Connect with us

መግለፂ

ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ድርድር ኣመልኪቱ ካብ ሃገራውያን ውድባት ትግራይ ዝተውሃበ ሓበራዊ መግለፂ

Published

on


ኣብ ሞንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፈፀመ ግዝያዊ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ስዒቡ፤ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተን ድርድርን ንምግባር ድልውነቶም ከምዝወገኑ በቢወገኖም ይገልፁ ኣለዉ፡፡ ብወገን ትግራይ ኩሎም ሰብ ግደ ዘካተተ ሓቛፋይ ናይ ሰላም መስርሕ ክህሉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ዋላ እንተገበርና ዛጊድ ባሊህ ዝብል ኣካል ኣይተረኸበን፡፡ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝተወከለሉ ከይዲ ዘተን ድርድርን ረብሓ ትግራይ ብመሰረቱ ይፃባእ ጥራይ ዘይኮነ መፃኢ ዕድል ህዝብና እውን ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መንቀራቕር ዘእቱ ከምዝኾነ ታሪኽና ምስክር እዩ፡፡

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ዝህሉ ከይዲ ዘተን ድርድርን ግዝኣታውን ብሄራውን ሓድነትና ዝሽርሽር ኣሳሪ ከይዲ ክህሉ ዝግበር ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን፡፡ ብተወሳኺ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ጆኖሳይድ ስዒቡ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፈቓድ ፀላእትና ከም ዝፈረሰ ዝፍለጥ እዩ፡፡ በዚ መንፅር ህዝብን መሬትን ምዕራብ ትግራይ ክልተ ተፃባእቲ ኣካላት ብማዕረ ዝብፀሖም መዋጠጢ ቦታ ክኸውን ዝገብር ዝኾነ ይኹን ናይ ሰላም ከይድን መስርሕን ብኣግኡ እንተዘይተኣሪሙ ወሎዶታት ዝሳገር መዘዝ ከምዝፈጥር ጥርጥር የብሉን፡፡ ህወሓት በቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ኣሳርን ቀያድን ናይ ድርድር ከይዲ ተቐቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝገለፆ መርገፂ፤ ህዝብን መሬትን ትግራይ ዘሀግር፣ ባህጊ ህዝብና ዝፃባእ፣ ህዝባዊ ቃልስናን ዝፈጠሮም ዓቕምታትን ዘምክን ቅዋም ስለዝኾነ ብትሪ ንኹንኖ።

ከምዝፍለጥ ሰለስቲአን ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ፀጥታኣዊ፣ ጂኦፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ጂኦግራፊያውን መንነታውን ረብሓ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ዳግመ ክረታ ንምግሃድ ከምዝቃለሳ ብተደጋጋሚ እናገለፃ ፀኒሐን እየን፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ከይዲ ድርድር መሰረታዊ ረብሓታትን ባህግታትን ህዝብና ብመሉእነት ዘኽብር ክኸውን ቃልሰን ኣሐይለን ከምዝቕፅላ በዚ ኣጋጣሚ ክነፍልጥ ንፎቱ። መላእ ህዝብና ድማ፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝበፅሖ ዘሎ ፀቕጢ ንምፍኳስ ዝወስዶም ዘሎ ናይ ሓሶትን ሸፈጥን ናይ ሰላም ፃውዒታት እምነት ከየሕደረ ኩለመዳያዊ ቃልሱ ከሐይል ፃውዒትና ነቐርብ፡፡

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፥ ውድብ ናይነት ትግራይ (ውናት)፥ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)

መቐለ፣ ትግራይ
ሓምለ 09/2014 ኣ/ግ

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Filmon Girmay

    July 19, 2022 at 6:34 pm

    Right topic and good point all parties in Tigray should participate in such critical matters which influence our future this time we shouldn’t repeat the past erroneous mistakes in which costed us to unmeasurable social, economical, Geopolitical and so on and so forth bankruptcies
    TIGRAY WILL PREVAIL THANK YOU!!!

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT