Connect with us

ትንተና

ተጋሩ ወ ከተማ ኣስመራ:- ትግራዎትን ከበሳውያን ኤርትራውያንን ሓደ ህዝቢ

Published

on

ዙ ፅሑፍ ኣክካል ተኸታታልቲ ፅሑፋት ኰይኑ ናይ መወድዳእታ እይዩ። ቶም ኣርባዕተ ኣብ ዝ ይስዕቡ መራኽቦታት ይርክከቡ።

ዞም ፅሑትፋ፡ ምሉወርቅ ኪዳነማርያም፡ ካብ ኣማኑኤል ሳህለ ከም ዝ ተልኣኹልሉ ዝ ገለፆም ፅሑፋት ብ ናይ ባዕሉ ተወስሳኺ ፅሑፍ ኣሰንንዩ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ካብ ዝ ለጥጠፎም ፅሑፋት ዝ ተወሰዱ እይዮም።

ብ ምሉወርቅ ኪዳነማርያም

፭ይ ክፋል ብኣማኑኤል ሳህለ መኣረምታን ተወሳኺ ሓበሬታን መደምደምታን

ሎሚ ኣብ መወዳእታ (፭ይ) ክፋል ጽሑፍ ኣማኑኤል ሳህለ በጺሕና ኣለና። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ርድኢት ክህልዎ ምጽባይ ኣይ ናይ ጥዕናን። ኣብ ቅድሚ ነዊሕ ከም ናይ ደብረሲና ዝበለ ጉርጓሕ( tunnel ዋሻ) ንክልተ ሰባት በብተራ ጠጠው ኣቢልካ “እንታይ ርኢኹም?” ኢልካ ትሓቶም። እቲ ዝርእይዎ ሓደ ዓይነት ነገር እንዳሃለወ እቲ ሓደ “ፀልማት ይራኣየኒ ኣሎ።” ይብለካ። እቲ ካልኣይ ድማ “ኣብቲ ድሕሪ ፀልማት ብርሃን ይራኣየኒ ኣሎ።” ይብል።

እዚ ናይ ሰብ ተስፋን ናይ ጽልመኛታትን ሰባት ናይ ኣረኣእያ ኣፈላላይ መመሰሊ ገይሮም መማህራንና ይነግሩና ነይሮም። ስለዚ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ክህልወካ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብርሃን ዝራኣዮ ብርሃን ይራኣዮ፤ ፀልማት ዝራኣዮ ድማ ፀልማት ይራኣዮ ከም ማለት እዩ።

ኣብ ምዕሩይ ክትዕ፣ ስነምግባራዊ ኣካይዳን ምክብባርን ክህልው ኣድላዪ እዩ። ድሕረት ካብ ክዳን ወይ ኣዘራርባ ኣይኮነን ዝብገስ። ካብ ኣረኣእያ እዩ ዝነቅል። ኩሉ ሰብ ማዕረን ክብሪ ዝግቦኦን ምዃኑ ዘይኣምን መንግስቲ ዋላ ነቲ ናይ ባዕሉ ዜጋ ከም ኣቕሓ’ምበር ከም ሰብ ኣይርእዮን። ካሊእ ሰብ ከማይ ሰብ እዩ ኢሉ ዘይኣምን ዜጋ’ውን ንባዕሉ ከም ሰብን ነፃ ክኸውን ክምዘለዎን ሰብ ክቖጽር ኣይኽእልን።

ትግርኛ እንዳተዛረበ ኣብ ውሽጢ ተዛረብቲ ትግርኛ ኣፈላላይ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ ፃዓዱ ይበልጹኒ እዮም ኢሉ ከምዝኣምን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ናይ ሰብ ናይ ደረጃ ኣፈላላይ ምውጻእ እንተጀሚርካ ናይ ባዕልኻ እትበልጾምን ዝበልጹኻን ደረጃ’ውን ኣውጺእካ ኣለኻ ማለት እዩ ዝኸውን ዘሎ።

በዚ መልክዕ ብኣሉታ ክትካትዑ ዝቀነይኩም ሰባት ኣብ ዘይተዘርአ ግራት ዝበቖለ ፃህያይ ኢኹም ኮይንኩም ቀኒኹም። እዚ ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ኮይኑ ጋንታታት ትግራይን ኤርትራን ግጥም ኩዕሶ ነካይደሉ ኣይኮነን። ንሱ እንተዝኸውን’ውን ስምዒት መናእሰይ ስለዝሕወሶ እምበር ፀገም ኣይብሉን። ክልቲኡ ሓደ ህዝቢ እዩ ምፍልላይ ኣይብሉን ማለት ክሳብ ክንዲ’ዚ ዘዋዓውዕን ዘጉርዕን ኣይኮነን።

ነቲ ጸያፍ ብህሎታት ምድጋሙስ ይትረፍ ምሕሳቡን ምባሉን’ውን ኣይምተገበአን። “ንዓቐብ ትሸይን’ሞ ተመሊሱ ናብ ኣፍካ” ስለዝኾነ ልቢ ምግባር ይሓይሽ።”ንሕና ንስኹም” ኢልካ ክትዛረብ ቀሊል እዩ። ምምልካትን ምሕንፃፅን ዶብ ዝቐለለ ስራሕ ኮይኑ ሰባት ብዶብ ከሊልካ ኣብ ውሽጢ ዶብ ተሓጺሮም ከምዝሓስቡ ምግባር ግን ኣብ ዓለም ዝተዓወተላ እንተሎ ይዛረብ።

ከም ናትካ ልሳን ንዘለዎን ዝተሓናፈጽካዮን ሰብስ ይትረፍ ቋንቁኡ ሰሚዕኻዮ ናብ ዘይትፈልጥ’ኳ ከማይ ሰብ እዩ ኢልካ ትቐርቦ ኢኻ። ካብ ርትዓውነት ወጺእኻ ንነብስኻ ኣግዚፍካ ምጉራንን ምጭዳርን ከንቱ እዩ። ዘይኮንካዮ እየ ኢልካ ክትዛረብ እንተለኻ ቅድሚ ኩሉ ንነብስኻን ንባዕልኻን ክተዕሽዋ ኣለካ። እንተዓሺኻ ክዓ ንካሊእ ሰብ ክትዕሽው ኣይትኽእልን።

ብዘይሓሰብናዮ ንፋስ ብዙሕ ኣባኮበራ/ ዘራጊቶ ተፈጢሩ ቀንዩ። ኩሉ ክሃድእን ናብ ንቡር ክምለስን ክዓ እዩ። “ኩሉ ንምርኣይ ግርም ምቕናይ!” ኢሉ ነይሩ ኪሮስ ኣለማየሁ። ተስፋና ኣይጽልምትን “ሰማይ እዩ ደረተይ!” ከምዝበሎ ኣብርሃም ኣፈወርቂ። ኣብ ዝተወለዱ ይወለዱ ክልቲኦም ክሞቱ ዘይነበሮም ውህብቶታትና እዮም ነይሮም። ደጊም ናብታ ናይ ኣማኑኤል ፭ይቲን ናይ መወዳእታን ክፋል ንእተው።


ብ ኣማኑኤል ሳህለ

፭ይ ክፋልን ናይ መወዳእታን መኣረምታን፦ ተወሳኺ ሓበሬታን መደምደምታን

ሓድሓደ ሰባት እዚ ጽሑፍ እንታይ እዩ ዕላማኡ ብምባል ይሓቱ ይኾኑ። ትግራዎትን ከበሳውያን ኤርትራውያንን ሓደ ህዝቢ ካብ ኮኑ ስለምንታይ ደኣ ከም ክልተ ህዝቢ ቀሪቦም ዘለዉ እውን ይብሉ ይኾኑ። ይኹንምበር፡ እቲ መበገሲ ካብቶም ኣብቲ ሓደ ዝኾነ ህዝቢ ፍልልይ ብምፍጣር ንተጋሩ ከም ዘይናቶም ገይሮም ዚርእዩ ሰባት ዝመንጨወ ምዃኑ ኪዝከር ይግባእ። ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ከም ዚብሃል፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ንነብሶም ክብ ብምባል ነቶም ኣሕዋቶም ዝኾኑ ተጋሩ ኣትሒቶም ናይ ምርኣይ ባህርያት ስለ ዘለዎም፡ እሞ እቶም ንከተማታት ኤርትራን ንባህልን ቁጠባን ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወት ኤርትራውያንን ኣበርክቶ ዝገበሩ ደኣ እቶም ገለኹም እትንዕቁዎም ተጋሩ ዶ ኣይኮኑን ንምባል እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ እዚ ጽሑፍዚ ብፍላይ ናብቲ ናይ ንዕቀትን ጽልእን ፍልልይን መንፈስ ዝቕስቅስ ሰብ ዝዓለመ ጥራይ ምዃኑ ኪዝከር ይግባእ።

ገለ ሰብ ድማ ስለምንታይ እተን ሰብ ባርን እንዳ ሜስን በዚሐን ዘለዋ ኪብል ይኽእል እዩ። ምስትንጋድን ምዝንጋዕን ኣብ ከተማ ዚምዕብልን ንኸተማ ድማ ናይ ከተማ ባህርይ ዘትሕዝን ናይ ውሕልነትን ምቕሉልነትን ናይ ፍሉይ ክእለትን ስራሕ ደኣምበር፡ ኩሉ ሰብ ዚኽእሎ ስራሕ ኣይኮነን። ዝኾነ ስራሕ ድማ ብቕንዕናን ብውፉይ መንፈስን ምስ ዚካየድ፡ ኪነዓቕ ኣይግባእን።

እምበኣር ኣብቲ ናይ መኣረምታን ተወሳኺ ሓበሬታን መደምደምታን ምዕራፍ ክንኣቱ።

[ርእይቶ ኣርታዒ፦ ቶም ኣብ ዙይ ክፍፋል ዙይ ዝ ነበሩ ዝርዝራት ኣብ ዙ ዝ ይስዕብ ክፍፋል ተኸኣቲቶም ይርክከቡ።]

እዚኣቶም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዮም፡ ካልኦት ብዙሓት ክዝክሮም ዘይከኣልኩ እውን ኣለዉ። ይኹንምበር፡ እዚኣቶም ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ኣብቲ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ምንም ለውጢ ኣይገብርን። ኤርትራውያንን ትግራዎትን ካብ ጥንትን ንዝመጽእ ግዜን ሓደን ሕደን ህዝቢ ምዃኖም ኪርሳዕ ኣይግባእን!!!!!

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Mhreteab Araya Hagos

    August 4, 2024 at 11:09 am

    ከምዚኦም ዓይነት ፅሑፋት ኣሰስኑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT