Connect with us

ትንተና

ስሩዕ ልስሳነ ፅሑፍ ትግርኛ

Published

on

ል ልዕሊ 6 ዓመታት ስለ ኣድላዪነትን እንታይነትን ስሩዕ ስርዓተ ፅሕፈትን ልስሳነ ፅሑፍን፡ ብ ዋንናነት ኣብ ፈይስቡክ፥ ካብኡ ድማ ኣብ ዝ ተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፍፋሽ፥ ኣብ ዩቱብ፥ ኣብ ዝ ተፈላለዩ መድረኻት ክ ንገልፅ፥ ክ ንምህር፥ ክ ነረድድእ ፀኒሕና እይና። መዘውርን ዓምድን ቱ ዝ ንምህሮ ልስሳነ ፅሑፍ፡ ምምርማር ርብበትን ስርዓትን ቋንቋ ልስሳነ ትግራይ እይዩ። ቱ ስርዓት ቋንቋ ትግርኛ መርሚርና ወ ሰሪዕና ኣብ ዌብሳዪት መርምሩ ኣቕምሚጥናዮ ኣልለና። 

ቱ ብ ልማድ መፂኡ ሀዙ ዝ ንጥቀመሉ ስርዓተ ፅሕፈት ይዅን ልስሳነ ፅሑፍ፡ ኣዝዮም ዓብበይቲ ፀገማት ኣልለዉዎ። ቶም ዋንናታት፡

  • ክ ትምህሮን ክ ትገልፆን ዝ ትኽእል ውፁእ ስርዓት ዘ የብሉ ምዃኑ
  •  ኣብ ስነ ቓልናን ዘረባናን ዘልለዉ ድምፀታትን ሓሳባትን ክ ይሽከምን ክ የሕልፍን ዘ ኢ ይኽእል ምዃኑ

እይዮም።

ከም ሳዕቤን ዙይ ድማ ብዙሕ ትምህርታዊ፥ ኢኮኖምያዊ፥ ማሕበራዊ፥ ፍልጠታዊ፥ ሰለጤናዊ ፀገማት ኣስዒቡን እናኣስዓበን፥ ዋጋ ኣኽፊሉን እናኣኽፈለን ይርከብ። ሃዲድ ወ ሰረት ስልጣነን ዘመናዊ ሕብረተ ሰብን ዝ ዀነ ስሩዕ ልስሳነ ፅሑፍ ስለ ዘ ኢ ተነፀፍፈ፡ ሽርሽር ንፁርን ስሉጥን ሓሳብ ተሰናኺሉ ይርከብ። ኢ ሃልዎት ውፁእ ስርዓት፡ ቱ ቋንቋ ፅሕፈት ምስ ቴክኖሎጂ (ብ ፍላይ ምስ ቴክኖሎጂ ኰምፕዩተር) ኣብ ዝ ይግበር ምትእስሳር እውን ዓብዪ ፀገም ፈጢሩ ይርከብ። ከም ኣብነት፡ ኪቦርድ ክ ንሰርሐሉ፥ ኮምፒተራዊ ኣርራሚ ክ ነማዕብለሉ፥ ካብ ዘረባ ናብ ፅሑፍ ዝ ይልውውጥ ስራሕ ኣስተብህሎት ማሽን ክ ንሰርሐሉ እንት ንሓስብ ቱ ኢ ሃልዎት ስርዓት ዋንና ፀገም ዀይኑ ንረኽቦ። ደማሚርካ እንት ይርአይ፡ ኢ ሃልዎት ስሩዕ ወ ግሉፅ ስርዓተ ፅሕፈትን ልስሳነ ፅሑፍን ሓደ ዓብዪ ፀገም እዩ።  

ዙ ኣብ መርምሩ ዘልሎ ስርዓት ቋንቋ ትግርኛ ብ ምጥቃም፡ ኣብ ዙ ሀዚ ዝ ንጥቀመሉ ስርዓተ ፅሕፈት ይዅን ልስሳነ ፅሑፍ ምሕየሻ ወይ ኣቅቃንዖት ክ ይግበር ንጕስጕስ፥ ንምህር፥ ነ’ስርፅ። ቶም ክ ይግበሩ ዝ ይግብብኦም ኣቅቃንዖታት ኣብ ዞም ዝ ስይዕስቡ ምድብባት ይኣትዉ። 

  1. ኣብ ፊደላት፦ በዝሒ፥ ድምፀት፥ ዓይነትን ኣጠቓቕማን ፊደላት ምውሳንን ብ ኣግባብን ብ ውፁእነትን ምጥቃምን 
  2. ዕቅቀባ ስርዓት ርክብ ስርወ ቃላትን ካብ ኣቶም ዝ ይወፅኡ ብዙሓት ቓላትን
  • መሰረታውያን ግሳትን ካብ ኣቶም ዝ ይወፅኡ ካልኦት ውሉዳት ግሳትን፥ ኣስማትን ቕፅፅላትን 
  • ግሳትን ስርዓት ግስሰሳታቶምን
  1.  ኣስማትን ስርዓተ ረባሕታኦምን
  2. ምፅሓፍ ቃላት ፈልይኻን ብ ንፅረትን 
  3. ሓልዎት ስርዓትን ቅርፅን፥ ርብበትን ስርርዕን ቋንቋ ትግርኛ 
  4. ምቕዳም ስርዓት 
  5. ኣሰተብህሎትን ኣርእዮትን ስርዓተ ድርረባ 
  6. ብ ስርዓት ምትግራው ካብ ካልኦት ቋንቋታት ዝ ይውሰዱ ቓላት 

ኣብ ዞም ዛዕባታት ኣድሂብና ኣብ ዝ ተፈላለዩ መድረኻት ዝ ውሃብናዮም ኣስተምህሮታት ወ ገለፃታት ኣልለዉ። ኣንበብቲ ክ ይረኽቡዎም ምእንቲ፡ ኣብ ዙይ ነቕርቦም ኣልለና። 

  1. ብ ቐንዱ ዌብሳዪት መርምሩ። ዙ ዌብሳዪት ዳርጋ ምሉእ ስርዓት ቋንቋ ትግርኛ ዝ ሓዘ እይዩ። ብ ፍላይ ኣብ ፊደላት፥ ኣብ ግሳትን ግስስሳን ምሉእ እይዩ። ኣጠቓቕምኡ ግን ቝሩብ ክእለት የድልዮ። ኣንበብቲ ዝ ተፈላለዩ ግሳት እናኣእተዉ እዮም ክ ይምህሩ፥ ክ ይምርምሩ ወ ክ ይርእዩ ዝ ይኽእሉ። 
  2. ቻነል ዩቱብ መርምሩ:- ኣጠቓቕማ ዌብሳዪት መርምሩ፥ ኣደማምፃ ፊደላትን፥ ቓላትን፥ ኣድላዪነት ስርዓት፥ እንታይነት መርምሩ፥ ምስ ዝ ተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፍፋሽ ዝተገብሩ ጥያቐመልስትታ ይርከቡዎ። 
  3. ፈይስቡክ፡ ኣብ ዙ መድረኽ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ል ቱ ስርዓተ ፅሕፈትን ልስሳነ ፅሑፍን ኣብ ግብሪ የውዕሉዎ፥ ይምህሩዎ ወ ይገልፁዎ። ገለ ካብ ኣቶም ዞም ዝ ይስዕቡ “ኣካውንትታት” እይዮም 
  4. ኣብ መድረኻት 
  5. ኣብ መራኸብቲ ሓፍፋሽ ዝ ተገብሩ ገለፃታት 
  6. ድልየት ል ዝ የርእዩን ዘልለዎምን ሰባት፡ ስለስተ ዙራት ኣስተምህሮ ልስሳነ ፅሑፍ ኣካዪድና እይና፥ ክ ንቕፅፅል እውን እይና።

ምዕባለ ቋንቋ፡ ምዕባለ ተናገርቱ እይዩ እሞ፡ ኵልሉ ተናጋራይ ቋንቋ ልስሳነ ትግራይ፡ ኣብ ቱ ቋንቋ ክ ይግደስ፥ ክ ይሰርሐልሉ፥ክ ይጥህረሉ እምዕድ። ቋንቋ ናይ ህዝቢ ስለ ዝ ዀነ ል ዅልሉ ይምልከት። ስለ ዙይ በቢ ᎀያኡ ክ ይሰርሐሉ ይግባእ። ስለ ቋንቋ እንት ንሓስብ፡ ቅድሚት ክ ይስራዕ ዝ ይግብብኦ ስርዓት እይዩ፤ ረብሓ ኣብ ስርዓት ስለ ዀነ።

Continue Reading
2 Comments

2 Comments

  1. Filmon

    March 31, 2024 at 3:28 pm

    ህዝቢ ግእዝ ማለት ንዘመናት ካብ ውሉድ ወለዶ እናተሸጋገረ ዝፀንሐ ናይ ባዕሉ ሓበራዊ ቋንቋ፣ ፊደል፣ መንነት፣ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ስነ ልቦና፣ ስርዓተ ክብርታትን ሓበራዊ ግእዝኣት መሬትን ዘለውዎ ህዝቢ እዩ።

  2. ሙሉእብርሃን

    March 29, 2024 at 3:02 pm

    ብጣዕሚ ዝድገፍን ኩልና ክንድግፍ፣ክንሳተፍን ግድደና ክንነበርክትን ይግበአና።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT