ዋላ እኵኳ ሎሚ እና ተለውወጠ ይኸድ እንተ ሃልለወ፡ ብዙሕ ህዝበ ክርስትያን፡ ምስታይ ቡን ከም ሓጥያት ይርእይ እይዩ። ምስታይ ቡን ከም ሓጥያት ዝ ይርእዩ ብዙሓት ሰባት ትፈልጡ እይኹም ኢለ እግምምት። ብ ፍልላይ ዓብበይትን ደቅቂ ገጠርን። ል ምንታይ እይዩ ሓጥያት ኰይኑ፥ እንታይ እይዩ ሃይማኖታዊ መንቀሊኡ? ኣስተምህሮ ቤተ ክርስትያን ድይዩ? ኣብ መፃሕፍተ ሃይማኖት ዝ ተደርረኸ ድይዩ ወይስ ካብ ኣስተምህሮን ስብከትን ባሕታውያንን ጥርራዝ ነጥጠቕ ካህናትን ጥራሕ እይዩ?
መልሱ፡ እውወ፤ ኣብ መፃሓፍተ ሃይማኖት ዝ ተደርረኸ እይዩ። ል ሎሚ፡ ድርሳነ ፅዮን ዝ ተብሃለ ኣብ እውዋን ፅዮን ሕዳር ዝ ይንበብ መፅሓፍ፡ ስለ ቡን ዝ ይብሎ ክ ንድህስሰ እይና።
ፈለማ ግን ድርሳን እንታይ እይዩ? ድርሳን፡ ል መንፈሳዊ ህንፀትን ኣስተምህሮን ምእመናን ተብሂሉ ብ ሊቃውንቲ ሃይማኖት ተደሪሱ ብ ኣብያተ ክርትያን ቅብቡል ተገይሩ ኣብ ኣገልግሎት ዝ ይውዕል ሓደ ዓይነት ሃይማኖታውዊ መፅሓፍ እይዩ። ድርሳናት ይዅኑ ካልኦት መፃሕፍተ ሃይማኖት፡ ዋላ ዋንና ትሕዝቶኦም ሓደ ዓይነት እንተ ዀነ፡ ብ ዝ ተፈላለዩ ሰባት ስለ ዝ ፅሓፉን ካብ ኣረጕቶት ናብ ሓድደሽቲ መፃሕፍቲ ስለ ዝ ይግልበጡን፡ መጠናዊ ፍልልይ ትሕዝቶን ቋንቋን ክ የርእዩ ይኽእሉ እይዮም።
ድርሳነ ፅዮን፡ ኣብ ብዓል ፅዮን ሕዳር (ጭንሕዳር) ዝ ይንብበብ መፅሓፍ እይዩ። ዙ ሎሚ ዝ ንጥቀመልሉ መፅሓፍ፡ ብ ውሑዱ ኣብ ኣዅሱም፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ገዳማት ጣናን ካልኦት ቦታታትን ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘልሎ ይፍልለጥ።
ብ ሓፅፂሩ፡ ድርሳነ ፅዮን ስለ ምስታይ ቡን እንታይ ይብል? ፈለማ፡ ቡን ኣብ መቓብር ሓደ ቡን ዝ ተብሃለ ሓጥእ (ሓጥያተኝኛ) ዝ በቘለት ፆምን ብዓላትን ዝ ተስዕር ሰይጣናዊት ዕፅ ከም ዝ ዀነት ይንናገር። ካብኡ ድምማ ፡ እስማዔላውያን (ሎሚ ኣስላም ኰይኖም ዘልለዉ ማለቱ እይዩ) ከም መስዋእተ ኣምልኾ ከም ዝ ይጥቀቀሙልላ፥ መሓመድ (መምህር ኣስላም፥ “ብ ምኽንያት በዝሒ ክሕደቱ ምስ ኣጋንንቲ ይውዕል ዝ ነበረ” ይብሎ) ድምማ ሓደ ምዓልቲ እና ፀልለየ እንተሎ ል ዝ ተልዓሎ ፍልፀት ርእሲ ክ የሕውይ ኢሉ፡ ምኽሪ ዲያብሎስ ሰሚዑ፡ ቀሊዉን ከም ሰይጣን ኣፀሊሙን ቡን ከም ዝ ሰተየ፥ ኣስላም ኣማናዊት እምነት ከ ኢ ይፈልጡ ድምማ ከም ዝ ገበረ፥ ቡን ዝ ይሰትትይ ናብ ቤተ ክርስትያን ክ ይኣትዉን ቍርባን ክ ይቕብበልን ከም ዘ ኢ ይግብባእ ይገልልፅ።
ስለ ምምፃእ ቡን ናብ ዓድድና ኸ፡ ድርሳነ ፅዮን እንታይ ይብል? ብ ስዓብቲ መሓመድ ዝ ሰልጠኑ ሰባት ካብ ምድረ ግብፂ ተመሓሒሎም ናብ ምድረ ኢትዮጵያ ከም ዝ መፅኡ ይገልልፅ። ዕላማ ምምፅኦም ድምማ፡ ኡብል፡ ቱ ህዝቢ ል ምስሕሓትን ሃይማኖቱ ል ምልውዋጥን እይዩ። ምስ ዞም ሰባት ድምማ መስዋእቲ ኣምልኾ ኣስላም እይዮም ዝ ይብሎም ጫት፥ ቡን፥ ትንባኾ ዝ ይነግዱ ሓᎃሽተ ኣስላም ካብ ምድ ረግብፂ መፂኦም ይብል። ዞም ኣቦል፥ ቶና፥ በረክካ ብ ኸም ዙይ ናብ ምድረ ኢትዮጵያ ከም ዝ መፅኡ ይገልልፅ።
ድርሳነ ፅዮን፡ ዞም እፅዋት ምብላዕን ምስታይን ከም ዘ ኢ ምጥምማቕ (ዘ ኢ ምኽስታን) እይዩ፡ ቅፅዓቱ ድምማ ግሃንነም እይዩ ይብል። ድርሳነ ፅዮን ኣብ ጕድዳይ ዙ ዛዕባ ዙይ እንት ይዛዝም፡ ብ ኣምሳል እግዚኣብሄር ዝ ተፈጥረ ኣድዳም፡ ብ ምኽንያት ምብላዕ ዕፅ ካብ ገንነት ከም ዝ ተባረረ፥ ስለ ዙይ ንሕና ድምማ ብ ዞም ዕፃት ከ ኢ ንስሕት ይመክክር። ካብ ዞም ዕፃት እንተ በሊዕና ወይ ሰትይና ግን፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ከ ኢ ንኣትው፥ ቍርባን እውውን ከ ኢ ንቕበል ይግስስፅ። ምኽንያቱ ድምማ፡ ይብል፡ ምርርኻስ ቤተ እግዚኣብሄር ስለ ዝ ዀነ።
እምበር መንቀሊ ዞም ምስታይ ቡን ሓጥያት እይዩ ዝ ይብሉ ባህታውያንን ኣመንትን፡ ዙ ሃይማኖታዊ እምነትን ከም ዙይ ዝ በሉ መፃሕፍትን እይዮም። ዙ ኣትተሓሳስባ፡ ብ ዝ ተፈላለዩ ብርክን መልክዕን ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ይዅን ኣብ ካልእ ኵነት ስለ ዝ ይስብበኽ፡ ፅልዋኡ ኣብ ቱ ሰፍፊሕ ህዝቢ ይርኣይ እይዩ።