Connect with us

Opinion

እዚ ቃልሲ ግን ንምስረታ ናፃ ሃገረ ትግራይ ይዅን

ጸልማት ብብርሃን ንምቕንጣጥ ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ ድማ፡ ርትዓውነትን መትከላውነትን ዓብዪ ግደ ስለ ዘለዎም፡ ብብልሓት ንቃለስ። ህዝብና ነንቅሓዮ፣ ዋጋ ናጽነት ክሽቈሮ ንግበር፣ ካብ ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያውነት ክናገፍ ንግበሮ። ኣካል ታሪኽ ዝሓረዮ ውዕሎ ንዅን፤ ካብ ብዙሓት እቶም ውሑዳት ኰይንና ሰሚርና እምባ ኵላትና ዝዀነት ዘይንሓፍረላ፣ ዘይንጓነየላ ሃገረ ትግራይ ንምህናጽ ንጋደል!

Published

on

ኣብ ትግራይ ትማልን ሎምን ተባሂሉ ዝውግዐሉ ታሪኽ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ሓደ ዓይነት’ዩ፤ ተፈላልዩ ኣይፈልጥን። እዚ ህዝቢ ጸላእቱ ስዋ ጸᎁቖም ዝድግስሉ ፈተና ሓንትን ሓንትን’ያ፤ ከም ሽኮር ኣገዳ ሓይዪኽካን ማጺይኻን፡ ንሃመማ ምድርባይ፤ እይኣይ እንተኢሉ ድማ ምጽናት።

ብናታቶም ባህግን ድሌትን፡ እወ እዚ ህዝቢ ፈተና ኣይፈልየሉን፤ እንተ እዚ ታሪኽ ዘይፈልየሉ ህዝቢ እንሆ ኣብ ካልእ ምዕራፍ ታሪኽ ይፍተን ኣሎ። እዚ ህዝቢ፡ ሓደ ሻብ ጥራሕ ኣይኰነን ሰለስተ ኣርባዕተ ሻብ ሸምቦባ መዓት እንትወርዶ፡ ብመስተንክራዊ ጽንዓት፣ ብልሓትን ሕራነን ዝምክት ህዝቢ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ትማሊ ‘ይሄ ሁሉ መአትና ውርዴት የሚመጣብን ከዚህ ችጋራም ክልል ነው’ ኢሎም ክንደየናይ ከም ዝፍንፍኑዎ ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ እንከለው፡ ባሕሪ ኣንጺፎም ነቲ ዓሳ ከጽምዱ ይደልዩ ነይሮም። እቲ ባሕሪ ግን ውቅያኖስ ኰይኑ ኣስሚጡዎም። እዚ ህዝቢ፡ ብደብዳብ ነፈርቲ እንትቕተልን ብጥምየት ተሓሊጉ ክሞት እንትፍረድን፡ መሊሱ ዝንድር፣ ዝግብልን ዝሕይልን ኰይኑ ኣይግዛእን ኢሉዎም እዩ። 

ክሳድ ተጋደልቲ ተቘሪጹ፣ ኣደታት ብሬሳ ደቀን ክዕልላ ተገይሩ፣ ነፍሰ ጹር ኣደ ንቝልቝል ኣፋ ተደፊኣ፣ ህጻን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣድኡ ማንታ ንብዓት ከውሕጅ ተፈሪዱ፣ ህዝቢ ቃልሱ ማይ ክዓኵት፣ ክምብርከኽ፣ ተስፋ ቘሪጹ ክመናመን እኳ እንተፈተኑ፡ ኣብ መዓልቲ ንለይቲ ጨቢጡ ዝሓድር . . . ብሓዊ ዝሳገር ኣሽሓት ውፉያት ዝፈጥር ህዝቢ ኰይኑ ርእዮምዎ እዮም። 

‘ሁሉም ነገር ወደ ጦር ግንባር’ ኢሎም ፈኪሮም ህድሙኡ ኣቃጺሎም፣ ጥሪቱ ሓሪዶም በሊዖም፣ ኣንሽቱ ዓሚጾም፣ ውላዱ ቀቲሎም፣ ስግኡ ንኣሞራ ደርብዮም ክኽየዱ ጠጒጐም ዝመጽኡ ኵሎም፡ ኣብታ ዝረገጹዋ መሬት ብመስተንክር ዝምክቶም ህዝቢ እንድዩ? ብልሒ ግፍዕን ጭካነን እናውረድሉ፡ የሻል ዘበሎም ህዝቢ፡ መወዳእትኡ ዕረ እናጥዓሞም’ውን እንተዀነ ‘ኣንታ እዚ ህዝቢ መን’ዩ?’ ኣቢሉዎም እይ ድዩ? እሞ እማ፡ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ንሳቶም ዝብሉዎ፡ ታሪኹ ታሪክ ድኽነትን ድሕረትን ዘይኰነ ሲ፡ ታሪኽ ስልጣን ዓርሰ ምሕደራን እዩ።  

ትግራዋይ ዓዱን ፍጥረቱን እምኒ እዩ እንትብሉዎ፡ ንእምኒ ናብ ማይን ፍረን ለዊጡ ንርእሱ ክኢሉ ነቲ ጎዶ ከብዶም ክመልኣሎም ምስ ጀመረ፣ ካብ ባዶ ተላዒሉ ብናብርኡ ሕሽ ክብል ምስ ርአዩዎ፣ ዓደይ ክብረተይ ኢሉ ንትግራይ ልዕሊ ነፍሱ ከፍቅራ ምስ ጀመረ፣ ሓመድ ልሒሱ ዝለዓል ህዝቢ ምዃኑ ከመስክር ምስ ክኣለ፣ ቅንጣብ ጨርቂ ደርብዩ ጽቡቕ ክኽደንን ከጋይጽን ብምኽኣሉ፡ ክምንዛዕ፣ ክርገጽን ክርሸንን ተፈሪዱዎ።   

ሰላሳ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሓደ ኣይኰነን ሰለስተ ኣርባዕተ ኰይኖም ኣስናኖም ከም ካራ ስሒሎም፣ ነቲ ነዳፍ ኣእዳዎም ብረት ኣጨቢጦም፡ በቲ ንሕሉፍ 30 ዓመታት ንቡር ጫማ ዝሓረሞ ኣእጋሮም ክረግጹዎ፣ ታሪኹን ሃይማኖቱን ከጥፍኡ፣ ንዓመታት ጽዒሩ ግዒሩ ዘፍረዮ ጥሪትን ንብረትን ከዕንዉ፣ ከም ህዝቢ ከጽንቱዎ መጺኦም።  

እዞም ኣብ  ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቱን ብደሙን ኣተርኪሱ ክትጥጥዕ ዝገበራ፡ ሃገረይ ኢሉ ዝኣመናን ዝተኸላን ኢትዮጵያን፡ ዓስቢ ቃልስኻን ወጽዓን እምባን መጸግዕን ትዅንካ ኢሉ ሃገር ዝገበራ ኤርትራን ዝተተኽሉ ስርዓታት፡ ዳግም ንህዝቢ ትግራይ ከድክሙን ክሓይኩን፤ ሰባት ቐቲሎም፣ ኣመዛቢሎም፣ ንብረት ዘሪፎም፣ ደቂ ኣነስትዮ ዓሚጾም፣ ህጻናት ቀቲሎም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ረሺኖም፣ ቅናት ናይ ትማሊ ታሪኽ ጅግንነቱ ዝዀኑ መሬት ሞጊታ ዘይትስዕሮም ስየታታ ብግፍዒ ቀንጺሎም፣ ኣብያተ እምነት ኣዕኒዎም፣ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሰነዳት ዘሚቶምን ኣቃጺሎም፣ ብሓፈሻ ህዝቢ ከም ጠለ በጊዕ ሓሪዶም እዮም፤ ይቕጽሉ ክዓ ኣለው። 

እዞም ካብ ሰብ ዘይተፈጥሩ ኣራዊት ዝመስሉ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነዚ ህዝቢ ብደዉ መልክዕ ግሃነም ኣርእዮሙዎ፣ ግብሪ ሰይጣን ክንዕቕ ገይሮምዎ፣ መንእሰይና ረሺኖም ሰጢሖሙዎ፤ ብዓጸበ ቀለለ ሓደን ክልተን እናበሉ እውን ይቐትሉዎ ኣለው። 

እዚ ኣይኣክልን ኢሎም ዳርጋ 80 ሚኢታዊ ህዝቢ ብጥምየት ከብዱ ተሓሊጉ፣ መዓንጥኡ ተጣቢቑ ክምወት ስለ ዝደልዩ፡ ነታ ዝርካቡ እናመንጠሉ ፎቖዶ በረኻ እናበተነኑን መውደልደሊ ኣናጹን ሸረሪትን ዝነበረ ዑና ገዝኦም እናመልኡ፡ ረዲኤት ማሕበረሰብ ዓለም ከይረክብ’ውን ብኽሳዱ ሓኒቖም ሒዞሙዎ ኣለው።  

ግንከ፡ ዝርዕድን ዝብተኽን ሓቦ ህዝቢ ትግራይ ወይከ! መን ምዃንና ረሲዖምዎ እምበር፡ በዚ ዝስኰን ስነ ልቦናዊ ድልውነት ዘይብሉ ትግራዋይ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክፋእ ተግባሮም እናጸብጸበ፡ ዚያዳ ይትርንዕ፣ ይግብል፣ ይሕይል ኣሎ። ናይ ግዜ ጕዳይ እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ስቅያት ዝበዝሖ ኵነታት ኰይኑ ብናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ዝኣመነ ኵሉ ወርቂ ኰይኑ ክሓልፍ እዩ፤ ጫፍ ክብረት ክዓ ክጭብጣ እዩ፤ ንሶም መሊሶም ክሓፍሩን ርእሶም ከድንኑን እዮም። 

ስለ ዝዀነ ድማ ቃልስና፡ እታ ወሳኒት ታባ እምነት ዓይነ ብርኪ ህዝብና ገይርና፡ ቤዛ ህዝቢ ንቃለስ፣ ንሰዋእ፣ ኣሽሓት ትንፋስ እንትሓልፍ እታ ሓንቲ ትንፋስና ብኣሽሓት ከም እትባዛሕ ኣሚንና ንናጻን ክብርትን ትግራይ ንጋደል!

ሓቦ እንተውሒዱና፡ ርሑቕ ኣይኰነን ቅድሚ እዘን ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ታሪኽ ኣደታትና፣ ኣቦታትናን ኣሓትናን ንዘክር። መን ይሓስቦ? ደቂ ኣንስትዮና እኮ ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ንክውፈያ ዝሓዝኦ ድቂ እንከይተረፈ ሰዲደን እየን፣ ኣደታትና ብኽንደይ ዒሕታን ላሕታን ዝወለድኦም ደቀን ‘ግንባርካ ንጥይት’ ኢለን መሪቐን ልኢኸን እየን።  መናእሰይና 

“ንከበብ ብኣዛብእ መሬት ይጽበበና

ኣብ ስጋና ይቀርቀር ኣስናን ጸላእትና

ስጋና ንኣሞና ደምና ውሕጅ ይዅን 

ኣዕጽምትና ይድቀቕ ሕሩጭ ኰይኑ ይበተን . . .” ኢሎም ፎቖዶ ጎቦታት ትግራይ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሰዊኦም እዮም። 

ሎሚ እውን ካብ ጸሓይ ዝደመቐ ታሪኽ ብደምና፣ ኣዕጽምትናን ህይወትናን ክንስንድ ይግባእ። ደጊምና ግን ኣይንጋገን፤ ናይዚ እዋን ዓጽምን ስጋን ንትግራይን ትግራዋይን ጥራሕ ዝኽፈል ክዀን ኣለዎ። ቀተልትና፡ ይፍጽሙዎ ብዘለዉ ኣረሜናዊ ተግባራት ንግዝኡ ዝሓዘንና፣ ዝተሰበርና፣ ዝጠፋእና ክመስሎም ይኽእል። ግን ከ ኣይሓይኵናን!

ተጋሩ፡ ከም ሰብና ዝጠሚ ከብዲ፣ ዝደክም ብርኪ፣ ዝጕሂ ልቢ፣ ዝናወጽ ሕሊና ኣለና። እንተዀነ እቲ ዝሓርር ዘሎ መዓንጣና ሽመል ኰይኑ ሓሊኹ ኣየውድቐናን፣ እቲ ዝደክም ብርክና ጠስሚ ኰይኑ ኣይመክኽን፣ እቲ ዝጕሂ ልብና ክዓ ቅስሙ ምቕሳኑ ኣይተርፎን። ዓርሰ እምነትና፣ እምቢ ብሃላይነትና እዩ ካብ ምንጋጋ እዞም ኣራዊት ዘናግፈና። 

ጸልማት ብብርሃን ንምቕንጣጥ ይካየድ ኣብ ዘሎ ቃልሲ ድማ፡ ርትዓውነትን መትከላውነትን ዓብዪ ግደ ስለ ዘለዎም፡ ብብልሓት ንቃለስ። ህዝብና ነንቅሓዮ፣ ዋጋ ናጽነት ክሽቈሮ ንግበር፣ ካብ ጽግዕተኛ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያውነት ክናገፍ ንግበሮ። ኣካል ታሪኽ ዝሓረዮ ውዕሎ ንዅን፤ ካብ ብዙሓት እቶም ውሑዳት ኰይንና ሰሚርና እምባ ኵላትና ዝዀነት ዘይንሓፍረላ፣ ዘይንጓነየላ ሃገረ ትግራይ ንምህናጽ ንጋደል!

Continue Reading
Click to comment

0 Comments

  1. Yecobe Yerega

    February 9, 2021 at 1:23 pm

    ሰላም ማከኸን ሚድያ ትግሓት Tghat ብፍላይድማ ሙሁር ሊቀሊቃውንቲ ትግራይ መንእሰይ ሓውና አሰናዳኢ Tghat ዝኾንካ ገብረክርስቶሰ ገብረሰላሴ በቲሉኡል ሳይንሳዊ ፍጠልጠትካ ጌይርካ ንቃልሲ ህልውናን ሓራ ምሰረታ ሀገረትግራይ አብይ እጃም አብምፍፃም እትርከብ ሙራውን ትግራዋይነት ሓላፍነትንካን ግቡእኻን አብምፍፃም እትረክብ ዝለአለ ምግና ከምኡውን ክብሪ ንአኻ አብነታዊ መንአሰይ ወድና ሓውና ኢኻሞ እንኻዕ ጓናአይኮንካ እንኻዕ ናይና ኾንካ we proud of and thank you

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT