Connect with us

ትዕዝብቲ

ትዕዝብቲ ካብ ኣሜሪካ ትግራይ በፂሑ ዝተመልሰ ሰይፈ ኣበራ

Published

on

ካብ ኣሜሪካ ብ ኣዲስ ኣበባ ገይሩ ናብ መቐለ ዝኣተወ ሰይፉ ትዕዝብቱ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምፅሓፉ፥ ምስ ተኽላይ ዘትግሃት እውን ኣብ ትግሃት ኣውጊዖም ኣለዉ።

ሰይፈ ብ ውቕሮ፥ ሓውዜን ገይሩ ነበለት በፂሑ ናብ ኣሜሪካ ተመሊሱ። ኣብ እዞም ዝበፅሖም ቦታታት ዝርኣዮም፥ ዝገጠምዎ፥ ዝተዓዘቦ፥ ዝሰምዖ ይናገር። ከም ወዲ ወፃኢ እይኻ ዝትርአይ ይብል። ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ በሪርካ፡ ኣብ እቱ መዕለቢ ዓለምለኸ በረራታት እይኻ እውን ዝትዓርፍ። ካብ ኣዲስ መቐለ፡ ልዕሊ ዕፅፊ ካብ ኣዲስ ባህር ዳር እይኻ ዝትኸፍል። ምንግልታዕ ኣሎ፥ ፍተሻ ኣሎ፥ ዝደለኻዮ ኣቝሑ ክትወስድ ኣይትኽእልን ይብል ሰይፈ። ብዛዕባ ኣብ ዓድዲ፡ ህዝቢና ይነብሮ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ እውን ይናገር። ኣብ ውቕሮ ቍርሲ ከም ዝስኣኑ፥ ኣብ ነበለትን ገጠራትን እቱ ህዝቢ ከመይ ይነብር ከም ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ፥ ወዘተ ነጊሩና ኣሎ። ናብ ትግራይ ክትከዱ ዝትሓስቡ፡ ፈለማ ሰይፉ ዝይብሎ ክትስምዑ እምዕድ።

ሰይፈ ኣብ ትዊተር ዝለጠፎ ፅሑፍ፡ ንኡሽተይ እርማት ግድፈታት ፊደላት ድሕሪ ምግባር ኣብ ታሕታይ ቀሪቡ ኣሎ።


ብ ሰይፈ ኣበራ

ዋላኳ ጥልቀት ሳዕቤን እቲ ኲናት ኣብ ደገ ኰይነ እውን ይርድአኒ እዪ ኢለ እሓስብ እንተ ነበርኩ እቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ዝዀነ ኣካል ካብ ደገ ክግምቶ ካብ ዝኽእል ዝኸፍአ እዩ፡፡ ኣሸንኳይ ዶ ሰብ ስ ኣራዊት ይኣትዎ እዩ ተብሂሉ ዘይሕሰብ በረኻታት ትግራይ ብ ድፋዓት ዓይኒ ዓራት ኰይኑ እዩ፡፡ ካብ መቐለ ጀሚሩ ክሳዕ ነበለት ኣብ ዝነበረኒ ጕዕዞ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብ ዝገበርኩዎ ወግዒን ባዕለይ ነቲ ቦታታት ብምዕዛብን እዚ ክእብል።  

  1.  ሞት ሰብ፡ ሕድሕድ ስድራ ትግራይ ብ መስዋእቲ፣ መርሸንቲ፣ ጥምየት ወይ ክዓ ሕማም እንተ ውሓደ ሓደ ሰብ እንትበዝሕ ክዓ ምሉእ ቤተሰብ (ካብ ሓደ ስድራ 19 ሰብ) ስኢኑ እዩ፡፡ ዝበዝሕ ክዓ ክቕበር እውን ዕድል ኣይረኸበን፡፡ ብዝብኢ ተበሊዑ:: 
  2. ዘረፋ ንብረት፡ ብዋናነት ብ ሻዕብያ ዘይተፈተሸት ገዛ ትግራይ የላን፡፡ ዘይተወሰደ ዓይነት ንብረት እውን የለን፡፡ እቶም ናይ ኤርትራ ወታደራት «ጫማ ስለ ዘይፈትዉ» ካብ እግሪ ሰብ ካልሲ ጥራሕ ኣውፂኦም ወሲዶም። ኣቦይ ካልስታቱ ይቐብር ነይሩ.  ኣብ ነበለት ኣቦይ ሓደ መዓልቲ ካብ ነብሰይ ኣውፂኦም ስ ኣይይወስዱዎን ብዝብል ክልተ ፓንቲ፣ ክልተ ካልሲ፣ ክልተ ሸሚዝ፥ ክልተ ስረን ክልተ ኮትን ተኸዲኑ፡፡ ኣደይ ስልካ ብ ፌስታል ብምዕሻግ ን 3 ወርሒ ኣብ ትሕቲ መሬት እናቐበረት እናውፀአት ሓሊፋቶ፡፡ ናይ ወዲ ሓፍተይ ስልኪ ዝተቀበረሉ ቦታ ረሲዖሞ ድሕሪ ዓመት ማይ ወቂዕዎ ተበላሽዩ ተገኒዩ። ኣብ መቐለ መኻይን ኣብ ዙርየአን በሪ ዘየብሉ ገዛ ተሰሪሑለን እየን ዝሕብኣ ነይረን። ዘይተወሰደ ኣቕሓ እውን ንኡ ንምትራፍ ዘይተገበረ ነገር እውን የለን።
  3. ሳዕቤን ስእነት ሕክምና፡ መብዛሕቲኡ medication dependent chronic medical condition ዝነበሮ ሰብ ብሂወት የለን፡፡ እቲ ዕርቂ ምስመፀ እውን ብዙሕ ለውጢ ስለ ዘየለ መንገዲ ምስ ተኸፈተ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ሕሙም ትግራዋይ እዩ. 
  4. ሳዕቤን ምቍራፅ ትምህርቲ፡ ብዘሕዝን መልክዑ ኣረኣእያ ህፃውንቲ ትግራይ ኣብ ትምህርቲ ተቐዪሩ እዩ፡፡ ካብቲ ዘደንግፅ ሳዕቤን ናይዚ ኲናት ሓደ ምብልሻው ዕድል ናይ እዞም ህፃውንቲ ትውልዲ እዩ፡፡ ብዙሕ ፃዕሪ እውን ከድልየና እዩ፡፡
  5.  ሪኢቶ ህዝቢን TDFን ኣብ ምቍራፅ ኲናትን «ዕርቂን»፡ ብመንፅር ህዝቢን ተጋዳላይን እተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ሲኦል እየን ነይረን፡፡ ፀላኢ ኣብ ዝኣተዎ ከባቢታት ዝነበረ ህዝቢ ዳርጋ ብምሉኡ ኣብ በረኻ ምስ ኣራዊት እዩ ዝሓድር ነይሩ፡፡ ተጋዳላይ እውን እቲ ዝኸፍ አ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ግዘ እዩ፡፡ ኣብ ድሮ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ነበለት ንፀላኢ ከይተሕልፍዎ ስለ ዝተብሃሉ ጥዪት ወዲኦም ብ ጥሉል ብ እምኒ ተዋጊኦም 500 ጥይት ማሪኾም ተታኲሶም ጠጠው ኣቢሎምዎ እዩም፡፡ በዚን ካሊእን ምክንያት ህዝቢ እውን ተጋዳላይ እውን ነቲ ጠጠው ምባል ኲናት ብ ምስግና እዩ ተቐቢሉዎ፡፡ «ስምምዕ እንተ ዘኢይመፅእ ህዝቢ ተወዲኡ እዩ ነይሩ» እዩ ዝብለካ፡፡ እቲ ስምምዕ ብመስዋእትናን ደባይ ውግእ ከም ዝቕፅል ኣብይ ስለ ዝፈልጥን መፂኡ ግን ይብለካ:: 
  6. ህሉው ኵነታት፡ መቐለ ብ ኣንፃራዊ ካብተን ዳርጋ ዘይተነኽኣ ዝብሃላ ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ምስ ምዃና ኣብዚ ሀዚ እዋን ምናዳ ብምንቅሳቓስ መኻይን ኣንፃር ዳርጋ ናብ ቀደማ ተመሊሳ እያ ምባል ይክኣል፡፡ ዋጋ ዕዳጋ እውን ረኺሱ እዩ፡፡ ነዳዲ እውን ኣሎ፡፡ ነፃ ንግዲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ስለ ዘይተጀመረ ግን ብዙሕ ነገራት ኣይትረክብን፡፡ ኵሉ ነገር ብ ኮንትሮባንድ እዩ ዝኣትው። በዚ ዘትርፉ ተጋሩ ሰብ ሃፍትን ሰበ ስልጣንን እውን መሊኦም፡፡ ኣብ እቶም ዝርኣኹዎም ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ግን ብዙሕ ለውጢ የለን:: ሰብ ጠምዩ ኣሎ፡፡ ሕክምና የለን፡፡ መዓት ብ ኣምሓሩን ሻዕብያን ዝተትሓዙ ከባቢታት እውን ኣለዉ፡፡ ሰራዊት ብልፅግና ግን ዝሓሸ እዩ፡፡ ብዙሕ ሰብ ንብረቱ ብሻዕብያ ክውሰድ እንትብል ናብኦም ብምጥራዕ ኣድሒኑ እዩ፡፡ 
  7.  ርክብ መንግስቲ ትግራይ/TDFን መንግስቲ ኢትዮጵያ/ENDFን፦ እንተገደደ ኣብ እቶም መራሕቲ ሰራዊት ምትእምማን ይፍጠር ኣሎ ግዲ እዩ ዘብሉ ነገራት ኣለዉ። መንግስቲ ፌደራል ናይ TDF ቀለብን መድሓኒት ይኽእል ኣሎ ዝበሃል ወረ ኣሎ። ኣብ እቱ ምፍታሕ ዕጥቂ እውን ብዙሕ ምህፃፅ የለን። ርክብ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣበይ ደረጃ ኣሎ ምፍላጥ ግን ከቢድ እዩ። ብወገን ትግራይ ዕዙዝ ስራሕ ዝስራሕ ዘሎ ኣይመስለንን። ትግራይ ን ኣብይ መሓዛ ብምዃን ካብ ኢሳያስን ኣምሓሩን ንምፍላይ ክትሰርሕ ኣለዋ። 
  8. ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ፦ ህዝቢ እቲ ድሕሪ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ ዘጋጠመ ከይድገም ስግኣት ኣለዎ። እቱ ንኡሽተይ ዝተምሃረ ንህወሓት ኰነ ነቶም ካልኦት ውድባት ትግራይ ዝኣምኖም ኣይይመስልን። ኣብ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዝሓሸ እምነት ኣለዎ። ሓረስታይ ትግራይ ግን ሀዚ እውን እንተዀነ ብ ኣብዝሓ እምነቱ ኣብ ህወሓት እዩ (እዚ ጥረ ትዕዝብቲ እዩ)። ኣብ መንጎ ሓረስታይ ሓፍቲን ሲቪል እንጂነር ሓውን ካብ ዝሰማዕኹዎ መጐት፤ እታ ሓፍቲ «ደብረፅዮን ድኣ ይምራሕ። በይዛዋ ክሽየምን ውግእ ክመፅእን ሓንቲ፡፡ ምንም እንተኢበልዐ፡፡ ህወሓት እንዶ ንዝተረፍና እውን ዘትረፈና» ክትብሎ ሰሚዐያ፡፡ ከም ናተይ ትዕዝብቲ ኣብ ህወሓት እውን ኣብ ካልኦት ውድባት እውን all or none ናይ ምኳንን ስልጣን ምስ ሂወት ናይ ምትሓዝን ፀገም ኣሎ፡፡ ኵሉ ብዘይ ኣነ ትግራይ ኣይትህሉን ናይ ምባል ፀገም ኣሎ። እቲ ፖለቲካ መርዛም ይዀን ኣሎ፡፡ ብሰንኪ እዚ ኣብይ ኣብ መንጎ ህወሓትን ካልኦትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ከም ዝኣትው ግልፂ እዩ፡፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ውድባት ዘሎ ኣብ መንጎ ውልቀ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ሽርሒ የፍርሕ። እዚ ንትግራይ ድኽምቲ እዩ ክገብራ። ቅልጥፍ ኢልካ እንተ ዘኢተፈቲሑ ሓደገኛ እዩ። እቲ ፖለቲካ ከም ባህሊ እንተ ዘኢተቐዪሩ ሓዱሽ መራሒ ኰነ ሓዱሽ ውድብ ምንም ኣይይቕይርን። እቲ ሓደ ሰይጣን እቲ ሓደ መልኣኽ ኣይኰኑን።  

ኣብ መወዳእታ ፈተውና ፀላእና ሕድሕድ ህዝቢ ዝግበኦ መንግስቲ እዩ ዝረክብ ኢለ እኣምን፡፡ ኢርትራውያን ዝገበኦም ኢሳያስ እዩ፤ እንተ ዘየለ ምቐየሩዎ፡፡ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብዪ፡፡ ተጋሩ ኽዓ ዝግበኣና መንግስቲ ክህልወና እዩ እንተ ዘኢኰይኑ ንቕይሮ ኣለና::

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT