ብ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ
መብርሂ፡ ዙ ታሕታይ ዝ አቕርቦ ነበረ ያ ነበረ፡ ጀርመናዊ ተመራማሪ ኤኖ ሊትማን ቅድሚ 120 ዓመታት፥ ብ 1906 ዓምፈ ኣብ ኣዅሱም ሰሚዑ ድሓር ካብ ዝ ኣሐትተሞ ፅሑፍ ምርምር ዝ ወሰድኩዎ እይዩ። ኤኖ ሊትማን ኣብ ቱ ፅሑፍ ከም ዙይ ይብል፡ “ኣብ 1906 ዓምፈ ኣብ እውዋን መፅናዕታዊ ዕይዮ ኣዅሱም-ጀርመን፡ ሓደ ብ ዛዕባ ነበረ ያ ነበረታትን ያትታታትን ታ ቅድድስቲ ከተማ ኢትዮጵያውያን ዝ ዀነት ኣዅሱም ኣፀብቢቑ ምስ ዝ ይፈልልጥ ኣዅሱማዊ ቀሽሺ ኣውጊዐ ነይረ። ጳውሎስ ብ ትግራይፅሒፉዎም። …ትግራይ ዝ ይርድድኡ ሰባት፡ ጳውሎስ ብዙሓት ብ ትኽክክል ዘ ኢ ፅሓፎም ነገራት ከም ዝ ይህልልዉ ክ ይርእዩ እዮም። ኣፍ እንዳ ጳውሎስ ናይ ሓማሴን እይዩ፤ ስለ ዙይ ናዩ ኣፍ እንዳ ኣብ ዙ ፅሑፍ ይርኣይ እይዩ።” ከም ቱ ኤኖ ሊትማን ይብሎ ዘልሎ፡ ቱ ፅሑፍ ብዙሓት ግድፈታት ቋንቋ ስለ ዘልለዉዎ፥ ብ ስሩዕ ቋንቋ ፅሕፈት ኣርሪመ፥ ትሕዝቶ ወ ፍስሰት ቱ ፅሑፍ ግን ዓቅቂበ ኣብ ዙይ አቕርቦ ኣልለኹ። ኣብ እግሪ፡ ናይ ባዕለይ ርእይቶ ወ ሓሳብ ወስሲኸ ኣልለኹ።
ዛንታ ተመን
ወይናበ ዝ ይብብሃል ተመን ወይ ገብበል ፬፻ ዓመት ን ሓበሻ
ገዝአ ይብብሃል። ሰብ ኵልሉ ይግዝዘአልሉ ነበረ፤ ግብሪ እውውን
ይግብብሩልሉ ነበሩ፤ ሓንቲ ብዅሪ ጓልን ገበታ ፀባን ነበረ ግብሮም።
ድሓር ግን ኣንገቦ ዝ ተብሃለ ሰብኣይ (ሓሽከሩ ዝ ነበረ) ምስ ኵልሎም
ሃገር ተማሓሓለ ከም ዙይ ኢሉ፦ ኣነ ን ገብበል ክ እቐትሎ ሲ እምሞ
መንግስቲ ንኣይ ሃቡኒ በሎም፤ ሃገር ኵልሉ እውውን እሽሺ በሉዎ፥
ምሓሉሉ እውውን። ንስሱ ኽዓ፡ ማለት ቱ ተመን ኣብ ተንቤን ነበረ፤
ን ኣዅሱም ክ ይመፅፅእ እንተሎ፡ ኣንገቦ መንገድዲ ፀሪጉ ፀኒሑ ኣብ
ቱ መንገድዲ ብ ታሕቲ ሓፅፂን ኣንፂፉ ፀንሐ፤ ገብበል እውውን
ን ኣዅሱም ክ ይመፅፅእ ኢሉ ነቐለ። ኣብ መንገድዲ እንተሎ ሓዊ
ብ የማን ብ ፀጋምን መለሰሉ፤ እና ተገላበጠ ኣብ ኣዅሱም በፅሐ፥ ᎀተ
ኽዓ፤ ኣብ ማይ ወይኖ ቀበሩዎ፤ ክሳዕ ሎሚ መቓብሩ ኣልሎ
መቓብር ተመን ይብብሃል። ምድሩ እውውን ናይ ፍርህባ ይብሃል።
ኣንገቦ (ቱ ን ገብበል ዝ ቐተለ) ነገሰ፤ ፪፻ ዓመት ዝ ይኣክክል።
ንስሱ እውውን ኣብቦ ንግስቲ ኣዜብ እይዩ ይብብሃል። ንግስቲ ኣዜብ
እውውን ን ምልሊክ ወለደት ካብ ንጉስ ሰሎሞን፤ ምንሊክ እውውን
ኣብ ኣዅሱም ᎀተ፤ ምስ ኣድድኡ ምስ ንግስቲ ኣዜብ ተቐብረ።
ወይዮ መቓብሮም ክሳዕ ሎሚ ኣልሎ፤ ቦታኡ ኽዓ ምድሪ መለክያ
ኣዅሱም እይዩ ይብብሃል።
ኣብ ምድሪ መለክያ ኣዅሱም እውውን ምስሊ ኣንበሳ ኣልለዎ
እምሞ ዛንታኡ ከም ዙይ ይብብሃል። ቱ ኣንበሳ ላምቀቲ ክ ይበልልዕ
እንተሎ ቅድዱስ ሚካኤል ኰርርዩ ምስ ታ እምኒ ኣጥጣበቖ፤
ኣብኣ ተስኢሉ ተረፈ፤ ምስሉ እውውን ክሳዕ ሎሚ ኣልሎ።
ኣብኡ ዓድዲ ነይሩዎ ክሳዕ ዘበን ዮሓንስ ንጉስ።
ኣብ ልዕሊ ዙ ሰፈራ ዙይ እውውን ናይ ሓደ ሰብኣይ
ነገር ይዝንተው፡ ኣይያና እዝጊ ዝ ተብሃለ። ንስሱ ኽዓ ሓደ መኰንነን
ነበረ እምሞ ሰራዊቱ ሒዙ ን ምዕራብ ክ ይኸድ እንተሎ ን ቶም ሰራዊቱ በሎም
ሕድሕድ ነፍሲ ወክከፍ እምኒ ዛ ስፍራ ዚኣ ን ዘመቻ ኣክክቡ
ኢሉ ኣዝዘዞም ምእንቲ ክ ይምልለስ እንተሎ ሰራዊቱ ክ ይፈልልጥ፤
ክንደይ ከም ዝ ጐደሉዎ። ክ ይምልለሱ እንተለዉ እውውን
ሕድሕድኩም ኣልዕሉ በሎም፤ ቶም ዝ ተመልሱ ነናያቶም ምስ ኣልዐሉ
ብዙሕ ተኣክኪቡ ተረፈ፤ ክሳዕ ሎሚ ኣልሎ።
ርእይቶይ
ዙ ነበረ ያ ነበረ፡ ኣነ እውውን ብ ቝልዕንነተይ ኣርኪበልሉ እይየ። ብ መልክዕ ነበረ ያ ነበረ እንት ይንግገር ብዙሕ ግዝየ ሰሚዐይዮ እፈልልጥ እይየ። ዋንና መልእኽቱ ተመሳሳላይ ኰይኑ፡ ቱ ኣነ ቈልዓ ኰይነ እሰምዖ ዝ ነበርኩ ግን ብዙሕ ተኣምር፥ ኣግራሞት፥ ተዋስኦን ዝርዝርን ዝሓዘ ምንባሩ እዝክክር። ገብበል እምበር፡ ተመን እውን ኣይ ነበረን። ተመን ንኡሽተይ እይዩ፤ ገብበል ግን ዓብይዪ እይዩ።
ከም ህዝቢ ል ገብበል (ብ ግእዝ ኣርዌ) ዘልለና ፍርሕን ኣርኣእያን ኵልሉ ግዝየ የግርመልለይ እይዩ። ብዙሕ ምስ ተመን ወ ገብበል ዝ ተተሓሓዙ ብሂላት፥ ምስላታትን ዛንታታት ኣልለዉና። “ብ ተመን ያ ዝ ደንገፀ ሲ፡ ብ ልሕፂ ይብህርር” ንብል። ቈልዓ ኰይነ ኣብ ዝ ተፈላለዩ ከባቢታት ዝ ሰማዕኹዎ ሓደ ነገር እኒሆ። ብ ዛዕባ ቍሩብ ዱር ዝ በዝሖ ሽንጥሮ ነገር ዝ ይውርረይ ነገር እይዩ። “ኣብ ዙ ቦታ ኣብ ዝባኑ ሳዕሪ፥ ኦም፥ ቈጥቋጥ ዝ በቘሎ ገብበል ኣልሎ” ዝ ይብል። ኵልሉ ሰብ ደጋጊሙ ስለ ዝ ሰምዖ ዳርጋ ከም ሓቅቂ ይውስሰድ ነይሩ፥ ቱ ቦታ እውውን ይፍርራሕ ነይሩ። ግን ዋላ ኵልሉ ሰብ እኩኳ ከም ሓቅቂ ይበልሎ እምበር፡ ዋላ ሓደ እኵኳ ብ ዓይኑ ዝ ርኣዮ ኣይ ነበረን። ካልኦት ኽዓ፡ ገብበል ወሊዳ፥ ገበል ዝ ሓዎም ሰባት፥ ወዘተ እና ተብሃለ ይንግገር እይዩ።
ገብበለ (ኣርዌ)፡ ኣብ ሃይማኖትና እውውን ተዋሳኣይ እይዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ገብበል ሰሪሩ እምባ እንት ይድይይብ ይርኣይ፤ ቅድዱስ ጊዮርጊስ ገብበል ብ ጨረር ወጊኡ እንት ይቐትትል ይርኣይ፥ ወዘተ።
ብ ሃይማኖትና ወ ብ ዛንታታትና ተፀሊውና ኰይና ግድዲ ሲ፡ ል ገብበል፥ ተመን ኣዝዚና ንፈርርሕ እይና። ካልኦት ከማና ዝ ይፈርሑ ህዝብታት ዶ ይህልልዉ? ልል ተመን፥ ገብበል ከማና ዘ ኢ ይፈርሑ ግን ኣልለዉ። አረ ገሊኦም ሲ፡ ይሓቛቑፉዎም፥ ኣብ ገዝኦም የንብሩዎም እውውን እይዮም።
ል ዙ ነበረ ያ ነበረ ዙይ ዝ ይመስሉ ፡ ኣብ ፅውፅዋያት ካልኦት ህዝብታት ዓለም እውውን ብ በዝሒ ይርክከቡ እይዮም። ኣብነት ዙ ትሕዝቶ ሞራላዊ ፍልስፍና ዘልለዎ ብ ኒክ ቦስትሮም ዝ ተደረሰ “መማዕልይ ገብበል” ዝ ተስምየ ዛንታ ምስ ዙ ናይና ዛንታ ገብበል ዝ የመሳስል ነገር ኣልለዎ።
ዙ ኣብ ሃይማኖት ይዅን ኣብ ብሂላትና ዘልሎ ገብበል ተምሳሌታዊ ምዃኑ ግልፂ እይዩ። ምናልባሽ ቱ ብ ገብበል ተመስሲሉ ይንግገር ዘልሎ፡ ምዓትን ግፍዕን ዝ መገለፂኡ ንጉስ እይዩ። ምናልባሽ ከም ዙ ኣብ ዘመንና ንርእዮም ዘልለና ኣፅነትቲ መራሕቲ? ኣንገቦ ኽዓ ክፉእን ኣግጋፋዕን መንግስቲ ኣወግጊዱ ሰናይ መንግስቲ ዝ የቝም?