Connect with us

ዜና

ኣብ ኣምስተርዳም ካብ ዝ ተዳለወ መደብ “ል ትግራይ” ብ ዝተረኸበ ገንዘብ፡ ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ተገይሩለን።

Published

on

ብ ጠቕላላ  ልዕሊ 300000  ዝ ዋግኦም ናውቲ ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን ዝ ዀና ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት፥ ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብ፥ ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብ ተበርኪቱ። ዙ ሓገዝ፡  ኣብ  ስፕለንዶር  ኣምስተርዳም  ኣብ  ዝ ተዳለወ   መደብ  “ል ትግራይ” ካብ ዝ ተረኸበ ርብዒ ሚልዮን ገንዘብን እነይ ማራይከ ኮፐርድራት ዝ ተብሃላ ኔዘርላንዳዊት ዝ ኣበርከታኦ ፍሉይ ሓገዝን እይዩ።

ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ ትምህርትን ወረዳ ሓውዜን መምህር ገብረማርያም ሓድጉ ል ቱ ሓገዝ ተረኪቦም፣ “ተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ነበረን ሃፍተ ገነት ብሰንኪ ወራር ተዘሚቱ ብሕፅረት ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ተፀጊመን ምንባረን ድሕሪ ምግላፅ፣ ዙ ሓገዝ መሰርረታዊ ፀገም ተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምፍታሕን ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ናይ ባዕሉ ግደ ከም ዘለዎን” ገሊፆም ከም ፀብብፃ ቢሮ ርክብ ጕድዳያት መንግስቲ ትግራይ፡፡ ኣመራርሓ ሓገዝ ዝ ተገበረልለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቱ ሓገዝ ን ዝ ነበሮም ፀገም ብ ውስሱን ከም ዝ ይቐርፍ፣ ል ኣሳልጦት ስራሕቲ ትምህርቲን ኣልላልዮት ምስ ቴክኖሎጂን ልዑል ግደ ከም ዝ ይህልሉዎ ገሊፆም፥ ከም ፀብፃብ ቱ ቢሮ።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ስፕለንዶር ኣምስተርዳም ክልተ ኣብ ትግራይ ዝ ኣድሃቡ መደባት ተዳሊዎም ነይሮም። ቶም ክልተ መደባት  ብ ሰንናይ ፍቓድን ሓልዮትን  ኔዘርላንዳዊ ሙዚቅቀኝኛ ጃን ዊለም ባልየት፡ ብ ኣድዳላዊነት ባዕሉን ሰለስተ ካልኦትን (ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፥ ኣናን ማርዮሴን) እይዮም ተሳሊጦም።   

ስፕለንዶር  ኣምስተርዳም፡ ሓደ  ቦታ ምርኢት ሙዚቅቃ ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዜርላንድ) ኰይኑ፡  ፍሉጣት ሙዚቀኝኛታት ኔዘርላንድ ዝ ተኣኻከቡልሉ እይዩ።  ኣብ  ዙ ቦታ “ል ትግራይ” ዝ ተሰመዩ ክልተ ዓብበይቲ መደባት ሙዚቅቃን ዘተን ተሳሊጦም ነይሮም። ቱ ፈልላማይ መደብ  (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ ፡ ሕድዳጋት 123 45 ተመልከቱ)፡ ብ ዕለት 3 ለክካቲት 2015  ዝ ተኻየደ ኰይኑ፡ ብ ዛዕባ ኵነታት ትግራይን ኲናት ትግራይን ኣመልኪቱ ኣብ  ኔዘርንላድ ግንዛበ ል ምፍጣር ዝ ዓልለመ  ነይሩ።   

ብ ዕለት  27 መስከረም 2016 ዝ ተኻየደ  ካልአዋይ መደብ ክዓ ፡   መቐፅፀልታ  ቱ ቀድዳመዋይ መደብ ኰይኑ፡ ብ ፍሉይ ኽዓ “ብ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ ትግራይ መሊስካ ምልምላም” ብ ዝ ይብል ርእሲ ኣብ ምድጋፍን ምብርባርን ትምህርቲ ዝ ዓልለመ ነይሩ።  (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ፡ ሕድዳጋት፥ 123 ተመልከቱ)።   ኣብ   ዙ ዋንና መልእኽቱ  ብ ምትንስስሳእ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ  ተጋሩ ምልምላም  ዝ ነበረ ካልአዋይ መደብ፡ ገሊኦም ተሳተፍቲ ገንዘባዊ ድጋፍ ገይሮም ነይሮም።   ዙ ካብ ዙ  ድጋፍ ዝ ተረኸበ ገንዘብ እይዩ ል ዙ ዕላማ ውዒሉ ዘልሎ።  ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ መፃሕፍቲ፥ ማሽናት ፎቶኮፒ፥ ፕሮጀክተርን ኮምፒተራትን ዓድዲግናሉ ነበርክት ኣልለና።  

ብ ተወስሳኺ፡ እነይ ማራይከ ዝ ተብሃላ  ኔዘርላንዳዊት እንነ፡ ብ ምኽንያት ምኽባር ዓመተ ውልደተን፡  ብ ፍሉይ ዝ ኣበርከታኦ 40000 ቅርሺ  ል ሓገዝ   ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት ብ ምውዓል፡ ተወስሰኽቲ  ኮምፒተራት ዓድዲግናልሉ ኣልለና። 

 ዝርዝር ሓገዝ ዝ ተውሃባ ኣብያተ ትምህርትን ዓይነት ሓገዝን   

ቍፅሪቤት ትምህርቲዝ ተገብረ ሓገዝ 
1ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወትመፃሕፍቲ፥ ኣባዕተ ኮምፒተራት፥ ማሽን ፎቶኮፒ፥ ደፋትር 
2ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብመፃሕፍቲ፥ ፕሮጀክተር፥ ኮምፒተር 
3ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብመፃሕፍቲ፥ ሓንቲ ዓብባይ ማስን ፎቶቾፒ

ቶም ል ሰለስቲአን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ተበርከቱ መፃሕፍቲ፡ ብ ኣክካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝ ተሓትተሙ ዓዓሰርተ ክልተ መፃሕፍቲ የካትቱ።

ቪድዮታት

ሀ) መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ 

  1. https://tghat.com/2023/02/18/the-alarm-bell-for-tigray-event-in-amsterdam/
  1. https://www.youtube.com/watch?v=7_Qypngemrs
  2. https://tghat.com/2023/09/27/for-tigray-an-awareness-and-fundraising-event-to-help-schools-and-students-in-tigray/
  1. https://tghat.com/2023/02/02/a-music-and-discussion-event-for-tigray-at-splendor-amsterdam-also-to-be-livestreamed/
  2. https://www.splendoramsterdam.com/agenda/712438/noodklok-voor-tigray

ለ) መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ 

  1.  https://www.youtube.com/watch?v=xyO4mF0ZwkI
  2.  https://www.youtube.com/watch?v=If5ZN93YfMc
  3. https://www.splendoramsterdam.com/agenda/111344703/tigray-benefiet-live-stream

ዚኣቶም እውን ተመልከቱ 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT