Connect with us

ግጥሚ

ኦ! ተምቤን!

Published

on

ምዓት ወሪዱ፡ ምፅኣት ኰይኑ
ግፍዒ በዚሑ፡ ምወት ሰፊኑ

ፅሓይ ዓሪባትና፡ መሬት ፀልሚታትና
ዓለም ረሲዓትና፡ ፍርሒ ውሒጡና
መውፅኢ ስኢንና፡ መሬት ዕንቊ ኰይና
ጠፊእና ዶ ኢልና፡ ምስጋእ ምስ ጀመርና

ካብ ቈላ ተምቤን፡ ወረ ሰማዕና
ወረ ሕይወት-ተስፋ፡ ወረ መድሕንና
ወረ ወፍሪ ኣሉላ፡ ወረ ሰራዊትና

ኦ! ጎቦታት ሽንጥሮታት ተምቤን!
ነቕዓ ሂወት፡ ኣሐደስቲ ዘመን
ትፈልጡ ዶ እንታይ ከም ዝዀንኩም?
ትፈልጡ ዶ ርዝነት ትርጕምኩም?

ኣስነቕቲ ሓቦ፡ መገብቲ ትብዓት
ምንታዕ ማያት፡ ምዕራፍ ፃድቃናት
ፍልፍላት ተስፋ፥ ፍልፍላት ብርሃን
መድሓንቲ ህዝቢ፡ መፀግዒ ግፉዓን

ረዚን ትርጕምኩም፡ መፍርሒ ግርማኹም
እፁብ ኑባሬኹም፡ ግሩም ፅባቐኹም
ይናገር ፅሞናኹም፡ የግርም ህላወኹም
ቅዱሳን እይኹም፡ መፂአ ዝእሰግደልኩም!

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Gebregziabher

    June 28, 2022 at 2:56 pm

    ብርዒኻ ይሰስን

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT