፡ ብፀገም ሰናይ ምምሕዳር፥ ብምስኣን ፍትሒ፥ ብኣድልዎ፥ ብወገናውነት፥ ብግዕዝይና፥ ወዘተ ይግለፁ። ምጕዳል ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ወይ ብደረጃ ድልየት እቱ ሕብረተ ሰብ ዘይተረጋገፀ ምዃን፥ ኢፍትሓዊ ተጠቃምነት ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ልምዓት፥ ኣድልዎ ዝመሰሉ ጕዳያት እዮም። እዚኣቶም ዝተኣሳሰሩ እዮም። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝተመቻቸወ ኵነታት ይፈጥረሉ ወይ ድማ ኣሉታዊ ኵነታት ብምፍጣር እቲ ፀገም ተኣሳሲሩ እናተጋደደ ክኽየድ ይገብሩ።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኲናት ህወሓትን ብኡኡ ዝምራሕ መንግስትን ኵሎም እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ፀገማት ኣለውኒ ነዚኣቶም ክፈትሖም እየ ኢሉ ብዕሊ ገሊፁ እዩ። ነቶም ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ ይዕበይ ይንኣስ ምንቅስቓስ ምስ ተጀመረ እቲ ሃገራዊ ማለት እውን ብኢትዮጵያ ደረጃ ዘሎ ናብ ኲናት ዘምረሐ ቀውሲ ተጀሚሩ ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ኲናት ኣምሪሑ። ኲናት ተወሊዑ ህዝቢ ትግራይ ኵሉ ውሽጣዊ ፀገማት ይፅንሐልና ኢሉ እቲ ኲናት ብዓወት ንምዝዛም ብሙሉእ ዓቕሙ ከቲቱ እዩ። እዚ ማለት ግን እቶም ፖለቲካዊ ፀገማት ኣይርአዮምን ዘሎ ኣይዛረበሎምን ዘሎ ማለት ኣይኰነን። ብፍላይ እቲ ትግራዋይ ሊሂቅ (ናይ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣባላት፥ ምሁራት፥ ነጋዶ፥ ዲያስፖራ) ከም ዘተሓሳስብቡ ኣጀንዳታት የልዕሎም እዩ።

ሓደ መግለፂ እቶም ዝልዓሉ ጕዳያት፡ ኣብ ብቕዓት እቱ ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ትሑት እምነት ዘለዎን ነዚ ንኣትዎ ዘለና ዝተሓላለኸ መድረኽ ብዓወት ክንወፆ ዲና ዝብልን ክፋል ሕብረተሰብ ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ መበገሲ ዝገብሮ ድማ ቅድሚ እቲ ኲናት ብቕዓት ዘለዎ ምድላው ዘይተገበረሉ ዋና ምኽንያት ብስትራተጃዊ ኣመራርሓ (ኣቀዲሙ ንኵነታት ኣሚቱ መፍትሒ ኣቐሚጡ ብኡ መሰረት ዝንቀሳቐስን ዝመርሕን ኣመራርሓ) ጕድለት እዩ ኢሉ ይኣምን።

እቶም እቲ ውደብ ዝኣምነሎም መሰረታውን ዓበይትን ጕድለታትን (ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ) ንምፍታሕ ምስቲ ናይቶም ፀገማት ዕብየት ዝመጣጠን መፍትሒ ቅድሚ ኲናት እውን ብፍላይ ድማ ሕዚ ፀላኢ ዝበዝሐ ትግራይ ምስ ለቐቐ እቲ ውድብን መንግስትን ናብ ቦትኡ ምስ ተመለሰ ናብቲ ዝነበሮ ብፍልጦን ዝምድናን (network) ተኣሳሲርካ ምስራሕ፥ ግዕዝይና፥ ፍትሒ ምጕዳል ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ሽግራትን ወዘተ ከምቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መሊሱ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ኣሎ ዝብል መረረት ኣሎ።

እቲ ውድብን መንግስትን ቀደሙ እውን ኣሳታፋይ ኣይነበረን። (ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፥ ነፃ ማሕበራት፥ ሓሳብ ዘለዎም ምሁራት) ብጠቕላላ ካብቲ ናይቲ ውድብ መሓውር ወፃኢ ንዝዀነ ትግራዋይ መግለላይ ነይሩ። ሕዚ እውን እዚ በቲ ኵነታት ዝሓትቶ መሰረት ኣይተመሓየሸን።

ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ኲናት ዝፈጠሮም ከበድቲ ፀገማት ኣለው። ትግራይ ሕዚ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን እያ ዘላ። ሰብኣዊ ረዲአት ከም ናይ ኲናት መሳርሒ ዝጥቀም ብዓለም ለኸ ሕጊ ዝተወገዘ ስራሕ እናሰርሐ ንህዝቢ ጠቕሊሉ ከጥፍእ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ናይ ኢትዮጵያ ማእኸላይ መንግስትን መሻርኽቱ ናይ ኤርትራ መንግስትን ናይ ኣምሓራ ዕጡቓት ኣጥፋእናኩም ይብሉና ኣለው። ኵሉ ዓይነት ኢኮነምያውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ተዓፅዩ ሰብ ኣብ ባንኪ ገንዘብ እናሃለዎን ቤተሰብ ገንዘብ ክልእኸሉ እናኸኣሉን እውን ብጥሜትን ካልኦት ፀገማትን ዝሳቐየሉ እዋን ኢና ንሓልፍ ዘለና። እዚ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ኢኮነምያዊ ፀገም፥ ፖለቲካዊ ፀገም ከቢድ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዙይ እቲ መንግስቲ ዝፈጥሮ ጠገማት ሰናይ ምምሕዳር ክድረቡዎ ከለው ነቲ ኵነታት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን ይገብሩዎ።

ኣብዚ ሕዚ ዘለናሉ እዋን እቲ ትግራዋይ ሊሂቅ (ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ኣባላትን ኣመራርሓን፥ ምሁራት ፥ ዲያስፖራ ተጋሩ፥ ኣብ ማእኸል ዓዲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኵሎም ተጋሩ፥ ወዘተ) ዘተሓሳስቦም ጕዳይ ናይ ቅድሚት ዕድልና ከመይ እዩ ክዀን ዝብል እዩ። ብሓደ ወገን  ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ናይ ኣምሓራ ሊሂቃንን ድልየቶምን ባህጎምን ዘመላኽቱ ኣብነታት ብዙሓት እዮም። ሃፀያዊት ኢትዮጵያ እንደገና ክትዕምብብ እሞ ንካልኦት ህዝብታት መሰላቶም ጨቚና ናይ ኣምሓራ ልዕልነት ኣረጋጊፃ ሓደ ጥርኑፍ/ኣሃዳዊ መንግስቲ ምምስራት ምዃኑ ግልፂ እዩ። እዚ ተግባራዊ ንምግባር ክንደይ ርሕቐት ክኽየዱ ከም ዝኽእሉ ኣብዚ ክሳብ ሕዚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ገይሩ ዘሎ ኲናት ኣርእዮምና እዮም። ነዚ ዕላምኦም ዋና ዕንቅፋት ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢሎም ኣለልዮም ከም ህዝቢ መጠን ከጥፍእዎ ኵሉ ዝክኣሎም ናይ ወፃኢ ሓይልታትውን ዓዲሞም (ኤርትራ፥ ሕብርቲ ኢሜሬት ዓረብ፥ ቱርኪ) ጨፍጪፎምና እዮም። ብጥምየትን ሕማምን ክንረግፍ ፈሪዶምልና እዮም። ምስ እዚኦም ድሕሪ ደጊም ከመይ ገይርና ናይ ሓባር መንግስቲ መስሪትና ንነብር ዝብል ኣተሓሳስባ ገፊሕ እዩ። ስለ ዝዀነ እውን፡ መሰል ዓርሰ ውሳነና ተጠቒምና ይዅን ካሊእ መንገዲ ናይ ባዕልና ነፃ ሃገር ንመስርት ዝብል ኣተሓሳስባ ብገፊሑ ይግለፅ ኣሎ።

ብካሊእ ወገን ክዓ እዚ ተጀሚሩን ይካየድን ዘሎ ኲናት መወዳእትኡ እንታይ ክዀን ይኽእል? ብሓይሊ ስዒርና ብሰላም ክንነብር ንኽእል ዲና? እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕብረ ሰብ ከም ነፃ ሃገር ተቐቢሉና ኣብቲ ነፃ ማሕበር ሃገራት ዓለም ተፈሊጥና ናብ ንቡር ናብራ ክንኣትው ዲና? ገና ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ። ኣብ ማእኽል እዙይ፡ ብዙሓት ዝተሓላለኹ ፈተናታት ከም ዘለው ግልፂ እዩ። ስለዚ ካብቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኲናት ብዓወት ናይ ምውፃእ ይዅን ድሓር እውን ካብ ዝሕየሸ መሰረት ንምጅማር ክነተኵረሎም ዘለና ጕዳያት ኣለዉ።

ቅድሚኡ ግን ረብሓታት ምምስራት ነፃ ሃገርን ምጥንኻር ዓርሰ ምሕደራ ኣብ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ክምዘን ዘለዎ ብ ኣንፃር ምምፃእ ቅልጡፍ ውፅኢት ኣብ እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ሽቶታት ክዀን ኣለዎ። እዚ ማለት ቀልጢፍና ዱልዱል መሰረት ዘለዎ ሰላም፥ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ዘረጋግፅ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዕቤት ን ምምፃእ ዘኽእለና ኣየናይ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ይግባእ። ነፃ ሃገር ምምስራት ይዅን ኣካል ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ኰይንካ ምቕፃል ናብቲ ክንበፅሖ ንደልይን ብቐፃልነት ሒዝናዮ ንጕዓዝን ሽቶና ንምብፃሕ ዝጠቕሙና መማረፂ መንገድታት ገይርካ ምርኣይ ይግባእ። ኣብ ውሽጥና ሰላም ዝረጋገፀሉ፥ ቀፃላይ ልምዓት ንምምፃእን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅን ምዕሩይ መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ። ትግራይ ባዕላ ዝኽኣለት ነፃ ሃገር ክትዀን ይዅን ኣብ ትሕቲ ገፊሕ ክልላዊ ስልጣን ኰይንና ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድር (እዙይ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ሕረያ ዝውሰን ጕዳይ ስለ ዝዀነ) በቢ ግዜኡ እናጠንከረ ዝኽየድ ምዕሩይ/ድልዱል መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ።


 ጕዳይ መንግስትን ፖለቲካዊ ፓርትን

ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ፖለቲካ ውድብ ከምቲ ዝተገለፀ ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ንሕብረተ ሰብ ክመርሕ ኣብ ናይቶም መራሕቲ እምነትን ሰናይ ድልየትን ጥራሕ ዝድርበ ክዀን የብሉን። እዙይ ንምግባር ዘኽእል ባዕሉ ንባዕሉ ንምቍፅፃር ዘኽእል መንግስታዊ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ክህልው ኣለዎ። ምስ እዚ ድማ ናይ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣመራርሓ ዘለዎ ናይ ምቍፅፃር ዓቕምን ኣሰራርሓን ክጠናኸር ምግባር ይግባእ። እዚ ኣብ መንጎ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ዘሎ ፍፁም ውህደት ብምትራፍ ክጅመር ኣለዎ።

ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርትታትን መንግስትን ዘሎ ፍፁም ውህደት ካብቲ መንግስቲ ሓደ ገዛኣይ ደርቢ ንካልኦት ደርብታት ንምፅቃጥን ንምጭቋን ዝጥቀመሉ መስርሕ እዩ ዝብል ናይ ፀጋም ብፍላይ ድማ ናይቲ መራሓይ ኮምኒስት ፓርቲ ሩስያ ዝነበረ ሌኒን ኣተሓሳስባ ዝመንጨወ እዩ። ድሕሪኡ ዝመፅኡ ናይ ፀጋም ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከም ዝጠዓሞም ገይሮም እናተጠቐምሉ መፂኦም። እዙይ ግን ብተግባር ንጭቈና ግዕዝይና ፀረ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል እምበር ንሕብረተ ሰብ ኣጠቓላሊ ምዕባለ ክውዕል ኣይተረኣየን።

 ሰዓብቲ ብሄርተኛፖለቲካዊ እምነት (Nationalism) ድማ መንግስቲ (ብፍላይ ካብ ሓደ ውሑድ ዝዀነ ብሄራዊ መንነትን ሓድነትን ዘለዎ ህዝቢ (nation state) ዝፍጠርን በዚ ኣገባብ ዝምስረትን መንግስቲ) ናይቲ ቢሄር ዝልዓለ ፖለቲካዊ ውዳበን ባህጊን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንሕብረተ ሰባዊ ምዕባለ ሃንዳሳይን ኣብ ተግባር እውን መራሓይን እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ብምዃኑ እውን ኣብቲ ሕዚ ዘለናሉ ኵነታት (ብዋናነት ናይ መንነትካ ውሑስ ናይ ምግባር ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምንቅስቃስ) ናይ መንግስቲ እጃም ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዝዓዘዘ እዩ።

ሐዚ እቲ ኣቐዲሙ ዝመፅእ፡ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ፓርቲ ብቐጥታን ምምሕዳራዊ ብዝዀነ ኣግባብን ነቲ መንግስታዊ መሓውራትን ናይ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ይዅን ማተርያላዊ ሃብቲ ምውፋርን፡ ብፍፁም ብዘጥፍእ መንገዲ ዘሎ ጥምረት ክፈላለይ ኣለዎ። እቲ ብመረፃ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንመንግስቲ ዝመርሕሉ ስርዓት ብንፁር ክፍለን ክንፀርን ኣለዎ። ኣብዚ እቲ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ጠቓሚ ተመኵሮን ኣሰራርሓን እቶም ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣናትን ካብ እዙይ ወፃኢ ዘለው ማንም ሰብ ክሕዞም ዝኽእል ሞያዊ ናይ መንግስቲ መስራቤታትን ብሕጊ ብኣዋጅ ኣብ ፅንዓት ተመስሪትካ ምፍላይ እዩ። እዚ ምስ ተተግበረ ዝዀነ ኣብ ሓደ እዋን ብመረፃ ኣቢሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሸነፈ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ መረፃ ንህዝቢ መፅበዓ ዝኣተወሎም ፖሊስታትን መደባትን ንምፍፃም ዘኽእሉዎ ብሕጊ ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ናይ ስልጣን ቦታታት ይሸውም። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ግን ብመሰረት ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ መማሓደሪ ሕጊ ስቪል ስራሕትታት፡ ናይ ዝዀነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ይዅኑ ኣይዅኑ ብሞይኦም ተሓርዮም ብቑዓት ዝዀኑ ሰባት ይሕዙዎ። መንግስቲ ነዚ ዘመሓድረሉ ሕጊ እውን ይህሉዎ።

እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ዋና ትዅረቱ ናይቲ ውድብ ናይ ፖለቲካን ስነ ሓሳብን ፅርየት ብቐፃልነት ኣብ ምሕላው፥ ብብቕዓቶም ብስነ ምግባርን ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ብዘለዎም ተቐባልነትን ዝለዓለ ሚዛን ዘለዎም ሰባት እናመልመለ ኣባላቱ ክገብር ኣብ ምፅዓር፥ ንታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ዕቤት ክወስድ ዝኽእል ፖሊስታት ስትራተጅን ስልትን መደባት ብምሕንፃፅን እዙይ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ምስራፅን ዘተኰረ ክዀን ኣለዎ። ኣብዙይ ዕውት ስራሕ እንተሰሪሑ ብናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነቱ ብናይ ኣባላቱ ፅርየትን ብቕዓትን ብቐፃልነት ኣብቲ ፖለቲካዊ ውድድር (መረፃ) እናስዓረ ክቕፅል እዩ። እዚ ኣሰራርሓ ንቲ ፖለቲካዊ ውድብ ባዕሉ እውን ብቕዓቱን ፅርየቱን ብቐፃልነት እናሓለወ ክኽየድ የኽእሎ እዩ።

እቲ ሕብረተ ሰብ ውን ብውድድር ዝልዓለ ፖለቲካዊ መሪሕነት እናጨበጠን፥ እናተቘፃፀረን ክኽየድ የኽእሎ። ካብዚ ወፃኢ ብምምሕዳራዊ መንገዲ (ካብቲ ብሕጊ ዝተነፀረ ወፃኢ፡ ንኣባላት ውድብ ኣብ ስራሕ ብምምዳብ ) ጥቕማ ጥቕሚ ብምሕላው ብኔትዎርክ ብምትእስሳር ሕልፍ ክብል ከሎ እውን ብናይ ፀጥታ መሓውራት ፅዕንቶ ብምፍጣር ወዘተ፥ ልዕልነትካ ሓሊውካ ንምኽያድ ምፍታን ኣብ ሓፂር እዋን፡ ስራሕ ዘቐለለ እንተመሰለ እውን ኣብ ከይዲ ግን ነቲ ፖለቲካዊ ውድብ መሊኡ የበስብሶ፥ ንሕብረተ ሰብ ድማ ካልእ [ [ኢሕጋውን ኢሰላማውን ] መማረፂ ክርእይ ይገብሮ። ሕብረተ ሰብ ናብ ውድቀትን ዕንክሊልን የእትው።

መንግስትን ገዛኢ ውድብን ንምፍላይ ብዘፀግም ደረጃ ምጥማሮም፡ ናይ ሕብረተ ሰብ መሰል ንምጥባቕ ከም መንቅሒ ደወል ተገይሩ ዝቝፀር ናፃ መራኸቢ ሓፋሽ እውን ኣብ ትሕቲ ናይቲ ገዛኢ ውድብ ሙሉእ ቍፅፅር ይኣትዉ እሞ ንሕብረተ ሰብ ምግልጋሉን በደል ፖለቲካዊ ሰበ ስልጣን ናብ ኣደባባይ ምውፃእን በዚ ኣቢሎም ጠባያቶም ክእርሙ ናኡ ምግባር ፅዕንቶ ጠቕላላ ይጠፍእ። ዝተበደለ ናይ ሕብረተ ሰብ ክፍሊ በደሉ ዘስምዐሉ ይስኣን። ምስ እዙይ ናይ ህዝቢ መሰል ንምሕላውን ንቲ ፈፃሚ ስራሕ ክቘፃፀሩን ተባሂሎም ዝቘሙ ዝተፈላለዩ ኮምሽናት ከም ኮምሽን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፥ ኮምሽን ፀረ-ግዕዝይና፥ ኰምሽን መረፃ፥ ወዘተ በቲ ሓደ ውድብ ሙሉእ ብሙሉእ ዝቈፃፀሮ ቤት ምኽሪ ይቘሙ። እዚ ብምዃኑ እቲ ፈፃሚ ስራሕ፡ ተቘፃፀራይ ዘይብሉ ከም ድላዩ ዝመሰሎ ዝገብረሉ ኲነታት ይፈጥር። እዙይ ቀስ ብቐስ እቲ ሕብረተ ሰብ ፍርሕን መሲልካ ምሕዳር እዙይ እንተዘይኰይኑ ድማ ዓድኻ ሓዲግካ ምህዳም ከም ባህሊ እናለመደን እናተቐበለን ሰበ ስልጣን (ብፍላይ እቲ ፈፃሚ ስራሕ) ቀይዲ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ ሰብ ድላዩ እናገበረ ዝኸደሉ ኵነታት ብምፍጣር ንፖለቲካዊ ምብስባስን ንዘይሰላማዊ ቃልስን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር። እዚኣቶም ብግደኦም ንሕብረተ ሰብ ናብ ናይ ውድቀት ቍልቍለት ይወስዱዎ። 

 ምዕሩይ ድልዱል መንግስቲ ክህልው ምግባር 

ምዕሩይ መንግስቲ ማለት ሰፊሕ ኣምር እዩ። ብሓፂር ፅሑፍ ገሊፅካ ንምውዳእ እውን ኣፀጋሚ እዩ። ቅድሚ ኵሉ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ባህግታትን ብኣግባቡ ዘተኣናግድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህልዎ ኣለዎ። ዜጋታት ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦምን ዝተፈላለየ መማረፂ ሓሳብ ብምሓዞምን “ቅፅዓት” ክበፅሖም የብሉን። ድላዮም ሓሳባት ከንሸራሽሩ ነፃ ክዀኑ ኣለዎም። ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ጥራሕ ይወድቕ። ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ብነፃ ይንሸራሽሩ ማለት መዕለቢ ዘይብሉ ዕግርግር ብቐፃልነት ክህልው ምፍቃድ ማለት ከም ዘይኰነ ግልፂ እዩ። ዝበዝሕ ሰብ ዝመረፆ ዝደገፎ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ናይቲ መንግስቲ መምርሒ ይዀን፤ ክሳብ ብናይ ህዝቢ ድልየት ብስርዓት ዝቕየር።

መንግስቲ ካብቶም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ዝናገፈሉ ብቐፃልነት እናፀረየ ዝኸደሉ መስርሕ ምቕማጥ ይግባእ። ካብ ግዕዝይና፥ ወገንተኛ ብዝዀነ ምትእስሳር ተጠላሊፍካ ምጥቕቓም፥ ምጕዳል ፍትሒ፥ ወዘተ ዝመሰሉ ፀገማት ብቐፃልነት ንባዕሉ ከፅርይ ኣለዎ። እዚ ድማ ክግበር ዝኽእል ንዚኣቶም ዝቃወሙ መምርሕታት ኣሰራርሓታት ኣውፂእኻ ተግባራዊ ብምግባር መንግስቲ ናይ ቍፅፅርን ምምዝዛንን(check and balance) ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ተኸቲሉ ክሰርሕ ተገይሩ እንተተወዲቡ ካብ ኵሉ ንላዕሉ ድማ በብደረጅኡን ብንፁር ዝተቐመጠ ግዘን ህዝቢ ንዝመረፆም ሰበ ስልጣን ክግምግምን ብውሳንኡ ከቐፅልን ከውርድን እንተኽኢሉ ህዝቢ ስልጣኑ ናብ ባዕሉ እንተመሊሱ እዩ። እዚ ንምግባር ዘኽእሎ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እንተሃሊዉዎ እዩ። እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ጕዳያት እንተተማሊኦም ናይ ግዘ ጕዳይ (ይነውሕ ይሓፀር) እምበር ቀስ ብቐስ ኣብ ከይዲ ምዕሩይ መንግስቲ ምምፃእ ኣይተርፍን።

ምስ እዙይ ተተሓሒዞም ፍትሓዊ ተጠቃምነት፥ ምርግጋፅ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ስርዓት ቀስ ብቐስ እናደልደለን እናጠንከረን ዝኽየድ ናይ ፍትሕን ድሕንነትን ስርዓት ክህነፅ ምግባር እውን ናይ ሓደ ምዕሩይ መንግስቲ መለለይታት እዮም።

ብዛዕባ ምዕሩይ መንግስቲ ክንዛረብ ከለና፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ወለዶታት ዕድመ ዝወሰደ ኣምር ህንፀት ሃገረ መንግስቲ (state building) ኢና ንዛረብ ዘለና። ትግራይን ተጋሩን ኣብ ምምስራትን ምህናፅን ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ (Ethiopian state) እጃምን ኣበርክቶን ዝነበረና እኳ እንተዀነ ዝበዝሐ ፃዕርና ንታ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራትን ምህናፅን ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣብ ትግራይ እንተስ ባዕላ ዝኸኣለት ነፃ ሃገር ወይ ገፊሕ ስልጣን ዘለዎ ክልላዊ መንግስቲ ገይርካ ንምምስራትን ንምህናፅን ዘተግበረ ፃዕሪ ትሑት እዩ ነይሩ። ስለ ዝዀነ እውን ሓዱሽ ናይ መንግስቲ ህንፀትን ምጥንኻርን ስራሕ ኢና ክነካይድ እዙይ ድማ ኣብ ዝተመቻቸወ ኵነታት እውን ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን። ኣብ ትግራይ ዝግበር ስራሕ ምህናፅ መንግስቲ በቲ ኣብ ውሽጥናን ከባቢናን ዘሎ ኵነታት ኣዐርዩ ብኣሉታ ስለ ዝፅለው ዝተሓላለኸን ፀገማት ዝበዝሕዎ ምዃኑን ኣይተርፍን።

ካብ እእቶም ንቲ ፀገማት ዘጋድዱ ጕዳያት ገሊኦም ዘይተወድአ ኲናት ምህላዉ ኣብ ከባቢና ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍእ ዝዓለመ ኲናት ማለት ውን ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንግስትታት ናይ ኣምሓራ ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን፥ ድልየትን ምቅንጃውን ምህላዉ እቶም ዓለምለኻዊ ሓይልታት ነዚ ናይ ትግራይ ጕዳይ ከም ናይ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ምዕራባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ኣገዳሲ ጕዳይ ገይሮም ምርኣይ ምጅማሮም ካብዚ ተበጊሶም እውን ብኣንፃር ሃገራዊ ረብሐኦም ክቓንይዎ ዘለዎም ድልየት እናዓበየ ምኽያዱ ተጠቀስቲ እዮም። ዝዀነ ኰይኑ ግን ሓደ ሕብረተ ሰብ ብቐፃልነት ባህግታት እናዓወተ ክዓብይ እንተዀይኑ ብዝለዓለ ደረጃ ተወዲቡ ሓሳባቱን ኵሉ ዓቕምታቱን ጠሚሩ ክንቀሳቐስ ኣለዎ። እዙይ ንምግባር ዘኽእል ድማ ምዕሩይ በብግዜኡ እናደልደለ ዝኽየድ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ።

ንቶም ኣብ ላዕሊ ዝግለፁ ዝነበሩ ባህግታት ንምዕዋት ምዕሩይ መንግስቲ ክህልወና ይግባእ። ምዕሩይ መንግስቲ ማለት ብዋናነት ብናይ ህዝቢ ድልየትን ተሳትፎን ዝፀደቐ ሕገ መንግስቲ ዝመርሖ ኣብቲ መንግስቲ ዘለዉ ብሕጊ ብንፁር ዝተቐመጡ ክፍፍል ስልጣንን ስራሕን ብዘይ ምንም ወለም ዘለም ኣብ ተግባር ዘውዕል ክዀን ኣለዎ። እቶም ዋና ትዅረት ዝግበረሎም ኣብቲ ሕገ መንግስትን ብንፁር ዝቕመጡ ናይ መንግስቲ ኣወዳድባታት ኣለዉ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ጨንፈራት መንግስቲ ማለት እውን ሓጋጊ ወይ ቤት ምኽሪ( legislative assembly)፥ ተርጓሚ ሕጊ (Judiciary)፥ ፈፃሚ ስራሕ (executive) ዝብሃሉ ጨንፈራት ብንፁር ሰስረሖም ዝሰርሑ ክዀኑ ይግባእ። ከምቲ ክሳብ ሕዚ ዝመፃእናዮ እቲ ፈፃሚ ስራሕ ንቶም ካልኦት ጨንፈራት መንግስቲ ዓብሊሉ ገባራይ ሓዳጋይ ዝዀነሉ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ውዒሉ ሓዲሩ እዚ ጨንፈር ዘይግበኦ ስልጣንን ስራሕን ዓማጢጡ ናይ ስልጣን ግዜኡ ንምንዋሕ ኵሉ ዝከኣሎ ሕጋውን ዘይሕጋውን ነገራት ብሽም ናይ ዓዲ ጥቕምን ናይ ህዝቢ ረብሓን እናመኽነየ ዝፀንሐሉ ጐባጣይ ዝዀነሉ ኵነታት እዩ ዝፍጠር። 

እቲ ቤት ምኽሪ (legislative assembly) ዋና ስርሑ ንቲ ፈፃሚ ስራሕ ምቍፅፃር እዩ ክዀን ዘለዎ። ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመረፀ ስለ ዝዀነ ተፀዋዕነትን ሓላፍነትን እቶም ኣባላቱ ንቲ ዝመረፆም ህዝቢ እዩ። እቲ ፈፃሚ ስራሕ ናይ ህዝቢ ድልየትን ባህግን መሰረት ዝገበረ ካብቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕደሉ ስልጣንን ሓላፍነትን ከይወፅአ በቲ ቤት ምኽሪ ዝወፅኡ ፖሊስታት፥ ስትራተጅን መደባትን ናይ መፈፀሚኦም ባጀት ሓዊሱ በቲ ዝተደለየ መንገዲ ዝፍፀሙ ዘለዉ ምዃኖም ምቍፅፃር እዩ። እዚይ ክዀን ከሎ እቶም ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመረፁ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓላፍነቶም ይፍፅሙ ኣለዉ። ሕብረተ ሰብ እውን ነቲ ዝመርሖ መንግስቲ ናይ ምቍፅፃር ዓቕሙ ዓብዪ ይዀን፤ ካብዚ ወፃኢ ብናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውድብ እናተመልመሉ ብውድባዊ ኣሰራርሓ ክምረፁ እናተገበረ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዝዀኑሉ ኣገባብ ብፍፁም ክግደፍ ኣለዎ። ብህዝቢ ዝተመረፁ ኣባላት ቤት ምኽሪ ድማ ተፀዋዕነቶም ንቲ ዝመረፆም ህዝቢ እምበር ን ቤት ፅሕፈት ፖለቲካዊ ውድብ ክዀን የብሉን። እቲ ዝመረፆም ህዝቢ ስርሖም ብግቡእ ኣይሰርሑን ዘለው ኢሉ ክኣምን ከሎ ብቀጥታ ብናይ ህዝቢ ድምፂ ዝወርዱሉ ኣሰራርሓ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ። ከምቲ እናተለመደ ዝመፅአ ናይቲ ፈፃሚ ስራሕ መምርሕታት ክቕበልን ፀብፃብ ክሰምዕን ጥራሕ ዝእከብ ክዀን የብሉን።

ተርጓሚ ሕጊ (Judiciary) ፍትሕን ስርዓትን ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝነገሰ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምቍፅፃርን ምምራሕን እቲ ፈፃሚ ስራሕ ብሕግን ስርዓትን ጥራሕ ዝስርሖ ዘሎ ምዃኑ ናይ ምቍፅፃር ሓላፊነት ኣለዎ። ካብ ኣንፃር ሃገራዊ ረብሓ ክርአይ ከሎ በቲ ፈፃሚ ስራሕ ዝፍፀም ናይ ሕጊ ጥሕሰት ዝለዓለ ጕድኣት ኣብ ሃገር የብፅሕ። ዋና ትዅረቱ እውን ነዚ ዝልዓለ ጕድኣት ዘብፀሐ ፈፃሚ ስራሕ ብፍላይ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ፈፃሚ ስራሕ ዝፍፅሞ ናይ ሕጊ ጥሕሰትን ወንጀልን ግዕዝይናን ጕድኣቱ ከቢድ ስለ ዝዀነ ነዚ ምቍፅፃር ክዀን ኣለዎ። ብምዃኑ እውን ካብ ዝዀነ ይዅን ተፅዕኖ እቲ ፈፃሚ ስራሕ ነፃ ክዀን ኣለዎ። 

እዞም ናይ መንግስቲ ጨንፈራት ብግቡእ ዝሰርሑ ዘለው ምዃኖም ንምርግጋፅ እቲ ወሳናይ መስርሕ ህዝቢ ኣብዚኣቶም ዘለዎ ናይ ምቍፅፃር ዓቕሚ ብንፁር ተቐሚጡ ተግባራዊ ክዀን ከሎ እዩ። እዚ ማለት ናይ ቤት ምኽሪ ተመረፅቲ ናይ ወረዳ መመሓደርቲ፥ ናይ ጣብያ መማሓደርቲ ብዝተነፀረ ግዘ ብህዝቢ ይምረፁ። ህዝቢ እንተዘይኣሚንሎም እውን ብቐጥታ የውርዶም። ናይ ጣብያ ተመረፅቲ ብቐጥተኛ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም። ናይ ወረዳ ተመረፅቲ ካብ ጣብያ ነዚ ስራሕ ተባሂሉ ብዝምረፁ ተወከልቲ ክምረፁ ይኽእሉ እዮም። ናይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀጥታ ካብቲ ዝውከልሉ ወረዳ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም። ተፀዋዕነቶም እውን ነቲ ዝመረፆም ህዝቢ ይዀን። ናይዞም ኣባላት እዚኣቶም ኣቃውማን ኣሰራርሓን ብኣኼባ ብንፁር ይቕመጥ። ብፖለቲካዊ ውድብ ተሓርዮም ዝሽወሙ ወይ ዝምረፁ ተፀዋዕነቶም እውን ንቤት ፅሕፈት እቱ ውድብ ዝዀኑ ናይ ጣብያ፥ ወረዳ፥ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ክህልዉ የብሎምን።

ኣብዙይ ኣካይዳ እዙይ ዘጋጥሙ ፀገማት ኣይህልውን ማለት ኣይኰነን። ግን ኣብ ከይዲ ብህዝቢ ኣመኔታ ዘለዎ ተፀዋዕነቱ ንዝመረፆ ህዝቢ ዝዀነ ምዕሩይ መሓውር መንግስቲ ክንሃንፅ እንተዀይንና ካሊእ መንገዲ የለን። ብናይ ሓደ ውድብ ሞግዚትነት ምዕሩይ መንግስቲ ኣይህነፅን። እቲ ህዝቢ እናተጋገየ እናኣረሞ ካብ ጌግኡ እናተምሃረ ክመዓረረ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣሰራርሓ ግልፅን ኣሰታፋይን ዘይምዃኑ ጥራሕ ዘይዀነስ ውዒሉ ሓዲሩ መንገዲ ፖለቲካዊ ምብስባስን ምስኣን ሰላምን እዩ።

በቲ ንፁር ናይ ህዝቢ ናይ ምውሳን ዓቕምን ኣሰራርሓን ብግዜ እናዓበየ ዝኽየድ መንገዲ እንተኽየድና እቶም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ብናይ ኣተሓሳስባ ተቐባልነቶም ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስበኦምን ስትራተጂኦምን መደባቶም ብቕዓት ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ብዘለዎ ተቐባልነትን ብናይ ኣባላቶም ብቕዓትን ፅርየትን በብደረጅኡ በብግዜኡ እናሰዓሩ ወይ እናተስዓሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ይሕዙ ወይ ይስእኑ። እዙይ ኣካይዳ እዙይ ኣተሓሳስባናን መማረፂ ሓሳባትናን ተዓፊኑ እዩ፥ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣሳታፋይ ሓቋፋይ ኣይዀነን ኢልካ ዝውሰድ ዘይሕጋውን ዘይሰላማውን ቃልሲ የወግድ። እዙይ ብምዃኑ ድማ በቢ ግዜኡ እናደልደለ ዝኽየድ ሓድነትን ሰላምን ክመፅእ ይኽእል። እዚ ኣብ ፖለቲካዊ እምነትን ስርዓትን ዝተመስረተ ኣፈላላያት ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ዘተኣናግድ ፖለቲካዊ ስርዓትና ካብ ሃገር ወፃኢ ከፍርስዎ ንዝመፅኡ ናይ ወፃኢ ተፃባእቲ ሓይልታት መኪቱ ናይ ምዕዋት ዓቕሙ ዓብዪ ይዀን። ሓድነት ህዝቢ እውን የጠናኽር። እዚ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ውድድርን ቃልስን ዝፈቅድ ስርዓት ኣብ ሓደ እዋን ክህልው ዝኽእል ሰላም እናረጋገፀ እናደልደለ ከኽየድ ይኽእል። ሰላም ድማ መሰረት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ስለ ዝዀነ እናጐልበቱ ክኸዱ ዝተመቻቸወ ኵነታት ይፈጥረሎም።

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ምዕሩይ መንግስቲ ክንዛረብ ከለና ካብቶም ናይ ትግራይ መንግስቲ ዓብዪ ትዅረት ገይሩ ክሰርሐሎም ዝግባእ ጕዳያት ሓደ ህንፀትን ኣመራርሓን መሓውራት ድሕንነት ትግራይ እዩ። ብሰላም ንኽንነብር እውን ክመፅአና ዝኽእል ተፃብኦ ኣቐዲምና እናፈለጥና ንኡ ዝምጥን ምድላው ገይርና ክንፀንሕ ኣለና። እዙይ ናብ ኲናት ንኸይንኣቱ እውን ይሕግዝ እዩ (deterrence)። ዓቕምና ዝፈቐዶም ጥንኩራት መሓውራት ድሕንነት እንተሃልዎምና ናይ ፀላእትና ድልየትን ምድላውን ኣቐዲምና ብምፍላጥ መፍትሕታት ክንግበረሎም ይሕግዙና። ስለ ዝዀነ መንግስቲ ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሕንነትን ፖለቲካዊ ድልየትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየውረደ ንክፍፅም ዘኽእሉ ጥንኩራት መሓውራትን ሃገራዊ ድሕንነትን ንፁር ዝዀነ ኣመራርሓን ክህልዎ ይግባእ። 

ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ምስ ዝተፈላለዩ ፀላእቲ ብዘካየዶም ኲናታት ዓᎁቝ ውርሻ ውታደራዊ ትውፊት (Tradition) ኣለዎ። ገፊሕ ውታደራዊ ውርሻ፥ ውታደራዊ ፍልጠት፥ ባህሊ፥ ጀግንነት ተመኵሮ ኣለውዎ። ኣብ ቀረባ ግዘ ድማ (ዝሓለፈ ዕጥቂ ቃልስን ድሕሪኡን) ዝበለፀ ሳይንሳዊ ትሕዝቶ ሒዙ እናፀረየ መፂኡ እዩ። እዚ ብናይ ደቂ ህዝቢ ትግራይ መስዋእትነት ዝተረኸበ ዓᎁቝ ውርሻ ትካላዊ ክዀን (institutionalized) እንተዘይተገይሩ ኵሉ ግዘ ካብ ዜሮ ምጅማር እዩ ዝዀን። እቲ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ንበለል ይተርፍ። ስለዚ ነቲ ዘሎ ንምዕቃብ ጥራሕ ዘይኰነስ ብዝበለፀ ክድልድል ክዓምቝ ንምግባር ቀልጢፍና ትካላዊ ክዀን ንግበሮ። እዙይ ማለት ምሩፃት ናይ ፅንዓትን ምርምርን፥ ስልጠናን መእኸላት ብምጥያሽ ክሰርሓ ምግባር ማለት እዩ። 

እቲ ኣመራርሓ ሃገራዊ ድሕንነት እውን ብኣግባቡ ክመዓራረይ ኣለዎ። ሕዚ እውን እቲ ዝተለመደን ውፅኢት ዝርከበሉ ኣሰራርሓን ካብ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት (ሰራዊት፥ መሓውር ድሕንነት፥ ሓላፊ ጕዳያት ኢኮኖሚ፥ ምምሕዳር ሓላፊ ውሽጢ ሃገር፥ ወዘተ) ዝቐውም በቲ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ሓላፊ (ፕረዚደንት ወይ ጠ/ሚኒስተር) ዝምራሕ ኣብ ጕዳያት ሃገራዊ ድሕንነት ካብ ፓርላማ ቀፂሉ ዝልዓለ ውሳነ ወሃባይ ኣካል ብምቋምን ካብዚ ቀፂሉ ዝህልው ኣሰራርሓ ብምንፃርን ክምራሕ ኣለዎ። ኣባላት፥ ስራሕ፥ ሓላፍነት፥ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እቱ ካውንስል ሃገራዊ ድሕንነት (national security council) ብኣዋጅ ብፓርላማ ክቐውም ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ከቢድ ዝዀነ እዋን ይሓልፍ ኣሎ። ካብዚ ኵነታት ካብ ዝውሰዱ ብዙሓት መደምደምታ ሓደ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝመሰለ ኵነታት ክፍጠር፥ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ተበይንሉ ናብ ዝካየድ ኲናት እንደገና ከይኣቱ እኹል ጥንቃቐ ምግባር እዩ። 

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሰላምን ልምዓቶምን ውሑስ ንምግባር ብመንግስቲ ክወስዶ ዘለዎም ዓበይቲ ስጕምታት ኣለው። መሰረተ ልምዓት ማሕበረ ኢኮኖሚ (social and economic Infrastructure) ብግቡእ ተወዲቡ ክሰርሕ ክግበር ኣለዎ። ኣብ ቀረባ ግዜ ካብቲ በፂሑና ዘሎ ጕድኣት ንምድሓን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት (reconstruction) ክትለም ኣለዎ። እዚ ብዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ብቕዓትን ዘለዎም ሰብ ሞያ ክስራሕ ዘለዎ ገዚፍ ስራሕ እዩ። ብዙሕ ገንዘብ፥ ጕልበትን ፍልጠትን ዝወፅአሉ ቀሊል ዘይኰነ ግዘ ዝወስድ ስራሕ እዩ። እቶም ኢኮኖምያውን ማሕበራውን መሰርችታትች ልምዓት ናብ ዝነበሩዎ ጥራሕ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ክህነፁ ኣለዎም። መንገድታት፥ መዕርፎ ነፈርቲ፥ ማእኸላት መመንጨውን መሰራጨው ሓይሊን ኢኮኖምያዊ ትካላትን ተወዲኦም ተመዓራርዮም ብምሉእ ዓቕሞም ክስርሑ ክግበሩ ኣለዎም። ኣብያተ ትምርቲ፥ ዩኒቨርስትታት፥ ሆስፒታላትን ክሊንካትን፥ ኣገልግሎት ፅሩይ ማይ፥ ወዘተ ናብ ዝነበሩዎምን ካብኡ ንላዕልን ክህንፁን ኣገልግሎት ክህቡን ኣለዎም።

ናብዚ ንምብፃሕ ካብቲ ሕዚ ዘለናሉ ዘይተጠቓለለ ኲናትን ዝቀላቐል ዘሎ ዝርርብን ሰላምን ከመይ ንቐፅል ዝብል እዩ እቲ ሕቶ። እቲ ናይ ኲናት ይኵን ሰላም ጕዳይ ዋና ውራይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ ምርግጋፅ ሰፊሕ ዝተወደበ ተሳትፎ ህዝቢ መሰረታዊ መበገሲ ይዀን። ኣብቲ ኲናት ዝቀላቐለሉ እዋን ብዝተገበረ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንውድብ ህወሓት መሪፁ እዩ። እቲ ገዛኢ ውድብ መንግስቲ ኣጣይሹ ነቲ ኵነታት ይመርሕ ኣሎ። እቶም ናይቲ ውድብን መንግስትን መራሕቲ ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ መዓት ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐደሎም ነቲ መኸተ ውን መሪሖም ተጋዲሎም ናብቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ኵነታት በፂሕና ኣለና። እዙይ ከም ዘሎ ኰይኑ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ ኣግባብ ነቲ ኲናት ናብ ዓወት ከብፅሖ ዘኽእሎ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ተገይሩ ዶ ኢልካ ምሕታትን ክመሓየሽ ዝግበኦ ምምሕያሽን ይግባእ። ኣብዚ ዘሎ ጕድለታት ብምንቃፍ ብምትዕርራይ እቲ ኵናት ስፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝዓሰሎ ክዀን ናይ ምግባር ጕዳይ ናይቲ ገዛኢ  ውድብን መንግስትን ሓላፊነት እዩ።

እቲ ኲናት ክጅመር ከባቢ ናይ መኸተ መድረኽ ተባሂሉ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት፥ ዝተፈላለዩ ማሕበራት፥ ምናልባት እውን ተፅዕኖ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት ዝተጣየሸ ናይ መኸተ ናይ ፖለቲካዊ መድረኽ ነይሩ። እቲ ኲናት ምስ በርተዐ እቲ ውዳበ እዙይ ኣይሰርሐን። መንግስቲ ትግራይ ተመሊሱ ናብ መቐለ ምስ ኣተወ ቀልጢፉ ክሰርሕ ኣይተገበረን ሕዚ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኵነታት ኣሎ ምርኣይ የድሊ። ብስሩኸ ኣፈጣጥርኡን ኣሰራርሕኡን ብናይቲ ገዛኢ ፖለቲካዊ ውድብ ድልየትን ባህግን ኣተሓሳስባን ጥራሕ ድዩ ክምራሕ ዘለዎ ክሳብ ክንደይ ነፃ እዩ? ህዝብን ሃገርን ማእኸል ገይሩ ስራሕቱ የካይድ? ክረኣ ኣለዎ። እዙይ ከም ዘሎ ዀይኑ ከም ኣሰራርሓ ግን ጕድለታት እናኣረምኻ ናይ ህዝቢ ድልየትን ኣተሓሳስባታት ናብ ናይ መንግስቲ ወሰንቲ ኣካላት ንምብፃሕ ናይ መንግስቲ መደባትን ድልየትን እውን ናብ ሕብረተ ሰብ ንምብፃሕ ጠቓሚ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እዩ።

ኣጀንዳታቱ፡ ብሓደ ወገን ብዋናነት ናይ ኲናት ምቕፃልን ብዓወት ንምውፃእ ዘድልዩ ኵሎም ጕዳያት ምምላእን፤ ብኻሊእ ወገን ክዓ ናይ ሰላም ድርድር መማረፅታት እናሰፍሐ እንተኸይዱ ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጥቕምን ባህግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ ብሰላማዊ ኣግባብ መፍትሒ ንምምፃእ ዝስራሕ ተገይሩ ክመዓራረይ፤ ነዚ ዘድልዮ ኵሉ መረዳእታ ክወሃቦ፤ ዓቕሙ ከዕብይ፤ በዚ ልክዕ ድማ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ክውስኽ እቲ ገዛኢ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ዕንቅፋት ክፈጥሩ የብሎምን ጥራሕ ዘይኰነስ ኰነ ኢልካ ክሰፍሕ ክዓምቝ እዩ ክስራሕ ዘለዎ። እቶም መሰረታዊ ናይ ኲናትን ሰላምን መማረፂ ኣተሓሳስባታትን ዘለው መማረፅታትን ፀገማትን ናይ ኣፈታትሓ ኣንፈታቶምን ኣብዞም ዓበይቲ ናይ ህዝቢ መድረኻት ምይይጥ እናተገበረሎም ሓሳባት ክምንጭዉ ክሰፍሑ ክዓምቁ ኵሉ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። እዚ ናይ ህዝቢ ሓድነት የጠናኽር ነቲ ኲናት ድልዱል መሰረት ዘለዎ ይዀን። ኣብኡ ከሎ ውን ዲሞክራስያዊ ባህሉ ንዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ብስልጡን ፖለቲካዊ መስርሕ እናፈታሕኻ ሓቋፋይ ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምህናፅ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣር ቀሊል ዘይኰነ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። (ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ፖለቲካዊ ባህልን ልምድን ብኸምዚኦም ዝመሰሉ ፈተንቲ እዋናት እናድለየ ስለ ዝኽየድ ኰነ ኢልካ ክስረሐሉ ኣለዎ)።

መድረኽ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዘሎ እውን ይፍለጥ እዩ። እዚ መድረኽ ብግቡእ እንተተመሪሑ ሓቋፋይን ኣሳታፋይን ዝዀነ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ታራ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ብኽልቲኡ ወገን (በቲ ገዛኢ ውድብን በቶም ተቓወምትን) ብንቕሓት ክስረሐሉ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ገዛኢ ውድብ ነሳትፎም ኣለና ንምባል ንናይ ርኣዩለይ ፖለቲካዊ መኽሰብ ክጥቀመሉ እንተሓሲቡ ውፅኢቱ ኣሉታ እውን ክዀን ይኽእል እዩ። እቶም ተቓወምቲ ፖለቲካኣውያን ውድባት እውን ናይ ባዕሎም ውልቃዊ ድሌትን ባህግን ንምዕባይን መንግስታዊ ስልጣን ንምክፋልን እንተተጠቒመምሉ ሕዚ እውን ውፅኢቱ ኣሉታዊ ክዀን እዩ።

ካብዚ ዘድሕን ንፁር ኣሰራርሓ ኣውፂእኻ ተግባራዊ ምግባር የድልይ። ካብቶም ትዅረት ክግበረሎም ዝግባእ ኣሰራርሓታት እውን ገሊኦም ኣመራርፃ ምይይጥ፥ ኣወሳስና ውሳነ፥ መቐላ ዕዮኡ፥ ስልጣኑን ሕጋዊ ኣቃውማኡን ከመይ እዩ? ብቤት ምኽሪ ድዩ ወይስ በቲ ፈፃሚ ስራሕ? ዝበሉ ጕዳያት ገሊኦም እዮም።

ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ኣብዚ ናይ ሕዚ ኲናት ዝነበሮ ተሳትፎ ኣስተዋፅኦን ፅዕንቶን ርኡይ እዩ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ጥንካረ ኢኮነምያዊን ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓቕሚ ኰይኑ እዩ። ንቐፃላይ እውን ብትዅረት ክርአይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ። ብዙሓት ንሃገራዊ ህንፀት ጠቐምቲ ዝዀኑ ሞያታት፥ ፍልጠት፥ ርክባት ገንዘብ ኣለዎ። እዙይ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ዘለዎ ተራ ዓብዪ እዩ። ነዚ ሓይሊ እዙይ ካብቲ ባዕሉ ብናይ ኣባላቱ ምንቃድን ተገዳስነት ዝገብሮ ዘሎን ዳርጋ ንዓለም ዘስደምም ተሳትፎ ንላዕሊ ብዝተወደበ መንገዲ ንምምራሕን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ክህልዎን ንቐፃላይ ሃገራዊ ህንፀት እውን ጠንካራ ዓቕሚ ኰይኑ እናበርተዐ ክቕፅልን እንታይ ክገብር ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ መደብ ምውፃእ ምምራሕ ሕዚ እውን ናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ውድብን ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዘለው ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎም ተጋሩ ብናይ ባዕሎም ኣንቅዶ ተወዲቦም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዓወት ምብፃሕን ንቐፃላይ ስራሕ (ዳግመ ህንፀት ትግራይ) ክዳለው ይግባእ።

ብጣዕሚ ብዙሓት ሓሳባትን ስራሕትን እዮም ተላዒሎም ዘለው። ብእኹል ተገሊፆም ምባል እውን ኣይክኣልን። ኣንፈታትን ዘፈራት ስራሕን እዮም ተሓቢሮም። ግዚኡ ክበፅሕ ከሎ ኵሎም እቶም ስራሕቲ ብቕዓት ብዘለዎም ሰብ ሞያ እናተመርሑን እናተዘርዘሩን ምስ ናይቶም ስራሕቲ ስፍሓትን ውስብስብነትን ዝመጣጠን ኣወዳድባ ተገይርሎም ትልምን በቢደረጅኡ ቅደም ሰዓብን እናወፀሎም ናብ ተግባር ክኣትዉ ይግባእ። እቲ ምህናፅን ምድልዳልን ምዕሩይ መንግስቲ ቍልፊ ጕዳይና ገይርና እቶም ኵሎም መደባት ምስዚ ሽቶ እዙይ እናተዛመዱ ክርኣዩ ምግባርን ዝልዓለ ትዅረት ክወሃቦ ዘለዎ ጕዳይ ይመስለኒ። 

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኵነታት

ኵነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ

እቲ ከም ደጋዊ ኵነታት (ደጋዊ ንትግራይ) ተገይሩ ክርአይ ዝኽእል ጕዳይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት እዩ። ብፍላይ ድማ ሕዚ ብዛዕባ ኲናትን ሰላምን ማለት እውን ኲናት ምጥቕላልን ብሰላም ነቲ ኲናት መዕለቢ ምግባር ጕዳይ ክነልዕል ከለና ብዕድመን ፃውዒትን መንግስቲ ኢትዮጵያ መፂኡ ሕዚ ዳርጋ መሓውራት ኢኮነምን  ፀጥታ ኢትዮጵያ ተቘፃፂሩ ከም ድላዩ ዝገብር ዘሎን ብግልፂ ነቲ ናይ ትግራይ ጕዳይ ብኲናት ክውዳእ ዝደልዮ ዘሎ መንግስቲ ኢሳያስ እውን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈልይኻ ምርኣይ ዘይክኣል ኰይኑ ኣሎ። 

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ዝተኻየደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናትን ነዚ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ምግባርን ዳርጋ ማዕረ ማዕረ ብዝበሃል ደረጃ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣለዉ። ብሓደ ወገን ናይታ ሃገር ኣጠቓላሊ ኵነታት ማለት እውን ኢኮነምያዊ ዕንወት ዲፕሎማስያዊ ኪሳራን ፖለቲካዊ ምግምማዕን ዘይምርግጋዕን እዚ ናይ ዘርኢ ምፃናት ኲናት ጠጠው ኢሉ ብሰላም መዕለቢ ክግበረሉ ይጠልቡ። ካብዚ ተበጊሱ እውን እዩ እቲ ጠቕላይ ምኒስተር ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ሰዓራይ ዘይብሉ ኲናት እዩ ተዘራሪብና ነዕልቦ ዝብል ፃውዒት ዘቕረበን እቲ ፓርላማ እውን ዝተቐበሎን እዩ።

ብካሊእ ወገን ክዓ፡ ነቲ ኲናት እውን ዘበገሱ ሕዚ እውን ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ንትግራይ ኣንበርኪኾም ከዕምብቡ ዝሓስቡ ፖለቲካዊ መራሕትን ተስፋሕፋሕቲ ልሂቃንን ኣምሓራ ብኲናት ንወድኣዮ ይብሉ ኣለው። ሰራዊቶምን ክልላዊ መንግስቶም በዚ መሰረት የመዓራርዩ ኣለው። ገሊኦም መራሕቲ ክልል ኣምሓራ በቲ ማእኸላይ መንግስቲ ተስማዕሚዖም ኣንፃር እቶም ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት ኣምሓራ ስጕምትታት ይወስዱ ኣለዉ ዝብል ምንጭታት እኳ እንተሃለው ክሳብ ክንደይ ርግፀኛ ምዃኑን ከመይ ኢሉ ከም ዝቕፅልን ከም ዝውዳእን ርግፀኛ ምዃን ኣይክኣልን። ብኣንፃሩ እቶም እቲ ጕዳይ ብኲናት ክውዳእ ዝደልዩ መራሕቲ ኣምሓራ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሰማሚዖም ሰራዊቶም የሰልጥኑ፥ የዕጥቑ ኣለዉ። ምዕራብ ትግራይ ብሓባር ሰፊሮም ኣይንለቅቕን ምባል ጥራሕ ዘይኰነስ ብውግእ ዝለቐቑዎ ራያ እውን መሊስና ክንሕዝ ኢና ይብሉ ኣለዉ። ብሓፂሩ ንህዝቢ ትግራይ ክነጥፍኦ ኢና ይብሉ ኣለዉ። 

ካብዚ ንላዕሊ ግን ዳርጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቘፃፂሩ ኣሎ ዝብሃል መንግስቲ ኢሳያስ እዚ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ክግበረሉ ይፃረር ጥራሕ ዘይዀነስ ምስ ክልል ኣምሓራ ስጡም ርክብ መስሪቱ ብሓባር ምዕራብ ትግራይ ተቘፃፂሮም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ኣቐሚጦምዎ ኣለዉ። ብዓፋር ወገን እውን ተመሳሳሊ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ። ብሓፂሩ እቲ ንዓመትን ፈረቓን ብ መሃንዲስነት ኢሳያስን ጀነራላቱን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብኲናት መዕለቢ ክግበረሉ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ምጥፋእ መደቡ ክቕፅለሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ። ወታሃደራቱ ይምልምል፥ የዕጥቕ፥ የሰልጥንን የዳልውን ኣሎ። ውግእ ንምጅማር ተቐሪቡ ኣሎ።

ብ ውድብ ብልፅግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ፀገማት ብፍላይ ድማ በቲ ኢኮነምያዊ ፀገምን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ፀቕጥን ብሰላም መዕለቢ ንምግባር ድልየት ዘለዎ እንተመሰለ ብካሊእ ወገን ክዓ ሕዚ እውን ሰራዊት ይዕልም፥ ኣፅዋር ይገዝእ፥ ሰራዊቱ ንቐፃሊ ውግእ የዳልው ኣሎ። እዚኦም ተደሚሮም እንትርአዩ ድማ እቲ ናይ ኲናት መንገዲ ይቕፅልሉ ከም ዘለው የርእይ። ምስዚ ተወሳኽን ካብዚ ንላዕልን ድማ መንግስት ኢሳያስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሊሂቃን ኣምሓራን ንዚ ብዋናነት ብቃልስን መስዋእትነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተመስረተ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ይቃወምዎ እዮም። ነዚ ስርዓት ኣብ ምትካል ዋና ዓምዲ ሕቖ ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ከየጥፋእኻ ድማ ሃፀያዊት ኢትዮጵያ እንደገና ክትዕምብብ ኣይትኽእልን ኢሎም ብምእማን እዮም ንህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ መሪሕነቱን ጠቕሊሎም ከጥፍኡ ዝወፈሩ።

ብካሊእ ወገን ክዓ መሰል ዓርሰ ውሳነና ክነኽብር ንደልይ ኢና ብዝብል ፖለቲካዊ ዕላማ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኰነን። ህዝቢ ኦሮሞ ብዕጡቕ ሓይልን ዘይተዓጠቐ ሓይልን እናተዋደደ ይቃለስ ኣሎ። ህዝብታት ኣገው፥ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፥ ቅማንት፥ ዓፋር፥ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዓጢቖምን ብሰላማዊ ኣግባብን ይቃለሱ ኣለው። ህዝቢ ሶማል፥ ሲዳማን ምቅላስ ይጅምሩ ኣለው። ብሓፂሩ እቶም ብሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኢና ክንመሓደር ዘለና፤ መሰልና ባዕልና ኢና ክንውስን ንደሊ ዝብሉ ህዝብታት ብተናፀል ይዅን ብሓባር ኣንፃር ሃፀያዊ ባህጊ ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን ኣምሓራ ይቃለሱ ኣለው። ኣብ ቀረባ ግዘ ተመስሪቱ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ሓይልታት ሰሙር ግንባር ናይዚ ቃልሲ ውፅኢትን መርኣያን እዩ።

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ተፃረርቲ ኣተሓሳስባታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ነቲ ሕብረተ ሰብ ኣብ ክልተ ተፃረርቲ ደንበታት ኣሰሊፎምዎም ኣለው። ብሓደ ወገን ሓይልታት ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ናይ ህዝብታት መሰል ብምርጋፅ ድልየትን ባህግን ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን ኣምሓራ ንምምላእ ብዕሙት ናይ ህዝብታት ፅልኢትን ንዕቐትን ዝሰብኩ፥ ኣሃዳውን ጨቋናይን ስርዓት ንምህናፅ ዝግበር መዕነዋይ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዝድግፉ ኣለው፥ ኰላይ ብኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፤ ብካሊእ ወገን ድማ ነዚ ኣካይዳ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኣጥቢቖም ዝቃወሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለው። ኣብዚ ደንበ እዙይ ብህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ዝምራሕ ናይ ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ኣሎ። ምስዚ ድማ በቶም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሓይልታትን ህዝቢ ኦሮሞ ዝግበር ቃልሶ፥ ብ እቶም ካልኦት ህዝብታት (ሶማል፥ ዓፋር፥ ኣገው፥ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፥ ቅማንት) ዝግበር ቃልሲ ኣሎ።

ፖለቲካዊ መራሕት ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን ኣምሓራን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብሓባር ዝምነይዋ ሃፀያት ኢትዮጵያ መሊሳ ክትዕምብብ ናይ ምግባር ሕልሚ ኣብ ከቢድ ወድዓዊ ፀገም ኣትዩ እቲ ኲናት ክቕፅለሉ ኣፀጊምዎ ከም ዘሎ ግልፂ እዩ። እቶም ፌደራልን ኮንፌደራልን ሕብረ ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝተሓተ ፕሮግራም ተቐቢሎም ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታት ድማ ወታደራዊ ዓቕሞምን ብፍላይ ክዓ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓቕሞም ንቶም ኣሃዳውያን ሓይልታት መሊኡ ክስዕር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ገና ኣይበፅሐን። ኣብዚ ኩነታት ኰይና ኢና ኲናት ጠጠው ከይበለ ናይ ሰላም ዝርርብ ንኽግበር ምንቅስቓሳት ዘለው። እዚ መድረኽ እዙይ ብከቢድን ውሕሉልን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክንሰግሮ ዘለና ይመስለኒ። 

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት ብኸመይ ይውዳእ ገና ኣይፈለየን ብኽልቲኡ መንገዲ (ብኲናት ይዅን ብሰላማዊ ዝርርብ) ይወዳእ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ዝበሃሉ (ሕዚ እውን ኣንፃር እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታት ከም ዘለው ይፍለጥ እዩ) ምሰእዚኦም ኣብ ንገብሮ ፖለቲካዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ናትና ዝምድናን ድጋፍን ንጠቕላላ ናይቲ ህዝቢ ቃልሲ ዀይኑ ውሽጣዊ ጕዳዮም ግን ባዕሎም ብዝስማዕምዕሉ መስርሕ ክመርሕዎን ኣብ ምርድዳእ ክበፅሑን እምበር ንሕና ኢድና ዘይነእትወሉ ጕዳይ ምዃኑ ከም ፖሊሲ ብንፁር ምቕማጥ ይግባእ። ናብ ዘተ ሰላም ዝመፅእ እንተዀይኑ እውን ኣብቲ ናይ ሰላም ድርድር ክንበፅሖ ዝግባእ ሽቶ (ናይ መወዳእታ ዕላማ) እዙይ ንክነዕውት ንኽተሎ ስትራተጅን ስልትን ኣብ መወዳእታ ንክበፅሕ ዝሕግዝ ይዀን።

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ሓይልታት

ጕዳይ ኤርትራ 

ጕዳይ ኤርትራ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ናትና ጕዳይ ክዀን ገይሩዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኲናት (እሞ ገና ዘይተወደአ) ናይቲ ኲናት ፈፃሚ መሃንዲስ ዀይኑ እዩ ኣካይድዎ። ሐዚ እውን ክልል ትግራይ ተቘፃፂሩ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ምስ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ተኣሳሲሩ ህዝቢ ትግራይ ብምዕራብን ብምብራቕን ብሰሜን ዓፅዩ ብምሓዝን ብምፅናትን እቲ ኲናት ይቕፅለሉ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ናይዚ ዞባ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ቀንዲ ናይ ሰላም ዘራጊ ምዃኑ ዓለም ብምልኡ ዝስማዕመዐሉ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። 

ብኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱ ዝዀኑ ኣባላት መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ኣብዚ ዘርዚርካ ዝውድኡ ኣይኰኑን። ኣብ ካሊእ መድረኻት ብገፊሑ ዝግለፅ ጕዳይ ስለ ዝዀነ እዙይ ከም ዘሎ ዀይኑ ክልቲኡ ህዝብታት (ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን) ንወለዶታት ዘለዎ ኵለመዳያዊ ምትእስሳር ድማ ዓᎁቝ እዩ። ብነዊሕ ናይ ሓባር ታሪኽ፥ ባህሊ፥ መነባብሮ ማሕበራዊ ዝምድና ዝተኣሳሰረ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ሓደ ኵታ ገጠም ዝዀነ ነዊሕ ዶብ ዘለዎ ጂግራፍያዊ ከባቢ ንርከብ ህዝብታት ኢና። እዙይ ኵነታት እዙይ መሰረት ገይርካ ክረኣይ ከሎ ዘለና መማረፂ ወይ ብተፃብኦ እቲ ሓደ ንቲ ካሊእ ከጥፍእ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ጥፍኣት ጕዕዞ ምእታው እዩ፥ ወ ይ ድማ ነዚ ዝተገለፀ ኵነታት ናብ ፀጋ ቀዪርካ ብሓባር ብሰላም ተኸባቢርና፥ እናተሓጋገዝና ተሳንይና፥ እናተስማዕና ምንባር እዩ። እቲ መማረፂ ንዘስተውዕል ሰብ ዘደናግር ኣይኰነን።

ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ክሕሰብ ከሎ እቲ መሰረታዊ መበገሲ ክዀን ዘለዎ ሰላምን ኣብ ሓበራዊ ጥቕሚ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተመስረተ ብቐፃልነት እናዓምቘን እናደልደለን ዝኽየድ ኣብ ሕውነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና እዩ። ክልቲኡ ህዝብታት ነዊሕ ናይ ሓባር ታሪኽ፥ ባህሊ ቤተሰባዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኣብ ናይ ሓባር ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ዝነብር ቀፃላይ ሕማቕ ይዅን ፅቡቕ ዕድሉ እውን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ምግንዛብ የድልይ። እዚ ፈፂሙ ክነፃፀል ዘይኽእል ህዝቢ እቲ ምትእስሳርን ዝምድናን ከመይ ገይርና ንሓበራዊ ረብሓ ነውዕሎ ኢሉ ሓሲቡን ተመኻኺሩን መፃኣይ ዕድሉ ናይ ሰላምን ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ካብ ምግባር ወፃኢ ናይ ኲናትን ተፃብኦን እንተዀይኑ ተተሓሒዝካ ምጥፋእ እዩ ዘምፅእ። 

እዚ ንምግባር ሕዚ ዘሎ መንግስትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ይግባእ። እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን እዚ መንግስቲ ዘሰጕም ኣተሓሳስባን ዝሓዙ ጕጅለታትን ምስ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ሓበራዊ ጥቕምን ምክብባርን ክነብሩ ኣይኽእሉን። ባዕሉ ብዝወለዖ ኲናት ስዕረት ተጐምጒሙ ተዳሂሉ ስለ ዝተመለሰን ሕልምታቱ ከይተዓወተ ብምትራፉ ንህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ብምግባር ዝሓዞ ቂምን መድሃልትን ንኽመልስ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን፥ ባዕሉ ንባዕሉ ክመሓድር ብምውሳኑን እዚ ብምግባሩ እውን ከም ደመኛ ፀላኢ ዝርኣዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዚ ከባቢ፡ ፀላእቲ ሰላምን ሓበራዊ ልምዓትን እዮም። ነዚ ኣተሓሳስባ ሕዚ ጠጠው ዝበሉ ድማ ብኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራን ሰዓብቱን እዮም። እዚኣቶም ብዝመፅኡዎ መንገዲ ክሰዓሩን ኣተሓሳስባኦም ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ክንፀግ ኣለዎ። እዙይ ምግባር ብዋናነት ስራሕ ኤርትራውያን ተቃለስቲ እዩ። እዙይ ከም ዘለዎ እናሃለወ ግን እዞም ኤርትራውያን ተቃለስቲ ካብ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ቃልሶም ብዓወት ንክዛዘም ዘይተቘጠበ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ወታደራዊ ፀገም ናይ ኵለና ፀገም እዩ። 

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ናብ ሰላም፥ ሓበራዊ ልምዓትን ስኒት ህዝብን ምምእታው ዝክኣል ኣይኰነን። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ በደል ንምግላፅ የመና ከቢድ እዩ። ኰይኑ ግና ካብኡ ዘይንእስ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብፂሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋዲሉ ነፃ ዘውፅኣ ሃገር ተስፋ ስኢኑ ኣብ ሃገሩ ካብ ምንባር ናብ ዘይፈልጦ ቦታታት ዝተሰደደ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ናይ ሰሃራን ካልኦት ወሰና ወሰን ሱዳንን ዘለው በረኻታትን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ገዛውቶም ይቝፀሮም። ኣውራ ድማ እታ ሃገር ጥርሓ ተሪፋ ህልውናኣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።

ኣብዚ መስርሕ እዙይ ንሕና ተጋሩ፡ መንግስቲ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣብ ዘብፅሑልና በደል ተመስሪትና ተመሳሳሊ ፀገም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይነብፅሕ ከቢድ ጥንቃቐ ምግባር ይግብአና። ፀላኢና ብኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኰነን። ፀላኢና ብውልቀ እውን ተፈልየም (ዋላ እቶም ብመንግስቲ ተኣዚዝና እናበሉ ግፍዒ ዝፍፅሙ ውልቀ ሰባት) ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ክንገብር ይግባእ እምበር ካብዚ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ዓይነት በደል ከይንፍፅም ክንጥንቀቕ ይግባእ። እዙይ ሕጋውን ፖለቲካውን ስራሕቲ መልክዕ ክሳብ ዝሕዙ ዓብዪ ትዅረት ክግበረሉ ዝግባእ ጕዳይ እዩ። ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክንራኸብ ከለና ዝግባእ ዝምድናን ኣቀራርባን ካብቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽን ባህልን ጭዋነትን ዝብገስ ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት መሰረት ዝገበረ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓውን ፈታውን ዝወስድ ከም ባዕሉ ከም ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ዝወስድ ክዀን ኣለዎ። 

እዙይ እቲ መሰረታዊ ኣንፈት ኰይኑ ኣብ ኤርትራውያን ናይ ባዕል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ውልቀ ሰባትን ሓይልታትን ኣለዉ። እዚኦም ሓሳቦም ኣረኣእየኦም ኣብ ተግባር ከውዕሉ ብሓይሊ ነገራት ንኣታቶም ብዝጥዕም ኣግባብ ኣብ ተግባር ከውዕሉ እንተተንቀሳቒሶም ክሳዕ ከም ናይ ኢሳያስ መንግስቲ ሰራዊት ወይ እውን ናይ ስለያ መሓውር ተራእዮም ኣድላዪ ዝዀነ ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰደሎም ይግባእ። ከምቲ ዝተገለፀ ኣረኣእያ ዘለዎም ሓይልታት ወይ ውልቀ ሰባት ዓቕሞም ተወዲኡ ተሳዒሮም እምበር ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሓልዮም ዓሪፎም ኣይቕመጡን። እቲ ኵነታት ብዝጠልቦ ተመጣጣኒ ሓይሊ እዮም ክተሓዙ ዘለዎም።

ሰላም ምስ ተረኸበ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝግበር ዝምድና ግዘ ወሲዱ ቀስ ብቐስ ብናይ ባዕሉ ናይቲ ህዝቢ ድልየትን ድፍኢትን ናብ ዝልዓለ ደረጃ ክበፅሕ ኵነታት ምምችቻው ምትሕግጋዝ ይግባእ። ክልቲኡ ህዝብታት ዝበለፀ ምቅርራብ ክገብርን ዝምድንኡ ዝበለፀ እናሰጠመ ክኽየድ ዝኽእለሉ ወድዓዊ መሰረታዊ ኵነታት (ናይ ታሪኽ፥ ባህሊ፥ መንነት ጀኦግራፊ፥ ወዘተ) ኣለው። ኣብ ቀረባ እዋን ብባዕዳዊ ገዛእትን ብናይ ኣይተ ኢሳያስ መንግስትን ዝተፈጠሩ ዕንቅፋታት ውን ኣለው። ነዚ ጭቡጥ ኵነታት ተገንዚብካ ክልቲኡ ህዝቢ መሰሉን ባህግታቱን ሓልዩ ግን ንናይ ክልቲኡ ህዝብታት ረብሓ ሰላም ደረጃ ብደረጃ እናጠናኸረ ዝኽየድ ኣንፈትን ስራሕትን ምስራሕ ይግባእ። ካብዙይ ኣንፃር ካብ ላዕሊ ካብ ፖለቲካዊ መራሕቲ ፀቕጥን ድልየትን ዝመፅእ ብጕያ ጕያ ዝግበር ፖለቲካዊ ምትእስሳር ካብ ታሕቲ ካብቲ ህዝቢ ባዕሉ ክንዲ ዝፈቐደ ክኽየድ መሰረት እናገበረ ግዘ ወሲዱ እናበሰለ ብዝመፅእ ናይ ምትእስሳር ስራሕ ዕድል ዝህብን ነቲ ናይ ህዝቢ ድሌት ቀዳምነት ዝህብን ክዀን ኣለዎ። እዙይ ብክልቲኡ ገፅ ክርኣይ ይኽእል እዩ። ተጓይኻ ዝምድና ንምፍጣር ብዝግበር እውን የለን ከም ዘለናዮ ድኣ ንፅናሕ ኢልካ ንቲ ናይ ህዝብታት ድልየት ብምዕጋትን ብምጕታትን እውን ክርኣይ ይኽእል እዩ። ነዚ ወድዓዊ ብዝዀነ መንገዲ ምምራሕ የድልይ።  

ምስ እቶም ወሰንቲ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዝህልወና ዝምድና 

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃገረ መንግስቲ (state) ቐፃልነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ካብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ተበጊሶም ናብዚ መደምደምታ ዝበፅሑ ሕዚ ናይ ዓለም ሃገራት ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ቅዋም እዩ። እዚ ህዝቢ ትግራይ ወላ ብ መሰረት እቲ ሕዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ሕገ-መንግስቲ ናይ ባዕለይ ዕድል ባዕለይ ክውስን እየ ኢሉ ናይ ባዕለይ መንግስትን ነፃ ሃገርን ክምስርት እየ እንተበለ እውን ከባብያዊ (ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ኣፍሪቃ ብጠቕላላ) ፀገም ክፈጥር እዩ ካብ ዝብል ተበጊሶም ምምስራት ነፃ ሃገረ ትግራይ ዘይምችዎም ኣለው። 

እቶም ዘገድሱ ሓይልታት ኣሜሪካ፥ ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ጐረባብቲ ሃገራትን ሕብረት ኣውሮፓን ሃገራት ኣውሮፓን እዮም። ኵሎም እዞም ዝተጠቐሱ ሓይልታት ንቲ ሕዚ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ተቐቢልካ ኣብ ውሽጡ ዝዀነ ምምሕያሽ ተገይሩ ንኣብነት ክልላት ናይ ባዕሎም ውሽጣዊ ጕዳያት ባዕሎም ዝውድእሉ ግፍሕ ዝበለ ስልጣን (ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዘሎ ኣብ ተግባር ምውዓል) ምጕልባት እውን፥ ተወሰኽቲ ካልኦት ስልጣን ሂብካ ግን እዛ ኢትዮጵያ ዝትበሃል ሃገር ከይፈረሰትን እቲ መንግስቲ ከይጠፍአን (መንግስቲ ክብል ከለኹ state ማለት እዩ፤ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ regime ማለተይ ኣይኰነን) ተዛቲኻ፥ ተደራዲርካን ተስማዕሚዕኻን ምቕፃል ዝቕበሉን ዝመርፁን ይመስሉ። ካብዚ ሓሊፉ መሰረት ብዓንቀፅ 39 ሕገ መንግስቲ መሰልና ብምኽባር ናይ ባዕልና ሃገርን ነፃ መንግስትን ክንምስርት ኢና እንተበልና ባህ ዘይብሎም ይመስሉ።

ካብዚ ንላዕሊ ግን ካብቲ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ወፃኢ ናይ ባዕልና ነፃ ሃገርን እዛ ሃገር ዝመርሕ መንግስትን ክንምስርት ኢና እንተበልና ዘጋጥሙና ተቓውሞ ኣዝዩ ከቢድ ክዀን ከም ዝኽእል ምግማት ይክኣል እዩ።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ርክብ፡ ኣመሪካን እቶም ናይ ኣውሮፓ ሃገራትን በቲ ሕጋዊ መስርሕ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ህዝበ ውሳነ ኣካይድና መሰል ዓርሰ ውሳነና ክነረጋግፅ ኢና እንተበልና ብግልፂ ክቃወምዎ ከፀግመሎም እዩ። ምኽንያቱ ናይ ህዝብታት ናይ ባዕሎም መሰል ባዕሎም ምውሳን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቻርተር እውን ዘሎ መሰል ስለ ዝዀነ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጕድኣት (ገና እኳ ብተኣማንነት ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ሳልሳይ ወገን ክፅብፀብ እሞ ብዘተኣማምን ተሰኒዱ ከም መረዳእታ ንውሳነታት እታወት ክዀን ክግበር ዘለዎ እንትዀን) ሕዚ እውን ዝፍለጥ ስለ ዝዀነ ነዚ ብሕጋዊ መንገዲ መሰልና ብህዝበ ውሳነ ክረጋገፅ ዝብል ሓሳብ ገና ብገናኡ ብርቱዕ ተቓውሞ ዝመፆ ኣይመስለን።

ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ነፃ ሃገርን መንግስትን ምምስራት ዝቃወሙ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ምኽንያቶም ፈሊጥና ብኡ ኣንፃር ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕትና ኣፅዒቕካ ምስራሕ ብጣዕሚ መሰረታውን ኣገዳስን ጕዳይ እዩ። እዚ ስራሕ ብዓወት ንኽፍፀም ድማ እቲ መሰረታዊ እታወት ፀላእትና (መንግስቲ ኢትዮጵያ ፥ ብኡ ተዓዲሙ ዝወረረ መንግስቲ ኤርትራ፥ ሓይልታት ኣምሓራ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ በደል ሰብኣዊ መሰላት (ዕንወት ማሕበረ ኢኮነሚ) ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኢሻራዊ ሳልሳይ ወገን ተፀብፂቡ፥ ተሰኒዱ ናይቲ ውሳነ ዋና መረዳእታ ኰይኑ ክቐርብ ምግባር እዩ። እዚ ብዘተኣማምን ንምክያድ ናይቶም ናይ ደገ ሓይልታት (ኣመሪካ፥ ሕቡራት መንግስታት፥ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ሕብረት ኣውሮንፓን ካልኦት ሃገራትን) ስምምዕነትን ድጋፍን ይሓትት እዩ።

እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ኢኮነምያዊ ጕድኣት ፈሊጦም ገፊሕ ትልሚ ሕውየት ማሕበረ ኢኮነምሚ (socio economic reconstruction) ንኽወፅእ ክሕግዙና ኣለዎም። እንተነኣሰ ኣብቶም ናይ መፈለምታ ውሑዳት ዓመታት እቲ ጕድኣት ሕዚ እውን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ሳልሳይ ወገን ተፀኒዑ ንውሳነ መበገሲ ክዀን ክግባር ኣለዎ። እዚ እውን ብዘይካ ናይቶም ናይ ደገ ሓይልታት ሰናይ ፍቓድን ተሳትፎን ኣይዀንን። ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ተደላዪ ናይ ገንዘብን ማተርያልን ሓገዝ ዝህቡ ንሳቶም እዮም።

ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ማለት እውን ስምምዕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ወይ ካብኡ ወፃኢ እውን ህዝቢ ትግራይ ብናይ ባዕሉ ነፃ መረፃ ናይ ባዕለይ ነፃ ሃገርን መንግስትን ክምስርት እየ ኢሉ ብህዝበ ውሳነ እንተኣድሚፁ ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ። ብዘይካ እዙይ ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ኰንኰን ተቐባልነት ኣይንረክብን። እዙይ ዘሰዕቦ መዘዝ ድማ ካብ ሰሜን ሶማልያ ተማሂርና ኢና። ስለዚ ናይዚ እውን ምስቶም ዝተብሃሉ ዓለም ለኻዊ ሃገራትን ድርጅታትን ፅቡቕ ርክብን ንመፃኢ ውሳነና ኵነታት እናመቻቸውካ ምፅናሕን የድልየና።

ስለዚ ምስ እዞም ዝተጠቐሱ ናይ ደገ ሓይልታት ዘለና ዝምድና መሰረታዊ ዕላማናን ድልየት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየቕረብና ምስኣቶም እውን ከይተብኣስናን ከይተቘራረፅናን ዕላማና ክነማልእ ንቃለስ ዝብል ብጣዕሚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ኵሎም እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ተመሳሳሊ መበገስን ድልየትን ወይ እውን ዝተመጣጠነ ተቓውሞ ኣብቲ መሰልና ንምርግጋፅ ንገብሮ ቃልስን የብሎም። ናይዞም ኣካላት መበገሲኦምን ድልየቶምን (ብሄራዊ ጥቕምና ዝብልዎ) ኣለሊኻ ንመበገሲኦምን ድልየቶምን መሰረት ዝገብር ምስናትና እምነትን ድልየትን ዘይጓነፅ ተጠዓዒሙ ክኽየድ ዝኽእል ምዃኑ ብቐፃልነት ምርዳእን ናይ ፖለቲካውን ዲፕልማስያውን ስራሕና ዋና ትዅረት ዝወሃቦ ጕዳይ ክዀን ይግባእ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለፀ እዞም ወሰንቲ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ብቐዳምነት ኣሜሪካ ካብኡ ቀፂሉ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ጐረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፥ ሕብረት ኣውሮፓ፥ ቻይናን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ዘለና ዝምድናን ኵነታትናን ብቐፃልነት ክርድኡን ኣብ ጐንና ክስለፉን ምግባር ካብ ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ራዳርና ክስወር ዘይብሉ ጕዳይ እዩ። ኣብዚ በቢ ግዜኡ ነቲ ኵነታት ዝስማዕማዕ መደባት እናወፅኡሉ ዝትግበር ዀይኑ ከም መሰረታዊ ኣንፈት ክንክተሎም ዘለና ጕዳያት ግን፦

  • ሀ. መሰረታዊ ዕላማና ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ኣብ ዝዀነ ግዘ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ዘይንደራደረሉ ጕዳይ ይዀን። እዚ መሰረታዊ መሰል ህዝብታት ብሕጋውን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ብዘለዎ መስርሕን ንኽፍፀም ብወገንና ክግበር ዘለዎ ንምግባር ድልዋት ምዃና ምግላፅ። 
  • ለ. ህዝበ-ውሳነ ንምክያድ እቶም ናይ ደገ ሓይልታት እኹል ግዘ መዲቡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተሉ እዮም ዝብሉ። ኣብቲ ግዘ ንሳቶም ፖለቲካዊ ስራሕ ንክሰርሐሉ ይሓስቡ እዮም ኢልካ ምግማት ይግባእ። እቲ ግዘ ምዝርራብ ይክኣል እዩ። ተዘራሪብካ ናይ ግዘ ምስትኽኻል ከም ዝክኣል ከም ዘሎ ዀይኑ ብኣንፃር እዙይ እንተዘይገይርና ህዝቢ ትግራይ ከጋጥሞ ዝኽእል ቐፃላይ ፀገም ኣንፃር እቲ ዝግመት ግዘ እውን ነዊሕ ኣይኰነን። እቶም አቐዲሞም ብዝበለፀ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጥሕሰት ብዓለም ለኻዊ ኣብ ምፅራይ ዝበፅሐ ኢኮነምያዊ ዕንወት ምፅብፃብን ናይ ዳግመ ህንፀት ፕሮግራም ተቘሪፁ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕን ኣብ ውሽጥና ንገብሮም ካልኦት ምድላዋት እውን ዘድልየና ግዘ ሓሲብካ ንሕና ከይተጠቐምናሉ ንሳቶም ጥራሕ እናተጠቐምሉ ዝባኽን ግዘ እውን ኣይኰነን። ስለዚ ንውሕ ዝበለ ናይ ሽግግር እፎይታን ግዘ ሃቡ ኣይንህብን ብዝብል ምስቶም ዓለምለኻዊ ሓይልታት ክንበኣስ የብልናን። 
  • ሐ. ኣብዚ ዝሕሰብ ናይ ሽግግር እዋን ኵሎም ናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየታት ብኣግባቡ ተሓሲቡሎም መደብ ወፂእሎም ብዝለዓለ ብቕዓትን ተሳትፎን ህዝቢ ትግራይ ክፍፀሙ ምግባር ይግባእ። እዙይ ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ሰብኣዊ በደላት ማሕበረ ኢኮነምያዊ ዕንወት ብዓለምለኻዊ ሳልሳይ ኣካል ተፀኒዑ ተፀብፂቡ ንውሳነ ግብኣት ክዀን ምግባር። እዚ ፅንዓትን ፀብፃብን መሰረት ዝገበረ ናይ ዳግመ ህንፀት ፕሮግራም ተሰሪሑ ተቐባልነት ክህልዎ በዚ መሰረት ስራሕ ክጅምርን ምግባር። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት፥ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር፥ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብስፍሓትን ዕምቈትን ምፍታሽን ምንቅስቓስን መንግስቲ መሓውራት ምጥንኻር ብጠቕላላ ልምዓት ማሕበረ ኢኮኖምን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ድልየትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ብዘርውይ መንገዲ ምጅማር የድልይ። እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ዝቕበሎ ምዕሩይ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ምጅማር ማለት ይዀን።

መጠቓለሊ

ሕዚ ኣብ ኲናት ኢና ዘለና፤ ሕዚ እንተዘይኰነ እውን ድሕሪ ዝተወሰነ ውግእ ናይ ሰላም ዝርርብ ምምፅኡ ኣይተርፍን። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናትን ዝወረደ ወፅዓን ካብ መፅአ ናብ ፀጋ ንቐይሮ። እዙይ ንምግባር እቲ ዋና ኣንፈት ኣብ ትግራይ ምዕሩይ መንግስቲ ንምህናፅ ከም መበገሲ ዝንወስዶ፡ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብዘይ ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ከም ህዝቢ መኪትዎ እዩ። እዙይ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ሓለሓሊፉ ዘጋጥም ፍፃመ፡ ንምፍጣር ቐፃላይን ድልዱልን ፖለቲካዊ ሕብረተ ሰብ ከም መበገሲ ንወስዶ።

ካብቲ ሕዚ ዘለናሉ ኵነታት ተበጊስና ክንርእይ ከለና ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህጊ ህልውናና ኣረጋጊፅና ብቐፃልነት እናማዕበለ ምኽያድ እዩ። እዙይ ናይ ዝዀነ ሕብረተ ሰብ ባህግን ድልየትን እውን እዩ። እዙይ ብቐፃልነት እናዓመቘን እናደልደለን ዝኽየድ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብ መሰረት ዝመረፆን ዝተስማዕመዐሉን ስርዓትን ኣንፈትን ምሕደራ፡ ካብ ውሽጢ ትግራይ ይዅን ካብ ትግራይ ወፃኢ ክመፅኡዎ ዝኽእሉ ተፃብኦታት ተኸላኺሉ ሰላም ዘስፍን ስርዓት ክህልዎ ይግባእ። እዚኣቶም ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝዀኑ ተነፃፂሎም ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ኣይኰኑን። 

ህልውናናን ሰላምናን ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ቅሳነትን ቀፃልነት ብዘለዎ ኵለመዳያዊ ምዕባለን እዩ። እዙይ እናደልደለን እናሰፍሐን ብዝኸዶ ቍፅሪ ውሽጣዊ ፀገማትና ብቐሊሉ እናተፈትሑ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ኵሉመዳያዊ ፀገማት ናይ ሕመቕና መበገሲ ምዃኖም ይንክዩ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ወፃኢ ዝመፅአና ተፃብኦን ሓደጋን ብዝተሓባበረ ቅልፅምን ዓቕምን ንምምካት ዝተመቻቸወ ኵነታት ይፈጥረልና። ሕዚ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን ኢና ዘለና። ዋና ትኵረትና ሕዚ እቲ ገጢሙና ዘሎ ናይ ኲናትን ዕፅዋን ሓደጋ ከመይ ንፈትሖ እዩ ክዀን ዘለዎ። እዚ ሕዚ ብዘለና ኣወዳድባን ኣመራርሓን ዝግበሩ ምምሕያሻት እናገበርካ ብዝሓፀረ ግዘ ኣብ ምውዳእ ክነተኵር ይግባእ። ሕዚ ብዝዀነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ብጠቕላላ ኣፍሪስና እንደገና ሓዱሽ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ናብ ምፍጣር እሞ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን ኰይና እዙይ ንምግባር ምዕላም ዝጠቅም ኣይመስለንን። እዙይ ማለት ግን ሕዚ ዘሎ ኣመራርሓን ኣወዳድባን መሰረት ገይርካ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ክዀን ዝግበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባን ምፅፋፍ ኣይገበር ማለት ኣይኮነን። ብሓፂሩ ነቲ ተሰሪሑ ኣዕቒልናሉ ዘለና ገዛ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣፍሪስና ክነዕርዮ ኣይንፈትን። ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ክግበር ዘለዎ ምትዕርራይ ግን ንግበር እየ ዝብል። ናይ ሰላም ኵነታት ምስ ተፈጠረ ግን ናይ መጀመርያ ስራሕ መግንስትና ምት ዕርራይ ይዅን። 

ኣብ ውሽጥና ውሽጣዊ ሰላምናን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትናን መሰረት ገይርና ብቐፃልነት እናማዕበለ ዝኽየድ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት እናመዝገብና ተስፋና እናለምለምና ብሩህ ተስፋ ከም ዘለና ብጭቡጥ እናርአና ክንክየድ ከለና ናይ ቀረባ ይዅን ርሑቕ ህዝብታት እናደለዩና ዝኽየዱ ክበዝሑ እዮም። እቶም ናይ ቀረባ ጐረባብትና ከማና ክዀኑ ይደልዩ ጥራሕ ዘይኰነስ ቀስ ብቐስ ክፃመዱና ክሕወሱና ክደልዩ እዮም። እቶም ናይ ርሑቕ ጐሮባብትና ድማ ምሳና ናይ ምዝማድን ምስራሕን ድልየቶም እናወሰኸ ክኽየድ እዩ። እዚ ንምርግጋፅን ምድልዳልን ህልውናና፥ ሰላምና ዝበለፀ ውሑስ ክዀን፥ ል ምድንፋዕ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየትና ይጠቅም፤  ኵሎም እዚኦም ድማ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትና ሰራውሩ እናበዝሑ እናገወዱ ክኽየዱ ምቹው ኵነታት ይፈጥሩ። 

መብዛሕተኦም እዞም ተገሊፆም ዘለው ጕዳያት እቲ ሕዚ ተተሒዙ ዘሎ ኲናት ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ምዝዛምን ናብቲ ቀፃላይ ናይ ህንፀተ መንግስቲ (state building) ከመይ ይተኣቶ፥ ከመይ ይተኣሳሰር ተባሂሉ ክሕተት ይግባእ። ሓደ እቶም ዝበዝሑ ስራሕቲ ሕዚ ውን እቲ ኲናት ንምክያድን ብዓወት ንምዝዛምን ግድን ክንሰርሖም ዘለና ስራሕቲ እዮም። ንኣብነት ምውፃእ መሓውራት ድሕንነት ዝምርሕሉ ንፁር ፖሊሲ፥ ስትራተጂን መደባትን፥ ምንፃር መስርሕ ኣውሃህባ ውሳነ ኣመራርሓ፥ ምሕደራ ህዝቢ (መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ደጀን ስራሕ ኢልና ንፅወዖ፥) ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓስን ልምዓትን፥ ወዘተ ኵሎም ንንቀሳቐሰሎም ንሰርሖም ኣለና። ብ ስምምዕነት ብ ዝተበፅሐ ኣንፈት ምምራሕ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ይገብሮ።

ካልኣይ እቶም ን እቶም ፀኒሖም ክጅመሩ ተባሂሎም ዝሕሰቡ (ንኣብነት ከም ዳግመ ህንፀት ኢኮኖምያውን ማሕበራውን መሰረታተ ልምዓት) እውን ዝተፀንዐ ንፁር ፕሮግራም ምሓዝን ስራሕን ሕዚ ክጅመር ኣለዎ። ኣብ ተጋሩ ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ዕንወት ኢኮኖምን እውን ብሕዚ ክፅናዕን ክስነድን ኣለዎ። ነዚኣቶም ኵሎም ዝተወደበ ንፁር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ምሃብ የድሊ። እዙይ ማለት እንታይ ሽቶ ሒዞም ይሰርሑ፥ ብኸመይ ዝመሰሉ ሰባት ይስርሑ፥ ብኸመይ ዝመሰለ ኣግባብን ውዳበን ይስርሑ፥ መኣዝ ይስርሑ፥ ውፅኢቶምን ምዕባለታቶምን ከመይ ንቈፃፀሮ፥ ወዘተ በቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክወሃቦም ኣለዎ። እዙይ ድማ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ብመሰረታዊ ባህሪኡ ነቲ ኲናት ምዕዋት ዝዀን ስራሕ እናተዛመደ ክምራሕ ይግባእ።

ብድምሩ እዞም ኵሎም ማለትውን እቶም ሕዚ ውን ግድን ክንሰርሖም ዘለና ይዅን ሕዚ ጀሚርናዮም ቀስ ብቐስ ጊዜ ወሲዶም ናብ ውፅኢት ዝመፅኡ ስራሕቲ ምስቲ ዋና ዕላማና ማለት ውን ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ሰላም፥ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት፥ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ምዕዋት ነዊሕ ጕዕዞና እናተገናዘቡ ምስ እዙይ እናተቀናጀው (እናተወሃሃዱ) ክምርሑ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ተቐሚጡ ዘሎ ሓሳባት ካብ ሐዚኡ ክጅመር ዘለዎን ቀስ ብቐስ እናደንፈዐ ክኽየድ ዘለዎን ጕዳይ ምዃኑ ምስትብሃል ይግባእ። 

ናብዚ ናይ ቀፃላይ ዝተረጋገፀ ሃዲድ ህልውና፥ ሰላምን፥ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ንምእታው ንፁር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መስተውዓላይ ኣማታይ ዝተወደበ ኣመራርሓን ወሳናይ ግደ ኣለዎ። እዙይ ንምርግጋፅ ኵሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፥ ፖለቲካ ውድባትን መንግስትን ትግራይ ንፁር መፍለዪ ሃሊዉዎም እዙይ መሰረት ዝገበረ ምዕሩይ መንግስቲ ብምህናፅ ክረባረቡ ይግባእ። ምዕሩይ መንግስቲ ፍትሕን ስርዓትን ዝሕልው ናይ ህዝቢ መሰልን ናይ ሃገር ሉኣላውነትን ዝሕልው ንሕብረተ ሰብ ፍትሓዊ ዝዀነ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ኣገልግሎት ዘብፅሕን ቀፃላይ እናደንፈዐ ዝኽየድ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ ኢኖምያዊ ልምዓትን ዘመዝግብ ክዀን ኣለዎ። ኣንፈት መንግስታዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ፖለቲካዊ ንሕንሕን ውድድርን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ንቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ባህግታት ህዝቢ ትግራይ መን ዝበለፀ ይፍፅምን ውፅኢት የመዝግብን ኣብ ዝብል ክዀን ይግባእ። እዙይ ንምዕዋት ዋና መሰረቱ ድማ ምዕሩይ መንግስቲ ደረጃ ብደረጃ ምህናፅን እናተሃነፀ እናሰርሐ ውፅኢት እናመዝገበ ምኽያድን እዩ።

ትግራይ ትስዕር!!
የቐንየለይ

Continue Reading
8 Comments

8 Comments

  1. ሃይላይ ኪሮስ

    February 17, 2023 at 12:20 pm

    እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣያና ጅግና ሰለስተ ወሎዶ ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ፃርቃን ዕሙቕን ስፍሕን ዝበለ ትንታነ ከም መልዐሊ ሓሳብን ሓፈሻዊ ከይዲ ፖለቲካ ትግራይን ብዝግባእ ንጠቐመሉ እቲ ዲሒሩ ዝመፀ ናይ ሰላም ከይዲ ‘ውን እንተኾነ ካብቲ ኣብቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝተገለፀ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣይፈጥርን ክውሰኻ ዝግበአን ዝተረፋ ሓሳባት እንሃልየን ተወሲኸን ከም መበገሲ ተጠቒሙ መንግስቲ ትግራይ ክሰርሓሉ ይግባእ። ኣያና ጅግና ሰለስተ ወለዶ ጀነራል ፃርቃን መርኣያ ኹሉ ፅንዓትን ሓቦን ክምስገን ይግበኦ።

  2. Kiflom amare

    February 17, 2023 at 8:13 am

    ኣብ ተግባር የውዕሎ@።

  3. Hagos

    February 16, 2023 at 3:03 pm

    ክቡር ጀነራል ጻድቃን ዓይኒ ትግራይ”ዩ።ንህዝቢ ትግራይ ካብቶም ኣብ ሽግሩ ሙርኩስ ሒዞም ዘድሓንዎ ኤሊታት ትግራይ ሓደ።

  4. ፀጋይ ተስፈስላስሴ

    February 16, 2023 at 1:49 pm

    እዙ ፅሑፍ ቅድሚ ኲናት ሳልሳይ ወራር ዝተፅሓፈ ብምዃኑ ኣፍቲ ግዜ እቱይ ኰይንካ ዝተኣመቱ እዮም። አብ እዙ ሐዚ እዋን ኰይንካ ክትሪኦም፡ ገገሊኦም ነጥብታት እንተ ርእይና ዝሰርሑ ኣይመስለንን።

    ምክንያቱ እቲ መበገሲ ሓሳብ፡ እቲ ኲናት ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተ ተዛዚሞም እምበር እቲ ቃልሲ ብዓወት ህዝቢ ትግራይ እንተ ዘይተዛዘመ ኸ ዝብል ሓሳብ ኣይተገለፀን።

    ን ኣብነት ጉዳይ ኤርትራ፡ ኣብዙ ግዜ እዙይ ኰይንና እንት ንርእዮ ሓደ እቲ ዝተኻየደ ኲናት ብናትና ሰዓራይነት እንተትዉዳእ ካልኣይ ኣብ ቀጥታ ናይ ወሰንቲ ስልጣን ናይቲ ማእከላይ መንግስቲ ኰይንካ ዝፍፀም ስራሕ እዩ ነይሩ።

    እቶም ካልኦት ብዛዕባ ዉሽጣዊ ጕዳያትና ዝተዘርዘሩ ሓሳብት ግን ብጣዕሚ ኣድለይትን ክስረሐሎም ዘለዎን ጉዳያት እዮም።

    እዙይ ኢለ ን ክቡር ኣያና ጀነራል ፃድቃን ዘለኒ ክብሪ ዝልዓለ እዩ። ፈጣሪ ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና ♥️

  5. ሙሉወርቅ ካሳ

    February 16, 2023 at 4:46 am

    እዚ ሰፊሕን ዓሚቕን ትህዝቶ ዘሎዎ ትንታነ ፁሑፍ እዙይ እቶም ትግራይ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡን እቶምን እቶም ናይ መፃኢ ትግራይ ክመርሑ ዝተወደቡ ተናሓናሕትን ኣብ’ዚ መፅናዕቲ ብውነ ጊዜ ወሲዶም ትግራይ ትሰጋገርሉ መበገሲን ዝማዕበለ ከምዝገብርዎ የተስፍው::
    ትግራይ ኣብ ኣዙዩ ከማኻ ዝበሉ ጀጋኑን ሩሑቕ ኣመትን የድልይዋ::
    ንእዚ መፅናዕታዊ ፁሑፍካን ባህግኻን ምስቶም ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ውድብን ተናሓናሕትን ብቕበት ንተግባራይነቱ ክትሰርሕ/ክትደፍኧሉ እላቦ::
    የቐንየልና ጅግና ኣያ ጀነራል ፃድቃን::
    ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን ይምነየልካ::
    ሀገረ ትግራይ ግድን’ዩ::
    ትግራይ ትስዕር!

  6. Paulos Irgau

    February 15, 2023 at 10:18 pm

    A prescient and a well argued article if not a road map with critical sign posts in-between when our Tigray is in a watershed transition. Thank you General Tsadkan.

  7. ፊልሞን

    February 15, 2023 at 3:16 pm

    ንምንታይ እዩ ግዚኡ ዝሓለፎ ፅሑፍ ተሓቲሙ? ብድሕሪ እዚ ፅሑፍ ዝተኸሰቱ ኩነታት ን ትሕዝቶ እዚ ፅሑፍ ዋጋ ኣልቦ ገይሮምዎ እዮም።

    • GEBREYESUS Reda

      February 26, 2023 at 7:52 am

      Very interesting article.
      By the way, If we Tigrians couldn’t learn at this time due to this genocidal war, we will never ever learn at all , and will never prevail again.

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT