Connect with us

ክትትዕ

መረድዳእታ ኣቕርብ! ክትትዕ ምስ ሓጐስ ኣብርሃ ኣብባይ

Published

on

ሓጐስ ኣብርሃ፡ ኣጋጣሚ ኣብ ፈይስቡክ ሓሳብ ካብ ዝተመላለስናሉ 2017 ዓምፈ ጀሚሩ ዝገራርሙ ነገራት ሳይንስ እዮም ኢሉ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣከዳምያዊ መድረኻትን ተናጊሩ እዩ። ኣነ ኽዓ ካብ ክሽዑ ጀሚረ መረድዳእታ ክየቕርብ እናጠየቕኩዎ መፂአ እየ። ክሻብ ሀዚ፡ ብ ቕንዕና ክይምልስ ኣይኽኣለን። እኳ ድኣስ ብ ምሕታተይ ሕጕጉስ ከም ዘኢኰነ፥ ቱ ዛዕባ፡ ውልቃዊን ከባብያዊን መልክዕ ክየትሕዞ እንትይፅዕር ተርእዩ። ግብሪ፥ ብህሎታትን መልስታትን ሓጐስ ብዙሕ ሕትቶታት ክተልዕ ይገብሩ። ካብ ኣቶም፦

  • መጀመርታ፡ ል ምንታይ ሳይንሳዊ ዘኢዀኑ ነገራት ሳይንስ ኣምሲሉን ሳይንስ እዮም ኢሉን ል ህዝቢ ክይናገር ደለየ?
  • “መረድዳእታ ኣቕርብ” እንትይብሃል፡ ኣብ ክንዲ ከም ንቡር መረድዳእታ ምቕራብ ወይ ከም ዝተጋገየ ምግላፅ፡ መልሱ ል ምንታይ ሱቕታ፥ ቝጥዐን ምትላልን ዀነ?
  • ቱ ዛዕባ መረድዳእታ ኣቕርብ፡ ል ምንታይ ውልቃዊን ከባብያዊን መልክዕ ክየትሕዞ ደለየ?

ሓጐስ ኣብርሃ፡ ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድኵትርና ዘፍልስፍና (ፒኤችዲ) ኣልለዎ። ኣብ ኣከዳምያን ሜድያን፡ መረድዳእታ ምሕትታን ምቕራብን ንቡር እዩ። እሞ ሓጐስ ድኣ ል ምንታይ ይዀን ል ሕትቶ ምቕራብ መረድዳእታ፡ ኣብ ክንዲ ብ ቕንዕና ምምላስ፡ ብ ቝጥዐ፥ ብ ምትላልን ቱ ዛዕባ ውልቃዊን ከባብያዊን መልክዕ ክይሕዝ ብ ምድላይን ዝመልለሰ? መልሲን ገለፃን ዙ ሕትቶ ል ኻልእ ጊዜ ኣፅኒሐ፡ ሎሚ ኣብ ምቕራብ ቱ ልዕሊ 7 ዓመታት ዝገበረ ምልልስ ከትኵር። ቅድሚኡ ግን፡ ቍሩብ መብራህርሂ ክእውህብ።

ርክብ ኣነን ሓጐስን

ኣብ 2017 ዓምፈ ነይሩ። ተኽሊት ሃይላይ ዝይብሃል ነጣፋይ ፈይስቡክ፡ ሓደ መምህር ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ተለቭዥን ትግራይ ኢሉዎ ዝበሎ ነገር ኣብ ገፅ ፈይስቡክ ይልጥፍ። ቱ ኢሉዎ ዝበሎ ብ ኣምሕርኛ ዀይኑ፡ ትርጕሙ ድማ “ኮፐርኒከስ፡ መሬት ኣብ ዙርያ ፅሓይ ከም ዝትሽክርከር፡ ሀዚ ኣብ ኣዅሱም ዝይርከብ መፅሐፈ ሳቤላ ጠቒሱ እዩ ዝየብራህርህ” ዝይብል ነበረ። ኣብ ትሕቲ ዙ ልጡፍ ተኽሊት ሃይላይ “ካብ ምንታይ ተልዒሉ እዙይ ክብል ከኣለ?” ኢለ እሓትት። ሰባት ስም ሓጐስ ይፀራርሑ እሞ፥ ባዕሉ መፂኡ ድማ ርእይቶ ውሃበ፥ ኣነ ድማ ብሃላይ ዙ ነገር ሓጐስ ኣብርሃ ዝይብሃል ምሩቕ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፥ መምህር ዩንቨርስቲ መቐለ ምዃኑ ፈለጥኩ። ካብኡ ምኣዝ ኣብ ፈይስቡክ ከም ዝተዓረኽና እኳ ብ ደንቢ እንተ ዘኢዘከርኩዎ፡ ኣብ 2020 ዓምፈ ል ፈለማ ብ ኢንቦክስ መልእኽቲ ልኢኸሉ ተደዋዊልና ከም ዘውጋዕና እዝክር። ክሽዑ፡ ዙ ኣብ 2017 ዓምፈ ዝበሎን ዝነበረና ምልልስን ረሲዐዮ ነበርኩ። ከባቢ ቕድሚ ዓመት ኣቢለ ሓጐስ ዝበሎም ካልኦት ነገራት እንተስተንትን፡ ዙ ናይ 2017 ዓምፈ ብህሎ ሓጐስ ናብ ርእሰይ መፅአለይ።

ምስ ሓጐስ፡ ካብ ቅድሚ ኣስታት ሓሙሽተ ምዓልትታ፡ ኣዕርኽቲ ፈይስቡክ ኣይኰንናን። ድሕሪ መረድዳእታ ኣቕርብ ዘበገሶ ክትትዕን ምልልስን፡ ካብ ዕርክነት ፈይስቡኩ ኣወጊዱኒ እዩ፥ ብ ተወሳኺ እውን ᎄልሊኹኒ ኣልሎ። ቱ ካብ 2017 ዓምፈ ክሻብ ዝᎄልለዀኒ ጊዜ ዝነበረና ምልልስ ግን፡ ከም ሓደ ክትትዕ ስለ ዝእርእዮ፥ ኣንባባይ እውን ክይርብሐልሉ ይኽእል እዩ ኢለ ስለ ዝእኣምን ካብ ፈይስቡክ ኣውፂአ ኣብ ዙይ አቕርቦ ኣልለኹ።

ጥምረት ክትትዕና

ሓጐስ ል ነዊሕ ጊዜ ል ሕትቶ ምቕራብ መረድዳእታ መልሲ ኣይውሃበን። ቅድሚ ምᎇላኹ ግን ል መጀመርታን ል መወዳእታን እዩ ዝበሎ መልሲ ውሂቡ ነይሩ። ተን መረድዳእታ ክየቕርበለን ዝቐረባ ሽዱሽተ ሕትቶታትን ዝውሃበን መልስታትን ብ ሓደ ገይረ ኣብ ፈይስቡክ ኣቕሪበየን እየ። ዝይስዕባ እይየን። ተን ዘኢተመለሳ እውን ኣብኡ ኣልለዋ።

    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ ፕሮፈሰር ራይነር ቮኽት (Rainer Voigt) ኣፍእንዳ ደቡብ ትግራይ ብ ፍሉይ ኣፅኒዑ፥ ካብ ካልኦት ላዛታት ብ ዝበለፀ ናብ ግእዝ ዝቐረበ ምዃኑ ደምዲሙ ይብል ኣሎ። ኣብ ኣየናይ ምርምር ከምኡ ከም ዝበለ ዶ ክትሕብረልና? ኵልለና ኣንቢብና ሓቅቂ ምዃኑ ክነዳግግ ስለ ዝንደልይ፡ መራኽቦ (ሊንክ) ቱ ምርምር፥ ወይ ክዓ ኣርእስቱ ዶ ኣብ ዙይ ክትሕብረልና?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ፦ ብዛዕባ ላዛ ደቡብ ትግራይ (ራያ በሎ ወጀራት) እሞ ድማ ምስ ግዕዝ ተደሓሒዙ ከም በዓል ሞያ ነጊረካ “ኣይ!” ኻልኦ ሰባት እየ ዝደሊ ናትኻ ኣይሰምዕን እንተይልኻ፣ መሰልኻ እዩ። ናይ ኻልኦት ሰባት ኣብዚ ኣለካ ኣንብቦ። ብዝኾነ ራይነር ፎክት ኣብ ትግራይ መፂኡ ብኣካል ብዙሕ ኣዕሊልና ካብ ኣንደበቱ እውን ሰሚዐ እየ ጠቒሰዮ፣ ኽልተ መፃሕፍቲ ትግርኛ ገዚኡ ኸይዱ፤ ብላዛ ደቡብ ትግራይ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ደልዩ ስኢኑ፤ ላዛ ማጨው ኢሉ እዩ ዝፅውዖን ዝፀሓፎን ። ኣብ ሶሻል ሳይንስ ኮሌጅ (መቐለ ዩኒቭርስቲ) ናይ ኽሊቴና ፎቶ ዝሓዘ (ናተዛተይና ዘርኢ) ዝኾነ መፅሄት ተሓቲሙ ነይሩ፣ ሐዚ ኣብ ኢደይ የለን እምበር። ብዝኾነ ኣብዚ ኣለዉኻ እውን ኣንብቦም። A. Tsehaye Kiros https://www.abebooks.com/…/Wajerat-Dialect-Vs…/plpB. Voigt, Rainer (2006) Sudtigrinische Dialekte: Das einfache undzusamrnengesetzte Priisens im Dialekt von May-c’iiw (Tigray).In Proceedings of the XV International Conference o/EthiopianStudies, ed. by Siegbert Uhlig, 893·898. Wiesbauen:H arra:3sowi tz.
    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ “ኣብ ራያ ቋንቋታት ትግርኛ፣ [ግዕዝ]፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ኽመጣጋ (ኣገውኛ)፣ ዓፋርኛ፣ ብብመጠኖም ይንገሩ” https://www.facebook.com/permalink.php…ኣይንኦም እዮም ቶም ግዕዝ ዝይናገሩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ? ዙይ ዝየርእይ መፅናዕቲ ዶ ክትሕብረልና? ኣብ ምንታይ ተመርኲስካ እይኻ ከምኡ ትብል ዘልለኻ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ፦ ግዕዝ ኣብ ራያይ ከም ቋንቋ ኣደ ይዝረብ ዝብል ኣይወፀንን፣ ኹሉ ግዜ ኣፀሓሕፋን ዓውዲ ኣዘራርባን ተረዳእ። ኣይትቸኩል! [ግዕዝ] ኢለ ምቕማጠይ ኣብ ግልጋሎት ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብ ብራናታትን ፅሑፍ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ተዘይኾይኑ። ሃለዋት ግዕዝ እንታይ ምዃኑ ንማንም ኣይጥፍኦን።
    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ “ሰብ ዝይኣርግ ብ “ግራቪቲ” እዩ። ግራቪቲ ዜሮ እንተ ዝይዀን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይይኣርግን።” ኣበይ ዝርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታኻ ዶ ክተቕርበልና?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ
    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ ድጋም (ብ ሓፈሻ ቃል) ናይ ማይን ሓመድን ሞለክዩላዊ ቅርፂ ይልውጥ እዩ ኢልካ። እዙይ ድማ፡ ል ሕማምን ፈውስን ምኽንያት እዩ ኢልካ። ኣበይ ዝይርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ
    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ፥ ብ ሳይንስ ድማ ከም ዝተደገፉ ተናጊርካ፡ ኣሕውዮት ኳንተም (Quantum healing) ከም ምስክር ኣቕሪብካ። ኣሕውዮት ኳንተም ግን ሳይንስ ኣይኰነን። ሳይንስ መሳሊ ኢሳይንስ (Pseudoscience )እዩ። ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ ዝየርእይ መረድዳእታ ሓቅቀኛ ሳይንስ ዶ ኣለካ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ፦ ብዛዕባ እታ ድሕነት/ሂሊንግ ትምልከት፣ ብኣርቲክል መልክዕ ኣብ Brill ካብቶም ፍሉጣት ዝበሃሉ ዓለምለኸ ጆርናላት ስለዘሐተምኹዎ፣ ከምዚ ቪድዮ ስለዘይተቖረፀን ዓውዲ ንምርዳእ ስለዝሕግዝን ኣንብቦ። ንሱ ኣንቢብኻ review ግበሮ፤ ተደሊኻ እቲ ምጉትዃ ሳይንሳውያን ይቀበልዎሞ ኣሐትሞ፤ ሽዑ ንርኢ። ኣብዚ መፅሓፍ ምዕራፍ 11 (Chapter 11) ኣለካ https://brill.com/display/title/65091
    • ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፦ ኮፐርኒከስ ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቒሱ ከም ዘብራህርሀ ኣብ 2017 ዓምፈ ሓጐስ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝበሎ “ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቅሶ ነው የሚያብራውው”
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ

ቱ ምልልስ ብ ሰፊሑ፥ ከም ዘልለዎን ኣብ ዓውዱን

ዋንና ዋንና ሕትቶታተይን መልስታት ሓጐስን ተጠሚሮምን ተፀᎁቖምን እንትይቐርቡ፡ ቶም ኣብ ላዕላይ ዘልለዉ እዮም። ቱ ዝነበና ምልልስ ብ ሰፊሑ፥ ከም ዘልለዎ፥ ኣብ ቦትኡን ብ ቕደም ስዓብን ምርኣይ ግን ኣድላዪ እዩ ኢለ እኣምን። እንበለ ታ ሓንቲ ጊዜ ኣብ 2017 ዓምፈ ዝገበርናያ ሓንቲ፡ መብዛሕቲኡ ምልልስ ኣብ ቐረባ እዋን ዝተኻየደ እዩ።

1) 24 ጕንበት 2023 ዓምፈ

ብ ጕንበት 2023 ዓምፈ፡ ድሕሪ ምርኣይ ኣጋጣሚ ዩቱብ ዝሓብበረለይ ሓጐስ ዝየቕርብበሉ ቪድዮ ፡ ዝይገርም ኢሳይንሳውን ግጉይን ኣስተምህሮ ብ ዝይብል ርእሲ ዙ ዝይስዕብ ኣብ ገፅ ፈይስቡከይ እልጥፍ።

ዝይገርም ኢሳይንሳውን ግጉይን ኣስተምህሮ

ሓጐስ፡ እዛ ተቕርቦትካ ሰሚዐያ። ብ ሓቅቂ ሓዚነ። ህዝቢ ዝይጐድእ ግጉይ ኣስተምህሮ ስለ ዝዀነ ሱቕ ኢለ ክእሓልፎ ኣይክኣልኩን።

ብ ሓፈሻ ትሕዝቶ ኣስተምህሮኻ ሳይንስ መሳሊ ኢሳይንስ (Pseudoscience) እዩ። ሓደ ሰብ ብ ድኵትርና እንትይምረቕ ዝይብሎ ቃለ ምሓልላ ኣሎ። ካብ እቱ ቃላ ምሓልላ “ሳይንስን ቴክኖልጅን ብ ግቡእን ብ ሓላፍነትን ል ጥቕሚ ማሕበረሰብ ል ዝውዕሉላ ዝሕየሸት ዓለም ክእሰርሕ እየ” ዝይብል ይርከቦ። ምናልባሽ ንስኻ እውን ኢልካዮ ትዀን እይኻ።

ይዅን እምበር፡ እዙ ኣስተምህሮኻን ቅድሚ ሀዚ እውን ዝርአኹዎም ካልኦት ኣስተምህሮታትካን ካብ እዙ ድኵትርናዊ ሓላፍነት ኣዝዮም ዝርሓቑ፤ እኳ ድኣ ስ ብ ኣንፃሩ ል ህዝቢ ዝይጐድኡ ግጉያት ኣስተምህሮታት ዝየሕልፉ ኰይኖም ረኺበዮም ኣለኹ። ኣብ 2017 ዓምፈ፡ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ቀሪብካ፡ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ፡ መሬት ኣብ ዙርያ ፅሓይ ከም ዝትሽኽርከር ኣብ ኣክሱም ካብ ዝይርከብ መፅሐፈ ሳቤላ ጠቒሱ እዩ ዝየብራህርህ ኢልካ ነይርካ። ክሽዑ መረድዳእታ ክተቕርብ ሓቲትናካ፡ እንተ ኢኣቕረብካ ሱቕ ኢልካ። ክሻብ ሀዚ ወይ መረድዳእታ ኣየቕረብካን፡ ወይ ል እቱ ግጉይ ኣስተምህሮኻ ይቕረታ ኣይሓተትካሉን። ል ምንታይ?

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኣክሱም ኣብ ዝተኻየዳ ዋዕላ፡ (ኣነ ኣጋጣሚ ኰይኑ ሀዚ ዝርኣኹዎ) ብዙሓት ዝየገርሙ ነገራት ተናጊርካ። ካብኣቶም፦

  • “ሰብ ዝይኣርግ ብ “ግራቪቲ” እዩ። ግራቪቲ ዜሮ እንተ ዝይዀን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይይኣርግን።” ኣበይ ዝርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታኻ ዶ ክተቕርበልና?
  • ድጋም (ብ ሓፈሻ ቃል) ናይ ማይን ሓመድን ሞለክዩላዊ ቅርፂ ይልውጥ እዩ ኢልካ። እዙይ ድማ፡ ል ሕማምን ፈውስን ምኽንያት እዩ ኢልካ። ኣበይ ዝይርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታ?
  • ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ፥ ብ ሳይንስ ድማ ከም ዝተደገፉ ተናጊርካ፡ ኣሕውዮት ኳንተም (Quantum healing) ከም ምስክር ኣቕሪብካ። ኣሕውዮት ኳንተም ግን ሳይንስ ኣይኰነን። ሳይንስ መሳሊ ኢሳይንስ እዩ። ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ ዝየርእይ መረድዳእታ ሓቅቀኛ ሳይንስ ዶ ኣለካ?

ግጉይ ኣስተምህሮ ል ህዝቢ ምሕላፍ ግቡእ እዩ ኢልካ ዲኻ ትኣምን? https://www.youtube.com/watch?v=3do-i2CoQBE

ሓጐስ፡ ከም መልሲ ል ዙይ፡ ሹቕታ መረፀ።

2) 25 ጕንበት 2023 ዓምፈ

ግጉይን ኢሳይንሳውን ኣስተምህሮ

ኣብ ህዝባዊ መድረኻት፥ ብ ቐልሊል ዘኢይርአይ ጕድዳይ ኣብ ሓደ ኣብ ኣክሱም ዝተሳለጠ ዋዕላ ዝውሃቦ ኣዝዩ ግጉይ፥ ኢሳይንሳውን ጐዳእን ኣስተምህሮ ጠቒሰ፡ ትማሊ ል ሓጐስ መረድዳእታታቱ ክየቕርብ ሓቲተዮ ነይረ። ኣብ 2017 ዓምፈ ል ዝተዛረቦ እውን መረድዳእታ ክየቕርብ ወይ ብ ዕልሊ ይቕረታ ክይሓትተሉ ኣልዒለ እየ። ሓጐስ ክሻብ ሀዚ ኣይመለሰን። እዙይ ዓብዪ ህዝባዊ ጕዳይ እዩ። ምዓርግ ትምህርትኻ፥ ህዝባዊ ሜድያታትን መድረኻትን ተጠቒምካ ል ህዝቢ ከም እዙያት ዓይነታት ጐዳእትን ኣስሓሓትትን ኣስተምህሮታት ምውሃብ ኢሓፍነታዊ እዩ። ብ ቐልሊሉ ዝይሕለፍ ነገር ኣይኰነን። ጕድዳይ ውልቃዊ ርእይቶ ኣይኰነን። ጕድዳይ ህዝቢ እዩ። ጕድዳይ ስነ ምግባር እዩ።

ሀዚ እውን እሓትት ኣለኹ። ኣብ 2017 ዓምፈ ሓጐስ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝበሎ “ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቅሶ ነው የሚያብራውው”

ል እዚኣ፡? ብ ህልኻ ክሻብ ሀዚ መረድዳእታ ኣየቕረብካን፥ ሓጐስ። ተቕርብ ዶ ወይስ ል ቱ ብ ቴቪ ትግራይ ግጉይ ኣስተምህሮ ዝውሃብካዮ ህዝቢ ይቕረታ ትሓትት? ሓዲአን እየን።

ኣነን ሓጐስ ኣብ 2017 ዓምፈ ኣብ ትሕቲ ልጡፍ ተኽሊት ሃይላይ ዝፅሓፍናዮም ርእይቶታትን መልስታትን ታሕታይ ቀሪቦም ኣለዉ።

Hagos፡ Dear my friend #Gebrekistos,I might have not time to replly for every silly word; any way Nicolas copurnicus has mentioned in his book (written in Latin) the book of Sabela Welete hirk’al and I can physically show the quotation for any body interested to know…..And my idea is not out of evidence, which has nothing to do with ሃይማኖት and folklore (I have read enough science and philosophy books to write rationally, logicaly and evedentll…The problem is that we always prejudge and categorize people blindfoIldy……I would be happy to discuss religion, science, philosophy deeper than the diver with you. Apart from this, pls be aware that manuscripts have different versions……..መፅሐፈ ሳቤላ has different geneological shared inovations from its UR text to its last subarchetype of the text…..The question can be which version of the manuscript has Copurnicus sited from…And I can update for this if you give me time….Any way the exact phrase in Copurnicus’ book is written in Geez as exactlly as ” ሳቤለ ወለተ ኅርቃል” for further questions you can call me and brief you evidentlly.With respect…

Gebrekirstos፡ Hi Hagos. Thank you for dropping by and sharing. I do not think there is any silly word here (and introducing yourself like that was not needed). Notewitstanding that, I appreciate your presence. Let’s get into the matter straight. Which book are you talking about here? And can you point any resource for us to see it ourselves? If it is in the Latin version, it should also be in the English translation, right?

Hagos፡ You mean source not resource I think, ya? and evey lating book is not necessarly translated to English…..Any way to be serious you can come to my office or lets have an appointment if you are in Mekelle to show you physically…or text me your email adress and I will scane that page and send you if you give me time till I come back from flied trip for manuscripts (like three days)

Gebrekirstos፡ Hi Hagos, resource is perfect in this case and I hope you are not trying intellectual intimidation here 🙂 Thank you for the invitation to come to your place. We will exchange email contacts later. But for this discussion, we all want to learn from it and there is no need to do it privately. Can you indicate any resource on the internet or mention the name of the book and the page? I appreciate straight answer very much 🙂 Thank you.Hagos፡ Any way my brother #

Gebrekirstos ….I would be very happy to meet you to discuss to learn eachother further more if you are not far……Thanks

ቅድሚ 3 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዋዕላ ኣክሱም ካብ ዝበሎ።

ኣብ ታ ዕለት፡ ሓጐስ ብ ቐጥታ ሕትቶታት ምቕራብ መረድዳእታ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ናይ ሄንሪ ዳቪድ ስረው ብ ዝይመስል ጥቕሲ “ኣውፃእቲ ኣበር፡ ዋላ ኣብ መንግስተ ሰማያት ኣበራት የውፅኡ”ኢሉ ብ እንግሊዘኛ ሽምጣጥ ይፅሕፍ። ኣነ እውን ኣብ ክንዲ ሸምጣጥ ብ ቐጥታ ቶም ሕትቶታት ክይምልስ ብ ቋንቋ እንግሊዘኛ እልጥፍ

3) 8 ለካቲት 2024 ዓምፈ

ሳይነስ ዶስ እንታይ?

ኽዓ ክንሓትት እስኪ

ሓጐስ ኵልሉ ጊዜ ዝየገርሙ ሳይንሳዊ መሰረት ዘየብሎም ነገራት ብ ድፍረት እንትይናገር ሰሚዕናዮ እይና። መረድዳእታ ክየቕርብ እንትይሕተት ኽዓ ኣይየቕርብን። ሰብና፡ ዶክተር፥ ጳጳስ፥ ምሁር ል ዝተብሃለ ኵልሉ “ከመይ፥ ኣበይ፥ ምኣዝ” እንተ ኢበለ ናይ ምቕባል ልማድ ኣልለዎ፥ ብዙሓት ክዓ ይፃወቱሉ። ኣነ ሕተቱ እብል። ምሽጥር የለን። ካልእ ዝፈለጦ፡ ንስኻትኩም እውን ክትፈልጡዎ ፍልፍሉ (መረድዳእትኡ) ትሓትቱ። ል ሓደ ሰብ በይኑ ጥራሕ ዝይግለፅ ፍልፍል (መረድዳእታ) ስለ ዘየለ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሓጐስ እዘን ዝይስዕባ ኢሉ ኣልሎ። መረድዳእታን ፍልፍሉን ክየቕርብ እሓትቶ።

  • 1) ፕሮፈሰር ራይነር ቮኽት (Rainer Voigt) ኣፍእንዳ ደቡብ ትግራይ ብ ፍሉይ ኣፅኒዑ፥ ካብ ካልኦት ላዛታት ብ ዝበለፀ ናብ ግእዝ ዝቐረበ ምዃኑ ደምዲሙ ይብል ኣሎ። ኣብ ኣየናይ ምርምር ከምኡ ከም ዝበለ ዶ ክትሕብረልና? ኵልለና ኣንቢብና ሓቅቂ ምዃኑ ክነዳግግ ስለ ዝንደልይ፡ መራኽቦ (ሊንክ) ቱ ምርምር፥ ወይ ክዓ ኣርእስቱ ዶ ኣብ ዙይ ክትሕብረልና?
  • ኣብ ቀረባ ኽዓ ከም ዙይ ኢልካ ነይርካ “ኣብ ራያ ቋንቋታት ትግርኛ፣ [ግዕዝ]፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ኽመጣጋ (ኣገውኛ)፣ ዓፋርኛ፣ ብብመጠኖም ይንገሩ” https://www.facebook.com/permalink.php…
    ኣይንኦም እዮም ቶም ግዕዝ ዝይናገሩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ? ዙይ ዝየርእይ መፅናዕቲ ዶ ክትሕብረልና? ኣብ ምንታይ ተመርኲስካ እይኻ ከምኡ ትብል ዘልለኻ?

——

ቅድሚ ሀዚ ዝበልካዮም ነገራት እውን ክትምልስ እግረይ መንገደይ ፃውዒት አቕርበልካ። ሳይንስ እንተ ዀይንና ነውግዕ ዘልለና፡ ብ መረድዳእታ፥ ፍልፍልና ፀሪሕና እዩ። ቅድሚ ሀዚ ተሓቲትካ ዘኢመለስዮም ፦

  1. ዝይገርም ኢሳይንሳውን ግጉይን ኣስተምህሮ
  2. ግጉይን ኢሳይንሳውን ኣስተምህሮ ኣብ ህዝባዊ መድረኻት፥ ብ ቐሊል ዘኢይርአይ ጕዳይ

ኣብ ዞም ላዕላይ ዘለዉ ልጡፋት ከም ዝይርአዩ፡ ሓጐስ ዞም ዝይስዕቡ ነገራት ኢልካ፦

  1. “ሰብ ዝይኣርግ ብ “ግራቪቲ” እዩ። ግራቪቲ ዜሮ እንተ ዝይዀን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይይኣርግን።” ኣበይ ዝርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታኻ ዶ ክተቕርበልና?
  2. ድጋም (ብ ሓፈሻ ቃል) ናይ ማይን ሓመድን ሞለክዩላዊ ቅርፂ ይልውጥ እዩ ኢልካ። እዙይ ድማ፡ ል ሕማምን ፈውስን ምኽንያት እዩ ኢልካ። ኣበይ ዝይርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታ?
  3. ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ፥ ብ ሳይንስ ድማ ከም ዝተደገፉ ተናጊርካ፡ ኣሕውዮት ኳንተም (Quantum healing) ከም ምስክር ኣቕሪብካ። ኣሕውዮት ኳንተም ግን ሳይንስ ኣይኰነን። ሳይንስ መሳሊ ኢሳይንስ (Pseudoscience )እዩ። ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ ዝየርእይ መረድዳእታ ሓቅቀኛ ሳይንስ ዶ ኣለካ?

———-

ኮፐርኒከስ ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቒሱ ከም ዘብራህርሀ ኣብ 2017 ዓምፈ ሓጐስ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝበሎ “ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቅሶ ነው የሚያብራውው” ል እዚኣ ክሻብ ሀዚ መረድዳእታ ኣየቕረብካን። ዚኣ ውን ርአዩዋ። https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid0HHXuLc3yWYneze1LnVm4iNvPahCA4ydXbAN2CY9ocDUoMRN7d1wrWpd5uxoqZ8KJl

4) 8 ለካቲት 2024 ዓምፈ

ሓጐስ፡ ኣብ ትሕቲ ዛ ላዕላይ ዘልል ልጡፍ (3) ዙይ ኢሉ ይምብል ፦

“ብመረሰት ዝኾነ እምነት ወይ ሓሳብ እዙይ እዩ ማለት ኣነ ይኣምነሉ እየ ኣይኣምነሉን ማለት ኣይኮነን፤ መብዛሕቲኡ ጠቒሰ ዘውግዖ ዓውዲ ተረዳእ ኢለ ደጋጊመ ነግረካለኹ። ንኣብነት ብመሰረት ኳንተም ሂሊግ ተይለ፣ ኳንተም ሂሊንግ ትኽክል እዩ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኮነን፤ ሳይንስ እዩ ሲዱ ሳይንስ እዩ ኣይኮንን ሓሳበይ። ሳይንስ፣ ብዙሕ ከከራኽረና እውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጉዳይ ሳይንስ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ብግልፂ ክንሟገት/ክንመያየጥ ንኽእል ኢና፣ ብስልጡን መንገድን ብምኽንያታውነትን ትሙግት እንተኽኢልኻ። እተን ሐዚ ዝወሰኻየን ኽልተ ነጥቢታት፡- 1. ግዕዝ ኣብ ቤተ-እምነት ተዘይኾይኑ ከም ቋንቋ ኣደ ዝዛረብ ማሕበረሰብ ከምዘየለ ንማንም ግልፂ እዩ፣ ካብቶም ዝርዝር ቋንቋታት ፈልየ ኣብ ብራኬት ውሽጢ [ግዕዝ] ኢለ ዘእተኽዎ ርኣዮ። ኻሊእ ራነር ፎክት ይኹን ኻሊእ ሕድሕድ ዝጠቐስኽዎ ሪፈረንስ ኣብ ፌስቡክ ክልጥፍ ግድን ኣይኮነን። እዚኣ ትብል ሪፈረንስ ደልየያሞ ለኣኸለይ ተይልኻኒ ግዜ ወሲደ ሰነደይ ፈቲሸ ክሰደልኻ።ብሓፂሩ ግና “ከፍየል በላይ ነው!” ጓሂኻ ይርድአልኻ እየ።”

——————-

ኣነ ኽዓ ዝይስዕብ ብ መልክዕ ርእይቶ ኣብኡ መለስኩሉ

“ሎሚ፡ መረድዳእታ ምቕራብ ወይ ፍልፍልካ ምፅራሕ ናይ ሓንቲ ደቂቓ ስራሕ እያ። ብ ቕንዕና መልልስ። ሸትዅትዅን ምሽውዋድን ኣይየድልን። ብ ንኡሽተይ ዋላ ንጀምር፦1) ሓንቲ ኣርእስቲ ካብ ተን ላዛ ደቡብ ምስ ግእዝ ኣነፃፂረን ላዛ ደቡብ ናብ ግእዝ ይቐርብ እዩ ዝበላ መፅናዕትታት ራይኔር ቮኽት ጥቕስ። ሓንቲ ፍረ፥ ሓጐስ!2) “ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቅሶ ነው የሚያብራውው”። ፍልፍል እዚኣ ኣቕርብ። ካልእ ምንም ኣይየድልየካን።እዚኣተን ብ ቕንዕና ምስ መልለስካ፡ ናብ ካልእ ክንሸግር እይና። ቱ ኣንፈት ወግዒ ል ምቕያር ዝትገብሮ ፈተነ፡ ይትረፍካ፥ ይትረፈና፝


5) 9 ለካቲት 2024 ዓምፈ

ተን ኣብ ላዕላይ ዝተለዋወጥናየን ርእይቶታት ሓዊሰ ዛ ዝትስዕብ እልጥፍ።

ክትትዕ ምስ ሓጐስ ኣብርሃ (ዝቐፅፀለ)

ሓጐስ ካብ ቅድሚ 7 ዓመታት ጀሚሩ ል ዝበሎም ዓበይቲ ነገራት፡ መረድዳእታ/ፍልፍሉ ክይጠቅስ ካብ ቅድሚ 7 ዓመታት ጀሚረ ሓቲተዮ ኣለኹ። ኽሻብ ሀዚ ዋላ ሓንቲ ክየቕርብ ኣይክኣለን። ሳይንሳዊ መሰረት ዘልለዎም ብህሎታት እንተ ዝዀኑ ነይሮም፡ ብ ቐሊሉ ፍልፍሉ ምፅራሕ ምኽኣለ። ንሱ ተሪፉ፡ ኣድበስቢሱ፥ ሸውዊዱ፥ ኣንፈት ወግዒ ኣቐዪሩ ክይሓልፎ ይፍትን። ኣነ ናብኡ ክኣትው ኣይእደልይን። ናብ ተን ነጥብታት ጥራሕ! ሰለስተ ነጥብታት ካብ ናይ ትማሊ መልሱ (ሓጐስ ዝውሃቦ ምሉእ ርእይቶ ኣብ ታሕቲ ርአዩ) ፦

  1. “ብመረሰት ዝኾነ እምነት ወይ ሓሳብ እዙይ እዩ ማለት ኣነ ይኣምነሉ እየ ኣይኣምነሉን ማለት ኣይኮነን” ዝበልካዮም ከምኡ ዝበሉ እውን ኣይኰኑን። ከም ሳንሳዊያን ሓቅቅታት፥ ከም ዝትኣምነሎ ርግፀኛ ኰይንካ እይኻ ኣቕሪብካዮም። ኣብነት፦ “ኮፐርኒከስ መሬት ኣብ ዙርያ ፅሓይ ከም ዝትዘው ሀዚ ኣብ ኣክሱም ካብ ዝይርከብ ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቒሱ ኣብራህሪሁ” ኢልካ ቅድሚ 7 ዓመታት። ኣበይ፥ ኣርእየና ኢለካ፥ ሀዚ እውን እብለካ ኣለኹ። እዚኣ ካልእ ኣይተድልያን፥ ፍልፍልካ ምፅራሕ ጥራሕ እያ ዝተድልያ። ብ ተመሳሳሊ ል ተን ካልኦት ሕትቶታት እውን ፍልፍልካ ተቕርብ።
  2. “ኻሊእ ራነር ፎክት ይኹን ኻሊእ ሕድሕድ ዝጠቐስኽዎ ሪፈረንስ ኣብ ፌስቡክ ክልጥፍ ግድን ኣይኮነን”ምናልባሽ፡ ል ፈለማ ክትብሎ እንተ ለኻ ግድን ከም ሳይንሳዊ ሕትመት ምጥቃስ ዘኢክየድልይ ይዀን። ል ከም ዙይ ዓይነት ፍሉይ ብህሎት፡ መረድዳእታኻ/ፍልፍልካ ክተቕርብ እንትትሕተት፡ ብ ቕንዕና ክተቕርብ ግን ንቡር/ምሁራዊ ግድዴታ እዩ።
  3. “እዚኣ ትብል ሪፈረንስ ደልየያሞ ለኣኸለይ ተይልኻኒ ግዜ ወሲደ ሰነደይ ፈቲሸ ክሰደልኻ” ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ል ዝበልካዮ ነገር፡ ል ምንታይ ናብ በይነይ ክትልእኸለይ እሓትተካ? መረድዳእታኻ/ፍልፍልካ ኵልሉ ህዝቢ ኣብ ዝይርእዮ መድረኽ፥ ኣብ ቱ ንዛተየሉ ዘልለና ፈይስቡክ ክተቕርብ ንቡር እዩ። ቅድሚ 7 ዓመት እውን፡ ል ዛ ዛዕባ ኮፐርኒከስ ፍልፍልካ ክተቕርብ ምስ ሓተትኩኻ፡ ብ ኣካል ናብ ቢሮኻ ክእመፅ፥ ወይ ናብ ኢመይለይ ብ ውልቀይ ክትልእኸለይ ዝይብል ሓሳብ ኣልዒልካ ነይርካ። ክሽዓ እውን፥ ሀዚ እውን መልሰይ ሓንቲ እያ፦ ል በይነይ እንተ ኢዀነስ ዅልልና ኣብ ዝንርእዮ መድረኽ፥ ኣብ ቱ ንዝትየሉ ዘልለና ፈይስቡክ ኣቕርበልና እያ!

ብ ቕንዕና መረድዳእታኻ/ፍልፍላትካ ክተቕርብ እምሕፀነካ። ካልእ ኣይየድልን።

——–

ታ ናይ ትማሊ ልጡፍ

ሓጐስ ል ታ ናይ ትማሊ ልጡፍ ዝውሃቦ መልሲ:-

"ብመረሰት ዝኾነ እምነት ወይ ሓሳብ እዙይ እዩ ማለት ኣነ ይኣምነሉ እየ ኣይኣምነሉን ማለት ኣይኮነን፤ መብዛሕቲኡ ጠቒሰ ዘውግዖ ዓውዲ ተረዳእ ኢለ ደጋጊመ ነግረካለኹ። ንኣብነት ብመሰረት ኳንተም ሂሊግ ተይለ፣ ኳንተም ሂሊንግ ትኽክል እዩ ጌጋ እዩ ማለት ኣይኮነን፤ ሳይንስ እዩ ሲዱ ሳይንስ እዩ ኣይኮንን ሓሳበይ። ሳይንስ፣ ብዙሕ ከከራኽረና እውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ጉዳይ ሳይንስ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ብግልፂ ክንሟገት/ክንመያየጥ ንኽእል ኢና፣ ብስልጡን መንገድን ብምኽንያታውነትን ትሙግት እንተኽኢልኻ። እተን ሐዚ ዝወሰኻየን ኽልተ ነጥቢታት፡- 1. ግዕዝ ኣብ ቤተ-እምነት ተዘይኾይኑ ከም ቋንቋ ኣደ ዝዛረብ ማሕበረሰብ ከምዘየለ ንማንም ግልፂ እዩ፣ ካብቶም ዝርዝር ቋንቋታት ፈልየ ኣብ ብራኬት ውሽጢ [ግዕዝ] ኢለ ዘእተኽዎ ርኣዮ። ኻሊእ ራነር ፎክት ይኹን ኻሊእ ሕድሕድ ዝጠቐስኽዎ ሪፈረንስ ኣብ ፌስቡክ ክልጥፍ ግድን ኣይኮነን። እዚኣ ትብል ሪፈረንስ ደልየያሞ ለኣኸለይ ተይልኻኒ ግዜ ወሲደ ሰነደይ ፈቲሸ ክሰደልኻ።ብሓፂሩ ግና “ከፍየል በላይ ነው!” ጓሂኻ ይርድአልኻ እየ።" 

ብ ድሕሪኡ ኣነ ል ርእይቶኡ ዝውሃብኩዎ መልሲ:-

ሎሚ፡ መረድዳእታ ምቕራብ ወይ ፍልፍልካ ምፅራሕ ናይ ሓንቲ ደቂቓ ስራሕ እያ። ብ ቕንዕና መልልስ። ሸትዅትዅን ምሽውዋድን ኣይየድልን። ብ ንኡሽተይ ዋላ ንጀምር፦1) ሓንቲ ኣርእስቲ ካብ ተን ላዛ ደቡብ ምስ ግእዝ ኣነፃፂረን ላዛ ደቡብ ናብ ግእዝ ይቐርብ እዩ ዝበላ መፅናዕትታት ራይኔር ቮኽት ጥቕስ። ሓንቲ ፍረ፥ ሓጐስ!2) "ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው 'መፅሐፈ ሳቤላ' ጠቅሶ ነው የሚያብራውው"። ፍልፍል እዚኣ ኣቕርብ። ካልእ ምንም ኣይየድልየካን።እዚኣተን ብ ቕንዕና ምስ መልለስካ፡ ናብ ካልእ ክንሸግር እይና። ቱ ኣንፈት ወግዒ ል ምቕያር ዝትገብሮ ፈተነ፡ ይትረፍካ፥ ይትረፈና።


—————–

[መተሓሳሰቢ ል ኣንበብቲ፦ ዙይ ግብቡእ ኣከዳምያዊ ክትትዕ እዩ። ዛዕባ ናብ ካልእ ምጥማም፥ ባእሲ ከም ዘልሎ ኣምሲልካ ዓራቓይ/ገላገላይ መሲልካ ምቕራብ፥ ምኽሪ ምውሃብ ኣይይግባእን። ቱ ዛዕባ ኣንቢብካን ተረዲእኻን ምክታዕ ግን ይ’ምዓድ።]

6) 22 ለካቲት 2024

ካብ ዕለት 22 ለካቲት ጀሚሩ ሓደ ዝጠምጠመ ቘልዓ ኣብ ሓደ ቻነል ዩቱብ ቐሪቡ ዝበሎ ነገር ዛዕባ ይዀን [12345]። ቱ ዛዕባ መሬት ፀፋሕ እምበር ክብቢ ኣይኰነትን፥ ፅሓይ እምበር መሬት ኣይትዝወርን ዝይብል እዩ። ቱ ሓሳብ ዝይረብሕ ኰይኑ እንተ ኢዀነስ፡ ብዙሕ ሰብ ዛዕባ ገይሩ ል ቱ ብሃሊኡ እውን ይወርዶን የቈናፅቦን ነበረ። ኣነ ኽዓ፡ ቅድሚ ሀዚ፡ ኣብ ሳይንስ ዘኢሰረቱ ብዙሓት ነገራት እንትይብሃሉ ሱቕ ዝይብል ነጣፋይ ፈይስቡክ፡ ኣብ ዙ ቘልዓ ግን በሊሑ ምስ ርአኹ፡ ጕድዳይ ሳይንስ መሲሉ ኣይስተሰምዐንን። ድንደናን መመሪፅካ ምድፋርን መሲሉ ስለ ዝተሰምዐኒ፡ ሰባት ል ምንታይ ኣብ ካልኦት (ብ ፍላይ ሰብ ልዑል ምዓርግን ዓብዪ ሓልፍነትን) ከምኡ ዘኢምብልሖምን ዘኢምድፋሮምን ል ምንቃፍ፡ ታ ኣብ 3 ዘልላ “ሳይነስ ዶስ እንታይ?” ዝትብል ልጥፍቲ ኣብ ትሕቲኣ ኣተሓሒዘ ዛ ዝትስዕብ እልጥፍ

“ኣብ ዓድድና ጨና ፍልጠት ሳይንስ የለን። ካብ ዅልሉ ል ላዕሊ ክዓ ቱ ደንዳናይ ባህልና የሰክፍ። ኣብነት ል ምንታይ እይና ድኣ ኣብ ዚኣ ከም ዙ ኣብ ዙ ቐሺ ዘኢበላሕና፧ ፍርሒ? ድንደና? ኣድልዎ? ዙ ቐሺ ሲ ቁሩብ እኳ መጒቱ። ብ ዓይኒ ጕድኣት ከ ቶም ሓጐስ ዝበሎም ዶ ኣይይገድዱን?

ሓጐስ ዝይስዕብ ይምልስ

ሰላም ገብረክርስቶስ
ዘለካ ውልቃዊ ፅልኢትን ግጉይ ርድኢት ሓደ ከባብን ምኽንያቱኳ ተዘይፈለጥኽዎ፣ ከም ሓው ክትሕከሞ ክመኽረካ እምበር ናብቲ ናትኻ ወሪደ ኣይፀርፈካን። “ሃሳስ ሓደ ደርፉ!” ከምዝበሃል፣ ተመሳሳሊ ፀርፊ ላለጥፍኻ ከም ፓቭሎቭ ኽልቢ ኣብ ናተይ ጉዳይ classically conditioned ኣይትኹን። ምኽሪ ሓው እዩ! ምስኻሊእ እውን ምፅራፍ ኣየድልየካን። ብዝኾነ እተን ዓውዲ ኣስሒትኻ ትቖራርፀን ቪድዮታት ንኻሊእ ሰብ መንገዲ ከየስሕታ ጥራሕ ንመጀመርታን ንመወዳእታን ይምልሰልኻለኹ። ኽቡር ሓው ንቐፅል!

  1. ብዛዕባ እታ ድሕነት/ሂሊንግ ትምልከት፣ ብኣርቲክል መልክዕ ኣብ Brill ካብቶም ፍሉጣት ዝበሃሉ ዓለምለኸ ጆርናላት ስለዘሐተምኹዎ፣ ከምዚ ቪድዮ ስለዘይተቖረፀን ዓውዲ ንምርዳእ ስለዝሕግዝን ኣንብቦ። ንሱ ኣንቢብኻ review ግበሮ፤ ተደሊኻ እቲ ምጉትዃ ሳይንሳውያን ይቀበልዎሞ ኣሐትሞ፤ ሽዑ ንርኢ። ኣብዚ መፅሓፍ ምዕራፍ 11 (Chapter 11) ኣለካ https://brill.com/display/title/65091…
  2. ሳይንሳዊ ምጉት መረጋገፂኡ ኣነን ንስኻን ኣብ መድረኻት ፌስቡክ ብእንፅሕፎ ስምዒት እተመልኦ ሓሳብ ከይኾነስ፣ ስራሕኻ ኻልኦት ናይቲ ዓውዲ ሊቃውንቲ እውን ሬቪው ገይሮም ኣሚኖምሉ ተተሓቲሙ እዩ። መሰረተ ሓሳብ ሳይንስ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣብዚ ክሙግት ግዜ የብለይን። ባዕልኻ ፀሓፊ፣ ባዕልኻ ሬቬው ገባሪ፣ ባዕልኻ ኣሐታሚ እንተኾይኑ፣ ሓንቲ ዌብሳይት ፈጢርኻ drope in! drope out ምግባር ጥራሕ እዩ ዝድለ። As simple as that.
  3. ግዕዝ ኣብ ራያይ ከም ቋንቋ ኣደ ይዝረብ ዝብል ኣይወፀንን፣ ኹሉ ግዜ ኣፀሓሕፋን ዓውዲ ኣዘራርባን ተረዳእ። ኣይትቸኩል! [ግዕዝ] ኢለ ምቕማጠይ ኣብ ግልጋሎት ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብ ብራናታትን ፅሑፍ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ተዘይኾይኑ። ሃለዋት ግዕዝ እንታይ ምዃኑ ንማንም ኣይጥፍኦን።
  4. ብዛዕባ ላዛ ደቡብ ትግራይ (ራያ በሎ ወጀራት) እሞ ድማ ምስ ግዕዝ ተደሓሒዙ ከም በዓል ሞያ ነጊረካ “ኣይ!” ኻልኦ ሰባት እየ ዝደሊ ናትኻ ኣይሰምዕን እንተይልኻ፣ መሰልኻ እዩ። ናይ ኻልኦት ሰባት ኣብዚ ኣለካ ኣንብቦ። ብዝኾነ ራይነር ፎክት ኣብ ትግራይ መፂኡ ብኣካል ብዙሕ ኣዕሊልና ካብ ኣንደበቱ እውን ሰሚዐ እየ ጠቒሰዮ፣ ኽልተ መፃሕፍቲ ትግርኛ ገዚኡ ኸይዱ፤ ብላዛ ደቡብ ትግራይ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ደልዩ ስኢኑ፤ ላዛ ማጨው ኢሉ እዩ ዝፅውዖን ዝፀሓፎን ። ኣብ ሶሻል ሳይንስ ኮሌጅ (መቐለ ዩኒቭርስቲ) ናይ ኽሊቴና ፎቶ ዝሓዘ (ናተዛተይና ዘርኢ) ዝኾነ መፅሄት ተሓቲሙ ነይሩ፣ ሐዚ ኣብ ኢደይ የለን እምበር። ብዝኾነ ኣብዚ ኣለዉኻ እውን ኣንብቦም። A. Tsehaye Kiros B. Voigt, Rainer (2006) Sudtigrinische Dialekte: Das einfache undzusamrnengesetzte Priisens im Dialekt von May-c’iiw (Tigray).In Proceedings of the XV International Conference o/EthiopianStudies, ed. by Siegbert Uhlig, 893·898. Wiesbauen:H arra:3sowi tz.
  5. ምርምር መብዛሕቲኡ ግዜኳ ከም ኣረኣእያኻ እንተኾነ፣ ከም ሰብ ይኹን ከም ተመራማሪ፣ ክጋገ፣ ክሰሓሓት ይኽእል እየ። ኣብ ዝተጋገኽዎ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ብዝሰልጠነ መንገዲ ሓሳቡ ንዘቕርብ ሰብ ንምድማፅ ድልው እየ። ኣሉታን “ቶክሲክ” ድባብ ዝፈጥሩ ኢ-ምኽንያታዊ ዝኾኑ ስምዒታት ንምድማፅ ግና ብዙሕ ትርፊ ግዜ የብለይን። የቐንየለይ!

7) 23 ለካቲት 2024 ዓምፈ

ኣነ ኽዓ ዝይስዕብ እምልስ። ቶም ዋንና ዕላማ ከም ቱ ኣብ መፈለምታ ዙ ፅፍሑ ሰፊሩ ዘልሎ፡ ሕትቶታተይን መልስታት ሓጐስን ጐንኒ ል ጐንኒ ምቕማጥ እዩ።

ሕትቶታተይ ወ መልስታት ሓጐስ ኣብርሃ

ካብ 2017 ዓምፈ ጀሚረ፡ ሓጐስ ኣብርሃ ኣብ ሜድያ ቀሪቡ ሰባት ወይ መፅናዕትታት ፀሪሑ ል ዝበሎም ዓበይቲ ብህሎታት፡ መረድዳእታ ክየቕርብ እናሓተትኩዎ ፀኒሐ እየ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን፡ ብ ሕርቃን ብ ትርፊ ዘረባን ኣብ ዝተዓጀበ ናይ ትማሊ ፅሑፍ መልሲታት ውሂቡ ኣልሎ። “ዘለካ ውልቃዊ ፅልኢትን ግጉይ ርድኢት ሓደ ከባብን ምኽንያቱኳ ተዘይፈለጥኽዎ” ኢሉ ኽዓ ኸሲሱኒ። ኣንፈት ክትትዕና ናብ ውልቃዊን ከባብያዊን ዛዕባ ብ ምቕያር፥ መዝረን ደገፍ ቲፎዞን ል ምሕታት ዝይግበር ፈተነ ምዃኑ እርዳእ። ሳይንስን ሳይንሳዊ ክትትዕን ጕዳይ ቲፎዞ ኣይኰነን። ውልቃዊ ጕዳይ የብለይን፣ ጕዳይ ሳይንሳዊ ክትትዕ እዩ።

ቱ ትርፊ ዘረባን ክስስን ል ጐንኒ ሓዲገ፡ ተን መረድዳእታ ክየቕርበለን ዝቐረባ ሕትቶታትን ዝውሃበን መልስታትን ብ ሓደ (ሕትቶ ብ መልሱ ኣብ ውሽጢ << >> ብ ምስዓብ) አቕርበን ኣልለኹ። ተን ዘኢተመለሳ እውን ኣብኡ ኣልለዋ። ኣንበብቲ ርእዮም ናይ ባዕሎም ትዕዝብቲ ወይ መረድዳእታ ይውሰዱ።

———-

    • ፕሮፈሰር ራይነር ቮኽት (Rainer Voigt) ኣፍእንዳ ደቡብ ትግራይ ብ ፍሉይ ኣፅኒዑ፥ ካብ ካልኦት ላዛታት ብ ዝበለፀ ናብ ግእዝ ዝቐረበ ምዃኑ ደምዲሙ ይብል ኣሎ። ኣብ ኣየናይ ምርምር ከምኡ ከም ዝበለ ዶ ክትሕብረልና? ኵልለና ኣንቢብና ሓቅቂ ምዃኑ ክነዳግግ ስለ ዝንደልይ፡ መራኽቦ (ሊንክ) ቱ ምርምር፥ ወይ ክዓ ኣርእስቱ ዶ ኣብ ዙይ ክትሕብረልና?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ <<ብዛዕባ ላዛ ደቡብ ትግራይ (ራያ በሎ ወጀራት) እሞ ድማ ምስ ግዕዝ ተደሓሒዙ ከም በዓል ሞያ ነጊረካ “ኣይ!” ኻልኦ ሰባት እየ ዝደሊ ናትኻ ኣይሰምዕን እንተይልኻ፣ መሰልኻ እዩ። ናይ ኻልኦት ሰባት ኣብዚ ኣለካ ኣንብቦ። ብዝኾነ ራይነር ፎክት ኣብ ትግራይ መፂኡ ብኣካል ብዙሕ ኣዕሊልና ካብ ኣንደበቱ እውን ሰሚዐ እየ ጠቒሰዮ፣ ኽልተ መፃሕፍቲ ትግርኛ ገዚኡ ኸይዱ፤ ብላዛ ደቡብ ትግራይ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ደልዩ ስኢኑ፤ ላዛ ማጨው ኢሉ እዩ ዝፅውዖን ዝፀሓፎን ። ኣብ ሶሻል ሳይንስ ኮሌጅ (መቐለ ዩኒቭርስቲ) ናይ ኽሊቴና ፎቶ ዝሓዘ (ናተዛተይና ዘርኢ) ዝኾነ መፅሄት ተሓቲሙ ነይሩ፣ ሐዚ ኣብ ኢደይ የለን እምበር። ብዝኾነ ኣብዚ ኣለዉኻ እውን ኣንብቦም። A. Tsehaye Kiros https://www.abebooks.com/…/Wajerat-Dialect-Vs…/plpB. Voigt, Rainer (2006) Sudtigrinische Dialekte: Das einfache undzusamrnengesetzte Priisens im Dialekt von May-c’iiw (Tigray).In Proceedings of the XV International Conference o/EthiopianStudies, ed. by Siegbert Uhlig, 893·898. Wiesbauen:H arra:3sowi tz.>>
    • “ኣብ ራያ ቋንቋታት ትግርኛ፣ [ግዕዝ]፣ ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ኽመጣጋ (ኣገውኛ)፣ ዓፋርኛ፣ ብብመጠኖም ይንገሩ” https://www.facebook.com/permalink.php…ኣይንኦም እዮም ቶም ግዕዝ ዝይናገሩ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ? ዙይ ዝየርእይ መፅናዕቲ ዶ ክትሕብረልና? ኣብ ምንታይ ተመርኲስካ እይኻ ከምኡ ትብል ዘልለኻ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ << ግዕዝ ኣብ ራያይ ከም ቋንቋ ኣደ ይዝረብ ዝብል ኣይወፀንን፣ ኹሉ ግዜ ኣፀሓሕፋን ዓውዲ ኣዘራርባን ተረዳእ። ኣይትቸኩል! [ግዕዝ] ኢለ ምቕማጠይ ኣብ ግልጋሎት ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብ ብራናታትን ፅሑፍ ከምዘሎ ንምዝኽኻር ተዘይኾይኑ። ሃለዋት ግዕዝ እንታይ ምዃኑ ንማንም ኣይጥፍኦን። >>
    • “ሰብ ዝይኣርግ ብ “ግራቪቲ” እዩ። ግራቪቲ ዜሮ እንተ ዝይዀን፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይይኣርግን።” ኣበይ ዝርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታኻ ዶ ክተቕርበልና?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ << >>
    • ድጋም (ብ ሓፈሻ ቃል) ናይ ማይን ሓመድን ሞለክዩላዊ ቅርፂ ይልውጥ እዩ ኢልካ። እዙይ ድማ፡ ል ሕማምን ፈውስን ምኽንያት እዩ ኢልካ። ኣበይ ዝይርከብ ሳይንስ እዩ እዙይ? መረድዳእታ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ << >>
    • ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ፥ ብ ሳይንስ ድማ ከም ዝተደገፉ ተናጊርካ፡ ኣሕውዮት ኳንተም (Quantum healing) ከም ምስክር ኣቕሪብካ። ኣሕውዮት ኳንተም ግን ሳይንስ ኣይኰነን። ሳይንስ መሳሊ ኢሳይንስ (Pseudoscience )እዩ። ፀበልን ማየ ፀሎትን ከም ዝየድሕኑ ዝየርእይ መረድዳእታ ሓቅቀኛ ሳይንስ ዶ ኣለካ?
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ <<ብዛዕባ እታ ድሕነት/ሂሊንግ ትምልከት፣ ብኣርቲክል መልክዕ ኣብ Brill ካብቶም ፍሉጣት ዝበሃሉ ዓለምለኸ ጆርናላት ስለዘሐተምኹዎ፣ ከምዚ ቪድዮ ስለዘይተቖረፀን ዓውዲ ንምርዳእ ስለዝሕግዝን ኣንብቦ። ንሱ ኣንቢብኻ review ግበሮ፤ ተደሊኻ እቲ ምጉትዃ ሳይንሳውያን ይቀበልዎሞ ኣሐትሞ፤ ሽዑ ንርኢ። ኣብዚ መፅሓፍ ምዕራፍ 11 (Chapter 11) ኣለካ https://brill.com/display/title/65091… >>
    • ኮፐርኒከስ ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቒሱ ከም ዘብራህርሀ ኣብ 2017 ዓምፈ ሓጐስ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝበሎ “ኮፐርኒከስ መሬት በፀሓይ ዙርያ እንደምትሽከረከር ኣሁን በኣክሱም የሚገኘው ‘መፅሐፈ ሳቤላ’ ጠቅሶ ነው የሚያብራውው”
    • መልሲ ሓጐስ ኣብርሃ << >>

————

ብ ዛ ልጣፍ እዚኣ https://www.facebook.com/gabremeskel/posts/pfbid02nUQWZAp7qxZGzzqkGVP1xR9FUvYk3gNXGw4DBXKvVVEWN8Vbqq9zWXJdRMe8Ni2vl ተላዓዒሉ እዩ ኣብ እዚኣ መልሊሱ https://www.facebook.com/permalink.php…

ዚኣ ድሕሪ ምልጣፉ፡ ሓጐስ ካብ ዕርክነት ፈይስቡኩ ኣወጊዱ ᎄልሊኹኒ። ብ ድሕረይ ብ ምሳልያዊ ኣነጋግራ ገይሩ፡ ንሱ ልቢ ኣዕቢዩ ናየይ ኣፍእንዳ (ላዛ) (ኣይይንኡ ዀን ይዀን ቱ ንሱ ዝተምሃሮ ናየይ ኣፍእንዳ?) ተምሂሩን ለሚዱን ከም ዝይነብር፥ ኣነ ግን ልቢ ንኢሱኒ ወይ ሓንቂቐ ወይ ተበላፃይ ኰይነ ወይ ዕብቡይ ኰይነስ ናዩ ኣፍእንዳ እንተ ኢተምሃርኩን እንተ ኢለመድኩን “ናየይ [ኣፍእንዳ] ናይ ክልቲአና፥ ናይካ ግን ናይ በይንኻ” ብ ዝይብል መሪሕ እነበር ከም ዘለኹ ኣምሲሉ ለጢፉ ምንባሩ በፂሑኒ። ታ ልጡፍ ኣጥፊኡዋ ወይ ሓቢኡዋ ግድድስ ሀዚ ከም ዘየልላ እውን ፈሊጠ ኣልለኹ። ኣነ ኽዓ ድሕሪኡ ተᎇልኸተይ ዛ ዝትስዕብ ለጢፈ።

8) 24 ለካቲት 2024 ዓምፈ

ሓጐስ ኣብርሃ ክትትዕ ምስ ረሰነቶ ጭራኡ ደጕጒሉ ሃዲሙ

ሓጐስ ዝገራርሙ ነገራት ሳይንስ እዮም ኢሉ ኣብ ኣደባባይ ተናጊሩ። መረድዳእታ ኣቕርብ ኢለዮ። ናብ ውልቃዊን ዓውዱን መናብርቱን ዝዀነት ከባብያውን ዛዕባታት ጠውዩ ክየእትወኒ ሕጊጥ ኢሉ። ኣነ ኽዓ ኣብ ተን ዛዕባ ምቕራብ መረድዳእታ ጥራሕ ኣትኲረ ሒዘዮ። ረሲናቶ! ኣብ መወዳእታ ተፃሪፉ፣ ኣፀሊሙን ከስሲሱን ᎄልሊኹኒ።

ጥንቆላ፣ ቅጥፈትን ሕሾትን ካብ ከም ልሊ ቐሺ ኪዳኑ ዝበሉ ባህላውያን ጠንቆልቲ ይምፅኡ ካብ ዘመናዊያን ሰብ ቐምሽ ክነቃልዖም እይና። መረድዳእታ ክየቕርቡ ስለ ዘኢይኽእሉ ብ ምቅልዖም ይሓፍሩ፣ ዝየምልጡ ናመሰሎም ድማ ጭራኦም ደጕጒሎም ይሃድሙ። ኣይንላቐቕን። ኣብ ገፊሕ ሜዳ ኢንተርነት፣ብ ቱ ቋንቋ ሳይንስን ኣካዳምን ዝዀነ ቋንቋ እንግሊዘኛ እውን ክእምለሶ እየ። ሳይንስ ኣድማሳዊ እዩ፤ ትግራዋይ ወይ ናይ ሓደ ከባቢ ዝይብሃል ሳይንስ የልለን።

ብ ምᎇላዅ፡ መረድዳእታ ሒዙ ዝጠፍአ መሲሉዎ እውን እዩ። ኣነ ግን ከም ዝይሃድም ፈሊጠ መረድዳእታ ኣስጢመ ሒዘ እየ። ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ጠንቊልካ፣ ሓሺውካን ቐጢፍካን ክብሪ የለን። መረድዳእታ ኣቕሪብካ እዩ።

ሓጐስ ኣብ ዓውዲ ከባብያዊ ፖለቲካ እምበር ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ። ቱ ሳይንስ ኣምሲልካ ቕጥፈት፣ ምትላልን ምሕሻውን ክዓ ከም ዘኢይክኣል ኣርእየ ኣልለኹ። ዝተረፈ ናይ ኣንባባይ እዩ።

ኣብ መወዳእታ

ኣብ ሞንጎ ዙይ (ብ ፍላይ ቕድሚ ምᎇላኹ ይዅን ድሕሪኡ) ልዕሊ ሰለስተ ዝዀኑ ጋዜጠኛታት (ኣካታዕቲ) ክየካትዑና ኢሎም በቢ ውልቀ ሓቲቶምና እዮም። ኣብ ውልቃዊን ከባብያውን ዛዕባ ክእካታዖ ድልየት ከም ዘየብለይ፥ ኣብ ቶም ብህሎታቱ፥ ሳይነስን ምቕራብ መረዳእታን ግን ክእካትዖ ፍቓደኛ ምዃነይ ገሊፀ እሺ ኢለ እየ። ሓጐስ ከ እንታይ በለ? ዋላ እኳ ኣብ ላዕላይ ኣብ ሓደ ልጡፉ ከም ዝንርእዮ ል ይምሰል ክይካታዐኒ ከም ዝይኽእል እንተ ገለፀ፡ ብ ግብሪ ግን፡ ል ዅልሎም ቶም ዝሓተቱዎ እሺ ከም ዘኢበለ ፈሊጠ ኣልለኹ።

Continue Reading
3 Comments

3 Comments

  1. Kokeb Hagos

    February 29, 2024 at 7:48 pm

    ” ድንደናን መመሪፅካ ምድፋርን መሲሉ ስለ ዝተሰምዐኒ” ዶ በልካ? እዚ ጉዳይ ኣብ ሓፋሽ ህዝብና ብፍላይ ድማ ኣብ ናይዚ ዘመን “ንሕና ንሓይሽ” ዝብሉ “ምሁራት” ዝረአ ለበዳ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ነቲ ኩነታት እናረኣኻ ምግልብባጥ። ናይ ሞራል ዝሕታለ ቀስ ብቐስ ይልሑኽ ኣሎ።

  2. b

    February 29, 2024 at 4:13 pm

    I too am going to ask 🙂

    Fix the dates to avoid this conflict.

    “Published 23 mins ago on February 29, 2024”
    and
    “8 ሚያዝያ 2024 ዓምፈ
    8 ሚያዝያ 2024 ዓምፈ
    9 ሚያዝያ 2024 ዓምፈ
    22 ሚያዝያ 2024
    23 ሚያዝያ 2024 ዓምፈ
    24 ሚያዝያ 2024 ዓምፈ”

  3. Haile

    February 29, 2024 at 4:01 pm

    Replace Miazia 2024 with Lekatit 2024.

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT