Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ኦርቶዶክሳውያን ን ምንታይ ን ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ኢትዮጵያ ንቃወም?

Published

on

ደጀን የማነ ተኽለ

ዕላማ ዙ ፅሑፍ

መፅሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብረ ሃወርያት 18፡9-10 “ተዛረብ ድኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል” ከም ዝበሎ፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ብ ኣግባቡ መልሲ ክሳብ ዝይውህቡሉ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ (ቤክኦተኢ) ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን እንታይ ዓይነት ክሕደትን በደልን እያ ፈፂማ? እዙ ፅሑፍ፡ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 2 ዓመታት ኣብ “የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/ ኣብ ዝተብሃለ ዕላዊ ገፅ ፈይስቡክ ታ ቤተ ክህነት ዝተለጠፉ ፅሑፋት ብ ምድህሳ መልሲ ይውህብ።

መእተዊ 

ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ “ሃፀይ ምንሊክ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቦም ኣይይርእዩዎን ነይሮም ከም ዝበሉዎ፡ ቤክኦተኢ እውን ን ህዝቢ ትግራይ ከም ዘኢህዝባ ቈፂራ ኣብ ልዕሊኡ ን ዝይካየዱ ጨፍጫፋት ን ዘበናት ናባረኸት፣ ጥንታውያን ገዳማቱን ቅርሲታቱን ናኣዕነወትን ናመዝበረትን፣ ኣብ ዓውደምሕረታታን ኣዋልድ መፃሕፍታን ናነወረትን፣ ትግራይ ዘፍረየቶም ሊቃውንቲ ብ ምስዳድን ስም ብ ምጥፋእን ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ህልውናኡ ሓደጋ ኰይና ከም ዝፀንሐት ታሪኽ ምስክር እዩ። ዛ ቤተ ክህነት ኣብ ዘበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝፈፀመቶም ክሕደታትን ግፍዒታትን ን ፅሓፍቲ ታሪኽ ገዲፍና ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓማውቲ ፅንተትን ብርሰትን ዝፈፀመቶም ሰማይ ብራና፡ ባሕሪታት ቀለም ኰይኖም እውን ፅሒፍካ ዘኢይውድኡ ንኣዳም ገረሞ ዝዀኑ ጭካነታት እንትነድህብ መንነት ዛ ቤተ ክህነት ኣፀቢቑ ይበርሀልና። 

ቤክኦተኢ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝፈፀመቶም በደላት

መንግስቲ ፌደራል ጥቅምቲ 24/2013 ዓም ‘ሕጊ ንምኽባር’ ብ ዝይብል ምስምስ ምሉእ ወታደራዊ ዓቕሚ ሰራዊት ኢትዮጵያን መደበኛን ኢመደበኛን ዕጡቓት ኣምሓራን ከኢይኣኽሎ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን መላፍንቱ ዝዀኑ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሰራዊት ሶማልያ፣ ድሮናት ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ፣ ኢራን፣ ቻይናን ቱርኪን ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ቱ 95% ኣማኒን መሰረትን ኦርቶዶክስ ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ ኣዋጅ ዴሞሳይድ1Democide is the intentional killing of an unarmed or disarmed person by government agents, including Genocide, Politicide, Holodomor, and Mass murder. እንትይእውጅ፦

  1. መራሕታ ኣብ ክንዲ ኲናት ደው ክይብል ምጕስጓስ፥ ከም ቱ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዝይእዝዞን ካብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ካብ ሂወትን ገድላትን ኣበው ሓዋርያትን ፃድቃናት ሰማዕታትን ዝንምሃሮን፡ ግፍዐኛታትን ኣረመኔታት ኣወጊዞም ኣብ ጐንኒ ብዱላት ደው ኢሎም መከራ ተኻፊሎም ሰማዕትነት ዝይቕበሉ፣ ኣክሊል ዝይደፍኡ፥ ካብ ኣምላዀም ክብሪ ዝይጐናፀፉን መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ዝይዋፅኡን፤ ስጋዊን ፖለቲካዊን ጥቕሚ ኣስሊሖም ኣምላኽ ዝውሃቦም ሓደራ ራሕሪሖም፣ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ ኣቦነት፡ ኣላዊነትን መለኻዊነትን 2ብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ፡ ኣላዊነት ማለት ገበነኛነት ÷ እንቢተኛነት÷ ክሓዲነት ማለት እንትይዀን መለኻዊነት ማለት ድማ ኣብ ቤተ ክህነት ኣፈፃሚ ፍቓድ 3ቤተ መንግስቲ ማለት እዩ። መሪፆም ሕዳር 8/2013 ዓም ኣባላት ሲኖዶስ ኦተቤክኢ ዝዀኑ ጳጳሳት ኣብ ናይ መንግስቲ ሚድያታት ቀሪቦም ኢዶም ኣብ ኣፍ ልቦም ገይሮም “ል ምክልኻል ሃገር ንውግን (“ከሀገር መከላከያ ጎን እንቆማለን”)” ብ ምባል ን ቱ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝተኣወጀ ፅንተትን ብርሰትን እንትይባርኹ ተዓዚብና። 
  2. ቱ ዝተወልዐ ኲናት ደው ን ኽይብል መፀዋዕታ ን ኽተካይድን ኣብ ልዕሊ ምእመናንን ቅርሲታትን ዝይበፅሕ ዝነበረ ፅንተትን ዕንወትን ን ኽትኵንን ኣብ ውሽጢ ዓድዲን ኣብ ወፃኢን ዝይርከቡ ማሕበረ ካህናት፣ ማሕበረ ምእመናን፣ ማሕበር ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን፣ ማሕበር ምሩቓን ነገረ መለኰትን ትግራይ ብ ደብዳበ ብ ተደጋጋሚ እኳ እንተ ገለፁ ቤክኦተኢ ከም ዘኢሰምዐት ምሕላፋ ከኢይኣክል፤ ን ኣብነት ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓም፡ ቱ ኲናት ደው ን ኽይብል ኣብ ኣውስትራልያ ዝይርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ን ቤክኦተኢ ን ዝፅሓፈኦ ደብዳበ፡ ሽዑ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ዝነበሩ ሎሚ ድማ ዋንና ፅሓፊ ‘ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ’ ዝዀኑ ‘ኣቡነ’ ጴጥሮስ ታሕሳስ 14/2013 ዓም ኣብ ዝፅሓፉዎ ግብረመልሲ “ኣብ ዙ ሰሙን ብ ስም ቤተ ክርስቲያን ህዝቢ ትግራይ ተወሪሩ ኣሎ ኢሎም ዘውፅኡዎ መግለፂ ርእይናዮ እይና። ካብ መጀመርታኡ ዞም ትካላት ብ ማኮሚኒቲ ትግራይ ዝተጣየሹ መደናገርቲ ድኣ እምበር ኣካል ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ኣይኰኑን።” ብ ምባል ኣብ ወፃኢ ዝይርከባ ተጋሩ ዝይግልገሉለን ኣብያተ ክርስቲያን ተጋሩ ኣካል ታ ቤተ ክህነት ከም ዘኢኰናን ሕልሉፍ ሓልሊፎም እውን ድርጅታት ኮሚኒቲ ትግራይ ብ ምባል ኣቈናፂቦምወን። ዞም ‘ጳጳስ’ ቅድመ ዀነ ድሕረ ኲናት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ፅልኣት ን ምፅሓፍ ዓርሱ ዝኽኣለ ኣርእስቲ ሒዝካ እምበር ኣብ ዙይ ፅሒፍካ ዝይውዳእ ኣይኰነን። ን ኣብነት ዞም ‘ጳጳስ’ ጥቅምቲ 24/2014 ዓም “Bisrate Gebriel EOTC TV – Newark, NJ” ኣብ ዝተበሃለ ሚድያ ብ ዛዕባ ናብ ትግራይ ተጕዒዞም ዘጋጠሞም ዝተዛረቡሉ ቃለ መጠይቕ (ካብ 34:56 – 39:45 ደቓይቕ ርአዩ) ብደዐ፣ ሓሶትን ፖለቲካዊ ሽርሕን ምስማዕ ክንደየናይ መንፈሳዊነት ዝርሓቖም ምዃኖም የርእየካ። ብ ተወሳኺ ታሕሳስ 15/2013 ዓም ኣብ ቱ ቅድም ኢለ ዝጠቐስኩዎ ሚድያ ቀሪቦም “ተናገርቲ ትግርኛ 6% እንትይዀኑ 94% ህዝቢ ኢትዮጵያ ገዚኦም እዮም።” ናበሉ ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳኦም እንትይነዝሑ ንርእይ (ካብ ደቒቓ 24:12 ጀሚርካ ምስማዕ ይክኣል)። ዞም ‘ጳጳስ’ ኣብ ዓውደምህረት “ትግራዋይነት ኣብ ደመይ እንተ ዝይህልወኒ ነይሩ፡ ብ ስሪንጋ መውፃእኹዎ ነይረ” ክሳብ ዝይብል፡ ኣይኰነን መንፈሳዊ ‘ኣቦ’ መዕበዪኡ ዝበደሎ ሰብ እኳ ዘኢይዛረቦ፡ ፍፁም ኢሰብኣዊን ዘርኣዊን ብደዐ ዝይዛረቡ፡ ክህነቶም ክይሕደጉን ክይውገዙን ናተገበኦም፡ ዋንና ፅሓፊ ሲኖዶስ ኰይኖም ክየገልግሉ እዮም ተሓርዮም። ዙይ፡ ዘርኣዊነት ኰነ ኢመንፈሳዊነት ዞም ‘ጳጳስ’፡ ታ ቤተ ክህነት ከም ዝትቕበሎ እዩ ዝየርእይ። 
  1. ቤክኦተኢ ኣብ ትግራይ ይበፅሕ ዝነበረን ዘሎን ህልቂትን ብርሰትን ከም ዝትድግፍ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ወርሒ ጕንበት 2013 ዓም ን ዴኒስ ዌድሊ ዝተባህለ ወፃእተኛ ዝውሃቡዎ ቃል የርእይ። ብ ስልኩ ቀዲሑ ን ዓለም ኣብ ዝዘርገሖ ቃለ መሕትቶም ኣብ ክልል ትግራይ ስለ ዘሎ ኲናት ዝውሃቡዎ ርእይቶ ናብ ህዝቢ ከኢይበፅሕ ብ ተደጋጋሚ ከም ዝተዓፈነ ይገልፁ፥ ብ ካህናት 5 ኪሎ ዝበፅሖም ዓመፅን ውግዘትን የርእዩ።። ናይ ሽዑ ዋና ፅሓፊ ‘ቅዱስ ሲኖዶስ’ ቤክኦተኢ ዝነበሩ ‘ኣቡነ’ ዮሴፍ ን ቱ ቃል መሕትት ኣቡነ ማትያስ ስዒቦም፡ ቅዱስ ፓትርያርኩ ዝውሃቡዎ መግለፂ ናይ ውልቆም እምበር ን ቤክኦተኢ ከም ዘኢይውክል ኣብ ‘የ ኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት’ ዕላዊ ገፅ ፈይስቡክ፣ ኣብ EOTC TV ከምኡ እውን ኣብ ኵለን መንግስታዊን ኢመንግስታዊን ሚድያታት ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር። ዙ መግለፂ ቤተ ክህነት ቤክኦተኢ ን ቱ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ይበፅሕ ዝነበረን ዘሎን ህልቂትን ብርሰትን ከም ዝትድግፎ ህያው ምስክር እዩ። ብዙሕ ጊዜ ጳጳሳት፣ ካህናትን ዲያቈናትን ቤክኦተኢ ኣብ ሚድያታትን ዓውደምሕረታትን ዝገበሩዎም ኲናትን ፅንተትን ዝየልዓዕሉ ዘረባትታ እንትይልዓል “ውልቀ ሰባት እምበር ቤተ ክህነት ቤክኦተኢ ኣይይውክሉን” ናበሉ ክይሽፍጡ ን ዝይፍትኑ ኣምሰሉታት ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 6፡7 “ኣይትስሓቱ እግዚኣብሄር ኣይይዕሸውን” ከም ዝበሎም ን ዓለም ብ ሓሶትን ምጭብርባርን ክተእምኑ ዋላ እንተ ፈተንኩም ዝፈፀምኩምዎ ክሕደትን ጭካነን ግን ካብ ዓይኒ ኣምላኽ ዝተሓብአ ኣይኰነን እሞ ስሕተትኩም ኣሚንኩም ኣብ ክንዲ ምንሳህ ደጋጊምኩም ኣይትስሓቱ ክንብሎም ንፈትው። ቱ ምንታይ ሲ ኲናት ፅንተት ን ዘወገዙ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣይይውክለንን ኢላ ክተብቅዕ ጁንታ ካብ ዝገዝአና ሸይጣን ክይገዝአና ይሕይሸናብ ሓዊ ክነጥምቖም እይናዝብኢ ካብ ዝበልዐና በሊዕናዮም ንቀደስቀደሙ እውን ባንዳ ኰይኖም ሃገር ይወግኡ ዝነበሩን ትውልዲ ብ ምቕታል ኣብ ዙይ ዝበፅሑን ንሸይጣን ዝይግብሩ ርኹሳት መናፍስቲ እዮምካብ ገፅ ምድሪ ክይጠፍኡ ኣለዎምሕፍኒ ዘኢይመልኡ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ መርዛማት ኲናት ፅንተት ዝየልዓዕሉ ዘረባትታ ይነዝሑ ን ዝነበሩ ፋሺስታዊያን ዝዀኑ ኣገልገልታ ግን ምንም ከኢበለት ምሕላፋ ን ቱ ኲናት ፅንትተ ትግራይ ዝትድግፎ ምዃናን ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ዝበፅሐ በደል ከም ዝትድግፍን መርኣያ እዩ። 
  1. ቤክኦተኢ ን ቱ ኲናት ዘኢምውጋዛ ከኢይኣክል፡ ክህነት ዝተቐበሉ ኣገልገልታ ካብ ዲያቈን ክሳብ ኣቡናት (‘ጳጳሳት’) ናይ ቱ ኲናት ዋንናታት መጕሃሃርቲ ኰይኖም ኣገልጊሎም ጥራሕ ዘኢኰነ ስ፡ ኣሜሪካ ቱ ኲናት ደው ን ኽይብል ፀቕጢ ትገብረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ዋንና ፅሓፊ ቤክኦተኢ ዝዀኑ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝይርከቡዎም 12 ‘ጳጳሳት’ ተወኪላ ናብ ዋይት ሃውስ ደብዳበ ብ ምልኣኽ “ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰጕሞ ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳይ ሚዛናዊ ክዀን ኣለዎ” ብ ዝይብል ቱ ኲናት ን ኽይቕፅል ተማሕፂና እያ። ዞም ‘ጳጳሳት’ ን ሴናተራት ኣሜሪካ ካብ ዘቕረቡዎ ምሕፅንታ፡ ጁንታ መፍረሲ ሃገር ስለ ዝዀነን ኲትና ትግራይ ጕድዳይ ውሽጢ ዓድዲ ስለ ዝዀነን ኣሜሪካ ኣብ ልኡላዊነት ሃገርና ኣይትእተዊሰብአዊ ረድኤት ናብ ትግራይ እንተ ኣትዩ ጁንታ ስለ ዝይጠናኸር ረዲኤት ኣይትልኣኹ፤ ሰራዊት ኤርትራ ኣቲዉ ኣሎ ከምኡ እውን ደቅቂ ኣንስትዮ ተዓሚፀን ዝይብል ፕሮፖጋንዳ ብ ጁንታን ደገፍቱን ዝይንዛሕ ሓሶት እዩ፤ ወታደራት ኢትዮጵያ ብ ስርዓትን ዝይምርሑን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብ ዕቃበ ሰላም ፅቡቕ ስም ዝየትረፉንስለ ዝዀኑ ደቅቂ ኣንስትዮ ዓሚፆምም፥ ንፁሃት ረሺኖም ዝይብል ናይ ፀለመ ክስሲታትኩም ደው ኣብሉ፣ ብ ስም ሰብኣዊ ግህሰት ማዕቐብ ካብ ምንባር ተቘጠቡ ዝይብሉን ካልኦትን ይርከቡዎ። ብ ተወሳኺ ቅድመ ኲናት ብ ብ ሕሹኽሹኽታ ትገብሮ ዝነበረት ፀረ ተጋሩ ስብከታት ኣብ እዋን ቱ ኲናት ፅንተት ብ ግልፂ ኣብ መልላእ ታ ሃገር ኣብ ዝይርካባ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዓውደምሕረታተን፡ ተጋሩ ፀረ ኦርቶዶክስን ፀረ ኢትዮጵያን እዮም ኢላ ብ ምስባኽ ህዝቢ ጭካነን ኣረመኔነትን ክይላበስ ብ ምግባር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይቕረ ዘኢይበሃል በደልን ክሕደትን ፈፂማ እያ። 
  2. ቤተ ክህነት ቤክኦተኢ ናይ ቱ ኲናት ፅንተት ባዕልቲ ዋንና ምዃና ዝየርእይ ኣብ ልዕሊ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ሩኣህናት ዝፈፀመ ቶገበን እዩ። ኣብ መላእ ታ ሃገር ኣብ ዝይርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት የገልግሉ ዝነበሩ ካህናት ተጋሩ ብ መንነቶም ምኽንያት ሓቢሮምዎም ብ ዝየገልግሉ ካህናትን ናይ ንስሃ ደቅቆምን ተጠቊሞም ክይእሰሩ፣ ክይንገላትዑን ካብ መሓውር ታ ትካል ክይውገዱን ካብ ዝየገልግልሉ ደብሪ ክይባረሩን ብ ምግባር ኣብ ከክንደኦም ናትና ዝይብሉዎም ካህናት ብ ኣማኢት ኣሽሓት ጕቦ ናኽፈሉ ተኪኦምዎም እዮም። ብ ተወሳኺ ዛ ትካል ብ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራ ብ ሓይሊ ዝተወረረ ካብ ተን ሸውዓተ ናይ ትግራይ ሃገረ ስብከታት ሓደ ዝዀነ ሃገረ ስብከት ሑመራ ፡ ናብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ጎንደር ኽይጠቓለል ን ምግባር ፖለቲካዊ ውሳነ ን ምውሳን ጊዜ ኣይወሰደላን። ብ ተወሳኺ ዞም ኣይትሓስው ዝይብል ቃል ኣምላኽ ን ምትሕልላፍ ጋእ ዘኢይብሉ ናይ ዛ ቤተ ክህነት ኣባላት ዝዀኑ ‘ሊቃነ ጳጳሳት’ ህዝቢ ትግራይ ዘኢጠየቕናዮ ን ትግራይ ምኽያድ ይክኣል ስለ ዘኢነበረ እዩ ኢሎም እኳ ክየባጭዉ እንተ ተሰምዑ እንተ ንኣሰ ቱ መዳርግቲ ዘየብሉ ጭካነ ይፍፀመሉ ዘሎን ዝኸፍአ ፅንተት ይቕበል ዘሎ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ እኳ ሲ ክይጥዪቕዎን ኣብ ልዕሊኡ ን ዝይፍፀም ባርባራዊ ግፍዒ ዓገብ ክይብሉን ኣይተርኣዩን። ካሊእ ሲ ይትረፍ ን ቱ ኣብ ሱዳን ተሰዲዱ ዝኸፍአ ናብራ ይመርሕ ዘሎ ኣስታት 70000 ዝይፅጋዕ ህዝቢ ትግራይ እኳ ስ ክየፅናዕንዑዎ፣ ዝይግልገለሉ ቤተ ክርስቲያን ክይሃንፁሉን መምህራን ክይምድቡሉን ይትረፍ እሞ፡ ታቦትን ካልኦት ን ኣገልግሎት ዝየድልዩ ንዋያተ ቅዱሳት ከኢይይረክብ ዕንቅፋት ክይዀኑዎ እዮም ተርእዮም። ቱ ምንታይ ሲ ባህጊ ታ ቤተ ክህነት ፅንተት ተጋሩ ምርኣይ ስለ ዝዀነ።
  3. ቤተ ክህነት ቤክኦተኢ ኢሻራዊት ኰይና ኣብ ክንዲ ቱ ኲናት ፅንተት ክይሃድእ ፃውዒት ዝተቕርብን ፀቕጢ ዝተሕድርን ወገናዊነት መሪፃ ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ተረኽ ተቐቢላ ኣብ ናይ ባዕላ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝዀኑ ገፅ ፌስቡክ “የኢኦተቤክ የመገናኛ ብዙኃን ሥርጭት አገልግሎት ድርጅት” ከምኡ እውን ኣብ EOTC TV ን ቶም ተወረርቲን ግዳያትን ዝዀኑ ተጋሩ ወረርቲን ኣሸበርቲን እዮም እናበለት ትጕስጕስ ነይራ (ኣኔክስ 3 ርአዩ)። 
  4. ቤተ ክርስቲያን ምስካየ ሕዙናን (ን ዝተበደሉን ን ዝሓዘኑን መረጋግዒትን መፅናዕንዒትን) ምዃና ይፍለጥ። ካብ ቶም ዓምዲ ኣስተምህሮታታ ድማ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 25፥ 35-36 ዝንረኽቦ፦ “ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፡ ፀሚአ ኣስቲኹምኒ፡ ጋሻ ኰይነ ተቐቢልኩምኒ፡ ዓሪቐ ኣልቢስኩምኒ፡ ሓሚመ ጠዪቕኩምኒ፡ ተኣሲረ እግዚአብሔር ይፍታሕኻ ኢልኩምኒ ዶ?” ዝይብል ቃላተ ወንጌል እዩ። ቤክኦተኢ ን ተጋሩ ምስካየ ሕዙናን ዘኢኰነት ስ፡ ናይ ሓዘኖምን ᎀቶምን ፍልፍል ኰይና እያ ተኸሲታ። ቱ ምንታይ ሲ ህዝቢ ትግራይ ብ ሰንኪ ዕፅዋን ክብባን፥ ስኣን ምግቢን መድሓኒትን ህንፃ ስላሴ ዝዀኑ ምእመናን ብ ከንቱ ን ኽይᎀቱ እንትይፍረዱ፡ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊ ሓላፍነታ ትፍፅም ኣበጀኹም ብ ምባል ኣብ ጐንኒ እቶም ፅንተት ዝፈፀሙ ተሰሊፋ። ዛ ትካል ኣብ ክንዲ ዝጠመየ ተብልዕ፣ ዝፀምአ ተስትይ፣ ዝዓረቐ ተልብስን ዝሓመመ ትጥይቕን፡ ምስ ቶም ምእንቲ ተጋሩ ዝይብላዕን ዝይስተን ረኺቦም ሂወት ከኢይሰርዑ ኣብ ዓለምና ቱ ዝነውሐ ክብባን ዕፅዋን ዝተግበሩ ጨካናት ብ ምስላፍ ቱ ዕፅዋ ን ኽይጠናኸርን እቶም ፀረ ኦርቶዶክስ እዮም ዝይብሉዎም ምዕራባውያን፡ “ሰብ ይሃልቕ ኣሎ” ኢሎም ን ዝሰደዱዎ ርዳእታ እውን ን ትግራይ ኣይትስደዱ ን ምባል ክሳብ ናብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣሜሪካ ሊቃነ ጳጳሳታ ብ ምልኣኽን ኣብ ዓውደምሕረታታ ምእመናና ብ ምስባኽን ብ ሰንኪ ስእነት ምግቢን መድሓኒትን ኣማኢት ኣሽሓት ህንፃ ስላሰ ዝዀኑ ምእመናን ብ ከንቱ ን ኽይᎀቱን ን ዝኸፍአ ሕማማት ክይሳጥሑን ዓብዪ ኣበርክቶ ገይራ። ዛ ትካል ኣብ ክንዲ ዝተኣሰረ ምጥያቕን ጋሻ ምቕባልን ኣብ መላእ ታ ሃገር ኣብ መሓዉራ ዝነበሩ ተጋሩ ካህናትን ምእመናንን ብ መንነቶም ተሃዲኖም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክይኣትዉ፣ ክይንገላትዑን ክይᎀቱን ዓብዪ ኣበርክቶ ገይራ። ብ ተወሳኺ ቤክኦተኢ ኣስታት 800 ዝይኣኽሉ መነኰሳት ዋልድባ ኣብ ፆመ ኣርብዓ ካብ ገዳሞምን ብዓትታቶም እንትይስጐጉ ብ ፅሑፍ ይዅን ብ ቓል ኣየወገዘትን፣ ኣደዳ ጨካናት ዕጡቓትን ናይ በረኻ ኣራዊትን እንትይዀኑ ከምኡ እውን ኣብ ፈቘድኡ መፅለሊታት ስኣን ዝይብላዕን ዝይስተይን ሂወቶም እንትይሓልፍ ኣበይ ኣለዉ፥ እንታይ ኰን ኰይኖም ይዀኑ ኢላ ሃለዋቶም ኣይሓተተትን። ቱ ምንታይ ሲ መፈናቐሊትን ክይፈናቐሉ ገባሪትን ባዕላ ዛ ቤተ ክህነት ስለ ዝዀነት እዩ።
  5. ቤክኦተኢ ኣብ መልላእ ዓለም ብ ዝይርከቡ ጳጳሳታ ገይራ ኵለን ኣህጕረ ስብከትን ኣብ ትሕቲአን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያንን ን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክየዋፅኣ ሰርኩላር ደብዳበ ብ ምፅሓፍ ን ፅንተትን ብርሰትን ተጋሩን ትግራይን ድጋፍ ክየተኣኻኽቡ፣ ህዝቢ ትግራይ ን ኽፀንት ኣብ ኣደባባያት ዓለም ወፂኦም ሰልፍታት ክይመርሑን ክይባርኹን ገይራ። ን ኣብነት ዋንና ፅሓፊ ‘ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ’ ዝዀኑ ‘ኣቡነ’ ጴጥሮስ ምጥቃስ ይክኣል።
  6. ካብ ጥቅምቲ 2013 ዓም ክሳብ ሕዚ ን ኣስታት 3 ዓመታት ኦርቶዶክሳውያን ተጋሩ ብ ድምቀት ዝየብዕሉዎም ዓመታውያን ብዓላት ሕዳር ፅዮን፣ ኣቡነ አረጋዊ ደብረዳሞ፣ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ፣ ልደት፣ ጥምቀት፣ ትንሳኤ፣ ፍልሰታን ኣሸንዳን፣ ቅዱስ ዮውሃንስን መስቀልን ከኢየኽበሩ ብ መርሸንቲ፣ ብፆታዊ ዓመፅ፣ ብ ብርሰትን ምዝበራን ንዋያቱ፣ ብ ደብዳብ ድሮንን ቍምብላታትን ኣብ ከቢድ ናይ ህልውና ሓደጋ እንትይወድቁ ፡ ቤክኦተኢ ብ ሰንኪ ተጋሩ ተኸፊሉ ዝነበረ ሲኖዶስ ሓደ ኰይኑ ኣሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ነፃነታ ረኺባ ኣላ፣ ኣብዪ ካብ እግዚኣብሔር ዝተልኣኸ ነብዪ ዶ ሙሴ ዶ ብ ምባል፡ ሽሕ ዓመት ንገስ ናበለት ን ጨፍጨፍቲ ተመስግን፥ ትድግፍን ካባ ተልብስን ነይራ።
  7. ብ መሰረት ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀፅ 5 ፍቕዲ 164 ‘ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ’ ኣብ ዓመት 2 ግዜ (ጥቅምቲን ጕንበትን) ዝይእከብ እንትይዀን ኣብ 2013፣ 2014ን 2015 ዓም ብ ጠቕላላ ን ኣስታት 5 ግዜያት እንትይእከብ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኦርቶዶክሳውያንን፣ ጥንታውያን ገዳማትን ቅርሲታትን ስለ ዝበፅሐ ፅንተትን ዕንወትን ብፂፅ ኣይበለን ዘኢኰነ ስ ናይ ቶም ውሽጣውያንን ደጋውያንንን ባርባራውያን ሓይሊታት ደጋፊት ኰይኑ ተኸሲቱ። ዙይ እንትንብል ኣብ ዘን ዝተጠቕሳ ዓማውቲ ዝተፀውዐ ኣኼባ ቀዋሚ ሲኖዶስ ናብ ቍፅሪ እንተ ኢኣእተውና እዩ። ዛ ቤተ ክህነት ኣብ ግዜን ድሕሪን ቱ ኲናት ፅንተት ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ቅድሚኡ እውን ፀረ ተጋሩ ከም ዝዀነት ሓደ መርኣያ ን ምውሳድ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝይመፅእ ጀሚሩ አቡነ እንባቆም ዝተብሃሉ ሊቀ ጳጳስ ገዳማት ሀገረ እየሩሳሌም፡ ን ተጋሩ መነኰሳት ፓስፖርቶም ኣሕዲጎም፣ ሰብአዊ መሰሎም ቀንጢጦም፤ ቤተ ክርስቲያን ኣቲዎም ንኸኢይቕድሱ ከምኡ እውን ምእመናን ኣብ ደገ ሰላም ከኢይቐርቡን ስጋ ወ ደሙ ከኢይቕበሉን ኪዳን ከኢየብፅሑ እንትይኸልኡዎም ጥርዓን ዞም ዝተበደሉ ተጋሩ መፍትሒ ክትውህብ ኣይተረኣየትን ኣይደለየትን እውን። ብ ተወሳኺ ካብ ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ትግራይ ብ ዝተዋደደ ወፍሪ ጥንታውያን ብራናታትን ንዋያተ ቅዱሳትን ናብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን እንትይግዕዙን ኣብ ዕዳጋ ዓለም (ኣብነት ኢበይ) ወፂኦም እንትይሽየጡን ኣይዓጀባን።
  8. ቤክኦተኢ ናተይ ዝትብሎም ማሕበረሰባት ኰኑ አብያተ ክርስቲያን ጥቕዓት በፂሑዎም እንትይበሃል ካብ ካዝናኣን ካብ ምእመናንን ሓገዝ ብ ምትእኽኻብ ርዳእታ ብ ምቕራብን ዝፈረሱ ብ ምፅጋንን ዝትፍለጥ እንትትዀን፡ ኣብ ዝሓለፉ 2 ዓመታት ብ ሚድያኣ ዕላዊ ዝገበረቶ ብ ቢልዮናት ዝይቝፀር ሓገዝ ኣብ ኣኔክስ 1 ምርኣይ ይክኣልዛ ቤተ ክህነት ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2014 ዓም ጕባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብ ኲናት ን ዝተጐድኡ ርዳእታ ዝይውዕል ኢላ ዝበጀተቶ 50000000 ብር፣ ሚያዝያ 2013 ዓም ብ ስም “ተፈናቐልቲ ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን” ዝተኣከበ ኣስታት 350 ሺህ ዶላርን ጥርሪ 2014 ዓም ካብ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ን ተፈናቐልቲ ዝተኣከበ ኣስታት 15 ሚሊየን ብርን ካብ ጎሮሮ ቱ ዋና ግዳይ ቱ ኲናት ፅንተት ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ መንጢላ ኣብ ደብረ ብርሃን፣ ወልድያን ዋግኽምራን ን ዝይርከቡ ተፈናቐልቲ ጥራሕ ክትዕድሎ መሪፃ።
  9. ቤክኦተኢ ናተይ ዝትብሎም ማሕበረሰባት ኰኑ አብያተ ክርስቲያን ጥቕዓት በፂሑዎም እንትይበሃል ብ ቀዋሚ ሲኖዶስን ብ ዝተፈላለዩ ‘መንፈሳዊ’ ውዳበታትን ማሕበራታን ኣቢላ መግለፂ ብ ምውፃእ ትዅንን፣ ጳጳሳትን መምህራነ ወንጌልን ልኢኻ ን ግዳያት ተፅናዕንዕን፣ ሕልልፍ እንትይብል ድማ ናይ ሰማዕትነት ካባ ተላብስን ዘርአዊትን ኣድላዊትን ቤተ ክህነት ስለ እያ። ዘርኣዊነት ዛ ቤተ ክህነት ን ምዕዛብ፡ ድሕሪ ምዝዛም መበል 40 ዓመት ዓለም ለኸ ሓፈሻዊ ሰበኻ ግባኤኣ፡ ኣብ 11 ጥቅምቲ 2014 ዓም ዘውፅአቶ መግለፂ ምርኣይ ይክኣል። ኣብ ቍፅሪ 8 ቱ መግለፂ ከም ዝይስዕብ ብ ምባል ዛ ቤተ ክህነት ክንደየናይ ዘርኣዊትን መንፈሳዊነት ዝርሓቓን ከም ዝዀነትን ህዝቢ ትግራይ ከም ዘኢናታ ከም ዝትርእዮን ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮምያን ጕድኣት በፂሑዎም ዝበለቶም ኣብያተክ ርስቲያናትን ምእመናንን እንትትዝርዝር ህዝቢ ትግራይን ገዳማት ትግራይን ኣየካተተትን ብ ኣምሓርኛ ከም ዙይ ኢላ “4በወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሑመራ ፣ ማይካድራ ምዕራብ ጎንደር ፣ መተማ ሰሜን ጎንደር ፣ ጭና አቡነ ተክለ ሃይማኖት ማእከላዊ ጎንደር ፣ በደቡብ ጎንደር ጨጨሆ መድኃኔዓለም ፣ ሰሜንና ደቡብ ወሎ ዋግ ሕምራ ራያና ኰረም ፣ በጅማ በሊሙ ኰሳ በሊሙሰቃ ወረዳዎች ፤ በሰሜን ሸዋ በአጣዬ በሸዋሮቢት በካራ ቆሬ በማጀቴ አካባቢዎች አብያተ ክርስቲያናት ተቃጥለዋል፡፡ የቤተ መቅደስ ካህናት ካህኑ ዘካርያስ በቤተ መቅደስ በተሰዋበት አምሳል በአገልግሎት እንዳሉ ጭምር ታርደዋል፡፡ ምእመናንና ምእመናት በሀገራችን ታሪክ ታይቶና ተሰምቶ በማይታወቅ ፆታ ሳይለይ እመጫቶችን ነፍሰጡሮችን ግራና ቀኝ ፊትና ኋላ እሳትና ውኃ የማይለዩ ሕፃናት በአሰቃቂ ሁኔታ እንዲገደሉና ብዙዎች ሀብት ንብረታቸው ወድሞባቸው ለስደት እንዲዳረጉ ሆኗል፡፡ ለብዙ ዘመናት የተገነቡ ከተሞች የሕዝብና የሀገር ሀብት ወድሟል፡፡ የተቀጠፈው የሰው ሕይወት የወደመው የሐብት መጠን በውል ማወቅ ካልተቻለበት ሁኔታ በቤተ ክርስቲያን ላይ ሊተካ የማይችል ዘግናኝ ኪሳራ ደርሷል፡፡”
  10. ጃንሜዳን መስቀል ኣደባባይን ካልኦት ኣመንቲ ተጠቒሞምሎም ኢላ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝትፅውዕን ብ መግለፂታት “ቤተ ክርስቲያን ተደፊራ” ናበለት ፖለቲካዊ ድሌታታ ብ ሃይማኖት ላዕጢጣ ሓዙኒ ስደዱኒ ን ዝትብል ቤክኦተኢ፡ ህልቂት 600000-800,000 ስቪልያን ተጋሩ፣ ተዓምፆት ልዕሊ 120,000 ንፁሃት ኣዴታትን ደናግልን ብ ዕስለ ሰራዊት ከምኡ እውን ብርሰትን ምዝበራን ብ ኣሽሓት ዝይቝፀሩ ኣብ ትግራይ ዝይርከቡ ታ ሃገርን ቤተ ክህነትን ዝትፍለጠሎም ጥንታውያን ገዳማት፥ ኣድባራትን ቅርሲታትን ን ኣጀንዳነት ቅዱስ ሲኖዶስ ኰነ ን ዜናነት እኳ ስ ዝይበቕዑ ኣይኰኑዋን። ክሳብ ዛ ዕለት ኣብ ትግራይ ዝይርከቡ ምእመናን ተቐቲሎም ወይ ድማ ተደፊሮም፣ ኣብያተ ክርስቲያናይ በሪሰን ወይ እውን ተመዝቢረን ኢላ መግለፂ ዘኢምውፅኣ፡ ክይዀን ዝትደልዮን ተዓጢቓ ዝሰረሐትሉን ስለ ዝዀነ እዩ። ን ዙይ ከም መርኣያ ዝይዀን ብ ኣሽሓት ዝይቝፀሩ ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ እንትይርሸኑ ብፂፅ ዘኢበለት ናተይ ዝትብሎም ካህናት እንትᎀቱ ግን ጳጳሳት ኣሰሊፋ “ባዕል ሃፀይ ምንሊክ፣ ባዕል በላይ ዘለቀ ካብ መቓብር ወፂእኹም ኣድሕኑና” ዝይብል መልቀስ እንትተጋውሕ ተዓዚብና እይና። ናተይ ዝትብሎም ኣብያተ ክርስቲያን እንትይዓንዉ ብ መግለፂ ክትኵንኑን ን መህነፂኡ ድጋፋት ክተተኣኻኽብን ምርኣይ፣ ምእመናን እንትይᎀቱ መግለፂ ሓዘን ምውፃእን ሕልልፍ እንትይብል እውን ናይ ሰማእትነት ካባ ክተልብስ ምርኣይ ልሙድ እኳ እንተ ዀነ ኣብ ትግራይ ን ዝተፈፀመ በደል ግን ሽፋን ክትውህቦ ስ ይትረፍ ተበደልቲ በደሎም እንትየጋውሑ እውን ሓሶት እዩ ብ ምባል ሰላማዊ ሰልፊ ዝትፅውዕ ጕዳም እያ። ታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘውፅአቶም መግለፂታት ኣብ ኣኔክስ 2  ምርኣይ ይክኣል 
  11. ሲኖድስ ኢትዮጵያ ፅንተት ተጋሩን ብርሰት ትግራይን ደው ን ኽይብል ፃውዒቱ ን ኽየቕርብን ን ክይዅንን ኣብ ውሽጢ ዓድዲን ወፃኢን ዝይርከቡ ማሕበረ ካህናት፣ ማሕበረ ምእመናን፣ ማሕበረ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን፣ ማሕበረ ምሩቓን ነገረ መለኰትን ብ ተደጋጋሚ ን ዘቐረቡሉ ምሕፅንታ ከም ዘኢሰመዐን ከም ዘኢርኣየን ሓሊፉ እዩ። እግዚኣብሄር ምሕረቱ ን ኽይልእኸልና ቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ይፍፀም ዘሎን ᎀትን ፆታዊ ዓመፅን ኣደታት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ፣ ብርሰትን ምዝበራን ጥንታውያን ገዳማትን ቅርሲታትን ን ምዅናንን ን ምዝካርን ዝዓለመ ካብ ግንቦት 17-19/2013 ዓም “ፆመ ትግራይ” ኣብ ዝተኣወጀሉ ከም ቱ ን ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ “ሓደ እምነት እይና” ኢላ ዝትኣምን እንተ ትዀን (እንተ ትዀን ዝይብል ይሰምመረሉ) ትግራይ ን ዝወረዳ መዓት መሰረት ብ ምግባር ን ዝትፅወሞ ” ፆመ ትግራይ” ፆመይ እዩ ኢላ ምኣወጀትን ሓቢራ ምፆፅወመትን ነይራ። ዛ ኣምሰሉ ትካል ግን ምፅዋም ያ ቀኖና ዝየጥሕስ ኰይኑ ስ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ተጥሒሱ ኢላ ኣብ ልዕሊ ቶም ብ ፅልኢ ተጋሩ ዝተነደፉ ኣመንታ ናይ ፅልኢ ቤንዚን ክተርከፍክፍ እያ መሪፃ። ቱ ብ ጣዕሚ ዝይገርም እዛ ኣምሰሉ ትካል (ሓምት/ቲዲኤፍ) ኣብ በዓለ ሓምሳ ንባዕላ እንትኾን ካብ ጕንቦት 15-22/2013 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝይርከባ ኣስማት ገዳማት ዘርዚራ ፆም ምእዋጃ እዩ። ዙይ ዝየርእየካ ዛ ትካል ፍፁም ዘርአዊትን መንፈሳዊነት ዝርሓቓ ድፏዕ ፋሽስታውያን ምዃና እዩ። ብ ሓቅቂ ብ ቀኖና ዝትኣምንን ዝተተግብርን እንተ ትዀን ብ መሰረት 5ይ ቀኖና ጐባኤ ዘኒቅያ (ዘሰለስቱ ምእት) “…ቱ ኤጲስ ቆጶስ ብ ቂምን ቍጠዐን ኣብ ልዕሊ ካሊእ ክፍኣት እንተ ገይሩ ክህነቱ ይተሓደግ” ከም ዝይብሎ ቶም ብ ቒምን ዝኽሓነ ፅልኢትን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፅንተት ኲናት ዝይሰብኩ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ዲያቆናትን መምህራነ ወንጌልን ኣወጊዛ ምፈለየቶም ወይ ድማ ቀኖና ምውሃበቶም ነይራ። 
  12. ተጋሩ ኣቦታት ን ታ ዙ ኵሉ ክትገብር ን ዝፀንሐትን ዘላን ቤተ ቤክኦተኢ፡ ን ዝፈፀመቶ በደል ይቕረታ ን ኽትሓትት፣ ን ዘጥፍኡ ኣገልገልታ ድማ ቀኖና ን ኽትውህብ ብ ተደጋጋሚ ዋላ እኳ እንተ ተማሕፀኑ፡ መራሕቲ ቤክኦተኢ ብ ትዕቢት መልሲ ብ ዘኢምውሃቦም ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕትቶና ዘኢትምልሱ እንተ ዀይንኩም ምሳኹም ዝነበረና መንፈሳዊን ምሕደራዊን ርክብ ደው ኣቢልና ናይ ባዕልና ቤተ ክህነት ክንምስርት እይና እንትይብሉ ኣበይ ከኢይበፅሑ እዮም ብ ዝይብል ንዕቐት ከም ቅዉም ነገር ኣይቈፀሩዎን። ዙ ንዕቐት ትግራይ ስለ ዘድከናያ ህዝባ ዝየዋፅኦ መባእ ስለ ዘየብሉ ኣይይጐድአናን ካብ ዝይብል ስጋዊ ትንተና ዝይብገስ ከም ዝዀነ፡ ቅድም ክብል ቤተ ክህነት ኦሮምያ ተጣዪሹ እንትይበሃል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ጳጳሳት ኦሮሞ ኤጲስ ቆጶሳት ሸይሞም እንትይበሃል፡ ዘርአዩዎ “ቤተ ክርስቲያን ተደፈረች” ዝይብል ዋይታ ታ ትካል ክንደየናይ ፍፁም ስጋዊት፣ ዘርኣዊትን መንፈስ ቅዱስ ዝርሓቓን ድፏዕ ፖለቲካ ናይ ምዃናን ምስክር እዩ። ቱ ምንታይ ሲ ብ ናይ ታ ቤተ ክርስቲያን ኣስተምህሮ፡ ቤተ ክርስቲያን ማለት 1) ብ ጐይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ/ና ኣብ ኣርብዓን ኣብ ሰማንያን ብ አብ ብ ወልድ ብ መንፈስ ቅዱስ ዝተጠምቐ/ት ሕድ ሕድ ምእመን፣ 2) ማሕበረ ምእመመናን፣ 3) ምእምናን ተኣኪቦም ዝይፅልይሉ፥ ን እግዚአብሔር ዝየመስግንሉ፥ ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍፅምሉ፡ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝይፍፅሙሉ ቦታ ስለ ዝዀኑን ዞም ሰለስተ ነገራት ኣብ ትግራይ ብ ምሉእነት ን ኽይጠፍኡ እንትይስራሕ “ቤተ ክርስቲያን ተደፈረች” ዘኢበሉ ደሪቦም ኣብ ዝሓዝዎ ኣህግረ ስብከታት ዝቃፀፁዎም ኤጲስ ቆጶሳት ብ ምሽያሞም “ቤተ ክርስቲያን ተነካች” ብ ዝይብል ፖለቲካዊ ምስምስ ሃገር ምድሩ ፀሊም ኣኽዲኖም ንብዓት ሓርገፅ ክይነብዑ ተርእዮም እዮም። ን ዚኦም እዩ እግዚኣብሄር ን ነብዪ ሕዝቅኤል “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም” ብ ምባል ኣብ ትንቢት ሕዝቅኤል 34፥ 2 – 4 “ን ቶም ን ርእሶም ጥራሕ ዝይጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! ቶም ጓሶት ሲ ን ተን ኣባጊዕ ዶ ኣይኰኑን ዝይጓስዩ? ን ቱ ስቡሕ ትበልዑ፣ ፀምሪ ትኽደኑ፣ ን ቱ ዝሰብሐ ትሓርዱ፣ ን ቱ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ን ዝሓመቓ ኣየበርታዕኹምን፣ ን ዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣ ንዝተሰብረት ኣይፀገንኩምን፣ ን ዝተባረረት ኣይመለስኩምን፣ ን ዝጠፍአት ኣይደለኹምን፣ ብ ሓይልን ብ ትርርን ድኣ ገዛእኹምወን።” ኢሉ ዝይግስፆም። ምኽንያቱ ቤክኦተኢ ኣብ ክንዲ መንፈሳዊነት ዓለማዊ ጥቕሚ ብ ምስላሕ ምእመናን ካብ ገፅ ምድረ ክሳብ ምጥፋእ፣ ጥንታውያን ገዳማትን ቅርሲታትን ክሳብ ምዕናውን ምምዝባርን ጋእ ዘኢትብል፡ ካብ መንፈሳዊ ሃዲዳ ዝወፅአት ትካል ብ ምዃናን ካብ ተዃሉ ክትሕልዎም ዝይግባኣ ምእመናን በቲና ሕልሉፍ ሓልሊፉ ቈርበት ቶኹላ? ወድያ? እንትትበልዕ፣ ከምቲ መዝሙረኛ ዳዊት ኣብ መዝሙር 122:1 “ን ቤተ እግዚአብሔር ንኽይድ ምስ በሉኒ ደስ ኢሉኒ” ዝበሎ ናበሉ ዝዓበዩ ምእመናን ካብ ቤተ እግዚአብሔር ክይርሕቑን ሃልዎተ እግዜብሔር ክይጠራጠሩን እንትትገብር፣ ዙ እኵይ ተግባር ደው ንምባልን ምእመናን ካብ ምብታን ን ምንጋፍን ቤተ ክህነት ምምስራትን ጥንታዊ መንበር ናብ መረበቱ ምምላስን ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምጥሓስ ዘኢኰነ ስ፡ ቱ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 21፡ 15-17 ጐይታ ን ስምኦን ጴጥሮስ “ዕያውተይ? ኣብልዕ … ኣባጊዐይ ሓሉ …ኣባጊዐይ ኣብልዕ” ኢሉ ዝውሃቦ ናይ ኖላዊነት ሓደራ ምፍፃም እዩ። 

መጠቓለሊ

ብ ዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮምን ካልኦት ብዙሓት ምኽንያታትን ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ‘ኢትዮጵያ’ ተጋሩ ምእመናን ክይጠፍኡ፣ ካብ ቤተክርስቲያን ክይርሕቁ፣ ን ሃይማኖት ኣቦታት ዝነበሮም ክብርን ኣመለኻኽታን ክይጠፍእን ክይበላሸውን፣ ብ ናይ ቤክኦተኢ ኣቦታት ጭካነን ኢክርስቲያናዊ ተግባራትን ዘረባታትን ሃልዎተ እግዚአብሔር ክይጠራጠሩን ሃይማኖቶም (ኦርቶዶክስ) ክይፀልኡን ብ ምግባራ ኦርቶዶክሳውያን ተጋሩ ምስ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ‘ኢትዮጵያ’ ዘለዎም ርክብ ክይቋረፅ ስለ ዝገበረትን ጥንታዊን ታሪኻዊን መንበር “መንበረ ሰላማ” ዳግማይ ን ክትንስእን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። 

ብ ዛዕባ መንበረ ሰላማ ዓርሱ ክኢሉ ኣርእስቲ ተትሒዝሉ ክይፅሓፈሉ ዝይግባእ እኳ እንተ ዀነ ትንሳኤ መንበረ ሰላማ ብ ድልየት ሊቃነ ጳጳሳትን ካህናትን ዝተጣየሽ ዘኢኰነ ስ ብ ድልየት ቶም ካብ ᎀት ዝተረፉ መስቀል ሓይልና፣ መስቀል ፅንዒና፣ መስቀል በጃና እዩ ኢሎም ዝይኣምኑ ተጋሩ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እዩ። ብ ቶም ዝጨበጡዎ መስቀል ዝተመሳቐለ ካራ ኰይኑ ህዝቢና ክይሓርድን ክየድሚን ዝርናዮም ኣቦታት ቤክኦተኢ ኣይንመሓደርን፣ ድምፂ ብ ዝዀኑናን ቤዛ ኣባጊዖም ኰይኖም ክሳብ ሂወቶም ምሕላፍ ዝተኣመኑ ሓቀኛታት ጓሶት ኣቦታትና እይናዝንመሓደር ካብ ዝይብል ፅኑዕ ድሌት ዝተመስረተ ምዃኑ ክይስምመረሉ ይግባእ። 

ዙይ ኰይኑ ናሃለወ ግን ዞም ንስሓ ዘኢይፈልጡ ኣቦታት ንስሓ ቤክኦተኢ ኣብ ክንዲ በደሎም ኣሚኖም ይቕታ ዝይሓትቱ ብ ትዕቢት ኣብ ትሕተይ እይኹም ዝይብል ምስምስ ብ ምጕህሃር ቱ ዝተዀለፈ ተጋሩ ናይ ምፅናት ባህጎም ን ምውላዕ ብዙሓት ውዲታት ክይኣልሙ ንዕዘብ ኣለና። ን ዙይ እኩይ ኣካይዳ ዛ ቤተ ክህነት ኣብ ውሽጢ ዓድዲን ኣብ ወፃእን ዝይርከብ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ክየወግዞን ኣብ ጐድኒ ኣቦታቱ ደው ኢሉ ታ ታሪኻዊት “መንበረ ሰላማ” ክውንቲ ኣብ ምግባር እጃሙ ክየወፊ፥ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ቶም ኣብ ቤተ ክህነት 5 ኪሎ ዝንዕዘቦምን ዝንፅየፎምን ሕመቓት ከኢትወርስ፣ ካብ ፅልዋ ፖለቲካ ርሒቓ ብ መንፈስ ቅዱስ ክትምራሕ፥ ፅፉፍ ምሕደራ ክትዝርግሕ፣ ምእመናታ ካብ ተዃሉ ን ምክልኻል ዝየኽእል ዝተዋደደ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮታት ክትውህብን ን ቱም ዝትምጥን ኰይና ኽትርከብን ብ ንቕሓት ክይከታተልን ክይድግፍን ይግባእ እብል። 

ስለ ፅሓፊ 

ደጀን የማነ ተኽለ ኣብ ክፍሊ ትህምርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ፡ ኰለጅ ጥዕና ሳይንስን ኰምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ዩንቨርስቲ መቐለ፡ መምህርን ተመራማራይን እዩ። ካብ ዩንቨርስቲ ጅማ ብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከባቢ ማስተርስ ኣለዎ። ኣብ ዙ እዋን ኣብ ሃገረ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝይርከብ ዩንቨርስቲ ኑው ሳውዝ ዌልስ ሕፁይ ዶክተር (ተምሃራይ ሳልሳይ ዲግሪ (PhD)) እዩ።


ኣኔክሳት

ኣኔክስ 1 ኢኦተቤክ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ዝገበረቶም ድጋፋት

መን ንመንክንደይ/እንታይ (ብዓይነትን ብጥረ ገንዘብን)መራኽቦ
በብፁዕ አቡነ ያዕቆብ የአትላንታ እና ጆርጅያ ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ አስተባባሪነት በሃይማኖታቸው ምክንያት ሐብት ንብረታቸው ወድሞባቸው በመከራ ውስጥ ለሚገኙት በአርሲ ዞን ዶዶታ ወረዳ ዴራ መድኃኔዓለም ቤተክርስቲያን በመጠለያ ለሚኖሩ ኦርቶዶክሳውያን ሁለት መቶ አራት ሺህ አምስት መቶ ብር (204,500) October 25, 2020  · 
አቡነ መቃርዮስበኦሮሚያ በ6ቱ ሀገረ ስብከት ለደረሰው ጥፋት የዕርዳታ ጥሪAugust 21, 2020  · July 21, 2020  ·July 21, 2020  ·
የካንሳስ ምዕመናንሰኔ 23/2012 ዓ.ም በሀገራችን በኢትዮጵያ በምዕራብ አርሲ፣ ምዕራብ እና ምሥራቅ ሐረርጌ፣ባሌ እና ምሥራቅ ሸዋ አካባቢዎች ለተጎዱ የኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አማኞች410,000(ዐራት መቶ ሺ ዐሥር ብር)August 20, 2020  August 2, 2020  · 
በደቡብ ካሊፎርኒያና የአላስካ ሀገረ ስብከት የሚገኙ ምእመናንና ማኅበረ ካህናት ባቋቋሙት የምግባረ ሰናይ ክፍልበምሥራቅ አርሲ ከቤት ንብረታቸው ለተፈናቀሉ ሰዎች ከሰባት ነጥብ ሁለት(7.2) ሚሊየን ብር በላይ   እርዳታ ለገሱ፡፡November 18, 2020 
የኢኦተቤክ የመገናኛ ብዙኃን ሥርጭት አገልግሎት ድርጅትበደቡብ ወሎ፣ በሰሜን ወሎ እና በዋግኽምራ ሀገረ ስብከት ለሚገኙ ምእመናንየዘይትና የጤፍ ዱቄትDecember 27, 2021
የኢኦተቤክ የልማትና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽንበሸዋሮቢትና አጣየ ከተሞች ለተፈናቀሉ ዜጎች27 ሚሊየን ብር የሚገመት የህፃናት አልሚ ምግብን ጨምሮ የዕለት ደራሽ የምግብ ግብዓትና የአልባሳት ድጋፍ ያደረገ ሲሆን ወደፊትም ማኅበራዊ ተቋማት መልሶ በመገንባት ሥራ ላይ ትኩረት አድርጎ ለመስራት መዘጋጀቱ ገልጿልDecember 22, 2021 
የሰሜን አሜሪካ ማኀበረ ካህናት ለቅዱስ ላሊበላ ደብር ካህናትየአንድ ሚሊዮን የኢትዮጵያ ብርDecember 19, 2021  · 
የቅድስት ሥላሴ ዩኒቨርስቲ እና በአውሮፓ የሲዊዲን እና አካባቢው ሀገረ ስብከትበሰሜን ሸዋ ሀገረ ስብከት፣ በኦሮሞ ብሔረሰብ አስተዳደር ከሚሴ ሀገረ ስብከት፣ በደቡብ ወሎ ሀገረ ስብከት እና በዋግኽምራ ሀገረ ስብከት ለችግር የተጋለጡ ወገኖችየምግብ እርዳታ (ዱቄት ዘይት እና ለመንበረ ጵጵስና የሚሆኑ ሌሎች የምግብ ፍጆታዎች)December 27, 2021  · 
በኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ የጀርመንና አካባቢው ሀገረ ስብከት በልማትና ክርስቲቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን በኩልበኢትዮጵያ በተፈጠረው ሰውሰራሽና ተፈጥሯዊ ችግር ምክንያት ከቀያቸው ለተፈናቀሉ፣ በስደት ለሚገኙ፣ የሚበላ የሚጠጣ ቅንጦት ለሆነባቸው ኢትዮጵያውያን ወገኖችየ1.5 ሚሊዮን ብርNovember 17, 2021  · 
የቅዱስ ሲኖዶስ ምልዓተ ጉባኤ በወቅታዊ የሀገራዊ ጉዳይ ምክንያት ከቤት ንብረታቸው ለተፈናቀሉ ወገኖችየ50 ሚሊዮን ብርOctober 28, 2021  · 
በስዊዲንና ስካንዲናቪያን ሀገረ ስብከት እና በሰሜን አሜሪካ የኰሎራዶና አካባቢው ሀገረ ስብከትከሰቆጣና አካባቢ ተፈናቅለው በደቡብ ጎንደር ዞን አስተዳደር የእብናት ወረዳ መጠለያ ማዕከል ለተጠለሉ ወገኖችየስዊድንና የስካንዲናቪያን ሀገረ ስብከት – 1 ሚሊዮን 36 ሺ ብር የሚያወጣ የዘይትና ልዩ ልዩ ምግቦች፣ 134 ሺ ብር የሚያወጣ የሕጻናት አልሚ ምግቦችን የሰጠ ሲሆን፣ በደሴና በኰምቦልቻ ለሚገኙ ተፈናቃዮች ደግሞ የ1 ሚሊዮን 200 ሺ ብር ድጋፍ አድርጓል።በሰሜን አሜሪካ የኰሎራዶና አካባቢው ሀገረ ስብከት – 580 ሺ ብር የሚያወጣ የተለያዩ ምግቦችበካናዳ ካልገሪ የሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ቤተክርስቲያን የበላይ ጠባቂ በግላቸው 50ሺ ብርNovember 3, 2021  · 
የኢኦተቤክ የባሕር ዳር ሀገረ ስብከትበደሴ ከተማ ጊዜያዊ የማቆያ ጣቢያ ለሚገኙ ተፈናቃይ ወገኖችከ500 ሺህ ብር በላይ የሚገመት የምግብ ድጋፍOctober 8, 2021  · 
በሰሜን አሜሪካ የሚገኙ የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ አህጉረ ስብከት በብፁዕ አቡነ ቴዎፍሎስ መሪነትበትግራይ ክልል ለሚገኙ ተፈናቃዮች እርዳታ ለገሱ።በ146 ሚሊዮን ብር ካፒታልMay 1, 2021  · 
በኢኦተቤክ የሰሜን አሜሪካ አህጉረ ስብከት ኅብረት በአማራ ክልል ሰሜን ሸዋ እና የኦሮሞ ብሔረሰብ ዞን ከአጣዬና አካባቢው ለተፈናቀሉ ዜጎችየ150 አባዎራዎችን መኖሪያ ቤት ምስሪያ የሚሆን ከ4 ሽህ 600 በላይ ቆርቆሮ፡ May 13, 2021  · 
በመላው ዓለም በሚገኙ ኦርቶዶክሳውያንበምሥራቅ ሐረርጌ ሀገረ ስብከት በ2012 ዓ.ም በአክራሪና ጽንፈኛ ቡድኖች የተቃጠሉት ሁለት አብያተ ክርስቲያናት በመላው ዓለም በሚገኙ ኦርቶዶክሳውያን ጥረት ተሠርተው ቅዳሴ ቤታቸው ተከበረ12 ሚሊዮን ብር በላይ በሆነ ገንዘብMay 22, 2021  · 
በኢኦተቤክ የሰሜን አሜሪካ አህጉረ ስብከቶችበትግራይና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልሎች በተፈጠረው ችግር ምክንያት ለተፈናቀሉ ወገኖች 350 ሺህ የአሜሪካን ዶላር (በስመ ትግራይ ቢሰባሰብም ለትግራይ የተሰጠ አንዳች ነገር አለመኖሩ ነውረኝነቱ የጎላ ያደርገዋል)April 29, 2021  · April 1, 2021  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን በሰሜን አሜሪካ የሚገኙ አህጉረ ስብከት  በቻግኒ ራንች ለሚገኙ ተፈናቃዮች 14 ሚሊየን ብር የሚገመት የምግብና ቁሳቁስ ድጋፍApril 29, 2021  ·
በመንበረ ፓትርያርክ ጠቅላይ ጽ/ቤት ደረጃ የተቛቛመ ዐቢይ ኰሚቴበትግራይ እና ቤኒሻንጉል በተለያዮ ችግሮች ለተፈናቀሉ ወገኖችከአዲስ አበባ ሀገረ ስብከት አስራ አምስት ሚሊየን ብር፣ በብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ መልካም ፈቃድ ለበዓለ ሢመታቸው ማክበሪያ ይውል የነበረው አንድ ሚሊየን አምስት መቶ ሺህ ብር፣ ከቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ዩኒቨርስቲ አንድ ሚሊየን ብር፣እንዲሁም ከካናዳና አካባቢው ሀገረ ስብከት ከአርባ ሺህ ዶላር በላይ የልማትና ክርስቲያናዊ ተራድዖ ኰሚሽን ኰሚሽነር በመጀመሪያ ዙር በአጠቃላይ 1735 ኩንታል የስንዴ ዱቄት፣173 ኩንታል ምስር ክክ፣ 18 ኩንታል ጨው እና 5700 ሊትር ዘይት በመቀሌ በመጠለያ ለሚገኙ ተፈናቃዮች ያደረሰ መሆኑን ገልጿል። በተጨማሪም በህንጣሎ ዋጅራት፣በራያ አዘቦ እና በጨርጨር አካባቢዎች ልዩ ልዩ የውሃ መስመር ጥገናዎች፣ የአዳዲስ መጸዳጃ ቤቶች ግንባታና ነባር የመጸዳጃ ቤቶች ጥገና ሥራ በቤተክርስቲያኒቱ ልማት ኰሚሽን አማካኝነት የሰራ ሲሆን በቀጣይነትም ከአንድ መቶ ሀምሳ ሚሊየን ብር በላይ የሚያወጡ ፕሮጀክቶች ተቀርጸው በሁለቱም ክልሎች ለሚገኙ ተጎጂዎች እንደሚደርሱ March 30, 2021  · 
የአዲስ አበባ ሀገረ ስብከትበትግራይ እና ቤኒሻንጉል በተለያዮ ችግሮች ለተፈናቀሉ ወገኖች15 ሚሊዮን ብርየ 81 ሚሊዮን ብር ፕሮጀክት ቀርፆ እየሠራ ሲሆን ከዚህ ውስጥ 35,940,000 ብር የፋይናንስ ድጋፍ ተገኝቶ ተግባራዊ ሥራ መጀመሩንና በራያ ወረዳ 6500 ችግረኞች የቤት ቁሳቁስ እየታደለ መሆኑን ተናግረዋል፡፡February 13, 2021  · 
በኢኦተቤክ የባሕርዳር ሀገረ ስብከት ለመተከል ተፈናቃዮችከ1ነጥብ1 ሚሊዮን ብር በላይ የሚያወጡ አልሚ ምግቦች፤ የዳቦ ዱቄት፤ ማካሮኒ እና ፓስታJanuary 17, 2021  · 
በኢኦተቤክ ልማትና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን በዋግኽምራ ዞን በሰቆጣ ከተማ በጦርነቱ ለተጎዱ ወገኖች ለአራት ሺህ አንድ መቶ ሰባ አምስት (4175) ተጎጂ ነዋሪዎች የምግብ ዱቄት፣ የምግብ ዘይት፣ የህፃናት አልሚ ምግብ፣ ፍራሽና ብርድልብስ ታድሏቸዋል።November 12, 2022  
የዩናይትድ ኪንግደምና አየርላን ሃገረ ስብከትለመካላከያ ሚኒስቴር25 ሚልዮን ብርጥር 18 2013
የኢኦተቤክ ‘ቅዱስ’ ሲኖዶስብወቅታዊ ፀገም ንዝተጎድኡ 49 ኣህጉረ ስብከታት93 ሚልዮን ብርግንቦት 18/2014ዓ.ም
የባሕር ዳር ሀገረ ስብከትበአሸባሪው ህወሓት ወረራ ለተፈናቀሉ ወገኖች ማቋቋሚያ4ሚልዮንDecember 30, 2021  · 
የአዲስ አበባ ሀገረ ስብከት ከትግራይ እና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ለተፈናቀሉ ወገኖች የ15 ሚሊየን ብርFebruary 13, 2021  · 
ብፁዕ አቡነ ኤልያስ የሲዊድንና ስካንዲኔቪያ ሀገራት አህጉረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ በሰሜን ጎንደር ሀገረ ስብከት በጦርነቱ ለተጎዱ ቅዱሳን መካናት ከ955,000 ሺህ ብር በላይ ድጋፍ አደረጉ።December 18, 2022  
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን የልማት እና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን (DKH እና ዳቦ ለዓለም) ከተባሉ ከጀርመን ምግባረ ሰናይ ድርጅቶች ጋር በመተባበር በሰሜን ሸዋ ዞን ቀወት ወረዳ ውስጥ በኲናት ወቅት ጉዳት የደረሰባቸው በየለን እና ብርብራ ቀበሌ ለሚገኙ ችግረኛ ለሆኑ ወገኖች ሁለት መቶ አርባ ኩንታል የስንዴ ዱቄት፣ሃያ አራት ኩንታል የምስር ክክ፣ ስምንት መቶ ሊትር የምግብ ዘይት ለአንድ ሺህ ስምንት መቶ ሰው ተሰጠ።የምርጥ ዘር ስንዴ ደግሞ ለአንድ ሺህ ስድስት መቶ ሰዎች ድጋፍ ለሚያሥፈልጋቸው ገበሬዎች ሰማንያ አራት ኩንታል ተከፋፍሎ እንዲደርስ ተደርጓል።December 12, 2022  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ልማትና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን በዋግኽምራ ዞን በሰቆጣ ከተማ በጦርነቱ ለተጎዱ ወገኖች ለአራት ሺህ አንድ መቶ ሰባ አምስት (4175) ተጎጂ ነዋሪዎች የምግብ ዱቄት፣ የምግብ ዘይት፣ የህፃናት አልሚ ምግብ፣ ፍራሽና ብርድልብስ ታድሏቸዋልNovember 12, 2022  ·
የኢትዮጲያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን የልማትና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን በሰሜን ሸዋ ሀገረ ስብከት ለሚገኙ በሰው ሠራሽና በተፈጥሯዊ ችግሮች ለተጎዱ በአጣዬ ኤፍራታና ግድም ቀወት ወረዳዎች ለሚገኙ ችግረኞች 672 ኩንታል ዱቄት 66 ኩንታል የሕጻናት አልሚ ምግብ: 67.5 ኩንታል ምስር 2280 ሊትር ዘይት እንዲሁም 1000 የውሃ ጀሪካንና ፤ 1000 ሳፋ 2000 ፤ ባልዲ እና 36,000 ሣሙና ለ1520 አባወራዎች አከፏፏሏልOctober 1, 2022  ·
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ልማትና ክርስቲያናዊ ተራድዖ ኰሚሽን የልማትና ክርስቲያናዊ ተራድኦ ኰሚሽን ከኖርዌይ ቤተ ክርስቲያን እርዳታ ድርጅት ጋር በመተባበር በሰሜን ወሎ ዞን ለሚገኙት ሀብሩ፣ ጉባ ላፍቶ እና ራያ ቆቦ ወረዳዎች ለሚገኙ በኲናት ለተጎዱ አርሶ አደሮች የዘንድሮውን የምርት ዘመን የሚሸፍኑበት የአካባቢውን መሬት እና የአየር ጠባይ በማጥናት ምርታማ የሚሆን የጤፍ ምርጥ ዘር አሰራጭቷል።  July 2, 2022  · July 1, 2022  · 
በኢትዮጵያ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን የዋግኽምራ ሀገረ ስብከት በሀገሪቱ በተከሰተው ኲናት ምክንያት ከቤት ንብረታቸው ለተፈናቀሉ ወገኖችከሰባት ሚሊየን 400 ሺህ ብር በላይ ግምት ያላቸው 3 ሺህ 421 ብርድ ልብስ፣ 1 ሺህ 862 ፍራሽ፣ 800 ኩንታል ዱቄት ለተፈናቀሉ ወገኖች ድጋፍ የሰጠ ሲሆን ከሀገር ውስጥና በውጭ የሚገኙ ኢትዮጵያዊያንን በማስተባበር እስካሁን ድረስ ከ50 ሚሊየን ብር በላይ ግምት ያላቸውን የሰብዓዊ ድጋፎችን ሰጥታቷል  June 6, 2022
የባህር ዳር ሀገረ ስብከት በተፈጠረው ኲናት ምክንያት ችግር ላይ ወድቀው ለሚገኙ በዋግኽምራ ዞንለሚገኙ ተፈናቃይ ወገኖች በዕለቱም የተለያዩ አልሚ ምግቦችና ልብሶች እንዲሁም 5 መቶ ሺ በጥሬ ገንዘብ በአጠቃላይ የ4.7 ሚሊዮን ብር ድጋፍ ተደርጓል።May 17, 2022 
ኢኦተቤክየቅዱስ ላልይበላ ገዳም ካህናትና አገልጋዮችን ለመደገፍ በሸራተን አዲስ ሆቴል በተዘጋጀው የገቢ ማሰባሰቢያስምንት ሚሊዮን ብር ያህል ተሰበሰበ።April 18, 2022  · 
የጀርመንና የአካባቢው ሀገረ ስብከትበዋግምኽምራ ዞን በሰቆጣ ከተማ መጠለያ ለሚገኙ ተፈናቃይ ወገኖች ድጋፉ የተደረገው።1.2 ሚሊዮን ብር የሚያወጣ 300 ኩንታል የምግብ ድጋፍ እና የበዓል መዋያ የሚሆን 194 ሺ ስድስት መቶ ሃምሳ ብር፣በአጠቃላይ 1 ሚሊዮን 394 ሺ ስድስት መቶ ሃምሳ ብር April 17, 2022  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንበደቡብ ኦሞ ሀገረ ስብከት በዳሰነች ወረዳ በተከሰተው ተፈጥራዊ የድርቅ ችግር ምክንያት ለተጎዱ ከ3200 በላይ ለሚሆኑ አርብቶ አደሮችየምግብ ድጋፍ ያደረገ ሲሆን ለያንዳንዱ አባወራም 25 (ሃያ አምስት) ኪሎ የበቆሎ ድጋፍ ሰጥቷል።April 12, 2022  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን” ከሸዋ እስከ ወሎ ” በሰሜን ኢትዮጵያ ነጻ አካባቢዎች ሰብአዊ ተግባራትየምግብ ዱቄት፣ የምግብ ዘይት፣ April 1, 2022  · 
የሰሜን ወሎ ሀገረ ስብከትከማዕከላዊ የትግራይ ክልል አካባቢዎች ተፈናቅለው በደቡብ ወሎ ዞን ተሁለደሬ ወረዳ ጊዜያዊ መጠለያ ለሚገኙ ወገኖች50 ኩንታል የምግብ ዱቄትና የአልባሳት ድጋፍ አድርጓል።March 29, 2022  · 
በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን የሲውዲንና የስካንዲኒቪያን ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ኤሊያስ በዋሽንግተን ዲሲ ነዋሪ ከሆኑ ደብረ ኃይል የቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ምእመናን አስተባባሪነትደብረ ብርሃን በመጠለያ ካምፕ ለሚገኙ ወገኖች ድጋፍና፣ በሰሜን ሸዋ ዞን ኤፍራታና ግድም ወረዳ በጦርነቱ ምክንያት ለተጎዱ ትምህርት ቤቶች ማቋቋሚያከ1 ነጥብ ሚሊየን 3 መቶ 80 ሺህ ብር በላይ ግምት ያለው የምግብ እና የቁሳቁስ ድጋፍ ይዘው መምጣታቸውንና ከዚህ ውስጥ 3 መቶ 51 ሺህ 9 መቶ ብር ግምት ያለው አልሚ ምግብ ደብረ ብርሃን በመጠለያ ካምፕ ለሚገኙ ወገኖች ድጋፍ የተደረገ ሲሆን በሰሜን ሸዋ ዞን ኤፍራታና ግድም ወረዳ በጦርነቱ ምክንያት ለተጎዱ ትምህርት ቤቶች ማቋቋሚያ 1 ሚሊየን 30 ሺህ ብር ግምት ያለው 25 ኰምፒዩውተር፣25 ፕሪንተር፣ 2 ላፕቶብ እና 3 ታብሌት ለወረዳው ትምህርት ጽሕፈት ቤት ማስረከባቸውን ብፁዕነታቸው ገልጸዋል።March 26, 2022  · 
በሰሜን አሜሪካ ዴንቨር ኰሎራዶ የሚገኙ ምዕመናን እና እንዲሁም የአትላንታ ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ  ለዋግኽምራ ተፈናቃይ ወገኖችየ500 ሺ ብር ድጋፍ አድርጓልMarch 18, 2022  · 
በሰሜን አሜሪካ የዋሽተን ዲሲ ደብረ ኃይል ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል አጥቢያ ምዕመናን በኲናት ምክንያት ተሰደው በሰቆጣ ከተማ ጊዜያዊ መጠለያ ለሚገኙ የዋግኽምራ ወገኖች1.2 ሚሊዮን ብር የሚያወጣ የምግብ ድጋፍና 5 መቶ ሺ ብር በጥሬ ገንዘብ በአጠቃላይ 1.7 ሚሊዮን ብር ድጋፍ አድርጓልMarch 18, 2022  · 
በዋሽተን ዲሲ አሜሪካ የደብረ ኃይል ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ምዕመናን በአፋር ለሚገኙና በኲናትምክንያት ከቀያቸው ለ ተፈናቀሉ ወገኖች 1.5 ሚሊዮን ብር የሚያወጣ የምግብ ድጋፍ።
በተጨማሪ ቤተክርስቲያኒቱ  በ100 ሚሊዮኖች የሚገመት ድጋፍ አድርጋለች ይላል።
March 15, 2022  · 
በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን የሲያትል፣ ዋሽንግተን፣ ኦሪገን፣ አይዳሆ እና አካባቢው ሀገረ ስብከትበደቡብ ወሎ ዞን እና ኦሮሞ ብሔረሰብ አስተዳደር ከሚሴ ሀገረ ስብከት በአሸባሪው የትግራይ ወራሪ ቡድን ጉዳት ለደረሰባቸው ወገኖችየ2 ነጥብ 5 ሚሊየን ብር የምግብ ድጋፍ አድርጋለች።February 22, 2022  · 
በዋሽንግተን ዲሲሀገረ ስብከት የደብረ ከርቤ ቅድስት ማርያም ወአቡነ ሀብተ ማርያም ቤ/ክለዋግ ኽምራ ሀገረ ስብከት653,835 ብር ድጋፍ አደረገ።February 5, 2022  · 
የሰሜን አሜሪካ ማኀበረ ካህናትለቅዱስ ላልይበላ ደብረ ሮሃ ካህናት የገንዘብ ድጋፍ አደረገ።አንድ ሚሊዮን የኢትዮጵያ ብር January 18, 2022 · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንበሰሜኑ የአገሪቱ ክፍል በተካሄደው ኲናት ምክንያት ከቤት ንብረታቸው የተፈናቀሉ ወገኖችን ለመደገፍ15 ሚሊየን ብር ድጋፍ አደረገች።January 15, 2022
በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን በቴክሳስና አካባቢዋ ሀገረ ስብከት የዳላስና አካባቢውለሰሜን ሸዋ ዞን አስተዳደር ድጋፍ አደረገ። የአንድ ሚሊዮን ብር ድጋፍ አድርጓል። January 15, 2022  · 
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በሽብርተኛው የትግራይ ወራሪ ቡድን ወረራ ምክንያት ተፈናቅለው በደባርቅ ከተማ መጠለያ ጣቢያ ለሚገኙ ወገኖች2 ሚሊየን ብር በላይ የሚገመት የፊኖ ዱቄት ድጋፍ አድርጋለች፡፡January 14, 2022  ·  
የባሕር ዳር ሀገረ ስብከት ዘመን አሻጋሪ ግብረ ኀይልበወልድያ እና አካባቢው ለሚገኙ ወገኖች ድጋፍ አደረገ። ግብር ኀይሉ በአሸባሪው የትግራይ ወራሪ ቡድን ውድመት የደረሰባቸውን ተቋማትም ተዘዋውሮ ተመልክቷል።የ1 ነጥብ 4 ሚሊዬን ግምት ያለው ምግብJanuary 1, 2022  · 

Annex 2: መግለጫዎች

ማንምን በማስመልከትመራኽቦ
የኢኦተቤክ ቅዱስ ሲኖዶስበኢትዮ ሱማሌ ክልል በቤተክርስቲያኒቱ ላይ የተፈፀመውን አሰቃቂ ጥቃት በተመለከተ መንግሥት የቤተክርስቲያኗን ደኅንነት ማስጠበቅ እንደሚኖርበት በአጽንዖት ገልፀዋል ።. . . . መንግሥት ለብሔራዊ መግባባት ሲል የሚከተለው ከመጠን ያለፈ ትዕግስት የሀገሪቷን አንድነትና የዜጎችዋን ደኅንነት በከባድ ሁኔታ እየሸረሸረ ስለሆነ ሳይውል ሳያድር የዜጎችን የመኖር ዋስትና የሃይማኖት ልዕልና በሕጉ መሠረት በመጠበቅ ፀጥታውን እንዲያስከብር ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናችን በአጽንኦት ትማፀናለች።”August 17, 2018  · 
የኢትዮጰያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንበባሌ ጎባ፣ በጣና በለስ፣ በኦሮምያ ክልል አሁን ሰሞኑን ደግሞ በኢትዮጵያ ሶማሌ ክልልና በአንዳንድ አካባቢዎች፣ በተለያየ ምክንያት በሚፈጠር የእርስ በርስ ግጭት መነሻነት፣ በአርኣያ እግዚአብሔር የተፈጠረ፣ በቅዱስ ረድኤቱ የከበረ፤ ሕያዊት፣ ነባቢት ነፍስ የተዋሐደችው፤ ፍጹም አእምሮና ዕውቀት የተሰጠው የሰው ነፍስ እየጠፋ እናያለን፤ ይልቁንም በሱማሌ ክልል 7 አብያተ ክርስቲያናት ተቃጥለዋል፤ ካህናት ተገድለዋል፤ ንብረት ተዘርፎአል፡፡በኢትዮጵያ ሶማሌ ክልል፣ በጅጅጋ፣ በጎዴና በሌሎችም ከተሞች በደረሰው አሠቃቂ ግድያና ዝርፊያ ምክንያት በየመጠለያው በረኀብ፣ በጽምና በእርዛት ለሚሠቃዩ ካህናት ምእመናን፣ መንግሥት ፈጥኖ እንዲደርስላቸውና የነፍስ አድን ሥራ እንዲሠራ በአጽንኦት እናሳስባለን፡፡ለሞቱት ወገኖቻችንም፣ በመላ ገዳማትና አድባራት ጸሎተ ፍትሐት እንዲደረግ፤August 7, 2018  ·
መልእክተ ቅዱስ ፓትርያርክ በጥቅምት 12 ቀን 2011 ዓ.ምየቅዱስ ሲኖዶስ መክፍቻ ቤተ ክርስቲያናችን በከፋ መልኩ የተደፈረችበት፣ ካህናቶቻችንና ምእመናን ልጆቻችን ለሰው ኅሊና በሚከብድ ድርጊት በአሰቃቂ ጭካኔ የሰማዕትነትን ጽዋ በተቀበሉበት ማግሥት የሚካሔድ ጉባኤ መሆኑ ልዩ ያደርገዋልበመሆኑም ከዐሥር ዓመታት በፊት በጂማና በኢልባቦር አህጉረ ስብከት፣ በጉራጌና በአርሲ ነገሌ፣ በቅርቡም በባሌ ተቃጥቶ በነበረው አደገኛ ሙከራ፣ ከሁሉም የባሰ ደግሞ በኢትዮጵያ ሶማሌ ሀገረ ስብከት የተፈጸመው ጣራ የነካ ግፍና ጭካኔ፣ እልቂትና ውድመት ቤተ ክርስቲያናችንን ክፉኛ የጎዱና የተዳፈሩ ሆነው ተገኝተዋል፡፡የኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጉዳይ ነው፤ የታሪክ አጋጣሚና የትውልድ ዕድል ጉዳይ ሆኖ አሁን ላለንበት ሁኔታ ብንዳረግም ከኢትዮጵያ የተነጠለ የኤርትራ ታሪክ፣ ከኤርትራ የተነጠለ የኢትዮጵያ ታሪክ ፍጹም እንደሌለ እኛ ብቻ ሳንሆን ዓለም በሙሉ የሚያውቀው ሐቅ ነው፡፡ከጅምሩም ግራና ቀኛችን በሚገባ አርቀን ካለማየታችን የተነሣ ለጊዜው ተለያይተን ቆየን እንጂ የሚለያየን ሃይማኖታዊም ሆነ ቀኖናዊ ምክንያት የለንም፤ ምድራዊ መንግሥት በፖለቲካ ምክንያት ቢለይም እንኳ፣ ለሃይማኖት ድንበር ስለሌለው በአንድነት እየተደጋገፍን መቀጠል ይገባን ነበር፡፡እውነቱን ለመናገር ለኢትዮጵያ ምእመናን ከኤርትራ ምእመናን፣ለኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ከኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን የበለጠ የክፉ ቀን ደራሽ የላቸውም፣በመሆኑም በሁሉም ሃይማኖታዊ የሥራ መስክ ተቀራርቦ ለመሥራት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝግጁነቱን መግለጽ ይኖርበታል፤ በሁለቱም አብያተ ክርስቲያናት የጠበቀ ግንኙነት እንዲኖር የጋራ ኰሚሽን አቋቁመን መንቀሳቀስም ይገባናል፡፡October 22, 2018  · November 1, 2018  
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በሀድያና ስልጤ አህጉረ ስብከት በሆሣዕና ከተማ የ2012 ዓ.ም የጥምቀት በዓል በከተማ አስተዳደሩ የመልካም አስተዳደር ችግር ምክንያት እንደማይከበር የሀድያ ሀገረ ስብከት ገለጸ።January 18, 2020  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንበአማራ ክልል በምሥራቅ ጎጃም ዞን በሞጣ ወረዳ በቤተ እምነቶች  ላይ በደረሰው ቃጠሎ በሐዘን ላይ የምትገኙ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምዕመናንና ምዕመናት: የኢትዮጵያ እስልምና  ጠቅላይ ምክር ቤት እና የመጅሊስ  አባላት የእስልምና ሃይማኖት ተከታዮች ወገኖቻችን በጉዳቱ የተሰማንን ልባዊ ሐዘን በቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስም እንገልጻለን:: የተፈጸመው ድርጊት  የሀገራችን ሰላም እና እድገት የማይጠቅም ለዘመናት የቆየ አብሮነት  የመኖር ዕሴቶቻችን የሚንድ  መሆኑን መላው ሕዝባችን  ተረድቶ  በተረጋጋ እና በሰከነ መንፈስ ጉዳዩ እስከሚጣራ  በትእግስት እንድትጠባበቁ እናሳስባለን ::December 21, 2019  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በዶዶላ በሃይማኖታቸው ምክንያት ሰማዕታት ለሆኑ ምዕመናን የመታሰቢያ እና ለሰማዕታቱ ቤተሰቦች የማጽናኛ መርኃግብር ተከናወነ !!!November 24, 2019  · 
ቅዱስ ሲኖዶስ ከቅርብ ጊዜ ወዲህ እየታየ ያለው የሰላም እጦት፣የሰው ልጆች ሕይወት መጥፋትና የአብያተ ክርስቲያናት መቃጠል የዜጎች ከቀያቸው መፈናቀልና የሀገር ንብረት መውደም በማያቋርጥ መልኩ እየተከሰተ በመሆኑ፣ ሀገራዊ ችግሩ ተፈቶ ጥፋተኞች ወደልባቸው ተመልሰው በዜጎች መካከል ፍጹም ሰላምና አንድነት ይሰጠን ዘንድ የእግዚአብሔርን ምሕረት ለማግኘት ከሰኞ ህዳር 15 እስከ 17/2012 ዓ.ም ቀን ማለዳ ከጸሎተ ኪዳን ጋር ጸሎተ ምህላ በኢትዮጵያና በመላው ዓለም በሚገኙ የኢትዮጵያ ኦርቶደክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ገዳማትና አድባራት እንዲከናወን ቅዱስ ሲኖዶስ ያሳስባል፡፡November 24, 2019  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በጅማ ዞን በክርስቲያኖች ላይ እየደረሰ ያለው ግፍና በደል እንዲቆም ተጠየቀ።November 22, 2019  ·
ቅዱስ ሲኖዶስቅዱስ ሲኖዶስ ህዳር 4 ቀን 2012 ዓ.ም ባደረገው አስቸኳይ ጉባኤ በኦሮሚያ ክልል በተፈጠሩት እና እየተፈጠሩ ባሉ ጥቃቶች ዙርያ ከክልሉ መንግሥት ምክር ቤት (ጨፌ ኦሮሚያ) ጋር በአስቸኳይ መነጋገር እና መፍትሔ ማምጣት፡፡ከእስልምና ምክር ቤት (መጅሊስ) ጋር እየተፈጠሩ ባሉ ግጭቶች ምክንያት በምእመናን እና  በአብያተ ክርስቲያናት ላይ እየደረሰ ስላለው ቃጠሎ በመነጋገር ዘላቂ መፍትሔ ለማምጣት ብፁዓን አበው ሊቀነ ጳጳሳት በተገኙበት ከ8 – 10/03/2012 ዓ.ም በመንበረ  ፓትርያርክ ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም ገዳም ሦስት ቀናት የምህላ ጸሎት እንዲደረግ፡፡November 15, 2019  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በምሥራቅ ሐረርጌ ሀገረ ስብከት በሚገኙ የተለያዩ ቦታዎች በምዕመናንና በአብያተ ክርስቲያን ላይ ከፍተኛ ጥቃት የደረሰባቸው ሲሆን ዋቅጅራ መድኃኔ ዓለምና ታሪካዊቷ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን መቃጠላቸውን ሀገረ ስብከቱ ገልጿል።November 14, 2019  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/ብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት በዶዶላና በኰፈሌ ጥቃት የደረሰባቸውን ምዕመናንን ጎበኙ፣ኰልፌ ቀራንዮ ባለ ቅድስት ሥላሴ ቤተክርስቲያን በጥፋት ኃይሎች ሁከት እየተፈጠረብን ነው አሉ (ሌሎችም ተካተዋል)November 8, 2019  
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/-በኦሮሚያ አንዳንድ አካባቢዎች ጥቃት የደረሰባቸው የሰማዕታት ቤተሰቦችዛቻና ማስፈራሪያ እየደረሰብን ነው አሉNovember 7, 2019  · 
የጥቅምት 2012 ዓ.ም. የቅዱስ ሲኖዶስ ምልዓተ ጉባኤየሀገር ሰላምን ጉዳይ አስመልክቶ በአሁኑ ጊዜ በአገራችን ኢትዮጵያ እየታየ ያለው የሰው ሕይወት መጥፋትና የዜጎች ንብረት መውደም፣ ቅዱስ ሲኖዶሱን በእጅጉ ያሳዘነ ሲሆን፣ መንግሥት ለጉዳዩ ትኩረት ሰጥቶ ሰላምን እንዲያስከብር፣ የዜጎች ደህንነት እንዲጠበቅ እንዲያደርግ፣ የተፈናቀሉትም ወደቀያቸው እንዲመለሱና ለጠፋው ንብረታቸው ማቋቋሚያ እንዲደረግላቸው፣ በተለይም በክርስቲያኖችና በአብያተ ክርስቲያናት ላይ እየደረሰ ያለው ስደትና መከራ ጐልቶ እየታየ በመሆኑ የጥፋቱ መልእክተኞችን መንግሥት በሕግ እንዲጠየቁ እንዲያደርግ ቅዱስ ሲኖዶስ እያሳሰበ መንግሥትም ለሕዝቡ ብርቱ የበኩሉን ጥበቃ እንዲያደርግ፣በአገራችን በኢትዮጵያ በኦሮምያ ክልል በሚገኙ ወገኖቻችን ላይ በደረሰው የሰው ሕይወት መጥፋትና ስደት ላይ በመነጋገር በጣም ለተቸገሩ ወገኖች በጊዜያዊነት የሚደርስ ምግብና አልባሳት ለማቅረብ እንዲቻል አስፈላጊውን ገንዘብ እንዲመደብ፣ በቀጣይም በክልሉ ይህንን ችግር እየተከታተለ ዘለቄታዊ ርዳታ የሚያሰባስብ ኰሚቴ እንዲቋቋም ተወስኗል፡፡November 4, 2019  ·
ቅዱስ ፓትርያርክ አቡነ ማትያስቅዱስ ፓትርያርኩም በዚህ መልእክታቸው በ2011 ዓ.ም በሀገራችን ኢትዮጵያ የሰውን ከኖረበት ሀገሩና አካባቢው የማፈናቀል ተግባር : ወገን በወገኑ ላይ የፈጸማቸውን አስከፊ ግድያዎችንና የተቃጠሉ አብያተ ክርስቲያንንም በማውሳት ተግባሩን ያወገዙበትና : በተፈጠሩትም ችግሮች ከልብ ማዘናቸውን ከዕንባ ጋር የገለጹበት ነው።November 4, 2019  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በጉራፈርዳ በደረሰው ጥቃት ተፈናቅለው በአብያተ ክርስቲያን ስለሚገኙ ኦርቶዶክሳውያን።December 18, 2020  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/ምስራቅ አርሲ በቤተክርስቲያን ቅርሶችና በምእመናን የደረሰ ጥቃት በተመለከተ የተደረገ ድጋፍና የማጽናናት መርሐግብሮችNovember 26, 2020  · October 27, 2020  · 
ከኢኦተቤክ ቅዱስ ሲኖዶስ የተሰጠ መግለጫበሀገራችን ኢትዮጵያ በምዕራብ ወለጋ እና በጉራፈርዳ እንዲሁም በቤንሻንጉል በግፍየተገደሉ ዜጎች አስመልክቶ ከኢኦተቤክ ቅዱስ ሲኖዶስ የተሰጠ መግለጫNovember 4, 2020  ·November 3, 2020  · 
ከኢኦተቤክ ቅዱስ ሲኖዶስ የተሰጠ መግለጫባለፈው አንድ ዓመት በአገራችን በኢትዮጵያ በቤተ ክርስቲያናችንና በክርስቲያን ወገኖቻችን ላይ የደረሰው ግፍና መከራ እንዲቆም በየምክንያቱ በክርስቲያንነታቸው ምክንያት የታሰሩ ካህናትና ምእመናን ጉዳያቸው እየታየ ከታሰሩበት እንዲፈቱ፣ የመንግሥት የበታች ባለሥልጣናትም ለጥፋተኞች ከሚያደርጉት ድጋፍ እጃቸውን እንዲሰበስቡ ጉባኤው አጥብቆ አሳስቧል፡፡ ከዚሁ ጋር በቤተ ክርስቲያንና በክርስቲያን ወገኖቻችን ላይ ላለፈው ለደረሰው ጥፋትና ለወደፊትም የሕግ ክትትል በማድረግ ችግሩን የሚከላከሉ የሕግ ባለሙያዎች ኰሚቴ ከመንበረ ፓትርያርክ እስከ አህጉረ ስብከት ድረስ እንዲቋቋም ተወስኗል፡፡November 4, 2020  · 
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በሃድያና ስልጤ እንዲሁም በጋሞ ጎፋ አህጉረ ስብከቶች የጥምቀተ ባህርና መስቀል ደመራ መክበርያ ቦታዎች  መከልከል በተመለከተOctober 29, 2020  · 
፴፱ኛው የመንበረ ፓትርያርክ አጠቃላይ የሰበካ መንፈሣዊ ጉባኤ የአቋም መግለጫበቅድስት ቤተክርስቲያንና በልጆቿ ላይ እየደረሰ ያለውን መከራና ችግር በስፋት የዳሰሰ ሲሆን፣ በሀገራችን በተፈጠሩት የሰላም እጦትና ያለመረጋጋት ቸግሮች በተለይም በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ካህናት እና ምዕመናን ላይ ታስቦ በአሰቃቂ ሁኔታና በግፍ ህወይታቸውን ያጡበት፣ ሀብት ንብረታቸው ተቃጥሎና ወድሞ ከሚኖሩበት አካባቢ ተፈናቅለው የተሰደዱበት ጊዜ መሆኑን አውስቷል፡፡ በመሆኑም መንግሥት የጀመረውን የሕግ የበላይነትን የማስከበር ሥራውን አጠናክሮ እንዲቀጥል፣ ለፍርድ የቀረቡት ጥፋተኞች በሕግ አግባብ የሚሰጠው ፍትሕ ለህዝብና ለቤተክርስቲያን እንዲገለጽ፣ ካሳ የሚያስፈልጋቸውን እንዲክስ፣ ጉዳት የደረሰባቸውን ወገኖች መልሶ እንዲያቋቁም ጠይቋል፡፡የቤተክርስቲያን መጨረሻ ውሳኔ ሰጭ የሆነው ቅዱስ ሲኖዶስ በጉዳዩ ላይ ከመንግሥት ጋር በመሆን ችግሩን ከመሠረቱ ሊያስቆም የሚችል ጠንካራ ውይይት እንዲያደርግና የቤተክርስቲያንና የተከታዮቿን ግፍና መከራ እንዲቆም እንዲያደርግ ጉባኤው አሳስቧል፡፡መግለጫው በኦሮሚያ እና በደቡብ ክልል ባሉ አንዳንድ ከተሞች በዓለ ጥምቀትና የደመራ በዓላት አለመከበራቸውን ገልጾ ከጥቂት ጊዜ ወዲህ ልዩ ልዩ አሳማኝ ያልሆኑ ምክንያቶችን በመፍጠር ቤተክርስቲያን ለዘመናት ይዛው ስትገለገልበትና በዓል ስታከብርበት የነበረን ቦታ በመንጠቅ የበዓለ ጥምቀትና የመስቀል ደመራ በዓላት እንዳይከበሩ የተደረገበት ሁኔታዎች መፈጠራቸውን ጠቅሷል፡፡October 16, 2020  · 
፴፱ኛው  የሰበካ ጉባዔ አጠቃላይ መንፈሳዊ ጉባዔ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሣት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ያቀረቡት የመክፈቻ ንግግር ተከፈተ፡፡ኦርቶዶክሳውያን ላይ በደረሰው የመፈናቀል እና የንብረት ውድመት ለተጎጂዎች የተደረገው ድጋፍ በቂ አይደለም ያሉት ቅዱስነታቸው ለተጎጂዎች የሚደረገው ድጋፍ ሊጠናከር እንደሚገባው አሳስበዋል፡፡በክርስቲያኖች ላይ የሚፈጸሙ የሰብአዊ መብት ጥሰቶች መበራከት የቤተክርስቲያንን ዕጣ ፈንታ አስጊ አድርጎታል ያሉት ፓትርያርኩ ክርስቲያኖች በሀገራቸው እና በወገናቸው መሀል ነጻነታቸውን አጥተው በሰላምና በነጻነት የመኖር መብታቸው የተነፈገበትን ሂደት ኰንነዋል፡፡October 14, 2020  · 
ብፁዕ አቡነ ሄኖክ የምዕራብ አርሲ ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ“መንግሥት በውስጡ የተሰገሰጉ እና ጫካ ያልገቡ ሽብርተኞችን ከመዋቅሩ ያጽዳ፣ በሃይማኖታችን ምክንያት የምንሳቀቅበት አንዳች ምክንያት የለምና የኦርቶዶክሳውያንን ደኅንነት ይጠብቅ”October 5, 2020  · 
የምዕራብ አርሲ ሀገረ ስብከትጥቅምት ፲፪ እና ሰኔ ፳፫/፳፻፲፪ ኦርቶዶክሳውያን በእምነታቸው ምክንያት ሰማዕትነት የተቀበሉበት የግፍ ቀናቶች በማስመልከት በጸሎትና በማጽናናት ትምህርተ ወንጌል ዝክረ ሰማዕታቱ መታሰቢያ መርሐ ግብር በሻሸመኔ ደብረ አስቦ አቡነ ተ/ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን መስከረም ፳፬/ ፳፻፲፫ ዓ/ም አስቦ ውሏል፡፡October 4, 2020  · October 3, 2020  · October 3, 2020  · September 5, 2020  
ከኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንየልጃችን የሃጫሉ ሁንዴሳን ግድያ እና ግድያውን ተከትሎ በኦሮሚያ ክልል በአንዳንድ ዞኖች ተቀነባብረው በተፈጸሙ ጥቃቶች የተጎዱ ኦርቶዶክሳውያንን መርዳትንና መልሶ ማቋቋምን አስመልክቶ ከኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን የተሰጠ መግለጫ።August 27, 2020  ·August 28, 2020  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/የኦርቶዶክሳውያን ክርስቲያኖች መከራና ስቃይ በምዕራብ አርሲና በዝዋይ ምን ይመስል ነበርAugust 21, 2020 
የሃይማኖት ተቋማትና የሀገር ሽማግሌዎችበተለያዩ የኦሮሚያ ክልሎች የተፈጠሩ ጥፋቶችን የሃይማኖት ተቋማትና የሀገር ሽማግሌዎች አወገዙ!August 8, 2020  · 
የቅዱስ ሲኖዶስ ልዑክበምሥራቅ ሸዋ እና በምዕራብ አርሲ አህጉረ ስብከት በሃይማኖታቸው ምክንያት ጥቃት የደረሰባቸው ምዕመናንን ለመጎብኘት እና ለማፅናናት ወደሥፍራው ያቀናው በብፁዓን አባቶች የሚመራው የቅዱስ ሲኖዶስ ልዑክ በዛሬው ረፋድ ቆይታው ላይ ከሻሸመኔ 90 ኪ.ሜ ርቀት ላይ በምትገኘው አዳባ ወረዳ ተገኝቶ በአዳባ መድኃኔዓለም ቤተ ክርስቲያን በመገኘት በአካባቢው በሃይማኖታቸው ምክንያት ጥቃት የደረሰባቸው ምዕመናንን ጎብኝቷል።August 2, 2020  ·
የአገር ሽማግሌዎች የሰላም ኰሚቴ፣ በኢ/ኦ/ተ/ቤ/ክ የሀገር አቀፍ ዕርቅ፣ ሠላም እና አንድነት ዐቢይ ኰሚቴ፣ ታዋቂ ግለሰቦችን፣ መምህራን እና ዘማርያንን ያቀፈ የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ልዑክበብፁዓን አባቶች የተመራ ልዑክ ወደ ምሥራቅ ሸዋና ምዕራብ አርሲ ከተሞች በማቅናት የተጎዱ ምዕመናንን እያጽናና እንደሚገኙ ተገለጸ፡፡የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ልዑክ በብፁዓን አባቶች ተመርቶ ወደ ምሥራቅ ሸዋና ምዕራብ አርሲ ከተሞች በማቅናት መዳረሻውን ሻሸመኔ በማድረግ ዝዋይ፣ አዳሚ ቱሉ፣ አርሲ ነጌሌ፣ ኩየራን በመጎብኘትና በማጽናናት ቀጥሎም ሌሎች ጉዳት የደረሰባቸውን ምዕመናንን እና አቢያተ ክርስቲያናትን ይጎበኛልJuly 31, 2020  ·
በምሥራቅ ሸዋ እና በምዕራብ አርሲ አህጉረ ስብከት ሊቃነ ጳጳሳትበወቅታዊ ጉዳዮች ላይ የአህጉረ ስብከት ሊቃነ ጳጳሳት መግለጫJuly 23, 2020  · 
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/የምዕራብ አርሲ ምዕመናን ሰቆቃJuly 22, 2020  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በስልጤ ዞን ቂሊጦ ቅድስት ማርያም የሰኔ ፳፩ የእመቤታችን ዓመታዊ ክብረ በዓል ሊያከብሩ በሄዱ ውሱን አማኞች የድብደባና የእንግልት ሁኔታ ገጥሟቸው እንደነበር ይታወቃል፡፡June 29, 2020  · June 28, 2020  ·June 28, 2020  · 
በብፁዕ አቡነ ኤልያስ በአውሮፓ የሲዊዲን እና አካባቢው ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ እና በብፁዕ አቡነ ፊልጶስ የቅድስት ሥላሴ ዩኒቨርስቲ ፕሬዚዳንት የደቡብ ኦሞ ሀገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት በሸዋሮቢት ወራሪው የሕወሓት ቡድን በገዛ ቀያቸው ዘረፋና ውድመት ለመፈጸም ሲወራቸው; ወረራውን በመመከተሰ በመሥዋዕትነት ያለፉትን የእሸቴ ሞገስ እና ይታገስ እሸቴ (ወልደ ቂርቆስ እና ኃይለ ሚካኤል) ቤት በመገኘት ቤተሰቦቻቸውን አጽናንተዋል።December 27, 2021 
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/መጋቢት 11ቀን  2011 ዓ.ም በኦነግ ሸኔ ሽብር ቡድን ውድመት ደርሶበት ዳግም የታነጸው በሰሜን ሸዋ ሀገረ ስብከት የቆሬ ሜዳ ደ/ከ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ቤተክርስቲያን በ2014 ዓ.ም በሕወሓት የሽብር ቡድን ዳግም በከባድ መሣሪያ ፈርሶ ተዘርፏል።December 22, 2021  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን የ፵ኛ ዓመት ጠቅላላ ዓለም አቀፍ ሰበካ መንፈሳዊ ጉባዔ ስብሰባ የአቋም መግለጫበወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሑመራ ማይካድራ ምዕራብ ጎንደር መተማ ሰሜን ጎንደር ጭና አቡነ ተክለ ሃይማኖት ማእከላዊ ጎንደር በደቡብ ጎንደር ጨጨሆ መድኃኔዓለም ሰሜንና ደቡብ ወሎ ዋግ ሕምራ ራያና ኰረም በጅማ በሊሙ ኰሳ በሊሙሰቃ ወረዳዎች ፤በሰሜን ሸዋ በአጣዬ በሸዋሮቢት በካራ ቆሬ በማጀቴ አካባቢዎች አብያተ ክርስቲያናት ተቃጥለዋል፡፡ የቤተ መቅደስ ካህናት ካህኑ ዘካርያስ በቤተ መቅደስ በተሰዋበት አምሳል በአገልግሎት እንዳሉ ጭምር ታርደዋል፡፡ ምእመናንና ምእመናት በሀገራችን ታሪክ ታይቶና ተሰምቶ በማይታወቅ ፆታ ሳይለይ እመጫቶችን ነፍሰጡሮችን ግራና ቀኝ ፊትና ኋላ እሳትና ውኃ የማይለዩ ሕፃናት በአሰቃቂ ሁኔታ እንዲገደሉና ብዙዎች ሀብት ንብረታቸው ወድሞባቸው ለስደት እንዲዳረጉ ሆኗል፡፡ ለብዙ ዘመናት የተገነቡ ከተሞች የሕዝብና የሀገር ሀብት ወድሟል፡፡የትግራይን ሕዝብ ከኢትዮጵያዊነቱ ነጻ እናወጣለዋለን የሚሉ የተለዩ ወገኖች አመለካከትና አስተሳሰብ ልጆቻቸውን ጭምር ሲገብሩና ጸዋትወ መከራ እንዲቀበል ሲያደርጉ ኖረዋል፡፡ ይሁንና ከመጋቢት 24 ቀን 2010 ዓ.ም ጀምሮ ሀገሪቱን ይመራ በነበረው ፓርቲ ውስጥ በተደረገው የሥልጣን ሽግግር ሂደት ከተወሰነ በኋላ የትግራይን ክልል የሚመራው አካል ከማእከላዊው አመራር ጋር ልዩነት በመፈጠሩ ተግባብተውና ተመካክረው ሀገራቸውን እና ሕዝባቸውን በሰላም እንዲመሩ የሚያደርግ ውሳኔ ላይ እንዲደርሱ በተለያዩ ጊዜያት የቅዱስ ሲኖዶስ ምልዓተ ጉባኤ፣ የኢትዮጵያ የሃይማኖት ተቋማት የበላይ ሓላፊ አባቶችና አባሎቻቸው እንዲሁም ከልዩ ልዩ ማኅበረሰብ የተውጣጡ ታዋቂና የተከበሩ የሀገር ሽማግሌዎች ሰላምና ፍቅርና አንድነት እንዲመጣ እስከ ጥቅምት 24 ቀን 2013 ዓ.ም ሲያደርጉት የነበረውን ውጣውረድና መንገላታት ጉባኤው በታላቅ አክብሮት የሚያስታውሰው ነው፡፡October 21, 2021  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅትግፈኛው የሕወሀት የሽብር ቡድን በጭና ተክለሃይማኖት የፈጸመው ግፍOctober 8, 2021  ·
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በኦሮሚያ ክልል ምስራቅ ወለጋ ዞን በቂልጡ አቦ ቀበሌ ነዋሪ የነበሩ ሰባት ሰዎች ሐምሌ 29 ቀን 2013 ዓ.ም በሸኔ ታጣቂዎች ሲገደሉ አምስቱ የአንድ ቤተሰብ አባላት መሆናቸውን፣ እነዚህ ታጣቂዎች፤ ነሐሴ 12 ቀን 2013  ዓ.ም ከንጋቱ 12 ሰዓት ጀምሮ አጋሳ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እና ትንብያ ቅዱስ ሚካኤል አብያተ-ክርስቲያናትን፣ መንደሩን እና የአማራ ብሔር ተወላጅ ቤቶችን እየመረጡ ማቃጠላቸውን፣ በዕለቱ አሹ ኩሳዬ ቀበሌ ውስጥ ከብት በመጠበቅ ላይ የነበሩ የአማራ ተወላጆችን ገድለው ከብቶቻቸውን እየነዱ ወደ አሌልቱ ወንዝ አካባቢ መውሰዳቸውን፣ በተመሳሳይም መርጋ ጅሬኛ ሲኒደሮ ቀበሌ በመግባት በአማራ ተወላጆች ላይ ጥቃት በመፈፀም 41 ሰዎችን መግደላቸውን፣ በሶስት ሰዎች ላይ አካል ጉዳት ማድረሳቸውን፣ በተጨማሪም ነሐሴ 12 /2013 ዓ.ም በምስራቅ ወለጋ ዞን ኪረሙ ወረዳ በተለያዩ ቀበሌዎች በሚኖሩ የአማራ ብሔር ተወላጆቸ ላይ በፈፀሙት ጥቃት ከሶስት መቶ ሰዎች በላይ መገደላቸውን፣ ከአንድ መቶ በላይ የአካል ጉዳት እንደደረሰባቸው፣ የበርካቶች ቤቶች እንደተዘረፉ፣ እንደተቃጠሉ እንዲሁም ከተለያዩ ቀበሌዎች ከዘጠና ሺህ በላይ ሰዎች ሕይወታቸውን ለማዳን ወደ ሁሮ ከተማ መፈናቀላቸውን ኢሰመጉ ያሰባሰባቸው መረጃዎች ያመላክታሉ ሲል በመግለጫው አሳውቋል።August 27, 2021  · 
የመንበረ ፓትርያርክ ጠቅላይ ጽ/ቤትመንግሥት በተለያዩ የሀገራች ቦታዎች በቤተ ክርስቲያኒቱ ይዞታዎች ላይ እያደረገና እየተደረገ ያለውን መብት የመግፈፍ እንቅስቃሴ እንዲያቆምና እንዲያስቆም የበዓላት ማክበርያ ይዞታዎቻችን የባለቤትነት ማረጋገጫ እንዲሰጥም ጠይቀዋል።June 10, 2021  · 
በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን የሰሜን ሸዋ ሀገረ ስብከትበሰሜን ሸዋ ዞን በኤፍራታና ግድም በአጣዬ፣ በማጀቴ፣ በሸዋሮቢት፣ በጀውኃ እና በኦሮሞ ብሔረሰብ አስተዳደር ዞን አካባቢ የተፈጠረውን የሰላም እጦት፣ የዜጎች ሕልፈተ ሕይወት፣አካባቢ ጉዳትና የንብረት ውድመት በመድረሱ ኃዘናቸውን ገልጸው መንግሥትና የሚመለከተው አካል ግጭቱን እንዲያስቆም ጥሪ አቅርበዋል፡፡March 25, 2021  · 
የስዊድን፡ ስካንዲናቪያን እና ግሪክ ሀገሮች ሀገረ ስብከትበቤተ ክርስቲያን ላይ በተደራጀ ሁኔታ የተከፈተውን እምነታችንን ዝቅ የማድረግና የማጠልሸት ከፍተኛ እንቅስቃሴ የኢትዮጵያ መንግሥት እንዲያስቆምDecember 27, 2022  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንዮናታን አክሊሉ እና ኢዩ ጩፋ በኢኦተቤክ ላይ ያነጣጠረ የጥላቻ ንግግርና አደገኛ የሆነ የሃይማኖትን ክብር የሚነካ የአምልኰ ሥርዓትና እምነትን የሚያንቋሽሽ የዘለፋ እና ሐሰተኛ ንግግር በመፍጠር ለሁከትና ብጥብጥ መነሻ የሚሆን ድርጊት ስለፈጸሙ ክስ መሠረተች።
December 21, 2022  · 
የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንበስልጤ ልዩ ዞን የደረሰው የአብያተክርስቲያናት ውድመትJune 30, 2022  ·
የኢትዮጵያ የሃይማኖት ተቋማት ጉባኤበሰሞኑ በወለጋ፣ በጋምቤላ እና በሌሎች የሀገራችን አካባቢዎች በንፁኃን ዜጎች ላይ የተፈፀሙት ኢሰብዊ ግድያዎችና ፍጅቶች አወገዘ
June 21, 2022  · 
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/በሀድያና ስልጤ ዞን በወራቤ ጉዳት የደረሰባቸውን አምስት አብያተ ክርስቲያናትJune 12, 2022፣ April 30, 2022፣ April 30, 2022፣ April 29, 2022፣ April 29, 2022፣ April 29, 2022፣ April 29, 2022
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅት/ EOTC Broadcasting Service Agency/የኢትዮጵያ ሰብዓዊ መብቶች ጉባኤ የጥምቀት በዓልን ለማክበር በወይብላ ማርያምን አጅበው የነበሩ ሦስት ወጣቶች በኦሮምያ ክልል የጸጥታ ኃይሎች መገደላቸውንና በአስለቃሽ ጭስ ምክንያት በርከት ያሉ ሰዎች ላይ ጉዳት መድረሱን አረጋግጦ ድርጊቱን በማውገዝ መግለጫ አወጣ።January 24, 2022
የኢኦተቤ መገናኛ ብዙኀን አገልግሎት ሥርጭት ድርጅትበጥምቀት በዓል ላይ በቡራዩ ከተማ አስተዳደር ወይብላ ቅድስት ማሪያም ቤተክርስቲያን ላይ የተፈጸመውን አስነዋሪ ድርጊት እንደሚያወግዝ የኢትዮጵያ ሃይማኖት ተቋማት ጉባኤ አስታወቀ። January 22, 2022፣ January 22, 2022
የኢኦተቤክ ሊቃነ ጳጳሳት ያለአግባብ ደርበው የሚያስተዳድሯቸውን ሀገረ ስብከቶችን የሚካፈሏቸው ጥር 14/2015 ዓ.ም በደቡብ ምዕራብ ሸዋ ሀገረ ስብከት ዳጩ ወረዳ ሐሮ ባለወልድ ቤተ ክርስቲያን ውስጥ የተካሄደው የኦሮምያ ኤጲስ ቆጶሳት ሲመት ቤተክርስቲያን ተነካች በሚል ስሑት ፕሮፖጋንዳ አገር ምድሩ ጥቁር አስለብሰው ጥቁር ያስለበሱበት፣ ሰላማዊ ሰልፍ ያስተባበሩበት፣ ቅዱስ ሲኖዶስ በአስቸኳይ የጠሩበት ሁኔታ ሁላችንም የምናስታውሰው ነው።

ኣኔክስ 3: እታ ቤተክርስቲያን ኣብ ሚድያኣ ኣሸባሪ/ወራሪ እንዳበለት ዝተጠቐመትሎም ኣገላልጻታት

ኣሸባሪ/ወራሪ የሚል ቃል የተጠቀሙበትመራኽቦ
. . . አሸባሪው እና ወራሪው የሕወሀት ቡድን በፈፀመው ወረራ በርካታ ዜጎች ተፈናቅለው በደሴ ከተማ በሚገኙ ጊዜያዊ የማቆያ ጣቢያ ዉስጥ ተጠልለዋል. . .October 8, 2021  · 
. . . ግፈኛው የሕወሀት የሽብር ቡድን በጭና ተክለሃይማኖት የፈጸመው ግፍ. . .October 8, 2021  ·
. . . አሸባሪው ሕወሓት ሰሜን ወሎን በወረራ ይዞ በነበረበት . . .September 24, 2022  · 
. . . በአሸባሪው የሕወሓት ወራሪ ቡድን በከተማዋ ለችግር የተጋለጡ ወገኖች ቁጥር ከ300 ሺህ በላይ መድረሱን . . .January 15, 2022  · 
. . . ከሰሜኑ የሀገራችን ክፍል በህገ ወጥ ሽብርተኛ ቡድን / ሕወሓት/ በደረሰባቸው ጥቃት ምክንያት. . .September 28, 2021  · 
. . . አሸባሪው እና ወራሪው የሕወሀት ቡድን በፈፀመው ወረራ . . .October 8, 2021  · 
. . . የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን በሽብርተኛው የትግራይ ወራሪ ቡድን ወረራ ምክንያት ተፈናቅለው . . .January 14, 2022
. . . ግብር ኀይሉ በአሸባሪው የትግራይ ወራሪ ቡድን ውድመት የደረሰባቸውን ተቋማትም ተዘዋውሮ ተመልክቷል . . .January 1, 2022 · 
. . . ከአምስት ወራት በላይ በሕወሓት ወራሪ ቡድን በወረራ ተይዛ በቆየችው በሰሜን ወሎ ሀገረ ስብከት ርዕሰ ከተማ ወልደያ . . .December 27, 2021
. . . ብፁዕ አቡነ በርናባስ አካባቢው በሕወሓት ቡድን ተይዞ በነበረበት ወቅት በርካታ ሕዝብ የማዳን ሥራዎችን ሠርተዋል. . .December 30, 2021  ·
. . . ብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት በሸዋሮቢት ወራሪው የሕወሓት ቡድን በገዛ ቀያቸው ዘረፋና ውድመት ለመፈጸም ሲወራቸው; ወረራውን በመመከተሰ በመሥዋዕትነት ያለፉትን የእሸቴ ሞገስ እና ይታገስ እሸቴ (ወልደ ቂርቆስ እና ኃይለ ሚካኤል) ቤት በመገኘት ቤተሰቦቻቸውን አጽናንተዋል. . .December 27, 2021 
. . . በሕወሓት የሽብር ቡድን ዳግም በከባድ መሣሪያ ፈርሶ ተዘርፏል. . .December 22, 2021  · 
በደቡብ ወሎ ዞን እና ኦሮሞ ብሔረሰብ አስተዳደር ከሚሴ ሀገረ ስብከት በአሸባሪው የትግራይ ወራሪ ቡድን ጉዳት ለደረሰባቸው ወገኖችFebruary 22, 2022· 

Continue Reading
16 Comments

16 Comments

  1. Berihu Angesom

    July 13, 2023 at 2:51 pm

    ብጣዕሚ ዝገርም ሰነድ እዩ። ብመርትዖ ዝተደገፈ ትንተና። Good job my best ደጁ.

  2. gashe

    July 12, 2023 at 2:54 pm

    ዝንኣድ ጽሑፍ ቀጽለሉ

  3. Tekleweyni Halfgo19

    July 12, 2023 at 5:30 am

    ዝንኣድ ፅፉፍ መረዳእታ እዩ ቀፅለሉ

  4. Ataklti

    July 11, 2023 at 12:37 pm

    ዝነኣድ ስራሕ! ቐፅልሉ!

  5. fisseha k

    July 11, 2023 at 11:53 am

    ግሩም ስነዳ እዩ የቐንየልና ትግሃት።

  6. Hiyab

    July 11, 2023 at 10:58 am

    Excellent Article Dejen. I thank you very much.

  7. ተስፋኪሮስ መኮነን

    July 11, 2023 at 8:32 am

    ብጣዕሚ ሓቃውን ክስነድ ዘለዎ ታሪክ

  8. Philemon

    July 11, 2023 at 7:25 am

    የቐንየልና🙏
    ቀፅልሉ

  9. ርግኣት

    July 11, 2023 at 7:01 am

    የቀንየልና

  10. Ms.

    July 11, 2023 at 5:58 am

    Thank youuuuuuu for this.

  11. Gebreamlak Gidey

    July 11, 2023 at 5:02 am

    That is a great idea and valid justification

  12. Desye Ashenafi

    July 11, 2023 at 4:24 am

    የቀንየልና ትግሃት

  13. Gs Gm

    July 11, 2023 at 4:19 am

    ፅቡቕ ትኽክለኛ አገላልፃ ፅሑፍ እዩ (accepted)።
    ኾይኑ ግን እቲ ፅሑፍ ክፀሓፍ ከሎ ናይ ሓደ ሓደ ትግርኛ ቃላት ግድፈት(incorrect expression-writting of tigrigna words) አለዎ ኢለ ስለዝአምን ንቐፃሊ ተዝእረም ፅቡቕ ነይሩ።

  14. sun electromechanical

    July 11, 2023 at 3:29 am

    መረዳእታ

  15. Tefetawit Kahsay

    July 11, 2023 at 12:52 am

    I stand with Tigray Betekhnet because the Ethiopia Orthodox church blessed and support Tigray Genocide.

  16. Haben Gonetse

    July 10, 2023 at 10:35 pm

    ደጁ ሓወይ ተባረኽ 🙏💙

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT