Connect with us

ርእይቶ

ሓሳባት ገለ ምሁራን ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

Published

on

ናብ ኣተሓባባሪ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ

መእተዊ

ንብዙሕ እዋናት እናተዋህለሉ ዝመፅኡ ፀገማትናን፤ ውፅኢት  ናይ እቲ ናይ ሕዚ ኲናት ዝዀኑ ዝተሓላለኹ ፀገማትን ተደማሚሮም ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልቡ ኣዝዮም ገዘፍቲ ኵለመዳያዊ ቅልውላዋት ኣብ ዝጠጥዑሉ ኵነታት ንርከብ። ካብ ባህሪ እቱ ዘለናሉ ኵነታት ተበጊስና፡ ምጥያሽ  ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብ ህፁፅ ክግበር ዘለዎ ወሳኒ ምዕራፍ እዩ ኢልና ንኣምን። 

ህውኽውኽ ኢልና፡ ክዀን ዝግብኦ ከኢንገድፍ ፥ ክነፃፍፍ ኢልና ድማ ንዝንምነያ ትግራይ ድልዱል ሰረት ዝነቕምጠሉ ምዕራፍ ከኢነበላሽው ብ ውሕሉል ጥበብ ክንሰርሕ ይግበአና። እዙይ ኣብ ግምት ብ ምእታዉ ካብ ህልኽ፣ ኣነነትን ግትርነትን ወፃኢ ብዝዀነ መስርሕ፤ ኣብ ልዝብ፥ እንካ-ሃባ ሓሳባት፥ ምርድዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ሓቛፊ፥ ግልፂ፥  ኣሳተፊ፥ ተኣማንን ቅቡልን ከይዲ ገይርና እቲ ግዝያዊ ምምሓዳር ነጣይሾ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና እዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ነልዕልን ነቕርብን ኣለና።

ምድንጓይን ሕቱኽቱኽን ንውሽጣዊ ንሕንሕን ምትህልላኽን ኣቃሊዑ የዳኽመና ጥራሕ ዘኢኰነስ፤  ምትእትታዉ ግዳማውያን ሓይልታት ዝዕድምን ኣደዳ ሰናይና ዘኢይደልዩ ሓይልታት ይገብረና ኣሎ። ከይዱ ከይዱ ድማ ጥራሕ ዝባንና ኣቃሊዑ ዝብትነናን ኢድና ክንህብ ዝገብረናን ኵነታት እዩ ዝፈጥር። ክብሪን መሰል ርእሰ ውሳነን ትግራይ ዘኢይትንክፍ ሰረት ልምዓት፥ ዴሞክራስያዊትን ሰላማዊትን ትግራይ ዘንብር ምዕራፍ ገይርና ክንጥቀመሉ ዝግባእ ኵነት እዩ። ለውጢ ግድን ምዃኑ ኣሚንካ ንትግበርኡ ምስራሕ፡ ምህላውን ዘኢምህላውን ወይ ከም ህዝቢ ምቕፃልን ዘኢምቕፃልን ዝውስን ታሪኻዊ ተልእኾ እዩ። ዓቕሚታት ትግራይን ተጋሩን ብዝልዓለ ብርኪ ዘኽተተ ከይዲ ክዀን፤ እዚ ኵነታት ተኸፋፊልናን ተበቲናንስ ይትረፍ ኵላትና ከቲትና እኳስ ካብ ንቡር ሕልፍ ዝበለ ፃዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንኣምን።

ካብ እዙ እዋን ስግግር ዝንፅበዮ ውፅኢት እንታይ እዩ?

 ንእታ ዝንምነያ ልምዕቲ፥ ዴሞክራስያዊትን፥ ሰለማዊትን ትግራይ ንምህናፅ ፅኑዕ መሰረትን እምነ ኵርናዕን ዝነቕምጠሉ፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ኵትሞ ( paradigm) ከምፅአልና ዝህቅን፤ ምዕሩይ/ግቡእ ኣወዳድባ መንግስቲ ክህልወና መንፀፍ ዝነቕምጠሉ፤ ማለት ውድብን መንግስትን ዝፍለዩሉ፥ ፖለቲካዊ ነፃነትን ሰብኣዊ መሰላትን ትካላውነትን ዘረጋግፅ፥ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ኣሳታፍነትን፣ ለውጥን ቀፃልነትን ዘማእዝኖ ግዝያዊ መንግስቲ ምምስራት ትፅቢት ብዙሓት ሰባት እዩ ኢልና ንኣምን። 

ካብ እዙ ዓᎁቝ ትምኒትን ትፅቢትን ብምብጋስ እይና ድማ አብ እዙይ ወሳኒ ናይ ስግግር ምዕራፍ፥ ኣመራርሓ ትካላት 

  1. ኣባላት ጉባኤ ምሕደራ ዳያኑን ፕሬዚደንትታት ማእኸላይ፣ ላዕላዋይን፣ ፈላማይ ብርኪ ኣብያተ ፍርዲ 
  2. ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ምሕደራ ህዝቢ   
  3. ሓለፍቲ ሚዲያታትን  ዝተፈላለዩ ውዳበታት ሕብረተ ሰብን

ብ ዝመልከቶም መዳርግቲ ርእይቶ ዝተውሃበሎምን ብኵሎም ውድባት ድጋፍ ዝረኸቡን ጥራሕ ክዀኑ ይግባእ።

ስለዚ፡ 

  1. መንግስትነት ኣብ ግቡእ መሰረት ምቕማጥ፦ እዞም ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮም ካብ ውድብ ዝፈልይ ማለት እዩ። ፖለቲካዊ ምሕደራና ዘምዓራርይ
  2.  ሰላም ዘረጋግፅ፦ ተጀሚሩ ዘሎ ንድሕሪት ከይምለስ ዝገብር፣ ዝተፈናቐለ ናብ ቦትኡ ዝምልስ
  3. ህዝብና ካብ ዘለዎ ኵነታት ዘድሕንን ዳግመ ህንፀት ዝገብርን
  4. ንመረፃን ብ መረፃ ዝመፅእ መንግስትን ዘመቻችው:- ፖለቲካዊ ስግግር ዘረጋግፅ።

እዞም መሰረታውያን ትፅቢታትና ወይ ዕላማታትና ዘፈፅም እይና ዝነጣይሽ።

ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ

ትግራይ ኣብ ትሕቲ ደው ዘኢበለ ወራር ዘርኢ ምፅናት፥ ዝተአከበን እጁልን ቍጠባዊ ቅልውላው፥ ሰፊሕ ምፍንቓልን ዓᎁ ስነ-ልቦናዊ ቅልውላውን፣ ኣብ ትሕቲ ዘኢርጉዕን ኣዝዩ ተኣፋፋይን ጂኦግራፊያዊ  ዞባ ኣላ።ከምኡ እውን ኣብ ኣዝዩ ድሑር ድርዕቶ ልምድን ኣብ ዝጥሓለትሉ እዋን ዝፍጠር ዘሎ ኣዝዩ ተዃሳሒ ኵነታትን አለና፡፡ 

መንግስቲ ብ ዘኢምጥያሽና ኣብ እቲ ፀገም ተወሳኺ ፀገም ይዀን ብ ምህላዉ ፤ ምጥያሽ መንግስቲ ብ ቕልጡፍ ክዕመም ዘለዎ ዕይዮ ኰይኑ ይርከብ። ብ ዝደንጐና ቍፅሪ  ተስፋ ናይ ምቝራፅ  ዕድልና እውን ብ እኡ መጠን ናዓበየ ክኸይድ እዩ። ስለዚ ነቲ ከይዲ ንምሕጋዝ፣ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ሽቶታት ንምርግጋፅ ዘኽእል፣ ናይ ህዝብን ናይ ኵሉ ወገን ድልየት ንምጥዕዓም ዝፍትን፣ ብ ሓፂር እዋን ክግበር ይኽእል ኢልና ዝኣመንናዮ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪብና ኣለና።

እቲ ከይዲ ኣሳታፊ፣ ግልፂ/ዴሞክራስያዊ፣ ተኣማኒ፣ ቅቡል ክዀን ኣለዎ። እዙይ ማለት ኵሎም ክሳተፉ ዝግበኦም ምስታፎም ዘረጋግፅ፥ እቶም ዝሳተፉ ተወከልቲ ብ ግቡእ ዝተወከሉ ምዃኖም ዘረጋግፅ፥ ንእዙይ ዝዕዘብ ድማ ዘኢሻራዊ ኣካል ይህልው።

እቶም ዝሳተፉ መዳርግቲ፦

  •  ሰራዊት ትግራይ፡ እዙይ እቲ ዝልዓለ መስዋእትን ዋጋን ዝኸፈለ፣ ንዅሉ ዝውክል (ማለት  ኣባላት ውድባት ፣ ሓረስቶት፣  መናእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ሰብ ተሙኵሮ፣ ምሁራትን ሰብ ሞያን  ወዘተ ዘለውዎ) ስለዝዀነ ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት ዝሕዝ ክዀን ይግባእ።
  • ህወሓት፡ ይሕመቕ ይፀብቕ ክሳብ ሀዚ ናመርሐ ዝመፅአ፣ ብዙሓት ኣባላት ዘለውዎ፣ ኣብ እቲ ቢሮክራሲ ይዅን ካሊእ ብዙሕ ኢድ ዘለዎ ስለ ዝዀነ ቀፂሉ ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት ሒዙ ይሳተፍ።
  • ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ቀፂለን ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት  ይሕዛ። ናይ ትግራይ ጕዳይ የገድሸና እዩ ኢለን ዝተወደባ ስለ  ዝዀና ሓሳበን ክስማዕን ብ ግቡእ ክሳተፋን ኣለወን።  እዘን ክሳተፋ ኣለወን ንብለን ቓወምቲ ውድባት፡ ወድብ ናፅነት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን እየን።
  • ናይ ሕብረተሰብ ማሕበራት፣ ምሁራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ወዘተ ድማ እቲ ዝተረፈ ብፅሒት ሒዘን ይሳተፋ።

እዚኣቶም ብሓባር ኰይኖም ዘጣይሹዎ ቤት ምኽሪ መዳርግቲ እዩ ግዝያዊ መንግስቲ  ከጣይሽ ዘለዎ።

ገለ ስራሕቲ  እዙ ቤት ምኽሪ፦ 

  1. ንኵሎም ዘሰማምዕ ተቘፃፃሪ የጣይሽ (ብፍላይ እተን ውድባት ኣብ እዙይ ክረዳድኣ ኣለወን)።  እቱ ተጀሚሩ ዘሎ ኰሚቴ ብ ምትዕርራይ ክዀን ይኽእል።
  2. ፕረዝደንት ይመርፅ። 
  3. ብእቲ ፕረዝደንት ዝቐርቡ ካብ እተን ውድባትን ሰራዊት ትግራይን  ዝምዝዙ ኣባላት ካብኔ የፅድቕ።
  4. ገዘፍቲ ዕማማት እቲ ካቢኔ ነፂሩ ይውህብ።

ካልኦት ክርአዩን ክልወጡን ዝግበኦም ዛዕባታት 

እዞም ዝስዕቡ እውን ለውጢ ክግበረሎም ይግባእ። 

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝምልከት

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ብዅሎም ውድባት ስምምዕ ዝተበፅሐሉ  አዋጅ መጣየሺ ግዜያዊ መንግስቲ ኣፅዲቑ ነዊሕ ዕረፍቲ  ይግበር። እቲ ቤት ምኽሪ ተመሊሱ ዝፅዋዕ፥ እቲ ግዜያዊ መንግስቲ እንተፈሺሉ ወይ ዕድሚኡ ምንዋሕ እንተ ኣድልዩ፣ ሕገመንግስቲ ንምምሕያሽ፣ ወይ መሰል ፍሉይ ጕዳይ እንተ ተፈጢሩ ጥራሕ ይዀን።

 መሓውር ግዝያዊ መንግስቲ 

አቲ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ  ስልጣን ቤት ምኽሪ  ደሪቡ ብዝሰርሕ (ስልጣን ምውፃእ ኣዋጅ  ብ ዘለዎ) ካቢኔ ዝምራሕ ይዀን። ቍፅሪ ኣባላት እቲ ካቢኔ ካብ ቍፅሪ ቢሮታት ዝገፍሐ ይዀን። ን ኣብነት፡ ካብ 30 ክሳብ 40 ብድምጺ ዝሳተፉ ኣባላት ይህልውዎ። እዙይ እውን ኣድላዪ ዘኢዀነ  ናይ ቤተ ዕይዮ ምጥያሽ ዘኢየግድድ (ዝተወሰኑ ምኽትላትን ሓለፍቲ  ኣብያተ ፅሕፈትን ኣባል እቲ ካቢኔ ገቢርካ ብ ምውሳኽ  ናይ ተሳትፎ ዕድል ን ምግፋሕ የኽእል)። ናይ ካቢኔ ወንበርን ናይ ቢሮን ካልኦት ሹመታትን  ብ ምይይጥ፣  ኣብ ሓደ ዝሰኣነ ብ ካሊእ ብ ዝክሓሰሉ ከይዲ፣  ዝተሸወሙ ሰባት ዕውታት ዝዀኑሉ ኣድላይን ሓጋዝን ምትዕርራይ ብ ዘካተተ መንገዲ ይውሰንን ይፍፀምን።

ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዅሎም  ውድባት ዝስማዕምዑሉ ሰብ ይዀን። ምስምዕማዕ እንተዘኢክኢሎም  75% ወይ ልዕሊዑ ድጋፍ ዝረኸበ ሕፁይ ይሓልፍ። ጥቆማ ሕፁያት፡ ብ ግቡእ ተሳትፎን  ግልፂ ብ ዝዀነ ከይድን ይእከብ። ተመራፂ ኣብ መወዳእታ እቲ ግዜያዊ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ መረፃ ቤት ምኽሪ ከም ዘኢይወዳደር ብ ኣዋጅ መጣየሺ ግዜያዊ መንግስቲ ይእገድ። እዚ  ምግባር እቲ ፕሬዚደንት ኣብ እተን ተነፂረን ዝወሃብኦ ስራሕቲ ጥራሕ  ንከትኵርን ናይ መፃኢ ስልጣን ናሓሰበ ኣብ ናይ ስልጣን ሕቱኽቱኽ ከይውዕል ንምግባርን እዩ። 

ብ ስምምዕ ዝስየም ፕረዚደንት ካብ ኵሎም  ውድባት ወፃኢ እንተዀይኑ፡ እቶም ውድባት ዕውት ንምዃን ዘድልዮ/ዘድልያ ኣድላዪ ምትዕርራይ ይገብሩ። እዚ ማለት ንምምራሕ ዝፅገም ሰብ ኣቕሚጦም ብ ድሕሪኡ ምስሕሓብን ምጕትታትን ኣይኽእሉን ማለት እዩ።

 ንእቲ ኸይዲ ዝመርሕ ሽማግለ

 ውድባት ዝገብሩዎ  ምይይጥ ንእቲ ከይዲ ምጥያሽ ግዝያዊ መንግስቲ  ከድንጕዮ ስለ ዘኢይግባእ፥ ኣብ መሰረታዊ ነገራት (መጣየሺ ኣዋጅ፣ ቍፅርን  ስርርዕን ካቢኔን ቢሮታትን፣ ናይ መስርሒ ኣንፈታትን) ብቕልጡፍ ተስማዕሚዖም መንግስቲ የጣይሹ። ኣብ ኣፈፃፅማን ካልኦት ዝርዝር ጕዳያትን እቶም ዝተስማዕምዑሎም ነገራት ዝግበር  ምይይጥ ዝመርሕ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ  ሸውዓተ ሰባት ዘለውዎ  ብፍቓድ  ኵሎም ውድባት  ጕጅለ መሸማገልቲ ይጣይሽ።

ግልፅነትን ቅንዕናን

ኵሎም ተሳተፍቲ ሰባትን ውድባትን ነዚ ከይዲ ብቕንዕና ከም ዝፍፅሙ ማሓላ ይፍፅሙ። ስሩዕ ብ ዝዀነ መልክዑ ንሚዲያ እዋናዊ ሓበሬታን መብራርህን  ብ ኵሎም ውድባት  ይውሃብ።

ኣማሕፅኖ

እዙ ሓሳብ  ብ ዘኢሻራዊነትን ብቕንዕናን ካብ ትግራዋይ ግዱስነትና ተበጊስና ዘቕረብናዮ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ኵሎም ተሳተፍቲ ወገናትን ሰብ ሚዲያን ብቕንዕና ርእዮም ከመሓይሹዎን ብ ቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንምእታው ከም መበገሲ ክጥቀሙሉን ንላበው።


እዙ ሓሳብ ብ 6 ኣብ ትግራይ ዝነበሩ፥ ኵነታት ብንቕሓት ዝከታተሉ ግዱሳት ምሁራን ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ እዩ። ል ግዝይኡ ኣስማቶም ክይሕባእ መሪፆም ኣለዉ።

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Tsegay

    February 18, 2023 at 4:22 pm

    ሰላም ሕቡኣን፥ “ህወሓት፡ ይሕመቕ ይፀብቕ ክሳብ ሀዚ ናመርሐ ዝመፅአ፣ ብዙሓት ኣባላት ዘለውዎ፣ ኣብ እቲ ቢሮክራሲ ይዅን ካሊእ ብዙሕ ኢድ ዘለዎ ስለ ዝዀነ ቀፂሉ ግዝፍ ዝበለ ብፅሒት ሒዙ ይሳተፍ።”

    ብከመይ ምክንያት ኢዩ ህውሓት ብግዝፍ ዝበል ብፅሒት ሒዙ ክሳተፍ ዘለዎ? ብዙሓት አባልት ስለዘለውዎ? ንትግራይ ዝምጥን ፖለቲካ ስለዘቅረበ ፣ ንትግራይ ምእከል ገይሩ ስለ ዝሰርህ ፣ ናይ ትግራይ ህዝቢ ቃልሲ ናብ ልዕል ዘበለን ፍረ ከፍርይ ስለዝገበረን ፣ ፍልጠትን ፣ ፅፉፍ ናይ አመሕድራ ክእለትን ስለዘለዎ? እንታይ ኢዩ ምክንያቱ?

    ብዘይካ እታ 17 ዓመት ቃልሲ ፣ ህውሓት ንሕዝቢ ትግራይ ረብሓ ዘሰርሓቶ ሐንቲ ሓብረለይ? መዓዝ ኢያ ህውሓት ንህዝቢት ትግራይ ረብሓ ሐሲባ ፖሊሲታት አውፃአ ትፈልጥ?

    ናይ ሐደ ከይዲ ፣ ፖሊሲ ፣ ውድብ መመዘኒ ብዘርእዮ ፍረ እንተኮይኑ ፣ ናይ ህውሓት ፍረ እንታይ ኢዩ?

    ህዝቢ ትግራይ ንህውሓት አሚኑ እንታይ ረኪቡ ፣ ብዘይካ ጥፍአትን ፣ ሞትን ፣ ዕንወትን ፣ ተስፋ ምቁራጽን ፣ ምብትታንን ፣ ሕፍረትን ፣ ናይ ትግራይ መሬት ናይ ጸላእቲ መዕደሪ ምካን።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT