ሎሚ፡ ድርሮ ብዓል ፅዮን* ሕዳር እይዩ። ሕዳር 21 ዝ ይኽብበር ብዓል ፅዮን ሕዳር እንታይ እይዩ? ጅምማሮኡን ትርጕሙን እንታይ እይዩ?
በቢ ወርሑ፡ ዕለት 21 ሕዳር ብዓለ ማርያም ብ ዝ ይብል ስም ይብብልዓ እይዩ። በቢ ዓመቱ ድምማ ብ ዓብዩን ብ ድምቀትን ፅዮን ሕዳር (ብ ኣብብሃህላ ቱ ሰፍፊሕ ህዝቢ ድምማ፡ ጭ’ን ሕዳር ወይ ጭንሕዳር) ተብሂሉ ብ ዓብዩ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወ ገዳማት ኣዅሱም፥ ካብኡ ቀፅፂሉ ድምማ ዋንና ታቦቶም፡ ታቦተ ማርያም ኣብ ዝ ዀኑ ኣብያተ ክርስትያን ይብብዓል። ስለ ዙይ ዋላ እኵኳ ቱ ዓብዪ ብዓል ቱ ኣብ ኣዅሱም እንተ ዀነ፡ ፅዮን ሕዳር ዝ የኽብሩን ዝ ዅስሞምን (ዝ ዓመቶም) ኣብያተ ክርስትያን ግን ኣዝዮም ብዙሓት እይዮም። ኣብ ምድ ረሓበሻ ዝ ይርክከብ፡ ዳ ማርያም ዝ ተብሃለ ዳርጋ ኵልሉ ብዓል ፅዮን ሕዳር የብዕል እይዩ። ኣብ በቢ ቐረብኡ እንዳ ማርያም ዘ የብልሉ ከባቢ ስለ ዘየልለ፡ ፅዮን ሕዳር ኣብ መልላእ ምድረ ትግራይ (መረብ ምልላሽ ሓዊሱ) ብ ድምቀት ዝ ይብብዓል ብዓል እይዩ።
ዙ ብ ሰፍፊሑን ብ ድምቀትን ዝ ይብብዓል ፅዮን ሕዳር፡ ትርጕሙ ጅምማሮኡን እንታይ እይዩ? ከም እምነት ቤተ ክርስትያን ኦርትዶክስ ተዋህዶ፡ ቱ ብዓል ዝ ይብብዓል ክልተ ዓብበይቲ ፍፅፃመታት ል ምዝክካር እይዩ፡ ዳግመ ምልሰት ታቦተ ፅዮን ናብ ኣዅሱምን፥ ምጥያሽ ቤተ ክርስትያን ዳ ማርያም ኣዅሱም ብ ኣብባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን። ብ ዛዕባ ዙይ፡ ኣብ ፅዮን ሕዳር ዝ ይንብበብ ድርሳነ ፅዮን ዙ ዝ ይስዕብ ይብል።
ዙ ዛንታ፡ ምስ ቱ ውሩይ ቅይያ ክብረ ነገስት ዝ ተኣሰሳረ እይዩ። ድርሳነ ፅዮን እውውን ክብረ ነገስት ብ ምምስራት ከም ዝ ተደረሰ ይእምመን። ክብረ ነገስት፡ ውፅኢት ስነ ፅሑፍ ኣምሓሩ ዝ ይመስሎም ብዙሓት እይዮም። ሓቅቁ ግን፡ ካልእ እይዩ።
ዳግመ ምልሰት ታቦተ ፅዮን ናብ ኣዅሱም
ከም እምነት ክርስትና፡ ፈጣሪ ል ሙሴ፡ ኣብ በረኻ ሲናይ ዓስሰርተ ትእዛዛት ኣብ ክልተ ፅልላት ፅሒፉ ውሂቡዎ። ሙሴ ድምማ ተቐብቢሉ፥ ታቦት ሰሪሑ ኣብ ውሽጢ ቱ ታቦት ኣንቢሩወን። ከም እምነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምድረ ሓበሻ (ኢትዮጵያ ወ ኤርትራ)፡ ዛ ክልተ ፅልላት ዝ ሓዘት ታቦት ምስ ቀዳማዊ ምንሊክ (ወድዲ ንግስተ ሳባ ዘ ኣክሱምን ንጉስ ሰለሞን ዘ እስራኤልን) ናብ ኣዅሱም መፂኣ እይያ፥ ክሳብ ሕዚ ድምማ ኣብ ኣዅሱም ትርክከብ። ግን ድምማ ተሰድዲዳ ነይራ፡ ብ ሕዳር 21 ናብ ኣዅሱም ተመሊሳ ኣቲዋ። እምብኣር ብዓል ፅዮን ሕዳር፡ ዙ ዳግመ ምልሰት ታቦተ ሙሴ (ብ ተምሳሌት፡ ታቦተ ፅዮን እውውን ዝ ንብላ) ል ምዝክካር እይዩ።
ብ ምኽንያት ዛ ታቦት ፅዮን እይዩ እምብኣር፡ ኵልለን ኣብያተ ክርስትያን ምድረ ሓበሻ፡ ታቦት ክ ይህልልወን ዝ ይግብበር። ታቦት ዘየብልሉ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሓበሻ የልለን። ታ ኣማናዊት ታቦት፡ ታ ኣብ ኣዅሱም ኣልላ ተብሂላ ዝ ይእምመነልላ እይያ፤ ቶም ኣብ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ዘልለዉ ናያ ቅድድሓት ኰይኖም፥ ስርራሕ ኢድ እይዮም።
ምጥያሽ ቤተ ክርስትያን ማርያም ኣዅሱም ብ ኣብባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን
ከም እምነት ኦርቶዶክስ፡ ኣብባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ፈልላማይ ኣቡን ምድረ ሓበሻን ሰርራቲ እምነት ክርትንና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምድረ ሓበሻን እይዩ። ፈልላመይቲ (ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት) ቤተ ክርስትያን ምድረ ሓበሻ ዝ ዀት፡ ቤተ ክርስትያን ማርምያ ፅዮን ኣዅሱም እውውን ንስሱ እይዩ ኣብ ሕዳር 21 ባሪኹ መስሪቱዋ። እምብኣር ቱ ካልኣይ ምኽንያት ምብዓል ብዓል ፅዮን ሕዳር፡ ዙይ ል ምዝክካር እይዩ።
መብርሂ ሕድዳግ፡
*ፅዮን ሕዳር፡ ካልኦት መፀውዕታት እውውን ኣልለዉዎ እይዮም። ካብ ኣቶም ሓደ፡ ደብረ ፅዮን እይዩ። ተዝካረ ማርያም እውውን ይብብሃል እይዩ።
ቱ ሰፍፊሕ ህዝቢ፡ ጭ’ን ሕዳር ( ከም ሓደ ቃል፡ ጭንሕዳር) እይዩ ዝ ይብል። “ጭ’ን” ብ ልውጠተ ድምፂ ቃል “ፅዮን” ዝ ተፈጠረ እይዩ። ከም ዙ፡ ማይ ፀሎት ል ምባል፡ ማን ጨሎት፥ ሓፂን ል ምባል ድምማ ሓጭን ዝ ንብሎ እይዩ። ብ ተወስሳኺ እውውን ዛ “ዮ” ውሒጡ ዛ ዕዝምቲ ዝ ነበረት “ን” ናብ ተደምማፂት “ን” ይልውውጣ። ከም ዙይ ዓይነት ልውጠተ ድምፂ፡ ኣብ ልስሳነ ንግግር ልሙድ እይዩ። ገለ ሰባት ድምማ (ብ ፍልላይ ከተመትቶት)፡ ብ ስርዓት ልስሳነ ትግራይ ዘ ኢ ኰነስ ብ ስርዓት ልስሳነ ኣምሓራ “ሕዳር ፅዮን” እንት ይብሉ ይስምምዑ። ሕዳር ፅዮን ካብ “የሕዳር ፅዮን” እይዩ። ሕዳር ፅዮን፡ ብ ልስሳነ ትግራይ፡ ትርጕም የብልሉን። ከም ዙ “ስጋ ብዕራይ” ል ምባል “ብዕራይ ስጋ” ምባል እይዩ። ፅዮን ማለት፡ ካልኦት ብዙሓት ትርጕማት እኵኳ ዋላ እንተ ሃልለዉዎ፡ ኣብ ፅዮን ሕዳር ግን ማርያም ማለት እይዩ። ፅዮን ሕዳር (ማርያም ሕዳር) ከም ማርያም ጕንበት፥ ሚካኤል ሕዳር፥ ወዘተ እይዩ። ቱ ሰፍፊሕ ህዝቢ ጥራሕ እይዩ ብ ስርዓት ልስሳነ ትግራይ (ትግርኝኛ) ዝ ይብላ – ዋላ እኵኳ “ፅዮን” ዝ ይብል ቃል ናብ “ጭ’ን” ቀዪሩዎ እንተ ዀነ! ሓርንነት፡ ቋንቋ ብ ውነ ብ ምጥቃም ይጅምምር።
ሻዕብያ፡ ኣብ ዙ ዓብዪ ብዓል ዙይ ርፍረፋ ኣዅሱም ዝ ፈፅፀመልሉ ምኽንያት፡ ቱ ብዓል ል ምጭምላቕን፥ ብኡ ኣቢልካ ድምማ ትርጕም ዙ ኣብ መረብ ምልላሽ እውውን ዓብዪ ትርጕም ዘልለዎ ብዓል ል ምልውዋጥን እይዩ።
Kokob Tewelde
December 1, 2024 at 1:06 pm
የቐንየልና ክቡር ሓው።
ኪሮስ
November 30, 2024 at 8:47 am
ግሩም
Leake Arefe from KSHS
November 30, 2024 at 6:17 am
ዝያዳ ተመሲጠ እየ ነቢበዮ። ኣዝዩ መሃሪ እዩ። ከምዚ ዝበሉ ሰረት ዘለው ታሪኽ ይቐፅል። እዚ ተዓሚትካ ፈኸራ ክተርፍ ኣለዎ። ኪንዮ ሎሚ ድማ ፅዮን ሕዳር እምበር ሕዳር ፅዮን ከይብል ቃል ይኣቱ ኣለኹ።