Connect with us

Uncategorized

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

Published

on

ጥቅምቲ 24/2013 ኣ.ግ ነይሩ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ክፈሓስ ዝፀነሐ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ‘ፕሮጀክት’ ብዕሊ ኹናት ብምኽፋት ፀግዒ ክፍኣ-ተግባራቱ ዝገለፀ። እነሆ ድማ እዚ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኩናት ንሓንቲ መዓልቲ እውን ደው ከይበለ ይቕፅል ኣሎ። ትማሊ 20 ነሓስ መቐለ ጥቓ  SOS ኣፀደ ህፃናት ኣብ ዝርከብ መውዐሊን መፃወትን ህፃናት ከምቲ ንዘመናት ዝገበርዎ ጭካነ ዝተመልኦ ደብዳብ ነፋሪት  ብምክያድ ንህፃናት ሓዊሱ ህይወት ንፁሃት ደቂ ትግራይ ብዘስካሕክሕ ኩነታት በሊዑ እኒኦ። እዚ ንመኾኒ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ቦታታትን ከተማታትን ትግራይ እውን ዝካየድ ዘሎ ግፍዓዊ ደብዳብ መቐፀልታ እቲ ባህተኦም ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፅናት ተግባሮም ኣካል ኾይኑ፤ ደም ወለዶታት ብሄረ ትግራይ ምስታይ ዝለመዱ ስርዓታት ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ‘ፅባሕ ትግራይ’  ንምፅልማት ዘለዎም ባህጊ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ንፁሃትን ተጋሩ ሰይጣናዊ ግፍዒ ብምፍፃም ኣረጋጊፆም ኣለው።

 ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝፍፀም  ተግባር ፅንተት ንምክልኻል ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ዓቕምታቱ ብምውዳድ፣ ነቲ ቃልሲ ህዝባዊ ባህሪ ብምልባስ፣ ኩሎም ናይ ቃልሲ ዓውድታት ብምትግባር ህዝባውን ኩለ መዳያውን ቃልሱ ኣብ ምውጋን ድማ ይርከብ። ህዝብና ፅንተት ንዝፈረዱልና ስዒሩ ናፃ ሃገረ ትግራይን ሓርነትን ክሳብ ዝጎናፀፍ፡ ፈለግ ቃልሱ ከይሰሓተ፡  ብዝዛየደ ብሄራዊ ስሚዒት፣ ፅንዓትን ሕራነን ህዝባዊ ቃልሱ ከጠናኽር ምሕጋዝ ድማ ዕዮ ገዛ ኩላትና ይኸውን።

ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመን ዘይዛረየን ተግባር ፅንተት ብስሩዕ ኩናት ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ድምፂ ጥይት ዘይብሎም መሳርሕታት ብምጥቃም እውን እዩ ዝሳለጥ። እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝቐፀለ ዕፅዋ መሰረታዊ ወሃብቲ ግልጋሎታት፣ ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ኢሉ እውን ዝተነበረ ሙሉእ ክባ፡ መሳርሕታት ፅንታ ምዃኖም ክሰሓት የብሉን። ፀላእቲ ጭንጓዕ ሰብኣዊ ርህራሀን ሒንዳን ዘይብሎም፡ ዝወጠንዎ ናይ ፅንተት ፕሮጀክት ንምዝላቕ ኩሎም ናይ ጭካነ መሳርሕታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘየማትኡ እውን ስለዝኾኑ፤ ህዝብና፡ ብሄራዊ ሓድነቱን ህዝባዊ ስምረቱን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብምብራኽ ህዝባዊ ቃልሱ ናብ ዳርችኡ ክሳብ ዝበፅሕ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክኸውን ድማ ግድን ይብሎ።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከም ህዝቢ ነቲ ዘጋጠመና መሪር ኩነታት ዝምጥን ስነልቦናዊ ጥንካረ፣ ሓልዮትን ናይ ደጀን ስራሕቲ ምጥንኻርን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ድማ ንርከብ። ሐዚ እውን ሰይጣናዊ ግብሪ ታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከየሰኮነና፡ ጎናጎኒ ህዝባዊ ቃልስና ማእገር ኢኮኖሚ ትግራይን ዋሕስ ህላወናን ንዝኾነ ሕርሻ ትኹረት ብምሃብ፤ ምህርቲ ንምስሳን ሓረስታይ ትግራይ ክረምታዊ ማእቶቱ ከሳልጥ ይግባእ። ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝብና እውን ዘለዎ ሃፍቲ ብቑጠባን ብጥንቃቐን ክጥቀም ከምዘለዎ ክነዘኸኽር ንደሊ። ነጋዶን ሰብ ሃፍትን ትግራይ ህይወትኩም ኣረኪዝኩም ንህዝብን ንብሄራዊ ቃልሲ ትግራይን ዝበፃሕኩምሉ ከምዝኾንኩም ዘይርሳዕ ኾይኑ፡ ሐዚ እውን ህዝቢ ናይ ምድሓን ፍሉይ ብሄራዊ ሓላፍነት ከምዘለኩም ብምእማን ሰብ-ሰራሕ ሕፅረት ሸቐጣትን ዘይፍትሓዊ ናህሪ ዋጋን ካብ ምንባር ክትቑጠቡን፡ ብርትዓዊ ዋጋን ምኽንያታዊ ቀረብን ሸቐጣት ከተቕርቡ ንፅውዕ። 

ኩናት ፅንተት ዝፈጠሮም ማሕበረ-ቁጠባዊ፣ ፀጥተኣዊ፣ ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ንምንካይ ውሽጣዊ ዓቕምና ሓንኲኽና ብምጥቃም፤ ኩናት ዝሽከም ማሕበረ-ቁጠባዊ መፍትሒ ኣንፈታት ብምቕማጥ ናብ ተግባር ክነሽርፎም ይግባእ። ከም ህዝቢ ካብ ዝተኣወጀልና ጥፍኣት ንምድሓንን ብሄራዊ ህልውናና ብዘላቕነት ንምውሓስን ካብ ባዕልና ወፃኢ ካልእ መድሕን ከምዘየለ ብምእማን ነኒባዕልና ክንተሓጋገዝን ክንደጋገፍን እውን ግድን ይብለና። ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናትና ዝርካብካ ምድጋፍ፣ ጠዋሪ ንዘይብሎም ህፃናትን ኣረጋውያንን ሕድሕድና ‘በይዛ’ ክንኾኖም ድማ ታሪኽ ሓርዩና ኣሎ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እዚ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኹናት ኣብ መንጎ ሓይልታት ባርነትን ናፅነትን ዝግበር ኩናት ከምዝኾነ ይኣምን። ብደም ህፃናት ትግራይ ዝጫድር  ሓይሊ ድሕረትን ባርነትን ተሳዒሩ ናፅነት ዝዕወት ድማ ኣብ ውሽጢ ይኹን ደገ ዘሎ ሕድሕድ ትግራዋይ ብዝህልዎ ውፍይነት ጥራይ ይኸውን።

ዘለኣለማዊ ዕረፍትን ክብርን ንኹሎም ሰማእታትና!!

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT