Connect with us

transcription

መልእኽቲ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ፕረዝደንት ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ: ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምሕላው ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ንምትግባር ፀኒዑ ስለ ዝተቓለሰን ብኣሃዳዊ ስርዓት ፋሽሽታዊ ጕጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣይእርገፅን ኢሉ ዴሞክራስያዊ መረፃ ስለ ዘካየደን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ምጥፋእ ዘርኢ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

Published

on


መብርሂ ኣርታዒ፡
ጥሪ 22፥ 2013፡ ፕረዚደንት ትግራይ፡ ደብረፅዮን ገረሚካኤል፥ ካብ ሜዳ ትግራይ መግለፂ ፈኒዉ እዩ። እዚ መግለፂ፡ ብ ፅሑፍ እውን ተሰኒዱ ክይቕመጥ ኣድላዪ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ እዚ፡ ል ኣንበብትና ነቕርቦ ኣለና። እቱ መደረ ናብ ፅሑፍ ል ዝቐየረልና ብሩህ ተስፋ፡ ኣዚና ነመስግን። እቱ መደረ ብ ድምፂ ኣብ እዚ ይርከብ።  


ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃኢ ዓድን ዝትነብር ህዝቢ ትግራይ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡  ኣቐዲመ፡ ካብ ቀንዲ መኸተ ወራር ዝካየደሉ መሬት ትግራይ ኰይነ ንህዝቢ ትግራይ ዘለኒ ክብሪን ናእዳን ብምግላፅ ናይ ቃል ሰላምታይ እንተብፅሕ ዝላዓለ ሓበን ይስመዐኒ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ህዝቢ ትግራይ: ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምሕላው ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ንምትግባር ፀኒዑ ስለ ዝተቓለሰን ብኣሃዳዊ ስርዓት ፋሽሽታዊ ጕጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣይእርገፅን ኢሉ ዴሞክራስያዊ መረፃ ስለ ዘካየደን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ምጥፋእ ዘርኢ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ህዝቢ ትግራይ፡ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣካይድካ ዝዓተርካዮ መሰል ዓርሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራን መንጢሎም፥ መንነትካን መሰልካን ግሂሶም ከም ህዝቢ ከጥፍኡኻ ወራራት የካይዱ ኣለው። ኣርባዕተ መንግስታትን ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይልታትን ንትግራይ ብምውራሮም፡ ወራሮም ናይ ሓይሊ ዘይምምጥጣን ኣጋጢሙ እዩ። ቅድም ክብል ይግለፅ ከም ዝፀንሐ፡ ሓደ ቦጦሎኒ ትግራይ ንሓደ ክፍለጦር ፀላኢ ደፊሩ እናገጠመ መስተንክራዊ ጅግንነት ተመዝጊቡ እዩ።  ኣብ “ሰሜን እዝ” ዝተረኽበ ዓቕምታት ብምጥቃም ኣብ ፀላእትና ከቢድ ናይ ሰብ፥ ማተርያል፥ ሞራልን ካልኦት ክሳራታትን ኣብፂሕና እይና። ይዅን እምበር ብምኽንያት ዘይምምጥጣን ሓይሊ፡ ጊዝያዊ ወታደራዊ ልዕልነት ስለ ዝረኸቡ ነዚ ንምልዋጥ መኸተና ብቐፃሊ እናካየድና ንርከብ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ እዞም ንህዝቢ ትግራይ፡ ኣበሳቢስና፥ ንብረቱ ወሲድናን ኣዕኒውናን፡ ንድሕሪት ክንመልሶ እይና ኢሎም ሕርዲግ ዝብሉ ዘለው ክርድኦም ዘይኽእል፡ ካብ ህዝቢ ትግራይ ክወስድዎ ዘይኽእሉ መሰረታዊ ሃፍቲ ከም ዘሎ ዘይምፍላጦም እዩ።  ናይ ህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ሃፍቲ፡ ብጋዕገልጠም ዝግለፅ ማተርያላዊ ሃፍቲ እንተይኰነስ፡ ልዕሊ ኵሉ ጥሪት ህዝብና፡ ብማንም ዘይውሰድ፥ ኣብ ሕድሕድ ርእሲ ትግራዋይ ዘሎ ናይ ኣታሓሳስባ ለውጥን ዓቕሙን እዩ። ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ዓቕሚ ማንም ወራሪ ክወስዶ ኣይይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ፡ ብዓቕሙ ተምሂሩ፥ ብኣተሓሳስብኡን ብልምዱን ገስጊሱ: ሂወትን ናብራን ዝቕየር ናይ እንዳማትካ ንብረት ብምውራር ዘይኮነስ፡ ፅዒርካ፥ ለይትን ቀትርን ሰሪሕኻ ምዃኑ ዝኣምን ብጭቡጥ’ውን ለውጢ ኣብ ህይወቱን ናብርኡን ዘምፀአ ህዝቢ:  እዚ ዓቕሚ እዙይ፥ እዚ ሃፍቲ እዙይ ብማንም ዘይውሰድ ናይ ባዕሉ ጥሪት እዩ። ሐዚ ድማ ተወሳኺ ህልኽን ወነን ሒዙ ዝጐድልዎ ንምምላእ ብዙሕ ጊዜ ዘይወስደሉ ህዝቢ እዩ። እቶም ናይ ዘበን ኢኒኢኒ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መራሕትን ሰራዊቶምን ዝገብርዎ ዘለው ብርሰት፡ ቅርሕንትን ቂምን ከትርፍ እንተዘይኮይኑ፡ ትግራይ ንድሕሪት ክትምለስ እያ ማለት ሕልሚ ቀትሪ እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ መሰረትቲ ህወሓት ካብ ዝዀኑ፡ ንዝሓለፉ 46 ዓመታት ኣብ ህዝባዊ መስመሮም ፈተኽ እንተይበሉ ዝተቓለሱን ዘቃለሱን መራሕቲ፡ ዓበይቲ ተጋደልቲ ኣብዚ ወራር ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም ኣለው። ይኸፍሉ’ውን ኣለው።  መስዋእቲ እዞም ጀጋኑ ድማ የሐርነና እምበር ፈፂሙ ካብ ቃልሲ ንድሕሪት ኣይየብለናን። ንህዝብና ነዊሕ ቃልሲ እናመርሑ ብምሕላፎም፡ እዚኦም ዕድለኛታት፡ ኣብ መስመሮም ንህዝቦም ተኣመንቲ ኰይኖም ብምስወኦም ዝለዓለ ክብሪ ይስመዐና። ንህዝብኻ ንእዚ ኵሉ ዓመታት ተኣማኒ ኰይንካ ኣብ መስመርካ ምስዋእ ማንም ክረኽቦ ዘይይኽእል ክብሪ እዩ። ብምዃኑ ኣብ ፅባሕ መስዋእቲ ዓበይቲ መራሕትና፡ ከይወዓሉ ከይሓደሩ፡ ብሕራነን ብወነን፡ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ሓደሽቲ ጀጋኑ ሰብ ዕላማን ታሪኽን ናብ ምግዳል እናዋሓዙ ይርከቡ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ፥ ስርዓት ህግደፍን ሓይልታት ትምክሕትን፡ ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእን ንምፅናትን ግምባር ፈጢሮም ኣብ ልዕሌአኻ ማእለያ ዘየብሉ ግፍዒ እናፈፀሙ ይቕፅሉ ኣለው። ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ብዘይ ምሕረት ቀትርን ለይትን ብከበድቲ ኣፅዋራት ፀላእቲ ይድብደቡ ኣለው። ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ብስራሕኻ ዘዋህለልካዮ፥ ሃፍትኻን ንብረትካን ይውረርን ይበርስን ኣሎ። ደቅኻ፡ ብዘይ ጥፍኣቶም፡ እናተሃደኑ ይሕረዱ ኣለው። ዝርሸን እናረሸኑ ዝሳቐይ እናሳቐዩ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብጥምየት ንኽበርስ ኰነ ኢሎም እኽልኻን ጥሪትካን ጥራሕ ዘይኰነስ ቀለብ እንስሳ ዝዀነ ሓሰር እውን ዝፅዓን እናፅዓኑ እቲ ዝተረፈ ድማ ብሓዊ የቃፅሉዎ ኣለው። 

ምስ ጥምየትን ምዝንባላትን ተታሓሒዙ፡ ዝሓመመ ትግራዋይ ተሓኪሙ ከይድሕን ክዓ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መድሓኒት እናዘረፉ ይወስዱዎ ኣለው። እቲ ዝተረፈ ድማ እናቃፀሉ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ስኣን ሕክምና፡ ንኸጥፍኡ ብምሉእ ዓቕሞም ይረባረቡ ኣለው።

እዞም ፀረ ህዝቢ ወረርቲ ሓይልታት፡ ኣብ መሬት ትግራይ ዝፀንሑለን ዕለታት ኵለን ግፍዕን በደልን ህዝቢ ዘናውሕ  ምዃኑ ብምርዳእ፡ ህዝብና ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ዝጀመርካዮ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ክትቅፅልን በዚ ድማ ወርቃዊ ዓወት ክተመዝግብን እፅውዕ።ዝኸበርካ ሓረስታይ ትግራይ ፀላእትና ከንበርክኹኻ፡ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ኣብ ልዕሌአኻ ኣዝኒቦም እዮም። እንተዀነ ኵሉ ተሸኪምካ ኣብ ህዝባዊ መስመርካ ፀኒዕኻ  መኸተኻ ብምቕፃልካ ዝምዝገቡ ዘለው ዓወታት ረዘንትን ታሪኻውን እዮም።

ፀላእትና፡ በደልን ግፍዕታትን ብዘይ ምቍራፅ እንተፈፀሙ፡ ካብ ቃልስኻ ፈተኽ ከም ዘይትብል ብጭቡጥ ኣርኢኻ፥ ደቅኻ መሪቕካ ኣሰሊፍካ መኸተ እናሐየልካ ትርከብ። ብድምር “ዕጥቅና ካብ ፀላእትና፥ ስንቅና ካብ ህዝብና” ዝብል መሪሕ ቃል ዓትዒትካ ሒዝካ ተጋደልቲ ደቅኻ እናዐንገልካ እናሓብሐብካ ዝትገብሮ ዘለኻ ተጋድሎ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ፍሉይ ስፍራ ዘለዎ፥ ሓፋሽ፡ ኣብዚ መኸተ ወራር እዚ፡ ማለት ከምቲ ደጋጊምካ ዝትገልፆ፡ ንስኻ ቍሸትካ ቍሸት እምቢታ ገይርካ ኵልና ድማ ፀኒዕና ክሳዕ ዝንዛዝሞ ክንጕዓዝ ምዃንና ክገልፀልካ እፈትው።

ዝኸበርካ ናይ ከተማ ነባራይ ህዝብና፡ ኣብ ከተማታት ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዝትነብሩ ህዝብና፡ ዋላ እኳ ብወረርቲ ሓይልታት ዝተፈላለየ ግፍዕታት፥ ስነ-ልቦናዊ ፅዕንቶታት እንተበፅሐኩም፥ ከይተምበርከኽኩም ኣብ ሕቝፊ ፀላእቲ ኰይንኩም ንፀላእትናን ንተለኣኣኽቶም ባንዳታትን ዝተካይድዎም ዘለኹም ቃልሲ ዘሐብን እዩ። ብምዃኑ፡ ፀላእትና ካብ ዝፅውዕዎ ኣኼባታት ጀሚርኩም ዝትገብሩዎ ዘለኹም መትከላዊ ቃልሲ የዒስ ዘብል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ዘድንን እንተይኰነስ ዝመፀ ይምፃእ ኢሉ ናይ ህይወት መስዋእቲ እናኸፈለ ኣብ ዝኣምነሉ ፀኒዑ ዝቃለስ ምዃኑ ንዅሉ ኣመስኪርኩም እይኹም። ዓበይቲ ወለዲ፥ መናእሰይ፥ ደቂ-ኣንስትዮ፥ ሙሁራት፥ ሰራሕተኛ-መንግስቲ ትግራይ። ነጋዶን ካልኦትን ኵልኹም ነበርቲ ንመሰልኩምን ንመንነትኩምን ዝትገብርዎ ቃልሲ፡ ፀላእትና ክሳብ ዝፅረጉ ሐዚ’ውን ኣጠናኺርኩም ቀፅሉሉ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት መኸተ ትግራይ፡ ፀላእት ህዝቢ ትግራይ ይዅኑ ወረርቲ፥ ህልውናና ንኸጥፍኡናን ኣብ ታሪኽ እውን ነበረያ ነበረ ክገብሩናን ዝተዋደደ ግንባር ፈጢሮም፥ ዘሎን ዘየለን ዓቕሞም ፀንቂቖም እናተረባረቡ ይርከቡ። ክሳብ ሐዚ ዘብፅሕዎ ግፍዕን በደልን ማእለያ ዘየብሉ እኳ እንተዀነ ምስ ህዝብኹምን ሕጋዊ መንግስትኹምን ኰይንኩም ዝገበርኩምዎ ቃልሲን ዝትኸፍሉዎ ዘለኹም ክቡር መስዋእትን ዘሐብን ታሪኽ እናመዝገብኩም ስለ ዘለኹም ብኣኹም ንሕበን። ሐዚ’ውን ህዝባዊ ኵናት፡ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝረጋገፅ፡ ቀፃሊ ቃልስን ርብርብን ኣብ ዝሓትት ኣዚዩ ወሳኒ ብርኪ ስለ ዘለና ናይ ህዝብኹምን ሕጋዊ መንግስትኹምን ሕድሪ ተሸኪምኩም ኣብ መወዳእታ ክተብፅሑዎ ታሪኻዊ ሓደራኹም ከም ዝትፍፅሙ ዘጠራጥር ኣይይዀንን።

ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይ፡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ገፅ መሬት ንኸጥፍኡና ቀፃሊ ወሎዶ ትግራይ ኣብ ዝርከቡሉ እናረሸኑ ይጕዓዙ ኣለው። ኣካላት መናእሰያትና ሓደ ብሓደ እናተቐርደደን እናተቓፀለን ብግፍዒ ይቕተል ኣሎ። ካብታ ዝትነብሩላ መሬትኩም እናተመዛበልኩም ኣደዳ ስደትን ከርተት ትብሉ ኣለኹም። ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ተፈናቒልኩም እውን ናይ ፀልማት እዋን ከተሕልፉ ተገዲድኩም ኣለኹም። እዞም ወረርቲ ሓይልታት እዚኦም ኣብ መሬት ትግራይ ዝፀንሑለን እዋናት ማለት ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዝበፅሕ ግፍዕን በደልን ካብ ምግዳድ ብተወሳኺ ጕዕዞ መፃኢ ትግራይ እውን ዘፀልምትን ሃለዋታ ዘጥፍእን ምዃኑ ተረዲእኻ ብድጅታል ወያነን ብካልኦት ዓውደ መኸተን ዝተካይድዎ ዘለኹም ወናምን መትከላዊን ቃልሲ ዘዅርዕ እዩ።ኣቱም ኣብ እታ ፈታኒት እዋን ሕድርኹም ዘየዕበርኩም ሰብ ቅያ ተቓወምቲ፡ ትግራይ ኰሪዓ እያ። ሐዚ እውን ዝጀመርኩምዎ ቃልሲ ዝያዳ ብምሕያል ናብ ምግዳል ክትዓስሉን፥ ንፀላእትና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምድምሳስ ሐዚ’ውን ብትረትን ብፅንዓትን ክትቃለሱ እፅውዕ።

ዝኸበርክን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ጕጅለ ፋሽሽታዊ ኣብይ ኣሕመድ፥ ስርዓት ህግደፍን ሓይልታት ትምክሕትን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ኣብ ዝገብሩዎ ወራር፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘብፅሑዎ ዘለው ግፍዕን በደልን ንኽትዛረቦ ይትረፍ ንኽትሰምዖ እውን ኣዝዩ ዘሰክፍን መሪርን እዩ። እንተዀነ እቲ ግፍዒ ምግላፅ ግድን እዩ። ብምዃኑ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብእቶም ወረርቲ ሓይልታት ብውልቅን ብሓባርን ዝድፈራሉ ፅጉም ኵነታት ይሰፍሕ ኣሎ። እኖን ጓልን ብሓባር ይድፈራ ኣለዋ። ዝወለድክነኦም መላምል መናእሰይ ኣደዳ ጥይትን ፀላእትን ስደትን ይዀኑ ኣለው። ሃፍትን ንብረትን ይዝረፍን ይዓኑን ኣሎ። ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሬትና ዝፀንሑለን ሕድ ሕድ መዓልትታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ተወሳኺ ዕድመ ንኽረኽቡ ዕድል ምሃብ ማለት ስለ ዝዀነ ኣብ ዘለኽንኦ ኰይንክን ንፀላኢ ረመፅ ክትኰና፥ ተወዲብክን ንኽትቃለሳ ፥ ዓቕሙ ንምግዳል ዝበፅሐ ኵሉ ሰብ ናብ ምግዳል ንኽኣቱ ብትረት ንኽትሰርሓን በዚ ድማ ዓቕሚ ፀላእትን ብቕልፅምና ክነሕፅርን እፅውዕ።

ዝኸበርኩም ዳያስፖራ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ዝተዋደደን ዝተናበበን ገበን ተረዲእኹምን ኣምባሳደራት ህዝብኹም ኰይንኩም ዝትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ኣዝዩ ዘሕብን እዩ። ሐዚ እውን፡ እዚ ቃልሲ ተጀመረ እምበር፡ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝረጋገፅ ተጠናኺሩ ዝቕፅል እዩ። ስለ ዝዀነ ብሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን በደልን ማሕበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ንኽፈልጦ ዝተጠናኸረ ስራሕ ንኽትሰርሑ፥ ብእቱ ካሊእ መዳይ ድማ ግዜኹም፥ ፍልጠትኩምን፥ ገንዘብኩምን ብምውዳብ ኣብዚ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዝጀመርኩምዎ ዘሐብን ስራሕ ዝያዳ ብምጥንኻር ታርኻዊ ሓላፍነትኩም ንኽትዋፀኡ እፅውዕ።

ዝኸበርኩም ማሕበረሰብ ዓለም፡ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋኣ፡ ሰራዊት ህግደፍ ሓዊስካ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ዓዲሙ የቐጥቅጦ ኣሎ። ብሓፂሩ ንህዝቢ ትግራይ ብጥዪትን ብጥምየትን ክነጥፍእ ኢና ኢሎም ብዘይ ዕረፍቲ ለይትን ቀትርን እከይ ተግባሮም ይፍፅሙ ኣለው። ብምዃኑ ንፁሃት ዜጋታት ደቂ ትግራይ ብምዃኖም ጥራሕ በብዝወፅኡዎ ብግፍዒ ይርሸኑ ኣለው። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብግፍዒ ይድፈራ ኣለዋ። ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላትን ነፃነትን ትግራይ ብዝኸፍአ መግለፂኡ ይጣሓሱን ይገሃሱን ኣለው። ገጠራትን ከተማታትን ትግራይ ሰራዊት ይሃልው ኣይይሃልው ብዘየገድስ ብኸበድቲ ኣፅዋራት ይድብደባ ኣለዋ። ኣብያተ እምነታት ይድብደቡን ይራኸሱን ኣለው። ታሪኻዊ ቅርስታት ይዓንዉ ኣለው። ብምልዮናት ዝቝፀሩ፡ ማለት ህዝቢ ከም ህዝቢ፡ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ንዝለዓለ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ቅልውላው ተሳጢሑ ኣሎ። እንስሳ ዘቤት መዕቘቢ ስኢኖም ይስደዱ ኣለው።

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጅምላዊ ጭፍጨፋን ቅሉዕ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበንን ይፍፀም ኣሎ። እዚ ገበን ኣብ ልዕሊኡ ዝፍፀም ዘሎ ድማ ዝዀነ ገበን ስለ ዝፈፀመ ዘይኰነስ መመሓደርቱ ንምምራፅ ዴሞክራስያዊ መረፃ ስለ ዘካየደ ጥራሕ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ገበን ብትረት ንኽትቃወሙን ዝፍፀም ዘሎ ገበን ብዓለም-ለኸ ትካላት ክፃረን፥ ኣብ ልዕሊ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ኩሉ ክግበር ዝከኣል ስጉምቲ ክትወስዱን፥ ብፍላይ መራሕቲ እዚ ወራር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ብዓለም-ለኸ ሕጊ ክዳነዩ እጃምኩም ክትፃወቱ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ይፅውዕ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ዝሓለፉ ትውልድታት ትግራይና፡ ወራራት ባዕዳውያን ዝመከቱ፡ ዘመናዊ ኣፅዋራት፥ ምሳኤላት፥ ታንክታት ሒዞም ኣይኰኑን። ናይ ህዝቢ መሰል ኣሕሊፍና ኣይንውህብን ኣይንምብርከኽን ብዝብል እዩ። ናይ ዕላማ ፅንዓትን ሓድነትን ኣሐይሎም፥ ገጥ ንገጥ ገጢሞም እዮም ዝሰዓሩ። ንሕና እውን ነዚ ገጢሙና ዘሎ ወራር ንምምካትን ንምስዓርን እምነትና፥ ፅንዓትናን ሓድነትናን ሒዝና ክንገጥምን፡ ክብርን ታሪኽን ደቂ ትግራይ ደሚቑ ንኽቕፅል ክንገብር ይግበአና። ዘጋጠመ ሽግር፥ ላዕልን ታሕትን፥ ገልጠምጠምን ናይ ምምካት ዓቕምና ኣሐይልና ንማንም ሓይሊ ገጢምና ክንስዕር፡ ንኽብሪ ህዝብናን፥ መሰል ዓርሰ-ውሳነናን ኵሉ መስዋእትነት ከፊልና ክንዕወት ንቃለስ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ፀላእትና ዓቕሚ መኸተና እናሓየለ ምኽያዱ ስለ ዘዳናገፆም ሐዚ እውን ከም ብሓድሽ ዓቕምታቶም ኣኻኺቦም ከቢድ ወራር ምክያድ ጀሚሮም ኣለው። ይዅን እምበር እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ኵናት ንፀላእቱ ብምድምሳስን ብምቕባርን ምዕዋቱ ዘይተርፍ እዩ። ካብ ተሞክሮ ቃልስታት ህዝብታት ዓለም ንባዕዳውያን ወረርቲ ዝሓሸ መማረፂ ካብ ትግራይ ሓይሎም ጠቕሊልካ ብምውፃእ ካብ ምድምሳስ ክተርፎም ጥራሕ እዩ። ናይ ሐዚ ወረርቲ እውን  ረዖኦም ጠቕሊሎም ክወፅኡን ግድን እዩ። እንተዘየለ ንሕና ካብ መረበትናን መሬትናን ወፂና ናብ ንኽየዶ ቦታ ስለ ዘይብልና ዓወትና ምሉእ ክሳብ ዝዀን ህዝባዊ ኵናትና ካብ ምጉህሃር ንድሕሪት ከም ዘይንብል ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ይግባእ። ዓወትና እውን ፀላኢና ብምቕባር ናይ ግድን ኣብ ኢድና ምዃኑ ንዅሉ ኽነረጋግፅ እይና።

ዓወት ንህዝቢ ትግራይ፥ ዕንወት ንፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ።

ንመሰል ዓርሰ-ውሳነ፡ ትግራይ ትቃለስ።

ዘላኣለማዊ ኽብሪ ንጀጋኑ ስውኣትና ናይ ትማልን ናይ ሎምን።

ትግራይ ትስዕር።

የቐንየለይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT