Connect with us

Letters

መርገፂ እማመ ሰላም መንግስቲ ትግራይ

ይዅን እምበር እቲ ኵነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክዛዘም ሎሚ እዉን ቅሩባት ምዃንና ከም ህዝብን ከም መንግስትን ክነረጋግፅ ንደልይ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ንኣትዉ ግን ቀፂሎም ዝተቐመጡ ቅድመ ኵነታት ሙሉእ ብሙሉእ እንተተማሊኦም ጥራሕ እዩ።

Published

on

ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ኪሳራ፥ ዘብፅሖ ማሕበረ-ኢኰነሚያዊ ቅልዉላውን ብተግባር ይርድኦም እዩ። ዋጋ ሰላም ብገንዘብን ማተርያልን ዘይዕቀን፡ የግዳስ ክቡር ህይወት ወዲ ሰብ ከፊልካ ከም ዝረጋገፅ ዝንፈልጦ ግሁድ ሓቂ እዩ። ነዚ እዉን እዩ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ጕዳይ ሰላም ዘየማትእ እምነትን መርገፅን ሒዞም ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን።

ስለ ዝዀነ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነዚ ሎሚ ገጢሙና ዘሎ ወራር ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ኩልጊዜ ቅሩባትን ድልዋትን እዮም። ቀደሙ እዉን ናብ ኲናት ዘምረሐና፡ ተገዲድና ዝኣተዉና እምበር ኲናት ፈላማይ ኣማራፂና ኣይነበረን፥ ሎሚ እዉን ኣይዀንን። ህዝቢ ትግራይ መረፃ መመሓድርቱ ብምክያዱ፡ ፋሽሽታዊ ጕጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኵሎም ናይ ሰላም መማረፂታት ዓፂዉ፡ ናይ ወፃኢ ወረርቲ ሓይልታት ዓዲሙ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ከጥፍአና ኵሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን ምፍፃሙ ስለ ዝቐፀለ ብደምናን ብዓፅምናን ህልዉናና ንምርግጋፅ፡ ፅኑዕ መርገፂ ሒዝና ንቃለስ ኣለና፥ ዘሕብን ተደራራቢ ዓወት እናሓፈስና እዉን ንርከብ።

ይዅን እምበር እቲ ኵነታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክዛዘም ሎሚ እዉን ቅሩባት ምዃንና ከም ህዝብን ከም መንግስትን ክነረጋግፅ ንደልይ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ናብ ሰላማዊ ልዝብ ንኣትዉ ግን ቀፂሎም ዝተቐመጡ ቅድመ ኵነታት ሙሉእ ብሙሉእ እንተተማሊኦም ጥራሕ እዩ።

1. ባዕዳዊ ወራሪ ሰራዊት ህግደፍ ብዘይ ዉዓል-ሕደር ካብ መሬት ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ። ብተግባር ምፍፃሙ ድማ ብዘይ ሻራዊ ዓለምለኸ ኣካል ክረጋገፅ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ።

2. ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክሕሎን እቶም ሐዚ ብደቡብ፥ ብሰሜን ምዕራብ፥ ምዕራብን ምብራቕን ንመሬት ትግራይ ክቃራመቱ ዝዉዕሉ ዘለዉ ፀላእትና ካብቲ ቦታታት ለቒቆም፡ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክሕሎ እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ።

3. እቲ ብሽም ግዝያዊ ምምሕዳር በቶም ፀላእቲ ዝጣየሽ ዘሎ ኣካል ክፈርስን ብህዝቢ ዝተመረፀ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ቦትኡ ክምለስን እንተገይሩ ጥራሕ እዩ።

4. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ደቂ ትግራይን ንዝተፈፀሙ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ፥ ናይ ኵናት ገበናት ዘፃርይ ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣካል ተጣዪሹ ብነፃነት ንምፅራይ ዘኽእል ኵነታት ክመቻቸወሉን ስራሕ ክጅመርን እንተኽኢሉ ጥራሕ እዩ።

5. ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝተመዛበሉን ንዝኸፍአ ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ዝተቓልዑን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖ ምግባር፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዝመፅኡ ዓለም ለኻዉያን ትካላት ዘይተገደበ ምንቅስቃስ ክገብሩ ምፍቃድን፡ መሬት ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንጋዜጠኛታትን ዘይሻራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተሓለቕቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ምንቅስቃስ ክፍቲ ክኸዉን።

6. ዝተወረረ ፡ ዝዓነወን ዝተበላሸወን ንብረት መንግስቲ፡ ሰብ ሃፍትን ህዝብን ዘይሻራዊ ዓለም-ለኻዊ መፃረዪ ትካል ተጣይሹ ስራሕ ክጅምር።

7. በዚ ኵነታት ዝተኣሰሩ ፓለቲከኛታትን ካልኦት ደቂ ትግራይን ብዘይ ቅድመ ኵነት ክፍትሑ

8. እዚ ልዝብ ሰላም ብዘይ ሻራዊ ዓለም-ለኻዊ ዝካየድ እንተዀይኑ ጥራሕ እዮም።

መንግስቲ ትግራይ

12 ለካቲት 2013 ዓ/ም

ትግራይ ትስዕር


ኣውድዮ ካብ ድምፂ ወያነ፦ መርገፂ እማመ ሰላም መንግስቲ ትግራይ። እቱ እማመ ብ እንግሊዘኛ፡ኣብ ቲኤምኤች

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT